መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)
Open in Telegram
መኑ ስምከ ( ሽምካ መን እዩ )? ነቅዕ ዘእምዐዘቅት ንፁሕ ወእማይ ዘኢይማስን ክርስቲያን ስምየ (ካብ ንፁህ ዐዘቕትን ካብ ዘይልወጥ ካብ ዘይነፅፍ ማይን ዝተረኸበ ክርስቲያን እዩ ሽመይ) ሕቶታትኩም @Megabemiki ።።።።፡።።።።።።።።።።።።።።።።።። ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሕቶን መልስን ይፀንበሩና 👇👇👇 @hadiswebluy
Show more1 458
Subscribers
-424 hours
-57 days
-2430 days
Data loading in progress...
Similar Channels
Tags Cloud
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Incoming and Outgoing Mentions
---
---
---
---
---
---
Attracting Subscribers
July '26
July '26
+22
in 0 channels
June '26
+10
in 0 channels
Get PRO
May '26
+13
in 0 channels
Get PRO
April '26
+19
in 0 channels
Get PRO
March '26
+6
in 0 channels
Get PRO
February '26
+4
in 0 channels
Get PRO
January '26
+9
in 1 channels
Get PRO
December '25
+24
in 0 channels
Get PRO
November '25
+3
in 0 channels
Get PRO
October '25
+16
in 0 channels
Get PRO
September '25
+92
in 1 channels
Get PRO
August '25
+22
in 1 channels
Get PRO
July '25
+16
in 2 channels
Get PRO
June '25
+15
in 0 channels
Get PRO
May '25
+15
in 0 channels
Get PRO
April '25
+24
in 0 channels
Get PRO
March '25
+20
in 0 channels
Get PRO
February '25
+17
in 1 channels
Get PRO
January '25
+21
in 0 channels
Get PRO
December '24
+34
in 0 channels
Get PRO
November '24
+42
in 0 channels
Get PRO
October '24
+44
in 0 channels
Get PRO
September '24
+35
in 0 channels
Get PRO
August '24
+75
in 0 channels
Get PRO
July '24
+62
in 0 channels
Get PRO
June '24
+79
in 0 channels
Get PRO
May '24
+32
in 0 channels
Get PRO
April '24
+45
in 0 channels
Get PRO
March '24
+67
in 0 channels
Get PRO
February '24
+25
in 0 channels
Get PRO
January '24
+40
in 0 channels
Get PRO
December '23
+21
in 0 channels
Get PRO
November '23
+23
in 0 channels
Get PRO
October '23
+152
in 0 channels
Get PRO
September '23
+25
in 0 channels
Get PRO
August '23
+42
in 0 channels
Get PRO
July '23
+48
in 0 channels
Get PRO
June '23
+58
in 0 channels
Get PRO
May '23
+26
in 0 channels
Get PRO
April '23
+25
in 0 channels
Get PRO
March '23
+12
in 0 channels
Get PRO
February '23
+20
in 0 channels
Get PRO
January '23
+88
in 0 channels
Get PRO
December '22
+49
in 0 channels
Get PRO
November '22
+56
in 0 channels
Get PRO
October '22
+58
in 0 channels
Get PRO
September '22
+27
in 0 channels
Get PRO
August '22
+92
in 0 channels
Get PRO
July '22
+111
in 0 channels
Get PRO
June '22
+103
in 0 channels
Get PRO
May '22
+146
in 0 channels
Get PRO
April '22
+143
in 0 channels
Get PRO
March '22
+149
in 0 channels
Get PRO
February '22
+115
in 0 channels
Get PRO
January '22
+136
in 0 channels
Get PRO
December '21
+190
in 0 channels
Get PRO
November '21
+20
in 0 channels
Get PRO
October '21
+86
in 0 channels
Get PRO
September '21
+186
in 0 channels
Get PRO
August '21
+28
in 0 channels
Get PRO
July '21
+60
in 0 channels
Get PRO
June '21
+200
in 0 channels
Get PRO
May '21
+43
in 0 channels
Get PRO
April '21
+65
in 0 channels
Get PRO
March '21
+57
in 0 channels
Get PRO
February '21
+4
in 0 channels
Get PRO
January '21
+14
in 0 channels
Get PRO
December '20
+628
in 0 channels
| Date | Subscriber Growth | Mentions | Channels | |
| 22 July | +2 | |||
| 21 July | +1 | |||
| 20 July | +2 | |||
| 19 July | +1 | |||
| 18 July | +1 | |||
| 17 July | 0 | |||
| 16 July | +3 | |||
| 15 July | +1 | |||
| 14 July | +1 | |||
| 13 July | 0 | |||
| 12 July | +2 | |||
| 11 July | 0 | |||
| 10 July | 0 | |||
| 09 July | +2 | |||
| 08 July | +2 | |||
| 07 July | 0 | |||
| 06 July | +1 | |||
| 05 July | 0 | |||
| 04 July | 0 | |||
| 03 July | +1 | |||
| 02 July | 0 | |||
| 01 July | +2 |
Channel Posts
Repost from መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)
http://t.me/QuizBot?start=kUn6Gez1
ሕድሕድ ሕቶታት እቲ መልሲ ምስ መረፅኩም 👉vote ዝብል ንኽእዎ ቀፂሊ ከሕልፈኩም እዩ
| 2 | ነዞም መንፈሳውያን ሕቶታት ብምስትውዓል መልሱ | 14 |
| 3 | ✔️ፍፁም ኣማኒ ✔️ኣናብስቲ ✔️ኣትማን
ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፤
ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። መዝ 90:13
ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።
ቅዱስ ዳዊት ተኽላንን ተመንን አንበሳን ገበልን ኢሉ ሰፊሕ ምሥጢር ገሊፁ እዩ።ሓይሊ እግዚአብሔር ከምኡ እውን እግዚአብሔር ነቶም ኣገልገልቱ ከመይ ዝበለ ሥልጠንን ሓይልን ሂቡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረታት ከምዘሰልጠኖም ንፈልጠሉ እዩ።
✔️ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሰይጣን፦
አንበሳን ተዅላን ንሓይሊ ርህሩህነት ዘይብሉ ዓመፅን ንግሁድ መጥቃዕቲ ሰይጣንን የመልክት።
✔️ከይሲ (ተመን) ዝበሎ ድማ ንተንኮል ንሕቡእ መደብን ንስውር መፃወድያ ሰይጣን ዘመልክት እዩ።
✔️አንበሳን ተኵላን (ግሁድ ሓይሊ)፦ ሰይጣን ብግሁድ መስደድን ብዓመጽን (ከም ቁጡዕ ኣንበሳ) ኣንፃር ኣማንያን ዝጥቀመሉ ሓይሊ እዩ።
✔️ከይሲ / ተመን (ስውር ተንኮል)፦ ሰይጣን ብስውር ው ግኣት፣ ብስሕተት ትምህርትን ብፍላስፋን ኣቢሉ ንኣማንያን ዘዕሽወሉ ተንኮል እዩ።
