9 428
Подписчики
-524 часа
-577 дней
-24030 день
Архив постов
9 423
ኣብ ክረምቲ ክለዓል ዝኽእል ኲናት ምድላው ፀላእቲ ምንፅብራቕ ንቡር እዩ። እንተኾነ እከለ ዝበሃል መረዳእታ ኣሕሊፉ ዝህብ ዝነበረ ኣመራርሓ ስለዝተልዓለ ወይድማ ስለዝፅንሐ ዝተርፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዛ ቪድዮ ምሒር ፅልኣት ዘስዓቦ ፀለመ ምግባርን ምሒር ሕሽክርና ዝወለዶ ሓሶትን ዓርስኻ ሓፃቢ ካልሲ ውልቀሰብ ምዃን ከምዝከኣል ብደንቢ ዝተገለፀላ እያ።
#ኢዮስያስ
https://www.youtube.com/watch?v=9xBakTmJ_3g
9 423
ቻይና ኣብ ኲናት ሕድሕድ ንዘላ ሱዳን 50 ሚልዮን ዕዳ ሰሪዛትላ። – Tigrai Academy
https://tigraiacademy.com/2026/07/01/%e1%89%bb%e1%8b%ad%e1%8a%93-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%b2%e1%8a%93%e1%89%b5-%e1%88%95%e1%8b%b5%e1%88%95%e1%8b%b5-%e1%8a%95%e1%8b%98%e1%88%8b-%e1%88%b1%e1%8b%b3%e1%8a%95-50-%e1%88%9a%e1%88%8d%e1%8b%ae/
9 423
ዘተ ኣብ ሓድሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 366/2018
"ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ" ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ366/2018 ንላዕለዎት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ግንዛበ ክጭብጡ ዘክእል መድረክ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣድላይነት እቲ ኣዋጅ ዘቅረቡ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን ትግራይ ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ሓደ ህዝብን ሃገርን ዝመሓደር ብሕጊ እዩ እንተኾነ ግን ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም እያ ዘላ በቲ ስሩዕ ሕጊ ሃገር ዝምረሐሉን ዝመሓደረሉን ኩነታት ከምዘየለን ሐዚ ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ባንኪ ጥረ ገንዘብ ከይህሉ፣ነዳዲ፣በጀት ኮታስ ማሕበራዊ ፣ ቁጠባውን ፖለታካውን ፅዕንቶን ፀቅጥን ይበፅሖ ከምዘሎ ርዱእ እዩ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ተፈፂሙሉ፣ ብዘካየዶ ቃልሲ ድማ ናብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከምዝበፅሐን ይኩን እምበር እቲ ውዕሊ ኣብ ምትግባር ዓቢ ፀገም ከምዝገጠሞን ኣይተ አሜኑኤል ኣሰፋ ገሊፆም።
ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ተቆፃፂሮም ዘለው ብስርዓት ዘይኮነስ ሓደ ሰብ እንተፈቲልካ ኢካ ድላይ ዝግበር ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ኣማኒኤል ወሰን ዝምልከት እንተሃልዩ ክልቲኦም ክልላት ይረዳድኡ እንተዘይ ኮይኑ ናብ ፌደራል ይቅፅል እዩ ዝብል እቲ ሕጊ ሕዚ ብሽም ኣካራካሪ ዝብል ሽርሒ ፌደራል ሪፈረንደም ዝብሎ ዘሎ ሸፈጥ ተቀባልነት ዘይብሉን ነቲ ሕገ መንግስትን እቲ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተቀመጠ ድንጋገ ዝጥሓሰን እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ውዕሊ ፕሪቶሪያ ተስማዕማዕቲ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣማኒኤል መንግስቲ ፌደራል ግና በይናዊ ውሳነታት እናወሰነን ነቲ ውዕሊ ብዕሊ እናፍረሶን መፂኡ እዩ ኢሎም።
ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣብ ሓደጋ ህልውና ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ ኣይተ ኣማኑኤል እቲ ወፂኡ ዘሎ ኣዋጅ ድማ ብዋናነት ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ምኳኑ ኣረዲኦም ከም ፀብፃብ ድወት።
9 423
ሚድያን ኮምኒኬሽንን ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ንህላውኡን ድሕንነቱን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲን ምጥንኻር ውዳበታቱን ብጠንካራ ልዕልና ሓሳብ ክመርሕን ክሰርሕን ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።
ዶክተር ደብረፅዮን ነዚ ዝገለፁ ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን መራኸቢ ማዕኸናት ትግራይ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ እዩ።
ሕዚ ኣብ ዘለና ሓደጋ ህልውና ሚድያ ዓርሱ ዝኸኣለ ግምባር እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ናይ ሓሳብ ግጥም ብልዕልና በሪኹ ክወፅእ፤ ህዝቡ ዝሓዞ ናይ ቃልሲ ሓቂ ክሕዝ ይግባእ ኢሎም።
ሓቂ ሒዙ ዝተወፀዐ ህዝቢ፤ ሓቂ ሒዙ ዝተፈገፍዐን ዝተጨፍጨፈን ህዝቢ ፤ ሓቂ ሒዙ ሉኣላዊ ግዝኣቱ ተመንጢሉ ክብተን ዝተደፍአ ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ ፤ እዚ ሓቂዚ መሰለይ ዝብሎ ክረጋገፅ እቱ ዝሓዞ ሓቂ ክጎልህን ስዒሩ ክወፅእን ሚድያን ኮምኒኬሽን ትግራይ ድማ ኣብዚ ሓቂ መቃለሲ ዓውዲ ገይሩ ንብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ክረባረበ ይግባእ ኢሎም ።
ሚድያታትና ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ በደል በፂሕወን እዩ፤ እቲ ኽድዓትን ጥልመትን ብአአንውን ብመሪሕነተን ክግለፅ ተገይሩ እዩ፤ ናይ መኸተ ዓቕሚ ዝነበራ ሚድያታትና ንዝሓለፈ ቃልሲ መኸተ ፀረ ፅንተት ዘፋኹስ፤ ንዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ኣንፃር መኸተ ዝድውንን ክብሪ ዝኸልእን ትሕዝቶታት ተራእዮም ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ሓቂ ዘይሓዙ ናብ ደምበ ጥልመት እቶም ኣብኣ ኮይኖምውን ዝቃለሱ ዝነበሩ ግን ሕዝውን እዮም ንህዝቦም ወጊኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ኢሎም።
ሕዚ ሚድያታትና ገጢሙና ንዘሎ ሓደጋ ህልውና ኣብ ምምካት ውዳበታት ዝፈጥርን ውዳበታት ዘጠናኽርን መሪሕ ልዕልና ሓሳብ ክውንና፤ውዳበታት ህዝባዊ መኸተ ክሰጣጠም ብዝተዋደደ መንገዲ ክኸይድ መሪሕን ዘይትካእን እጃመን ክፍፅማ ልዑል ትፅቢት ይግበረለን ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ንሰብ ሞያን ኣመራርሓን ሚድያን ኮምኒኬሽንን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእክቲ።
ሚድያታት ትግራይ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝብኹምን ዓድኹምን ኣቐደምኩም ተናቢብኩምን ተወሃሂድኩምን ክትሰርሑ ይግባእ፤ ጉልበት ሚድያኹም ተጠቒምኩም መኸተ ህላወ ህዝብኹም ክርምስ ዝብገስ ሸርሕታት ፀላእቲ ኣቃልዑ ኣፍሽሉ፤ ህዝባዊ ምልዕዓል ንድሕንነትን ንፀጥታን ሰላምን ህዝብኹም ደግፉ ኣጠናኽሩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ብሙሉእ ዓቕሙ ኣብ ጎንኹም ብምዃን ክድግፍ እዩ ኢሎም።
9 423
ኣፈኛታት ብልፅግና ብሕጊ ትግራይ ፍርድኹም ትቕበልሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን። ሓሶትን ምድንጋርን እንጀራኻ ብምሳል ትኽክል ኣይኮነን።
https://youtu.be/9UR5kHd2c1A
9 423
ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ።
ነቲ ሃገራዊ ፈተና ብዕሊ ዝኸፈቱ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶር. ኪሮስ ጉዕሽ ሎሚ ዘበን ንፈተና ዝቐረቡ 15,184 (51.03%) ኣነስትዮ ዝርከብኦም 29,755 ተምሃሮ ኣብ ሽዱሽተ ዙር ብበይነ መረብን ወረቐትን ካብ 23/10/2018 ዓ.ም ክሳብ16/11/2018 ዓ.ም ኣብ ሸሞንተ ማእኸላት ከምዝፍተኑን ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ነዞም ተምሃሮ ናብዚ ብርኪ ክበፅሑ ኩሉ ዓይነት ፀገም ተፃዊሮም ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ድሕሪ ምምስጋን ነዚ ፈተና ግብረሃይል ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ንዝገበርዎ ልዑል ተሳትፎን ስራሕን ኣመስጊኖም።
እቶም ሓላፊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ስነስርዓት ፈተና ሓልዮምን ተረጋጊዖምን ክፍተኑ ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ ፅቡቕ ዕድል ፈተና ክገጥሞም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
9 423
ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ሓረስታይና ክገጥሞ ዝኽእል ከቢድ ሕፅረት ዝናብ ኣድላዪ ምድላው ክገብርን ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ነዚ ክክተታተልን ደገፋት ክገብርን ኣለዎ።
https://youtu.be/UA_B-XsJDjw
9 423
ኣብ ከተማ መኾኒ ንብሉፃት መምህራን መተባብዒ ሸልማት ተዋሂቡ።
ኣብቲ ብምትሕብባር ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ቤ/ት/ቲ ደጎል፣ ማሕበር መምህራን እታ ከተማን ሃፍቶም ሚዲያን ፕሮሞሸንን “የቐንየለይ መምህረይ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሳለጠ ምድላው፥ 48 ብሉፃት ጡረተኛታት መምህራንን ስድራ ብህይወት ዘየለዉ መምህራንን ነፍሲወከፎም ካብ 5 ክሳበ 50 ሽሕ ብር ዝበፅሕ መተባብዒ ገንዘብን ኣፍልጦን ተዋሂቦም።
ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን ከተማ መኾኒ መ/ር ግርማይ ህንደያ፥ እቲ ሽልማት ንምክያድ ካብ ምሁራን፣ ነጋዶ ከምኡ’ውን ኣብ ውሸጢ ዓዲ ዝርከቡ ተወለድቲ ዝርከብሉ ኮሜቴ ብምጥያሸ፣ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ብምኽፋትን ልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ብምትእኽኻብን ንምዕባለ ትምህርትን ምርግጋፅ ፍልጠት ሕብረተሰብን አበርክቶ ንዝገበሩ መምህራን ምሽላሞም ገሊፆም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ኣይተ ዕፃይ ተካ ብወገኖም “እቲ ሽልማት ዝተኻየደሉ ምኽንያት ተሸለምቲ ንመሰረታዊ ዕብየትናን መንነትናን ከም’ውን ኩለ መዳይ ፍልጠት ክንጭብጥ ዓንዲ ሑቐ ብምዃኖም እዩ፤ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ይግባኣኒ ንዝብል ኩሉ ብምሰታፍን ብምትሕብባርን በቢ ዓመቱ ንክካየድ ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ክሰርሕ እዩ።’’ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበር መምህራን ትግራይ መ/ር በሪሁን ተኽለ፥ ተጠቃምነት መምህራን ዘበርኹ ስራሕቲ ይስርሑ ምህላዎም ጠቒሶም፤ ንተሸለምትን መዳለውቲ መድረኽን ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም ከም ፅብፃብ ትግራይ ቲቪ።
Уже доступно! Исследование Telegram 2025 — ключевые инсайты года 
