Binyam ZeChristos (ቢንያም ዘክርስቶስ)
Open in Telegram
ከእውነት ማዕድ ተቆርሰው፣ ከጥሩ ምንጭ ተቀድተው፣ ለሕይወተ ሥጋ ወ ነፍስ የሚሆኑ፣ ወደ ክርስቶስ የሚጠቀልሉ ኦርቶዶክሳዊ ትሩፋቶችና፣ በኦርቶዶክሳዊ መነጽርነት የሚታዩ የተለያዩ እይታዎች ይቀርቡበታል።‼️ ኣስተያየት ለመስጠት => @ZeChristosComments_Bot
Show more2 130
Subscribers
-224 hours
+147 days
+2630 days
Data loading in progress...
Similar Channels
Tags Cloud
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Incoming and Outgoing Mentions
---
---
---
---
---
---
Attracting Subscribers
September '26
September '26
+44
in 0 channels
August '26
+23
in 0 channels
Get PRO
July '26
+9
in 0 channels
Get PRO
June '26
+13
in 0 channels
Get PRO
May '26
+15
in 0 channels
Get PRO
April '26
+38
in 2 channels
Get PRO
March '26
+15
in 0 channels
Get PRO
February '26
+16
in 2 channels
Get PRO
January '26
+31
in 3 channels
Get PRO
December '25
+31
in 1 channels
Get PRO
November '25
+42
in 1 channels
Get PRO
October '25
+32
in 3 channels
Get PRO
September '25
+18
in 2 channels
Get PRO
August '25
+36
in 1 channels
Get PRO
July '25
+22
in 1 channels
Get PRO
June '25
+18
in 0 channels
Get PRO
May '25
+20
in 0 channels
Get PRO
April '25
+40
in 0 channels
Get PRO
March '25
+33
in 0 channels
Get PRO
February '25
+35
in 1 channels
Get PRO
January '25
+42
in 0 channels
Get PRO
December '24
+56
in 0 channels
Get PRO
November '24
+78
in 1 channels
Get PRO
October '24
+45
in 0 channels
Get PRO
September '24
+42
in 0 channels
Get PRO
August '24
+37
in 0 channels
Get PRO
July '24
+31
in 0 channels
Get PRO
June '24
+30
in 0 channels
Get PRO
May '24
+36
in 0 channels
Get PRO
April '24
+42
in 0 channels
Get PRO
March '24
+29
in 0 channels
Get PRO
February '24
+33
in 0 channels
Get PRO
January '24
+36
in 0 channels
Get PRO
December '23
+44
in 1 channels
Get PRO
November '23
+34
in 0 channels
Get PRO
October '23
+17
in 0 channels
Get PRO
September '23
+37
in 0 channels
Get PRO
August '23
+60
in 0 channels
Get PRO
July '23
+82
in 0 channels
Get PRO
June '23
+565
in 0 channels
Get PRO
May '23
+57
in 0 channels
Get PRO
April '23
+271
in 0 channels
Get PRO
March '23
+113
in 0 channels
Get PRO
February '23
+90
in 0 channels
Get PRO
January '23
+148
in 0 channels
Get PRO
December '22
+22
in 0 channels
Get PRO
November '22
+20
in 0 channels
Get PRO
October '22
+18
in 0 channels
Get PRO
September '22
+67
in 0 channels
Get PRO
August '22
+27
in 0 channels
Get PRO
July '22
+19
in 0 channels
Get PRO
June '22
+10
in 0 channels
Get PRO
