fa
Feedback
ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

رفتن به کانال در Telegram

*ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን* ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ) አንታይ አዩ፧ ማሓተኤ ኣብ አዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ብዝጸንሑ ኣባላት ከም መቐጸልታ ናይ ዝጽነሐ ንጥፈታቶም ዘቖምዎ ዘይመንግስታዊ ትካል አዩ።

نمایش بیشتر
أثيوبيا12 203دسته بندی مشخص نشده است
1 116
مشترکین
-224 ساعت
-47 روز
-1530 روز
آرشیو پست ها
ሓበሬታ! ብዛዕባ እንዳ ቪዛ ትሓቱ ዘለኹም፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ክሳብ ሶኑይ ዕለት 02/03/2026 ሳዓት 20፡00 ክሳብ ዘይተቐይረ እንዳ ቪዛ ኣይሰርሕን'ዩ። ኣብ ኩሉ ክበጽሕ ኣብዝሑዎ።

ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ምስ አባላት ማሕበር ሓድሽ ተስፋ שמורת נחל חרמון

ናይ ምዝንጋዕ ግዜ አባላት ማሕበር ሓድሽ ተስፋ שמורת נחל חרמון

ናይ ካናዳ ኮነ ናብ ካልእ ሃገር በረራ ዝነበሮም ንሎሚ ካብ ኣየር ፖርት ዝተመልስሉ መኽንያት ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ኣብ ናይ ስራሕ ኣድማ ስለዘለዉ እዩ። ኣድማ ምስ ተወደአ ባዕሎም ክድውሉሎም እዮም። ንዛሓተትኹም ከምዚ መልሱሎም።

ሎሚ ዕለት 02/12/2025 ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ብንጡፍ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስቪካውያን ማሕበራትን እስራኤል ብፕረሲደንት እስራኤል ብልጫ ናይ ምሃብ ጽምብል ኣብ
ሎሚ ዕለት 02/12/2025 ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ብንጡፍ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስቪካውያን ማሕበራትን እስራኤል ብፕረሲደንት እስራኤል ብልጫ ናይ ምሃብ ጽምብል ኣብ ቤት ፕረሲደንት እስራኤል ተኻይዱ። ሆት ላይን ምቅላስ ኣንጻር ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕላማታቶም ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐት ተዋሂቦም እዮም። ኣባልናን ሓውና ሓው ክብሮም ተወልደ ኣብ ሆት ላይን ናይ’ዚ ዓምዲ እዚ ከም ኣላዪ ብምዃን ኣብ ዝተፋላለየ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት እንዳ ኸደ ኣስተምህሮ ብምሃብ ዝሰርሕ ኮይኑ ሎሚ ኣብ ዝዋዓለ ጽምብል ተሳቲፉ። ንኹሎም ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ዝቃለሱ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ብፍላይ ድማ ንኹሎም ኣባላት ሆት ላይን ንመስግን።

ትማሊ ዕለት 25/11/2025 መቐጸልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ንኡስ ኮሚተ መንእሰያት ብዕለት 19/11/2025 ኣብ ምስላዕ ገለ ክፋል ባጀት መዋእለ ህጻናት ዩኒታፍ ዝተኮረ ብኣደ ወንበር ንኡስ ኮሚተ መንእሰያት ኣብል ፓርላማ ናኣማ ላዚሚ ዝተመርሐ ዑዉትን ተስፋ ዝህብን ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ ዘተ ኩለን ዝምልከተን ትካላት መንግስቲ ማለት ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ካልኦትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደ ወንበር ኮሚተ ዝተዋህቦም ዕዮ ድሮ ኣብ ግብሪ ከውዕሉዎ ጀሚሮምስ ድሮ ምኒስትሪ ሰብኣዊ ድሕነት ገለ ክፋሊ ናይቲ ባጃት ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ክስልዕ ከም ዝወሰነን ተሓቦሩ። በዚ መሰረት ኣደ ወንበር ኮነ ካሎኦት ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብዚ ዘተ ንኹሎም ወከልቲ መንግስታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ንምኒስትሪ ሰብኣዊ ድሕነት ትሕቲ ዕድመ 3 ዝኾኑ ህጻናት መውዓሊ ህጻናት ስኢኖም ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቁ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ኣመስጊምኖም። ዩኒታፍ - ትሕተ 3 ዓመት መውዓሊ ህጻናት ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ክቡር ክሳብ 5 ሽሕ ሸክል ክበጽሕ ዝኽእል ብምዃኑ’ዩ መንግስቲ ንወለዲ ሓተቲ ዑቕባን ወረቐት ኣልቦ ስደተኛታትን ብሕሱር ዋጋ ዘገልግል #ዩኒታፍ ዝባሃል ሞዴል መውዓሊ ህጻናት ብኸፊል ክምውል ወሲኑ። #ዩኒታፍ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝጀመረ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቴል ኣቪቭ ጥራይ ኣጎልጉሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብ ከም ኤላት፡ሮኾቮትን ካሎኦት ከተማታትን እውን ውሕስነት ዘለዎም መዋእለ ህጻናት ከፊቱ ይርከብ። ኣደ ወንበር ኮሚተ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ቅጽበታዊ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ክፍታሕ ብምኽኣሉ ብምምስጋን ሓዱሽን ዝተማሓየሸን ውስኔ መንግስቲ ንምሕላፍ ኣብ መጀመርያ 2026 ናይ ዘተ መደብ ከም እትሰርዕ ቃል ኣትያ። ንኹለን ሽግር ሕብረተሰብና ኣብ ምፍታ

Eritrean Newhope is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Topic: *ትምህርቲ ምክልኻል ሕማም ሽኮር ይኻአል'ዶ ? ብዶ/ኦሮን( ד"ר אורן) ካብ ሎኦሚት
Eritrean Newhope is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Topic: *ትምህርቲ ምክልኻል ሕማም ሽኮር ይኻአል'ዶ ? ብዶ/ኦሮን( ד"ר אורן) ካብ ሎኦሚት መድሕን ጥዕና ንዕለት 14/11/2025 ሳዓት 8፡00 ምሸት ዙም !!!* Time: Nov 14, 2025 20:00 Jerusalem Join Zoom Meeting https://us06web.zoom.us/j/84587682434?pwd=GKfDW4q5VRNl1xaJECuBqCgMiOtsMJ.1 Meeting ID: 845 8768 2434 Passcode: 743082 --- One tap mobile +13863475053,,84587682434#,,,,*743082# US +15074734847,,84587682434#,,,,*743082# US Join instructions https://us06web.zoom.us/meetings/84587682434/invitations?signature=ni5__Fe4B0L1TO3K6ZXxKBBQavp3EPDzQ46QtT-XlF4

*መድሕን ጥዕና ሎኦሚት*

30/09/2025 שימו לב, על פי הודעת רשות האוכלוסין ביום ראשון, 5.10.2025, לא תתקיים קבלת קהל בכלל יחידות רשות האוכלוסין וההגירה ברחבי הארץ. שזה אומר מתקן בני ברק סגור. ኣስተውዕሉ ሰምበት ዕለት 05/10/2025 ኣብ መላእ እስራኤል ዝርከቡ ጨንፈራት ኢሚግረሽን ንህዝባዊ ኣጎልጉሎት ዕጹዋት እዮም፡ እዚ ማለት ቪዛ ዝሕደሰሉ ብኔ ብራክ ኮነ ኤላት እውን ዕጹው እዩ ማለት እዩ። Notice: The Population and Immigration Authority has announced that on Sunday, October 5, 2025, all its offices across the country will be closed to the public. Accordingly, the Bnei Brak facility will remain closed. إنتبه وفقًا لإعلان سلطة السكان والهجرة، يوم الأحد الموافق 5 أكتوبر 2025، لن يكون هناك استقبال للجمهور في جميع مكاتب السلطة في أنحاء البلاد. وهذا يعني أن مركز بني براك سيكون مغلقًا. እባክዎን ያስተውሉ, ኢሚግሬሽን ባወጣው መግለጫ መሰረት እሁድ ጥቅምት 5 ቀን 2025 በመላ ሀገሪቱ በሚገኙ የኢሚግረሽን ቢሮዎች ህዝባዊ አቀባበል አይደረግም። ይህ ማለት ቪዛ ምታደስበት ብኔብራክም ዝግ ኖው ማለት ነው።

