en
Feedback
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

Open in Telegram
4 489
Subscribers
+124 hours
+37 days
+3130 days
Posts Archive
ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ህንፀት ፀኒሑ ካብ ዝወፅእ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብገበን ስርቂ ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ክቅፃዕ ተወሲንዎ። ተኸሳሲ ኣይተ ያሬድ ገ/ሚካኤል ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ተፈሪድዎ
ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ህንፀት ፀኒሑ ካብ ዝወፅእ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብገበን ስርቂ ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ክቅፃዕ ተወሲንዎ። ተኸሳሲ ኣይተ ያሬድ ገ/ሚካኤል ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ተፈሪድዎ ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበረ ኮይኑ ካብ ዝወፅእ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ እዩ ብገበን ስርቂ ክሲ ተመስሪትዎ። እዚ ተኸሳሲ ብዕለት 26/12/2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓድዋ ሆስፒታል ሓፍተይ ሓሚማትኒ መሳፈሪ ስኢነ ኢሉ ዋንነታ ናይ ከተማ ዓድዋ ቀይሕ መስቀል ኣምቡላንስ ተሳፊሩ እንትጉዓዝ ኣብ ኪስ ዝነበረ ቁልፊ እታ ኣምቡላንስ ሰሪቁ ዝተሰወረ እንትኸውን ብክትትል ፀጥታ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ እዩ። ፓሊስ ከተማ ኣኽሱም ኢድብኢድ ብምፅራይ ናብ ዓ/ሕጊ ብምሕላፍ ቤት ፍርዲ ከተማ ኣኽሱም ብዕለት 27/12/2018 ዓ/ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብ6 ዓመትን 6 ወርሕን ፅኑዕ እስራት ክቅፃዕ ተወሲንዎ። እዚ ሓበሬታ ካብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማእኸል ዝተረኸበ እዩ። @tikvahethiopiatigrigna

ብመልክዕ መመዝገቢ ካብ ተምሃራይ ዝእክብ ክፍሊት ኣግባብነት የብሉን ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ። እቲ ቢሮ ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ ተግባር ብህፁፅ ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። @tikvahethiopia
+1
ብመልክዕ መመዝገቢ ካብ ተምሃራይ ዝእክብ ክፍሊት ኣግባብነት የብሉን ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ። እቲ ቢሮ ኣብያተ ትምህርቲ ነቲ ተግባር ብህፁፅ ደው ከብላ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

ሓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ውሕጅ መንበሪ ተመዛበልቲ አዕለቕሊቑን ፈሪሱን። በቲ ምዕልቕላቕ 28 መንበሪ ኣባይቲን 4 ሓበራዊ መናፅሂ ተመዛበልትን ፈሪሶም እዮም። እቲ ምዕልቕላቕን ምፍራስን ነሓሰ 28/201
+2
