en
Feedback
⛪ ቃል ኣምላክ ..tube

⛪ ቃል ኣምላክ ..tube

Open in Telegram

"ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።" —መዝሙር ዳዊት 119: 105 "ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።" —መልእኽቲ ይሁዳ 1: 3 ⛪️ 👉 @wengiel81

Show more
1 716
Subscribers
+224 hours
+47 days
+2030 days

Data loading in progress...

Attracting Subscribers
September '26
September '26
+9
in 0 channels
August '26
+60
in 1 channels
Get PRO
July '26
+34
in 1 channels
Get PRO
June '26
+31
in 1 channels
Get PRO
May '26
+35
in 0 channels
Get PRO
April '26
+46
in 0 channels
Get PRO
March '26
+21
in 0 channels
Get PRO
February '26
+18
in 0 channels
Get PRO
January '26
+31
in 0 channels
Get PRO
December '25
+34
in 0 channels
Get PRO
November '25
+37
in 0 channels
Get PRO
October '25
+38
in 0 channels
Get PRO
September '25
+42
in 1 channels
Get PRO
August '25
+56
in 0 channels
Get PRO
July '25
+59
in 0 channels
Get PRO
June '25
+68
in 0 channels
Get PRO
May '25
+63
in 0 channels
Get PRO
April '25
+58
in 0 channels
Get PRO
March '25
+64
in 0 channels
Get PRO
February '25
+93
in 1 channels
Get PRO
January '25
+78
in 0 channels
Get PRO
December '24
+96
in 1 channels
Get PRO
November '24
+90
in 0 channels
Get PRO
October '24
+73
in 0 channels
Get PRO
September '24
+97
in 0 channels
Get PRO
August '24
+114
in 0 channels
Get PRO
July '24
+92
in 0 channels
Get PRO
June '24
+65
in 0 channels
Get PRO
May '24
+124
in 0 channels
Get PRO
April '24
+63
in 0 channels
Get PRO
March '24
+103
in 0 channels
Get PRO
February '24
+158
in 0 channels
Get PRO
January '24
+57
in 0 channels
Get PRO
December '23
+59
in 0 channels
Get PRO
November '23
+16
in 4 channels
Get PRO
October '23
+341
in 4 channels
Date
Subscriber Growth
Mentions
Channels
08 September0
07 September+3
06 September+2
05 September0
04 September+1
03 September0
02 September+1
01 September+2
Channel Posts
ናይ ኣቡነ ቄርሎስ ሕይወት ካብ ፀሎት ተፈልዩ ኣይፈልጥን። በብመዓልቱ ለይቲ ሠዓት 8፡00 እናተንስኡ መዝሙረ ዳዊት ፣ ቅዳሴ የጠናቕቑ ነበሩ። ኣብ ጵጵስና ዘመኖም ካብ 12,000 ንላዕሊ ቅዳሴታት ቀዲሶም ኣቑሪቦም እዮም።  ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ  ብማንም ሊቀ ጳጳስ ዘይተፈፀመ ዓብዪ ተጋድሎ እዩ። • ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ፥  "ኣቦና ክንድዚ ቅዳሴ ከመይ ክትቅድሱ ክኢልኩም..?" ኢሉ ሓተቶም። • ኣቡነ ቄርሎስ 'ውን ፥  "ቅዳሴ ከም ሓላፍነት ዘይኮነስ ከም ሕይወት ቀፀርክዎ። ልክዕ ከም ዝትንፍሶ ኣየር ፥ ከምዝሰትዮ ማይ.. ወደይ ፀሎት ንነፍሲ ልክዕ ከምኡ እዩ.." ኢሎም መለስሉ። ንሕና 'ኸ ቅዳሴ ከም ሕይወት ዲና ንሪኦ ወይስ ከም ግዴታ..?                        https://t.me/wengiel81

2
☦️ ጳጉሜ ፩ — እንኳዕ ኣብጽሓኩም! ❣️ ጳጉሜ ፩ ናይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ዝተኣስረሉ መዘከሪ ዕለት እዩ። እግዚኣብሔር ብምእማንን ብሓቅን ዝጸንዐ ቅዱስ ዮሓንስ፣ ብጸሎቱን ምልጃኡን ኩሉ ግዜ ይሓልወና። 🙏 ረድኤቱን በረኸቱን ኣይፈለየና። ኣሜን፣ ኣሜን፣ ኣሜን! 🙏 ንሓድሽ ዓመት ብሰላም፣ ብጥዕና፣ ብበረኸትን ብደሓንን የብጽሓና። 🙏 ሰናይ ፆመ ዮዲት https://t.me/wengiel81