May '22
+32
in 0 channels
Get PRO
April '22
+14
in 0 channels
Get PRO
March '22
+14
in 0 channels
Get PRO
February '22
+11
in 0 channels
Get PRO
January '22
+6
in 0 channels
Get PRO
December '21
+14
in 0 channels
Get PRO
November '21
+178
in 0 channels
Get PRO
October '21
+36
in 0 channels
Get PRO
September '21
+19
in 0 channels
Get PRO
August '21
+8
in 0 channels
Get PRO
July '21
+11
in 0 channels
Get PRO
June '21
+30
in 0 channels
Get PRO
May '21
+44
in 0 channels
Get PRO
April '21
+18
in 0 channels
Get PRO
March '21
+38
in 0 channels
Get PRO
February '21
+31
in 0 channels
Get PRO
January '21
+21
in 0 channels
Get PRO
December '20
+3 592
in 0 channels
| Date | Subscriber Growth | Mentions | Channels | |
| 09 September | 0 | |||
| 08 September | 0 | |||
| 07 September | +3 | |||
| 06 September | +4 | |||
| 05 September | +1 | |||
| 04 September | +1 | |||
| 03 September | +7 | |||
| 02 September | +5 | |||
| 01 September | +23 |
Channel Posts
‼️ አክሌስያ ኣብ ልዕሊ ወንጌል ‼️
ቤተክርስቲያን (ብግሪክ አክሌስያ) ኣብ ልዕሊ ሐዱሽ ኪዳን 3 ዓይነት ሥልጣን ኣለዋ! 1)ወሃቢት መጽ/ቅዱስ 2)ሓላዊት መጽ/ቅዱስ 3)ተርጓሚት መጽ/ቅዱስ እያ:: ንሎሚ "#ወሃቢት መጽ/ቅዱስ" ምዃና ንርአ::
1️⃣ #ወሃቢት_መጽሓፍ_ቅዱስ:- ቤ/ክ ብክርስቶስ ደም ዝተጠረየት (ግብሪ 28:20) ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝተሃነፀት (ማቴ 16:18) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሐዋርያት እንትወርድ ዝተወለደት ናይ ሐዋርያት ጉባኤ እያ:: ቃል ኣምላኽ ግና ቕድሚ ዓለም ዝነበረ፣ ንዓለም እውን ዝፈጠረ ዘለዓለማዊ ቃል እዩ:: ቤትክርስቲያን ንቃል ኣምላኽ እንተይኮነስት ነቲ ዝተጽሓፈን ክሳብ ሎሚ ነንብቦ ዘለናን መጽሐፍ ቅዱስ (ሐዲስ ኪዳን) እያ ሂባትና! ሐዲስ ኪዳን መን ጽሒፉዎ? - ሐዋርያትን አርድእትን!
ስለዚ ነቲ ብትውፊት ዝተቐበለቶ ዘለዓለማዊ ቃል ኣምላኽ፣ ብመጽሓፍ መልክዕ ንክዳሎ ዝገበረት እታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአት ቤ/ክ እያ:: ብዘይካ ቤ/ክ እቲ መጽ/ቅዱስ እንታይ ምዃኑን ክንፈልጦን ክንኣምኖን ኣይንኽእልን:: ነዚ እዩ ??#ቅዱስ_ባስልዮስ "ኣቦታትና ዝሃቡና ነገር እቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝነበረ ዶግማን ትምህርትን እዩ - The dogmas and the preaching preserved in the Church are what our Fathers handed down" (On the Holy Spirit 27) ይብል::
📌#ቅዱስ_ሄሬኔዎስ ድማ "ሐዋርያት ነቲ ሓቂ ዘቐመጥዎ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን እዩ - It is within the Church that the apostles deposited the truth.” ይብል:: (Against Heresies 3.4.1) 📌#ቅዱስ_ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም ድማ "ብሉይ ኮነ ሐዱሽ ኪዳን ኣየናይ ከምዝኾነ ካብ ቤ/ክ ብጥንቃቐ ተምሃሩ - Learn carefully from the Church which are the books of the Old Testament, and which of the New" ይብለና::(Catechetical Lectures 4.33–36) 📌#ሊቁ_ኦግስቲን እውን "ብናይ ቤተክርስቲያን ሥልጣን ተዘይኸውን ነይሩ፣ ብወንጌል ኣይምኣመንኹን ነይረ - I would not believe the Gospel unless moved by the authority of the Church. (Contra Ep. Manichaei 5.6)
