ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)
Ir al canal en Telegram
*ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን* ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ) አንታይ አዩ፧ ማሓተኤ ኣብ አዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ብዝጸንሑ ኣባላት ከም መቐጸልታ ናይ ዝጽነሐ ንጥፈታቶም ዘቖምዎ ዘይመንግስታዊ ትካል አዩ።
Mostrar másEtiopía11 930La categoría no está especificada
1 072
Suscriptores
Sin datos24 horas
-47 días
-1430 días
Archivo de publicaciones
ቀዳም ዕለት 29/08 ብመኽንያት 5ይ ዓመት ማሕበርና ኣብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ተሳቲፍኩም ሓሳብኩም፡ ነቐፌታኹምን ለበዋኹምን ዝለገስኩምልና ወከልቲ ሲቭክ ማሕበራት ኮነ ፖሎቲካውያን ውዳቤታትን ውልቀ ሰባትን ብጣዕሚ ነመስግን። ካብ ርሑቕን ቀረባን ናይ ስራሕን ዕረፍትን ግዜኹም ከፊልኩም ንነዊሕ ሳዓታት ሓቢርኩምና ምውዓልኩም፡ ነቲ ብዓቕምና እነበርክቶ ንእሽቶ ኣበርክቶ ዝያዳ ክነዕብዮ ሞራል ስለዝሃብኩምና ክብሪ ይኹንኩም።
ህዝባዊ አኼባ ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ንዕለት 29/8/2026 ሳዓት 10፡30 ቅ፡ቀ
ቦታ abraham hostel tel aviv
ንዝያዳ ሓበሬታ ብቴለፎን ብወሳብ 053-682-8037.
ከም ማሕበር ካብ እነቐውም ድሮ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ናይ ሕሉፍ ስራሕና ንምግምጋምን ናይ መጻኢ መደባት ንምእማትን ምስ ህዝቢ ዘተ ክንገብር ዕለት 29/08/2026 ህዝባዊ ኣኼባ መዲብና ኣሎና። መራሕትን ኣባላትን ናይ ተወዲቡ ዘሎ ኣካል ማሕበረስብና፡ ወለንታውያን ነጠፍቲ፡ ኣካየድቲ ዝተፋላለዩ ዓባይትን ናእሽቱን ትካላትን ሰራሕተኛታት ወለንታውያንን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ህዝብና ኣጎልጉሎት ኣብ ምሃብ ዝነጥፋ ትካላትን ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ማሕበረሰብና ዘለዎም ኣወንታዊ ተራን እጃምን ብምእማን ኣብ እንገብሮ ክፉት ዘተ ብኣካል ብምስታፍ ኣበርክቶ ክትገብሩ ብኽብሪ ንዕድም።
ዛዕባ ኣኼባ - ህሉው ኩነታትን/መጻኢ መደባትን ዝጠመተ ኮይኑ፡ ሓባራዊ ዘተ ብምግባር ፍሉያት ኣረኣእያታትን ወሰንቲ ርእቶታትን ብፍላይ ድማ መፍትሕታት ንምልውዋጥ ዝዓለመ እዩ። ነብሲ ወከፍ ትካል ኮነ ውልቀ ነጣፊ ኣብ ሕውየት ሕብረተሰብና ቀሊል ዘይኮነ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእልን ማሕበርና ኣብ ንጥፈታቱ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ገይጋታት ኣሪሙ ንህዝብና ዝምጥንን ርትዓውን ኣጎልጉሎት ንምሃብ ናይ መጻኢ መደባቱ ኣብ ምስራዕ ናይ ነብሲ ወከፍ ትካል ኮነ ውልቀ ነጣፊ ሓሳብ ወሳኒ ምዃኑን ንኣምን።
📍- ስደሮት የሩሻላይም 39 ቴል ኣቪቭ ያፎ
🕒 ቀዳም ዕለት 29/08/2026 ሳዓት 10:30 ቅቀ
ንብዝሒ ተሳተፍቲ ዝምጥን ምድላዋት ንምግባር ንኽጥዕም ኩሉ ክሳተፍ ዝደሊ ውልቀ ነጣፊ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ መላግቦ ክምዝገብ ንላቦ።
https://docs.google.com/forms/d/e/1FAIpQLSeX8A3E5THyWynUmRyJW1dhtRRxD3Of_Bvh-JXP3fNu4d3hwQ/viewform
ብደሓን ምጹ
ዛዕባ
ናይ መስርሕ ሰላም ናኦሚ ሰነድ ክዝርጋሕ ከም ዘይብሉን እቲ ዝተዘርገሐ’ውን ካብ ናይ ህዝቢ ተበጻሕነት ክእለን።
ዛዕባ
ናይ መስርሕ ሰላም ናኦሚ ሰነድ ክዝርጋሕ ከም ዘይብሉን እቲ ዝተዘርገሐ’ውን ካብ ናይ ህዝቢ ተበጻሕነት ክእለን።
+1
ዛዕባ
ናይ መስርሕ ሰላም ናኦሚ ሰነድ ክዝርጋሕ ከም ዘይብሉን እቲ ዝተዘርገሐ’ውን ካብ ናይ ህዝቢ ተበጻሕነት ክእለን።
https://youtu.be/FhVx5eRcp0I?si=Zhs4hheNeNPq_TRM
♥️ናብ ኩሉ ክበጽሕ ሽር ላይክ ሳብስክራይብ ግበርዎ ♥️
ዓወት ምስ ረኸብካ ዚቐርብ ምስጋና!!