ከም ቅዱስ ጀሮም ኣገላልፃ አንበሳ ፦ ንመዓት ንቁጣዐ ንትዕቢትን የመልክት።
ከይሲ/ተመን ንምግዛእ ሓሳድነት ንሕሱም ምውዳቕን ንስውር ሕሱም መንፈስን የመልክት።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዓና ኣንፃር ፈተናታት ኩሉ ሓይሊ ዝህብ መንፈሳዊ ድልዱል ዋልታ እዩ። እቲ ንክርስቶስ ዝሰዓበ ሰብ፣ ንትዕቢት ይኹን ንስውር ሕሱም ተንኮል ሰይጣን ከም ዝረግፅወ ይነግረና።።።"
✔️እቲ ኣማኒ/ጻድቕ ሰብ ብሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ግሁድን ስውርን መጥቃዕቲ ሰይጣን ዝዕወተሉ ስልጣን ከም ዘለዎ የርእይ እዞም ሓያላት ጉበልበተኛታት ተባሂሎም ዝግለፁ ግዙፋት ፍጥረታት ነቲ ንኡስ ሓይሉ ዝደኸመ ዝመስል ኮይኑ ግና ሓይሉ እግዚአብሔር ዝገበረ ሰብ ኣጋንንቲ ከምዘይስዕሩዎን ኣብ ትሕቲ እግሩ ከምዝረግፆምን ዘርእይ ናይ ተስፋ ቃል እዩ።
✔️ኢየሱስ ክርስቶስ
ነቢያት ኣቐዲሞም ብትንቢት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወሪዱ ተወሊዱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሰልጢኑ ዝነበረ ክፉእ ርጉም ፀላኢ ክርስቶስ ብሞቱ ንሞት ሰዒሩ፣ ንዲያብሎስ (ነቲ ጥንታዊ ተመን) ኣብ ትሕቲ እግሩ ከም ዝረገፆን ዝሰዓሮን ዝገልጽ ትንቢታዊ ቃል እዩ።
✔️ዓወትን ሓይልን ኣማንያን
እግዚኣብሔር ንዝኣምኑን ኣብኡ ንዝፀንዑን ሰባት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሓይሊ ጸላኢ ዝስዕሩሉ መንፈሳዊ ሞገስ ከም ዝሃቦም ድማ ብደንቢ ገይሩ ይገልፅ።
✔️ገይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ቃል ሓልዮም ትእዛዙ ኣኺቡሮም ንዝኸዱ ንቅዱሳን ዝሃቦ ሓይልን ፅንዓትን እውን እዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት ተገሊፁ ጥራሕ ዝተረፈ ዘይኮነስ እቲ ሓይሊ ኣብ ዘመነ ሐዳስ እውን በርትዑ ብዝበለፀ ዝቕፅልን ኣማንያን ዝብርትዑሉ ተስፋን ዝሓዘ ስንቂ እዩ።። ✔️ሰብ ካብ ኃጢኣት ርሒቁ ምስ ኣምላኽ እንተሓቢሩ ኣራዊት ወይ ሰይጣን ኣይኮኑን ዘፍርሕዎ እንታይ ደኣ ብግልባጥ ኣራዊትን ሰይጣንን እዮም ንጻድቕ ሰብ ዝፈርሕዎ ወይ ንሱ እዮም ዘርዕዶምን ዝገዝኦምን እዚ ስለዝኾነ እዮም ጻድቅ #አቡነ #አረጋዊ ይኹኑ ካልኦትን ኣራዊትን ኣናብስትን ተፃዒኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ። ነቶም ተናኸስትን መርዛማትን ዝኾኑ ግሩማን ፍጥረታት በቲ ዝተውሃቦም ጸጋ ይእዝዝዎም ንመፅዓኛ ይኹን ንኻሊእ ይጥቀሙሎም ነይሮም እዮም።
✔️ኣዳም ቅድሚ ምውዳቁ፦ ኣዳም ኣብ ገነት እንተሎ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣራዊት ስልጣን ከም ዝነበሮ ሐዚ እውን ብክርስቶስ ዝተሓደሰ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንፈሳውያን ኣራዊት (ኣጋንንቲ) ተመሳሳሊ ስልጣን ተመሊሱሉ ኣሎ ይብል ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ እውን።
✔️ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ወንጌል ዝሃቦ ስልጣን ብልክዕ ነዚ ናይ መዝሙረ ዳዊት ሓሳብ ዘረጋግጽ ኮይኑ ንረኽቦ ኢና።
ወንጌል ዘሉቃስ 10:19-20
" ወናሁ ወሀብኩክሙ ሥልጣነ ትኪዱ ዲበ አቃርብት ወዲበ አራዊተ ምድር ወዲበ ኵሉ ኀይለ ጸላኢ ወአልቦ ዘይነክየክሙ።
(እንሆ፥ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ፀላእን ክትረግፁ፥ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፤ ዝጐድአኩምውን ከቶ የለን። ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።) እዚ ቀሊል ኣብ ኣራዊት ይኹን ካልኦት ነገራት ዘለዎም ሥልጣን ቀሊል ነገር ከምዝኾነን ልዕሊ እዚ ኣብ ሰማያት ስሞም ስለዝተፅሓፈ ክሕጎስሉ ዘለዎም እውን ንሱ ከምዝኾነ ነጊሩዎም እዩ።።