283
3
ተስፋ እና ፍርሓት ክልቲኦም ዘይጭበጡ ነገራት እዮም ቀፃሊ ዝኮኑ እምበር ሀዚ ዘየለዉ ነገራት እዮም መን ከም ትመርፅ ክትረዳእ ተዘይክኢልካ ተጎዳኢን ሎማዓንቲ ሰኣንን ኢካ :: መንፈሳዊ ሂወት ፣ ስራሕ ፣ ትምህርቲ ፣ ዝሓሰብካይዮ ነገር ምግባር ፣ ፅባሕ እናበልካ ተስፋ እናሃብካ ንባዕልካ ኣይትሸውድ ፅባሕ ናመን ምኮኑ ስለ ዘይትፈልጥ ጊዜ ክህልየኒ ዝበል ተስፋ ከይኮነስ ተሞትኩከ ፣ ጊዜ ተረፈደኒ ከ ፤ እግዚኣብሄር ተፀወዓኒ ከ ፣ኣተሓሳስባይ ተደከመከ ፣ ኢልካ ብምፍራሕ ሎማዓንቲ ጊዜካ ተጠቀም ሎማዓንቲ ኣብ ሱስ ፣ ኣብ ወልፊ ፣ ኣብ ሕማም ፣ ዝኮነ ፀሎት ክምለሰልካ ፣ እግዚኣብሄር ትእልሽ ተሃሊካ ፣ ኣብ ውድቀት ተሃሊካ ተስፋ እዩ ዘድልየካ እምበር በቃ እግዚኣብሄር ይቅረ ተዘይ በለኒከ ፣ ፅባሕ ናብ ሱሰይ ተተመሊሰ ከ ፣ መሊሰ ተሓመምኩከ ፣ ዝተውሃበኒ ተሰኣንክወከ ዝብል ፍርሒ ሓዲግካ እግዚኣብሄር ተስፋይ እዩ ንሕማመይ ምድሓን ንፀሎተይ መልሲ ሎማዓንቲ ኮ ተዘይረከብኩ ፅባሕ ፅባሕ ተዘይረኪበ ድማ ሓደ መዓልቲ ክረክብን እግዚኣብሄርን ክጉብንየኒ እዩ በል ፍቱወይ ምኮኑ ኣይተርፍን ሞ ። ፍቁራተይ ፍርሕን ተስፋን ንወዲ ሰብ አድለይቲ እዮም ግን ነኒ ናይ ባዕሎም ጊዜን ቦታን ኣለዎም ። ስለዚ ብምስትውዓል ንጠቀሞም። https://t.me/D_n_kibrom_desta
197
4
ብዛዕባ ፍጹም ፍቕሪ “ፍቕሪ ማለት ነቶም ክፉእ ዝገበሩልካ ሰባት ሰናይ ምግባር፣ ነቶም ዝጸልኡኻ ምጽላይ፣ ነቶም ዝሰጐጉኻ ድማ ምሕረት ምልማን እዩ። ክፉእ ብኽፉእ እንተሰዓርካዮ፡ ንስኻ’ውን ብኽፉእ ተሰዒርካ ማለት እዩ፤ ክፉእ ግና ብሰናይ እንተሰዓርካዮ፡ ሽዑ ንስኻ ውሉድ ኣምላኽ ኢኻ። ፍቕሪ ዶብ የብላን፤ ሰብ ብዓሌቱ ወይ ብሃይማኖቱ ኣይትፈልዮን፤ ንኹሉ ደቂ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥሩ እያ ትርእዮም። ልብኻ ብፍቕሪ ምስ ዝመልእ፡ እዛ ምድሪ ብምልእታ ንዓኻ ገነት ትኸውን።” https://t.me/wengiel81
274
5
✅ትኽክለኛ ዓርኪ መን እዩ ? 📌 ‼ሓደ ሰብ  ሰለስተ ኣዕሩኽ  ነበርዎ ፡ ንሰለስቲኦም ድማ ብጣዕሚ እዩ ዝፈትዎም።  ብዙሕ ነገር እዩ ዝገብረሎም ፡ ሓደ ግዜ ኣብኡ  "ወደይ  ኣዕሩኽ ኣለውኻ ? " ኢሉ ሓተቶ  "እወ ሰለስተ ኣለውኒ ብጣዕሚ ይፈትውኒ ፡ ኣነውን ይፈትዎም በሎ ፡፡ 👉 ኣብኡ ድማ  "ካብ ሰለስቲኦም ናይ ልቢ ዓርክኻ መን ዩ በሎ ?" "ኩሎም ኢሉ መለሰሉ "  "ርግጸኛ ኢኻ ዝወደይ " ምስ በሎ ኣብኡ "እወ" በሎ ፡፡ " 🤔ከምዚ እንተኾይኑ  ፡ ዝኾነ ምኽንያት ንፍጠር ሞ  ፡ ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ምዃኖም ነረጋግጽ"  ብምባል ንኣዕሩኹቱ ክፍትኖም ሓበሮ ፡ ወዶም ድማ ፡ ኣባኡ ብዝበሎ ሓሳብ ተሰማሚዑ ንኣዕሩኹቱ ክፍትኖም ተሰማምዐ ። 👉 ንሓደ ዓርኩ ደዊሉ "ብዘይናተይ ጥፍኣት ሰብ ቀቲልካ ኢሎም ፡ ከሲሶምኒ ቤት ፍርዲ እየዘለኹ ምጻእ ሓግዘኒ " በሎ ዓርኩ ድማ  "ብጣዕሚ ይቕሬታ ኣይጥዕመንን ዩ " በሎ ። 👉 ነቲ ካልኣይ ድማ  ደወለሉ  ፡ እቲ ካልኣይ ዓርኩ ድማ  "ሽግር የብሉን ክመጽእ እየ ፡ ሓገዘይ  እንተደሊኻ ውን ክሕግዘካ እየ ፡ ቤት ፍርዲ ግን ምሳኻ ደው ክብል ኣይክእልን" ብጣዕሚ ይሓዝን በሎ 👉 ነቲ ሳልሳይ ድማ ደወለሉ ፡  እቲ ሳልሳይ ዓርኩ ድማ  "እንታይ ጸገም ኣለዎ ፡ ንዓኻ ድኣ ኣብ ቤትፍርዲ ኣይኮነን ፡ ኣብ ክንዳኻ ውን ክእሰር ይኽእል እየ በሎ ፡ ይመጽእ ኣለኹ ድማ በሎ  " ፡፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ሓቀኛ እሙን ዓርኪ መን ምዃኑ ፡ ብናይ ኣቡኡ ምኽሪ ፈተና ኣረጋገጸ ። ብቤት ፍርዲ ዝተመሰለ ፡ _ወዲ ሰብ ካብዛ ዓለም እዚኣ ተሰናቢቱ ናብታ ዘልኣለማዊት  ስፍራ ዝፍረደላ  እያ። ወይ ናብ ገነት መንግስተሰማያት ወይ ናብ ሲኦል ገሃነምእሳት 👉ናይ መጀመርያ ዓርኩ ኣይክእልን ዝበሎ ፡ __ገንዘብ ፡ ስልጣን ፡  እዩ ፡ ወዲ ሰብ ካብዛዓለም ብሞት ምስ ከደ ገንዘብ ይኹን ስልጣን ምስኡ ኣይከዱን ፡ ኣብ ግዜ ፍርዲ ድማ ምስኡ ድው ክብሉ ኣይክእሉን  ። 👉እቲ ካልኣይ ዓርኩ _ቤትፍርዲ ክመጽእ ይኽእል እየ_ግን ምሳኻ ክኣቱ ኣይክእልን ይቕሬታ ዝበሎ ቤተሰብ ፡ ሓው ፡  ሓፍቲ  ፡ ዘመድ ወይ ዓርኪ እዮም ዝምሰሉ ፡፡ ብሓጺሩ ፡ ሰብ ወላ ይፍተውካ የፍቅረካ ፡ ኣቦኻ ይኹን፡ ኣዴኻ ፡ ሓውኻ ፡ ሓፍትኻ ፡ ዓርክኻ ፡ ኣብታ ፡ መቓብርካ ክመጽእ ይኽእል ዩ ፡ ኣብኡ ኮይኑ ክበኪ ጥራይ ዩ ዝኽእል እምበር ፡ ኣብ ክንዳኻ ናብታ ጉድጓድ ክኣቱ ኣይክእልን ። 