ar
Feedback
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

الذهاب إلى القناة على Telegram
4 458
المشتركون
لا توجد بيانات24 ساعات
-57 أيام
-2430 أيام
أرشيف المشاركات
ኣብ ትግራይ ኣብ ክልተ ዙር ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ንክዕወት ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣካላት ክልልን ፌደራልን ተመስጊኖም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክወሃብ ዝጸንሐ መልቀቂ ሃገራዊ ፈ
+2
ኣብ ትግራይ ኣብ ክልተ ዙር ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ንክዕወት ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣካላት ክልልን ፌደራልን ተመስጊኖም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክወሃብ ዝጸንሐ መልቀቂ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ሎሚ ሓምለ 24 / 2018 ዓ.ም ተዛዚሙ ኣሎ። ኣካላት ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፣ ንቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ፣ ንኣካላት ፀጥታ ፌደራልን ክልልን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዝመፁ ኣተሓባበርትን ፈተንትን መምሃራን ፣ መላእ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ እቲ ፈተና ክዕወት ተዋዲዶም ሰሪሖም ኢሉ ዩኒቨርሲቲ መቐለ። ​" ተፈተንቲ ተማሃሮና ኣብ ጊዜ ፈተና ንዘርኣይዎ ሰናይ ስነ-ምግባርን ጭዋ መንፈስን ዘሎኒ ናእዳን ክብርን እገልፅ " ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ ። @tikvahethiopiatigrigna

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ጎንደር ናብ ሑመራ ቀዋሚ በረራ ክጅምር እዩ ። እቲ በረራ ካብ ፅባሕ ሓምለ 25/ 2018 ዓ.ም እዩ ክጅምር ኢሉ ፋና ሚድያ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ በረራ ኩሉ ጊዜ ቀ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ጎንደር ናብ ሑመራ ቀዋሚ በረራ ክጅምር እዩ ። እቲ በረራ ካብ ፅባሕ ሓምለ 25/ 2018 ዓ.ም እዩ ክጅምር ኢሉ ፋና ሚድያ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ በረራ ኩሉ ጊዜ ቀዳም እዩ ክካየድ ። እቲ በረራ ምጅማሩ ማሕበራዊ ርክብ ክካየድን ምንቅስቓስ ሰባት ክቀላጥፍን ከምዝሕግዝ እቲ መንገዲ ኣየር ገሊፁ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ምኽክር ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለው ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ትግራይ ናብ ክልል ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቶም መሪፆም። ሎሚ ሓምለ 24/2018 ዓ.ም ናብቶም 12 ክልላት : 2 ምምሕዳር ከተማታትን
ኣብ ምኽክር ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለው ኣስታት 300 ተሳተፍቲ ትግራይ ናብ ክልል ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቶም መሪፆም። ሎሚ ሓምለ 24/2018 ዓ.ም ናብቶም 12 ክልላት : 2 ምምሕዳር ከተማታትን ፌደራል ኣብያተ ዕዮን ዝተመረፁ ካብ ዝተፀምበሩ ተመረፅቲ ትግራይ ብስሩዕ ንመንግስቲ ትግራይን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝወከለ የለን። ወከልቲ ጉባኤ ክልላት ተባሂሎም ዝስየሙ በዝሖም 330 ኮይኑ ኣብ ሸሞንቲኦም ዝተነፀሩ ኣጀንዳታት ዝዝትዩን ኣብ ሞንጎ ተዛተይቲ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን እንትፍጠር ዝፈትሑን እዮም። ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ይካየድ ዘሎ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክርን ከምዝቃወሞን ወኪል ከምዘይለኣኸን ምፍላጡ ይዝክር። @tikvahethiopiatigrigna

