uz
Feedback
መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)

መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)

Kanalga Telegram’da o‘tish

መኑ ስምከ ( ሽምካ መን እዩ )? ነቅዕ ዘእምዐዘቅት ንፁሕ ወእማይ ዘኢይማስን ክርስቲያን ስምየ (ካብ ንፁህ ዐዘቕትን ካብ ዘይልወጥ ካብ ዘይነፅፍ ማይን ዝተረኸበ ክርስቲያን እዩ ሽመይ) ሕቶታትኩም @Megabemiki ።።።።፡።።።።።።።።።።።።።።።።።። ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሕቶን መልስን ይፀንበሩና 👇👇👇 @hadiswebluy

Ko'proq ko'rsatish
1 462
Obunachilar
+124 soatlar
+17 kunlar
-3030 kunlar

Ma'lumot yuklanmoqda...

Taglar buluti
Ma'lumot yo'q
Muammo bormi? Iltimos, sahifani yangilang yoki bizning qo'llab-quvvatlash boshqaruvchimizga murojaat qiling>.
Kirish va chiqish esdaliklari
---
---
---
---
---
---
Obunachilarni jalb qilish
Iyul '26
Iyul '26
+11
0 kanalda
Iyun '26
+10
0 kanalda
Get PRO
May '26
+13
0 kanalda
Get PRO
Aprel '26
+19
0 kanalda
Get PRO
Mart '26
+6
0 kanalda
Get PRO
Fevral '26
+4
0 kanalda
Get PRO
Yanvar '26
+9
1 kanalda
Get PRO
Dekabr '25
+24
0 kanalda
Get PRO
Noyabr '25
+3
0 kanalda
Get PRO
Oktabr '25
+16
0 kanalda
Get PRO
Sentabr '25
+92
1 kanalda
Get PRO
Avgust '25
+22
1 kanalda
Get PRO
Iyul '25
+16
2 kanalda
Get PRO
Iyun '25
+15
0 kanalda
Get PRO
May '25
+15
0 kanalda
Get PRO
Aprel '25
+24
0 kanalda
Get PRO
Mart '25
+20
0 kanalda
Get PRO
Fevral '25
+17
1 kanalda
Get PRO
Yanvar '25
+21
0 kanalda
Get PRO
Dekabr '24
+34
0 kanalda
Get PRO
Noyabr '24
+42
0 kanalda
Get PRO
Oktabr '24
+44
0 kanalda
Get PRO
Sentabr '24
+35
0 kanalda
Get PRO
Avgust '24
+75
0 kanalda
Get PRO
Iyul '24
+62
0 kanalda
Get PRO
Iyun '24
+79
0 kanalda
Get PRO
May '24
+32
0 kanalda
Get PRO
Aprel '24
+45
0 kanalda
Get PRO
Mart '24
+67
0 kanalda
Get PRO
Fevral '24
+25
0 kanalda
Get PRO
Yanvar '24
+40
0 kanalda
Get PRO
Dekabr '23
+21
0 kanalda
Get PRO
Noyabr '23
+23
0 kanalda
Get PRO
Oktabr '23
+152
0 kanalda
Get PRO
Sentabr '23
+25
0 kanalda
Get PRO
Avgust '23
+42
0 kanalda
Get PRO
Iyul '23
+48
0 kanalda
Get PRO
Iyun '23
+58
0 kanalda
Get PRO
May '23
+26
0 kanalda
Get PRO
Aprel '23
+25
0 kanalda
Get PRO
Mart '23
+12
0 kanalda
Get PRO
Fevral '23
+20
0 kanalda
Get PRO
Yanvar '23
+88
0 kanalda
Get PRO
Dekabr '22
+49
0 kanalda
Get PRO
Noyabr '22
+56
0 kanalda
Get PRO
Oktabr '22
+58
0 kanalda
Get PRO
Sentabr '22
+27
0 kanalda
Get PRO
Avgust '22
+92
0 kanalda
Get PRO
Iyul '22
+111
0 kanalda
Get PRO
Iyun '22
+103
0 kanalda
Get PRO
May '22
+146
0 kanalda
Get PRO
Aprel '22
+143
0 kanalda
Get PRO
Mart '22
+149
0 kanalda
Get PRO
Fevral '22
+115
0 kanalda
Get PRO
Yanvar '22
+136
0 kanalda
Get PRO
Dekabr '21
+190
0 kanalda
Get PRO
Noyabr '21
+20
0 kanalda
Get PRO
Oktabr '21
+86
0 kanalda
Get PRO
Sentabr '21
+186
0 kanalda
Get PRO
Avgust '21
+28
0 kanalda
Get PRO
Iyul '21
+60
0 kanalda
Get PRO
Iyun '21
+200
0 kanalda
Get PRO
May '21
+43
0 kanalda
Get PRO
Aprel '21
+65
0 kanalda
Get PRO
Mart '21
+57
0 kanalda
Get PRO
Fevral '21
+4
0 kanalda
Get PRO
Yanvar '21
+14
0 kanalda
Get PRO
Dekabr '20
+628
0 kanalda
Sana
Obunachilarni jalb qilish
Esdaliklar
Kanallar
15 Iyul0
14 Iyul+1
13 Iyul0
12 Iyul+2
11 Iyul0
10 Iyul0
09 Iyul+2
08 Iyul+2
07 Iyul0
06 Iyul+1
05 Iyul0
04 Iyul0
03 Iyul+1
02 Iyul0
01 Iyul+2
Kanal postlari
28 // ብኻሊእ ምሥጢር ፦ " ትምጻእ መንግስትከ "  ማለት ብዘይ ምንም ስራሕን ድኻምን ፡ እንኣትዋ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዕረፊትና እያ
Anonymous voting

2
27// መንግስቲ አምላኽ ናይ ዘልዓለም ዓለም እንነብረሉ ቅድስና እንረኽበሉ ፡ ናይ እግዚአብሔር ምስጋና ምግብና ኾይኑና ምስ እግዚአብሔር  ንነብረሉ እቲ ተሳትፎ ንሱ እውን ቅድስና እዩ ። ዝተውሃብናዮ ውልድነት ኣብ ሰማይ እንረኽቦ ሃፍቲ ጸጋ እዩ
1
3
መምርሒ ፦ እዞም ዝስዕቡ ምሉእ ሓሳባት ሓቂ / ጌጋ ብምባል ትኽክለኛ መልሲ ፃሓፍ / ፊ 26// ትምጻእ መንግስትከ" ፦ ማለት መንግስትኻ ፡ መንግስተ ሰማያት ትምጸአልና በሉኒ ማለት እዩ
1
4
ሰላም ከመይ ውዒላትኩም
1
5
ይቕፅል.... #ሚካኤልሚድያ መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ
53
6
ቀዳማይ ክፋል .ናይ አብርሃም እምነት ተኣዛዚ ይስሐቕ ✔️ልቢ ዝትንክፍ ዝርርብ ኣቦን ወድን ናይ ኣብርሃም እምነት ሓደ ጊዜ ጥራሕ ዝተራእየ ተኣምር ኣይኮነን ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብመስዋእትነት ዝሓለፈ ናይ ምሉእ ሕይወት ጉዕዞ እዩ። ጫፍ እምነቱ ካብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ይጅምር ✔️ ሃገሩን ቤተሰቡን ሓዲጉ ምውጽኡ (ዘፍጥረት 12)እግዚአብሔር ንኣብርሃም "ካብ ሃገርካን ካብ ኣዝማድካን ካብ ቤት ኣቦኻን ውፃእ" ምስ በሎ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠ እዩ ወፂኡ በተአምኖ ሰምዐ ዘተሰምየ አብርሃም ወተአዘዘ ይሑር ብሔረ ኀበ ሀለዎ ይንሣእ ርስቶ ወሖረ እንዘ ኢየአምር ኀበ ይበጽሕ። (ዕብራውያን 11፡8)። እዚ ንሓደ ሰብ እቲ ዝዓበየ ናይ እምነት ስጉምቲ እዩ። ሊቃውንቲ ከም ዝብሉዎ፥ "ኣብርሃም ንዓይኑ ኣይኮነን ኣሚኑ ንእዝኑ (ነቲ ዝሰምዖ ቃል ኣምላኽ) እዩ ኣሚኑ ወፂኡ ኢሎም ይትርጉምዎ። ኣሽንኳይዶ ናብ ዘይትፈልጦ ዘዳለኻዮ መሕደርን ቀለብን ዘይብልካ ናብ ዝፈለጥ ዓዲ ዝቕበለካ ሰብ ሃልይዎ ግን ከይድካዮ ዘይትፈልጥ እንተዃይንካ እሞ ናብኡ ኪድ እግለ ክቕበለካ እዩ ኩሉ ነገር ኣዳልዩልካ እዩ ተባሂልካ ክትለዓል እንተለኻ ከመይ ከምዝፅልመተካ ፍሉጥ እዩ እቲ ቆራፅ እምነት ዘለዎ ኣቦና አብርሃም ግና እግዚአብሔር ኣሚኑ ወፂኡ እዩ።። ✔️ ተስፋ ውላድ ኣብ ዘይሕሰብ ዕድሜ ምእማኑ (ዘፍጥረት 15) ኣብርሃምን ሳራን ኣሪጎም ማህጸን ሳራ ድማ ሞይቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እግዚአብሔር ዘርእኻ ከም ኮከብ ሰማይ ክኸውን እዩ ምስ በሎ ኣሚኑ እዩ። " ወአምኖ አብራም ለእግዚአብሔር ወተኈለቆ ሎቱ ጽድቀ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚአብሔር ኣመኖ ንሱ እውን ጽድቂ ገይሩ ቈጸረሉ" (ዘፍጥረት 15፡6)። ​ኣስተውዕል፦ ኣብርሃም "ጻድቕ/እሙን" ተባሂሉ ዝተመስከረሉ ይስሐቅ ገና ከይተወልደ ንመስዋእቲ እውን ከይቀረበ እንተሎ እዩ። ስለዚ እቲ እሙን ምዃኑ ቅድሚ መስዋእቲ ይስሃቅ ዝተመስከረሉ እዩ። እቲ እሙን ዝኾነ ዓዱን ቤተ ሰቡን ሓዲጉ ፈጣሪኡ ዘቐደመ ኣብ እርግንኡ ጊዜ ወድኻ ሰውአለይ ተባሂሉ እዩ ሕልና ዝምርምር ውሽጥኻ ዘናግዕ ድምፂ እኳ እንተኾነ ንፅኑዕ እምነት ዘለዎ ሰብ ግና ዝከኣል ከምዝኾነ ካብዚ ኣቦ እምነት ዝኾነ ጻድቕ አብርሃም ንግንዘብ። ክትሓስቦ ባዕሉ ዝኸብድ እዩ ኣነን ንስኹምን ክንደይ ነገልግል ኢና ፈጣሪና ከማና ዘገልገሎ የለን ብኣገልግሎት ተፀሚድና ኢና ኢልና ንንሓስብ እዚ ድምፂ እንተንሰምዕ እንታይ ምገበርና? ወድኻ ሕረደለይ ጓልኪ ሰውእለይ ዝብል ድምፂ እንተተመፀካ ናበይ መበልካ ክንደይ ሰብ መማኸርና ብስሩ ኸ እዚ ጠንጠንኩሉ ኢልና ዶ ኣይምገደፍናዮን? እዚ ይትረፍ ኣናእሽቲ ፈተና ቀሪቦምልና ኳ ክንደይ ጊዜ በኺና ክንደይ ጊዜ ኸ ኣማሪርና ንኾን? አብርሃም ግና ብቆራፅ እምነት እሺ ኢሉ ወዱ ንኽስውእ መሳርሒ ሒዙ ተለዓለ።።። ንሰብ ከማኸር ኣይበለን ፈጣሪየይ ኣዚዙኒ ኢሉ ወዲ ሒዙ ብበረኽኡ ገይሩ ናብቲ ዝተኣዘዞ እምባ ደየበ። ሣራ እታ ወላዲት ኣዶ ኣብዚ ናይ ወዳ መሥዋእቲ ጉዳይ ኣይተገለፀትን ኣስተውዕል እዛ ርህርህቲ ኣዶ እንተተሰምዕ እንታይ ምበለት? ግና ኣብርሃም ነቲ ዝፈትዎ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ወዱ በይኑ መሕረዲ ካራ: ሓውን ዕንጨይትን ኣሸኪሙ ናብዚ እምባ ኣደየቦ። ✔️ናይ ኣብርሃም ከብዲ ናብዚ ዝጓዓዛ ዘለዋ ኣእጋር ብኸመይ ደይበንኦ ይኾና ወዱ ንኽሓርድ ካራን ዕንጨይትን ቀቅድሚኡ ንዝሓርዶ ወዱ ኣምሪሑ እናደየበ ነዚ ዝርእያ ዘለዋ አዕንቲ አብርሃም ከመይ ኢለን ይኾና? አብርሃም ኣይኮኑን ንሕና ንንሓስብ እኳ ኣዕንትና ብንብዓት ይሰርብ ኣብራኽና ይደክም ከብድና ሕቑንቁን ይብል ይኸውን። ግና እዚ ብአብርሃም ተፈፂሙ እዩ እቲ ተኣዛዚ ይስሐቅ እቲ ዝሥዋእ በጊዕ ዘየሎ ምዃኑ እናፈለጠ ደይቡ እዩ ክሕረድ ምዃኑ ፈሊጡ እዩ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ኣቦይ ኣዚዙኒ እዩ ፍቓድ ኣቦይ ክፍፅም ኢሉ ሓሲቡ ዝስወአሎም ነገራት ተሸኪሙ ወፂኡ። ኣቦን ወድን ንእግዚአብሔር ዘለዎም ፍቕሪ ተመልከት። ✔️​ሊቃውንቲ ኣቦታት ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዝነበረ ዘተ ፍቕሪ ምእዛዝን ስቓይን ብኸምዚ ዝስዕብ መገዲ ይትርጉምዎ፦ ✔️​ ፍቕሪ ኣብርሃምን ምእዛዝን ለውሃትን ይስሃቅን ​ሊቃውንቲ ነዚ ክገልጹ እንተለዉ ኣብርሃም ፍቕሪ እግዚአብሔር ካብ ፍቕሪ ወዱ ኣበሊፁ ዘርኣየሉ #ይስሐቅ ድማ #ፍቕሪ ኣቦኡን #ኣምላኹን ካብ #ነፍሱ ንላዕሊ ዝመረፀሉ ፍሉይ ፍፃመ እዩ ይብሉ። ✔️​ፍቕሪ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም ንይስሐቅ ብእርጋኑ ድሕሪ ብዙሕ ተስፋን ጸሎትን እዩ ረኺብዎ። ሊቃውንቲ ግና ኣብርሃም ንእግዚአብሔር ዝነበሮ ፍቕሪ ነቲ ብእርጋኑ ዝረኸቦ ሓደ ወዱ ከም ትኪ መስዋእቲ ክገብሮ እንተሎ እኳ ኣየንቀጥቀጦን ይብሉ። ንሱ ንእግዚአብሔር "እወ" ንምባል ልቡ ካብ ሓፂን ንላዕሊ ኣትርረ። ✔️​ለውሃትን ተኣዛዝነትን ይስሐቅ፡ ይስሐቅ ኣብቲ እዋን እቲ ህፃን ኣይነበረን (ዕድሚኡ ልዕል ኢሉ ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር)። ጉልበት እናሃለዎ ንኣቦኡ ክቃወሞ ወይ ክሃድም ይኽእል ነይሩ እዩ። ነገር ግን ፍፁም ትሕትናን ለውሃትን ስለ ዝነበሮ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ 53:7 "ወውእቱሰ ኢከሠተ አፉሁ በሕማሙ፡ ወመጽአ ይጠባሕ ከመ በግዕ፤ ወከመ በግዕ ዘኢይነብብ በቅድመ ዘይቀርፆ፡ ከማሁ ኢከሠተ አፉሁ በሕማሙ።ከም በጊዕ ክሕረድ ከደ። ኣቦኡ ክኣስሮ እንተሎ እኳ ኣይተቛወመን። ✔️ እቲ ዘሕዝን ዝርርብ ኣቦይ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ መስዋእቲ ኣበይ ኣሎ ኢሉ ነይሩ እዩ ​እቲ ናብቲ እምባ ክድይቡ እንተለዉ ዝነበረ ጉዕዞ ኣብ ትርጓሜ ሊቃውንት እቲ ዝዓበየ ናይ ስነ-ልቦናን ናይ መንፈስን ፈተና እዩ ነይሩ ይብሉ ✔️​ይሐሃቅ ንኣቦኡ ክሓቶ እንተሎ " ወይቤሎ ይስሐቅ ለአብርሃም አቡሁ፡— አባ፤ ወይቤሎ፡— ምንት ውእቱ ወልድየ? ወይቤሎ፡— ናሁ ዕፅ ወእሳትኒ፤ አይቴ ሀሎ በግዑ ለመሥዋዕቱ? ኣቦይ! እቲ ሓውን ዕንጨይትን እኳ ኣሎ እቲ ናይ መስዋእቲ በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?" (ዘፍ. 22፡7)። ✔️እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ልቢ ኣብርሃም ከም በሊሕ ካራ እዩ ነይሩ። ይስሐቅ "ኣቦይ" ኢሉ ክጽውዖ እንተሎ ናይ ኣብርሃም ናይ ኣቦነት አንጀት ይናወፅ ነይሩ። ነገር ግን ኣብርሃም ብእምነት ኮይኑ "ወደይ! እግዚአብሔር ባዕሉ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ከዳልው እዩ" ኢሉ መለሰሉ። ✔️ኣብርሃም ወደይ እታ በጊዕ ንስኻ ኢኻ' ንምባል አንጀቱ ስለ ዝተሃወኸ ነቲ ምስጢር ሸፈኖ። ይስሐቅ ግን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እታ በጊዕ ባዕሉ ምዃኑ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ ስለዚ እዩ ስቕ ኢሉ ዝሰዓበ ይብሉ ✔️ እቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ​ኣብርሃም መሠውዒ ሰሪሑ ዕንጨይቲ ኣደራዲሩ ንይስሐቅ ወዱ ኣሲሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ ምስ ኣንበሮ እቲ ካራ ኣልዒሉ ክሓርዶ ኢዱ ዝዘርግሓሉ ቅፅበት ​ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን (ብፍላይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ) ነዚ ክገልጹ እንተለዉ ✔️ኣብቲ ቅፅበት እቲ ኣብርሃም ብሕሊናኡስ ድሮ ወዱ ሓሪድዎ ነይሩ እዩ። እቲ ፍቃደኝነትን እቲ ጨካን እምነትን ድሮ መስዋእቲ ኮይኑ ተቖፂሩሉ እዩ። ✔️​ኣብቲ ሰዓት እቲ ሰማያት ብድንጋፀ ጠመቱ። መላእክት ነቲ ናይ እምነት ጀግንነት እናደነቑ ጠመቱ። ኣቦ ንፍቑር ወዱ ክሓርድ ካራ ክስሕል እንተሎ ይስሐቅ ድማ ብፍቕሪ ኣቦኡን ኣምላኹን ተሰኒፉ ካራ ናብ ክሳዱ ክቐርብ እንተሎ ዓይኑ ዓፅዩ ይፅበ ነበረ። እግዚአብሔር ግን ናይ ኣብርሃም ልብን እምነትን ካብ ፈተነ ሓሊፉ ፍፁም ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ብመልኣኹ ኣቢሉ "ኣብርሃም! ኣብርሃም! ኣብቲ ቆልዓ ኢድካ ኣይትዘርጋሕ" ኢሉ ፀወዐ።
54
7
እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም ሀሎ እግዚአብሔር በመንግሥቱ እግዚአብሔር በትሥልስቱ እግዚአብሔር በመለኮቱ እዚ ኣብ ቅዳሴ ብሰፊሑ ዝወሃብ ሰፊሕን ዓሚቝን ምሥጢረ ሥላሴ እዩ። ላዕሊ ደይብካ ታሕቲ ወሪድካ ብኣርባዕቲኡ መኣዝን ተሓምቢብካ ክበፅሖ እየ ዘይበሃል ምሥጢር ምሥጢረ ሥላሴ እዩ። ብንእኽእሎ ብውሱን ዓቕምና ብቅድስና ኮይንና ክንሓፍሶ ንኽእል ምሥጢር ደኣ እምበር ኣነ ተመራሚረ ክበፅሖ እየ ህልውና ሥላሴ ከምዚ እዩ እዚ ይመስል ክበሃል ኣይኽእልን። ቅዱሳት መፃሕፍትን ኣቦታት ሊቃውንትን ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ተጠንቂቖም ትርጓመ ሂቦም እዮም። ✔️እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም— ዓለም ከይተፈጥረ (ቅድሚ ዓለም) ክሳብ ዘለዓለም። ✔️ሀሎ እግዚአብሔር በመንግሥቱ— እግዚአብሔር በመንግሥቱ (ብኽብሩ፣ ብስልጣኑ) ኣሎ። ✔️እግዚአብሔር በትሥልስቱ — እግዚአብሔር በሰለስትነቱ (ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስ ብምዃን) ኣሎ። ✔️እግዚአብሔር በመለኮቱ — እግዚአብሔር ብመለኮቱ (ብሓደ ባህርዩ/ህልውነቱ) ኣሎ ማለት እዩ። ኣብዚ ክንረኽቦም ንኽእል ዓበይቲ ነገራት፦ ✔️ ናይ እግዚአብሔር ዘለዓለማውነት እምቅድመ ዓለም...