Ecclesiology 101 - 02
@Binyam ZeChristos ጳጉሜን 2 - 2018
| 2 | ‼️ብተግባሩ ኣይጸደቐን ዶ?‼️
አብርሃም አመነ (ዘፍ 12:1-3) ምስኣመነ ተኣዘዘን መስዋእት ኣቕረበን (ዘፍ 12:7-8) እታ ምግባር ዝወነነት እምነቱ ድማ ጽድቂ ኮይና ተቆፀረትሉ። (ዘፍ 15:6) ጳውሎስ ግን ሓንቲ ነገር ይነግረና፣ ኣብርሃም ብምግባሩ ኣይፀደቐን ይብል። « ኣብርሃም #ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ #ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን» (ሮሜ 4:2)
ስለዚ ኣብርሃም "ብስርሐይ እየ ፀዲቐ" ኢሉ ዝምክሐሉ ነገር የብሉን። ነዛ ጥቒ ብምጥቃስ ምግባር ኣብ ጽድቅ ምንም ትርጉም ከምዘይብሉ፣ ጾም ጸሎት ስግደት ጥምቀት ቁርባን ኲሉ ኣየጽድቕን ይብሉ።
ጳውሎስ ግን ኣብ መልእኽቱ "ግብሪ ኣየድልን፣ ብሕጊ ኣይንፀድቕን" ዝብሎ ዘሎ ኣየናይ ግብሩ፣ ኣየናይ ሕጊ እዩ? እቲ ንሕና ክርስቲያን እንኽተሎ ናይ ክርስቴ ሕጊ ድዩ? ወይስ ብሙሴ ዝተውሃበ ሕገ ኦሩት እዩ? እንተይልና፣ መልሱ:- ንሕገ ኦሪት እዩ! ነዚ ብኽልተ መርትዖ ክሙግት
1) ብጳውሎስ ዘመን ገለገለ ነበር-ፈሩሳውያን ዝኾኑ ክርስቲያን፣ "ተዘይተገሪዝኩም ኣይትፀድቁን፣ ሕገ ሙሴ ተዘይሓሊኹም ኣይድሕኑን" ይብሉዎም። ጳውሎስ ድማ ንኣብርሃም ከም ምሳሌ ገይሩ፣ ቅድሚ ምግራዙ ብእምነት ከምዝፀዱቐ የረጋግፅ።
=> ግብሪ 15:1:- “ስርዓት ሙሴ እንተ #ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
=> ግብሩ 15:5: ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።
2) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 4 ትሕት ኢሉ፣ አብርሃም ብግብሩ ኣይፀደቐን ኡሉ ዝጠቐሶ ግብሩ፣ ግርዘት ምዃኑን ይነግረና። ስለዚ ድማ ኣብርሃም ቅድሚ ምግራዙ ብእምነት ስለዝጸደቐ፣ ካብ ግርዘት እምነት ይዓቢ! ኣብ ሐዲስ ኪዳን ድማ ሰብ ብእምነት እምበር ብግርዘት ከምዘይኮነ የረጋጋፅ።
=> ሮሜ 4:10:- ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን። ነታ ገና #ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ #ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ #ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።
@Binyam Zechristos ነሓሰ 30 - 2018 | 262 |
| 3 | No text... | 346 |
| 4 | ኣብርሃም ብእምነት ብቻ ዶ ፀዲቑ?
ሓደሓደ "ብእምነት ጥራሕ ንፀድቕ" ዝብሉ አካላት ደጋፊ-ሓሳቦም ገይሮም ከም ምሳሌ ዘቕርቡዎ ሰብ እዩ - ኣብርሃም። ነዚ ድማ ከም መረዳእታ ቃል-ጳውሎስ ይጠቕሱ። ሮሜ 4:3፣ ገላ 3:6!
ክልቲአን ጥቕስታት ሓደ ኮይነን ከምዚ ይብላ - «መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” #ይብል።» ኣብዚ ጥቕሲ ሓደ ነገር ንዕዘብ፣ ጳውሎስ ነዚ ቃል ካብ ካልእ መጽሓፍ ጠቒሱ ዘምፀኦ ምኻኑ ነጊሩና ኣሎ - "መጽሕሓፍከ እንታይ በለ?" ኢሉ ብምጅማርን፣ ነቲ ጥቕሲ ምስ ጠቐሰ ድማ "ይብል" ኢሉ ይዛዝም።
እምበኣር ጳውሌስ ነዚ "ኣብርሃም ኣመነ ጽድቂ ኮይኑ ድማ ተቔፀረሉ" ዝብል ጥቕሲ ካብየናይ መጽሓፍ እዩ ኣምፁኡዎ? እንተይልና ካብ #ዘፍጥረት እዩ። ዘፍጥረት 15:6 "ኣብርሃም ኣመነ ጽድቂ ኮይኑ ድማ ተቆፀረሉ" ይብል ነቢይ ሙሴ።
ዘየስተውዓልዎ ነገር ግን ኣሎ። ኣብርሃም ብእግዚአብሔር ዝኣመነ ኣብ ዘፍ 15 ኣይኮነን። መዓዝ ደኣ? ቅድሚ 3 ምዕራፋት ኣብ ዘፍጥረት 12። ኣብርሃም ካብ አምልኮተ-ጣዖት ናብ እግዚአብሔር አምልኮ ተመሊሱ ዝኣመነን ድምፁ ሰሚዑ ካብ ካራን ዝወፀን ኣብ ዘፍጥረት 12 እዩ።
« እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦
“ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸዓ ኺድ። ... ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ » (ዘፍ 12:1-4)
