FMC Tigrigna
الذهاب إلى القناة على Telegram
This is FMC Tigrigna official Telegram channel. For more updates please visit https://fanamc.com/tigrigna
إظهار المزيد1 716
المشتركون
لا توجد بيانات24 ساعات
-127 أيام
-3930 أيام
أرشيف المشاركات
1 714
ሓምለዋይ ኣሰርና ብኣምር ምድማር ናይ ምስራሕ ምስክር ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓምለዋይ ኣሰርና ብሓበራዊ ቅልፅምን ብኣምር ምድማር ናይ ምስራሕ ምስክር ኢዩ ኢሎም። ምስ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፕሮጀክት ጫካ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘካየዱ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓምለዋይ ኣሰርና ከም ሃገር ፍልፍል ፅባቐን ተደማሪ ዓቕሚ ኢኮኖሚን ክኸውን ኢዩ ብዝብል ተሊምና…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ሓምለዋይ-ኣሰርና-ብኣምር-ምድማር-ናይ-ምስ/
1 714
ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ንፓርቲ ብልፅግና ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ኣንዋር ኢብራሂም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምዕዋቱ ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽቲ አመሓላሊፎም። እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፓርቲኦምን ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ብምዕዋቶም ልባዊ ናይ እንቋዕ አሐጎሰኩም መልእኽተይ አሕልፍ ኢሎም። ኣብ ታሪክ መራሕቲ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ቀደማይ-ሚኒስትር-ማሌዥያ-ንፓርቲ-ብልፅግ/
1 714
ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት በርሃም ሳሊህ (ዶ/ር) ዘቲዮም። እቲ ዘተ ጠሚቶም በርሃም ሳሊህ (ዶ/ር)፥ ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም። እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ምትእንጋድ ንእትፃወቶ ወሳኒ ግደ ትካሎም ዘለዎ ናእዳን ኣፍልጦን ንምግላፅ ልዑል ኣጋጣሚ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ፕሬዚዳንት-ታዬ-ምስ-ላዕለዋይ-ኮሚሽነር-ስ/
1 714
ምርጫ ህዝቢ ነኽበር ኢና…
ናይ ቀደም ኣቦታትናን ኣዴታትናን ካብ ወልቀን ጉጅለን ባህጎም ኣብሊፆም ንሃጎም ቀዳምነት ብምሃብ መስዋእትነት ረሃፅ፣ ደም፣ ዓፅምን ህይወትን ብምኽፋል ንኢትዮጵያ ኣውሪሶሙና ኢዮም። ንሕና ናይ ሐዚ ትውልዲ ድማ ሃገር ብመገዲ ሰላምን ዴሞክራሲንንቐፃሊ ትውልዲ ንምሽጋር ብካርድና ወሲንና ኣለና። ኣብ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ህዝቢ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ብምውፃእ ድምፁ ብምሽጥር ንዝመረፆ ብምሃብ ዝደለዮ መሪፁ ኣሎ። ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ምርጫ-ህዝቢ-ነኽበር-ኢና/
1 714
ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ዘርአዩዎ ጭዋነት መረፃ ፍፁም ሰላም ኮይኑ ንኽዛዘም ኣኽኢሉ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣ እዋን ድህረ መረፃ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ዘርአዩዎ ጭዋነት እቲ መረፃ ፍፁም ሰላም ኮይኑ ንኽዛዘም ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሉ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ 7ይ ሓፈዊ መረፃ ብሰላም ምዝዛሙ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ። ኣብ መልእኽቱ ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ተናሓናሕቲ-ፓርቲታት-ዘርአዩዎ-ጭዋነት-መ/
1 714
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ”ኣራዳ የበጎነት መንደር“ ኣጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ”ኣራዳ የበጎነት መንደር“ ኣጀሚረን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ዝመረፀና ህዝቢ እነመስግኖ ብቃላት ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገማቱ ዝፈትሑ ጭቡጣት ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ኢዩ ኢለን። ብመሰረት ዝተነበረልና አምነት ህዝቢ ዳግም ኢትዮጵያ ንምምራሕ ተወሳከ ሓሙሽተ ዓማውቲ ንፓርቲና ብልፅግና ኣብ ዝተውሃበሉ ፅባሕ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ከንቲባ-ኣዳነች-ኣቤቤ-ህንፀት-ኣራዳ-የበ/
1 714
ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣርጀንቲና ምስ ኦስትርያ ከምኡ እውን ኖርዌይ ምስ ሴኔጋል ክራኸባ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)12 መዓልቲ ዝበፅሐ መበል 23 ውድድር ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ መሸት ኣርጀንቲና ምስ ኦስትሪያ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡ ኣብ ስታዲየም ዳላስ ምሸት ሰዓት 2 ኣብ ዝግበር ፀወታ ኣርጀንቲና እንተተዓዊታ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምእታዋ ክተረጋግፅ ኢያ፡፡ ብኻሊእ መዳይ ኣብቲ ውድድር 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ምስ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ክብረ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ፅዋዕ-ዓለም-ኣርጀንቲና-ምስ-ኦስትርያ/
1 714
ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ምስ ኩሎም ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክንቀሳቐስ ኢየ – ኢዜማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)ኣብ ብሄራዊ ረብሓታት ምስ ኩሎም ሓይሊታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ክንቀሳቐስ ኢየ ኢሉ። እቲ ፓርቲ ውፅኢት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ መረፃ ብዓወት ብምዝዛሙ እንኳዕ ደስ በለና ኢሉ። ኢዜማ ናብ ውድድር ኣብ ዝቐረበሎም ቦታታት 13 ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን 73…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ብሄራዊ-ረብሓታት-ምስ-ኩሎም-ሓይሊታት/
1 714
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ዝተዋደደ ዲጂታል ኣገልግሎት መተግበሪ መሪቆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ መድረኽ ዘጣመረን ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝተዋደደ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት መተግበሪ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፥ “ዲጂታል ንብሉፅነት” ብዝብል ሽም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝውሃቡ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ መድረኽ ዘጣምር…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ቀዳማይ-ሚኒስትር-ኣቢይ-ኣሕመድ-ዶ-ር-ኣብ-ኣ/
1 714
ኣብ ክልል ትግራይ ነጊሱ ዘሎ ህውከት…
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣኽራሪ ጉጅለ ነበር ህወሓት ዘስዓቦ ህውከት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስግኣት ፀጥታ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣታኽልቲ ሃ/ስላሴ። ኣታኽልቲ ሃ/ስላሴ ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጀመረ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ክልል-ትግራይ-ነጊሱ-ዘሎ-ህውከት/
1 714
ኢትዮጵያ ተሓባባሪ ኣቦ ወንበር ቦርድ ፓንደሚክ ፈንድ ካብ ሩዋንዳ ተረኪባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተሓባባሪት ኣዶ ወንበር ቦርድ ፓንደሚክ ፈንድ ኮይነን ተመሪፀን። ነዚ ስዒቡ ዶክተር መቕደስ ካብ ሚኒስትር ጥዕና ሩዋንዳ ዶክተር ሳቢነ ንሳንዚማና ተሓባባሪት ኣዶ ወንበር ቦርድ ፓንደሚክ ፈንድ ኮይነን ተረኪበን። ዶክተር መቕደስ ኣብዚ እዋን፤ ህይወት ሕብረተሰብ ንምድሓን ዘኽእል ደሕንነት ጥዕና ዓለም ውሕስና ከረጋግፅን ጥንኹር ስርዓት…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ተሓባባሪ-ኣቦ-ወንበር-ቦርድ-ፓን/
1 714
ግደ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡሴራ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ናብ ማእከል ኣቪዬሽን ኣብ ምስግጋር…
• ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ 1 ሺሕ 910 ሜትር ቁመት እትርከብ ብምዃና ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ (2 ሺሕ 334 ሜትሮ) ብዝተመሓየሸ ኣውሮፕላናት ንክልዓላን ንኽዓልባን ምቹው ኩነታት ኣየር ዝፈጥር እዩ። • ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ብቑመት ዝተሓተ ብምዃኑ፣ ዓለም ለኸ በረራታት ኣውሮፕላናት ሙሉእ ናይ ፅዕነት ነዳዲ ሒዘን…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ግደ-ዓለም-ለኸ-መዓርፎ-ነፈርቲ-ኣቡሴራ-ቢሾ/
1 714
ግደ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቡሴራ ቢሾፍቱ ኢትዮጵያ ናብ ማእከል ኣቪዬሽን ኣብ ምስግጋር…
• ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ 1 ሺሕ 910 ሜትር ቁመት እትርከብ ብምዃና ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ (2 ሺሕ 334 ሜትሮ) ብዝተመሓየሸ ኣውሮፕላናት ንክልዓላን ንኽዓልባን ምቹው ኩነታት ኣየር ዝፈጥር እዩ። • ኣቡሰራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ብቑመት ዝተሓተ ብምዃኑ፣ ዓለም ለኸ በረራታት ኣውሮፕላናት ሙሉእ ናይ ፅዕነት ነዳዲ ሒዘን…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ግደ-ዓለም-ለኸ-መዓርፎ-ነፈርቲ-ኣቡሴራ-ቢሾ/
1 714
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ተሰሪዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መድረኽ ዘተ ሰላም ተሰሪዙ። እተን ሃገራት በዓል 14 ነጥብታት ስምምዕ ምግባረን ስዒቡ ንናይ መወዳእታ ስምምዕነት ኣብ ዝርዝር ዛዕባታት ዝግበር ድርድር ሎሚ ከምዝጅመር ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እንበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ውጭ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣሜሪካ፣ ኢራን፣ ኳታርን ፓኪስታንን ብምስታፍንምክያድ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-መንጎ-ኣሜሪካን-ኢራንን-ክካየድ-ተወጢ/
1 714
ክረምታዊ እወንታዊ ባህሊና ናብ ዝለዓለ መግለፂ ክነሰጋግሮ ኢና-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2018 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ) ክረምታዊ እወንታዊ ባህሊና ናብ ዝለዓለ መግለፂ ክነሰጋግሮ ኢና ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ክረምቲ ብዝመፅአ ቁፅሪ እነካይዶም ክልተ ቀንዲ ባህሊታት እናሃነፅና መፂእና ኢና ኢሉ። ንሳቶም ድማ ንኢትዮጵያ ሓምለዋይ ምኽዳንን ወለንታዊ ኣገልግሎትን ከምዝኾኑ ኣብሪሁ። ኢትዮጵያ ሃፍቲ ደንና እናተመናመነ፣…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ክረምታዊ-እወንታዊ-ባህሊና-ናብ-ዝለዓለ-መ/
1 714
እገዳ ቪዛ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ወጥሪ ተሓታቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ነበር ህወሓት ዝገበረ እዩ - ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ጉጅለ ነበር ህወሓትን ስድራቤቶምን ቪዛ እገዳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ወጥሪ ብቐጥታ ተሓተትቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ ኢሎም ነበር ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ፤ እቲ እገዳ ናይዚ ጉጅለ ጥፍኣት ብረብሓ ይኹን ብስትራተጂ ይተሓባበሩ እዩም ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ከም መንግስቲ መራሒ ሻዕቢያ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝኣመሰሉ ናይ ደገ ኣካላት ንፁር መጠንቀቕታ እዩ።
ኣገዳስነት እቲ ስጉምቲ ኣብ እገዳ ቪዛ ኣይኮነን፤ እዃ ድኣስ ዋሽንግተን ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ወጥሪ ተሓታትነት ሙሉእ ብሙሉእ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ጉጅለ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ እገዳ ቪዛ ብፍሉይ ምስ ደብረፅዮን (ዶ/ር) ብቐረባ ዝሰርሑን ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣኽረርቲ ኣባላት ነበር ህወሓት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምዝራግን ጎንፂ ንምልዕዓልን ዝሰርሑ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ኣባላቶምን እገዳ ቪዛ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።
1 714
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣካይዳ ኣዕናዊነት እቲ ጉጅለ ንዓለም ዘቓልዐ እዩ – ውድብ ስምረት
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ ነቲ ናይቲ ጉጅለ ኣኽራርነትን ኣካይዳ ኣዕናዊነቱን ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልዐ እዩ ኢሎም ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ዲሞክራሲያዊ ስምረትን ምክትል ኣካቢ ዘፈር ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ናይ ቀረባ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣሜሪካ-ኣብ-ልዕሊ-ኣመራርሓ-ነበር-ህወሓት-2/
1 714
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ነበር ህወሓትን ስድራቤቶምን እገዳ ቪዛ ኣንቢራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ኣኽረርቲ ነበር ህወሓት ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እገዳ ቪዛ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ። ቤት ፅሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ÷ እቲ እገዳ ቪዛ ዝተነበረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ተሳታፊ እዮም ብዝተብሃሉ ኣኽረርቲ ኣባላት ነበር ህወሓትን ቤተሰቦምን ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ። በዙይ እውን…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣሜሪካ-ኣብ-ልዕሊ-ኣመራርሓ-ነበር-ህወሓት/
1 714
ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዙርያ ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣፍሪካ መብራህርሂ ሂቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዙርያ ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብራህርሂኦም ልዕሊ 50 ሚሊየን ዜጋታት ዝተሳተፍሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ከይዲ መረፃ ምዃኑ ሓቢሮም። ነቲ መረፃ…
https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣምባሳደር-ጀማል-በከር-ዶ-ር-ኣብ-እዋናዊ-ጉ/
1 714
+2
ራዊት ምክልኻል ምስ እቲ ዘበን ዝበፅሖ ዕብየት ቴክኖሎጂ ዓርሱ እናወሃሃደ እዩ - ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ
አዲስ አበባ፣ 11 ሰነ ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መጥቃዕቲ ሳይበር ብምክልኻል ሃገራዊን ትካላዊን ሃፍትታት ድጂታል ነቒሑ ምሕላው እቲ ዘመን ዝሓቶ ስራሕ እዩ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ።
ማእኸል ሳይበር ምክልኻል ዘሰልጠኖም መሰረታዊ ሰልጠንቲ ሳይበር ሎሚ ኣመሪቑ፡፡
ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ ምህዳር ሳይበር ብምስፋሕ ህልውና ሃገር ክፈታተኑ ንዝኽእሉ ቀትርን ለይትን ብንቕሓት ምሕላው የድሊ።
ሰራዊት ምክልኻል ምስ እቲ ዘመን ዝበፅሖ ዕብየት ቴክኖሎጂ ዓርሱ እናወሃሃደ ምኻኑ ብምግላፅ፤ እቲ ሰራዊት ኣብምህዳር ሳይበር ዘለዎ ድልውነት ከጎልብት ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡
እቲ ሰራዊት ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣወዳድባ ሓይሊ ባሕሪን ምህዳር ሳይበርን ብልዑል ብርኪ ብምምሕያሽ ዘንፀላልዉ ውሽጣውን ግዳማውን መጥቃዕትታት ምፍሻል ምኽኣሉ ኣብሪሆም።
ኣብዚ ሕዚ ስራሕቲ ድጂታል እናሰፍሑን እናተቐየሩን ብምህላዎም ማእኸል እቲ ሳይበር ሃፍቲን ደሕንነትን እቲ ትካል ንምሕላው ተግባር ምስልጣን ክጠናኸር ከምዘግባእ ሓቢሮም፡፡
መጥቃዕቲ ሳይበር ዓውዲ ኲናትን ዓቕሚ ውግእን ብልዑል ኩነታት ዝፈታተን ብምዃኑ ሃገራውን ትካላውን ሃፍትታት ዲጂታል 24 ስዓት ነቒሑ ምሕላው እቲ ዘመን ዝሓቶ ስራሕ እዩ ክብሉ ምትሕስሳሶም ኦንላይን ሚዲያ ስራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጅታል ገሊፁ።
متاح الآن! بحث تيليغرام 2025 — أهم رؤى العام 