✔️ኀበ ሰብአ ሮሜ 16:20
ወአምላከ ሰላም ይቀጥቅጦ ለሰይጣን በታሕተ እገሪክሙ ፍጡነ ጸጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ የሀሉ ምስሌክሙ አሜን።
«ኣምላኽ ሰላም ድማ ንሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርኹም ድሕሪ ቐረባ መዓልቲ ከሓቕቖ እዩ።»
✔️ወንጌል ዘማርቆስ 16:17
ወዛቲ ተአምር ለእለ አምኑ በስምየ ትተልዎሙ በስመ ዚኣየ አጋንንተ ያወፅኡ ወበካልእ ልሳን ይትናገሩ ሐዲሳተ።
( ነቶም ዝኣምኑ፥ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ክኽተልዎም እዮም፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውፅኡ፥ ብሓደሽቲ ቛንቋታት ክዛረቡ) ብምባል ይገልፆ።
✔️ኣብ ብሉይ ኪዳን እውን ኣብ ኢሳይያስ 11፡8 ተመሳሳሊ ቃል ተገሊፁ እዩ።
"ወይወዲ እዴሁ ሕፃን ንኡስ ውስተ ግበ አርዌ ምድር ወውስተ ግበበ አፍዖት ወአልቦ ዘይነክዮ።"
ዝጠቡ ህፃን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤ ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥ ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ። ብምባል ናይ ክርስቶስ መንግስቲን ሰላምን ዘበስር ንኣጋንንቲ ድማ ቀጥቂጡ ኣብ ልዕሂኣቶም ሓይሊ ዝህበና ምዃኑ ይሕብር።።
እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ኣብ ኣምላኽ ሓይልን ዕቑባን እንተገይርና ሰይጣን ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ (ከም ኣንበሳ ብግሁድ ሓይሊ ወይ ከም ተመን ብስውር ተንኮል) እንተ መፀ ኣብ ትሕቲ እግርና ናይ ምእታዉን ናይ ምስዓሩን ስልጣን ተዋሂቡና ከምዘሎ ንርደአሉ እዩ።
ብክርስቶስ ኩሉ ከምዝከኣል ኣሚንና ንዝመፁና መከራታት ድማ ብሙሉእ እምነት ክንሰግሮ ከምዘለና ዝተውሃበና ሰማያዊ ሥልጣን ድማ ዓብዪ ከምዝኾነን ብግቡእ ክንጥቀመሉ ከምዘለናን ንርደአሉ ሰፊሕ ትምህርቲ እዩ።።
ኣንበሳ ብዓመጽ እንተመፀ ተመን ድማ ብተንኮል እንተመጸ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝፀንዐ ኣማኒ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዕውት እዩ።
አአምን ወእትአመን
ጎይታና ሓይሉ ጥበቡ ምሥጢሩ ይዓድለና
#ሚካኤልሚድያ #ኢየሱስክርስቶስ #ጸጋ
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ | 94 |
| 4 | ሰላም ፈተና ሰርሒኹም ውፅኢትኩም ዘየርኣየኩም እቲ ዝተውሃበ ናይ ሳዓት ገደብ ስለ ዝተወደአ እዩ ።
✔️ብኸምዙይ ንስራሓዮ ፦ ፈለመ ናብቲ ፈተና ምስ ኣተና እታ ናይ ሓንቲ መጀመርያ ሕቶ እያ ትመፀና ናዓኣ መሊስና ደው ይብል እዩ ተወሳኺ ሕቶ ኣየርእየናን ተወሳኺ ሕቶታት ንኽንረኽቦም ኣብታ ሕቶ መወዳእታ ዘላ " Vote" እትብል ነኺእና እቶም ዝተረፍ ሕቶታት ክንረክቦም ኢና ።
ሽዑ ሳዓት ከይመልአና ዝተውሃበና ደቓይቕ ብዝግባእ ሰሪሕና ምስ ወዳእና ውፅኢትና ክነግረና እዩ ። | 189 |
| 5 | http://t.me/QuizBot?start=kUn6Gez1 | 247 |
| 6 | ነዞም መንፈሳውያን ሕቶታት ብምስትውዓል መልሱ | 209 |
| 7 | ✔️ሓቀኛ ንስሓን ናይ ኣምላኽ ብዙሕ ምሕረትን የረድእ።
እስመ ኢመጻእኩ እጸውዕ ጻድቃነ አላ ኃጥኣነ ለንስሓ።
ምሕረት ደኣ እምበር፥ መስዋእቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ’ ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንሓጥኣን ናብ ንስሃ ኽፅውዕ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” በሎም።ማቴ። 9:13
ካብዚ ናባይ ተመለሱ ዝብል ኣዋጅ ምሕረት ንድሕሪት ክንብል የብልናን እግዚአብሔር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ'ሞ ናብኡ ንቕረብ።