ሓያል ዝናብ ብዘስዓቦ ውሕጅ መንበሪ ተመዛበልቲ አዕለቕሊቑን ፈሪሱን። በቲ ምዕልቕላቕ 28 መንበሪ ኣባይቲን 4 ሓበራዊ መናፅሂ ተመዛበልትን ፈሪሶም እዮም። እቲ ምዕልቕላቕን ምፍራስን ነሓሰ 28/2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ እንዳስላሰ-ሽረ ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ምግጣሙ ዝገለፁ ተመዛበልቲ : ህፁፅ ሓገዝ ህዝብ መንግስትን ሓቲቶም ኣለው። ብድጋፍ ገንዘቦ ሰብኣዊ ፈንድ ኢትዮጵያ (EHF) ን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ : ኣብ 5 ዞባታት 21 ወረዳታት ኣብ ዝርከቡ 78 ጊዚያዋ መፅለሊ ማእኸላት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዓብዪ ፀገም ሕፅረት መግቢ : ዝስተ ማይን ፅሬትን : መንበሪን ሓለዋን ኣለዎም። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ተወላዲን ደጋፍን ህዝቢ ዓጋመ ኣብ ምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ብምሕጋዝ ክሓብር ፃውዒት ቀሪቡ። ንምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ዝወሃብ ሓገዝ ምእኹልን ንምምሕዳር ዝምቹ ክኸውን ማሕበ
+2
ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ተወላዲን ደጋፍን ህዝቢ ዓጋመ ኣብ ምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ብምሕጋዝ ክሓብር ፃውዒት ቀሪቡ። ንምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ዝወሃብ ሓገዝ ምእኹልን ንምምሕዳር ዝምቹ ክኸውን ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ተላብያ። ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ሮቡዕ ነሓሰ 27/2018 ዓ.ም ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ ኣከባብራ መስቀል 2019 ዓ/ም ንምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ከባቢታት ዓጋመ ዝጠመተ ክኸውን ይግባእ። እታ ማሕበር ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ከባቢታት ዓጋመ ሓገዝ ምትእኽኻብ ብዛዕባ ዝካኣለሉ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለፂ : 'ብሕብረት ዘይሓልፍ ፀገም የለን ' ኢላ። ሓገዝ መተኣኻኸቢ ክኸውን ናይ ባዕሉ ኣካውንት ክኽፈት እዩ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ እውን ብመልክዕ ፕሮጀክት ተቐሪፁ ዘላቒ እግሪ ምትካል ብዝፈጥር መልክዑ ክወሃብ ይግባእ ኢላ እታ ማሕበር ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ከይበታተን ምእኹል እንተዝኸውን ዝበለት እታ ማሕበር : እቲ ሓገዝ ብዝተበታተነ መንገዲ እንተተዋሂቡ ንምቁፅፃሩ ክኸብድ እዩ ብምባል ተላብያ ። እታ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ኣባላታን ደገፍታን ኢዶም ንሓገዝ ዝዝርግሕሉ ወቕቲ ሎምን ሎምን እዩ ኢላ ብኣፅንኦት ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተወለድቲ ዓጋመ ዛጊድ ልዕሊ 41 ሽሕ ዶላር ንምክልኻል ድርቅን ዓፀቦን ከባቢታት ዓጋመ ምውፋዮምን ቃል ምእታዎምን ኣተሓባበርቲ እቲ ሓገዝ ሓቢሮም። ብብርኪ ትግራይ ከቢድ ድርቅን ዓፀቦን ካብ ዝተርአየሎም ወረዳታት ኢሮብ፣ ሰብሓ ሳዕሲዕ፣ ኣፅቢ፣ ፅራእ ወንበርታ፣ 20 ዓዲ ወጀራት ፣ ኣበርገለ የጭላ፣ ላዕላይ ፀለምቲ፣ ራያ ዓዞቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣን ምዃኖም ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ትግራይ ምፍላጡ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና (ግፋ) ንመንእሰይ መንበሪ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብዓትን ጓሂን ኣዴታት ትግራይ ክሳብ ምጭካን ዝበፅሕ ክፍኣት ካብ ዝኾን ፀኒሑ ኣሎ ኢሉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (
ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና (ግፋ) ንመንእሰይ መንበሪ ካብ ምኽላእ ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብዓትን ጓሂን ኣዴታት ትግራይ ክሳብ ምጭካን ዝበፅሕ ክፍኣት ካብ ዝኾን ፀኒሑ ኣሎ ኢሉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ( ሳወት ) ። ሳወት ኣብ መግለፂኡ ኣዘዝትን ፈፀምትን ግፋ እከይ ስረሖም ብህፁፅ ደው ክብሉ ኣተሓሳሲቡ ። ትግራይ ገጢሙዋ ዘሎ ብደልሃመት ዝግለፅ ፀገም ካብ ብሄራዊ ጉባኤ ከም ዝፍልፍል ዘፍለጠ ሳወት : ምልኣተ ህዝቢ ነቲ መዋፅኦ ኣሚኑ ኣብ ፃውዒት ብሄራዊ ጉባኤ ፀቕጡ ከሐይል ፁዊዑ ። @tikvahethiopiatigrigna

ፀገም ምጥፋእ መብራህቲ ከተማ ማይጨው ንምፍታሕ መዓልታት ከምዝወስድ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ስለዝኾነ ፀገም ክሳብ ዝፍታሕ ተገልገልቲ ኣማራፂታት ክጥቀሙ ብትዕግስቲ ክፅ
+2
ፀገም ምጥፋእ መብራህቲ ከተማ ማይጨው ንምፍታሕ መዓልታት ከምዝወስድ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ስለዝኾነ ፀገም ክሳብ ዝፍታሕ ተገልገልቲ ኣማራፂታት ክጥቀሙ ብትዕግስቲ ክፅበዩን እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ፃውዒት ኣቕሪቡ። ነሓሰ 24/2018 ዓ.ም ብሰንኪ ሓይሊ ንፋስ ዝሓወሰ ዝናብ ዓበይቲ መተሓላለፍቲ ኤሌክትሪክ ታዎራት ብምውዳቖም ምኽንያት ኣገልግሎት መብራህቲ ከተማ ማይጨውን ኣብ ከባቢኣ ዝሬከባ ወረዳታትን ተቛሪፁ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ካራ-ዓዲሻዎን ከባቢኡን 6 ዓበይቲ መተሓላለፍቲ ታዎራት ወዲቖም ዋላኳ እንተበለ ናይ'ቲ ከባቢ ፍልፍላት ሓበሬታ ቁፅሪ እቶም ዝወደቑ ታዎራት ናብ 8 ሓፍ የብልዎ። ቅድም ክብል ብተደጋጋሚ ኣብ ንብረትን ሃፍቲን እቲ ትካል ብስርቆት ሓፃዉን ብዙሕ ኪሳራታት በፂሑ ዝበለ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር ማይጨው : ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ተግባር ስርቂ ዝገትእ ሓለዋን ስጉምትን ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። @tikvahethiopiatigrigna

ብሓደ ጊዜ 6 መካይን ካብ 40 ክሳብ 60 ደቓይቕ ዘተኣናግድ ነቝጣ መምልኢ ቻርጅ መካይን ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን መቐለ ዝተሃንፀ ነቑጣ ብልዕሊ 30 ሚልዮን
+1
ብሓደ ጊዜ 6 መካይን ካብ 40 ክሳብ 60 ደቓይቕ ዘተኣናግድ ነቝጣ መምልኢ ቻርጅ መካይን ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን መቐለ ዝተሃንፀ ነቑጣ ብልዕሊ 30 ሚልዮን ወናኒኡ ዳዊት ታደሰ ገሊፆም። ምትካል እቲ ናቝጣ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ስእነት ነዳዲ ዘስዕቦም ፀገማት ኣብ ምቅላል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ኢሎም እቶም በዓል ሃፍቲ ። @tikvahethiopiatigrigna

ዕድመ ፀገብ ወላዲ ብዘመዝገብዎ ውፅኢት 12 ክፍሊ ናእዳ ውሒዙሎም። እዞም ምስሎም ተታሓሒዙ ዘሎ ወላዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ነባሪ ወረዳ ሰለዋ ጣብያ ደጀን ቁሸት ግራዛፎ ቀሺ ስይፉ ተስፋይ ይበሃሉ
