es
Feedback
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

Ir al canal en Telegram
4 457
Suscriptores
-224 horas
-117 días
-2830 días
Archivo de publicaciones
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 9.1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ዕላዊ ገይሩ። እቲ እቶት ኣብ በጀት ዓመት 2025/2026 ካብ ዝተጎዓዓዙ 20.7 ሚሊዮን ደንበኛታት ምርካቡ ተገሊፁ። ኣብ'ቲ ዝተዛዘ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 9.1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ዕላዊ ገይሩ። እቲ እቶት ኣብ በጀት ዓመት 2025/2026 ካብ ዝተጎዓዓዙ 20.7 ሚሊዮን ደንበኛታት ምርካቡ ተገሊፁ። ኣብ'ቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ በረራ ውሽጢ ዓዲ ዝግበረሎም ከባቢታት ካብ 22 ናብ 25 : ዓለምለኸ በረራ ድማ ካብ 146 ናብ 150 ሓፍ ምባሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሓሳብ ንኣዋርሕ ተፈላልዮምን ተረሓሒቖምን ዝፀንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሓበራዊ ርክብ ፈፂሞም። ኣብ'ቲ ካብ ሓምለ 20-21 /2018
ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሓሳብ ንኣዋርሕ ተፈላልዮምን ተረሓሒቖምን ዝፀንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሓበራዊ ርክብ ፈፂሞም። ኣብ'ቲ ካብ ሓምለ 20-21 /2018 ዓ.ም ኣብ ኣክሱም መንበረ ጳጳሳት ዝተኻየደ ሓበራዊ ርክብ ደብዳበ እግድ ተፃሒፉሎም ዝነበረ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተረኺቦም እዮም። ድሕሪ ምዝዛም ሓበራዊ ጉባኤ ሓበራዊ መንፈሳዊ ዝመሓላለፉ ብፁዓን ኣቦታት : ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ድርቅን ሓያል ዝናብ ብዘንቀሎ በረድን በርቅን ዝህሰ ዘሎ ህዝቢ ፈጣሪ ከርህወሉ ፀሎትን ምህልላን ከፅዕቕ ሓደራ ኢሎም። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ
+4
ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ምዃኑ እቶም ተመዛበልቲ ኣፍሊጦም። ምስ ጊዚያት ክራማቲ ተተሓሒዙ ፣ ንዝናብ፣ ቑርን ንፋስን ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ምዃኑ እቶም ተመዛበልቲ ኣፍሊጦም። ምስ ጊዚያት ክራማት ተተሓሒዙ ፣ ንዝናብ፣ ቑርን ንፋስን ተቓሊዖም ኣብ ከቢድን መሪርን ስቓይ ከምርከቡ መረረቶም ኣስሚዖም። ሰብኣዊ ሓገዛት ምቁራፁ ፀገማቶም ከምዝተደራረበ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ : ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ብስእነት መድሓኒት ንስቓይን ሞትን ምቅልዖም ፅላል ሲቪል ማሕበራት ምዕራብ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣነፂሩ። ኣብ ከቢድን መሪርን ስቓይ ከምርከቡ መረረቶም ኣስሚዖም። ሰብኣዊ ሓገዛት ምቁራፁ ፀገማቶም ከምዝተደራረበ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ : ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ብስእነት መድሓኒት ንስቓይን ሞትን ምቅልዖም ፅላል ሲቪል ማሕበራት ምዕራብ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣነፂሩ። @tikvahethiopiatigrigna

እታ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ዝቦኸረት ኣዶ ሓምለ 22/2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክትወስድ ተረኺባ ። እንተኾነ እታ ኣዶ ቀልቢ ዘይገበ
+1
እታ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ዝቦኸረት ኣዶ ሓምለ 22/2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክትወስድ ተረኺባ ። እንተኾነ እታ ኣዶ ቀልቢ ዘይገበረ ህፃን ውላድ ኣለዋ እሞ ሓቝፋቶ ክትፍተን ተፀገመት ። ነዚ ዝተዓዘበት ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ዝኾነ ኣዶ ጫፍ ሰብኣውነት ኣርእያ። ነቲ ሕንጣይ ሓቝፋ እናተኸናኸነት - እታ ተፈታኒት ኣዶ ተረጋጊዓ ክትፍተን ሓጊዛ ። እዚ ካብ ሓምለ 22- 24 ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕፅል : ሰብኣዊ ተግባር ኣባል ፌዴራል ፓሊስ ዝኾነት ኣዶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ናእዳ ብዙሓት ረኺቡ። " ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ምትሕልላይን ምትሕስሳብን እምበር ንሰሳትካ ምንቛር ኣየጥዕመልናን " ዝብሉ ብዙሓት ርኢቶታት ኣብ ትሕቲ እቲ ሰብኣውነት ዘርኢ ፎቶ ተፃሒፎም ይራኣዩ። ልዕሊ 15,439 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትግራይ ዝተሳተፉሉ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ንካልኣይ መዓልቲ ቀፂሉ ውዒሉ ኣሎ። እቲ ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለን ኣክሱምን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ፈተና ፅባሕ ሓምለ 24/2018 ዓ.ም ክዛዘም ትፅቢት ይግበር። @tikvahethiopiatigrigna

