ru
Feedback

Не попадитесь на канал ботавода! Telemetrio находит и помечает такие каналы 👉 Хотите видеть метку — оформите подписку

FMC Tigrigna

FMC Tigrigna

Открыть в Telegram

This is FMC Tigrigna official Telegram channel. @fanatelevision @FMCSport @afanoromofana For more updates please visit https://fanamc.com/tigrigna

Больше
1 836
Подписчики
Нет данных24 часа
+127 дней
+11830 дней
Архив постов
ኣርሰናል ንኤቨርተን ስዒራ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ 8ይ ሰሙን መደብ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ምሸት ሰ
ኣርሰናል ንኤቨርተን ስዒራ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ 8ይ ሰሙን መደብ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ምሸት ሰዓት 11፡00 ኣብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን ብምስዓር ኣገዳሲ ሰለስተ ነጥቢ ኣመዝጊባ። ኣብቲ ፀወታ ንኣርሰናል ዓወት ዘረጋገፁ ሸቶታት ኤዝሪ ኮንሳን ጋብሬል ማጋልሄስን ኣብ መርበብ ሸቶ ኣእትዮም።… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣርሰናል-ንኤቨርተን-ስዒራ/

ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክንፈጥር ይግባእ – ፕሬዚዳንት ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክ
ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክንፈጥር ይግባእ – ፕሬዚዳንት ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካውያን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ሽርክነት ክንፈጥር ይግባእ ኢሎም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቡሩንዲን ኢቫሪስተ ንዳይሺሚዬ። ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ መፍትሒ ሰላም ብምፍልፋል፣ ቁጠባዊ ሉዓላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ለውጥን ዘተኮረ መበል 12 ጣና ፎረም፣ ኣብታ ውቅብቲ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ገምገም ባሕሪ ጣና፣ “መንገድታት ሰላም ኣብ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣፍሪካውያን-ንረብሓ-ህዝቢ-ዘገልግል-ሽር/

ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ
ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፍሪካ እናተቐየረ ምስ ዘሎ ዓለም ለኸ ስርዓት ምልምማድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ ግደ ክህልዋ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ (ዶ/ር)፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፦ ቁጠባዊ ሉዓላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ሽግግርን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ጉባኤ ጣና ልዑል ደሕንነት… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣፍሪካ-እናተቐየረ-ምስ-ዘሎ-ዓለም-ለኸ-ስር/

መበል 12 ጣና ፎረም ምክያድ ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 12 ጣና ፎረም፣ “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፦ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ሽግግርን” ብዝ
መበል 12 ጣና ፎረም ምክያድ ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 12 ጣና ፎረም፣ “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፦ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን ጂኦፖለቲካዊ ሽግግርን” ብዝብል መሪሕ ቃል ብዕሊ ተጀሚሩ። ኣብቲ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ መራሕቲ ኣፍሪካን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ሰላም፣ ድሕንነትን ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን እታ ኣህጉር ዘተ ከካይዱ ትፅቢት ይግበር። ብተወሳኺ ኣብቲ መድረክ እናተቐየረ ዝመፅእ… https://www.fanamc.com/tigrigna/መበል-12-ጣና-ፎረም-ምክያድ-ጀሚሩ/

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይሕጋዊ ህወሓት ዘቃለዐ እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይ
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይሕጋዊ ህወሓት ዘቃለዐ እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት መንነት ዘይሕጋዊ ህወሓት ዘቃለዐ እዩ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ። እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ ዳይሬክተራት ቢሮታት ክልል ትግራይ ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ባህሪን ተግባራትን በዓል ሓደራ ምምሕዳር… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ክልል-ትግራይ-ኣብ-ትካላት-ዝበፅሐ-ዕን/