ዕድመ ፀገብ ወላዲ ብዘመዝገብዎ ውፅኢት 12 ክፍሊ ናእዳ ውሒዙሎም። እዞም ምስሎም ተታሓሒዙ ዘሎ ወላዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ነባሪ ወረዳ ሰለዋ ጣብያ ደጀን ቁሸት ግራዛፎ ቀሺ ስይፉ ተስፋይ ይበሃሉ ። ቀሺ ስይፉ ተስፋይ ኣብ ወረዳ ስለዋ ጨንፈር ባንኪ ኣንበሳ ብሓለዋ ዝሰርሑ ኮይኖም : ሎምዘበን በብርኪ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ 29 ሽሕ ተምሃሮ ሓደ እዮም። ቀሺ ስይፉ ተስፋይ ዕድመ ከይገደቦም ብምምሃር ካብቶም ሎሚዘበን ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ነጥቢ ዝረኸቡ 3,146 ተምሃሮ ኮይኖም ኣለው። ቀሺ ስይፉ ተስፋይ 320 ብምምዝጋብ ናብ ዩኒቨርስቲ ዘአቱ ነጥቢ ብምርካቦም ናእዳ ውሒዙሎም። ዝሰርሕሉ ጨንፈር ባንኪ ኣንበሳ ደላ ብውፅኢቶም ተሓጕሱ ከምዝሸለሞም ንምፍላጥ ተኻኢሉ። @tikvahethiopiatigrigna

ሎምዘበን ካብ ዝተፈተኑ 29 ሽሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ትግራይ ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ነጥቢ ዝረኸቡ እቶም 3,146 ምዃኖም ሚንስትር ቢሮ ትምህርቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምፍላጡ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ንዝተመዝገበ ትሑት ውፅኢት ተሓታቲ መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነሓሰ 16 /2018 ዓ/ም ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣመልኪ
+1
ንዝተመዝገበ ትሑት ውፅኢት ተሓታቲ መንግስቲ ፌደራል ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነሓሰ 16 /2018 ዓ/ም ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃብ መግለፂ : ትግራይ ካብ ዘፈተነቶም ተምሃሮ 11.2% ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ከምዘምፅኡ ካብ'ቲ ዝተውሃበ መግለፂ ምፍላጥ ክኢለ ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ ። ዝተረኸበ ውፅኢት ትሑት ዝበለ እቲ ቢሮ ኣብ'ቲ ልዕሊ ደማውን መስካሕክሕን ኲናት ዘበፀሖ ዕንወትን ኪሳራን መንግስቲ ፌደራል ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚሩ በጀት ብምኽልካሉን መሃያ መምህራን ብኣግባብቡን ብጊዚኡን ብዘይምኽፋሉ ዝፈጠሮ ፀገም ነቲ ትሑት ብምኽንያት ይጥቀስ። ብምኽንያት ኲናት ዝተፈጠረ ብኽነት ጊዜ ትምህርቲ ንምክሕሓስ ተምሃሮ ትምህርቲ ታሽዓይን ዓስራይን ኣብ ሓደ ዓመት ምውሳዶም ካሊእ ተጠቃሲ ፀገም ንምትሓት ውፅኢት ምዃኑ እቲ ቢሮ ኣብሪሁ። በቲ ኩነታት ከይተሰኮኑ ዝልዓለ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ናእድኡ ዝገለፀ እቲ ቢሮ : ተምሃሮና ናብ ፈተና ንክቐርቡ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንዝገበሩ መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርቲ ፣ ወለድን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላትን ኣመስጊኑ ። ዝርዝር መረዳእታ ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ሚኒስትር ትምህርቲ ምስ በፅሖ ዝርዝር ትንታነ ከምዝህብ ብምግላፅ : ተምሃሮ ምስ ፈተና ተኣሳሲሩ ዝህልዎም ሕቶን ጥርዓንን ብ https://result.eaes.et/complaint እዚ ክሓቱን ብኣካል እውን ንርዕሳነ መምህራን ኣብያተ ትምህርቶም ክፍልጡን ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ሓቢሩ ።

ኣሕዋት ማናቱ ተምሃሮ ልዑል ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ ረኺበን። እተን ተምሃሮ ሕሰም ምምዝባል ተፃዊረን መእተዊ ነጥቢ ናብ ዩኒቨርስቲ ብምርካበን ተናኢደን። ማናቱ ሜሮን ፅጋቡ 562.75 ሜላት ፅጋቡ
+1