ኣብርሃም ድሕሪ ምእማኑ ድማ ንአምላኽ ብምግባሩ ተኣዚዙ መስዋእቲ ሰርሐ፣ ብበረኻ ብእግሩ ናብ ከነዓን ኸደ። (ዘፍ 12:7-8) ስለዚ ኣብርሃም ካብ ዝኣመነሉ ሰዓት ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ (ድሕሪ 3 ምዕራፋት ዘፍጥረት) ኣብ ዘፍጥረት 15 ድማ "ዘርእኻ ከም ምድሪ ሓሸዋ ከብዝሖ እየ" ክብሎ እንተሎ አብርሃም ኣመነ ጽድቂ ኮይኑ ተቖፀረሉ። (ዘፍ 15)
ስለዚ አብርሃም ኣሚኑ ምስተኣዘዘን ምስ ኣገልገለን እዩ እምነቱ ከም ፅድቂ ዝተቖፀረሉ እምበር፣ ኣብ ዝኣመነሉ ቅፅበት ኣይፀደቐን።‼️ | 358 |
| 5 | ‼️ ፅድቂ ኣብርሃምን ፊንሐስን‼️
1⃣ #አብርሃም
1) አብርሃም ኣብ ጊዜ እርጋኑ ውላድ ከምዝረክብ ንዝነገሮ ንእግዚአብሔር ኣመነ።
📌ዘፍ 15:5:- « ንሰማይ ጠምት፤ ምቝፃሮም ትኽእል እንተ ዄንካ፥ ንኸዋኽብቲ ቝፀር ፣ ዘርእኻ ኸምኡ ኽበዝሕ እዩ” በሎ። ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ »
2) ስለዚ ድማ አብርሃም #እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ተቖፀረሉ።
📌ዘፍ 15:6:- ኣብራም ከዓ ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ #ፅድቂ ኾይኑውን #ተቘፀረሉ። (ሮሜ 4:3፣ ገላ 3:)
2⃣ #ፊንሀስ
1) ፊንሃስ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መዓት ንኽመፅእ ምኽንያት ዝኾነን ዝበደለን ሰብ ፈረደሉ፣ ኸይዱ እውን ነቲ በደለኛ ሰብ ቐተሎ።
📌ዘኁል 25:7: ፊንሃስ ካብ ማእኸል እቲ ጉባኤ ወፀ። ኲናት ወሲዱ ኸዓ፥ ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ስዒቡ ናብታ ድንኳን ኣተወ፤ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከዓ ንኽልቲኦም ከብዶም #ወግኦም። እቲ #መዓት ድማ ኻብ ደቂ እስራኤል ተወገደ።
2) ስለዚ ድማ ፊንሃስ እዚ #ምግባሩ ጽድቂ ኾይኑ ተቖፀረሉ።
📌መዝ 106:30:- ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤
እቲ መዓት ድማ ሓደገ። እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ #ፅድቂ ኾይኑ #ተቘፀረሉ።
‼️Conclusion‼️
ጽድቂ ብእምነት ተጀሚሩ ብምግባርና ዝፍፀም እምበር፣ "ብእምነት ጥራሕ" ወይድማ "ብምግባር ጥራሕ" እንቕበሎ ኣይኮነን። ጽድቂ ንክርስቶስ ብምእማንን ተጀሚሩ ንክርስቶስ ብምእዛዝን ዝፍፀም #ህይወት/Process እምበር ቅፅበታዊ/momentary ኣይኮነን።
📌 ያዕ 2:24:- ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
Binyam ZeChristos ነሓሰ 28 - 2018 | 369 |
| 6 | https://www.facebook.com/share/v/14riaoWaRRv/ | 394 |
| 7 | ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ነገር እምበር ፣ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘይተፅሓፈ ነገር ኲሉ ስሕተት ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ "ኹሉ ነገር ኣባየ ተፃሒፉ ኣሎ" ስለዘይበለ፣ ንኹሉ ነገር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ክደልየሉ እየ ምባል ናብ ዕብደት ዝወስድ ሕማም እዩ።
ሓደ ነገር እንቕበሎ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ትውፊትን ዝሰማማዕ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ሓደ ነገር ዘይንቕበሎ ድማ ምስ መጽሐፍ ቅዱስን ምስ ትውፊትን ዝጋጮ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ንምንታይ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ውሽጢ "መጽሐፍ ቅደስ ጥራሕ" ዝብል ስለዘየለ። ነዚ ኢና "መጽሓፍ ቅዱስ ጥራሕ - Sola Scriptura" ዝብል ሉተራዊ-ኣስተምህሮ ዘይንቕበሎ።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 27 - 2018 | 394 |