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ተዛትዮም ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ተዛትዮም ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ተዛትዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ን12 ከምኡ’ውን ጉባኤ ላዕለዋይ ድሕነት ኣፍሪካ ዝኾነ ጣና ፎረም ቅድሚ ምጅማሩ፣ ንፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ዳንኤል ቻፖ ብሓጎስ ከም ዝተቐበልዎ ገሊፆም። ምስቲ ፕሬዚዳንት ምትሕብባርና ንምጥንኻርን ሓባራዊ ረብሓታትና ንምዕባይን ብዝከኣለሉ ጉዳያት… https://www.fanamc.com/tigrigna/ቀዳማይ-ሚኒስትር-ኣቢይ-ዶ-ር-ምስ-ፕሬዚዳን-26/

ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ ንምጥቃም መዋቕራዊ ስብራታት ክቃንዑ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ
ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ ንምጥቃም መዋቕራዊ ስብራታት ክቃንዑ ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ውሽጣዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ብግቡእ ንምጥቃም ኣብ ኣተሓሳስባን መዋቕርን ዘለዉ ስብራታት ክቃንዑ ይዝግባእ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ከም ዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃፍቲን ውሽጣዊ ዓቕሚን… https://www.fanamc.com/tigrigna/ውሽጣዊ-ዓቕሚ-እታ-ሃገር-ብግቡእ-ንምጥቃም/

ጎንደር ዝግብኣ ዝሰኣነት፤ ጋና ብዙሕ ክስርሐላ ዝግባእ ከተማ እያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጎንደር ዝግብኣ ዝሰኣነት፤ ጋና ብዙሕ ክስርሐ
ጎንደር ዝግብኣ ዝሰኣነት፤ ጋና ብዙሕ ክስርሐላ ዝግባእ ከተማ እያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጎንደር ዝግብኣ ዝሰኣነት፤ ጋና ብዙሕ ክስርሐላ ዝግባእ ከተማ እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ንፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ከም ዝገለፁዎ፤ ፕሮጀክታት ምስ ተጀመሩ ኣብ ግቡእ ግዘ ምዝዛምን ንሕቶ ህዝቢ ግቡእ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ጎንደር-ዝግብኣ-ዝሰኣነት፤-ጋና-ብዙሕ-ክስ/

ሰራሕተኛ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዝኾነት መንእሰይ ሊድያ ፍቅሬ ብሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ ኣብ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ክኢላ ዘፈር ዕዳጋን ልምዓት መሸጣን ኮይና እትሰርሕ ዝነበ
ሰራሕተኛ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዝኾነት መንእሰይ ሊድያ ፍቅሬ ብሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ ኣብ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ክኢላ ዘፈር ዕዳጋን ልምዓት መሸጣን ኮይና እትሰርሕ ዝነበረት መንእሰይ ሊድያ ፍቅሬ ትማሊ ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና እያ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ኣብ 1995 ዓ.ም ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ ቸሃ ከተማ እምድብር ተወሊዳ ዝዓበየት ሊድያ ፍቅሬ፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ተመሪቓ። ድሕሪ ምምራቓ ድማ ብዝተምሃረቶ ሞያ ኣብ ፋና… https://www.fanamc.com/tigrigna/ሰራሕተኛ-ፋና-ሚድያ-ኮርፖሬሽን-ዝኾነት-መ/

ግድብ መገጭ ንጎንደር ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ሒዙ ዝመፅአ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ መስኖ መገጭ ንከተማ ጎንደርን ኣብ
ግድብ መገጭ ንጎንደር ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ሒዙ ዝመፅአ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ መስኖ መገጭ ንከተማ ጎንደርን ኣብ ከባቢኣ ንዝርከባ ከተማታትን ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕ ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)። አእቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ንታሪኻዊት ከተማ ጎንደርን ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ዓብዪ ብስራት ዝኾነ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ ብዕሊ መሪቖም… https://www.fanamc.com/tigrigna/ግድብ-መገጭ-ንጎንደር-ኩለመዳይ-ኢኮኖሚያ/

ስግግር ፍትሒ ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻር ወሳኒ እዩ – ወ/ሮ ሃና ኣርኣያስላሴ ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ምጥያሽ ሓበራዊ ፎረም ስግግር ፍትሒ ሚኒስቴር ፍትሒን ትካ
ስግግር ፍትሒ ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻር ወሳኒ እዩ – ወ/ሮ ሃና ኣርኣያስላሴ ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ ምጥያሽ ሓበራዊ ፎረም ስግግር ፍትሒ ሚኒስቴር ፍትሒን ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ ኣብቲ እዋን፤ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንምድላው ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ መፅናዕቲን ምኽክርን ክካየድ ከም ዝፀንሐ ኣዘኻኺረን። በዚ ድማ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብዙሓት መድረኻት ከም ዝተኻየዱን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ስግግር-ፍትሒ-ልዕልነት-ሕጊ-ንምጥንኻር-ወ/

መረፃ፣ ልዕልነት ሕጊን ምምላስ ተመዛበልቲን ቀንዲ ኣጀንዳታት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ እዮም – ኣይተ ረዳኢ ሓሎፎም ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)መረፃ፣ ልዕልነት ሕ
መረፃ፣ ልዕልነት ሕጊን ምምላስ ተመዛበልቲን ቀንዲ ኣጀንዳታት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ እዮም – ኣይተ ረዳኢ ሓሎፎም ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)መረፃ፣ ልዕልነት ሕጊን ምምላስ ተመዛበልቲን ቀንዲ ኣጀንዳታት በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ እዮም ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ውዳበታት ህዝቢን ኣይተ ረዳኢ ሓሎፎም፡፡ ‎ ‎ኣይተ ረዳኢ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዕላዊ ስራሕቱ ከም ዝጀመረ፣ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ሓሳባትን ርእይቶታትን ናይ ምእካብ ስራሕ እናካየደ… https://www.fanamc.com/tigrigna/መረፃ፣-ልዕልነት-ሕጊን-ምምላስ-ተመዛበል/

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ብምምላስ ሕጋዊ መስርሕ ንክኽተሉ ፃውዒት ቀሪቡ ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ህዝባዊ ውዳበታትን በዓል
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ብምምላስ ሕጋዊ መስርሕ ንክኽተሉ ፃውዒት ቀሪቡ ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ህዝባዊ ውዳበታትን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ተመሊሶም ኣገልግሎት ህዝቢ ክህቡ ፀዊዖም። ኣይተ ረዳኢ ዕላዊ ምጅማር ስራሕ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዘብሰሩሉ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ሲቪል ሰርቫንት ናብ ስርሑ ክምለስ ዝተገብረ ፃውዒት ብተግባር ክረጋገፅ ከምዘለዎ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ሰራሕተኛታት-መንግስቲ-ናብ-ስርሖም-ብምም/

ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎም ይካየዱ ኣለዉ – ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳም
ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎም ይካየዱ ኣለዉ – ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ስራሕቲ ኣገልግሎትን ዳግመ ህንፀትን ቀዳምነት ትኹረት ተዋሂብዎም ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)። ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዑደት ብምግባር ኣብ ዘካየድዎ ምልከታ ዑደት ሰፊሕ ስርቒን ዕንወትን ከምዝተፈፀመ ምዕዛቦም ብምግላፅ ንዝተራእዩ ፀገማት ንምፍታሕ ቅልጡፍ ምላሽ እናተውሃበ ምዃኑ ገሊፆም። ብመሰረት እዚ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ስራሕቲ-ኣገልግሎትን-ዳግመ-ህንፀትን-ቀዳ/

ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብተን ተገይሩ እዩ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብ
ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብተን ተገይሩ እዩ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ውዲት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ክብተን ተገይሩ እዩ ኢሎም ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)። ህዝቢ ትግራይ ሱር ዝሰደደ ስምዒት ኢትዮጵያዊነት ዘለዎ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ኣቦ ወንበር እቲ ህዝቢ ንሃገሩን ንሓድነቱን ዘይደራደር ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ክትፈርስ ዝደልዩ ከም ግብፂ ዝኣመሰሉ ነባራት ፀላእቲ ከምኡ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ውዲት-ዘይሕጋዊ-ጉጅለ-ህወሓት-ቅድሚ-ምስፍ/

ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምጅማርን መሊስካ ንምህናፅን ዘኽእሉ ስራሕቲ ተጀሚሮም – ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ
ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምጅማርን መሊስካ ንምህናፅን ዘኽእሉ ስራሕቲ ተጀሚሮም – ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ምምሕዳር ባለ ሓደራ ኣገልግሎታት ህዝቢ ንምጅማርን ሰላም ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ዛዚሙ ናብ ተግባር ኣትዩ ኣሎ ኢሎም ሓላፊ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ። ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ ምስ መምህራን ከተማ መቐለን ምስ ኣካላት ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛትዮም።… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ክልል-ትግራይ-ኣገልግሎታት-ህዝቢ-ንም/

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፀገም ፈታሒ ዘይኮነስ ፀገም ፈጣሪ እዩ – ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝነበሮ ናይ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፀገም ፈታሒ ዘይኮነስ ፀገም ፈጣሪ እዩ – ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝነበሮ ናይ ስልጣን ዘበን፣ ንህዝቢ ትግራይ ፀገም ፈታሒ ዘይኮነስ ፀገም ፈጣሪን ኣሳቓዪን እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት። ኣብቲ ክልል ሕዚ ዝሰፈነ ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ቃለ መሕትት ዝገበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝበልዎ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን መናእሰይ ትግራይ ካብ ገዝኦም ክወፁን ኣስፋልት… https://www.fanamc.com/tigrigna/ዘይሕጋዊ-ጉጅለ-ህወሓት-ንህዝቢ-ትግራይ-ፀ/

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናይ ስራሕ ግዜኡ ዛዚሙ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)። እቶም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመትን 7 ወርሕን ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብዓወት ከም ዝዛዘመ ብምግላፅ፣ እቲ ከይዲ ዘተ ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ብዘተ ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ መሰረት ዘንበረ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኮሚሽን-ሃገራዊ-ዘተ-ናይ-ስራሕ-ግዜኡ-ዛዚሙ/

ኣብ ከተማ መቐለ 16 ጥቅምቲ ትምህርቲ ክጅመር እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ መቐለ ዝመፅእ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ክጅመር እዩ
ኣብ ከተማ መቐለ 16 ጥቅምቲ ትምህርቲ ክጅመር እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ መቐለ ዝመፅእ 16 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ክጅመር እዩ ኢሎም ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ (ዶ/ር)። እቶም ከንቲባ ምስ መምህራንን ኣካላት ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ከተማ መቐለ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም። ኣብቲ እዋን መምህራንን ወለድን ከይዲ ናይ ትምህርቲ ስራሕ ብዓወት ንኽቕፅል ናይ ባዕሎም ግደ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ከተማ-መቐለ-16-ጥቅምቲ-ትምህርቲ-ክጅመር/

ንፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ሓድነት ዝያዳ ምጥንኻር የድሊ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ውሽጣዊ ሓድነትን ዓቕሚ ምክልኻ
ንፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ሓድነት ዝያዳ ምጥንኻር የድሊ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንምስጋር ውሽጣዊ ሓድነትን ዓቕሚ ምክልኻልን ምጥንኻር የድሊ ኢሎም ኣማኻሪ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ። ልዑል መድረኽ ዘተ ፖሊሲ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ሃገራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያን መፃኢ ዕድል ምብራቕ ኣፍሪካን ዝቐርፁ ዞባዊ ኩነታትን ስትራቴጂያዊ ተፎካኸርቲ ስግኣታትን ንምምርማር ዝዓለመ እዩ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ንፈተናታት-ብዓወት-ንምስጋር-ሓድነት-ዝያ/