ch
Feedback
ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

ማሓበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ)

前往频道在 Telegram

*ማሕበር ሓድሽ ተስፋ ኤርትራውያን* ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን (ማሓተኤ) አንታይ አዩ፧ ማሓተኤ ኣብ አዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ንሕብረተሰቦም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ብዝጸንሑ ኣባላት ከም መቐጸልታ ናይ ዝጽነሐ ንጥፈታቶም ዘቖምዎ ዘይመንግስታዊ ትካል አዩ።

显示更多
埃塞俄比亚12 142未指定类别
1 101
订阅者
-124 小时
-97
-2030
帖子存档
#ሓበሬታ! ንካናዳ ኮነ ናብ ካለኦት ሃገራት በረራ ነይሩኩም እሞ ብሰንኪ ህሉው ኩነታት በረራኹም ዝተቛረጸን ብሕጂ በረራ ዘለኩምን ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ ናብ እስራኤል ዝግበር ስሩዕ በረራ ክሳብ ናብ ንቡር ዝምለስን ሓዱሽ ሓበሬታ ዝዋሃብን ኩሉ በረራ ተቛሪጹ ኣሎ። ብዛዕባ ሓዱሽ ዕለት በረራ ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ንነብሲ ወከፍኩም ክድውሉልኩም እዮም። እንዳ ቪዛ ክሳብ 14/03 ዕጹው ምዃኑ ኣዊጆም ኣለዉ፡ ይኹን እምበር መምርሒ እዚ ድሕረ ግንባር ክሳብ ዘይተቐየረ ዝምጽእ ዘሎ ሶሙን እውን ዘይክኸፍቱ ተኽእሎ ኣሎ። ሓበሬታ ኣብ ዝረኸብናሉ ናባኹም ክነብሎ ኢና። *ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን*

האגף לסיוע ליציאה מרצון | רשות האוכלוסין וההגירה https://www.gov.il/he/departments/units/repatriation_unit

ኣሁድ ወለንታዊ ምምላስ ኢሚግረሽን ብዕለት 24/02/2026 ከም ዘውጹዎ ሓበሬታ መሰረት ብሲናይ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ብኸምዚ ዝስዕብ ምስ ዝወጹ፥ 1. ብድሌቱ ናብ ሃገሩ ዝምለስ 3500 $፥ 2. ናብ ሳልሳይቲ *ኣፍሪቃዊት* ሃገር ዝወጽእ ድማ፣ ንጓል - 5000$ ንቆልዓ - 5000$ ንወዲ/ሰብኣይ - 3500$ መታባብዒ ክህቡ ምዃኖም ሓበሬታ ኣውጺኦም ኣለዉ። *ኣስተውዕሉ* ኣብዚ ሓበሬታ ወጽዩ ከም ዘሎ *ናብ ሃገራት *ኣፍሪቃ* ዝምለሱ ጥራይ እዩ ዝብል ዘሎ። ማሕበር ሓዱሽ ተስፋ ኤርትራውያን መላግቦ 👉🏿 https://www.gov.il/he/departments/units/repatriation_unit

*ዝኸበርኩም ነብሪ፣* ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ከተማና ፍንጫላት ከምዝወደቐ ዝሕብር ጸብጻባት ስዒቡ ኩሉ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣባላት ምምሕዳር ከተማ ኣብ ባይታ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ይሰርሑ ኣለዉ። ብኽብረትኩም ንነብስኹም ሓልዉ፣ ንዝኾነ ፍንጭክጫክ ሚሳይል ወይ ጸረ ሚሳይል ካብ ምቕራብ ወይ ምትንካፍ ተቖጠቡ፣ ኩሉ ግዜ ድማ መምርሒታት ድሕነት እዚ ድሕረ ግንባር* ምኽታል ቀጽሉ። *106+ ማእከል ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ * *24/7* ንዓኹም ንምግልጋል ተዳልዩ ኣሎ። ብቴለፎን *106* ወይ **9106* ብምድዋል፡ ከምኡ'ውን ብናይ ምምሕዳር ከታማ ኣፕሊከሽን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ከም ወትሩ ንዓኹም ንምግላጋል ኣብዚ ኣለና።

