en
Feedback
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)

መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)

Open in Telegram

መኑ ስምከ ( ሽምካ መን እዩ )? ነቅዕ ዘእምዐዘቅት ንፁሕ ወእማይ ዘኢይማስን ክርስቲያን ስምየ (ካብ ንፁህ ዐዘቕትን ካብ ዘይልወጥ ካብ ዘይነፅፍ ማይን ዝተረኸበ ክርስቲያን እዩ ሽመይ) ሕቶታትኩም @Megabemiki ።።።።፡።።።።።።።።።።።።።።።።።። ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሕቶን መልስን ይፀንበሩና 👇👇👇 @hadiswebluy

Show more
1 430
Subscribers
-224 hours
-97 days
-2930 days
Posts Archive
ሰማይ ትኸፍተሉ ምጢር ሰማይ ዝዕፆ ዝኽፈት ንመን እዩ? ብዕለተ ሩፋኤል እንታይ ተፈፂሙ?ሕድገት ሓጥያት ክሳብ መዓዝ እዩ? https://youtu.be/txjmmxVLYA8 የድምፁ

ሰማይ ተኸፊቱ ኣየናይ ሰማይ እዩ? ጾመ ዮዲት ዝበሃል ኣብ ጳጉሜን ኣሎ ዶ? ሩባታት ከይድካ ምሕፃብ ሓጥያት የፅሪ ዶ? https://youtu.be/XcA047v788c የድምፁ

እዚ ምሥጢር ፈሊጥናዮ ዲና? ህይወትና ብምንታይ ተሓፂሩ? መቓብር ከፊቱ ዝወፀ.... https://youtu.be/z0yPco0lxC4 የድምፁ

ከምዚኦም ዝብሉ መራሕቲ ሃይማኖት ካበይ አዮም? ኣባጊዐይ ትብትኑ ወለኹም ? ብሰንኪ መራሕቲ ሃይማኖት ምእመናን ይብተኑ! - ክልተ ሞት | Megabe Hadis Michael G/Kristi’s Michael Media https://youtu.be/qla4bdqQyYg የድምፁ

ድሕሪ ምውላድ ምሥጢረ ተክሊል ይፍፀም ዶ? ድንግልን ዘይድንግልን ዝኸመይ ይምርዓዉ? subscribe ብምግባር https://youtu.be/0Ccn-E3QG_Y የድምፁ

ህይወቶም ዘረከቡ ንምንታይ እዩ? ድርቂን መከራን ንምንታይ በዚሑ? ብንስሃ ተመሊሶም ዝረኸቡዎ ኣሎ https://youtu.be/KOcxpjLqN6c የድምፁ ናብ ኩሉ የባፅሑ

ሰላም ከመይ ሓዲራትኩም እዞም ለምቅነ ናብዚ ዝላኣኹ ዘለዉ  ናይ ምልላይ መልእኽትታት ናይ ዝኾነ Companies Businesses ፡ (ኩባንያታት ) ባዓሉ እቲ ቴሌግራም ዝልእኾም ዘለዉ እዮም  እሞ እቲ ሊንክ ካብ ምንካእ ንቖጠብ 🙏

ደጊምካ ከይትፍፅሞ :ዕርገታ ለማርያም /መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ Michael Media https://youtu.be/1d9HaSwNDt0