እግዚአብሔር ብምሕረቱ ይምሓረና
#ሚካኤልሚድያ #ንስሃ #ምሕረት
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ | 136 |
| 8 | ✔️ ንስሓ ✔️ምሕረት ኣምላኽ
ይኅድግ ኃጥእ ፍኖቶ ወብእሲኒ ዐማፂ ምክሮ፤ ወይትመየጥ ኀበ እግዚአብሔር ወይሣሀሎ እንከ እግዚአብሔር እስመ ብዙኀ የኀድግ ለክሙ ኀጢአተክሙ።
እስመ ኢኮነ ምክርየ ከመ ምክርክሙ ወኢኮነ ፍኖትየ ከመ ፍኖትክሙ፡ ይቤ እግዚአብሔር።
(] ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ። “ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር። ኢሳ 55:7-8)
✔️እዚ ቃል እዚ ኣብ ወሽጡ ዓብዪ ፃውዒት ንስሃን ሕድገት ሓጥያትን ዝሓዘ እዩ። እግዚአብሔር ንሕና ካብ ውድቀትና ተላዒልና ናብኡ ክንቀርብ ንሱ ድማ ካብ ሓጥያትና ኣንፂሁ ክምሕረና ስለዝደሊ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ፃውዒትን ንስሃ ይገብረልና እዩ። እዚ ቃል ክንምርምሮ እንተለና እውን ሰብ መንገዲ ጽድቂ ክኽተል ካብ ኣምልኾ ጣዖት ይኹን ሓጥያት ክምለስ ሸኽሙ ከውርድ ዕረፍቲ ክረክብን ንዑ ናባይ እናበለ ይፅወዐና።።
እዚ ነብዪ ኢሳይያስ እውን ክፉእ ሓጥያትን መንገዲ ሞትን ክንገድፍ እግዚአብሔር ድማ ምሕረት ከምዝገብረልና ዝገልፅ ኮይኑ ብሕድሕድ ክንሪኦ እንተለና እዞም ዝስዕቡ ምሥጢራት ንረክብ፦
✔️ኃጥእ ፍኖቶ(ኃጥእ መንገዱ)፡ እዚ ፍኖት (መንገዲ) ተባሂሉ ዘሎ ናይ ኃጢኣት ልምዲ ናይ ዓለም ፍቕርን ካብ ኣምላኽ ናይ ምርሓቕ ክፉእ ኣካይዳን እዩ። ሊቃውንቲ ንስሓ ማለት መንገዲ ምቕያር ጥራሕ ዘይኮነስ ሓሳቡ ምቕያር እውን ምዃኑ የረድኡ። እቲ ኃጢኣት ኣብ ተግባር ክመጽእ እንተሎ ሓሳብ ስለ ዝቐደሞ ንስሓ ካብ ስሩ (ካብ ሓሳብ) ክጅምር ኣለዎ። ሐልዮ ነቢብ ተግባር ዝበሃል እንተዘይተመዓራርዮም ፀገም ስለዝፈጥር ሓጥያት ካብ ሐልዮ እውን ክንቀስ ስለዝግባእ እዩ ሓሳቡ እውን ዝብሎ ዘሎ።
✔️ወይትመየጥ ኀበ እግዚአብሔር (ናብ እግዚአብሔር ይመለስ) ንስሓ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ክፉእ መገዲ ሓዲግካ ናብ ሓቀኛ መገዲ (ናብ ኣምላኽ) ምምላስ የድሊ።
ንስሃ ብስሙ ጥራሕ ወይ ተመሊሰ እየ ምስ ካህነይ ተዛሪበየ ኢልካ ብምዝራብካ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ውሽጥኻ ኣሚኑሉ ነቲ ሕማቕ ስራሕ ተፀየፍካ ተጣዒስካ ንባዕልኻ እናወቐስካ ካልኣይ መዓልቲ ናብዚ ሓጥያት ኣምለስን ኢልካ ቆሪፅካ ተላዒልካ ብፍፁም ፍቕሪ ቀሪብካ ምሕረት ክትረክብ ይግባእ። ሓደ ሓዲኡ ውሽጡ ከይኣመነሉ ንስሃ ኣትየ እየ ኢሉ ዘብቅዕ ክህሉ ይኽእሉ እዩ ኮይኑ ግና ናብ እግዚአብሔር ይመለስ ዝብለና ዘሎ እግዚአብሔር ንፁሃ ባህርይ እዩ ኣነ እውን ንፁህ ክኸውን ኣለኒ ኢሉ ሓጥያቱ ኣሚኑ ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ እኩይ ስራሕ ሓዲጉ ናብ ጎይትኡ ክቐርብ እግዚአብሔር እውን ከምዝምሕሮ ክፈለጥ ኣለዎ ።።
✔️ወይሣሃሎ እንከ (ንሱ እውን ክምሕሮ እዩ ይብል፡ ሊቃውንቲ ነዛ ብዙኀ የኀድግ" (ብዙሕ ይቕረ ይብል) ትብል ቃል ዓብዪ ትኹረት ይህብዋ። እግዚአብሔር ንሓደ ሰብ ሓደ ግዜ ጥራሕ ምሒረካ ነይረ እየ ኢሉ ዝገድፎ ዘይኮነስ ኩሉ ግዜ ብንስሓ ናብኡ ክመጽእ እንተሎ ይቕሬታኡ ገደብ ከም ዘይብሉ የረድኡ።
✔️ሓሳብ እግዚአብሔር ከም ናይ ሰብ ሓሳብ ኣይኮነን እዚ መለኮታዊ ልዕልና ዝገልፅ ኮይኑ ከም ሰብ ዝቀያየር ወይ ገደብ ገይሩ በርታት ምሕረቱ ዝዓፁ ኣይኮነን ንምባል እዩ
✔️ኢኮነ ምክርየ ከመ ምክርክሙ፡ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም ኣይኮነን ሰብ ኃጢኣት ምስ ፈፀመ ብፍርዲ ወይ ብቅፅዓት እዩ ዝሓስብ ክጠፍእ ዶ ይኸውን ክምሕረኒ ድዩ ኣምሕረንን ወይ ክኹነን እየ ደጊም ኣኺሉኒ እዩ ኢሉ ምሕረት ከምዝተዓፀዎ ፍርዲ ከምዝረክብ ገይሩ ዝሓስብ ብዙሕ እዩ። እግዚአብሔር ግና ብምሕረት ብይቕሬታን ብድሕነትን እዩ ዝቕበለና እምበር ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ንጥፍኣትን ሞትን ዝፅበየና ኣይኮነን በቢጊዜኡ ናባይ ንዑ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ንስሃ እተዉ ዝብል ናይ ምሕረት ድምፂ ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን።።።
ሰብ ናይ ምሕረት ገደብ ክገብር ይኽእል እዩ እግዚአብሔር ግን ፍፁም መሓሪ ስለ ዝኾነ ንሰብ ከም ናቱ መንገዲ ኣይሓስብን እዩ ዝበለና ፍቕሩ ፍሉይ ስለዝኾነ እዩ።
✔️እዚ ምረሕት እዚ ንኹሉ ክፉት እዩ ሰብ ባዕሉ ከምዚ መንገዲ እንተዘይርሒቑ በታ ዝተሰአላ ሰዓት እግዚአብሔር ከምዝቕበሎ ክፈልጥ ኣለዎ። ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ዓብይን ብዙሕን እዩ።
ቅዱስ ደዊት ኣብ ሰብ ካብ ምውዳቕ ኣብ እግዚአብሔር ምውዳቅ ይሕሸኒ እግዚአብሔር ምሕረቱ ብዙሕን ዓብዪን እዩ እሞ ኢሉ ዝገለፆ ልቢ ንበሎ።
✔️ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንንስሓ ክጽውዕ እንተሎ ከምዚ ይብል፦
ኦ ኃጥእ! መንገድኻ ሕደግ ሓሳብካ እውን ለውጥ። ናብ ኣምላኽካ ተመለስ ንሱ መሓሪ እዩ። ሓሳበይ ከም ሓሳባትኩም ኣይኮነን ክብል እንተሎ ንስኻስ ኃጢኣተይ በዚሑ እዩ እሞ ኣይድሕንን እየ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን ኣምላኽ ግን በደልካ በዚሑ እንተሃለወ እውን ይቕሬታይ ካብ ሓሳብካ ዝለዓለ እዩ ኢሉ ይሓስብ ኣሎ ኢሉ ንኽንምለስን ይነግረና።
✔️ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ኢሳይያስ ቃል ናይ ተስፋ ፍልፍል ገይሩ ይወስዶ ኃጥእ ፍኖቶ/መንገዱ ሓዲጉ ናብ እግዚአብሔር ይመለስ ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ። መንገዱ መገድና ኣይኮነን መንገዱ መንገዲ ምሕረት እዩ መንገድና ግን መንገዲ ፍርዲ እዩ። ናብኡ ንመለስ ንሱ ይምሕረና እዩ ይብለና።።
✔️ማር ይስሐቅ እውን እግዚአብሔር መሓርን ይቕረ በሃልን ከምዝኾነን ካብ ምሕረቱ ዝዓቢ ሓጥያት ከምዘየሎ ንሓጥያትና ደምሲሱ ከምዘንፀሀናን እንትገልፅ ከምዚ ይብል ካብ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ዝዓቢ ኃጢኣት የለን። ረሲእ መገዱ ይሕደግ ናብ እግዚአብሔር ይመለስ ንሱ ይቕረ ይብል እዩ ሓሳበይ ከም ሓሳብኩም ኣይኮነን ክብል እንተሎ ንስኻ ኃጢኣትካ ክትቈጽር እንተለኻ ኣምላኽ ግን ምሕረቱ እዩ ዝቆፅር ኢሉ ምሕረቱ ጠሚትና ክንምለስ ከምዘለና ኣረጊፁ ይነግረና።።
✔️መሐሪ መፍቀሬ ሰብእ ኣምላኽና ርሀራሄኡን ፍቕሩን ብምንታይ ክልካዕ ይኽእል? በዲልካዮ እኳ ምሒረካ እዩ ኢሉ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ዘንግሰካ መን እዩ? ክትኵነን እናተገበአካ ሸሊሙ የንግሰካ ከም ኣምላኽና ዝበለ መን እዩ? ክትድሕን እምበር ክትጠፍእ ኣይደልየካን ነዚ ጥቕሲ ንርኣዮ፦
" ቦኑ ፈቂደ እፈቅድ ከመ ይሙት ኃጥእ፡ ይቤ እግዚአብሔር እግዚእ፡ ዳእሙ ከመ ይትመየጥ እምነ ፍኖቱ እኩይ ወይሕየው።
( ሓጢኣተኛዶ ኽመውት እፈቱ እየ? ፍታወይስ ካብ መንገዱ ኽምለስ፥ ብህይወት ከዓ ኽነብርዶ ግዳ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።ሕዝ 18:23)
✔️ሰማይ ካብ ምድሪ ከም ዝለዓል ምሕረቱ እውን ኣብቶም ዝፈርህዎ ከምኡ በርትዐ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ በደልና ካባና ከምኡ ኣርሓቖ።
✔️ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ሓሳብን ካብ ሰብ ሓሳብ እምብዛ ልዕል ዝበለ ምዃኑ የረድእ።
✔️ነብዪ ኢዩኤል ልብኹም ቅደዱ ዝበሎ ነስተውዕል
"ወሥጥጡ ልበክሙ ወአልቦ አልባሲክሙ ወተመየጡ ኀበ እግዚአብሔር እምላክክሙ እስመ መሓሪ ወመስተሣህል ውእቱ ርሑቀ መዓት ወብዙኀ ምሕረት ወጻድቀ ወይኔስሕ በእንተ እኪት።
(ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ። ኢዩ 2:13) | 129 |
| 9 | ትዕግሥቲ
ሰባት ስምካ እንተ ኣጥፊኡን ብሓሶት እንተ
ከሰሱኻን ንምክልኻል ከቶ ኣይትከራኸር እግዚአብሔር ስምካ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ስለዝፅሕፎ ሰባት ኣብ ምድሪ ስምካ እንተ ኣጥፊኦምዎ እንታይ ይጎድለካ? ናትካ ስቕታ እግዚአብሔር ንኽዋገኣልካ መገዲ እዩ ዝኸፍት ንስኻ ክትማጐት ክትለዓል እንተለኻ ግና እግዚአብሔር ኢዱ የልዕል።
ማር ይስሐቅ
ትዕግሥቲ ዝመስሉዎ ነገር የለን ሰባት ብፀለመ ይኹን ንዓኻ ንምድፋእ ክለዓሉ እንተለዉ ናብ እግዚአብሔር ኣሕሊፍካ ሃቦምደ ንሱ ባዕሉ ክዋገአልካ እዩ።
✔️ወእግዚአብሔር ይፀብእ ለክሙ ወአንትሙሰ አርምሙ። ዘጸ 14:14
እግዚኣብሄር ክዋግአልኩም እዩ እሞ ህድኡ
✔️ከምኡ እውን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ሰባት 12:19 ከምዚ ብምባል ይገልፆ
" ወኢትትበቀሉ ለሊክሙ አኀዊነ አኅልፍዋ ለመዓት እስመ ከመዝ ይቤ «አነ እትቤቀል ወአነ እትፈደይ ይቤ እግዚአብሔር።» "
( ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ)
✔️ሰባት ክጸርፉኻን ስምካ ከፀልሙን እንተለዉ ስቕ እንተበልካ እቲ ንዓኻ ዝፀረፈ ሰብ ባዕሉ ምስ ሕሊናኡ ክቃለስ ትሓድጎ ኣለኻ ማለት እዩ
✔️ስቕታ ንኹሉ ፈተናታት ይስዕሮ። ምስ ዝፀረፉኻን ምስ ዝኸሱኻን ክትከራከር እንተዘይደሊኻ እቲ ሰይጣን ንዓኻ ንምውዳቕ ዘዳለዎ መፃወድያ ኩሉ ባዶ ኮይኑ ይተርፍ።
ሙሴ ጸሊም
✔️ስምካ ብእከይ ክለዓል እንተሎ እግዚኣብሔር ኣሎ በል እምበር ንምክልኻል ኣፍካ ኣይትኽፈት። እቲ ብእከይ ዝዛረብ ሰብ ንነብሱ ይጎድእ ኣሎ፡ ንዓኻ ግን ናይ ትዕግስቲ ኣኽሊል የዳልወልካ ኣሎ። ቄርሎስ ሳድሳዊ
ብትዕግሥትን ምምላእን ኩሉ ነገር ንእግዚአብሔር ምግዳፍን ልዕልናን ክብርን ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። ፍረ ትዕግሥቲ እንታይ ከምዝመስል ፈፂምካዮ ምስሓለፍካ ኢኻ ትፈልጦ።
" ግነይ ለእግዚአብሔር ወተፀመዶ፤
ወኢትቅናእ ላዕለ ዘይዴሎ በሕይወቱ፤
ላዕለ ሰብእ ዘይገብር ዐመፃ።
ኅድጋ ለመዐት ወግድፋ ለቍጥዓ፤
ወኢትቅናእ ከመ ታሕሥም። መዝ 37:7-8
እግዚአብሔር ንፁህ ልቢ ይዓድለና
#ሚካኤልሚድያ #michaelmedia #ትዕግስቲ
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ | 109 |
| 10 | ድሕሪ ጸሎት ፈተና ክህልወና እዩ ተዳለዉ | 112 |
| 11 | 36 // ብኻሊእ ምሥጢር " ( ከማሁ በምድር ሲሳየነ ዘለለ ዕለትነ ሀበነ ዮም ) እንታይ ማለት እዩ ? | 133 |
| 12 | 35// ቅዱሳን መላእክት ከመስግኑ እንከለዉ በቢ ማዓልቲ _ ይውሰኸሎም | 121 |
| 13 | ✔️ መምርሒ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ትኽክለኛ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፅ / ፂ
34 // ፍጹማን ካብዚ ዓለም እዙይ ንዝኸዱ እንታይ እዩ ዘድልዮም | 130 |
| 14 | 33 // ኣብ ዓለም ዝነብር ሓደ ወዲ ሰብ ናይ ዕለት እንጀራኡ እንተ ሒዙ ኹሉ ንብረቱ ንነዳያን ክምጽዎት ይግባእ | 106 |
| 15 | 32// ቅዱሳን መላእክት ንእግዚአብሔር ምስ አመስገንዎ እቲ ምስጋና ንሱ ምግቢ እዩ ዝኾኖም | 95 |
| 16 | ✔️ መምርሒ እዞም ዝስዕቡ ምሉእ ሓሳባት ሓቂ / ጌጋ ብምባል ትኽክለኛ መልሲ ፃሓፍ / ፊ
31//" ወይኩን ፈቃድከ በከመ በሰማይ ከማሁ ምድር ሲሳየነ ዘለለ ዕለትነ ሀበነ ዮም " እዚ ማለት ፦መላእክት ኣብ ሰማይ ኣመስጊኖምካ እቲ ምስጋና ንሱ ምግቢ ኾይንሎም ከም ዝነብሩ ናዓና እውን ኣብዚ ዓለም እዙይ እንዳ ሃለና ናይ ዕለት ምግብና ናዓና ዝኸውን በቢ መጠና በቢ ዝምልከተና ሃበና በሉኒ ማለት እዩ | 104 |
| 17 | ሰላም ከመይ ውዒላትኩም | 97 |
| 18 | ጸሎት ነብፅሕ ዶ? ኣብ መዓልቲ ክንደይ ጊዜ ንጽሊ ኣየናይ ጸሎት እዩ ክንጽልዮ ዝግባእ? ጥቕሚ ጸሎት እንታይ እዩ? ከመይ ኢልና እንተጸለና እዩ ጸሎትና ዝስማዕ? subscribe ብምባል https://youtu.be/5gCZEtZ_vAQ የድምፁ | 132 |
| 19 | ካልኣይ ክፋል ዝቐፀለ
✔️ኣብርሃም ✔️ይስሐቅ
እቲ ኣብርሃምን ይስሐቅን ዝገበሩዎ ጉዕዞ ክሳብ ወድኻ ናብ መስዋእቲ ምቅራብን ይስሐቅ ክሳዕ ሞት ምእዛዝን ዝሓዞዓብዪ ምሥጢርን ምሳለን እዩ።
እግዚአብሔር ንአብርሃም ከምዚ ምባሉ ደም ይስሐቕ ደልዩ ወይ ንአብርሃም ከሕዝን ኢሉ ኣይኮን ናይ አብርሃም እምነት ናይ ዲያብሎስ ክንቱነት ናይ ይስሐቅ ተኣዛዝነት ኣረጋጊፁ እግዚአብሔር ብወዱ ገይሩ ዓለም ከምዘድሕነኖ ንሓደ ወዱ ውረድ ተወለድ ተሰቐል ሙት ኢሉ ወልድ ኣብ መስቀል ከምዝስቀልን ዝገልፅ እዩ።።
✔️እዚ ፍጻመ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ምሥጢረ መስቀልን ሕማማት ክርስቶስን ዝተተሓሓዘ ዓሚቝ ትርጓመ ዝሓዘ እዩ።
ዕንጨይቲ ምሽካሙ ይስሐቅ ንመስዋእቱ ዝኸውን ዕንጨይቲ ባዕሉ ተሰኪሙ ናብቲ እምባ ደይቡ እዩ።
እዚ ፍፁም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሳል እዩ። ክርስቶስ እውን ንዕኡ ንምስዋእ (ንመስቀል) ዝኸውን ዕንጨይቲ (መስቀል) ባዕሉ ተሸኪሙ ናብ እምባ ቀራንዮ ደይቡ እዩ።
✔️ካራን ሓውን
እቲ ሓዊ ናይ መለኮት (መለኮት መብላዒ ሓዊ እዩ) ኣምሳል ክኸውን እንተሎ እቲ ካራ ድማ ናይቲ ሞት (ፍርዲ) ኣምሳል እዩ። ክርስቶስ ናይ መለኮት ሓዊ ሒዙ፣ ነቲ ናይ ሞት ካራ ክስዕር ናብ ቀራንዮ ወፂኡ እዩ።
✔️"ሕረደኒ" ኢሉ ምእዛዙ ይስሐቅ ብሰንሰለት ከይተገደደ ባዕሉ ተኣሲሩ ንመስዋእቲ ምቕራቡ፦ ክርስቶስ ብገዛ ፍቃዱ "ነፍሰይ ባዕለይ ክህባ እምበር ካባይ ዝወስዳ የለን" (ዮሐ. 10፡18) ከም ዝበለ ዘርእይ ዓብዪ ምሥጢር ዝሓዘ እዩ። ይስሐቅ ንኣቦኡ "ኣቦይ ሕረደኒ ፍቓድ እግዚአብሔር ይፈጸም ከም ዝበለ ክርስቶስ እውን ኣብ ጌተሴማኒ "ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን" ኢሉ ንሞት ተኣዘዘ።
እዞም ክልተ ኣቦታት (ኣብርሃምን ይስሐቅን)፣ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮ ናይ መወዳእታ ናይ ፍቕሪ መስዋእቲ ቅድም ኢሎም ብግብሪ ዝተርጐሙ ናይ እምነት ጀጋኑ እዮም ኢሎም ሊቃውንቲ ይገልፁዎም።።።።
✔️✔️✔️ጉዕዞና እንታይ ይመስል ዘጋጥሙና ፈተናታት ብኸመይ ንስገሮም ነዞም ቅዱሳን ኣቦታትና ፅንዓት እምነቶም ቆራፅነቶም ኣብ እግዚአብሐር ዘለዎም መሉእ እምነትን ተስፋን ኣብነት ገይርና ንዝገጥመና ኩሉ ስዒርና ንውፃእ።
ኣብርሃም ዝገጠሞ ፈተና ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። እግዚአብሔር በቲ ሓደ ወገን ብይስሐቅ ዘርኢ ክጽውዓልካ እዩ ኢሉ ተስፋ ሂቡዎ ነይሩ በቲ ሓደ ወገን ድማ "ንይስሐቅ ወድኻ ሕርዶ ዝብል ትእዛዝ ሂቡዎ። እዚ ንኣእምሮ ሰብ ኣዝዩ ዝጋጨው እዩ። ኣብርሃም ግን ብኸመይ ኣሚኑ?
✔️ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝገለፆ "ኣብርሃም እግዚአብሔር ንይስሐቅ ካብ ምዉታት እኳ ከተንስኦ ከም ዝኽእል ስለ ዝኣመነ እዩ" (ዕብራውያን 11፡19)። ይብል
✔️ኣብርሃም "ኣምላኽ ተስፋኡ ኣይጠልምን እዩ ስለዚ ዋላ እኳ እንተሓረድክዎ ካብ ሓመድ ከተስኦ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ እዩ እዚ ድማ ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ምግባሩ መፃሕፍቲ ኣብ ዘይተፅሓፉሉ ሕጊ ኣብ ዘይተውሃበሉ ብእምነት ዝተገለፀ ዓብዪ ምስጢር እዩ።
ናይ አብርሃም እምነት ይዓድለና ከም ይስሐቅ ድማ ተኣዘዝቲ ይግበረና።።
#ሚካኤልሚድያ #አብርሃም #ይስሐቅ
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ | 136 |
| 20 | 30 // " ወይኩን ፈቃድከ በከመ በሰማይ " እንታይ ማለት እዩ ? | 163 |