*❗ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፡ ታሪኻዊ ውሳኔ ። ፈላሊኻን/ኣድልዎ ገይርካ ምምሃር ጌጋ ምኻኑን፡ ደው ክብልን ወሲኑ !* ኣብ ተልኣቪቭ-ጃፋ ፡ ሓተቲ ዑቕባ ወለዲ ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣንጻር እቲ መዓልታዊ
*❗ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፡ ታሪኻዊ ውሳኔ ። ፈላሊኻን/ኣድልዎ ገይርካ ምምሃር ጌጋ ምኻኑን፡ ደው ክብልን ወሲኑ !* ኣብ ተልኣቪቭ-ጃፋ ፡ ሓተቲ ዑቕባ ወለዲ ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣንጻር እቲ መዓልታዊ ንደቆም ዝፈላልይን ዘዋርድን ፖሊሲ ትምህርቲ ምፍልላይ ተቃሊሶሞ። ከምኡ ዝገበሩ ድማ ኩሎም ቈልዑ ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ዝብል ዓሚቝ እምነት ተበጊሶም እዮም። ናይ ሎሚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣገዳሲ እዩ። ንህጻናት ፈላሊኻን ኣድልዎ ጌይርካን ምምሃር ጌጋ ምኻኑ ንምርዳእ ሽዱሽተ ዓመት ምጽባይ ፍጹም ኣድላዪ ኣይነበረን። እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ከሙኡ'ውን ምምሕዳር ተልኣቪቭን ዝጠልቦ፡ ምፍላይ ኮነ ኣድልዎ ደው ከብል፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ንምፍላላይ/ኣድለዎን ቦታ ዝህባ ክዕጽዋ፡ ንኹሉ ማዕረ ኣገልጉሎት ትምህርቲ ክህብ ነቲ ሚ/ትምህርትን ምምሕዳርን ጠሊቡ ኣሎ። እዚ መስርሕ ንኽትግበር፡ ዓመታት እውን ከይተረፈ ክወስድ ይኽእል እዩ፣ ስለዚ ገና ብዙሕ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ግን ደው ክብል ኣብ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ምብጻሕና፡ ንኹልና ዘሕብንን፡ ሓቂ ከም እትዕወት ዘዛኻኽርን እዩ። ንተወሳኺ ንባብ ብዛዕባ ውሳነን ቃልስን ኣብ ጋዜጣ ሃረዝ>> Haaretz. https://www.haaretz.co.il/news/education/2025-09-16/ty-article/.premium/00000199-5380-d184-afff-77b08e0a0000?fbclid=IwZXh0bgNhZW0CMTEAAR7NJaUgM8gOkTi4NuW1r_rjJ6SHW7AB8NCc

*❗ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ፡ ታሪኻዊ ውሳኔ ። ፈላሊኻን/ኣድልዎ ገይርካ ምምሃር ጌጋ ምኻኑን፡ ደው ክብልን ወሲኑ !* ኣብ ተልኣቪቭ-ጃፋ ፡ ሓተቲ ዑቕባ ወለዲ ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣንጻር እቲ መዓልታዊ ንደቆም ዝፈላልይን ዘዋርድን ፖሊሲ ትምህርቲ ምፍልላይ ተቃሊሶሞ። ከምኡ ዝገበሩ ድማ ኩሎም ቈልዑ ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ዝብል ዓሚቝ እምነት ተበጊሶም እዮም። ናይ ሎሚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣገዳሲ እዩ። ንህጻናት ፈላሊኻን ኣድልዎ ጌይርካን ምምሃር ጌጋ ምኻኑ ንምርዳእ ሽዱሽተ ዓመት ምጽባይ ፍጹም ኣድላዪ ኣይነበረን። እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ከሙኡ'ውን ምምሕዳር ተልኣቪቭን ዝጠልቦ፡ ምፍላይ ኮነ ኣድልዎ ደው ከብል፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ንምፍላላይ/ኣድለዎን ቦታ ዝህባ ክዕጽዋ፡ ንኹሉ ማዕረ ኣገልጉሎት ትምህርቲ ክህብ ነቲ ሚ/ትምህርትን ምምሕዳርን ጠሊቡ ኣሎ። እዚ መስርሕ ንኽትግበር፡ ዓመታት እውን ከይተረፈ ክወስድ ይኽእል እዩ፣ ስለዚ ገና ብዙሕ ክንገብሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ግን ደው ክብል ኣብ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ምብጻሕና፡ ንኹልና ዘሕብንን፡ ሓቂ ከም እትዕወት ዘዛኻኽርን እዩ። ንተወሳኺ ንባብ ብዛዕባ ውሳነን ቃልስን ኣብ ጋዜጣ ሃረዝ>> Haaretz. https://www.haaretz.co.il/news/education/2025-09-16/ty-article/.premium/00000199-5380-d184-afff-77b08e0a0000?fbclid=IwZXh0bgNhZW0CMTEAAR7NJaUgM8gOkTi4NuW1r_rjJ6SHW7AB8NCc

ትማሊ ዕለት 16/09/2025 ኣባላት ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ  ንስደተኛታት ዘተኾሩ ጉዳያት  አብ  ፓርላማ እስራኤል   ተሳቲፎም። መታሓሳሰቢ - እዚ ናይ ሎሚ ዘተ ንዓና ከም ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ጽላል እንርከብ ሓተትቲ ዑቕባ ብቐጥታ ዝጸሉ እኳ እንተዝየኮነ ኣብ ቀጻሊ ንኸይጥቀምሉ ንምክትታልን ድምጽና ንምስማዕን ኢና ክንሳተፍ መሪጽና።

ሎሚ ዕለት 16/09/2025 ኣባላት ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኣብ ክልተ ንስደተኛታት ዘተኮሩ ጉዳያት ተሳቲፎም። 1- ኣንጻር ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ንደቂ ስደተኛታት ጥራይ ናይ በይኖም ቤት ትምህርቲ ምኽፋ
+1
ሎሚ ዕለት 16/09/2025 ኣባላት ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኣብ ክልተ ንስደተኛታት ዘተኮሩ ጉዳያት ተሳቲፎም። 1- ኣንጻር ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ንደቂ ስደተኛታት ጥራይ ናይ በይኖም ቤት ትምህርቲ ምኽፋት(Segregation) ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብግዱሳት ወለዲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ዝቐረበ ክሲ ሎሚ ንጉሆ መጋባእያ ነይሩ። ኣብቲ መጋባእያ ዝዋዓለ ነቲ ክሲ ዝመስረቱ ወለድን ትካላትን ብጽፉፍ ኣብ ዝሓበርሉ ናባኹም ክነብሎ ኢና። ጾሚቕካ ክረአ ከሎ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ፓይሎት(ፈተነ) ምምዳብ ደቂ ስደተኛታት ናብ ኣብ ማእከልን ሰሜንን ቴል ኣቪቭ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ጥሪ ክቕጽልን ውጽኢቱ ተራእዩ ድማ ምምሕዳር ከተማ ቴል ኣቪቭ ውሳኔኣ ናብ ቤት ፍርዲ ክተቕርብን እያ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምምሕዳር ከተማ ቴል ኣቪቭ ቅኑዕ ውሳኔ ክትውስንን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣፋላላይ ከይትገብርን ተላብዩ። 2- ኣብ ኮሚተ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ፓርላም እስራኤል ንስራሕ ኢሎም ዝመጹ እሞ ኣብ እስራኤል ምስ መጹ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕቦኦም ብቑልጡፍ መስርሕ ንምምላስ ዘኽእል ሕጊ ንምሕላፍ ንዜጋታተን ውሑሳት ሃገራት እየን ዝተባህላ ሃገራት ንምጽዳቕ ዘትዩ፡ ኣብቲ ዘተ ማላዊ ብወግዒ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ጸዲቑ፡ ህንዲ፡ ጋና፡ ስሪላንካን ኬንያን ድማ ብወግዒ ውሕሳት ከም ዝኾና ንምጽዳቕ ሓበሬታ ኣብ ምትእኽኻብ ይርከቡ። #መታሓሳሰቢ - እዚ ናይ ሎሚ ዘተ ንዓና ከም ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ጽላል እንርከብ ሓተትቲ ዑቕባ ብቐጥታ ዝጸሉ እኳ እንተዝየኮነ ኣብ ቀጻሊ ንኸይጥቀምሉ ንምክትታልን ድምጽና ንምስማዕን ኢና ክንሳተፍ መሪጽና። ንግዜኡ ብጠቕላላ ናዓና ዝምልከት ከም ዘይኮነ ኩሉ ሰብ ክፈልጥ ይግባእ። ብሩኽ ማዓልቲ!