| 8 | Church House of God - Fr Tadros Malaty.pdf | 484 |
| 9 | ኣብ ክርስትና ዘለዎ ኣብያተ እምነታት ነናይ ባዕሌም ዝኾነ ካብ Sunday School ጀሚሮም ክሳብ Theoligical Universities ዝወሃቡ ትምህርታት ኣለውዎም። ኹሎም ንመጽሓፍ ቅዱስ የፅንዕዎ፣ ግን ኣብ ፍፁም ተቓራኒ ድምዳመ ይበፅሑ። ንምንታይ? ኩሎም ብናይ ባዕሎም መነፅር ስለዝርድኡዎ እዩ። New T, Old T, Hermeneutics, Bible study, Comparative/Systematic/Dogmatic Theology ኮታስ ኲሎም ትምህርታት ብሉተራዊ ወይ ካልቪኒስት መነጽር እንተፅኒዕኻዮም ሉተራዊ ወይ ካልቪኑስት ትኸውን። ብናይ ይሆዋ መሰኻኽር ወይ OJ መነፅር ተኾይኑ ድማ ከምኡ ትኸውን።
ስለዚ ንሓደ ሰብ እቲ ሓቀኛ መነፅር ተዘይገይርኻሉ ካብ ክሕደት ክወፅእ ኣይኽእልን፣ ወይድማ ብComparative relegion ኾነ ብApologetic ተጠቒምኻ ንክትንልሶ ብዙሕ ጊዜን ፃዕርን የድልየካ። እምበኣር ንኩሎም ክሕደታት ንምሽናፍ፣ ኩሎም ትምህርታትን ፅንዓታትን ናብ ሓቂ ንክወስድዎ እንተደሊኻ ሓደ ትምህርቲ ክትምህሮ ግድን እዩ።
ዳርጋ ኩሎም ናይ ቤት ት/ሰንበት ኮነ ናይ ሥነመለኮት ትምህርታት (Theoretical or Practical Studies) ኣብ ሓደ መጽሓፍ መሠረት ዝገበሩ እዮም። ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ! ኩሎም ትምህርታት ነዚ መጽሓፍ ንምርዳእን ንምትግባርን ዝግበሩ ፈተነታት እዮም። እቲ ቑልፊ እምበኣር ኣብዚ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብ ሓደ ነገር ኢና ረኺብናዮን - ካብ ቤተክርስቲያን! ዝጸሓፈቶ፣ ዝኣከበቶ፣ በቀኖና ዘቐመጠቶን፣ ዝተርጎመቶ ቤ/ክ እያ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ነገረ ቤ/ክ (Ecclesiology) የድሊ በሃላይ እየ።
ነገረ ቤ/ክ ንመጽሐፍ እንሪአሉ መነጽር ስለዘስተኻኽል፣ ንኹሎም ትምህርታት ብቕኑዕ ሓሳብ (Orthodoxy) ክንርድኦን ናብ ሓቀኛ ክርድቶስ ክንበፅሕ ይገብረና። ነዚ ዝገብሮ ድማ ብ3 ነገራት እዩ።
1.ታሪክ ጥንታዊት ቤ/ክ (Early Church History):- ጥንታዊት ቤ/ክ ካብ ሐዋርያት እንታይ ተቐቢላ? እንታይ ኢላ ትኣምን? ከመይ ተምልኽ ነይራ? ንስኻኸ ምስታ ቤ/ክ ሓደ ዶ ኣለኻ ተፈሊኻ?/ዥብል ብምግላፅ
2. ነገረ አበው (Patrology):- እቶም ናይ ጥንቲ ናይ ቤ/ክ ሊቃውንትን ኣቦታት ኣብ ዝተፈላለዩ Dognmatic Issues እንታይ ይኣምኑ ነይሮም? ንስኻ ኸ ካብ ናታቶም እምነት ርሒቕኻ ዶ ቐሪብኻ ኣለኻ? ዝብል ነጥቢ የልዕል።
3. ቅዱስ ትውፊትን (Holy Trdition):- እዚ እቲ ዋና እዩ፣ ኩሉ ነገር ካብ ቤ/ክ ንቤ/ክ ብትውፊት ዝሓለፈን ዝተቐበልናዮን ምኻኑ ምፍላጥ እዩ። ቤ/ክ ክንቕበላ እምሸር ሓዱሽ ቤ/ክ ክምስረት ስለዘይተኣዘዘ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዝትርጎምን ዝብራህራህን ብቤ/ክ ከም ቤ/ክ ምኻኑ እንፈልጠሉ እዩ።
ስለዚ ድማ ኣብ መልሲ መውሀቢ ቦታ "ነገረ ቤ/ክ" ኢልኹም ንዝመለስኹምን ከምኡ ድማ " ነገረ/ሃይማኖተ አበው፣ ቅዱስ ትውፊት፣ ጥንታዊ ታሪክ ቤ/ክ" ንዝበልኹም እውን ሽልማት ከቐምጥ። ብቀሲስ ታድሮስ ያዕቆብ ማላታይ ዝተዳለወ "Church, the Hous of God" ዝብል መጽሓፍ ክህበኩም ብውሽጢ ኣዛርቡኒ።
እሞ ነገረ ቤ/ክ ቁሩብ ተኸድናዮ እንታይ ይመስለኩም? | 543 |
| 10 | ስለ ጻድቁ አባታችን አብነ ተክለሃይማኖት የጻፉ አለማቀፍ የታሪክ ተመራማሪዋች
1. ሰር ኢ. ኤ. ዋሊስ በጅ Sir E. A. Wallis Budge
"The history of Takla Hâymânôt is the history of the revival of the Ethiopian Church... He was not only a great saint and worker of miracles, but a statesman of extraordinary power and ability, who laid the foundations of the national life of modern Abyssinia."