ኣሕዋት ማናቱ ተምሃሮ ልዑል ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ ረኺበን። እተን ተምሃሮ ሕሰም ምምዝባል ተፃዊረን መእተዊ ነጥቢ ናብ ዩኒቨርስቲ ብምርካበን ተናኢደን። ማናቱ ሜሮን ፅጋቡ 562.75 ሜላት ፅጋቡ ድማ 563.48 ነጥቢ ብምርካብ እየን ሓሊፈን። እተን ቅድሚ 6 ዓመት ኣቢሉ ካብ ማሙቕ ገዝአን ሑመራ ዝተፈናቐላ ዕውታት ተምሃር 12 ክፍሊ ዩኒቨርስቲ ኣትየን ንህዝብን ዓድን ዝረብሕ ውፅኢት ከምዝግባእ ቀፃሊ ሓገዝ የድልየን ኢሎም ርኢቶ ወሃብቲ። ሎምዘበን ተምሃሮአን ካብ ዘፈተና ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ እተን 4 ሚእቲ ሚእታዊ እንተሕልፋ : 48 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ዋላኳ ኣየሕለፋን። ልዕሊ 29 ሽሕ ተምሃሮ ትግራይ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም እቶም 3,146 ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ነጥቢ ምርካቦም ሚንስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። @tikvahethiopiatigrigna

ፖለቲካዊን ሕጋውን መንነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ን እንተተመሊሱ መሊሱ ክላዘብ ድልው ምዃኑ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ኢፍሊጡ። ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ሎሚ ሰሉስ ነሓሰ 19
+1
ፖለቲካዊን ሕጋውን መንነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ን እንተተመሊሱ መሊሱ ክላዘብ ድልው ምዃኑ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ኢፍሊጡ። ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ሎሚ ሰሉስ ነሓሰ 19/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፋዊ መግለፂ ከምዝበሎ : -ማዕቐ ኢኮኖሚን ዕፅዋን እንተላዒሉ : - ተፈጢሩ ዘሎ ወታደራዊ ክባ እንተቋሪፁን ወጥሪ እንተረጊቡን : • ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር እንተተመሊሱ : • ተመዛበልቲ ድሕንነቶምን ክብሮምን ብዝሓለወ መንገዲ እንተተመሊሶምን : - ፖለቲካዊን ሕጋውን መንነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህወሓት/ን እንተተመሊሱ : ዝብሉን 5 ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ ምስ ፌደራል መንግስቲ ዳግም ልዝብ ንምቕፃል ዘለዎ ድልውነት ኣፍሊጡ ። ትማሊ ነሓሰ 18/2018 ዓ.ም ፕረዝደንት ነበር ናይጀሪያ ኦሊሶጎን ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ሃንደበታዊ መገሻ ምስ ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ተራኺቦም ምዝታዮም ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ ኣሎ ። ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ፕረዝደንት ነበር ናይጀሪያ ኦሊሶጎን ኦባሳንጆን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማሲንጋ ኣብ መቐለ ዘካየድዎ ዑደትን ዝርርብን ከይሰመረ ተሪፉ ዳግማይ ጎንፂ ምልዓሉ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ስድራ ነፍስሄር ዘውዱ ሃፍቱ ንኹሎም ኣብ ውሽጥን ደገን ብምዃን ፍትሕን ርትዕን ንዝሓቱ ዘለው ወገናት መልእኽቲ ምስጋናን ቀፅሉን ኣሕሊፎም። እቶሞ ስድራ ኣብ መልእኽቶም " የቐንየልና ሕማቕ ኣይትርከቡ
+1
