FMC Tigrigna
Відкрити в Telegram
This is FMC Tigrigna official Telegram channel. @fanatelevision @FMCSport @afanoromofana For more updates please visit https://fanamc.com/tigrigna
Показати більше1 730
Підписники
+224 години
+87 днів
+3230 днів
Архів дописів
1 730
+3
ንሓድነትና ዕንቅፋት ዝኾኑና ኣርሒቅና ብምስትውዓል ምሕላፍ፣ ንሃገራዊ ሰላም ብትግሃት ክንሰርሕ ይግባእ - ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንሓድነትና ዕንቅፋት ዝኾኑና ኣርሒቅና ብምስትውዓል ምሕላፍ፣ ዝተማልአ ንሃገራዊ ሰላም ብትግሃት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ።
ስነ ስርዓት ደመራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ብድምቀት ይካየድ ኣሎ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ዓቢይ መልእኽቲ መስቀል ሰላምን ሓድነትን፣ ይቕረታን ዕርቅን ከምኡ’ውን ፍቕርን ስምምዕን ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ንኽሰፍን ምግባር እዩ ኢሎም።
ንሓድነትናን ንዕቤትናን ዕንቅፋት ዝኾኑና ኩሎም ነገራት ብትዕግስትን ኣርሒቅና ብምስትውዓል ምሕላፍ ንምሉእ ሃገራዊ ሰላምን ሓድነትን ብትግሃት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣከባብራ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ከምኡ’ውን ኣምባሳደራትን ዲፕሎማተኛታትን ወፃኢ ሃገራት፣ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ፣ ሰዓብቲ እቲ እምነትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም።
1 730
ከም ደመራ ብሓባር ደው እንትንብል፤ፀልማት ሃገርና ብርሃን ዝስዓር ይኸውን- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከም ደመራ ብሓባር ደው እንትንብል፤ ፀልማት ሃገርና ብርሃን ዝስዓር ይኸውን ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡ ስነ-ስርዓት ደመራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መስቀልኣደባባይ ብድምቀት እናተኻየደ ይርከብ። ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ማእከል መስሕብ ዓለም፣…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ከም-ደመራ-ብሓባር-ደው-እንትንብል፤ፀልማ/
1 730
የመስቀል ደመራ በአዲስ አበባ መስቀል አደባባይ በድምቀት እየተከበረ ነው
አዲስ አበባ፣ መስከረም 16፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) የመስቀል ደመራ በአዲስ አበባ መስቀል አደባባይ በልዩ ልዩ ኃይማኖታዊ ሥነሥርዓት በድምቀት እየተከበረ ይገኛል፡፡ በሥነሥርዓቱ ላይ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፣ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት እንዲሁም የከተማዋ ከንቲባ አዳነች አቤቤን ጨምሮ የመንግሥት ከፍተኛ የሥራ ኃላፊዎች ተገኝተዋል፡፡ በተጨማሪም የውጭ ሀገራት አምባሳደሮች፣ ዲፕሎማቶች፣ በርካታ የውጭ ሀገር ጎብኚዎች፣…
https://www.fanamc.com/tigrigna/የመስቀል-ደመራ-በአዲስ-አበባ-መስቀል-አደ/
1 730
ፕሬዚዳንት ታዬ ንበዓል ደመራን መስቀልን ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ንኹሎም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ደመራን መስቀልን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ መልእኽቶም እንኳዕ ንበዓል ደመራን መስቀልን 2019 ዓ.ም ብሰላም ኣብፅሐኩም ኢሎም።
https://www.fanamc.com/tigrigna/ፕሬዚዳንት-ታዬ-ንበዓል-ደመራን-መስቀልን/
1 730
ኤምባሲታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኤምባሲታት ዝተፈላለዩ ሃገራት ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ኬንያ፣ ኢራን፣ እስራኤል፣እንግሊዝ፣ ኣየርላንድን ስዊድንን ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፀም። እተን ኤምባሲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣቢለን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ በዓል መስቀል ናይ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ክኸውን ተመንየን።
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኤምባሲታት-ዝተፈላለዩ-ሃገራት-ንበዓል-መ/
1 730
ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ በዓል መስቀል ብተግባር ዝተገልፀ ፍቕሪ፣ ምትእምማንን ትግሃትን ምልክት ሽልማት እዩ ኢሎም። በዓል መስቀል ካብ ታሪኻዊን መንፈሳዊን ረብሕኡ ብተወሳኺ፣ ህዝብና ብሓባራዊ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ቤት-ምኽሪ-ትካላት-ሃይማኖት-ኢትዮጵያ-ንበ/
1 730
ደመራ መስቀል፡ ፅንዓት፣ መደመር፣ ፍቕርን ተስፋን ብርሃን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ በብዓመቱ ኣብ ኣደባባይ ካብ እተኽብሮም በዓላት ሓደ በዓል ደመራ መስቀል እዩ። መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፣ ደሙ ኣፍሲሱ፣ ስጋኡ ተቘሪሱ ንዓለም ዘድሓነሉ ዙፋን ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ኣብ ቤተክርስቲያን ዓብዩ ክብርን ቦታን ይወሃቦ። ቤተክርስቲያን በዓል መስቀል ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንዓለም ከም ዘድሓነ፣…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ደመራ-መስቀል፡-ፅንዓት፣-መደመር፣-ፍቕር/
1 730
ናብ ሓዱሽ ጥንኹር ብራኸ ዘብፅሕ ተወሳኺ ዕድል
ኣዲስ ኣበባ፣16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ ካብ ምስግጋር ዘበን ብተወሳኺ ካብቲ ዘጋጠማ ጉዕዞ ቁልቁለት ተሲኣ ኣብ ዝተረጋገፀ መንገዲ ምርካባ እዩ። ናይ ሎሚ ሓቂ ብትኽክል ንምርዳእ፣ ናይ ትማሊ ኣንፈት ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ንዓመታት ኢትዮጵያ ንፅንዓት ሃገራዊነታን ንዓቕሚ ልምዓታን ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ተደራራቢ ስብራታትን ቁጠባዊ ፀቕጥታትን ኣጋጢሞማ ነይሩ። እዞም ታሪኻዊ ፈተናታት…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ናብ-ሓዱሽ-ጥንኹር-ብራኸ-ዘብፅሕ-ተወሳኺ-ዕ/
1 730
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦ እንኳዕ ንብርሃነ መስቀሉ ኣብፅሐኩም! በዓል መስቀል እቲ መስቀል ን300 ዓመታት ተሓቢኡ ድሕሪ ምፅናሕ ዝወፅሉ በዓል እዩ። ሰናይ ዜና ዝተነግረሉን ብርሃን ዝተገለፀሉን በዓል እዩ። ኣብ ሓደ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ምክትል-ቀዳማይ-ሚኒስትር-ተመስገን-ንበዓ-2/
1 730
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦ ንበዓል መስቀል እንኳዕ ኣብፀሐኩም በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ብዝኾነ መንገዲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ በዓል ስድራቤታውን ማሕበራውን ሕብሪ ኣለዎ። ስድራቤት ይራኸበሉ።…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ቀዳማይ-ሚኒስትር-ኣቢይ-ኣሕመድ-ዶ-ር-ንበዓ-5/
1 730
ሰብ ሰራሕ ብልሒ ኣብ እታወት ምትእስሳር ቱሪዝም መሰረታዊ ለውጢ እናምፀአ ይርከብ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሰራሕ ብልሒ ብሓፈሻ ኣብ ምትእስሳር እታወት ቱሪዝም መሰረታዊ ለውጢ እናምፀአ ይርከብ። ናይዚ ዓመት ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ዲጂታል ኣጀንዳን ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንሓዱሽ ኣተሓሳስባ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ። ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተርኣዩ ሓደሽቲ ለውጢታት ቴክኖሎጂን መፃኢ ኣንፈታትንፃምምልካት ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ሚኒስቴር ቱሪዝም…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ሰብ-ሰራሕ-ብልሒ-ኣብ-እታወት-ምትእስሳር-ቱ/
1 730
ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንድሕነት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ወሳኒ እዩ – ምሁራት
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝረኣዩ ስግኣታት ፀፅታ ንምቅላል ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም ምሁራን ፖለቲካን ምሕደራን ሳይንስ። ሞያዊ ሓሳቦም ንፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዘካፈሉ እቶም ምሁራን፤ ጉዳይ ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ምጥንኻር ልምዓትን ምትሕብባርን ዞባ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተመራማሪ ዓለም ለኸ ፖለቲካል…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ምርግጋፅ-ዋንነት-በሪ-ባሕሪ-ኢትዮጵያ-ንድ/
1 730
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል መስቀል ዳሜራ ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገድታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝኽበር በዓል መስቀል ዳሜራ ምኽንያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገድታት ዕላዊ ተገይሮም። ብመሰረት እዚ ካብ 16 መስከረም 2019 ዓ.ም ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ መወወዳእታ እቲ በዓል፦ 👉 ካብ 22 ማዞሪያ ናብ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ኣደባባይ ቅዱስ ዑራኤል፣ 👉 ካብ ቦሌ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ከተማ-ኣዲስ-ኣበባ-ንበዓል-መስቀል-ዳሜ/
1 730
ሓድሽ ኣብነት ዞባዊ ምትእስሳር
ኣዲስ ኣበባ፣15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ውህደት ምጣነ ሃፍቲ ዓብዪ ምዕራፍ ዝኸፈተ ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክት ብምትሕብባር መንግስታት ኢትዮጵያን ጅቡትን ዕላዊ ተገይሩ። እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዳመርጆግ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ደወሌ ዘራኽብ ዶብ ተሳጋሪ ዝተፃረየ ፍርያት ነዳዲ መጓዓዝያ ዝርግሐ ቧንቧ መስመር እዩ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣብ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ሓድሽ-ኣብነት-ዞባዊ-ምትእስሳር/
1 730
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት በዓል ደመራ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፅባሕ ዝኽበር በዓል ደመራ መስቀል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበረሎም መንገድታትን ኣደባባያትን መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ በዓል ደመራ መስቀል ብሓባራዊ ሓድነትን ብድምቀትን ንምኽባር ምድላዋት ክግበር ምፅንሑ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ። ሎሚ ዕለት ድማ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባት፣…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ከተማ-ኣዲስ-ኣበባ-ብምኽንያት-በዓል-ደ/
1 730
ዋልያታት ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ክፃወቱ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2027 ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታኣ ሎሚ መዓልቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ክተካይድ እያ። ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሄራዊ ስታዲየም ጁባ ክካየድ እዩ። ኣሰልጣኒ ዮሃንስ ሳህሌ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መፃረዪ ፀወታ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ዋልያታት-ኣብ-መፃረዪ-ፀወታ-ፅዋዕ-ኣፍሪካ/
1 730
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሞተር ብሽክሌታ ምሽክርካር ንዘይተወሰነ ግዜ ተኸልኪሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ 15 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ በዓል ክልተ ወይ እውን በዓል ሰለስተ እግሪ ሞተር ብሽክሌታታት ምሽክርካር ከም ተኸልኪሉ ኢሉ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ። ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሓበሮ፤ ገለ ፈፀምቲ ገበን ሞተር ብሽክሌታ ብምጥቃም ገበናት ምዝራፍን ስርቂን…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ከተማ-ኣዲስ-ኣበባ-ሞተር-ብሽክሌታ-ምሽ/
1 730
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ንበዓል ደመራ መስቀል ንምክባር ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፓትርያርክ ማላንካራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ በዓል ደመራ መስቀል ንምክባር ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። ብመሰረት ዕድመ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ብፁዕ-ወቅዱስ-ኣቡነ-ባስልዮስ-ማርቶማ-ማቴ/
1 730
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ ናብ ጅቡቲ ምእታዎም ይዝከር።
ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ዑመር ጊሌ ብምዃን ኣብ ጅቡቲ ዳመርጆግን ካብ ኢትዮጵያ ደወሌን ዘራኽብ ዓብዪ ስትራተጂካዊ ኢንቨስትመንት ዝኾነ ሓድሽ መስመር ቧንቧ መመሓላለፊ ዝተፃረየ ነዳጅ ዝርግሐ ዕላዊ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ ጅቡቲ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም፣ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረዲኡ።