ትርጉም፦የተክለሃይማኖት ታሪክ የኢትዮጵያ ቤተክርስቲያን ህዳሴ ታሪክ ነው። እርሳቸው ታላቅ ጻድቅና ተአምራት አድራጊ ብቻ ሳይሆኑ፣ የዘመናዊቷን አቢሲንያ (ኢትዮጵያ) ብሔራዊ ሕይወት መሠረት የጣሉ እጅግ ከፍተኛ ኃይልና ብቃት የነበራቸው መሪ ነበሩ።
2. ፕሮፌሰር ኤድዋርድ ኡለንዶርፍ Edward Ullendorff
"No single figure in the religious history of Ethiopia has exercised so profound and lasting an influence as Takla Haimanot. The order of monks founded by him at Debre Libanos became the main bastion of the Monophysite Church and the repository of Ethiopian traditions."
ትርጉም፦ በኢትዮጵያ የሃይማኖት ታሪክ ውስጥ እንደ ተክለሃይማኖት ያለ ጥልቅና ዘላቂ ተፅዕኖ ያሳደረ አንድም ሰው የለም። እርሳቸው በደብረ ሊባኖስ የመሠረቱት የመነኮሳት ሥርዓት የቤተክርስቲያኒቱ ዋና ምሽግ እና የኢትዮጵያ ባህልና ትውፊት መጠበቂያ ካዝና ለመሆን በቅቷል።
3. ኤንሪኮ ሴሩሊ Enrico Cerulli
"L'opera di Takla Haymanot non fu soltanto un evento religioso, ma segnò la vera e propria penetrazione della cultura cristiana e dell'alfabetizzazione nelle regioni meridionali dell'Etiopia."
ትርጉም፦ የተክለሃይማኖት ሥራ ሃይማኖታዊ ክስተት ብቻ አልነበረም፤ በደቡባዊ የኢትዮጵያ ክፍሎች የእውነተኛው ክርስቲያናዊ ባህልና የጽሑፍ/የትምህርት ሥርዓት እንዲስፋፋና እንዲገባ ያደረገ ታላቅ እርምጃ እንጂ። | 504 |
| 11 | ‼️ነገረ-ድኅነት ~ Soteriology‼️
1) ክርስቶስ ንሓጢኣተይ ሞይቱ ዋጋ ስለዝኸፈለለይ፣ ኣነ ብሓጢኣተይ ኣይሕተትን
2) ሰብ ዝድሕን ኣብታ ዝኣመነላ ሰዓት ወይ ቅጽበት እዩ።
3) ሰብ ዝፀድቕ ብእምነት ጥራሕ እምበር ብተኣዛዝነት ወይ ሕጊ ክርስቶስ ብምግባር ኣይኮነን።
4) ኣነ ብእምነት ጥራሕ እየ ወዲ እግዚአብሔር ዝኸውን እምበር ብጥምቀት ኣይኮነን።
5) ሰብ አባል ቤ/ክ ንምኻን ይጥመቅ እምበር፣ ብጥምቀት ዝርከብ ድሕነት የለን።
6) ናይ ጎይታ ሥጋን ደምን (ቁርባን) መዘከርታ እዩ'ምበር ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣይህብን።
7) ኣነ ባዕለይ ጻድቅን ቅዱስን ስለዝኾንኹ፣ ጻድቃናትን ቅዱሳንን ኣየድልዩንይ።
8) ሰብ ብእምነት ጥራሕ ስለድሕን፣ ምስ ኣመነ ድሕነቱ ኣይምንጠልን ኣይጠፍእን።
9) ስለዝጸደቕኹን ስለዝደሓንኹም ደኣ ምግባራት ይገብር እምበር ንኽጸድቕን ንክድሕንን ኢለ ምግባራት ኣይገብርን።
10) ኣነ ሐዚ እንተሞይተ ገነት ከምዝኣቱ ርግፀኛ እየ።
ነዚኦምን ካልኦትን ናይ ስሕተት ትምህርታት (Doctrinal Heresies) መልሲ እንህበሉ፣ ንዝጠፍኡ እንምልሰሉ፣ ንምዕመናን እንሕልወሉ፣ ልዕሊ ኹሎም ትምህርታት ቕድሚት ብጥልቀት ክንመሃሮን ክነምህሮን ዝግበአናን ትምህርቲ - #ነገር_ድኅነት (Soteriology) ይበሃል።
©Binyam ZeChristos ነሓሰ 20 - 2018 | 706 |
| 12 | No text... | 428 |
| 13 | #FREE_BISHOP_NATNAEL
📌Bishop Natnael was questioned after publicly opposing the forced recruitment of young people and specially church students. A court found no evidence that he had committed a political offense, yet the investigation has continued.