ስድራ ነፍስሄር ዘውዱ ሃፍቱ ንኹሎም ኣብ ውሽጥን ደገን ብምዃን ፍትሕን ርትዕን ንዝሓቱ ዘለው ወገናት መልእኽቲ ምስጋናን ቀፅሉን ኣሕሊፎም። እቶሞ ስድራ ኣብ መልእኽቶም " የቐንየልና ሕማቕ ኣይትርከቡ " ኢሎም ኣለው። እቶም ስድራ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ" ዘዉዱ ኣሸንዳ ምስ ቤተሰባን ኣዕርኽታይ ብፅቡቕ ተብዕሎ ነይራ ሐዚ ግን ኣሸንዳን ዘዉዱን ካብ ዝፈላለያ 3 ዓመተን ጌረን። " ብምባል ኣዘኻኺሮም። " ከይሓሰበቶ ካብ ኣሸንዳን ቤተሰባን መሓዙታን ብጨካናት ብግፍዒ ኣብ መንገዲ ኣትሪፎምዋ " ዝበሉ ስድራ ዘውዲ " ዓሚ ቀተልታ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ እስራት ተፈሪድዎም ቤተሰብ ቁሩብ እፎይታ ረኺብና ኔርና ። ሐዚ ድማ ኣብ ዓመታ ናፃ ተባሂሎም ተለቒቖም እንሄዉ " ክብሉ ወሲኾም። ፍትሒ ክርከብ ንዝጣበቐሎምን ብገንዘብ ዝሕግዞምን ዘሎ ህዝቢ ዘመስገኑ እቶም ስድራ : እቲ ሓገዝ ክሳብ ፍትሒ ዝረጋገፅ ክቕፅል ተላብዮም። ጉዳይ ቅትለት ዘውዲ ሃፍቱ ምስ ኣበዓዕላ ኣሸንዳ ሎምዘበን ተኣሳሲሩ ኣብ ውሽጥን መላእ ዓለምን ወዑይ መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ቀፂሉ። ኣብ ጉዳይ ቅትለት ዘውዲ ሃፍቱ ዝተውሃበ ብይን ዝተቓወመ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ መቐለ ይግበአኒ ምሕታቱ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ንተኸታታሊ 46 መዓልታት ብዑደትን ዘተን ክሳለጥ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብዕሊ ተዛዚሙ። ኣብ'ቲ ዘተ ኣብ 8 ርእሰ ጉዳያት ዝመኸሩ 4 ሽሕ ተመኻኸርቲ በብዝዘተዩሉ ኣጀንዳ ብድምር ልዕሊ 467
+3
ንተኸታታሊ 46 መዓልታት ብዑደትን ዘተን ክሳለጥ ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብዕሊ ተዛዚሙ። ኣብ'ቲ ዘተ ኣብ 8 ርእሰ ጉዳያት ዝመኸሩ 4 ሽሕ ተመኻኸርቲ በብዝዘተዩሉ ኣጀንዳ ብድምር ልዕሊ 467 ምኽረ-ሓሳባት ሰኒዶም ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣቕሪቦም። ኣብ'ቲ ሎሚ ነሓሰ 16/2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ፕሬዜዳንት ፌዴሪኢ ታየ እፅቀስላሴ 'በቲ ዝተሳለጠ ምኽክር ሃገር ተዓዊታ እያ : ኢትዮጵያውያን ከምቶም ደቂ ወፃኢ ዝሓስቡና ለባማትን መማእዘንትን ንኹን ' ኢሎም። ነበር ፕሬዜዳንት ሃገረ ኬንያ አሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ' ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ካልኣይ ዓወት ዓድዋ ኣመዝጊባ ኣብነታዊ ዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር ብምክያድ ንኣፍሪካ ኣብነት ኮይና ' ብምባል ተዛሪቦም። ኣደራዳሪ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኦሌሰጎን ኦቦሳንጆ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ክዕወት ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ድሕሪ ምንኣድ : ኣፍሪካውያውን ፀገማቶም ብእሂን ምሂንን ምኽክርን ብምፍታሕ ኣብ ዓለም ዘለዎም ተሰማዕነት ክዓዝዝ ምዒዶም። ኣብ'ቲ መዕፀዊ ስነ-ስርዓት ርእሳነ ምምሕዳር 11 ክልላትን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዲፕሎማትን ኣምባሳደራት ብርክት ዝበላ ሃገራትን ተረኺቦም። ኣብ'ቲ ዝተሳለጠ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ወከልቲ 10 ፓለቲካዊ ውድባት : ስቪክ ማሕበራት : ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ-ሰባት : ጋዜጠኛታትን መናእሰይን ዝርከቡዎም ኣስታት 300 ደቂ-ትግራይ ተሳቲፎም እዮም። 'ነባር ቤት ምኽርን መንግስትን መሊሰ ' ብዝብል ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ 2 ጊዜ ብቢሮ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣቢሉ ብዝወፅኦ መግለፂ ነቲ ዝተሳለጠ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ብትሪ ምቅዋሙ ይዝከር ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ፀብፂቡ። @tikvahethiopiatigrigna