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብወረቐት ይወሃብ ኣሎ። ሕዚ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ዘለዉ ተምሃሮ በቲ ዝነበረ ደማዊ ኲ
+1
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብወረቐት ይወሃብ ኣሎ። ሕዚ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ዘለዉ ተምሃሮ በቲ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ዝተኣጓጎሎም ከምዝኾኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ  ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቲ ፈተና ቅድሚ 20 መዓልቲ ሓምለ ሓደ ጀሚሩ ክወሃብ ዝነበሮ እኳ እንተነበረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዝፈጠሮ  ፀገም ተናዊሑ ምፅንሑ ተዛሪቦም። ብዝተገበረ ምርድዳእ ተምሃሮ ብሰላማዊ መንገዲ ብወረቐት ይፍተኑ ከምዘለዉ ኣረዲኦም። እቲ ፈተና ካብ ሓምለ 22 ክሳብ ሓምለ 24  ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን እዩ ዝወሃብ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ኣብ 2018 ዓ.ም ዘበነ ትምህርቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ልዕሊ 14 ሽሕ ተምሃሮ ብኦንላይን ዝተፈተኑ እንትኾን ፤ ልዕሊ 15 ሽሕ ተምሃሮ ድማ  ብወረቐት ይወስዱ ኣለዉ ይብል ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ።  @tikvahethiopiatigrigna

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ እቲ ባንኪ ሓምለ 21/2018 ንፋና ሚድያ ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ : እቲ ዝወሃብ ልቓሕ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ደቀቕቲ፣ ኣ
ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ እቲ ባንኪ ሓምለ 21/2018 ንፋና ሚድያ ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ : እቲ ዝወሃብ ልቓሕ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝውዕል እዩ። እቲ ልቓሕ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣገልግሎት፣ ንግዲ፣ ኮንስትራክሽንን ናይ ሕርሻ መቀነባበሪን ንዝነጥፉ ኢንተርፕራይዛት ከምዝቐርብ ተሓቢሩ። ዳይሬክተር ደቀቕቲ፣ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ናይ ፕሮጀክታት ግሪን ኢኮኖሚን እቲ ባንኪ ኣይተ ተፈራ በፍቓዱ፤ እቲ ልቓሕ ብተመጣጣኒ ወለድ ከምዝቐርብ ገሊፆም። @tikvahethiopiatigrigna

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝፈጠሮ ከቢድ በረድን ውሕጅን ብሓደጋ ድርቂን ንዝተጎድኡ ሓረስቶት 5000 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ብሓገዝ ክህብ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድኹዒ ን1
+2
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝፈጠሮ ከቢድ በረድን ውሕጅን ብሓደጋ ድርቂን ንዝተጎድኡ ሓረስቶት 5000 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ብሓገዝ ክህብ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድኹዒ ን15 ሽሕ ተጠቀምቲ ሓረስቶት ከምዝባፃሕ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ኣመልኪቱ ። ኤልኒኖ ዝስዓቦ ከቢድ በረድን ውሕጅን ሓደጋ ድርቂን ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት፣ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይን ብሓባር መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክሳተፉ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፀዊዑ ኣሎ ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ከልተ ቦታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ዘጋጠመ ሓይሊ ዝናብ ዘንቀሎ ሓደጋ መብረቕ ኣብ ሰብ ንብረትን ኣዝርእትን ጉድኣት ኣብፂሑ : በቲ ሓደጋ መብረቕ ዘጋጠመ ሞት ሰባት የለን። ሓምለ 20 ን 21/20
+5
ኣብ ከልተ ቦታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ዘጋጠመ ሓይሊ ዝናብ ዘንቀሎ ሓደጋ መብረቕ ኣብ ሰብ ንብረትን ኣዝርእትን ጉድኣት ኣብፂሑ : በቲ ሓደጋ መብረቕ ዘጋጠመ ሞት ሰባት የለን። ሓምለ 20 ን 21/2018 ዓ.ም ወረዳታት እምባስነይቲን ሓሓይለን ብዘጋጠመ ሓደጋ መብረቕ ብኸቢድ ዝተጎድኡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ይርከቡ። እቲ ሓደጋ ን 13 ኣጣልን ኣእዱግን ጎዲኡ ኣብ ኣዝርእቲ ክራማት ሰፊሕ ጉድኣት ኣብፂሑ። @tikvahethiopiatigrigna

ብፁዕ ኣቡነ መርሐክርስቶስ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ንምልቃቕ ብደብዳበ ሓቲቶም። ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ድማ ብብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ተተኪኦም ኢሎም ፍልፍላት። ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ብጹዕ ኣቡ
+1
ብፁዕ ኣቡነ መርሐክርስቶስ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ንምልቃቕ ብደብዳበ ሓቲቶም። ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ድማ ብብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ተተኪኦም ኢሎም ፍልፍላት። ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ብብጹዕ ኣቡነ እምባቆምን ምትክኦም ዝወፁ ሓበሬታታት የመላኽቱ። ብፁዓን ጳጳሳት መንበረ-ሰላም እሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ኣብ ሞንጎኦም ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓብ ኣርጊቦም ሓምለ 21/2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ምእካቦምን ምምዕርራይ ሓላፍነት ስራሕ ምክያዶምን ዋላኳ እንተተሓበረ : ዛጊድ ብዕላዊ መግለፂ እታ ቤተክርስትያ ኣይተረጋገፀን። መንፈሳዊ ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ ከምዝበሎ ሰነ 30/2018 ዓ.ም ለይቲ ኣብ መንበሪ ጳጳሳት ከተማ ኣክሱም ምስ ዘጋጠመ ተኹሲ ተኣሳሲሩ ኣብ ቁም እሱር ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ኣረጋውን ኣቡነ ናትናኤልን ክሳብ ሎሚ ኣይተፈትሑን። @tikvahethiopiatigrigna

ብግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ትግራይ ክሳብ ከቢድ መጉዳእቲ-ኣካል ዝበፅሕ ሓደጋ ይበፅሖም ኣሎ ኢሉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ። ግፋ መናእሰይ ዝተቓወማ ኣዴታት ከተማ መቐለ ዝበፀሐ ማእሰርቲ፣ ም
ብግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ትግራይ ክሳብ ከቢድ መጉዳእቲ-ኣካል ዝበፅሕ ሓደጋ ይበፅሖም ኣሎ ኢሉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ። ግፋ መናእሰይ ዝተቓወማ ኣዴታት ከተማ መቐለ ዝበፀሐ ማእሰርቲ፣ ምውራድን ምንግልታዕን ዘስካሕክሕ እዩ " ክብል ወሲኹ ሳወት ። ውድብ ሳወት ሓምለ 20/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ :" ግፍዕን በደልን " ክብል ንዝገለፆ ግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ደው ክብል ዝተዋደደ ሓበራዊ ሰላማዊ ቃልሲ ክካየድ ፀዊዑ። @tikvahethiopiatigrigna

ካብ ሓምለ 8/ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ይካየድ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር። ኣብ'ቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ጊ
ካብ ሓምለ 8/ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ይካየድ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር። ኣብ'ቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሑ ናይ ፖለቲካ፣ መንነት፣ ኣወቕቅራ ስልጣን ፣ ሰላም ንሕገ-መንግስታዊ ጉዳያትን ካልኦትን ዘተኮሩ 8 ዓበይቲ ኣጀንዳታት ብዕሙቀት ይዝተየሎም ኣሎ። እቲ ተዛተይቲ ትግራይ ዘካተተ ሃገራዊ ጉባኤ ን 35 መዓልታት ዘትዩ መፍትሒ ፀገማት እዛ ሃገር ዝኾኑ ሓሳባት ዝሓዘ ሰነድ ከዳሉ ትፅቢት ይግበር። @tikvahethiopiatigrigna

ናብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ብምእታው ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሸጒጡ ዝተረኸበ ዝብኢ ሓደጋ ኣየብፀሐን ። እቲ ዝብኢ ሰብ ገዛ ኣብ ዘይብሉ ቀትሪ ሰዓት 6:30 ምእታው ፍልፍላት ሓቢሮም። እቲ ዞባ ደቡባዊ ምብራ
+1
ናብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ብምእታው ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሸጒጡ ዝተረኸበ ዝብኢ ሓደጋ ኣየብፀሐን ። እቲ ዝብኢ ሰብ ገዛ ኣብ ዘይብሉ ቀትሪ ሰዓት 6:30 ምእታው ፍልፍላት ሓቢሮም። እቲ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማህበረ ገነት ናብ ዝርከብ መንበሪ ሓረስታይ ዝኣተወ ዝብኢ ህዝቢ ብዘካየዶ ዝተዋደደ ፃዕሪ ክወፅእ ተገይሩ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

ካብ ፅባሕ ሓምለ 22 - 24/2018 ዓ.ም ብወረቐት ዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናብ መፈተኒ ​ዩኒቨርሲታት ኣትዮም። ብፍላይ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኣተው ተፈተንቲ ንተፈተነቲ ድሙቕ ኣቀባብላን ተገይ
+2
ካብ ፅባሕ ሓምለ 22 - 24/2018 ዓ.ም ብወረቐት ዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናብ መፈተኒ ​ዩኒቨርሲታት ኣትዮም። ብፍላይ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኣተው ተፈተንቲ ንተፈተነቲ ድሙቕ ኣቀባብላን ተገይሩሎም : ኣባላት ፌደራል ፓሊስ እውን ስራሕቲ ፀጥታ የካይዱ ኣለው። ብሰንኪ ለውጢ ጊዜ እቶም ተፈተንቲ ኣብ ሞንጎ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ሚንስቴር ትምህርትን ከቢድ ውጥጥ ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ዛጊድ ዝናብ ክራማት ዘይረኸባ ጣብያታት ትግራይ ዝናብ ምርካብ እንትጅምራ : ብሓይሊ ዝናብ ንሓደጋ ዝተቓልዓ እውን ኣለዋ። ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝርከባ ብሕፅረት ዝናብ ክራማ
+9
ዛጊድ ዝናብ ክራማት ዘይረኸባ ጣብያታት ትግራይ ዝናብ ምርካብ እንትጅምራ : ብሓይሊ ዝናብ ንሓደጋ ዝተቓልዓ እውን ኣለዋ። ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝርከባ ብሕፅረት ዝናብ ክራማት ዝተጠቕዓ ብርክት ዝበላ ቀበሌታት ካብ ሓምለ 18/2018 ዓ.ም ጀሚረን ዝናብ ረኺበን። ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣብ ዝርከባ 5 ቀበሌታት በረድ ዝሓወሶ ዝናብ ወዲ 12 ዓመት ህፃን : 387 ጠለ በጊዕ : ከፍትን መፅዓኛን ቀቲሉ ገዛውቲ ኣፍሪሱን ኣዝርእቲ ኣዕንዩን። @tikvahethiopiatigrigna

ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ንጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ብምትካእ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም ። ነበር ከንቲ መቐለ ዶክተር ረዳኢ በርሀ ድማ ካብ ሓምለ 19/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሓላፊ ቢሮ ንግድ
ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ንጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ብምትካእ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኮይኖም ። ነበር ከንቲ መቐለ ዶክተር ረዳኢ በርሀ ድማ ካብ ሓምለ 19/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ሓላፊ ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው። ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ቅድሚ ኲናት ትግራይ ከንቲባ መቐለን ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብን ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም። @tikvahethiopiatigrigna

በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ ። እቲ ሎሚ ተደልዲሉን ፀዲቑን ዘሎ በጀት ካብ ሓምለ 1/2018ዓ/ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝከውን ሓቢሩ። @tikvahethiopiatigrigna
በጀት ትግራይ ልዕሊ 65 ቢልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ ። እቲ ሎሚ ተደልዲሉን ፀዲቑን ዘሎ በጀት ካብ ሓምለ 1/2018ዓ/ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝከውን ሓቢሩ። @tikvahethiopiatigrigna

ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ከቢድ ስግኣት ከምዝሓደሮ ዘፍለጠ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ( ሳወት) ንዝተፈላለዩ ሓይልታት ፃውዒት ዘተ ሰላም ኣቕሪቡ። ሳወት ንህወሓት : ንፌደራል መንግስቲ : ንልሂቃንን
+3
ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ከቢድ ስግኣት ከምዝሓደሮ ዘፍለጠ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ( ሳወት) ንዝተፈላለዩ ሓይልታት ፃውዒት ዘተ ሰላም ኣቕሪቡ። ሳወት ንህወሓት : ንፌደራል መንግስቲ : ንልሂቃንን ሙሁራንን ኣምሓራን ኦሮሞን እዩ መልእኽቲ ዘተ ሰላም ኣቕሪቡ። ሳወት ኣብ ዘቕረቦ ፃውዒት ዘተ ሰላም ዳግም ክቕስቀስ ዝኽእል ሓደገኛ ኲናት ዓለምለኻውን ቀጠናውን መልክዕ ዘለዎን ንመላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዝጥፍእ ምዃኑ ብምግላፅ ቅድሚ ምጅማሩ ደው ናይ ምባል ታሪኻውን ሞራላውን ግቡእ ኣለና ኢሉ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተፈፀመ ጭውያ፣ ማእሰርትን ምንግልታዕን ብትሪ ከምዝኹንን ውድብ ናፅነት ኣፍሊጡ ። ውድብ ናፅነት ሓምለ 17/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣ
ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተፈፀመ ጭውያ፣ ማእሰርትን ምንግልታዕን ብትሪ ከምዝኹንን ውድብ ናፅነት ኣፍሊጡ ። ውድብ ናፅነት ሓምለ 17/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ሰለኽለኻ : ከተማ ክሳድ ጋባ ዝርከቡ ኣባላተይ ተኣሲሮም ኢሉ። ብዓፀወን ቀለለን ተቓለስቲ ብምዕፋንን ብምእሳርን ዝስኮን ቃልሲ የለን ዝበለ ውድብ ናፅነት : ኣብ'ቲ ማእሰርቲ ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም ኣካላት ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡ ፈሊጦም ዝኣሰሩዎም ክፈትሑን ካብ ተግባሮም ክቑጠቡን ፀዊዑ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ሰሙን ንኻልኣይ ጊዜ ነዑደት ከምዝምለሱ ብመግለፂ ዝተነገረሎም ኣምባሳደር አሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣይመፁን። UMD ዝተብሃለ ሚዲያ ከምዝበሎ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ሓሙስ 16 / 2
+1
ኣብ ሰሙን ንኻልኣይ ጊዜ ነዑደት ከምዝምለሱ ብመግለፂ ዝተነገረሎም ኣምባሳደር አሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣይመፁን። UMD ዝተብሃለ ሚዲያ ከምዝበሎ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ሓሙስ 16 / 2018 ዓ.ም ናብ መቐለ ትግራይ ከካይድዎ ተተሊሙ ዝነበረ ዳግማይ ጉዕዞ ተሰሪዙ እዩ። እቲ ጉዕዞ ዝተሰረዘ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት የካይድዎም ዘለው ህዝባዊ ኮንፈረንሳት ስዒቡ ብምኽንያት ይህቡዎም ዘለው ዝኸረሩ መግለፂታት እቶም ኣምባሳደር ናብ መቐለ ዝገብርዎ ካልኣይ ምብፃሕ ክስርዝዎ ብመንግስቲ ፌደራል ተነጊሩዎም ኢሉ UMD ሚዲያ ። ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ናብ መቐለ ትግራይ ተጓዒዞም ዝነበሩ ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ ህልው ኩነታትን ኣሜሪካ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛ ክትገብሮ ብዛዕባ ዝግባእን ኣመልኪቶም ምስ ምክትል ፕሬዜዳንት ኣማኒኤል ኣሰፋ ምዝታዮም ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ብር 215 ትሪሊየን ከስቢ ረኺቡ ። ቁፅሪ ደንበኛታቱ 90.1 ሚሊዮን ምብፅሑ ዘፍለጠ እቲ ትካል : ተጠቀምቲ ቴሌብር ቁፅሮም ናብ 60.5 ሚሊዮን በሪኹ
ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ብር 215 ትሪሊየን ከስቢ ረኺቡ ። ቁፅሪ ደንበኛታቱ 90.1 ሚሊዮን ምብፅሑ ዘፍለጠ እቲ ትካል : ተጠቀምቲ ቴሌብር ቁፅሮም ናብ 60.5 ሚሊዮን በሪኹ ኢሉ። ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 2028 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ቁፅሪ ደንበኛታቱ ናብ 100 ሚሊዮን : ተጠቀምቲ ቴሌብር ድማ ናብ 75 ሚሊዮን ንምብፃሕ ተሊሙ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna