Tigray Regional Health Bureau
Open in Telegram
Official Telegram Channel of Tigray Health Bureau. Get instant health related news, events, announcements, vacancies and more...
Show more583
Subscribers
No data24 hours
+17 days
-330 days
Data loading in progress...
Similar Channels
Tags Cloud
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Incoming and Outgoing Mentions
---
---
---
---
---
---
Attracting Subscribers
June '26
June '26
+6
in 0 channels
May '26
+12
in 0 channels
Get PRO
April '26
+9
in 0 channels
Get PRO
March '26
+9
in 0 channels
Get PRO
February '26
+14
in 0 channels
Get PRO
January '26
+7
in 0 channels
Get PRO
December '25
+14
in 0 channels
Get PRO
November '25
+32
in 0 channels
Get PRO
October '25
+30
in 0 channels
Get PRO
September '25
+16
in 0 channels
Get PRO
August '25
+28
in 0 channels
Get PRO
July '25
+17
in 0 channels
Get PRO
June '25
+33
in 0 channels
Get PRO
May '25
+42
in 0 channels
Get PRO
April '25
+22
in 0 channels
Get PRO
March '25
+33
in 1 channels
Get PRO
February '25
+19
in 0 channels
Get PRO
January '25
+32
in 0 channels
Get PRO
December '24
+34
in 0 channels
Get PRO
November '24
+30
in 0 channels
Get PRO
October '24
+41
in 0 channels
Get PRO
September '24
+310
in 0 channels
| Date | Subscriber Growth | Mentions | Channels | |
| 19 June | 0 | |||
| 18 June | 0 | |||
| 17 June | 0 | |||
| 16 June | +1 | |||
| 15 June | 0 | |||
| 14 June | +1 | |||
| 13 June | 0 | |||
| 12 June | 0 | |||
| 11 June | 0 | |||
| 10 June | 0 | |||
| 09 June | 0 | |||
| 08 June | +2 | |||
| 07 June | 0 | |||
| 06 June | 0 | |||
| 05 June | +1 | |||
| 04 June | 0 | |||
| 03 June | +1 | |||
| 02 June | 0 | |||
| 01 June | 0 |
Channel Posts
+6
ሰራሕተኛታት ወረዳ ማሕበራዊ ልምዓት መበል 38 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር "ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ህላወናን ሉኣላውነትናን!" ብዝብል ቴማ 12 ሰነ 2018 ዓ.ም ፓነል ምይይጥ ኣብ ኣዳራሽ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣሳሊጦም።
ፈለማ ብመቕረብቲ (ብፓነሊስትስ) መበገሲ ፅሑፍ ዝቐረበ ኮይኑ ብተሳተፍቲ ዓሚቕ ምይይጥ ተኻይዱ ።
ኣብ መወዳእታ ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብዝምልከቶም መብርሂ ብምሃብ ክብርን ዝኽርን ሰማእታትና ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ዝዝከር ከይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ስራሕትና ንሕድሮምን ክብሮምን ዝምጥኑ ተግባራት ብምፍፃም፣ ዝወደቕሉ ዕላማ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ሓድነትና ኣስጢምና ክንረባረብ ከምዘለና ብኣፅንኦት ተሓቢሩ ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
12 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
| 2 | No text... | 22 |
| 3 | No text... | 24 |
| 4 | No text... | 28 |
| 5 | ኣመራርሓን ኣወዳድባ ሓፋሽ ማሕበራትን ብምንቕቓሕን ብምጥንኻር ሕውየት ስርዓት ጥዕና ክረጋገፅ ፃውዒት ቐርቡ።
እዚ ዝተገለፀ ፦ መደባት ጥዕና ትግራይ ንምንቕናቕ ዓሊሙ "ምጥንኻር መሪሕነትን ኣወዳድባን ንሕዉየት ስርዓት ጥዕና ትግራይ" ብዝብል ቴማ 11 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ።
ክቡር ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዚዳንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ስርዓት ጥዕና ትግራይ ኮነ ተባሂሉ በቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ከምዝዓነወን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ውዳበታት ጥዕና ክፈርሳ ከምዝተሰርሐን ብምግላፅ ሕዚ 'ውን ሕፅረት በጀት ቀንዲ ማሕንቆ ስርዓት ጥዕናና ምዃኑ ሓቢሮም።
ሕዉየት ስርዓት ጥዕና ትግራይ ብዝተማልአ መንገዲ ንምርግጋፅ ብመሰረት ብሕገ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ዝተመለሰ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ኩሎም ውዳበታት መንግስቲ፣ ውድብ፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ተሳትፎ ሕ/ሰብን ብምጥንኻር ፍልፍል እቶትና ምድንፋዕን ዓርሰ-ምርኮሳና ምርግጋፅ ከምዘድሊ ገሊፆም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁ ብወገኖም ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብዙሓት ብዶሆታት ተፃዊሩ ምስ መሓዙት ልምዓት ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ከምዘሳለጠን ብፍላይ ድማ ኣብ ፅገናን ምስፍሕፋሕን ትካላት ጥዕና፣ ምምላእ ናውቲ ሕክምናን ቀረብ ኣፋዋውስን፣ምምሕያሽ ስርዓት ሓበሬታ ጥዕናን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባት፣ምምላእ ኣምቡላንሳት፣ ምምላእ ሰብ-ሞያን ምምሕያሽ ግልጋሎት ጥዕናን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።
ዛጊድ ኣብ ዝተረኸቡ ዓወታት ግደ ሓገዝትን መድረግቲ ኣካላት ልዑል ምዃኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ፀጋይ ፣ ኩሎም ፀገማት ተፃዊሮም ለይትን ቀትርን ህዝቦም ኣብ ምግልጋል ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ከምዝግብኦም ሓቢሮም።
መደባት ጥዕና ምዕዋት ዝከኣል ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣወዳድባ (ብፍላይ ጉጅለ ልምዓት ደቂ ኣነስትዮ) ምትዕርራይ ከምዘድሊ ዝተገለፀ ኮይኑ ነዙይ ድማ ብዋናነት ናይ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ሓላፍነት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ኩለን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለዋ ውዳበታት ብምጥንኻር ብዝተናበበ መንገዲ ስራሕቲ ምክልኻል ሕማማት ዝያዳ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኩሉ በቢ ደረጅኡ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ ምንቕናቕ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ፕረዝደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይይ ሓዊሱ ፣ኣባላት ካቢኔ ክልልና፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ፣ኣመሓደርቲ ዞቦታት፣ወረዳታትን ከንቲባታትን፣ ሓለፊቲ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳታት፣ኣመራርሓ ሆስፒታላት፣ኣመራርሓ ማሕበራትን ካልኦት ዝምልከቶም መድረጊቲ ኣካላትን ተረኺቦም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
11 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 71 |
| 6 | No text... | 139 |
| 7 | No text... | 131 |
| 8 | No text... | 113 |
| 9 | ሰብ ሞያ ሚድያን ኪነ-ጥበብን ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝጀመርዎም ስራሕቲ ብዝተወደበን ብዝተጠናኸረን መንገዲ ከቐፅልዎ ፃውዒት ቀሪቡ።
እዚ ፃውዒት ዝቐረበ ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤድስ ትግራይ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ሚድያ ፎሮም እዩ።
ኣፍቲ መድረኽ ፣ሰብ ሞያ ሚድያ ጋዜጠኛታት፣ኣክቲቪስት፣ ደረስቲ፣ቲክቶከራት፣ባህሊ ትግራይ፣ፖሊስ ኦርኬስትራ፣ተዋሳእትን ሙዚቀኛታትን ፣ሰብ ሞያ ርክብ ህዝብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
ነቲ መድረኽ ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ኣይተ ዝናቡ ንጉስ ዝኸፈቱ እንትኾን ሰብ ሞያ ሚድያን ኪነ-ጥበብን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ዝጀመርዎም ስራሕቲ ከምዘለውን ብዝተወደበን ተናበበን ብሓባር ሚድያ ፎረም ኣቢሎም ክሰርሑ ከምዝግበኦም ሓቢሮም።
ቢሮ ጥዕና ነዚ መደብ ንምዕዋት ዓሊሙ እዚ መድረኽ ከምዘዳለወ ብምሕባር መዳርግቲ ኣካላት ድማ ካብ ሕሉፍ ተሞክረኦም ተበግሶኦምን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ህዝቢ ዝባራዕ ዘሎ ለበዳ ኤችኣይቪ ንምዕጋት ማሕበራዊ ሓላፊነቶም ክዋፀኡ ፀዊዖሞ።
ህልዊ ኩነታት ዝርገሐ ኤችኣይቪ ትግራይን ኣድላይነት ምጥያሽ ሚድያ ፈሮም ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቁፅፃር ኤችኣይቭን ኣመልኪቶም ክኢላ እቲ ዓውዲ ኣይተ ኣብረሃም ወልዱ ፤ውፅኢት መፅናዕቲ 45 ትካላት ጥዕና ኬዝ ቤዝ ሰርቪላንስ ትግራይ ኣይተ ደመወዝ ክፍለ፣ስራሕቲ ባህሊ ትግራይ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ኣይተ ገብረማርያም መብራህቱ፣ኣይተ ሶፋንያስ ከበደ ስራሕቲ ራኢ ብተግባር ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ፣ኣይተ ሙልጌታ ተስፋሁነይ ስራሕቲ ኔላዊ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ተምክሮኦምን ኣቕሪቦም።
ተሳተፍቲ ንዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ጌሮም ብጉጅለ ተመቒሎም ክመያየጡን ተሞክሮኦም ክለዋወጡን ተገይሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ብቐፃሊ ኣብ ስራሕቲ ኩለመዳይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ዝነጥፍ ሚድያ ፎረም ኣጣይሾም። ብቐፃሊ ዝሐሸ ሓባራዊ ስራሕ ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
06 ሰነ 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 112 |
| 10 | No text... | 201 |
| 11 | መልእኽቲ ጥዕና!
ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ ፀባ ጡብ ኣዶ ጥራሕ ክምገቡ ይግባእ።
ስርዓት ኣመጋግባ ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ
👉 ህፃን ምስተወለደ ሽዑ ንሽዑ (ዋላ ቅድሚ መዳሕንቲ ምውፅኡ) ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ልግዐ ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ።
👉 ልግዐ ብሰብ ስራሕ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ንጥረ ነገር ዘለዎ ብምዃኑ፤ ንህፃን ልግዐ ምጥባዉ ዘይትካእ ተፈጥራዊ ክታበት ክረክብ የኽእሎ፣ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት የጎልብት፣ ከብዱ ይልስልስ ፣ ፍታኑ ብቐሊሉ ክወፀሉ ይገብር፣
👉 እታ ኣዶ ልግዐ ንቲ ህፃን ኣብ እተጥበሉ እዋን ፀባ ጡብ ቀልጢፉ ይወፅእ፣ መዳሕንቲ ተሎ ንክወፅእን ናይ ማህፀን መድመይቲ ንከይህሉን ይሕግዛ።
👉 ህፃን ክሳብ ሽዱሽተ(6) ወርሒ ዕድመ ዝመልኦ ፀባ ጡብ ጥራይ ክምገብ ኣለዎ። ዋላ ማይ ይኹን ክወሃብ የብሉን።
👉ብበዓል ሞያ ጥዕና እንተዘይተኣዚዙ ዝኾነ መድሓኒት ኽወስድ የቡሉን።
👉 ህፃን ጡብ ኣብ ዝደለየሉ ግዘ ክጠቡ ይግባእ። (በቢ ክልተ(2) ሰዓት ኣፈላላይ) ኣብ መዓልቲ ማለት እዉን ቀትርን ለይትን ሓዊሱ ካብ 10 ክሳብ 12 ግዜ ክጠቡ ይግባእ።
👉 ኣብ ዝጠቦሉ ግዜ ሓደ ጡብ ተፀንቂቑ ክሳብ ዝውዳእ ምሃብ፣ ምኽንያቱ ኣብ መጀመርታ ምጥባዉ ዝረኽቦ ቀጢን ፀባ ንማይ ፃምእ ዘርዊ ብምዃኑ ደድሕሪኡ ዝረኽቦ ፀባ ግና ሓፊስን ብንጥረ ነገር ዝማዕበለን ብምዃኑ ንምግብነት ዘገልግል እዩ። እዚ ብምግባር ህፃን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ስሉጥ ኣካላዊ ዕቤት ክህልዎን የኽእሎ።
👉 ጡብ ኣብ እነጥብወሉ እዋን ድማ ነቲ ህፃን ብትኽክል ምሑቛፍናን ነቲ ጡብ ብዝግባእ ሙሉእ ብሙሉእ ምኹላሱ ነረጋግፅ።እዚ ብምርግጋፅና ዉላድና እኹል ፀባ ጡብ ክረክብ ይሕግዞ/ዛ።ነታ ኣደ እዉን ቃንዛ ይቕንሰላ።
ጥቡቅ መዘኻኸሪ
👉 ዉላድና እንተሓሚሙ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ብተደጋጋሚ እናጥበዉና ናብ ሕክምና ምውሳድን
👉 ኣዴታት ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዘለሉ እዋን ብዝኸኣለኦ ምግቢ እናተመገባ ንደቀን ምጡባብ ከቋርፃ የብለንን
👉 ኣዴታት ጡበይ ፀባ የቡሉን ወይ ድማ ኣቡይኒ ፀባ ምዉፃእ ኢለን ጠጠዉ ከብላ ኣይግባእን፣
🌼ፀባ ጡብ ኣዶ ብምግቢ ክትካእ ዘይኽእል ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝከላኸልን ህፃናት ዝተስተኻኸለ ዕቤት ህፃን ክህልዎም ዝገብር እዩ።
ብምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዝተዳለወ
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 225 |
| 12 | ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ንነበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ናይ ምፍናው ስርዓት ተሳሊጡ።
28 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ምፍናው ስርዓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ጥዕና፣ኣመራርሓ ኣብ ጥዕና ዝነጥፉ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ኣብ ገበርቲ ሰናያት ዝሰርሑ ሰብ ሞያን ዝተዳለወ ሽልማትን መዘከርታ ህያብን ብኢድ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ተወከልቲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዶ/ር በላይ ተስፋሁነይን ንዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ተበርኪቱ።
ደ/ር ኣማኑኤል ንዝነበሮም ፃንሒት 4 ዓመት ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ብዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ዶ/ር በላይ ተስፋሁን ቀሪቡ።
ዶ/ር ኣማኑኤል ብወገኖም ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስርዓት ኣመስጊኖም።
ስራሕቲ ጥዕና ትግራይ ተጠናኺሩ ክኸድን ካብዘለዎ ፀገም መሊኡ ክወፅእ ኣብ መሓውር ጥዕና ዘሎ ኩሉ በዓልሞያ ኣብ ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሑ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ከምቲ ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፍ ሐዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮሞ ክኸዱን ኣብ ጎኒ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮይኖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑን ፀዊዖም።
ብወገኖም ካብኦም ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልውነቶም ገሊፆም።
ነቲ ሓዱሽ አመራርሓ ምስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትን ምዝሕሓል ደገፍ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝኸበደ ሓላፍነት ከምዝፅበዮ ተረዲኡ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን ዓቕምታቱ ብምውዳብን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብምልባው ሰናይ ስራሕ ዘመን ክኾን ተመንዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et | 141 |
| 13 | No text... | 162 |
| 14 | ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ንነበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ናይ ምፍናው ስርዓት ተሳሊጡ።
28 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ምፍናው ስርዓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ጥዕና፣ኣመራርሓ ኣብ ጥዕና ዝነጥፉ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ኣብ ገበርቲ ሰናያት ዝሰርሑ ሰብ ሞያን ዝተዳለወ ሽልማትን መዘከርታ ህያብን ብኢድ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ተወከልቲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዶ/ር በላይ ተስፋሁነይን ንዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ተበርኪቱ።
ደ/ር ኣማኑኤል ንዝነበሮም ፃንሒት 4 ዓመት ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ብዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ዶ/ር በላይ ተስፋሁን ቀሪቡ።
ዶ/ር ኣማኑኤል ብወገኖም ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስርዓት ኣመስጊኖም።
ስራሕቲ ጥዕና ትግራይ ተጠናኺሩ ክኸድን ካብዘለዎ ፀገም መሊኡ ክወፅእ ኣብ መሓውር ጥዕና ዘሎ ኩሉ በዓልሞያ ኣብ ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሑ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ከምቲ ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፍ ሐዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮሞ ክኸዱን ኣብ ጎኒ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮይኖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑን ፀዊዖም።
ብወገኖም ካብኦም ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልውነቶም ገሊፆም።
ነቲ ሓዱሽ አመራርሓ ምስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትን ምዝሕሓል ደገፍ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝኸበደ ሓላፍነት ከምዝፅበዮ ተረዲኡ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን ዓቕምታቱ ብምውዳብን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብምልባው ሰናይ ስራሕ ዘመን ክኾን ተመንዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et | 133 |
| 15 | ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣብ ክላስተር ኒቱሪሽን ምስ ዝሰርሑ መድረግቲ ትካላት 27 ግንቦት 2018 ዓ/ም ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ኣሳሊጡ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁ ኣፍቲ መድረኽ ምኽክር ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እቲ መድረኽ ሓባራዊ ስራሕቲ ናይ ምፍላጥ ፣መድርግቲ ኣካላት ንዝሰርሕዎ ስራሕቲ ንምምስጋንን ቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘለና ተበግሶ ንምግላፅ ዝዓለመ እዩ።
ገበርቲ ሰናይ ትካላት ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኣወዳድባ ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ሓይሊ ሰብ፣ፋይናንሻልን ብዓይነትን ዝገብርዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ፀዊዖም።
ዶ/ር ፀጋይ ዝመፅእ ሓገዝ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ስርዓት ቁፅፅርን ተሓታትነትን ዘጠናኽር ደገፍን ክትትልን ክግበር ይግባእ ኢሎም።
ስራሕ ኒትሩሽን ክቕፅል ስለዘለዎ እቲ ዝነበረ ተሳትፎ ተጠናኺሩ ክኸድ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ካብኡ ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልው ምዃኑ ብምፍላጥ ሓቢሮም ክሰርሑ ፀዊዖም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
27 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 145 |
| 16 | ዕድል ትምህርቲ | 138 |
| 17 | ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ነባርን ሓዱሽን ሓለፍቲ ርኽክብ ስራሕ ኣሳሊጡ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
26 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 162 |
| 18 | መልእኽቲ ጥዕና!
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ምጥቃም
ካብ ብዙሓት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይከላኸል።
👉 ዝተመሓየሸ ሽቓቕ እንትበሃል ፅሩይን ተሓፂቡ ክፀሪ ዝኽእልን፣ ሃመማን ካልኦት እንስሳት ብቐሊሉ ከይኣትዉን ከይወፁእን ዝገብር ግጡም መኽደን ዘለዎ ኮይኑ፣ ከባቢ ዘይብክልን ናይ ወዲ ሰብ ክብርን ነፃነትን ብዘረጋግፅ መንገዲ ዝተሰርሐን ማለት እዩ፡፡
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ እንትበሃል ሰባት ኣብ ዝደለይሉ እዋን ኽጥቀምሉ ዝኽእሉ ናይ ድሕንነት ፀገም ዘይብሉ ፅኑዕ ኽፈርስ ዘይኽእል እንትኸዉን እዩ።
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ክንብል ከለና ምስ ፍታን ክህሉ ዝኽእል ምንኽኻእ ንምዉጋድ ዝሕግዝ ኢድ መሕፀቢ ምስ ሳሙና እንትህልዎ እዩ ።
እዙይ ድማ ልክዕ ሽቓቕ ምስ ተጠቐምና ኢድና ብሳሙና ብምዕፋር ተሓፂብና ታህዋስ መምፃእቲ ሕማማት ንምዉጋድ የኽእል።
👉 ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ከይዲ ኣጠቓቕማ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ
✅ ንስድራ እኹል ዝኾነ፣ ዝተኸለለ፣ ዝሕፀብ፣ ማይ ቐረብ ዘለዎ ሰሪሕኻ ብኣግባቡ ምጥቓም
✅ ኩሉ ግዜ ኣብ ሽቓቕ ብምጥቃም ከባቢናን መንበሪ ገዛናን ካብ ሃመማን ርስሓትን ነፃ ምግባር፡፡
✅ ህፃውንቲ ካብ ሽቓቕ ወፃኢ ኣብ ደገ እንትፍትኑ ፀሪግና ናብ ሽቓቕ ምውጋድ።
✅ ድሕሪ ሽቓቕ መልሲ ኩሉ ግዜ ኢድና ብዝግባእ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ
✅ ከባቢና ምስ ኣፅረና ኩሉ ግዜ ኢድና ብማይን ሳሙናን ብዝግባእ ንተሓፀብ፡፡
ጥቕሚ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ
🥇 ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ማለት እዉን፣ ካብ ሕማም ኮሌራ፣ ኣሜባ፣ ጃርዲያ፣ ታይፎይድ፣ ፖሊዮ፣ ብልሃርዝያ፣ ትራኮማን ኒሞንያን ዝኣመሰሉ ልዕሊ 15 ዓይነት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምክልኻል ይከኣል ።
🥈ፅሩይ ኸባቢ ንምንባሩ ምዕሩይ፣ ንኣጠቓቕሙ ምዕሩይ ብምዃኑ ብናፅነት ክንጥቀምን ካብ ዘይተደለየ ምዕቃብን ቃንዛን ንቕንስ። በዚ ስዒቦም ዝመፁ ዝነበሩ ሕማማት ምክልኻል ንኽእል ።
🥉ናብ ሕክምና ኸይድና ነዉፀኦ ወፃኢ ነትርፍ፣ ንሞት ተቓላዓይነት ንቕንስ፣ ሓሚምና ነሕልፎ ቓንዛ ነዉግድ፣ ኣብ ሕክምና ነሕልፎ ግዜ ናይ ባዕልና ክንክን ዝገብሩ ስድራን ናብ ግዜ መፍረያይነት ይድመር፣
ብሕማም ካብ ትምህርቲ ምትራፍ ምቕናስ ንኽእል ።
💡 ብሓፈሻ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ምህላዉ ክብሩን፣ ጥዕንኡን ዝተሓለወ ሕጉስ ስድራ ክህልወና ይሕግዝ።
ብከይደዲ ስራሕ ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዝተዳለወ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
21 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm | 226 |
| 19 | No text... | 168 |
| 20 | No text... | 166 |
Available now! Telegram Research 2025 — the year's key insights 