👉እቲ ሳልሳይ ክሳብ መወዳእታ ምሳኻ እየ ዝበሎ ግን      ፤ ምጽዋት ፤  ይባሃል ። ኣብ ሂወት ዘመንካ ንድኻታት ትሕግዝ ፡ ትድግፍ ፡ ትረድእ ፡ ተብልዕ እንተኔርካ ፡ ኣብ ግዜ ፍርዲ ፡ እታ ምጽዋትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ትብለልካ ምጽዋት ኣብ እግዚኣብሄር  ፊት ሓቀኛ  ምስክርነት ይህብ ፡ ዋሕስ ይኸውን ፡    ሽማግለ ኮይኑ ምስ እግዚኣብሄር የተዓርቐና  ። ብዓል ኣንጢራሊዮስ ን ብዓል  እሁ ቅዱስ ምስክር እዮም ። ናይ ምጽዋት ጥቕምን  ትርጉምን ብዓይኖም ሪኦም ኣረጋጊፆም  ጽሒፎምልና እዮም ። እግዚኣብሄር ንኹላትና ብሰናይ ምግባርን ብትሩፋትን የበርትዓና ኣሜን https://t.me/wengiel81
373
6
ዝጠፍአ ወዲ ሓደ ዝጠፍአ ወዲ፣ ኣብ በረኻ ንክሃድን ኢሉ ኣብ ዝወጸሉ ጊዜ ጠፍአ። ሓደ ሃብታም ሰብ ድማ ረኸቦ። እዚ ሃብታም ሰብ፣ ዝደለዮ ዝሽሕር ፣ ዝደለዮ ዝሾም፣ ዝጠፍአ ዘምፅእ ፣ ዝደለዮ ድማ ዘጥፍእ እዩ። ነቲ ዝጠፍአ ወዲ ምስ ረኸቦ ሓቘፎ። ነቲ ዝተናዕቀ ወዲ ድማ ምስኡ ወሰዶ። “ኣገልጋሊየ ኩን” ደማ በሎ። ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቱ ዘዳለዎ ቦታ ድማ፣ ብእኡ ዝተሾመ ሓደ መራሒ ነበረ። እቲ ሃብታም ሰብ ነቲ መራሒ ዝሾሞ ነቲ ወዲ ክሓጽቦን ኣገልጋሊ መንግስቱ ክገብሮን ክሾሞን ኣዘዞ። እቲ መራሒ ድማ ሓፀቦ ሾሞ፣ ባረኾ። እቲ ሃብታም ሰብ ግና፣ እቲ ዘለውዎ ቦታ ግዝያዊ ስለ ዝነበረ፣ ንዘለኣለም ዝነብርሉ ቤት ከዳሉን ክጽበየን ከደ። ነቲ ዝሾሞ መራሒ ሰብ ድማ ሓደራ ንቲ ዝጠፈአ ሰብ ሃቦ። እቲ ሓደራ ዝተዋህቦ ሹም ድማ፣ ነቲ ዝጠፍአ ወዲ ምስ መንግስቱን ኣገልገልቱን ኣላለዮ። እቶም ኣገልገልቲ ግና ናዕቅዎ። ዝመጸሉ ቦታ ኣይፈተውዎን ሞ። እቲ መራሒ ሹም ድማ ዘንግዖ ረስዖ ። ኣሕዋተየ እዚ ዝጠፍአ ሰብ ግና፣ ናብቲ ሃብታም ሰብ ከይጠርዕ ፈርሐ። እቶም ኣገልገልቲ ብምኽንያቱ ከይቅጽዑ ፈርሐ። ምኽንያቱ እቲ ሃብታም ሰብ፣ ቁጡዕ መሓርን ርሁርሁን እዩ። ዘጥፍእን ዝሽሕርን ዝሾምን እዩ። ስለዚ ንዓኣቶም ከይጎድእ ኢሉ ናብኡ ከይጠርዕ ፈርሐ። ሱቅ ከይብል ድማ ልቡ ብናፍቖት መንግስቱ ይበልዖ ነበረ። ክዕገስ ድማ ግዜ የብሉን። እሞ ክርስትያን ኣሕዋተይ እዚ ንእሽቶይ እንታይ ይግበር????? መልሲ ዝመለሰ እግዚአብሄር ጥበብ ጥዕና ምስትውዓል ይሃቦ ኣሜን…………. Share ንዝምልሱ ሰባት ነብፀሐሎም https://t.me/wengiel81
326
7
ኣብ ገዛ ሰላም እንተዘይሃልዩ፣ እቲ ቤት ናብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝቕየር። ሓዳር ናይ ሓባር ጾር ብትዕግስቲ ዝጽወረሉ እምበር ናይ ክርክርን ቁጣዐን መድረኽ ክኸውን ኣይግባእን። እታ ብትዕግስትን ብምግታእ ልሳንን እትመሓደር ሰበይቲ ንቤታ ትሃንጽ፣ እታ ነግራምን መስቀቒቲን ግን ነቲ ናይ ፍቕሪ ህንጻ ብኢዳ ተፍርሶ።" ✍️ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ https://t.me/wengiel81
378
8
ካብ ሰባት ስለ ዝረሓቀ ሰላም ዝረክብ ዝመስሎ፣ ሰላም ብጽምዋ ዝርከብ ስለዝመስሎ እዩ። ጽምዋ ግን ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ ስለዘለዎ ናብ ዘይሓሰቦ ወልፊ ይኹን ሕማማ ይመርሕ። ጽምዋ፥ ንጹህ ሕልና፣ ትብዓ
ካብ ሰባት ስለ ዝረሓቀ ሰላም ዝረክብ ዝመስሎ፣ ሰላም ብጽምዋ ዝርከብ ስለዝመስሎ እዩ። ጽምዋ ግን ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ ስለዘለዎ ናብ ዘይሓሰቦ ወልፊ ይኹን ሕማማ ይመርሕ። ጽምዋ፥ ንጹህ ሕልና፣ ትብዓት፣ ግቡእካ ምፍጻም፣ ትሕትና፣ ጽቡቕ ልማዳት፣ ስርዓት፣ ርእሰ ግትኣት፣ ትግሃትን ካልእን ይሓትንን። እዚ ባህርይ እዚ ድማ ምስ ሰብ እናነበርካ ተጥርዮ ወሳንቲ ነገራት እዩ። ሰላም ግቡእካ-ብምፍጻም፣ ዕቤት እግዚኣብሔር ብምርዳእን ብምእማንን ምስኡ ብምህላውን ዝፍጠር ስምዒት እዩ። ምሕላውን ምኹስኳስን የድልዮ። ነዚ ባህርይ እዚ ዝሃነጽዎ ኣብ እዋን መከራን ሽግርን እኳ እዚ ስምዒት እዚ ካብኦም ኣይጠፍእን። ምኽንያቱ እምነት ኣለዎም፣ ግቡኦምን ይገብሩ እዩ፣ ንጹህ ሕልና አለዎም። ስለዚ እዩ ቅዱስ ፓስዮስ ዘእንጦንዮስ፦ "ኣብ ጫውጫው ዘለዎ ቦታ ሰላም ክትረክብ እንተዘይክኢልካ፡ ኣብ ጸጥታ ዘለዎ ቦታ እውን ሰላም ኣይክትረክብን ኢኻ።" https://t.me/wengiel81
491
9