ጎይታና ኣብ ቂሳርያ ንሓዋርያት ደቂ ሰባት ንዓይ መን ይብሉኒ ኢሉ እንትሓቶም ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ኤርምያስ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቅ ገሊኦም ካብ ነብያት ሓደ ሙሴ ይብሉኻ ኢሎምዎ ስለዝነበሩ ሙሴ ኤልያስ ወይ እውን ካብ ነቢያት ሓደ ከምዘይኮነ ንኽምስክሩ መፁ። እንትምስክሩ እውን እግዚአ ሙሴ እግዚአ ኤልያስ ይበሉኻ እምበር ናትና ፈጣሪ ንዓኻ መን እዩ ሙሴ ኤልያስ ዝብለካ ኢሎም መስከሩ።።። ማቴ 16:13-15 ብተወሳኺ ሙሴ ብሕይወተ ሥጋ እናሃለወ ገፅካ ክርኢ ይደሊ እየ ይብሎ ነበረ ጎይታ ብመለኮቱ ዋላ ሓደ ሪኢዎ ስለዘይፈልጥ "አልቦ ዘይሬኢ ገፅየ ወየሐዩ አሐተ ሰዐተ" ዘጸ 33:18-20 ገፀይ ሪኡ ሓንቲ ሰዓት እኳ ጠጠው ክብል ዝኽእል የለን እሞ ኣብ ደብረ ታቦር ሥጋ ለቢሰ ምሥጢረይ ክገልፅ እንተለኹ ክትሪኡኒ ኢኹም ኢልዎም ስለዝነበረ በዚ መሠረት ኣምላኾም ንምርኣይ ናብ ደብረ ታቦር መፁ።። ናብዚ ደብረ ታቦር ዝደየቡ ገሊኦም ዝተመርዓው ገሊኦም ዘይተመርዓው ገሊኦም ሙውታን ገሊኦም ሕያዋን ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ነቢያት እዮም።። እዛ ናይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስተ ሰማያትን ምሳሌ ዝኾነት ደብረ ታቦር ተሕልፎ ዘላ መልእኽቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ዝኣትዉ ደናግል፥ መዓስባን፥ ነቢያት፥ ሐዋርያት ኩሉ ብክርስቶስ ዝአመነ ከምዘአቱ ንኽትሕብር እዩ።።።።።። ንስንሳቶም እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክፅልዩ ተሰምዑ ምውት ንሕያው፤ ሕያው ንምውቱ ሙሴ ንሕያዋን ኤልያስ ንምውታን። እዚ ማለት ኣብ ምድሪ ዘሎ ንዝሞቱ ከምዝፅልየሉ ዝሞተ ድማ ንምድሪ ዘሎ ከምዝፅልየሉ ብደንቢ ገይሮም ኣምሂሮም ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም ምፅላዮም እዚ ብኣምላኽ ቅቡል ምዃኑ ከመይ ዘድንቕ እዩ ነዚ ደብረ ታቦር ብብርሃነ መለኮት በርሀት ሓዋርያት ናይ ክርስቶስ ብርሃነ መለኮት ምስረኣዩ ብድንጋፀ ከም በድኒ ኾኑ ኣብ ቅድመይ ዋላ ሓደ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን ከምዝበለ ብርሃነ መለኮቱ ምስገለፀ ሓዋርያት ብድንጋፀ ኣእምሮኦም ሲሒቶም ወደቁ ሓደ ሓደ ጊዜ ዝጠራጠርሉ ዝነበሩ ክርስቶስ ኣብዚ ኣምላኽነቱ ምስ ረኣዩ ከምዘይነበሩ ኾኑ።።። ከመይ ዘደንቕ ነገር እዩ ንሙሴ ጭንጋፍ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ግንባሩ ስኢሉሉ ካብ ደብረ ሲና ናብ ህዝቢ ምስ ወረደ ሙሴ ግንበሩ ኣንፀባሪቕዎም ሙሴ ገፅካ ሸፍነልና ምርኣይ ሲኢንና እንትብልሉ ግርማ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ዘብርሀ ኣምላኽማ ከመይ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ክበሃል ይከኣል??። ንፁሃን መላእክት ብርሃነ መለኮቱ ከየቃፅሎም በክልተ ክንፎም ገፆም ብኽልተ ክንፎም እግሮም በኽልታ ክንፎም የማንን ፀጋምን ዘርጊሖም ዝንቅጥቀጥሉ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ንኸምህር ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱ ገለፀ።።። ካብ ደብርታት ደብረ ታቦር ዝመረፀሉ ምኽንያት ትንቢቱ ምሳሌኡ ንኽፍፅም ትንቢት" ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ ወይሴብሑ ለስምከ " መዝ 89:12-13 ተባሂሉ ተተንቢዩ ነይሩ ነዚ ትንቢት ንምፍፃም። ምሳሊኡ ከዓ ኣብ ደብረ ታቦር ባርቅ ዲቦራ ብሥጋ ዓወት ቀኒዕዎም ፀላኢ ኣሸኒፎም እዮም ሰማያዊ ምድራዊ ንጉሥ ክርስቶስ እውን ፀላኢ ዲያብሎስ ኣሸኒፉ ንደቂ ሰባት ዘኽብረሉ ደቂ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኾም ክርስቶስ እናመሰግኑ ብመስቀል ሰይጣን ከምዝቕጥቅጡ ከፍልጥ ናብ ደብረ ታቦር ወፀ። እዚ በዓል ናይ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ትሸዓቲኦም ዓበይቲ በዓላት ሓደ እንትኾን ምሥጢር ዝረሓቐና ቀሪብና ከም ጴጥሮስ ዮሐንስ ያዕቆብ ክብሪ ንኽንርኢ ውሽጣዊ ኣእዛንና ዘርጊሕና ልብና አንፂህና ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኢልና ምሥጢሩ ክንሓፍስ ይግባእ።። እግዚእነ ወአምላክነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓድና ሰላም ይግበረልና። መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ ኢ/ር/ Subscribe youTube https://youtube.com/channel/UCpAmcZbBa1vvW28Tq1m-0LQ Facebook https://www.facebook.com/mikiale.g Telegram https://t.me/+UYdhcR_hdlUqHheR

"ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ ወይሴብሑ ለስምከ መዝራዕትከ ምስለ ኃይል" (ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ። ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት። መዝ 89:12 - 13) ደብረ ሲናን ደብረ ታቦርን ኣብ ደብረ ሲና ፈጣሪና እግዚአብሔር አብ ኣብ ሙሴ ሓዲሩ ብርሃነ መለኮቱ እንትገልፅ ኣብ ደብረ ታቦር ከዓ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ አብኡ ህልው ኮይኑ ብርሃነ መለኮቱ ናይ ባሕርይ ክብሩ ገሊፁ እዩ።።። ሊቃውንቲ ብሉይ( ዘመነ ኦሪት) ንእግዚአብሔር አብ ሐዲስ ኪዳን ንእግዚአብሔር ወልድ ሂቦም የመሥጥርዎ። እዚ ክብሉ እንተለው ግን #እግዚአብሔር አብ ኣብ ሐዲስ #እግዚአብሔር ወልድ ኣብ ኦሪት ዘይለው ኮይኖም ኣይኮነን እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ሙሉእ እዩ አብ፥ ወልድ፥ መንፈስ ቅዱስ ብሽሞም ሰለስተ ብመለኮት ብባህርይ ብፍቓድ ሓደ ኣምላኽ ስለዝኾኑ አብ ካብ ወልድ፣ ወልድ ካብ አብ፣ መንፈስ ቅዱስ እውን ካብ አብን ወልድን ዝተፈለዩሉ ጊዜ የለን።። እንተኾነ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ ናይ ሥላሴ ምሥጢር ተጎሊሁ ኣይተፈለጠን ነይሩ " መኑሂ እምኢያእመሮሙ ለሥሉስ ቅዱስ ዘእንበለ እምድኅረ ዘተሠገወ ወልድ ዋህድ እምቅድስት እሙ" ከምዝብል ሃይማኖተ አበው ነዚ እውን እዩ ወልድ ኣብ አብ ህልው ኮይኑ ሙሴ ናብ ደብረ ሲና እንትወፅእ ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ናብ ህዝቡ ንኸምህር ንኽምስክር ናብ ደብረ ሲና ኣውፀኦ። ደብረ ሲና ናይ እግዚአብሔር ሕጊ ናብ ደቂ ሰባት ዘመሐላለፈት ብብርሃነ መለኮት ዝተኸበበት እግዚአብሔርን ሙሴን ዝተዘራረቡላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እያ።። ዘጸ 19 ሙሴ ናብ ደብረ ሲና እንትወፅእ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሐዲስ ኪዳን ዝገብሮ ነገር አቐዲሙ ስለዝተገለፀሉ ደብተራ ኦሪት ንኽሰርሕ ነዚ መምርሒ ንዝኾነ ሕጊ ዝተሓገገሉ ትእዛዝ ንኽቅበል መዓንጥኡ ተዓጢቑ ጫምኡ ኣውፂኡ ነብሲ ኣንፂሁ ናብዛ ቅድስቲ እምባ ወፀ።። ዘጸ 19:20 ሙሴ ናብዛ እምባ ክወፅእ እንተሎ ሌዋውያን ካህናተ ኦሪት ኣብ ማእኸል እቲ እምባ ህዝበ እስራኤል( እስራኤል ዘሥጋ) ኣብ ታሕቲ ገዲፉ ንሱ ናብ ላዕሊ እቲ ደብሪ ወፂኡ ሸውዓተ ዓምደ ብርሃን ተዘርጊሒ ረኺቡ ሽድሽቲኡ መጋረጃ ብርሃን ሓሊፉ ኣብቲ ሻውዓይ ኣትዩ ቃል ብቃል ምስ እግዚአብሔር 34 መዓልቲ ተዘራሪቡ ሽድሽተ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ ዝተፈጠሩ ፍጥረታት ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ልቦንኡ ቀሪፁሉ ድሕሪ 40 መዓል መመሓደሪ ሕዝበ እስራኤል ዝኾነ ሕገ ኦሪት ተቀቢሉ ወሪዱ እዩ።። ዘጸ 31:18 ኣብዚ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ከተማ ንዝነበሩ ንኤልዳድን ንሙዳድን እውን ተገሊፁ እዩ። ዘኁ 11:26 እግዚአብሔር ኣብ ግንባር ሙሴ ክንዲ ኣድሪ ትኸውን ብርሃነ መለኮቱ ስኢሉሉ ናብ እስራኤል ምስ ወረደ ኣብ ገፁ ዝተስኣለ ብርሃነ መለኮት ስለዘንፀባረቖም "ሙሴ ሙሴ ተገልበብ ለነ" ዘጸ 34፡29 ሙሴ ሙሴ ገፅካ ሸፍነልና ኢሎምዎ እዮም እዞም ህዝቢ ኣብ እግሪ ከተማ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና እናሃለወ ነቲ እምባ ብፀልማት ብንፋስ ብጣቃ ሸፊኑ እናፈጠነ ብዝወቅዕ ነጋሪት ገሲፅዎም ነይሩ እዩ እዞም ህዝቢ ብፍርሒ ወደቑ ኮይኑ ግን ከይስምብዱ ሙሴ ኣረጋጊዕዎም እዩ ከምዚ ከዓ በሎም" እግዚአብሔር በዚ ዘፍርሕ ነገር ዝተርአየኩም ትእዛዙ እንተሓሊኹም ንሱ ድማ ካብ ፀላኢ ከምዚ ሓፂሩን ኣኽቢሩን ከንብረኩም እዩ ትእዛዙ እንተዘይሓሊኹም ግን ከምዚ ገይሩ ከጥፈአኩም