"በዓል ኣሸንዳ- ኣውርስ/ማሪያ ካብ ስታድዮምን ኣደባባይን ወፃኢ ክኽበር ተወሲኑ " ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ። እቲ ቢሮ ሎሚ ዓርቢ ነሓሰ 15/2018 ዓ.ም ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ መፅናዕታዊ
"በዓል ኣሸንዳ- ኣውርስ/ማሪያ ካብ ስታድዮምን ኣደባባይን ወፃኢ ክኽበር ተወሲኑ " ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ። እቲ ቢሮ ሎሚ ዓርቢ ነሓሰ 15/2018 ዓ.ም ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዓመታዊ በዓል ኣሸንዳ ከምዘፍለጦ ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ኣሸንዳ: ኣውርስ : ማሪያ : ኣብ ኣደባባያት ኣይበዓልን። ስለዝኾነ እውን ኩለን ደቂ ኣሸንዳ : ኣውርስ: ማሪያ : እቲ ዓመታዊ በዓል በብመንደረን ከኽብርኦ ቢሮ ባህልን ቱሪዙምን ኣተሓሳሲቡ። ፓሊስ ዞባ መቐለ ብወገኑ ነሓሰ 14/2018 ዓ.ም ብዘውፅኦ መግለፂ ንምኽባር በዓል ኣሸንዳ ንትራፊክ ዕፅው ጌሩዎም ዝነበሩ መንገዲ መካይን ክኽፈቱ ጌሩ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ 41 ወረዳታትን 258 ጣብያታትን ትግራይ ዝኸፍአ ሓደጋ ድርቂ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣፍሊጡ፣ ብምኽንያት ዘሎ ድርቂ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 3.3 ሚልዮን እንስሳት ሕፅ
+8
ኣብ 41 ወረዳታትን 258 ጣብያታትን ትግራይ ዝኸፍአ ሓደጋ ድርቂ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣፍሊጡ፣ ብምኽንያት ዘሎ ድርቂ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 3.3 ሚልዮን እንስሳት ሕፅረት ምግቢ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሉ እቲ ኮሚሽን። ብተወሳኺ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን እንስሳት ከቢድ ሓደጋ ሕፅረት ቀለብ ከጋጥመን ይኽእል እዩ ኢሉ ኣሎ ኮሚሽን ስግኣት ኣመራርሓ ትግራይ ። @tikvahethiopiatigrigna

" ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ደቂ ትግራይ ንዝበፅሐ " ደብዳብ ከምዘውግዝ ሳልሳይ ወያነ ትግራ (ሳወት) ኣፍሊጡ። ነቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ " ከይመፅእ ንፈርሖ ዘለና ኣዕናዊ ካልእ ዙር ኲናት ዘጋድድ እዩ። "
" ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ደቂ ትግራይ ንዝበፅሐ " ደብዳብ ከምዘውግዝ ሳልሳይ ወያነ ትግራ (ሳወት) ኣፍሊጡ። ነቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ " ከይመፅእ ንፈርሖ ዘለና ኣዕናዊ ካልእ ዙር ኲናት ዘጋድድ እዩ። " ክብል ሳወት ብፅኑዕ ኮኒኑዎ። ንግዳያትን ስድራ ግዳያትን ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለፀ ውድብ ሳወት ፡ ነቲ ደብዳብ ደጊፎም ' ንዝበሎም ደቂ ትግራይ ካብ ተግባሮም ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቡ። ሳወት ሎሚ ሓሙስ ነሓሰ 14/2018 ዓ.ም ኣብ ዝወፅኦ መግለፂ : ትካላትን ማሕበረሰብን ዓለም ንተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ከውግዙን ኣብ ልዕሊ ፀቕጢ ከዕርፉን ዝጀመሮ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፁ ። @tikvahethiopiatigrigna