7 ( ፯) ነገራት ኣሕዋተይ ገንዘብ ካብ ንፈጣሪ ምልማን ንእዚኦም ምፅላይ ይበልፅ .......... እዚ ተንብብ ተሃሊካ ዕድለኛ ኢካ 1. ራእይ (Vision) 👁️ ብዘይ ራእይ ንምውዳቕ ቀሊል እዩ። ዕላማ ጥራሕ ኣይኮነን ዘድልየካ፤ እምነትካን ተግባርካን ዘብርትዕ ንጹር ራእይ የድልየካ እዩ ። ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ክፍጸም ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ። ሓደ ሓደ ግዜ ዝደክምና ብዙሕ ዕላማታት ስለ ዘለና እዩ፤ ግን ንጹር ኣንፈት ወይ ለለ መንገዲ የብልናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ራእይ ንክህበካ ራኢካ ምስ ናቱ ፍቃድ ሓደ ክኮን ሕተቶ ፀልይ ናብኡ 2. ስትራቴጂ (Strategy) 🛤️ እግዚኣብሔር ንኖህ ዝርዝር ነገር ሂብዎ እዩ። ንዳዊት ድማ ናይ ውግእ ሓይሊ ሃቦ። ስለዚ ገንዘብ ጥራይ ኣየድልየካን፤ ቅኑዕ መንገዲን ኣጠቃቅማ መንገድን እዩ ዘድልየካ። ኩሉ ነገር ብፃዕሪ ጥራሕ ኣይፍጸምን እዩ። ክሳብ ክንደይ ትጉህ ኹን፣ ቅኑዕ መንገዲ እንተዘይሃልዩካ ጥራሕ ከንቱ ኢዩ ፃዕርካ ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብቁዱስ ሚስጥሩ ኣንፈት ንክዕድለካ ሕተቶ ፀሊ። 3. ጥበብ (Wisdom) 📖 ሰሎሞን መጀመርታ ንሃብቲ ኣይለመነን ን እግዚኣብሄር ፤ ጥበብ እዩ ዝለመነ። ድሕሪኡ ድማ ካልእ ነገራት ተወሲኹሉ። ሓደ ሓዲአና ሰባት ብቅልጡፍ ንጎይይ ናብ ገንዘብ። ካልኦት ግን ቅድሚ ኩሉ ትምህርቲ፣ ስነ ስርዓትን ጥበብን ይክተሉ ። ንሳቶም ድማ ነዊሕ ይፀንሑ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጥበብ ንክህበካ ሕተቶ ፀሊ ። 4. ጸጋ (Favor) 🙏 ካብ ሰብ ዝረክቦ ሃፍቲ ናይ እግዚኣብሔር ፀጋ ካብ ዓሰርተ ዓመት ናይ ሰብ ጻዕሪ ንላዕሊ ስለ ዝዓቢ ። ጸጋ እግዚኣብሔር ገንዘብ ክኸፍቶ ዘይክእል በሪ ስለ ዝከፍት ንፀግኡ ክህበካ ለምኖ ። ዕድላት፣ ግቡእ ርክባትን ግቡእ ግዜን ግቡእ ቦታን ብሓይልኻ ክተምፅኦ ኣይትኽእልን፤ ብጸጋ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝመጽእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንፀግኡ ክህበካ ለምኖ 5. ንጹር ምርዳእ (Clarity) ብዙሕ ሕልምታት ብምብዛሕ ሓሳብ ተደናጊሮም ይኮኑ ። ምድንጋር ንቕድሚት ከይትጎዓዝ ስለ ዝቀትለካ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምድንጋር ከርሕቀልካ ፀሊይ ለምኖን ። ስለዚ፣ “ጎይታይ፣ እቲ ቀጺለ ዝገብሮ ግብሪ ንጹርን ዘይንቀጥቀጥን ግበረለይ” ኢልካ ጸሊ። 6. ቅኑዕ ከባቢ (The Right Environment) 🌱 ኩሉ ግዜ ጥርጣረ፣ ኣሉታዊ ሓሳብን ፍርሕን ኣብ ዝስማዕሉ ቦታ ምዕባይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከባቢኻ ካብ እትሓስቦ ንላዕሊ ኣተሓሳስባኻ ይቅይሮ እዩ ። ዕብየትካ ኣብታ ዝወዓልካሉ ቦታ ይውሰን ። ስለዚ ከምዚ ኢልካ ጸሊ፦ “ጎይታይ፣ ዕላማይ ክዕምብብን ክሰስንን ኣብ ዝኽእለሉ ቦታ ኣንብረኒ።” 🙏 7. ቅኑያት ሰባት (The Right People) 🤝 ገንዘብ ምስዓብ ጥራሕ ሕደግ፤ እግዚኣብሔር ኣብ መንገድኻ ክመጹ ዝደልዮም ሰባት ምስኦም ክትራኸብ ርእስኻ ኣዘጋጅይ ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ቅንዕና ዘለዎም ሰባት ከራክበካ ለምኖ ኣሕዋተይ ቅድሚ ሐዚ ፣ ኣነ እውን ኩሉ ግዜ ካብ እግዚኣብሔር ገንዘብ ይልምን ነይረ። ግን ሓንቲ ሓፍተይ ካብ ፈረንጂ እዚ ምስ ኣምሃረትኒ ዝፅልዮ ፈሊጠ ። ድሕሪ ፀሎት ድማ እግዚኣብሔር ንመንገደይ፣ ንጥበበይን ንሰባት ዝራኸበኒን መንገዱ ጀመረ። 🙏 https://t.me/D_n_kibrom_desta
369
10
እንቋዕ ኣብፀሐና ! 🙏☦️ እግዚኣብሔር ብሰላምን ብፍቕርን ናብዚ ቅዱስ ዕለት ኣብጽሓና። በረኸት ቅዱስ ተክለ ሃይማኖት ይሕደረና ቅዱሳን ኣቦታትን ረድኤቶም ምሳና ይኹን። ኣሜን እንቋዕ ኣብጽሓና! ☦
እንቋዕ ኣብፀሐና ! 🙏☦️ እግዚኣብሔር ብሰላምን ብፍቕርን ናብዚ ቅዱስ ዕለት ኣብጽሓና። በረኸት ቅዱስ ተክለ ሃይማኖት ይሕደረና ቅዱሳን ኣቦታትን ረድኤቶም ምሳና ይኹን። ኣሜን እንቋዕ ኣብጽሓና! ☦️🙏❤️ https://t.me/wengiel81
445
11
ብጣዕሚ ልብካ ዝጉድእ፣ ርእስኻ ዘድንን፣ ደም ነፍስኻ ንብዓት ዘፍስስ ነገር እንተሃሊዩ … ትማሊ ምሳና ዝነበሩ፣ ኣብ ገዛ እግዚኣብሔር ዘገልግሉ፣ «አግዚኣብሄር ብምምላክ ከምኡ ውን ንኣዴና ድንግል ማ