እግዚአብሔር ቅድሚ ፍጥረት ምጅማሩ፣ ግዜን ቦታን ከይተፈጥሩ ዝነበረ፣ ንፍጥረታት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንምባር ዘምፀአ ንሱ ኮይኑ ዓለም ካብ ህላወ ናብ ዘይምንባር እንተሓለፈ እኳ ንሱ ግን ንዘለዓለም ዝነብር ምዃኑ የረድእ። ንሱ መጀመርታን መወዳእታን የብሉን። " ዘእንበለ ይቁም አድባር ወይትፈጠር ዓለም ወምድር፤ እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም አንተ ክመ። ( እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ ብምባል ዘለኣለማዊነቱ ይነግረና)። ራእይ 1፡8 (ኣልፋን ኦሜጋን ምዃኑ)፦ ​"እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኵሉ ዝኽእል ጐይታ ኣምላኽ፤ 'ኣነ ኣልፋን ኦሜጋን [መጀመርታን መወዳእታን] እየ ይብል ኣሎ። ✔️ ምስጢረ ሥላሴ ኣብዚ ቃል እግዚአብሔር በትሥልስቱ ክብል እንተሎ ቀጥታ ዝወስደና ናብ ሰለስትነቱ ኮይኑ በመለኮቱ ክብል እንተሎ ድማ ሓድነት የረድአና። ​ትሥልስቱ (ሰለስትነቱ): ብስም (ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስ)፣ ብግብሪ (ኣብ ወላዲ፣ ወልድ ተወላዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ)፣ ብኣካል (ሰለስተ ፍጹማን ኣካላት) ሰለስተ እዩ። ወንጌል ዘማቴዎስ 28:19 ወእንዘ ታጠምቅዎሙ በሉ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕኩም...ክብል እንተሎ እግዚአብሔር በትሥልስቱ ንዝብል ምሥጢር የረድእ) ✔️​መለኮቱ (ሓደነቱ): ብባህርይ፣ ብመለኮት፣ ብስልጣን፣ ብፍቃድ ግን ሓደ እግዚአብሔር እዩ። ሰለስተ አማልኽቲ ዘይኮኑስ ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና። ዘዳግም 6:4 ስማዕ እስራኤል እግዚአብሔር አምላክነ እግዚአብሔር አሐዱ ውእቱ። ​(ኦ እስራኤል ስማዕ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚአብሔር እዩ ኣብዚ ድማ ነቲ በመለኮቱ ዝበልናዮ እግዚአብሔር ኣምላኽና ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጠሉን ንርደአሉን እዩ። ✔️ በመንግሥቱ ​እግዚአብሔር መንግሥቱ ካብ ፍጡራን ዝረኸቦ ኣይኮነን። ሰብን መላእኽትን ቅድሚ ምፍጣሮም እውን ባዕሉ ንባዕሉ ንጉሥ ነበረ። ፍጡራን ንዕኡ ዘብፅሕዎ ክብሪ የለን ንሱ ግን ብባህርዩ ክብሩን መንግሥቱን ምሉእ እዩ። መንግሥትከሰ መንግሥት ዘለኵሉ ዓለም፤ ወምኵናኒከኒ ለትውልደ ትውልድ። ​(መንግሥትኻ ናይ ዘለዓለም መንግሥት እያ፣ ግዝኣትካ እውን ንዅሉ ውልዶ እዩ። መዝ 145:13) መንግሥቱ ዘላኣለማዊ ምዃኑ እቲ ሓደ ዝሃቦ ወይ ካብ ካሊእ ዝተቐበሎ ኣይኮነን ግዝኣቱ ንኹሉ ወለዶ ንዘለኣለመ ዓለም ፀኒዑ ዝነብርን እዩ እግዚአብሔር ብዘመናት ኣይምዘንን፣ ብቦታ ኣይውሰንን፣ ሰለስተ ክንብል ከለና ሓደነቱ ኣይፈላለይን፣ ሓደ ክንብል ከለና እውን ሰለስትነቱ ኣይጠፍእን። ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስ ብዕድመ (ብግዜ) ኣይበላለጹን። እምድመ ዓለምዓለም ከይተፈጥረ) ብሓደ ዝነበሩ እዮም። ዘሀሎ ወይሄሉ ቅድመ ዓለም ዝነበረ ኣብ ማእከለ ዓለም ዘሎ ዓለም ኣሕሊፉ ንዘለኣለመ ዓለም ዝነብር እዩ። ቅድስት ሥላሴ ምሕረቶም ይልኣኹልና። #ሚካኤልሚድያ #ቅድስትሥላሴ
47
8
እንኳዕ ኣብፀሐኩም ንቤተ ክርስቲያን ብርሃን ዝኾኑ ከዋክብቲ ህይወቶም ትምህርቶም ሰማዕትነቶም እንታይ ይመስል ዝብል ብሰፊሑ ዝተዳህሰሰሉ እዩ 👉https://youtu.be/ADe-LvtQ8H0 የድምፁ
120
9
25//  ትኽክለኛ መልሲ ዘይሓዘ ፊደል ኣየናይ እዩ ? ብኻሊእ ምሥጢር "ይትቀደስ ስምከ" ማለት   ____ ማለት እዩ
97
10
24// መንፈስ ቅዱስ ካብ ___ ይሠርጽ
83
11
23// __ ኣሥራጺ እዩ
82
12
መምርሒ ፦ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ትኽክለኛ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፅ / ፂ 22// ____ ብዝተፈለየ ግብሩ ካብ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ
77
13
21// እግዚአብሔር አምላኽና ፦ ብባህርይ ፡ ብሥልጣን ፡ ብመለኮት ፡ ብኣጋዛዝኣ ፡ ብፋቓድ ሓደ አምላኽ እዩ
71
14
20 // አብ ፡ ወልድ ፡ መንፈስ ቅዱስ ፦ ዝተፈለየ ስም ፡ ዝተፈለየ ግብሪ ፡ ዝተፈለየ ፡ አካል ፡ ኣለዎም
78
15
መምርሒ ፦ እዞም ዝስዕቡ ምሉእ ሓሳባት ሓቂ / ጌጋ ብምባል ትኽክለኛ መልሲ ፃሓፍ / ፊ 19 // "ይትቀደስ ስምከ" )) ስምካ ይቀደስ ማለት ቀጠታ ትርጉሙ ፥ ስም ወላዲ ፣ስም ተወላዲ፣ ስም ሠራጺ፣ ይፈለየልና በሉኒ ማለት እዩ ።
74
16
ሰላም ከመይ ውዒላትኩም
76
17
18 // ትኽክለኛ መልሲ ዘይሓዘ ፊደል ኣየናይ እዩ ? ክትጽልዩ እንለኹም " አቡነ ዘበሰማያት " (ዘበሰማያት ) አብ ሰማይ ትነብር "ኣቦና" በሉኒ በለ ። ንምንታይ ኣብ ምድሪ የለን ድዩ ኣቦና ?
129
18
17// ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ " መምህርና" ጎይታና " ፡ በሉኒ ዘይበለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ? "አቦና " በሉኒ ዝበለ "
110
19
መምርሒ ፦ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ትኽክለኛ መልሲ ዝሓዘ ፊደል ምረፅ / ፂ 16// ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትጽልዩ እንከለኹም ኣብ ሰማይት ትነብር "ኣቦና" በሉኒ በለ ። ንምንታይ እዩ "አቦና " በሉኒ ዝበለ ? ኣምላኽና በሉኒ ዘይበለ ?
93
20
15// ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ( ሸውዓተ ) ኣቦታት ዝጽውዑ ኣለው ። ካብዚኣቶም እቲ ዝዓበየ " ኣቦና "  ብረቂቕ ዝወለደና እግዚአብሔር ኣምላኽና "ኣቦና" እዩ
98