ልዕሊ 15,439 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትግራይ ዝተሳተፉሉ ካልኣይ ዙር ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ሎሚ መዓልቲ ቀፂሉ ክዛዘም እዩ ። እቲ ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለን ኣክሱምን
+1
ልዕሊ 15,439 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትግራይ ዝተሳተፉሉ ካልኣይ ዙር ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ሎሚ መዓልቲ ቀፂሉ ክዛዘም እዩ ። እቲ ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለን ኣክሱምን ኣዲስ ኣበባን ዝጀመረ ፈተና ኣብ ሞንጎ ቢሮ ትምህርትን ሚንስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያን ውጥጥ ዝተርኣየሉ እዩ ነይሩ ። ሎምዘበን ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ መልቀቒ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣስታት 30 ተምሃሮ ትግራይ ተፈቲኖም እዮም። @tikvahethiopiatigrigna

ተዋሂቡዋ ዝነበረ መዓርግ ኣምባሳደር ኣሸንዳ ብዘይኣግባብ ምቕንጣጡ ከምዘሕዘና ወ/ሪት ዜማ እምብዛ ስብሃትለአብ ኣፍሊጣ ። እታ ወ/ሪት ሓምለ 23/2018 ዓ.ም ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያኣ ኣብ ዝዘርገ
ተዋሂቡዋ ዝነበረ መዓርግ ኣምባሳደር ኣሸንዳ ብዘይኣግባብ ምቕንጣጡ ከምዘሕዘና ወ/ሪት ዜማ እምብዛ ስብሃትለአብ ኣፍሊጣ ። እታ ወ/ሪት ሓምለ 23/2018 ዓ.ም ኣብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያኣ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ : ትውልደ ኣሜሪካዊት ኢትዮጵያዊት ምዃና ብምዝኽኻር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን መዓርጋ ምቕንጣጡ ዝገልፅ ደብዳበ ከምዘይሃባን እቲ ሓበሬታ ብፌስ ቡክ ምስማዓ ከምዘሕዘናን ገሊፃ። ንተግባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዝኾነነት ወ/ሪት ዜማ እምብዛ : ስምን ወረቐት ከይተፀበየት ኣሸንዳ ትግራይ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም ዩኒስኮ ንኽምዝገብ ኣበርቲዓ ከምእትሰርሕ ዕላዊ ገይራ። @tikvahethiopiatigrigna

ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ የውዕል ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ኣቕሪቡ ። ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሓምለ 23/ 2018 ንፋና ሚድያ ከምዝበሎ : ህወሓት ምብፃሕ
+1
ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ የውዕል ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ኣቕሪቡ ። ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ሓምለ 23/ 2018 ንፋና ሚድያ ከምዝበሎ : ህወሓት ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ ረብሓኡ የተዓናቕፎ ኣሎ። ሆወሓት ዝተልኣኽ ሓገዝ ናብ ተጠቀምቲ ብትኽክል ከይበፅሕ ፣ ብዝተፈላለዩ ኣገባብታት እናቐረፀን ዜጋታት ካብ መሰረታዊ ድጋፍ ክግለሉን ይገብር ኣሎ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ። "ነባር ቤት ምኽሪን መንግስትን መሊሰ" ብምባል ንትግራይ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ህወሓት ንክሲ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝሃቦ መልሲ የለን። ብምኽንያት ምድንጓይ ዝናብ ክራማት ኣብ ትግራይ ስግኣት ሓደጋ ድርቂ ሓፍ ኢሉ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 9.1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ዕላዊ ገይሩ። እቲ እቶት ኣብ በጀት ዓመት 2025/2026 ካብ ዝተጎዓዓዙ 20.7 ሚሊዮን ደንበኛታት ምርካቡ ተገሊፁ። ኣብ'ቲ ዝተዛዘ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 9.1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ዕላዊ ገይሩ። እቲ እቶት ኣብ በጀት ዓመት 2025/2026 ካብ ዝተጎዓዓዙ 20.7 ሚሊዮን ደንበኛታት ምርካቡ ተገሊፁ። ኣብ'ቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ በረራ ውሽጢ ዓዲ ዝግበረሎም ከባቢታት ካብ 22 ናብ 25 : ዓለምለኸ በረራ ድማ ካብ 146 ናብ 150 ሓፍ ምባሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሓሳብ ንኣዋርሕ ተፈላልዮምን ተረሓሒቖምን ዝፀንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሓበራዊ ርክብ ፈፂሞም። ኣብ'ቲ ካብ ሓምለ 20-21 /2018
ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሓሳብ ንኣዋርሕ ተፈላልዮምን ተረሓሒቖምን ዝፀንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሓበራዊ ርክብ ፈፂሞም። ኣብ'ቲ ካብ ሓምለ 20-21 /2018 ዓ.ም ኣብ ኣክሱም መንበረ ጳጳሳት ዝተኻየደ ሓበራዊ ርክብ ደብዳበ እግድ ተፃሒፉሎም ዝነበረ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተረኺቦም እዮም። ድሕሪ ምዝዛም ሓበራዊ ጉባኤ ሓበራዊ መንፈሳዊ ዝመሓላለፉ ብፁዓን ኣቦታት : ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ድርቅን ሓያል ዝናብ ብዘንቀሎ በረድን በርቅን ዝህሰ ዘሎ ህዝቢ ፈጣሪ ከርህወሉ ፀሎትን ምህልላን ከፅዕቕ ሓደራ ኢሎም። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ
+4
ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ምዃኑ እቶም ተመዛበልቲ ኣፍሊጦም። ምስ ጊዚያት ክራማቲ ተተሓሒዙ ፣ ንዝናብ፣ ቑርን ንፋስን ኣብ መዕቖቢ ማእኸል 70 ካሬ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ከም ዝርከቡ ገሊፆም። ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ተባሂሉ ዝተዓደሎም ኬንዳ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቑፁሩ ተመናኒሁ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ምዃኑ እቶም ተመዛበልቲ ኣፍሊጦም። ምስ ጊዚያት ክራማት ተተሓሒዙ ፣ ንዝናብ፣ ቑርን ንፋስን ተቓሊዖም ኣብ ከቢድን መሪርን ስቓይ ከምርከቡ መረረቶም ኣስሚዖም። ሰብኣዊ ሓገዛት ምቁራፁ ፀገማቶም ከምዝተደራረበ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ : ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ብስእነት መድሓኒት ንስቓይን ሞትን ምቅልዖም ፅላል ሲቪል ማሕበራት ምዕራብ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣነፂሩ። ኣብ ከቢድን መሪርን ስቓይ ከምርከቡ መረረቶም ኣስሚዖም። ሰብኣዊ ሓገዛት ምቁራፁ ፀገማቶም ከምዝተደራረበ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ : ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ብስእነት መድሓኒት ንስቓይን ሞትን ምቅልዖም ፅላል ሲቪል ማሕበራት ምዕራብ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ኣነፂሩ። @tikvahethiopiatigrigna

እታ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ዝቦኸረት ኣዶ ሓምለ 22/2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክትወስድ ተረኺባ ። እንተኾነ እታ ኣዶ ቀልቢ ዘይገበ
+1
እታ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ንሰለስተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ዝቦኸረት ኣዶ ሓምለ 22/2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክትወስድ ተረኺባ ። እንተኾነ እታ ኣዶ ቀልቢ ዘይገበረ ህፃን ውላድ ኣለዋ እሞ ሓቝፋቶ ክትፍተን ተፀገመት ። ነዚ ዝተዓዘበት ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ዝኾነ ኣዶ ጫፍ ሰብኣውነት ኣርእያ። ነቲ ሕንጣይ ሓቝፋ እናተኸናኸነት - እታ ተፈታኒት ኣዶ ተረጋጊዓ ክትፍተን ሓጊዛ ። እዚ ካብ ሓምለ 22- 24 ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕፅል : ሰብኣዊ ተግባር ኣባል ፌዴራል ፓሊስ ዝኾነት ኣዶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ናእዳ ብዙሓት ረኺቡ። " ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ምትሕልላይን ምትሕስሳብን እምበር ንሰሳትካ ምንቛር ኣየጥዕመልናን " ዝብሉ ብዙሓት ርኢቶታት ኣብ ትሕቲ እቲ ሰብኣውነት ዘርኢ ፎቶ ተፃሒፎም ይራኣዩ። ልዕሊ 15,439 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትግራይ ዝተሳተፉሉ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ንካልኣይ መዓልቲ ቀፂሉ ውዒሉ ኣሎ። እቲ ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለን ኣክሱምን ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ፈተና ፅባሕ ሓምለ 24/2018 ዓ.ም ክዛዘም ትፅቢት ይግበር። @tikvahethiopiatigrigna

ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብወረቐት ይወሃብ ኣሎ። ሕዚ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ዘለዉ ተምሃሮ በቲ ዝነበረ ደማዊ ኲ
+1
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ.ም ሓምለ 22/ 2018 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብወረቐት ይወሃብ ኣሎ። ሕዚ መልቀቒ ፈተና ዝወስዱ ዘለዉ ተምሃሮ በቲ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ዝተኣጓጎሎም ከምዝኾኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ  ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቲ ፈተና ቅድሚ 20 መዓልቲ ሓምለ ሓደ ጀሚሩ ክወሃብ ዝነበሮ እኳ እንተነበረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዝፈጠሮ  ፀገም ተናዊሑ ምፅንሑ ተዛሪቦም። ብዝተገበረ ምርድዳእ ተምሃሮ ብሰላማዊ መንገዲ ብወረቐት ይፍተኑ ከምዘለዉ ኣረዲኦም። እቲ ፈተና ካብ ሓምለ 22 ክሳብ ሓምለ 24  ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን እዩ ዝወሃብ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ኣብ 2018 ዓ.ም ዘበነ ትምህርቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ልዕሊ 14 ሽሕ ተምሃሮ ብኦንላይን ዝተፈተኑ እንትኾን ፤ ልዕሊ 15 ሽሕ ተምሃሮ ድማ  ብወረቐት ይወስዱ ኣለዉ ይብል ፀብፃብ ቴሌቪዥን ትግራይ።  @tikvahethiopiatigrigna

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ እቲ ባንኪ ሓምለ 21/2018 ንፋና ሚድያ ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ : እቲ ዝወሃብ ልቓሕ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ደቀቕቲ፣ ኣ
ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ 31 ሚልዮን ዩሮ ልቓሕ ክህብ እዩ እቲ ባንኪ ሓምለ 21/2018 ንፋና ሚድያ ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ : እቲ ዝወሃብ ልቓሕ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ንዝርከቡ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝውዕል እዩ። እቲ ልቓሕ ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ትግራይን ንዝርከቡ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣገልግሎት፣ ንግዲ፣ ኮንስትራክሽንን ናይ ሕርሻ መቀነባበሪን ንዝነጥፉ ኢንተርፕራይዛት ከምዝቐርብ ተሓቢሩ። ዳይሬክተር ደቀቕቲ፣ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ናይ ፕሮጀክታት ግሪን ኢኮኖሚን እቲ ባንኪ ኣይተ ተፈራ በፍቓዱ፤ እቲ ልቓሕ ብተመጣጣኒ ወለድ ከምዝቐርብ ገሊፆም። @tikvahethiopiatigrigna

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝፈጠሮ ከቢድ በረድን ውሕጅን ብሓደጋ ድርቂን ንዝተጎድኡ ሓረስቶት 5000 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ብሓገዝ ክህብ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድኹዒ ን1
+2
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብሰንኪ ኤልኒኖ ዝፈጠሮ ከቢድ በረድን ውሕጅን ብሓደጋ ድርቂን ንዝተጎድኡ ሓረስቶት 5000 ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ብሓገዝ ክህብ እዩ። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ድኹዒ ን15 ሽሕ ተጠቀምቲ ሓረስቶት ከምዝባፃሕ ሓበሬታ እቲ ቢሮ ኣመልኪቱ ። ኤልኒኖ ዝስዓቦ ከቢድ በረድን ውሕጅን ሓደጋ ድርቂን ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት፣ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይን ብሓባር መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክሳተፉ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፀዊዑ ኣሎ ። @tikvahethiopiatigrigna