እዩ ኢሉ ኣረጋጊዑዎም እዩ" ነዚ ሕገ ኦሪት ንኽሕልውዎ ድማ ኣጠንቂቕዎም እዩ።። ደብረ ታቦር ምስ ደብረ ሲና ክነነፃፅር እንተለና ደብረ ሲና ምሳሌ እንትኾን እዩ ደብረ ታቦር ከዓ አማናዊ እዩ ኣብ ደብረ ሲና ናይ ሓዲስ ኪዳን መፀናሒ ዝኾነ ሕገ ኦሪት ከምዝተረኸበ ኣብ ደብረ ታቦር ከዓ አማናዊ ሕጊ ዝሃበ በዓል ዋና ናይ ኦሪትን ሓዲስን ሕጊ ዝመስረተ ኢየሱስ ክርስቶስ ተረኺቡ ብርሃነ መለኮቱ ገሊፁ እዩ። ማቴ 17:1- ኣብ ደብረ ሲና ታቦተ ሕጉ ንሙሴ ተዋሂቡ ደብተራ ኦሪት ተመስሪቱ እዩ ኣብ ደብረ ታቦር ድማ ሓዲስ ኪዳን ፀኒዑ ናይ ሐዲስ ኪዳን ሠራዔ ሕግ ክርስቶስ ተረኺቡሉ እዩ። ✔️ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተምሳሌት ዝኾነት ደብረ ታቦር ክድይብ እንተሎ ካብ ደቀ መዛሙርቱ 3 ሒዙ ደይቡ እዩ እዚኣቶም እውን ጴጥሮስ፥ዮሐንስን ያዕቆብን እዮም እቶም ሸሞንተ ይሁዳ ሓዊሱ ግን ኣብ ታሕቲ ገዲፍዎም ደይቡ እዩ። ስለምንታይ እንተበሉ? ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ስለዝነበረ ንይሁዳ ኣብቲ ናይ ባህርይ ክብሩ ዝገልፀሉ ምስጢር ከሳትፎ ስለዘይደለየ ንበይኑ ንይሁዳ ገዲፍዎ ንኸይድይብ ከዓ ይሁዳ ምኽንያት ንኸይገብር ኣነ ንኢየሱስ ክርስቶስ አሕሊፈ ዝሃብክዎ(ዝሸጥክዎ ንኽስቀል ዝገበርክዎ) ካብቲ ምሥጢሩ ስለዝኸልከለኒ እዩ ንኸይብል።። ኮይኑ ግና ኣብ ደብረ ታቦር ምሥጢሩ እንትገልፅ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ከተማ ንዝነበሩ ንኤልዳድና ንሙዳድ ከምዝተገለፀሎም ኣብዚ ደብሪ ንሰለስቲኦም ሐዋርያት ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ታሕቲ ንዝነበሩ ሸሞንቲኦም ሓዋርያት እውን ምሥጢሩ ገሊፅሎም እዩ።። ኣብ ደብረ ሲና ሙሴ ሽድሽተ መጋረጃ ብርሃን ሓሊፉ ኣብቲ ሻውዓይ ኣትዩ ምስ እግዚአብሔር ከምዝተዘራረበ ኣብ ደብረ ታቦር ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ባህርይ ኣቡኡ ምስ አብ እንትዘራረብ ሓዋርያት ሰሚዖም እዮም።። "ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ወሎቱ ስምዕዎ" ዝፈትዎ ዘፍቅሮ ብዕኡ ክምለኽ ምስክር ክኾነኒ ናባኹም ዝሰደድክዎ ብመለኮት ምሳይን(አብ) ምስ መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ዝኾነ ወልድ ናይ ባህርይ ወደይ ንሱ እዩ ስምዕዎ በሎም። ✔️ስለምንታይ ነዚ ቃል ኣልዒልዎ ጴጥሮስ ዮሐንስ ያዕቆብንስ ስለምንታይ ሒዝዎም ደይቡ እቶም ካልኦት ሒዙ ዘይደየበ???? ሰለስቲኦም ሒዙ ዝደየበ ጴጥሮስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመውት እየ እንትብሎም እንተሎ "ሐሰ ለከ" ብፍፁም ኣይትመውትን ኢሉዎ ስለዝነበረ ክመውት ከመዘለዎ እንተዘይሞይቱ ዓለም ከምዘይድሕን ክፈልጥ ስለዘለዎ ሊቀ ሓዋርያት ካብ እግዚአብሔር አብ ምስክርነት ክሰምዕ ስለዘለዎ ናብ ደብረ ታቦር ሒዝዎ ወፂኡ እዩ ምስ ወፀ ድማ ከምዝተብሃለ እግዚአብሔር አብ "ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ወሎቱ ስምዕዎ" ዝብል ቃል ሰሚዑ እዩ።። ዮሐንስን ያዕቆብን ዘውፀአሉ ምኽንያት እዚኦም ሒዝሉ ዝወፀ ምኽንት ከዓ አዲኦም ማርያም ባውፍልያ ናብ ጎይታ ኽተምፅኦም እንተላ ነቲ ሓደ ብየማንካ ነቲ ሓደ ከዓ ብፀጋምካ አንግሰለይ በለቶ ንሳቶም እውን ብፀጋምካ በየማንካ አንግሰና ኢሎምዎ ነበሩ ኮይኑ ግና ጎይታ ናብዚ ዓለም ዝመፀ ንደቂ ሰባት ምድራዊ ንግሥና ክሾም ክሽልም ዘይኮነስ ተገሪፉ ተሰቒሉ ሞይቱ ተሲኡ ዓለም ንኸድሕን ሰማያዊ ንግሥና፣ ክብሪ፣ ቅድስና ክህብ ከምዝመፀ ከፍልጦም ናብ ደብረ ታቦር ሒዝዎም ወፂኡ እዩ ✔️ብተወሳኺ ንፍቅሩ ይስስዑ ስለዝነበሩ ጴጥሮስ ኣይትሞትን ዝበሎ ንፍቅሩ ስለዝስስዕ ዮሐንስን ያዕቆብን ኣብ የማንካን ፀጋምካን ኣምግሰና ማለቶም እውን ንፍቕሩ ስለዝስስዑ እዩ። ኣብዚ ደብሪ ካብ ሓዋርያት ሰለስተ ካብ ሙታን ሙሴ ካብ ዝተሰወሩ ኤልያስ መፂኦም ነበሩ ኤልያስና ሙሴ ዝመፁሉ ምኽንያት

✔️ ብዙሕ ምሥጢራት ኣጠቓሊሉ ሒዙ ንእሽተይ ዝመስለና ዘሎ ብጣዕሚ ዓቢ እዩ ። እዙይ ፈሊጡ ምስጢሩ ተረዲእዎ ዝጸለየ ሰብ  ብኣርባዕቲኡ ማኣዝናት ዓለም ከቢብ ሓጢኣቱ ከም ቅረፍቲ እናተቐረፈ እንተቐረፈ ይወድቀሉ ምጽላይ ጥራሕ ኣይኮነን ምሥጢር እንተ ተረዲኡካ ስለ ሓጢኣትካ ክትንሳህ ኢኻ ማለት እዩ ። ✔️ ስለዚ ክትጽሊ እንከለኻ ስለ ሓጢኣትካ ስባኤ ተዋሂቡካ እና ወደቕካ እናተሳእኻ ክትፅሊ እንከለኻ እዙይ ኢኻ ትጽሊ ዘለኻ እዙይ ክንጽሊ እንከለና ሓጢኣትና ከም ቅረፍቲ እና ተቐረፈ ይወድቀልና ከም ሻሽ ኣብ ትሕተኻ ተነፂፉ ትእዝዞ ተወግዶ ካባኻ ማለት እዩ  ሓጣውእ ፥ ፍትወታት ፡ እኲያት ዝባሃሉ ካባኻ ይርሕቑ ንፅህና ገንዘብ ትገብር ማለት እዩ  ንፅህና ገንዘብካ ገይርካ ትነብር ኣለኻ ማለት እዩ ✔️ እዙይ ዘይፈለጦ ዝነበር ሰብ ካዓ ከይተረደኦ ዝፅልዮ ናብ ሓጢኣት እናኸደ ዝጽልዩ ሰብ ካዓ  መቕዘፍቲ ወይ ካዓነይ ፍዳ  ፡ እና ሰብሰበ እና ሰብሰበ ዝነብር ኣይተረደኦን ፡ ዝጽልዮ ዘሎ ጸሎተሰ ስለዚ እንጽልዮ ጸሎት እንታይ እዩ ነመስገኖ ዘለና ምስጋና እንታይ ኢልና ክንሓስብ ኣለና ። ጸሎትና ብሰነ - ስርዓት ክንጽሊ ይግበአና ።      ✔️ ንመምህር ቃለ ሕይወት የስመዐልና ። ✔️ ወስብሐት ለእግዚአብሔር  ።

✔️ መቐፀልታ ✔️✔️ ኣብ ባዓል ጸጋ ዝርከቡ ስለስተ  ቃለተ ወንጌል እንታይ እንታይ እዮም እንተ ኢልና ? ✔️ ርኅብኩ ✔️ዐረ ✔️ተሞቃኅኩ ✔️ ዝብሉ እዮም ኢልና ደው ኣቢልና ነይርና ... ✔️ ርኅብኩ ፦ ክብል እንከሎ ኣብ መንገዲ ውዒሉ ድኻ ዝጠመየ ሰብ ፦  ኣብ መንገዲ ውዒሉ እናተጉዓዘ ናብ እንዳ ባዓል ጸጋ ገዛ ይበፅሕ ይብል ወይ ካዓ ናብ ሃፍታም ማለት እዩ ናብ ሃፍታም ክኸይድ እንከሎ ኣብ መንገዲ እየ ነይረ  ጠሚኒ በይዛኻ ኣብለዐኒ ይብሎ ይብል ፡ ንሱ ካዓ ተቐቢሉ ኣብልዑ እጉሩ ሓፂቡ የሕድሮ ይንካባኸቦ  ካባኡ ይሰዶ  ማለት እዩ ፡  ካብኡ ኸ" እቲ ዝጠመየ እንታይ እዩ ዝገብር መሪቕዎ እዩ ዝኸይድ ፡ ምስ መረቖ ንሱ ይብል እግዚአብሔር መሪቕዎ ይብል ማለት እዩ  ። ✔️ ቀፂሉ እንታይ ይብል ፦ ዐረቁ ፦ ይብል እዙይ እውን ኣባዓል ፀጋ ዝርከብ እዩ ይብል ፦   ኪዳን ስኢኑ ለይቲ ብቑሪ  ፡ ቀትሪ ብፀሐይ ሀሩር ዝውቓዕ ዝነበረ ሰብ እና ለምነ እና ለመነ ናብ ሃፍታም ይኸይድ ይብል ናብ ኪዳን ዘለዎ ማለት እዩ ። ኣባኡ ምስ ከደ በይዛኻ ኣነስ ዓሪቐ ኪዳን ስኢነ ለይቲ ብቑሪ ተገሪፈ ቀትሪ እውን ብፀሐይ ሃሩር ተቓፂለ በይዛኻ ኪዳን እንተ ሃልዪካ ጨርቂ ንእሽተይ እንተ ሃልይካ ሃበኒ ይብሎ ይብ ንሱ እውን ፡ ካብ ዘቖመጦ ኣውፂኡ ከዲኑ  የምቖ ይብል እቲ ዝፆ ዝነበረ ቑሪ ዝግሮፎ ግርፋት ኣርሒቑሉ ኣሎ ማለት እዩ ስለዚ  እንታይ ይብሎ እግዚአብሔር ይሃብካ ከምቲ ዝኸደንካኒ ፡ ከምቲ ዘሞቕካኒ እግዚአብሔር ይሞቕካ  ፡ እግዚአብሔር የምቑካ ምስ በሎ እግዚአብሔር ካዓ ንዕኡ የምቖ ይብል ፡ ስለዚ እግዚአብሔር መሪቕዎ ኣሎ ማለት እዩ ፡ ✔️ ተሞቃኅኩ ካዓ ይብል ፦  እዙይ ካዓ ይብል ነፍሲ ቀቲሉ ፡ ገዛ ኣቃፂሉ ፡ በሪ ሰይሩ  ታኣሲሩ ወርቂ ኣምፅእ ክንዱዙይ ካሓስ ተባሂሉ ኣብ እስርቤት ዝማስን ዝነበረስ ሰብ ወርቂ ክደሊ ይወፅእ ይብል እንዳ ድኻ ወርቂ ኣይርከብን እንዳ ሃፍታም እንበር  ፡ ስለዚ ወፅኡ እንከደ እና ከደ እናሃለወ ኣብ እንዳ ሃፍታም ይበፅሕ ፡ በይዛኻ እነ ሰብ ቀቲለይ ሕማቕ ኣጋጢምኒ እዩ ኾይኑ ግና ምስ ዞም ሰባት እዚአቶም ክዕረቕ ደልየ  ፡ ኮይኑ ግና ወርቂ ወይ ብሩር ኣምፅእ ኢሎምኒ ኣብ ገዛኻ ወርቂ ኣሎ  ስለዚ ሕይወተይ አድሕነኒ በሎ ይብል ፡ ንመልከት ፡ ኣብዚ ጊዜ እዙይ እቲ ሃፍታም በዓል ፀጋ እንታይ ይገብር  ወርቂ ሂቡ ሕይወቱ የትርፈሉ ፡ ማእሰርቱ ይበትከሉ ማለት እዩ ፡ ✔️ ስለዚ እንታይ በሎ ፦ ከምቲ ሸንሸል ናይ ኢደይን ናይ እግረይን ፈቲሕኻ ሓራ ዘውፃእኻኒ እግዚአብሔር ካብ ናይ ዘልኣለም ሓዊ ካብቲ ታኣሲርካ ናብ ጋሃንም ምድርባይ የውፅእኻ ኢሉ ይምርቖ ይብል ከምቲ ሰብኣይ ዝመረቖ እግዚአብሔር እውን እዙይ እንድሕር ገይሩ እቲ ባዓል ጸጋ ፡ ንዝመፅእ ናይ ዘልኣለም ሓዊ መንከራ ሸንሸሉ በቲኹ ናብ መንግስተ ሰማያት የሳጋግሮ ይብል ። ✔️ እቶም ሰለስተ ኣብ እንዳ ድኻ ዝርከቡኸእንታይ እንታይ እዮም እንተኢልና  ፦ ✔️ ነግደ ኮንኩ ✔️ ጸማእኩ ፡ ወይ ካዓ ርኅብኩ ✔️ ደወይኩ  ፡ ዝብሉ  ሰለስቲኦም እዮም ። ✔️ ነግደ ኮንኩ ፦  እንታይ ማለት እዩ ?  ጋሻ ኮይነ ማለት እዩ ጋሻ ኾይኑ ሓደ ሰብ ናብ እንዳ ድኻ ክኣቱ ይኽእል እዩ ፡ እቶም ሰለስተ እውን እናዳ ድኻ ኣይኣትውን ማለት ኣይኮነን  ወርቂ ደልዩ ፡  ወርቂ ኣምፀአለይ እንተ ኢልዎ ወርቂ ኣይረክብእን እንዳ ድኻ እንተ ኸይዱ ፡ ኪዳን ኣምፀአለይ እንተ ኢልዎ ዝኽደን ዘየብሉ ድኻ እዩ ምንም ክገብሮ ኣይኽእልን  ✔️ ንእንዳ ድኻ ክኸዱ ዘለዎም ሰባት ንመልከቶም  ፦ ✔️ መሕደሪ ዝሳኣነ ሰብ ክኸይድ ይኽእል እዩ ፦ መሕደሪ ስኢነይ እየ ብደገ ኣራዊት ኣለዉ ፡ ኣዛብእ ኣለዉ ከይበልዑኒ ስለዚ ኣብዛ ገዛኻ እዚኣ ኣቐርቂርካ አሕድረኒ ኢሉ ይልምኖ ፡ ንሱ ድማ ዘለዎ ኣጎዛኡ ሂቡ ኣጎዝጊዙ ኣንፂፉ በል ደቅስ ኢሉ እግሩ ሓፅቢ የደቅሶ ይብል ስለዚ ካብቲ ዝመፅእ ቑሪ  ፡ ካብቶም ዝመፁ ኣራዊት ካብፍቶም መፍርሕቲ መደግፅ ዝኾኑ ናይ ለይቲ ግርማ ዘለዎም  ካብኣቶም  ተኸልኪሉ ኣሎ ኣብቲ ገዛ ኣትዩ ማለት እዩ ። ኣብ እንዳ ድኻ እዩ ኣትዩ ዘሎ እናዳ ሃፍታም እውን ክኣቱ ይኽእል እዩ ዘይኣቱ ኣይኮነን ። ✔️ ምሥጢር ምስ ምጢርኢና ነታሓሕዞ ዘለና እንበር ፦  ስለዚ እንታይ እዩ ዝገብር እሺ ኢሉ አሕዲሩ በል እንባኣር እንቋዕ ብደሓን ሓደርካ ኢሉ ቀስቂሱ እንተ ኣልይዎ መሪቕዎ ይኸይድ ። እግዚአብሔር እውን መሮቖ እዩ ይብል  ነግደ ኮንኩ  ይብል ✔️ ርኅብኩ ፡ ጸማእኩ ፦ ወይ ካዓ ጠምየ ጸሚአ ይብል ኣፍቱይ እውን ኣብ እንዳ ሃፍታም ርኢናዮ ነይርና ኢና ጠምየ ፀሚአ ዝብል ። እንዳ ድኻ እውን ዝጠመየ ዝፀምአ ክመፅእ ይኽእል እዩ ። በል በዛኻ እትቁረስ እንጀራ ሃበኒ ክብሎ እዩ ። እንድሕር ሃልይዎ ቁራስ እንጀራ ክህቦ እዩ እንድሕር ዘየብሉ ካዓ ዝቑርጠም ዓተር እዩ ክህቦ እንድሕር ዝቑርጠም ዘየብሉ እውን ማይ እዩ ዘስትዮ ይብል ። ንሱ ከ እንድሕር ዘየብልካ እማ ኢሉ እታ ዝተውሃቦቶ ተቐቢሉ ሰትዩ ጎረሮኡ ኣተርኪሱ  እንድሕር ዝብላዕ ረኺቡ ካዓ ከብዱ አዐንጊሉ ደቂሱ ይሓድር ፡ ንፅባሒቱ ተሲኡ መሪቕዎ ይኸይድ  እግዚአብሔር እውን ይምርቖ ይብል ። ✔️ ደወይኩ ፦ ካዓ ይብል ንመልከት  ፦ እዚኣቶም ንደከማታት እዩ ይብል ፦  ሓደ ሰብ ያሓምም እሞ አሒምኒ ኢሉ ናብፍቲ ገዛ ይኸይድ ናብቲ ገዛ ምስከደ ናዓ ኢሉ ተንካባኺቡ ተቐቢሉ ኣንፅፉ የደቕሶ እንታይ ኾይንካ ይብሎ አሒሙኒ እንታይ ካ" ምሉእ ኣካለይ አሒሙኒ እዩ ዝብል ፦ ስለዚ እንታይ እዩ ክገብር እንድሕር ሃልይዎ ካባዕሉ ኣምፅኡ ከሐክሞ እዩ ወይ ካዓ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ክደልየሉ እዩ ። ✔️ እንድሕር ዘየብሉ ካዓ ናብ ጎሬቤቱ ከይዱ ለሚኑ የታሓምሞ ወይካዓ ይንከባኽቦ ፡ የላዓዕሎ ደገ ከውፆኦ እዩ ከእትዎ እዩ ፡ ከደቅሶ እዩ ከተስኦ እዩ ፡ ከብሎዖ እዩ  ፡ ከስትዮ እዩ ፡ ዝተፋላለየ ነገራት ገይሩ የሕዎዮ ይብል ፡ ምስ አሕዎዮ ኣብ መወዳእታኡ እንታይ እዩ ዝገብር እንባኣር ሓውየይ ኣለኹሞ " በርቲዐይ ኣለኹ ውነይ ተመሊሱ ኣሎ ኣካለይ ተፀጊኑ ኣሎ እዙይ ዝገበርካለይ ንስኻ ፡ እግዚአብሔር ኣብ መንግስተ ሰማያት ይኽፈልካ ወይ ካዓ ኣብቲ ዝመፅእ መንግስቱ ናባኡ የእትኻ እንበር ኣነስ እንታይ ሃልዩኒ እንታይ ክህበካ እዙይ ዝገበርካ ግን እግዚአብሔር ከማኡ ይግበረለሰካ ኢሉ ይምርቖ ይብል ፡ ስለዚ ኣብ ዛሓመምካሉ ኣብ ዝወደቕካሉ ጊዜ ፡ ነፍስካን ስጋካን ተታሒዘን ንጋሃንም ክትድርበየሉ ኣብ ዝበልካ ጊዜ ናይዞም  ዝገበርካዮም  ተግባራት የድሑንኻ ይብል ። ✔️ ኣብ  ( ማቴ 25  ) ዘሎ  ✔️ እስመ ርኅብኩ ወአብላዕክሙኒጸማእኩ ወአስተይክሙኒነግደኮንኩወተወከፍክሙኒዐረቁ ወአልበስክሙ ደወይኩ ወሐውጽክሙኒተሞቃሕኩ ወመጻእክሙ ኀቤየወነበብክሙኒ።’ ይብል ✔️ ስለዚ  እዞም ሽድሽተ ቃላተ ወንጌል ፦ ንሕና እንታይ ኢና ንገብር  እዚኣቶም ከመይ ኢና ንፍፅሞም ኢልና ባዓልትና ክንሓስቦ ኣለና ማለት እዩ ፡ ✔️ ስለዚ ኣብዚ አቡነ ዘበሰማያት ዝብል  እዚኣቶም ተጣቓሊሎም ኣለዉ ማለት እዩ ። ✔️ ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል ኣለዉ ✔️ ዓሰርተ ቃላት ኣለዉ ✔️ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ኣለዉ ✔️ ብዙሕ ምሥጢራት ኣለዉ እንደገና ሓሙሽተ ነገራት ኣባኡ ኣለዉ እዞም ብዛሓለፈ ዝራኣናዮም ፦ ✔️ ሃይማኖት ✔️ ትሕትና ✔️ፍቕሪ ✔️ ተስፋ ✔️ ጸሎት

✔️ማዕጠንት ዘወርቅ አንቲ ውእቱ ማዕጠንት ዘወርቅ እንተ ጾርኪ ፍሕመ እሳት ቡሩክ ዘነሥአ እመቅደስ ዘይሠሪ ኃጢአተ ወይደመስስ ጌጋየ ዝ ውእቱ ዘ እግዚአብሔር ቃል ዘሰተብአ እምኔኪ ዘአዕረገ ለአቡሁ ርእሶ ዕጣነ ወመስዋእተ ሥሙረ ✔️​ማዕጠንት ዘወርቅ (ናይ ወርቂ ማዕጠንቲ)፦ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። ወርቂ ናይ ንጽህና ናይ ክብርን ናይ ፅንዓትን ምሳሌ እዩ። ድንግል ማርያም እውን ብሓሳብ ብቃል ብግብሪ ንፅህቲ ብምዃና ብወርቂ ትምሰል። ✔️​ፍሕመ እሳት (ናይ እሳት ፍሕሚ) ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። ሓውን ዕንጨትን ተዋሂዶም ፍሕሚ ከም ዝዀኑ መለኮትን ትስብእትን (ሰብነትን) ብዘይምቅያርን ብዘይምትሕውዋስንን ተዋሂዶም ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ናይ ምዃኖም ምስጢር ይገልጽ። ✔️​ዕጣንን መሥዋዕትን፦ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ድሕነት እዩ። ባዕሉ ዕጣን ዘቕርብ ሊቀ ካህናት:መሥዋዕቲ ተቐባሊ ኣምላኽ ባዕሉ መሥዋዕቲ እውን ዀይኑ ንኣቦኡ ዘቕረበ እዩ። ✔️​ሓጥያት ዝሓድግ፦ ማዕጠንቲ ሕማቕ ጨና ኣጥፊኡ መዓዛ ከም ዘምፅእ ናይ ክርስቶስ ደም እውን ደቂ ሰባት ዝገበሩዎ ኃጢኣትን ሕማቕ ጨናን ኣጥፊኡ ምስ ባዕሉ ዓሪቁና እዩ። ✔️ኦሪታዊ ምሳለ ​ኣብ ብሉይ ኪዳን (ኦሪት) ንዚ ምስጢርዚ ዝመስሉን ዘረድኡን ብዙሓት ትንቢታትን ምሳሌታትን ኣለው። ወትገብር ሊተ መሥዋዕተ ዘዕጣን እምዕፅ ዘኢይነቅዝ። ዘእመት ኑኁ ወእመት ፅፍኁ ርቡዐ ግበሮ ወካዕበ እመት ቆሙ ወእምውስቴቱ ይትገበር አቅርንቲሁ። ወትቀፍሎ ቅፍሎ ወርቅ ንጹሕ ወምድራ ወአረፍታ በዓውደ አቅርንቲሁ ወትገብር ላቲ ቀጸላ ዘየዓውድ ዘወርቅ በዓውዱ። (ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ግበር። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ ኾይኑ፥ ምንዋሑ ሓደ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ ሓደ እመት ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ኽልተ እመት ይኹን። ነቲ መሰውኢ ፀሪብካ ኸዓ ኣቕርንቲ ኣውፅአሉ። ብላዕላዩን ብዅሉ ወገኑን ምስ ኣቕርንቱ፥ ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ። ነቲ ጠርዙ ድማ ብወርቂ ጌርካ ኽፈፎ። ዘጸ 30:1-3) (እዚ ናይ ወርቂ መሠውዒ ዕጣን ነቲ ሓቃዊ ኣካላዊ ቃል ዝሓደረላ ንጽህቲ ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ።) ✔️​ወይነሥእ ማዕጠንተ ወይመልእ እሳተ እምፍሕም ዘውስተ ምሥዋዕ ዘቅድመ እግዚአብሔር ወይመልእ እዴሁ እምነ ዕጣን ዘዕዩን ዘድቁቅ ወያበውእ ውስጠ እምነ መንጦላዕት። ወይወዲ ውእተ ዕጣነ ውስተ ማዕጠንት ቅድመ እግዚአብሔር ወይከድን ጢሱ ለውእቱ ምሥሃለ ዘዲበ ታቦት ወኢይመውት። (ዘሌዋውያን 16:12-13 ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ።) ✔️ኣብ ብሉይ ኪዳን ሊቀ ካህናት ፍሕሚ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ከም ዝኣቱ ሓቀኛ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ እውን ብገዛእ ደሙ ናብ ሰማያዊት መቅደስ ኣትዩ ናይ ዘለዓለም ድሕነት ሂቡና እዩ።) ✔️ነዚ ነብዪ ኢሳይያስ እውን ብምሥጢር ገሊፁዎ እዩ።። ወተፈነወ ኀቤየ አሐዱ እምሱራፌም ወውስተ እዴሁ ፍሕም ዘነሥአ በጕጠት እምሥዋዕ። ወአልከፈኒ ከናፍርየ ወይቤለኒ፡— ናሁ አልከፍኩከ ከናፍሪከ ዘንተ ወአእተትኩ ኀጢአተከ ወእምአበሳከኒ ያነጽሐከ።​ኢሳይያስ 6፥6-7 (ናይ ፍሕመ እሳት ምስጢር) (ሊቃውንቲ ነታ ፍሕሚ ዝሓዘት ጉጠት ንቅድስት ድንግል ማርያም፣ ነቲ ፍሕመ እሳት ደግሞ ንክርስቶስ ምሳሌ ገይሮም ይተርጉምዎ።) ✔️ኀበ ሰብእ ዕብራውያን 9:3-4 ወይብልዋ ቅድስተ ወለውሳጢትሰ ደብተራ እንተ እምድኅረ ካልእ መንጦላዕት ይብልዋ ቅድስተ ቅዱሳን። ወውስቴታ ማዕጠንት ዘወርቅ ወታቦትኒ እንተ ውስቴታ ኦሪት እንተ ይከድንዋ በወርቅ ውቱረ ወውስቴታ መሶበ ወርቅ ዘመና ወበትረ አሮን እንተ ሠረጸት ወጽላትኒ ዘኦሪት። እዚ ምሥጢሩ ክንሪኦ እንተለና እዚ ክፍሊ ካብ ዕብራውያን እቲ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ደብተራ ማለት መስቀለኛ ድንኳን ኣምልኾን ብፍላይ እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበሃል ውሽጣዊ ክፍሊን ይገልጽ። ✔️ወይብልዋ ቅድስተ፥ ወለውሳጢትሰ ... ቅድስተ ቅዱሳን ማለት፦እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ ቅድስት ትበሃል እታ ካብ ድሕሪ ካልኣይ መጋረጃ/መንጦላዕት ዘላ ውሽጣዊት ክፍሊ ግና ቅድስተ ቅዱሳን ትበሃል። ስለዚ ደብተራ ክልተ ዋና ክፍልታት ነበርዋ ቅድስት — ካህናት ዝነብሩሉ ቦታ። ቅድስተ ቅዱሳን — እቲ ዝበለጸ ቅዱስ ውሽጣዊ ቦታ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብኡ ይኣቱ ነበረ። ✔️ወውስቴታ ማዕጠንት ዘወርቅ እዚ ማለትኣብ ውሽጢ እታ ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ወርቂ መሰውኢ ዕጣን ነበረ። ከምኡውን ታቦት ነበረ እዚ ብወርቂ ዝተሸፈነ ነበረ። ኣብ ውሽጡ ጽላተ ኦሪት — እቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ጽላት ነበረ። ✔️መሶበ ወርቅ ነበረ ኣብኡ መና ነበረ። እዚ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ምድረ በዳ ንእስራኤል ዝመገቦ መና እዩ። በትረ ኣሮን እውን ነበረ እታ በትሪ ብተኣምር ዝፀገየት/ዝሰረጸት። ጽላተ ኦሪት ድማ ነበረ። ብሓዲስ ኪዳን ክንወስዶ እንተለና ድማ ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኣሳሱረ ምሥጢራዊ ትሕዝቶ እዩ።። ✔️ታቦት ኪዳን → ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጢ ታቦት ኪዳን ሰለስተ ፍሉያት ነገራት ነበሩ፦ መና — እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ መግቢ። ✔️በትረ ኣሮን — ዘይተተኸለት ዘይተኾስኮሰት ቦቝላ ዝፈረየት በትሪ። ✔️ጽላተ ኦሪት — ቃል እግዚኣብሔር ዝተፅሓፈሉ። እዚ ድማ ናብ ድንግል ማርያም ምሳለ እዩ። ማርያም እታ ሓቀኛ ታቦት እያ ምኽንያቱ ኣብ ማህጸና ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓቀኛ መና—ክርስቶስ ተሸኪማቶ እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓቀኛ እንጌራ ኣነ እየ» ዮሃንስ 6፥32–35 ብምባል ገሊፁዎ እዩ። ስለዚ መና ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ታቦት ድማ መና ዝሓዘት ከም ዝነበረት፣ ማርያም ድማ እቲ ሓቀኛ እንጌራ ሰማይ ዝተሸከመት እያ። ✔️ጽላተ ኦሪት → ክርስቶስ ኣብ ታቦት ዝነበረ ጽላተ ኦሪት ቃለ እግዚኣብሔር ዝተፅሓፈሉ እዩ። ✔️ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግና ቃል እግዚኣብሔር ብጽሑፍ ጥራሕ ኣይመፀን ሰብ ኮይኑ መፀ እምበር እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።ዮሐ 1:14 ስለዚ ጽላት → ቃል እግዚኣብሔር → ክርስቶስ ዝብል ምሥጢራዊ ምሳሌ ንርኢ። እቲ ቃል ዝተጻሕፈሉ ጽላት ኣብ ታቦት ከም ዝነበረ እቲ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ድማ ኣብ ማህጸን ማርያም ሓደረ። ✔️በትረ ኣሮን → ድንግልና ማርያም በትረ ኣሮን ካብ ሱር ዘርኢ ዘይብላ እኳ ኣብ ለይቲ ሰሪጻ ዓምቢባን ኣፍርያን ተረኸበት። እዚ ድማ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም እንበለ ዘርአ ብእሲ ከምዝተወለደ ዘረድእ እዩ።። ስለዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን፦ ታቦት → መና + ጽላት + በትረ ኣሮን። ኣብ ሓዲሽ ኪዳን፦ ድንግል ማርያም → ክርስቶስ፣ ሓቀኛ መና፣ ሕያው ቃል፣ ንጉሥን ሊቀ ካህናትን። ​ኤፌሶን 5፥2 (ናይ ክርስቶስ መሥዋዕትነት)፦ ​«ክርስቶስ ከም ዘፍቀረና ንእግዚአብሔር እውን መዓዛ ዘለዎ መባእን መሥዋዕትን ገይሩ ንባዕሉ ምእንታና ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ ከምዝሞተ ንሱ ሞይቱ ህይወት ከምዝሃበና ንርደአሉ ኮይኑ አንቲ ውእቱ ማዕጠንት እንተ ጾርኪ ፍሕመ እሳት እናበልና ነመስግን።። ሰአሊ ለነ ቅድስት #ሚካኤልሚድያ #ማዕጠንት #ቅድስት መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