🔹 He remains under house arrest.
🔹 His mobile phones have been confiscated.
🔹 His movements are strictly restricted.
🔹 Visitors are not permitted to see him.
🔹 He is reportedly monitored, even while attending church services.
🔹 Authorities have reportedly begun examining his financial accounts as part of the ongoing investigation.
✅ We respectfully urge the international community, humanitarian agencies, diplomatic missions, and human rights organizations—including @UNOCHA and @USEmbassyAddis to pay close attention to the reported house arrest of Bishop Natnael in Aksum and to encourage respect for due process and fundamental freedoms.
‼️Justice. Human Dignity. Religious Freedom‼️
#FREE_BISHOP_NATNAEL
#HumanRights
#ReligiousFreedom
#RuleOfLaw
#FreedomOfExpression
#StandForJustice | 429 |
| 14 | No text... | 485 |
| 15 | No text... | 656 |
| 16 | https://youtu.be/ZuU1sBD1F80?si=GjuNtzMXCv5cIT1U | 605 |
| 17 | https://youtu.be/dT1AQLj7_q8?si=D0YKbonz9gvwaUpK | 516 |
| 18 | https://www.youtube.com/live/Ulq3MHw587U?si=6wAk4FUpCIH233Zv | 491 |
| 19 | ሰላመ ክርስቶስ ምስ ኩለና ይኩን! እንካዕ ናይ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በዓለ ልደታ( ማርያም ግንበት) ን ኣቡነ እንድርያስ በዓለ ልደቶምን ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበልና እቲ ዝተለመደ ዓመታዊ ክብረ በዓል ብድምቀት ንክሓልፍ ምድላዋትና ዛዚምና ንኣኩም ንፅበ ኣለና ይብል ኣሎ ናይ ደብርና ዳግማዊት ኣክሱም ጌቴሴማኒ ማርያም ዓዲ ሓውሲ ሰንበት ትምህርቲ ቤት ስለዚ ኩለና መፂና ናይቲ በዓል ተሳተፍቲ ንኩን ካብ ለይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ክሳብ ቅዳሴ ካብ ቅዳሴ ክሳብ ታቦት ምውፃእን ምእታውን ከምኡ ንተከታታሊ 4 መዓልቲ ዝፀንሕ ዓብዪ መርሓግብሪ ኣዳሊና ኣለና ምፁታ ንጎይታ ብሓባር ነገልግል🙏🙏
ወረብ ልምምድ ስለ ዘሎ ኣብተን ዝተረፋ መዓልትታት መፂና ንለማመድ
#share #copy #story እናገበርና | 476 |
| 20 | 📌 #ዳግማይ_ትንሳኤ (ፈፀምነ)
ዳግማይ ትንሳኤ ማለት ጎይታ ንኻልኣይ ጊዜ ካብ ሙታን ተሲኡ ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣስ ንሓዋርያት ንኻልኣይ ጊዜ ተገሊፁ ትንሳኤኡ ዘረጋገፀሉ ስለዝኾነ ደኣምበር! እወ እቲ ጸሎት ኣይሰምዕን ዝተብሃለ ኢየሱስ ተገሊፁ! ጎይታ ምስተሰአ ነቶም ሰላሞም ተዘሪጉ፣ ገዝኦም ዓጽዮም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሐዋርያት " #ሰላም_ንዓኻትኩም_ይኹን " ኢልዎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ ኣእዳዉን ጎድኑን ኣርኣዮም። እዚ ዝኾነሉ ዕለት ትንሳኤ እዩ ነይሩ! ሐዋርያ ቶማስ ግና ኢየሱስ ተገሊፁ ክረኣዮም ከሎ ምስኦም ኣይነበረን። ሐዋርያት ከዓ "ንጎይታ ርኢናዮ፣ ካብ ሞት ድማ ተንሲኡ'ዩ" ኢሎም እንትነግርዎ "እቲ ሽንኻር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረአኹ፣ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ዝተወግአ ጎኑ እንተዘየእተኹ፣ ኣይኣምንን" በለ። እዚ ድማ ቶማስ ካብቶም #ሰዱቃውያን ዝበሃሉን፣ "ትንሳኤ ሙታን የለን" ኢሎም ዝኣምኑን ናይ ኣይሁድ ዘርኢ ስለዝነበረ እዩ!