ኣብ ከልተ ቦታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ዘጋጠመ ሓይሊ ዝናብ ዘንቀሎ ሓደጋ መብረቕ ኣብ ሰብ ንብረትን ኣዝርእትን ጉድኣት ኣብፂሑ : በቲ ሓደጋ መብረቕ ዘጋጠመ ሞት ሰባት የለን። ሓምለ 20 ን 21/20
+5
ኣብ ከልተ ቦታት ዞባ ማእኸል ትግራይ ዘጋጠመ ሓይሊ ዝናብ ዘንቀሎ ሓደጋ መብረቕ ኣብ ሰብ ንብረትን ኣዝርእትን ጉድኣት ኣብፂሑ : በቲ ሓደጋ መብረቕ ዘጋጠመ ሞት ሰባት የለን። ሓምለ 20 ን 21/2018 ዓ.ም ወረዳታት እምባስነይቲን ሓሓይለን ብዘጋጠመ ሓደጋ መብረቕ ብኸቢድ ዝተጎድኡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ይርከቡ። እቲ ሓደጋ ን 13 ኣጣልን ኣእዱግን ጎዲኡ ኣብ ኣዝርእቲ ክራማት ሰፊሕ ጉድኣት ኣብፂሑ። @tikvahethiopiatigrigna

ብፁዕ ኣቡነ መርሐክርስቶስ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ንምልቃቕ ብደብዳበ ሓቲቶም። ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ድማ ብብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ተተኪኦም ኢሎም ፍልፍላት። ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ብጹዕ ኣቡ
+1
ብፁዕ ኣቡነ መርሐክርስቶስ ካብ ኣካያዲ ስራሕ መንበረ ሰላማ ንምልቃቕ ብደብዳበ ሓቲቶም። ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ድማ ብብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ተተኪኦም ኢሎም ፍልፍላት። ብተወሳኺ ዋና ፀሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኣረጋዊ ብብጹዕ ኣቡነ እምባቆምን ምትክኦም ዝወፁ ሓበሬታታት የመላኽቱ። ብፁዓን ጳጳሳት መንበረ-ሰላም እሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ኣብ ሞንጎኦም ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓብ ኣርጊቦም ሓምለ 21/2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ምእካቦምን ምምዕርራይ ሓላፍነት ስራሕ ምክያዶምን ዋላኳ እንተተሓበረ : ዛጊድ ብዕላዊ መግለፂ እታ ቤተክርስትያ ኣይተረጋገፀን። መንፈሳዊ ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ ከምዝበሎ ሰነ 30/2018 ዓ.ም ለይቲ ኣብ መንበሪ ጳጳሳት ከተማ ኣክሱም ምስ ዘጋጠመ ተኹሲ ተኣሳሲሩ ኣብ ቁም እሱር ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቡነ ኣረጋውን ኣቡነ ናትናኤልን ክሳብ ሎሚ ኣይተፈትሑን። @tikvahethiopiatigrigna

ብግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ትግራይ ክሳብ ከቢድ መጉዳእቲ-ኣካል ዝበፅሕ ሓደጋ ይበፅሖም ኣሎ ኢሉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ። ግፋ መናእሰይ ዝተቓወማ ኣዴታት ከተማ መቐለ ዝበፀሐ ማእሰርቲ፣ ም
ብግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ትግራይ ክሳብ ከቢድ መጉዳእቲ-ኣካል ዝበፅሕ ሓደጋ ይበፅሖም ኣሎ ኢሉ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ። ግፋ መናእሰይ ዝተቓወማ ኣዴታት ከተማ መቐለ ዝበፀሐ ማእሰርቲ፣ ምውራድን ምንግልታዕን ዘስካሕክሕ እዩ " ክብል ወሲኹ ሳወት ። ውድብ ሳወት ሓምለ 20/2018 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ :" ግፍዕን በደልን " ክብል ንዝገለፆ ግዱድ ወታደራዊ ግፋ መናእሰይ ደው ክብል ዝተዋደደ ሓበራዊ ሰላማዊ ቃልሲ ክካየድ ፀዊዑ። @tikvahethiopiatigrigna

ካብ ሓምለ 8/ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ይካየድ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር። ኣብ'ቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ጊ
ካብ ሓምለ 8/ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ምስላጥ ዝርከብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ይካየድ ኣሎ ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር። ኣብ'ቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሑ ናይ ፖለቲካ፣ መንነት፣ ኣወቕቅራ ስልጣን ፣ ሰላም ንሕገ-መንግስታዊ ጉዳያትን ካልኦትን ዘተኮሩ 8 ዓበይቲ ኣጀንዳታት ብዕሙቀት ይዝተየሎም ኣሎ። እቲ ተዛተይቲ ትግራይ ዘካተተ ሃገራዊ ጉባኤ ን 35 መዓልታት ዘትዩ መፍትሒ ፀገማት እዛ ሃገር ዝኾኑ ሓሳባት ዝሓዘ ሰነድ ከዳሉ ትፅቢት ይግበር። @tikvahethiopiatigrigna

ናብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ብምእታው ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሸጒጡ ዝተረኸበ ዝብኢ ሓደጋ ኣየብፀሐን ። እቲ ዝብኢ ሰብ ገዛ ኣብ ዘይብሉ ቀትሪ ሰዓት 6:30 ምእታው ፍልፍላት ሓቢሮም። እቲ ዞባ ደቡባዊ ምብራ
+1
ናብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ብምእታው ኣብ ትሕቲ ዓራት ተሸጒጡ ዝተረኸበ ዝብኢ ሓደጋ ኣየብፀሐን ። እቲ ዝብኢ ሰብ ገዛ ኣብ ዘይብሉ ቀትሪ ሰዓት 6:30 ምእታው ፍልፍላት ሓቢሮም። እቲ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማህበረ ገነት ናብ ዝርከብ መንበሪ ሓረስታይ ዝኣተወ ዝብኢ ህዝቢ ብዘካየዶ ዝተዋደደ ፃዕሪ ክወፅእ ተገይሩ ኣሎ። @tikvahethiopiatigrigna

ካብ ፅባሕ ሓምለ 22 - 24/2018 ዓ.ም ብወረቐት ዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናብ መፈተኒ ​ዩኒቨርሲታት ኣትዮም። ብፍላይ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኣተው ተፈተንቲ ንተፈተነቲ ድሙቕ ኣቀባብላን ተገይ
+2
ካብ ፅባሕ ሓምለ 22 - 24/2018 ዓ.ም ብወረቐት ዝፍተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ናብ መፈተኒ ​ዩኒቨርሲታት ኣትዮም። ብፍላይ ናብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝኣተው ተፈተንቲ ንተፈተነቲ ድሙቕ ኣቀባብላን ተገይሩሎም : ኣባላት ፌደራል ፓሊስ እውን ስራሕቲ ፀጥታ የካይዱ ኣለው። ብሰንኪ ለውጢ ጊዜ እቶም ተፈተንቲ ኣብ ሞንጎ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ሚንስቴር ትምህርትን ከቢድ ውጥጥ ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። @tikvahethiopiatigrigna

ዛጊድ ዝናብ ክራማት ዘይረኸባ ጣብያታት ትግራይ ዝናብ ምርካብ እንትጅምራ : ብሓይሊ ዝናብ ንሓደጋ ዝተቓልዓ እውን ኣለዋ። ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝርከባ ብሕፅረት ዝናብ ክራማ
+9
ዛጊድ ዝናብ ክራማት ዘይረኸባ ጣብያታት ትግራይ ዝናብ ምርካብ እንትጅምራ : ብሓይሊ ዝናብ ንሓደጋ ዝተቓልዓ እውን ኣለዋ። ኣብ ዞባታት ምብራቕ : ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝርከባ ብሕፅረት ዝናብ ክራማት ዝተጠቕዓ ብርክት ዝበላ ቀበሌታት ካብ ሓምለ 18/2018 ዓ.ም ጀሚረን ዝናብ ረኺበን። ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣብ ዝርከባ 5 ቀበሌታት በረድ ዝሓወሶ ዝናብ ወዲ 12 ዓመት ህፃን : 387 ጠለ በጊዕ : ከፍትን መፅዓኛን ቀቲሉ ገዛውቲ ኣፍሪሱን ኣዝርእቲ ኣዕንዩን። @tikvahethiopiatigrigna