fa
Feedback
ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

رفتن به کانال در Telegram

*ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን* ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ) አንታይ አዩ፧ ማሓተኤ ኣብ አዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ብዝጸንሑ ኣባላት ከም መቐጸልታ ናይ ዝጽነሐ ንጥፈታቶም ዘቖምዎ ዘይመንግስታዊ ትካል አዩ።

نمایش بیشتر
أثيوبيا12 203دسته بندی مشخص نشده است
1 116
مشترکین
-224 ساعت
-47 روز
-1530 روز
آرشیو پست ها
ሰላም፡ ቪዛኹምም ትማሊ ብኔ ብራክ ተዓጽዩ ከሎ ዝወደቐ፡ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ብኦንላይን ክሕደሰልኩም'ዩ። ስለዚ ናብ መሐደሲ ቦታ (ንብኔ-ብራኽ) ምኻድ ኣየድልየኩምን።
ሰላም፡ ቪዛኹምም ትማሊ ብኔ ብራክ ተዓጽዩ ከሎ ዝወደቐ፡ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ብኦንላይን ክሕደሰልኩም'ዩ። ስለዚ ናብ መሐደሲ ቦታ (ንብኔ-ብራኽ) ምኻድ ኣየድልየኩምን።

ካብ ጽባሕ ሶሉስ ዕለት 09/06 ሳዓት 06፡00 ንጎሆ ጀሚሩ ብዘይካ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ከባቢታት መላእ እስራኤል ናብ ልሙድ ማዓልታዊ ንጥፈታት ክምለስ ምዃኑ እዚ ድሕረ ግንባር እስራኤል ብወ
ካብ ጽባሕ ሶሉስ ዕለት 09/06 ሳዓት 06፡00 ንጎሆ ጀሚሩ ብዘይካ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ከባቢታት መላእ እስራኤል ናብ ልሙድ ማዓልታዊ ንጥፈታት ክምለስ ምዃኑ እዚ ድሕረ ግንባር እስራኤል ብወግዒ ሓቢሩ።

ክሳብ ሶኑይ ዕለት 08/06/2026 ሳዓት 20፡00 ዝጸንሕ ሓዱሽ መምርሒ እዚ ድሕረ ግንባር፥ 1 -ምትእኽኻብ - ኣብ ክፉት ቦታ ክሳብ 200 ሰባት፡ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ኣብ ዘለዎ ዕጹው ቦታ ክሳብ
ክሳብ ሶኑይ ዕለት 08/06/2026 ሳዓት 20፡00 ዝጸንሕ ሓዱሽ መምርሒ እዚ ድሕረ ግንባር፥ 1 -ምትእኽኻብ - ኣብ ክፉት ቦታ ክሳብ 200 ሰባት፡ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ኣብ ዘለዎ ዕጹው ቦታ ክሳብ 500 ሰባት ምትእኽኻብ ይካኣል። 2- ስርዓተ ትምህርቲ - ጠቕላላ የለን። 3-ቦታ ስራሕ - ናብ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ኣብ እዋን ክበጽሑ ኣብ ዝኽእልሉ ቦታ ስራሕ ምኽፋት ይካኣል። 4-ኣደለይቲ ትካላት(ትካላት መግቢ፡ማይን መድሃኒትን) - ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ እዋን ክበጽሑ ዝኽእሉን ብመሰረት ፍቓድ እዚ ድሕረ ግንባር ጥራይ ይኸፍቱ።

https://www.knesset.tv/committees/the-internal-affairs-and-environment-committee/video/85031/ ሓበሬታ! ሎሚ ዕለት 25/05/2026 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 12/06/2025 ንኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ዝድግፉን ኣብ መዛግብቲ ሕጊ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ከቕጽዕ ዝኽእ ገበን ዝገበሩን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ኣብዚ ውሽጢ ሓደ ዓመት ማዕረ ክንደይ ሰሪሑ ንምግምጋም ብሓጋጊት ናይቲ ምምዕርራይ ሕጊ ዝኾነት ኣባል ፓርላማ ዩልያ ሚሊቮኒስኪ ዝተመርሐ ዘተ ኣብ ንኡስ ኮሚተ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ፓርላማ እስራኤል ርክብ ተኻይዱ። እዚ ርክብ ሓዱሽ ነገር ንምፍጣር ዝዓለመ ርክብ ብዘይምዃኑ ወከልቲ ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን ከም ወትሩ ኣብዞም ኮሚተታት ኣብ ዝግበሩ ርክባት ብኣካል ተረኺብና ድምጽና ነስምዖ፡ ኣብ ናይሎሚ ርክብ ብኣካል ተረኺብና ኣይተሳተፍናን፡ ይኹን እምበር ነቲ ኣስታት ናይ ልዕሊ ሓደ ሳዓትን ፈረቓን ርክብ ብሩሑቕ ተኻታቲልናዮ ኢና። ትሕዝቶ ናይዚ ርክብ ኣቐዲምና ከም ዝገመትናዮ ዝኾነ ሓዱሽ ነገር የብሉን፡ ከም ዝሓለፈ ደግፍቲ ስርዓት ሃገሮም ዝኾኑ ኤርትራውያንን ገበን ዝገበሩ ስደተኛታት ክስጎጉ ኣለዎም ዝብል ጻውዒት ኮይኑ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክህሉ ዋሳኒ ምዃኑን፡ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብዘይ ቆዋሚ ምኒስተር ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ይእለ ብምህላዉ ነዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ምውዓል ኣጸጋሚ ምዃኑን መብዛሕቲኦም ተጋባእቲ ናይዚ ርክብ ኣስሚረሙሉ። ሙሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ርክብ ንምስማዕ ኣብ ቦታ ኮመንት መላግቦ ኣለኩም/ን።