ጎይታ ግና ንቶማስ ንከእምን፣ ተኣኪቦም እናሃለዉ ዳግማይ ተገሊፁ ንቶማስ «ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ፣ ነእዳወይ'ውን ርአ፣ ኢድካ ኸዓ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጎድነይ ኣእትዋ» በሎ። ቶማስ እውን ኣእዳው ዘርጊሑ ናብቲ ዝተወግአ ጎኑ እንተእቱ ኢዱ የሕርሮ! በዚ ድማ ትንሳኤን ኣምላኽነትን ክርስቶስ ተረዲኡ « #ጎይታይ! #ኣምላኸይ!» ኢሉ ጨረሐ። ኢየሱስ ከኣ "ሳላ ዝረአኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፣ እቶም
#ከይረኣዩ_ዝኣምኑ_ብጹዓን_እዮም " በሎ። እቲ ሰላም ስኢኑ ዝነበረ ኣእምሮ ቶማስ ድማ ብሰላም ተመልአ። ኣቱም ኣሕዋተይ፣ ብክርስቶስ ኣሚንካ ምንባር ንርእሱ ሰላም ዝህብ እዩ! ምኽንያቱ ክርስቶስ "ኣቦ ሰላም እዩ'ሞ" (ኢሳ 9፣6-7)። ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን "ናይ ሰላም ኣምላኽ" ኢልዎ ኣሎ (ሮሜ 15፣33፣ ሮሜ 16፣20)። ሰላምና ክርስቶስ ስለዝኾነ፣ ክውለድ ከሎ ጀሚሩ "#ሰላም_ኣብ_ምድሪ ..." ዝብል መዝሙር እዩ ዝተዘመረ (ሉቃ 2፣3-14)። ሰላም ባዕሉ ክርስቶስ ከምዝኾነን ልብና እውን ብኡ ክፀንዕ ከምዘለዎን ድማ " #ልብኹም_ኣይሸበር ፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይ'ውን እመኑ" (ዮሐ 14፣1) ይብለና።
እታ ነዚ ጽሑፍ ተንብብ ዘለኻ ሓወይ፤ እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ 'ሰላም' (ገላ 5፣22) ኣብ ህይወትካ ኣለካዶ? እዚ ሰላም እዚ ንመድሃኔ ዓለም ብምእማን ዝርከብ ሰላም'ዩ (ሮሜ 5፣1)። ኣብ ህይወቶም ሰላም ዝስኣኑ ብዙሓት እዮም'ሞ ከምኦም ከይትኸውንሲ እቲ ብመስቀልን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ዝተረኸበ 'ሰላም' ብልብኻ ተቐበሎ፣ ንርእስኻን ካልኦትን ድማ ንበረኸት ክትከውን ኢኻ። ዋላ ሓደ ወረን ወግዕን እዛ ዓለም ሰላምኻ ከይዘርጎ! ብሔርተኝነትን ፖለቲካን እዛ ምድሪ ሰላምኻ ከይወስዶ ዘለካ አጽኒዕኻ ሓዝ!
#ኦ_ንጉሠ_ሰላም_ክርስቶስ_ሰላምካ_ሃበና "
[ #ተኸታታሊ_ጽሑፈይ_ኣብዚ_ከዕርፍ! ]
👇መንፈሳውያት ጽሑፋት ብቴሌግራም የንብቡ👇
https://t.me/joinchat/AAAAAEc2WXYXfdEtME6smg
©Binyam ZeChristos ሚያዝያ 11 - 2018/2017 | 599 |