ብጣዕሚ ልብካ ዝጉድእ፣ ርእስኻ ዘድንን፣ ደም ነፍስኻ ንብዓት ዘፍስስ ነገር እንተሃሊዩ … ትማሊ ምሳና ዝነበሩ፣ ኣብ ገዛ እግዚኣብሔር ዘገልግሉ፣ «አግዚኣብሄር ብምምላክ ከምኡ ውን ንኣዴና ድንግል ማርያም ንቅዱስን ንቅድስት ቤተክርስቲያን ብፍቅሪ ኣገልጊሎም » ዝተሓጎሱ፣ ወዲ ክርስቶስን ጓል ክርስቶስን ተባሂሎም ዝፍለጡ፣ ኣርኣያና ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን… ሎሚ ግና ካብ ሑቕፊ ቤተ ክርስቲያን ወጺኦም፣ ናብ ዓለም ተመሊሶም፣ ኣነባብራኦምን ህይወቶምን ምስ ዓለምን ንዓለም ዝመስልን ኮይኑ ምርኣይ… እዚ ንልብኻ ብጣዕሚ የሕምም። ኣሕዋተይ… ኣሓተይ… ምጹ ባ፣ ተመለሱ ባ። ሑቕፊ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ገና ኣይተዓፀየን ። እግዚኣብሔር ገና ይጽበየኩም ኣሎ። ኣዴና ድንግል ማርያም ገና እያ ትፅውዓኩም ዘላ። ተመለሱ ባ… ገዛ ኣቦኹም ኣይትረስዑ። ተመለሱ ባ… ❤️☦️ https://t.me/D_n_kibrom_desta
327
12
ጎይታይ ፦ ንምንታይ ርሒቅካ ካባይ ወደይ ፦ ይቅርታ ንስካ ኢካ ርሒቅካ ካባይ ጎይታይ ፦ ዝኣመንክዎም ከዲዖምኒ ልበይ ጎዲኦምኒ ወደይ ፦ ልብካ ክፅግኖ ተኣማኒ ዓርካካ ክኮን ንዓ ናባይ ጎይታይ ፦ ግን ኮ ኩሉ ምስካዕ ኣቢኒ እዩ ችግር ኣብ ልዕሊ ችግር በፂሑኒ ተበደለ እየ ወደይ ፦ ድሕሪ ሐዚ ምፃእ ናባይ ከብዲ ዓሳ ገዛካ ከም ዮናስ ማይ መርገፂካ ከም ጴጥሮስ ሰማይ መንገድካ ከም ኤልያስ ክኩን ዝኣበየካ ኩሉ ክትክእሎ ንዓ ናባይ ዝወደይ ጎይታይ ፦ ግን ኮ ሞ እምነት የብለይ ኣብ ልበይ ክፉእ እየ ኣነ ኣምላከይ ወደይ ፦ ልብካ ከም በረድ ከፃዕዲዮ እምነትካ ከም ጳውሎስ ከፀንዖ ንዓ ናባይ ጎይታይ ፦ ግን እኮ ሕግካ ናጠሓስኩ እየ ወደይ ፦ ኣነ ክዓ መሊሰ መሊሰ ይቅረ ክገብረልካ እየ ኣሕዋተይ ፦ ከሉ ጊዜ ብትዕግስቲ ንዝፅበ ፈጣሪና ፅንዓቱ ይሃቦ ቆፆሮ እናብዛሕና ትዕግስቱ ከንቱ ንንገብሮ ንዓና ሰነፋት ድማ ምሕረት የውርደልና https://t.me/D_n_kibrom_desta
286
13
1 ፍቕሪ ናይ ምሕረት ዓይኒ ኣለዎ፦ ክርስቶስ ናብ ዓለም ዝመጸ ንደቂ ሰባት ብድኻሞምን ብሓጢኣቶምን ክፈርደሎም ዘይኮነስ፡ ብፍቕሪ ኣልዒሉ ታሪኾም ንክልውጥ እዩ። ንሱ ኣብ መስቀል ኮይኑ እኳ ነቶም ዝሰቐልዎ ይቕረታ ኣወጀ እምበር፡ በደሎም ኣይጸብጸበን። 2 ካብ «ኣይትግበር» ናብ «ግበር» ምስጋር፦ ክርስትና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣወንታዊ ሰናይ ምግባር እዩ። ሰባት ክገብሩልና ከም እንደልዮ ንሕና ውን ንዓኣቶም ከነፍቅር፡ ይቕረ ክንብል፡ ብቕንዕና ክንጥምቶም ይግብኣና። ጽልኢ መዓልታዊ ጌጋታት ክጽብጽብ ከሎ፡ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ግን ሰላምን ዕረፍትን ይዘርእ። 3 ናይ ሓቂ ሰላም ውሽጣዊ እዩ፦ ናይ ሰላም መፍትሕ ኣብ ኢድ ካልኦት ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ንልብና ዝገዝኦ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ እዩ ዘሎ። ቂመኛነትን ጥርጣረን ንነፍስና ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዋ፤ ይቕረታን ፍቕርን ግን ናይ ሓቂ ሓርነት ይህባ። እምበኣር፡ ሎሚ ንሕና ንሰባትናን ንብጾትናን በየናይ መነጽር ኢና ንጥምቶም ዘለና? ብናይ ጽልእን ጥርጣረን ድዩ ወይስ ብናይ ይቕረታን ናይ ክርስቶስ ዝልውጥ ፍቕርን? ጸሎት፦ «ኦ ጐይታይ፡ ልበይ ካብ ቂምን ካብ ዘይተገብረ ጥርጣረታትን ሓራ ኣውጽኣዮ። ጽልኢ ኣሸኒፈ ብፍቕርኻ ክመላለስ፡ ንዝበደሉኒ ይቕረ ክብል፡ ንልበይ ድማ ብሰላምካ ክትመልኦ እልምነካ ኣለኹ። ኣሜን።» https://t.me/wengiel81
511
14
«ኦ ማርያም፣ በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ፣ እስመ ወልድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን፣ ወስቴ ሕይወት ዘበአማን።» 🙏❤️ https://t.me/D_n_kibrom_desta
«ኦ ማርያም፣ በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ፣ እስመ ወልድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን፣ ወስቴ ሕይወት ዘበአማን።» 🙏❤️ https://t.me/D_n_kibrom_desta
379
15
" ኦ ጎይታ ወርቂ ንክትህበኒ ኣይምሕፀነካን። ሃብትን ንብረትን ዓድለኒ ኢለ'ውን ኣይልምነካን ፤ ንሳቶም ድሕነት ዝህቡ ኣይኮኑን 'ሞ። ይቕሬታኻ ምርካብ ግን ካብ ወርቂ ይበልፅ። ናይ ሓጥያት ስርየት
" ኦ ጎይታ ወርቂ ንክትህበኒ ኣይምሕፀነካን። ሃብትን ንብረትን ዓድለኒ ኢለ'ውን ኣይልምነካን ፤ ንሳቶም ድሕነት ዝህቡ ኣይኮኑን 'ሞ። ይቕሬታኻ ምርካብ ግን ካብ ወርቂ ይበልፅ። ናይ ሓጥያት ስርየት ምርካብ 'ውን ካብ ብሩር ይልዕል ። "                     ✍ ቅ. ኤፍሬም ሶርያዊ https://t.me/wengiel81
423
16
ንምንታይ ንሓምም? ሰብ ብብዙሕ መንገዲ ስግኡ ትሓምም እኳ ተኮነት ኩሉ ሕማም ግን ካበይ ከም ዝመፀ ምርዳእ የድሊ?? 1. ተፈጥራዊ ፦ ሀ. ተፈጥራዊ ሕማማት ካብ ንብሎም ሓደ እርጋን እዩ ። እርጋን ሰብ ዕድምኡ እናበዘሐ እንትከደ ስኒ ይረግፍ ፣ ጉልበት ይስእን ፣ ዓይኒ ምርኣይ ይኣቢ ፣ ኣካል ይጨማደድ ፣ ምርሳዕ ይበዝሕ ብቻ ብዙሕ ኣሎ እዚ ናይ ስጋ ባህሪ እዩ ። እግዚኣብሄር መፀዋዕትኡ ከም ዝገብረልካ ሎ መረጋገፂ እዩ ። ቀዲሙ እግዚኣብሄር ንኣዳም ኣብ ገነት ዕፅ ከም ዝገበረሉን ስግኡ ኣብ 1000 ዓመት ምሕዳስ ከም ዝድልያ ዝነገሮ እንትኮን እሳ እንትበልዕ ድማ እርጋን ዘምፅኦም ይጠፍእን ይሕደስን ነይሩ እዩ ። ኣቦታትና ሰብ ብሓጢያቱ ምክኒያት ካብ 1000 ዓመት ካብ ምንባር ናብ 70 ዓመቱ ክወርድ ክኢሉ እዩ ይብሉ ስለዚ ኣዳም ኣብ 1000 ዝጅምሮ ዝነበረ እርገን ኣብዚ ሀዚ ጊዜ 70 ይጅምር ብዚ ምክንያት ናይ ኣካል ምድካማት ይመፅእ 2. ንፀጋ ዝመፅእ ፦ እዚ ዓይነት ሕማም እዚ ኣቦታትና ዝተቀበልዋ ሕማም እዩ። 1. ሓደ ፀጋ ንክቅበሉ ማለት እውን ዘለዎም ተኣማንነት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምርግጋፅ ዝመፅእ ፈተና እንትኮን ከምን ኢዮብ ዝተቀበልዎ ዓይነት ለመፂ ዝተፈላለዩ ሕማማት ክኮን ይክእል እዩ። ቅዱስ እዮብ ገንዘቡ ንብረቱ ውሉዱ ስኢኑ እናሃለወ ግን ኣየማረረን ምንም ኣይበለን ኣመስገነ መጨረሻ ግን ሰይጣን ኣሓመሞ ለምፂ ብጣዕሚ ሓደሮ ይጨኒ ብበለስ ዕሾክ ድማ ይሓኮ ነበረ እግዚኣብሄር ግን ነዚ ኩሉ ብተኣማንነት ስለ ዝተዓገሰን ስለዘየማረረን ትፈተና ስለ ዝሓለፈን ናይ ክብሪ ሽልማትን ዝሞቱ ደቁን ሰበይቱን ዕፅፊ ድማ ሃብቲ ሃቦ ሕማሙ ጠፊኡ ፍቁር እግዚኣብሄር ተባሂሉ። 📖 ኢዮብ 2፥7-10 “ኢዮብ ካብ ጫፍ እግሩ ክሳዕ እምብርቱ ብኸቢድ ቍስሊ ተወቕዐ።” ንሕና ውን ዝመፀና ሕማም ንፀጋ ተኮይኑ ብትዕግስቲ ብምምስጋን ናብ እግዚኣብሄር ብምቅራብ ምሕረቱ ብምእላሽ ቲ ሕማም ንበረከትና ክንገብሮ ይግባእ ። 2. ካብ ሕማቅ ቦታ ንክትምለስ ዝመፅእ ሕማም ብሓጢያት ዓለም ኮብሊልካ ብፍርዲ ንዝሓመመ ሰብ ብምፍራድ ወይ ድማ ብጥዕናካ ኣብ ትምከሐሉ ጊዜ ወይ ጥዕናካ ኣብ ዘይኮን ጊዜ ተሕልፎ እንተኮይንካ እግዚኣብሄር ናብ ልብካን ናብኡን ንክትምለስ ዝህበካ ሕማም እንትኮን ። እዚ ዓይነት ሕማም ድማ ብንስሃ እና ብምፅፃት ዝጠፍእ ሕማም እዩ ። 3. ብመርገም ዝመፅእ ሕማም ልክዕ ከም ግያዝ እግዚኣብሄር ሓያልን ዘፍርሕን ምኮኑ እናፈጥካ ንጥቅሚ ስጋ ንኣብነት፦ ንክብሪካ ፣ ንደስታካ ፣ ንስጋካ ፣ ብስስዐ ፣ ብትዕቢት ፣ ብምምካሕ ትገብሮ ናይ ሕጊ ምጥሓስ እንትኮን ልክዕ ነብይ ኤልሳእ ንንዕማን ካብ ለምፁ ኣድሒኑ ኪድ ናይ እግዚብሄር ምሕረት ምድሓን ብገንዘብ ብንበረት ኣይግዛእን ኢሉ ኮ ተሰናበቶ ግያዝ ግን ንስጋ ድልየቱ ስለ ዝወደቀ ብድሕሪ ንዕማን ተከቲሉ ነበይ ኤልሳእ ገንዘበን ንበረትን ሃቦም ኢሉካ ኢሉ ንንዕማን ሓሸዮ ንዕማን ድማ ብደምቢ ስለ ደስ ዝበሎ ሃቦ ኮይኑ ግን ግያዝ ምስ ተመለስ ነብይይ ኤልሳእ ብመንፈስ ቅዱስ ስርሑ ስለ ዝፈለጠ እንተሓተቶ ድማ ስለ ዝሓሸዮ ናይ ንዕማን ሕማም ኣብካን ኣብዘርእካን ይኩን በሎ ። ከምዚ ዓይነት ሕማም እግዚኣብሄር ኣቆጢዕካ ዝመፅእ እንትኮን ብደምቢ ንስሃን ፀፀትን ከዓ ይድልዮ እዩ። 2ይ ነገስት 5:27 (TIG) •••••••••• ²⁷ እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ። 3. ብሓጢይት ዝመፅእ ሕማም እዚ ዓይነት ሕማም ብሰለስተ መንገዲ ይመፅእ ። 1. ብሰይጣን ፦ ካብ ፀሎት ፆም ምፅዋት ተፈሊካ በተለይ እትበልዕ ዘየማዕተብካ ከይፀለካ ምድቃስ ካብ ንስሃ ካብ ቁሩባን ንነዊሕ ጊዜ ተፈሊካ ምፅናሕ ከምኡ ድማ ፣ ምስ ዝረከብካዮ ዝሙት ፣ ብደርፊ ብሳዕስዒት ጊዜ ምሕላፍ ፣ ብሕሜት ፣ ሰብ ብምጉዳእ ብቻ ሰይጣን ዝሓደሮ ሰብ ምስ ኮንካ ሰይጣን ገዝኡ መሕደሪኡን ይገብረካ ሞ እግርካ ምካድ ኣይክእልን ግን ሕክምና ተከድካ ምንም የብልካን ትበሃል ዝኮነ ትሓምም ሕክምና ተከድካ ምንም ኣይብልካን ትበሃል ወይ ድማ ካሊእ ሕማም ከም ዘለካ የርእይ እሞ መድሓኒት እንትጥቀም ድማ ካሊእ ሕማም ይፈጥረልካ ንዚ እዩ ፀበል ተሓፂቦም ምሕረት ክረክቡ ንርእይ በተለይ ብሕክምና ተስፋ ዝሰኣኑ ሰባት ። እዚ ሕማም ከመይ ንፈልጦ ተይልኩምኒ ካብ እግዚኣብሄር ብልቢ ዝረሓቅኩም ተኮይንኩም ካብ ስጋ ወደሙ ንብዙሕ ተተፈሊኩም ምክንያቱ ክኮን ይክእል ይንኣስ ይዕበ ይኩን ኣይኩን ግን በንስሃ ብፀበል ብቁሩባን ን ሕማምኩም ኣጥፍኡ። 2. ብፍትወት ምግቢ ዝመፅእ ሕማም ከምዚ ዓይነት ሕማም ዘለና ኣማራፂ ባዕልካ ምጥንቃቅን ቅድሚ ኩነት እንትኮን ተተፈጢሩ ድማ ምሕረት ጓይታ ምእላሽ የድልይ። ኣቦታትና ምግቢ ናይ ኩሉ መሰረት እዩ ይብሉ ሓደ ሰብ ኣበላልዓ ተዘይ ኣስተካኪሉ ናብ ሓጢይት ምውዳቁ ኣይቀርይን ይብሉ ንብላዕ ንስተ ዝብል ሓሳብ ንቡዙሓት ናብ ሓጢያት ብረካን ከምኡ ድማ ልዕሊ ዓቀን ሕማማት ወሲኩሎን መሪሕዎምን እዩ ። እዚ ዐይነት ድልየት ኣሕዋተይ ብሀዚትና ተዘይ ገዲብናዮ ፅባሕ ናብ ሓጢይት መራሒናን ሕማም ፈጣሪናን ኢና ንገብሮ ዘለና ስለዚ ተሃሊዩን ፍትወት ምግቢ ንስሃ ኣቦና ነዋግዕ ኣቡኡ ተሃሊና ድማ ዓቀን ንግበረሉ ። ምግቢ ናይ ኩሉ መሰረት ስለ ዝኮነ ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ 9 ወርሒ ፆማት ሰሪዓ 3. ሕክምና ዘድልዮ ሕማም ሓደ ሰብ ንነዊሕ ግዜ ብዘይግቡእ ኣመጋግባ እናነበረ፣ ብዙሕ ሽኮርን ስብሕን ይወስድ፣ እንቅስቃሴ ድማ ይቅንስ ለለ። ብድሕሪኡ ኣካሉ ንኢንሱሊን ብግቡእ ክጥቀመሉ ስለ ዘይክእል ሕማም ክፈጥር ይኽእል። እዚ ሕማም “ሰይጣን ሓዲርዎ” ወይ “እግዚኣብሔር ቀጺዕዎ” ኢልና ክንገልጾ ኣይግባእን። ሕክምናዊ ምርመራ የድልዮ፣ ሓኪም ዝእዝዞ መድሃኒትን ኣመጋግባን ክከተል ይግባእ። ከምኡ ድማ ሓደ ሰብ ኢንፌክሽን፣ ደም ምንታዕ ፣ ሕማም ልቢ፣ ሕማም ኩሊት ወዘተ ክሓምም ይኽእል። እዞም ሕማማት መንስኤኦም ብሕክምናዊ ምርመራ እዮም ዝፍለጡ። ስለዚ ኩሉ ሕማም ብሓጢኣት ወይ ብመንፈሳዊ ምኽንያት ጥራይ እዩ ዝመጽእ ኣይበልናን ። ጸሎት ንግበር፣ እግዚኣብሔር ንእመን ፣ ንሕክምና እውን ንዘጋጀው። 🙏 https://t.me/D_n_kibrom_desta
383
17
🎁 ውህብቶ  'ዶ  ወይስ መማረፂ..🤔             ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ናይ ፍቕሪ ፣ ናይ ሓዳር ፣ ከምኡ 'ውን ናይ ዕርክነት ትርጉም  ዝጠፍአና ክሳብ ዝመስል ፥ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተጎዳዳእና ፣ እናተከሓሓድና ኢና ዘለና። • ንምንታይ..? ኢለ ክሐትት ደለኹ ..ብዙሕ ሰብ ንፍቕሪን ንሐዳርን ዝህቦ ቦታ ቅልል ዝበለ እዩ... "ሰብ ተኸደ ሰብ ይመፅእ" ዝብል ከም ዝበዝሕ ኣስተውዓልኩ ። • ብዚ ምኽንያት እውን ሓደ ታሪኽ ከካፍለኩም ፈተኹ... ሓደ ጊዜ ኣብ ናይ ሰብ ሓዳር ናይ ትምህርቲ ክፍለ ጊዜ ፤ ሓደ ናይ ሳይኮሎጂ መምህር ናፍቲ ክፍሊ ይኣቱ።  • መምህር - "ሎምዓንቲ ሓደ ፀዋታ ኢና ክንፃወት" በሎም። • ተምሃሮ - እንታይ ዓይነት ፀዋታ ? • መምህር - መልሲ እንከይሃበ " ሓደ ፈቃደኛ ወዲ ይህሉ ዶ..?" በሎም ሓደ መናሰይ ኢዱ ኣውፂኡ ፍቓደኝነቱ ይገልፅ። • እቲ መምህር ድማ ነቲ ተምሃሪ ኣብ ሂወቱ ዓብዪ ቦታ ዝህቦም ናይ 30 ሰባት ሽም ኣብ ሰሊዳ ንክፅሕፍ ይእዝዞ። እቲ መንእሰይ ውን ካብ ስድርኡ ጀሚሩ ናይ ኣዕርኽቱ ከምኡ ውን ናይ ጎረባብቱ ኣስማት ፀሓፈ። • እቲ መምህር ድማ ብጣዕሚ ጠቓሚ ዘይኮኑ ናይ 10ተ ሰብ ሽም ደምስስ በሎ። ንሱ ውን ናይ ጎረባብቱ ስም ሰረዘ። ሐዚ ውን 10 ሽም ሰርዝ ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ተምሃሪ ድማ ናይ ኣዝማዱ ስማት ሰረዘ። • በዚ ኣገባብ ድሕሪ ምቕፃል ናይ 4ተ ሰባት ስም ጥራሕ ( ኣቡኡ ፣ ኣዲኡ ፣ ሰበይቱን ፣ ሓንቲ ጓሉን) ክሳብ ዝተርፍዎ ብዙሓት ሽማት ሰረዘ። • ምሉእ ክፍሊ እቲ ፀዋታ ነቲ ተምሃሪ ጥራሕ ከምዘይኮነ ተረዲእዎም ብተመስጦ እናተኸታተሉ እዮም።  ...ሕዚ ውን እቶም መምህር ካብ ዞም ዝተረፉ 4ተ ስማት ክልተ ንክስርዝ ኣዘዝዎ።  እቲ ተምሃሪ ብጣዕሚ ኸበዶ። ከም ዝሓዘነ ብዘፍልጥ መልክዑ ሰጋእ እናበለ ናይ ወለዱ ስም ሰረዘ። ••• እቲ መምህር በዚ ኣየቋረፀን ፤ ሐዚ 'ውን ኣብ መወዳእታ ካብ ዝተረፋ 2ተ ስማት ሓንቲ ንክስርዝ ኣዘዞ። ••• እቲ ተምሃሪ ምሉእ ብምሉእ ኣእምሮኡ ተረበሸ። ንብዓቱ እናተቖፃፀረ ፡ ብዝንቅጥቀጣ ኣፃብዕቱ ብዝሓዛ ፓርከር ጌሩ ፡ ናይ ጓሉ ሽም ሰሪዙ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ተቐመጠ። ••• ድሕሪ እዚ እቲ መምህር "ንምንታይ ንሰበይትኻ ገዲፍካያ" በሎ። " ቤተሰብካ ንዓኻ ብሕታዎት እዮም።  ጓልካ ውን ንዓኻ ብሕታዊት እያ። ሰበይቲ ግን ካሊእ ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ንምንታይ ንዓኣ መሪፅካ በሎ. 🤷‍♂ ኩሎም ተምሃሮ መልሲ ንምስማዕ ተሃንጠው። እቲ ተምሃሪ ድማ ብዝሰኸነ መንፈስ ከምዚ ክብል መለሰ። • ወለደይ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቀዲሞምኒ ክሓልፉ እዮም። ጓለይ ውን እንተኾነት ምስ ዓበየት ብስራሕ ወይ ብሓዳር ገዲፋትኒ ክትኸይድ እያ። ~ ሙሉእ ህይወተይ ሓቢራትኒ ምሳይ እትኸውን ብሕታዊት ሰብ በዓልቲ ገዛይ { ሰበይተይ }  እያ ብምባል ፡ ንኹሉ ሰብ ዘስደመም መልሲ መለሰ። • ኩሉ ተምሃሪ ትኽክለኛ ናይ ሂወት ገፅታ ስለ ዘካፈለ ካብ መቐመጢኡ ተልዒሉ ኣጣቐዐሉ ይበሃል። ክሳብ መጨረሽታ ሓቢሮም ዝፀንሑ ፡ ፈጣሪ ዘጣመሮም ሰብኣይን ሰበይትን እዮም። ስለዚ ፍትወይ ናይ ሕይወት መፃምርተይ ኢያ ንእትብላ ካብ ምንም ብላዕሊ ኣኽብራ። ቅድሚያ ሃባ። ንስኺ ውን ከምኡ..! ሰበይቲ ውህብቶ እምበር መማረፂት ከምዘይኮነት ልቢ በል። • ሰበይቲ ምእታው ትዝ ዝብለካ ክመሲ ኸሎ እንተኾይኑ ፡ ሓዳር ከይኮነስ መተሓድርቲ ኢኻ ደሊኻ። • ሰበይቲ ምእታው ትዝ ዝብለካ ገዛኻን ፣ ኣቕሑትካን እንትረስሕ ተኾይኑ ፡ ሰበይቲ እንከይኮነትስ ሰራሕተኛ ኢያ ተድሌካ። • ሰበይቲ ምእታው ትዝ ዝብለካ ቆልዑ ክትርኢ ከለኻ እንተኾይኑ ፡ ሰበይቲ ንስርዓተ-ምርባሕ ክትጥቀመላ ኢኻ ትሓስብ። • ሰበይቲ ምእታው ትዝ ዝብለካ ደቂስካ እንትቖረካ ተኾይኑ ፡ ንስኻ ሰበይቲ እንተይኮነትስ ረጒይድ ኮቦርታ እዩ ዘድሌካ። .ናይ ሓዳር ዕላማ እንከይሃለወኩም ብኾን'ደኾን ኣይትጀምሩ ፤ ዓላማ ተሃሊኩም ድማ ብቐሊሉ ኣይተፍርሱ። ቅዱስ ዝኾነ ስጋኹምን ፣ ነፍስኹምን ከምኡ 'ውን ኣእሙሮኹም ኣይተርክሱ። ንስኻትኩም ናይ እግዚኣብሄር መሕደሪ ምዃንኩም ኣስተውዕሉ። https://t.me/wengiel81
442
18
እምነት ክርስትና ብኣፍና ጥራይ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ምዝራብ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትካ ምንባር እዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ጸገምካ ጥራይ ኣይትድለዮ፤ ኩሉ ነገር ጽቡቕ እንከሎ እውን ኣልሾ። ተሓጊስካ እንከለካ ጸሊ፣ ፀጊሙካ ጸሊ። ኩሉ እንተተረዲኡካ ጸሊ፣ ዘይተረድኣካ እውን ጸሊ። ሓደ ሓደ ጊዜ እግዚኣብሔር ዝሓተትናዮ ብቕጽበት ኣይህበናን። እዚ ግን ረሲዑና ማለት ኣይኮነን፤ ንሕና ዘይንርእዮ ነገር ንሱ ስለ ዝርእይን ስለ ዘዳልወልናን ዘሎ እዩ። ምስ ወደቕካ ተነስእ። ምስ ተጎዳእካ ይቕረ በል። ኣብ ልብኻ ጽልእን ትዕቢትን ኣይትኣክብ። ንወለድኻ ኣኽብር፣ ንሰባት ፍቕሪ ኣርእዮም ግበረሎምን። ሰብ ወዲቑ ናብ እግዚኣብሔር እንተተመልሰ፣ ፅቡቅ እዩ እቲ ሓደገኛ ነገር ወዲቑ ክትንስእ ምእባዩ እዩ። ስለዚ ሎሚ እዚ ተንብቡ ሰባት ሕይወኩም ተወዲኡ ዝስምዓኩም እንተኮይኑ ገና እዩ ፣ እግዚኣብሔር ኣባኩም እናሰርሐ እንከሎ ታሪኩም ገና ኣይተወደአን።ኣብ ፈተና ተኮይንኩም ካብ ጭንቀት ውፁ ሞ ዝፀለኩምዎ ክበፅሕ ስለ ዝኮነ ንምስጋና ተዳለዉ. ሰናይ ለይቲ https://t.me/D_n_kibrom_desta
367
19
እምነት ክርስትና ብኣፍና ጥራይ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ምዝራብ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትካ ምንባር እዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ጸገምካ ጥራይ ኣይትድለዮ፤ ኩሉ ነገር ጽቡቕ እንከሎ እውን ኣልሾ። ተሓጊስካ እንከለካ ጸሊ፣ ፀጊሙካ ጸሊ። ኩሉ እንተተረዲኡካ ጸሊ፣ ዘይተረድኣካ እውን ጸሊ። ሓደ ሓደ ጊዜ እግዚኣብሔር ዝሓተትናዮ ብቕጽበት ኣይህበናን። እዚ ግን ረሲዑና ማለት ኣይኮነን፤ ንሕና ዘይንርእዮ ነገር ንሱ ስለ ዝርእይን ስለ ዘዳልወልናን ዘሎ እዩ። ምስ ወደቕካ ተነስእ። ምስ ተጎዳእካ ይቕረ በል። ኣብ ልብኻ ጽልእን ትዕቢትን ኣይትኣክብ። ንወለድኻ ኣኽብር፣ ንሰባት ፍቕሪ ኣርእዮም ግበረሎምን። ሰብ ወዲቑ ናብ እግዚኣብሔር እንተተመልሰ፣ ፅቡቅ እዩ እቲ ሓደገኛ ነገር ወዲቑ ክትንስእ ምእባዩ እዩ። ስለዚ ሎሚ እዚ ተንብቡ ሰባት ሕይወኩም ተወዲኡ ዝስምዓኩም እንተኮይኑ ገና እዩ ፣ እግዚኣብሔር ኣባኩም እናሰርሐ እንከሎ ታሪኩም ገና ኣይተወደአን።ኣብ ፈተና ተኮይንኩም ካብ ጭንቀት ውፁ ሞ ዝፀለኩምዎ ክበፅሕ ስለ ዝኮነ ንምስጋና ተዳለዉ. ሰናይ ለይቲ https://t.me/D_n_kibrom_desta
1
20
sticker.webp
465