ምቁራጽ ጎንጺ መስርሕ ሰላም ናኦሚ 3ይ ክፋል ይቅጽል
መዝሙር ዳዋት 21፡1-4
ዓወት ምስ ረኸብካ ዚቐርብ ምስጋና
ኦ እግዚአብሔር ንገሥ በቲ ዝሃብካዮ ሃይሊ ይሕጐስ፡
በቲ ዝሃብካዮ ዓወት ውን አዝዪ ደስ ይብል።
ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፡
ዝለመነካ ውን አይከላእካዮን
ብዓቢይ በረኸት ተቐበልካዮ፡
ብጽሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዘውዲ አብ ርእሱ ደፋእካሉ ፡
ሕይወት ለመነካ፡
ንስኻ ኸአ ነዊኅን ንሓዋሩ ዝጸንሕን ዕድመ ሃብካዮ አሜን ።
ሰላም ከመይ ሓዲርኩም ኣሕዋት/ኣሓት
ጽባሕ ረቡዕ 08/07/2026 ሳዓት 09 ንጎሆ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ የሩሳሌም ሳዓት 09 ንጎሆ ብዛዕባ ንኮንድሽናል ቪዛ ማንጃ ፍቓድ ንኽፍቀዶም ዝጠልብ ክሲ መጋባእያ ኣሎ።
ሰባት እንተ ተሳቲፎም ጽቡቕ'ዩ፡ ነቶም ፈራዶ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ንኽርድኡ ይሕግዝ'ዩ።
ዝጥዕሞ እንተሎ ብፍላይ ቆልዑት ዘለዎም ስድራቤታት፡ የላዲም ኢም ጽራኺም ሚዩኻዲም ዝኣመሰሉ ክርከቡ ጽቡቕ እዩ።
መግለጺ መዛዘሚ ፖሮጀክት ምቁራጽ ጎንጺ መስርሕ ሰላም ናኦሚ ካላአይ ክፋል ይቅጽል
ናይ ስምምዕ ነጥብታት
1፡ ኣብ መጀመርያ እዚ መስርሕ ዝተመዘት ኣብ ባይታ ንዘጋጥሙ ሽግራት እትፈትሕ ሓይሊ ዕማም ስራሓ ክትቅጽልን ዝያዳ ሓይሊ ክዋሃባን ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣካላት ድማ ንዘጋጥሙ ተርእዮታት ኣብ ምእላይ ዕቱብን ቅልጡፍን ምትሕብባር ክገብሩ።
2 ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናብ ግጭት ዝወስዱ ትሕዝቶታት እትካታተልን እትኣልን ሓይሊ ዕማም ክትቀውም።
3፡ ንባዓላት ዝምልከት ብሕጊ መሰረት ክተሓዝ።
4፡ ብዝኾነ ምኽንያት ግጭት ምስ ዘጋጥም ንሓድሕድ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ክእረም ምግባር ካብኡ ምስ ዝሓልፍ ናብ ሕጊ ከምርሕ’ምበር ጎነጻዊ ግብረመልሲ ምሃብ ፈጺሙ ዝተኸልከለ ይኸውን ።
[6/26, 7:39 AM] berheteame1: https://youtu.be/kp_4NGNoF6k?si=9SbOM-ijILt_oS-Q
[6/26, 7:40 AM] berheteame1: ሰላም ከመይ ሓድርኹም
ናብ ኩሉ ክበጽሕ ሽር ፡ላይክ፡ ሳብስክራይብ ብምግባርኹም ነመስግን ።