ሰራሕተኛታት እንዳ ቪዛ ናይ ስራሕ ኣድማ ብምግባር መኽንያት እንዳ ቪዛ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 20/05/2026 ኣጎልጉሎት ይህብ የለን። ሰብ ኮንቶ ከይደክም በቢ ዘለናዮ ንሓብር

ሰላም ኣሕዋት፥ ሰራሕተኛታት እንዳ ቪዛ ናይ ስራሕ ኣድማ ብምግባር መኽንያት እንዳ ቪዛ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 20/05/2026 ኣጎልጉሎት ይህብ የለን። ሰብ ኮንቶ ከይደክም በቢ ዘለናዮ ንሓብር

*ኣስተውዕሉ* ኣብ ሾኻናት ሃቲክቫ ድማ ዕለት 25/05 ክግበር እዩ። ንጽበት ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ብትግርኛ ኣብ ክልተ ቦታ፡ ብእንግሊሽ ድማ ከምኡ ክግበር ተመሪጹ። 🙏

ሰላም ኣሕዋት ኣሓት ሎሚ ዕለት 29/4/26 ብኔ ብራክ ንኤርትራውያን ጥራይ ኣጎልጉሎት ኣይህብን እዩ፡ ትማሊ ኣብዚ ፖስት ናቶም ከም ዝብሎ ሓደ ጉጅለ ኤርትራውያን ንዋርድያ ሃሪሞሞ ይብል ኣሎ፡ በዚ መኽንያት ድማ ንኤርትራውያን ኣጎልጉሎት ኣይክህቡን እዮም።

ሓበሬታ! ከም ዝፍለጥ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኢራን እስራኤል ዕለቱ ዝወደቐ ቪዛ ብኢንተርነት ኣይተሓደስን። ብኢንተርነት ክሕደሰሉ ዘይካኣለ መኽንያት፡ ኣብ ክሕደሰሉ ዝግበኦ ግዜ ስለዘይተሓድሰ እዩ። ብመሰረት ስምምዕ ምቋርጽ ቶኽሲ፡ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቤት ጽሕፈት ብኔ ብራክ ካብ ትማሊ ሰምበት ዕለት 12/04/2026 ጀሚሩ ናብ ንቡር ስርሑ ተመሊሱ ስለዘሎ፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ቪዛኹም ዕለቱ ዝወደቐ ካብ ሰምበት ክሳብ ሓሙስ ካብ ሳዓት 13:00 ኣብ ዝዋሃብ ኣጎልጉሎት ምሕዳስ ቪዛ ተረኺብኩም ቪዛኹም ክተሕድሱ ንላቦ። ሙሉእ ሰላም ይግበረልና። ሆት ላይን

#ሓበሬታ! ንካናዳ ኮነ ናብ ካለኦት ሃገራት በረራ ነይሩኩም እሞ ብሰንኪ ህሉው ኩነታት በረራኹም ዝተቛረጸን ብሕጂ በረራ ዘለኩምን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ ናብ እስራኤል ዝግበር ስሩዕ በረራ ክሳብ ናብ ንቡር ዝምለስን ሓዱሽ ሓበሬታ ዝዋሃብን ኩሉ በረራ ተቛሪጹ ኣሎ። ብዛዕባ ሓዱሽ ዕለት በረራ ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ንነብሲ ወከፍኩም ክድውሉልኩም እዮም። እንዳ ቪዛ ክሳብ 14/03 ዕጹው ምዃኑ ኣዊጆም ኣለዉ፡ ይኹን እምበር መምርሒ እዚ ድሕረ ግንባር ክሳብ ዘይተቐየረ ዝምጽእ ዘሎ ሶሙን እውን ዘይክኸፍቱ ተኽእሎ ኣሎ። ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ናባኹም ክነብሎ ኢና። *ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን*

האגף לסיוע ליציאה מרצון | רשות האוכלוסין וההגירה https://www.gov.il/he/departments/units/repatriation_unit

ኣሁድ ወለንታዊ ምምላስ ኢሚግረሽን ብዕለት 24/02/2026 ከም ዘውጹዎ ሓበሬታ መሰረት ብሲናይ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብኸምዚ ዝስዕብ ምስ ዝወጹ፥ 1. ብድሌቱ ናብ ሃገሩ ዝምለስ 3500 $፥ 2. ናብ ሳልሳይቲ *ኣፍሪቃዊት* ሃገር ዝወጽእ ድማ፣ ንጓል - 5000$ ንቆልዓ - 5000$ ንወዲ/ሰብኣይ - 3500$ መታባብዒ ክህቡ ምዃኖም ሓበሬታ ኣውጺኦም ኣለዉ። *ኣስተውዕሉ* ኣብዚ ሓበሬታ ወጽዩ ከም ዘሎ *ናብ ሃገራት *ኣፍሪቃ* ዝምለሱ ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ። ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን መላግቦ 👉🏿 https://www.gov.il/he/departments/units/repatriation_unit

*ዝኸበርኩም ነብሪ፣* ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ከተማና ፍንጫላት ከምዝወደቐ ዝሕብር ጸብጻባት ስዒቡ ኩሉ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣባላት ምምሕዳር ከተማ ኣብ ባይታ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለዉ። ብኽብረትኩም ንነብስኹም ሓልዉ፣ ንዝኾነ ፍንጭክጫክ ሚሳይል ወይ ጸረ ሚሳይል ካብ ምቕራብ ወይ ምትንካፍ ተቖጠቡ፣ ኩሉ ግዜ ድማ መምርሒታት ድሕነት እዚ ድሕረ ግንባር* ምኽታል ቀጽሉ። *106+ ማእከል ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ * *24/7* ንዓኹም ንምግልጋል ተዳልዩ ኣሎ። ብቴለፎን *106* ወይ **9106* ብምድዋል፡ ከምኡ'ውን ብናይ ምምሕዳር ከታማ ኣፕሊከሽን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ከም ወትሩ ንዓኹም ንምግላጋል ኣብዚ ኣለና።

ምምሕያሽ ፖሊስ መምርሒ ድሕነት እዚ ግንባር ብመሰረት ገምጋም ኩነታት እዚ ድሕረ ግንባር፡ ካብ ሓሙስ ዕለት 05.03.26 ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ መምርሒ ድሕነት ክማሓየሽ ተወሲኑ። ከም ኣካል ናይቲ ለውጢ ኣብ ኩሉ ከባቢታ ሃገር ካብ ጽኑዕ ደረጃ ፖሊሲ ናብ ውሱን ደረጃ ፖሊሲ ክሰጋገር እዩ። ትምህርታዊ ንጥፈታት- ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣይካየድን ምትእኽኻብ-ስሬና ኣብ ዝስማዓሉ እዋን ኣብ ግዜኡ ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ ክብጻሓሉ ዝኽእል ከባቡ ክሳብ 50 ሰባት ዝበጽሕ ምትእኽኻብ ይካኣል። ቦታ ስራሕ- ስሬና ኣብ ዝስማዓሉ እዋን ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ዘለዎ ስራሕ ምኽፋት ይካኣል። እዚ ፖሊሲ ካብ ሓሙስ 5 መጋቢት 2026 ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ቀዳም 7 መጋቢት 2026 ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ሙሉእ ሰላም ፈጢሩ ናብ ልሙድ ማዓልታዊ ሂወትና ንምለሰሉ ግዜ ንምነ!

ኣብዚ ቀረባ ካብ ሊባኖስ ዝትኮስ ዘሎ ቶኽሲ ስዒቡ፡ ስዒቡ ዘሎ መልእኽቲ ዝሓዘለ ስእሊ ከካፍለኩም ንፈቱ፤ ብምኽንያት ምምስፍሕፋሕ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ኣቐዲሙ ዝሕብር መጠንቀቕታ ስሬና ናብ መዕቆቢ ቦታ ክንኣቱ ዝሕብር መልእኽቲ ክስማዕ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና መጠንቀቕታ/ብ ዝመጸና እዋን ናብ ውሑስ ቦታ ክንበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደልና ምፍታሽን ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ።ብውሑስ ኣጋባብ ድሕነትካ ንምሕላው መምርሒ ብግቡእ ምክትታል ጥራይ እምበር ካበይ ይትኮስ ኣሎ ኣገዳስነት የብሉን። ኣቐዲሙ መጥንቀቕታ ተሰዲዱልኩም - ናብ ብዝበለጸ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ንምቕራብ ውሑዳት ደቓይቕ ኣለኩም። መጠንቀቕታ/ስሬና ተቐቢልኩም- ብመሰረት ዘለኩም ግዜ ኣብ ጥቕኹም ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ብቕጽበት እተዉ። ኣቐዲሙ ዝወሃብ መምርሒ ንነብስና ክንከላኸልን ኣብቲ ዝበለጸ ውሑስ ቦታ ንኽንበጽሕን ዝሕግዘና መሳርሒ ኮይኑ፡ ኩሉ ግዜ ዝዋሃብ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና መጠንቀቕታ/ስሬና ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን ናብ ውሑስ ቦታ ክንበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደልና ምፍታሽን ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ።