ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)
Открыть в Telegram
*ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን* ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ) አንታይ አዩ፧ ማሓተኤ ኣብ አዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ብዝጸንሑ ኣባላት ከም መቐጸልታ ናይ ዝጽነሐ ንጥፈታቶም ዘቖምዎ ዘይመንግስታዊ ትካል አዩ።
БольшеЭфиопия12 142Категория не указана
1 101
Подписчики
-124 часа
-97 дней
-2030 день
Архив постов
ዓወት ምስ ረኸብካ ዚቐርብ ምስጋና!!
ምቁራጽ ጎንጺ መስርሕ ሰላም ናኦሚ 3ይ ክፋል ይቅጽል
መዝሙር ዳዋት 21፡1-4
ዓወት ምስ ረኸብካ ዚቐርብ ምስጋና
ኦ እግዚአብሔር ንገሥ በቲ ዝሃብካዮ ሃይሊ ይሕጐስ፡
በቲ ዝሃብካዮ ዓወት ውን አዝዪ ደስ ይብል።
ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፡
ዝለመነካ ውን አይከላእካዮን
ብዓቢይ በረኸት ተቐበልካዮ፡
ብጽሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዘውዲ አብ ርእሱ ደፋእካሉ ፡
ሕይወት ለመነካ፡
ንስኻ ኸአ ነዊኅን ንሓዋሩ ዝጸንሕን ዕድመ ሃብካዮ አሜን ።
ሰላም ከመይ ሓዲርኩም ኣሕዋት/ኣሓት
ጽባሕ ረቡዕ 08/07/2026 ሳዓት 09 ንጎሆ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የሩሳሌም ሳዓት 09 ንጎሆ ብዛዕባ ንኮንድሽናል ቪዛ ማንጃ ፍቓድ ንኽፍቀዶም ዝጠልብ ክሲ መጋባእያ ኣሎ።
ሰባት እንተ ተሳቲፎም ጽቡቕ'ዩ፡ ነቶም ፈራዶ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ንኽርድኡ ይሕግዝ'ዩ።
ዝጥዕሞ እንተሎ ብፍላይ ቆልዑት ዘለዎም ስድራቤታት፡ የላዲም ኢም ጽራኺም ሚዩኻዲም ዝኣመሰሉ ክርከቡ ጽቡቕ እዩ።
መግለጺ መዛዘሚ ፖሮጀክት ምቁራጽ ጎንጺ መስርሕ ሰላም ናኦሚ ካላአይ ክፋል ይቅጽል
ናይ ስምምዕ ነጥብታት
1፡ ኣብ መጀመርያ እዚ መስርሕ ዝተመዘት ኣብ ባይታ ንዘጋጥሙ ሽግራት እትፈትሕ ሓይሊ ዕማም ስራሓ ክትቅጽልን ዝያዳ ሓይሊ ክዋሃባን ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣካላት ድማ ንዘጋጥሙ ተርእዮታት ኣብ ምእላይ ዕቱብን ቅልጡፍን ምትሕብባር ክገብሩ።
2 ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናብ ግጭት ዝወስዱ ትሕዝቶታት እትካታተልን እትኣልን ሓይሊ ዕማም ክትቀውም።
3፡ ንባዓላት ዝምልከት ብሕጊ መሰረት ክተሓዝ።
4፡ ብዝኾነ ምኽንያት ግጭት ምስ ዘጋጥም ንሓድሕድ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ክእረም ምግባር ካብኡ ምስ ዝሓልፍ ናብ ሕጊ ከምርሕ’ምበር ጎነጻዊ ግብረመልሲ ምሃብ ፈጺሙ ዝተኸልከለ ይኸውን ።
[6/26, 7:39 AM] berheteame1: https://youtu.be/kp_4NGNoF6k?si=9SbOM-ijILt_oS-Q
[6/26, 7:40 AM] berheteame1: ሰላም ከመይ ሓድርኹም
ናብ ኩሉ ክበጽሕ ሽር ፡ላይክ፡ ሳብስክራይብ ብምግባርኹም ነመስግን ።
ሰላም፡ ቪዛኹምም ትማሊ ብኔ ብራክ ተዓጽዩ ከሎ ዝወደቐ፡ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ብኦንላይን ክሕደሰልኩም'ዩ። ስለዚ ናብ መሐደሲ ቦታ (ንብኔ-ብራኽ) ምኻድ ኣየድልየኩምን።
ካብ ጽባሕ ሶሉስ ዕለት 09/06 ሳዓት 06፡00 ንጎሆ ጀሚሩ ብዘይካ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ከባቢታት መላእ እስራኤል ናብ ልሙድ ማዓልታዊ ንጥፈታት ክምለስ ምዃኑ እዚ ድሕረ ግንባር እስራኤል ብወግዒ ሓቢሩ።
ክሳብ ሶኑይ ዕለት 08/06/2026 ሳዓት 20፡00 ዝጸንሕ ሓዱሽ መምርሒ እዚ ድሕረ ግንባር፥
1 -ምትእኽኻብ - ኣብ ክፉት ቦታ ክሳብ 200 ሰባት፡ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ኣብ ዘለዎ ዕጹው ቦታ ክሳብ 500 ሰባት ምትእኽኻብ ይካኣል።
2- ስርዓተ ትምህርቲ - ጠቕላላ የለን።
3-ቦታ ስራሕ - ናብ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ኣብ እዋን ክበጽሑ ኣብ ዝኽእልሉ ቦታ ስራሕ ምኽፋት ይካኣል።
4-ኣደለይቲ ትካላት(ትካላት መግቢ፡ማይን መድሃኒትን) - ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ እዋን ክበጽሑ ዝኽእሉን ብመሰረት ፍቓድ እዚ ድሕረ ግንባር ጥራይ ይኸፍቱ።
https://www.knesset.tv/committees/the-internal-affairs-and-environment-committee/video/85031/
ሓበሬታ!
ሎሚ ዕለት 25/05/2026 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 12/06/2025 ንኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ዝድግፉን ኣብ መዛግብቲ ሕጊ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ከቕጽዕ ዝኽእ ገበን ዝገበሩን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ኣብዚ ውሽጢ ሓደ ዓመት ማዕረ ክንደይ ሰሪሑ ንምግምጋም ብሓጋጊት ናይቲ ምምዕርራይ ሕጊ ዝኾነት ኣባል ፓርላማ ዩልያ ሚሊቮኒስኪ ዝተመርሐ ዘተ ኣብ ንኡስ ኮሚተ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ፓርላማ እስራኤል ርክብ ተኻይዱ።
እዚ ርክብ ሓዱሽ ነገር ንምፍጣር ዝዓለመ ርክብ ብዘይምዃኑ ወከልቲ ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን ከም ወትሩ ኣብዞም ኮሚተታት ኣብ ዝግበሩ ርክባት ብኣካል ተረኺብና ድምጽና ነስምዖ፡ ኣብ ናይሎሚ ርክብ ብኣካል ተረኺብና ኣይተሳተፍናን፡ ይኹን እምበር ነቲ ኣስታት ናይ ልዕሊ ሓደ ሳዓትን ፈረቓን ርክብ ብሩሑቕ ተኻታቲልናዮ ኢና።
ትሕዝቶ ናይዚ ርክብ ኣቐዲምና ከም ዝገመትናዮ ዝኾነ ሓዱሽ ነገር የብሉን፡ ከም ዝሓለፈ ደግፍቲ ስርዓት ሃገሮም ዝኾኑ ኤርትራውያንን ገበን ዝገበሩ ስደተኛታት ክስጎጉ ኣለዎም ዝብል ጻውዒት ኮይኑ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ክህሉ ዋሳኒ ምዃኑን፡ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብዘይ ቆዋሚ ምኒስተር ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ይእለ ብምህላዉ ነዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ምውዓል ኣጸጋሚ ምዃኑን መብዛሕቲኦም ተጋባእቲ ናይዚ ርክብ ኣስሚረሙሉ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ርክብ ንምስማዕ ኣብ ቦታ ኮመንት መላግቦ ኣለኩም/ን።
ሰራሕተኛታት እንዳ ቪዛ ናይ ስራሕ ኣድማ ብምግባር መኽንያት እንዳ ቪዛ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 20/05/2026 ኣጎልጉሎት ይህብ የለን። ሰብ ኮንቶ ከይደክም በቢ ዘለናዮ ንሓብር
ሰላም ኣሕዋት፥ ሰራሕተኛታት እንዳ ቪዛ ናይ ስራሕ ኣድማ ብምግባር መኽንያት እንዳ ቪዛ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 20/05/2026 ኣጎልጉሎት ይህብ የለን። ሰብ ኮንቶ ከይደክም በቢ ዘለናዮ ንሓብር
*ኣስተውዕሉ* ኣብ ሾኻናት ሃቲክቫ ድማ ዕለት 25/05 ክግበር እዩ።
ንጽበት ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ብትግርኛ ኣብ ክልተ ቦታ፡ ብእንግሊሽ ድማ ከምኡ ክግበር ተመሪጹ። 🙏
ሰላም ኣሕዋት ኣሓት
ሎሚ ዕለት 29/4/26 ብኔ ብራክ ንኤርትራውያን ጥራይ ኣጎልጉሎት ኣይህብን እዩ፡ ትማሊ ኣብዚ ፖስት ናቶም ከም ዝብሎ ሓደ ጉጅለ ኤርትራውያን ንዋርድያ ሃሪሞሞ ይብል ኣሎ፡ በዚ መኽንያት ድማ ንኤርትራውያን ኣጎልጉሎት ኣይክህቡን እዮም።
ሓበሬታ!
ከም ዝፍለጥ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኢራን እስራኤል ዕለቱ ዝወደቐ ቪዛ ብኢንተርነት ኣይተሓደስን። ብኢንተርነት ክሕደሰሉ ዘይካኣለ መኽንያት፡ ኣብ ክሕደሰሉ ዝግበኦ ግዜ ስለዘይተሓድሰ እዩ። ብመሰረት ስምምዕ ምቋርጽ ቶኽሲ፡ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቤት ጽሕፈት ብኔ ብራክ ካብ ትማሊ ሰምበት ዕለት 12/04/2026 ጀሚሩ ናብ ንቡር ስርሑ ተመሊሱ ስለዘሎ፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ቪዛኹም ዕለቱ ዝወደቐ ካብ ሰምበት ክሳብ ሓሙስ ካብ ሳዓት 13:00 ኣብ ዝዋሃብ ኣጎልጉሎት ምሕዳስ ቪዛ ተረኺብኩም ቪዛኹም ክተሕድሱ ንላቦ።
ሙሉእ ሰላም ይግበረልና። ሆት ላይን