ምምሕያሽ ፖሊስ መምርሒ ድሕነት እዚ ግንባር ብመሰረት ገምጋም ኩነታት እዚ ድሕረ ግንባር፡ ካብ ሓሙስ ዕለት 05.03.26 ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ መምርሒ ድሕነት ክማሓየሽ ተወሲኑ። ከም ኣካል ናይቲ ለውጢ ኣብ ኩሉ ከባቢታ ሃገር ካብ ጽኑዕ ደረጃ ፖሊሲ ናብ ውሱን ደረጃ ፖሊሲ ክሰጋገር እዩ። ትምህርታዊ ንጥፈታት- ትምህርታዊ ንጥፈታት ኣይካየድን ምትእኽኻብ-ስሬና ኣብ ዝስማዓሉ እዋን ኣብ ግዜኡ ናብ ውሑስ ቦታ ኣብ ክብጻሓሉ ዝኽእል ከባቡ ክሳብ 50 ሰባት ዝበጽሕ ምትእኽኻብ ይካኣል። ቦታ ስራሕ- ስሬና ኣብ ዝስማዓሉ እዋን ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ዘለዎ ስራሕ ምኽፋት ይካኣል። እዚ ፖሊሲ ካብ ሓሙስ 5 መጋቢት 2026 ሰዓት 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ቀዳም 7 መጋቢት 2026 ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ሙሉእ ሰላም ፈጢሩ ናብ ልሙድ ማዓልታዊ ሂወትና ንምለሰሉ ግዜ ንምነ!

ኣብዚ ቀረባ ካብ ሊባኖስ ዝትኮስ ዘሎ ቶኽሲ ስዒቡ፡ ስዒቡ ዘሎ መልእኽቲ ዝሓዘለ ስእሊ ከካፍለኩም ንፈቱ፤ ብምኽንያት ምምስፍሕፋሕ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ኣቐዲሙ ዝሕብር መጠንቀቕታ ስሬና ናብ መዕቆቢ ቦታ ክንኣቱ ዝሕብር መልእኽቲ ክስማዕ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና መጠንቀቕታ/ብ ዝመጸና እዋን ናብ ውሑስ ቦታ ክንበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደልና ምፍታሽን ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ።ብውሑስ ኣጋባብ ድሕነትካ ንምሕላው መምርሒ ብግቡእ ምክትታል ጥራይ እምበር ካበይ ይትኮስ ኣሎ ኣገዳስነት የብሉን። ኣቐዲሙ መጥንቀቕታ ተሰዲዱልኩም - ናብ ብዝበለጸ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ንምቕራብ ውሑዳት ደቓይቕ ኣለኩም። መጠንቀቕታ/ስሬና ተቐቢልኩም- ብመሰረት ዘለኩም ግዜ ኣብ ጥቕኹም ናብ ዝርከብ ውሑስ ቦታ ብቕጽበት እተዉ። ኣቐዲሙ ዝወሃብ መምርሒ ንነብስና ክንከላኸልን ኣብቲ ዝበለጸ ውሑስ ቦታ ንኽንበጽሕን ዝሕግዘና መሳርሒ ኮይኑ፡ ኩሉ ግዜ ዝዋሃብ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ግን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍና መጠንቀቕታ/ስሬና ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን ናብ ውሑስ ቦታ ክንበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስደልና ምፍታሽን ምፍላጥን ኣገዳሲ እዩ።

ሓበሬታ! ብዛዕባ እንዳ ቪዛ ትሓቱ ዘለኹም፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ክሳብ ሶኑይ ዕለት 02/03/2026 ሳዓት 20፡00 ክሳብ ዘይተቐይረ እንዳ ቪዛ ኣይሰርሕን'ዩ። ኣብ ኩሉ ክበጽሕ ኣብዝሑዎ።

ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ምስ አባላት ማሕበር ሓድሽ ተስፋ שמורת נחל חרמון

ናይ ምዝንጋዕ ግዜ አባላት ማሕበር ሓድሽ ተስፋ שמורת נחל חרמון

ናይ ካናዳ ኮነ ናብ ካልእ ሃገር በረራ ዝነበሮም ንሎሚ ካብ ኣየር ፖርት ዝተመልስሉ መኽንያት ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ኣብ ናይ ስራሕ ኣድማ ስለዘለዉ እዩ። ኣድማ ምስ ተወደአ ባዕሎም ክድውሉሎም እዮም። ንዛሓተትኹም ከምዚ መልሱሎም።

ሎሚ ዕለት 02/12/2025 ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ብንጡፍ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስቪካውያን ማሕበራትን እስራኤል ብፕረሲደንት እስራኤል ብልጫ ናይ ምሃብ ጽምብል ኣብ
ሎሚ ዕለት 02/12/2025 ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ብንጡፍ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስቪካውያን ማሕበራትን እስራኤል ብፕረሲደንት እስራኤል ብልጫ ናይ ምሃብ ጽምብል ኣብ ቤት ፕረሲደንት እስራኤል ተኻይዱ። ሆት ላይን ምቅላስ ኣንጻር ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕላማታቶም ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐት ተዋሂቦም እዮም። ኣባልናን ሓውና ሓው ክብሮም ተወልደ ኣብ ሆት ላይን ናይ’ዚ ዓምዲ እዚ ከም ኣላዪ ብምዃን ኣብ ዝተፋላለየ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት እንዳ ኸደ ኣስተምህሮ ብምሃብ ዝሰርሕ ኮይኑ ሎሚ ኣብ ዝዋዓለ ጽምብል ተሳቲፉ። ንኹሎም ኣንጻር ዘበናዊ መሸጣ ደቂ ሰባትን ጊላነትን ዝቃለሱ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ብፍላይ ድማ ንኹሎም ኣባላት ሆት ላይን ንመስግን።

ትማሊ ዕለት 25/11/2025 መቐጸልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ኣብ ንኡስ ኮሚተ መንእሰያት ብዕለት 19/11/2025 ኣብ ምስላዕ ገለ ክፋል ባጀት መዋእለ ህጻናት ዩኒታፍ ዝተኮረ ብኣደ ወንበር ንኡስ ኮሚተ መንእሰያት ኣብል ፓርላማ ናኣማ ላዚሚ ዝተመርሐ ዑዉትን ተስፋ ዝህብን ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ ዘተ ኩለን ዝምልከተን ትካላት መንግስቲ ማለት ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ካልኦትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣደ ወንበር ኮሚተ ዝተዋህቦም ዕዮ ድሮ ኣብ ግብሪ ከውዕሉዎ ጀሚሮምስ ድሮ ምኒስትሪ ሰብኣዊ ድሕነት ገለ ክፋሊ ናይቲ ባጃት ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ክስልዕ ከም ዝወሰነን ተሓቦሩ። በዚ መሰረት ኣደ ወንበር ኮነ ካሎኦት ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብዚ ዘተ ንኹሎም ወከልቲ መንግስታዊ ትካላት ብፍላይ ድማ ንምኒስትሪ ሰብኣዊ ድሕነት ትሕቲ ዕድመ 3 ዝኾኑ ህጻናት መውዓሊ ህጻናት ስኢኖም ኣብ ሓደጋ ንኸይወድቁ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ኣመስጊምኖም። ዩኒታፍ - ትሕተ 3 ዓመት መውዓሊ ህጻናት ኣብ እስራኤል ኣዝዩ ክቡር ክሳብ 5 ሽሕ ሸክል ክበጽሕ ዝኽእል ብምዃኑ’ዩ መንግስቲ ንወለዲ ሓተቲ ዑቕባን ወረቐት ኣልቦ ስደተኛታትን ብሕሱር ዋጋ ዘገልግል #ዩኒታፍ ዝባሃል ሞዴል መውዓሊ ህጻናት ብኸፊል ክምውል ወሲኑ። #ዩኒታፍ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዝጀመረ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቴል ኣቪቭ ጥራይ ኣጎልጉሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብ ከም ኤላት፡ሮኾቮትን ካሎኦት ከተማታትን እውን ውሕስነት ዘለዎም መዋእለ ህጻናት ከፊቱ ይርከብ። ኣደ ወንበር ኮሚተ ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ቅጽበታዊ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ክፍታሕ ብምኽኣሉ ብምምስጋን ሓዱሽን ዝተማሓየሸን ውስኔ መንግስቲ ንምሕላፍ ኣብ መጀመርያ 2026 ናይ ዘተ መደብ ከም እትሰርዕ ቃል ኣትያ። ንኹለን ሽግር ሕብረተሰብና ኣብ ምፍታ

Eritrean Newhope is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Topic: *ትምህርቲ ምክልኻል ሕማም ሽኮር ይኻአል'ዶ ? ብዶ/ኦሮን( ד"ר אורן) ካብ ሎኦሚት
Eritrean Newhope is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Topic: *ትምህርቲ ምክልኻል ሕማም ሽኮር ይኻአል'ዶ ? ብዶ/ኦሮን( ד"ר אורן) ካብ ሎኦሚት መድሕን ጥዕና ንዕለት 14/11/2025 ሳዓት 8፡00 ምሸት ዙም !!!* Time: Nov 14, 2025 20:00 Jerusalem Join Zoom Meeting https://us06web.zoom.us/j/84587682434?pwd=GKfDW4q5VRNl1xaJECuBqCgMiOtsMJ.1 Meeting ID: 845 8768 2434 Passcode: 743082 --- One tap mobile +13863475053,,84587682434#,,,,*743082# US +15074734847,,84587682434#,,,,*743082# US Join instructions https://us06web.zoom.us/meetings/84587682434/invitations?signature=ni5__Fe4B0L1TO3K6ZXxKBBQavp3EPDzQ46QtT-XlF4