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ንዝተጎድኡ 13 ሰባት ሕክምና ይህብ ምህላው ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ። ክፍሊ ሕክምና ህፁፅ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዕላዊ ገፁ ከምዝሓበሮ : ሎሚ ነሓሰ 14/2018 ዓ.ም ቅድሚ
+3
ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን ንዝተጎድኡ 13 ሰባት ሕክምና ይህብ ምህላው ሆስፒታል ዓይደር ኣፍሊጡ። ክፍሊ ሕክምና ህፁፅ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዕላዊ ገፁ ከምዝሓበሮ : ሎሚ ነሓሰ 14/2018 ዓ.ም ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ዳዕሮ መንበሪ ስቪላውያን ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ዝኾኑ ተሓከምቲ ተቐቢሉ ይሕክም ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

ተመኻኸርቲ ሃገራዊ ጉባኤ ሕዚ ዘሎ ሕብሪ ባንዴራ ሃገር ክቅፅል ዘሰማምዕ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቦም። እቶም ተመኻኸርቲ ኣብ ባንዴራ ዘሎ ምልክት ንሓዋሩ ኣካታታይ ኮይኑ ክረአ ዝብል ኣማራፂ ምኽረ-ሓሳብ እ
+1
ተመኻኸርቲ ሃገራዊ ጉባኤ ሕዚ ዘሎ ሕብሪ ባንዴራ ሃገር ክቅፅል ዘሰማምዕ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቦም። እቶም ተመኻኸርቲ ኣብ ባንዴራ ዘሎ ምልክት ንሓዋሩ ኣካታታይ ኮይኑ ክረአ ዝብል ኣማራፂ ምኽረ-ሓሳብ እውን ኣቕሪቦም ኣለው። ቋንቋታት ኣምሓርኛ : ኣፋን ኦሮሞ : ትግርኛ : ዓፋርኛ : ሶማሊኛ ቋንቋ ስራሕ ፌዴራል ክኾኑ ዝተሰማምዑ ተመኻኸርቲ : ከከም ኣድላይነቱ ብዝሓት ተዛራቢ ኣብ ግምት ብዘእተወ መዐቀኒ እናተርኣየ ቋንቋታት ወላይትኛ : ሲዳምኛ : ጉራግኛ : ከምባትኛ : ኣገውኛ : ከፊቾ/ከፍኛ : ጋሞኛ ቋንቋ ስራሕ ፌዴራል ክኾኑ ዝብል ኣማራፂ ምኽረ-ሓሳብ ኣቕሪቦም። ሓምለ 8/2018 ዓ.ም ዝጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር 8 ዓበይቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ዘካተተ ሰነድ ብምድላው ኣብ ዝቕፅላ ሒደት መዓልታት ክዛዘም ትፅቢት ይግበር። @tikvahethiopiatigrigna

“ወድኹም ብህይወት ኣሎ እዩ ከራኽበኩም" ብምባል ንስድራ ስዉእ ኣታሊሉ ገንዘብ ዝተቐበለ ገበነኛ ብማእሰርትን ገንዘብን ክቕፃዕ ተወሲንዎ ። እቲ ነባርነቱ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝኾነ
+1
“ወድኹም ብህይወት ኣሎ እዩ ከራኽበኩም" ብምባል ንስድራ ስዉእ ኣታሊሉ ገንዘብ ዝተቐበለ ገበነኛ ብማእሰርትን ገንዘብን ክቕፃዕ ተወሲንዎ ። እቲ ነባርነቱ ወረዳ እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝኾነ ወዲ 28 ዓመት ገበነኛ ካብ ተበደልቲ ኣስታት ብር 3 ሚኢቲ ሽሕ ኣታሊሉ ምውሳዱ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ኣፍሊጡ። መዝገብ ተኸሳሲ ዘፃረየ ቤት ፍርዲ ወረዳ እገላ ነሓሰ 12/2018 ኣብ ዝሰየሞ መጋባእያ ነቲ ገበነኛ ውልቀሰብ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 3 ዓመትን ብር 1500 ቀፂዑዎ ይብል ካብ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ዝተረኸበ ሓበሬታ። @tikvahethiopiatigrigna