en
Feedback
ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጂን ትግራይ

ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጂን ትግራይ

Open in Telegram

ናይ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ትካል

Show more
583
Subscribers
No data24 hours
-47 days
-530 days

Data loading in progress...

Similar Channels
Tags Cloud
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Incoming and Outgoing Mentions
---
---
---
---
---
---
Attracting Subscribers
September '26
September '260
in 0 channels
August '26
+3
in 1 channels
Get PRO
July '260
in 0 channels
Get PRO
June '260
in 0 channels
Get PRO
May '260
in 0 channels
Get PRO
April '260
in 0 channels
Get PRO
March '260
in 0 channels
Get PRO
February '260
in 0 channels
Get PRO
January '260
in 0 channels
Get PRO
December '250
in 0 channels
Get PRO
November '250
in 0 channels
Get PRO
October '250
in 0 channels
Get PRO
September '250
in 0 channels
Get PRO
August '250
in 0 channels
Get PRO
July '250
in 0 channels
Get PRO
June '250
in 0 channels
Get PRO
May '250
in 0 channels
Get PRO
April '250
in 0 channels
Get PRO
March '250
in 0 channels
Get PRO
February '250
in 0 channels
Get PRO
January '250
in 0 channels
Get PRO
December '240
in 0 channels
Get PRO
November '240
in 0 channels
Get PRO
October '240
in 0 channels
Get PRO
September '24
+32
in 0 channels
Get PRO
August '24
+76
in 0 channels
Get PRO
July '240
in 0 channels
Get PRO
June '240
in 0 channels
Get PRO
May '240
in 0 channels
Get PRO
April '240
in 0 channels
Get PRO
March '240
in 0 channels
Get PRO
February '24
+28
in 0 channels
Get PRO
January '24
+72
in 0 channels
Get PRO
December '23
+551
in 0 channels
Date
Subscriber Growth
Mentions
Channels
06 September0
05 September0
04 September0
03 September0
02 September0
01 September0
Channel Posts
​📲 እንግሊዘኛ ብሉጽ ብዝኾነ መተግበሪ ምምሃር ተደሊኹም? ​ንነዊሕ እዋን ክንጽበዮ ዝጸናሕና ሊቅ መዝገበ ቃላት (English - Tigrinya Dictionary) ሕዚ ኣብ ፕለይ ስቶር (Play S
​📲 እንግሊዘኛ ብሉጽ ብዝኾነ መተግበሪ ምምሃር ተደሊኹም? ​ንነዊሕ እዋን ክንጽበዮ ዝጸናሕና ሊቅ መዝገበ ቃላት (English - Tigrinya Dictionary) ሕዚ ኣብ ፕለይ ስቶር (Play Store) ይርከብ! ​ምንታይ ፍሉይ ይገብሮ? ​📚 ልዕሊ 75,000 ቃላት ዘለዎ ሰፊሕ መዝገበ ቃላት። ​📴 ብዘይ ኢንተርኔት (Offline) ዝሰርሕ። ​🎮 ናይ ሊቅ መለማመዲ ማእከል፦ ቃላት ንምዝካር ዝሕግዙ Flashcards፣ ፍልጠትካ እትፍትንሉ Quiz፣ ከምኡ እውን ስፔሊንግ እትለማመደሉ Spelling ጸወታታት ዝሓዘ እዩ። ​ብ Leeq(ሊቅ) Edtech ዝማዕበለ ኮይኑ፣ ንምምሃር ብጣዕሚ መሳጢ ብዝኾነ መገዲ ተዳልዩ ኣሎ። ሕዚዩኑ ኣውሪድኩም ተጠቐሙሉ! ​👇 ናይ ፕለይ ስቶር (Play Store) ሊንክ፦ https://play.google.com/store/apps/details?id=org.leeq.dictionary&pcampaignid=web_share

2
ስርዓተ ፀሐይ(solar system) _260610_082600 (1).pdf
297
3
No text...
284
4
አዋጅ-ቁጥር-1396-2017-1.pdf
1 360
5
​💡 መሃዝትን ፈጠርቲ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዝፅበይዎ ዝነበሩ ታሪኻዊ ኣዋጅ! ሰላም ፈጠርቲ ስራሕን መሃዝትን! 👋 ​ናይ ፈጠራ ሓሳብ ሃሊይኩም፣ ትካል ንምምስራት ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ፣ ፋይናንሳዊ ወይ መሳለጢ ማሕንቆታት ተዓጊትኩም ትፈልጡ? እንተኾይኑ እቲ ብስራት ንዓኹም እዩ! ​መንግስቲ ንኩለን ብቴክኖሎጂን ፈጠራን ዝድገፋ ስታርታፕ (Startup) ትካላት ፍሉይ ደገፍ፣ ምትብባዕን ዕድላትን ዝህብ "ናይ ስታርታፕ ኣዋጅ ቁጥር 1396/2017" ብወግዒ ኣውፂኡ ኣሎ። ​እዚ ኣዋጅ እዚ እንታይ ሒዙ መፂኡ? ​📉 ቀለልቲ ሕጋዊ መስርሓት: ስታርታፕ ንምምዝጋብን ንምጅማርን ዘጋጥሙ ዝነበሩ ቢሮክራሲታት የቃልል:: ​💰 ናይ ፋይናንስን ኢንቨስትመንትን ዕድላት: ንሓደስቲ ስታርታፕ ዝኾኑ ናይ ፋይናንስ ደገፋትን ምችው ባይታታትን የጣጥሕ። ​🌍 ዓለምለኻዊ ተወዳዳሪነት: ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓሳባት ናብ ዓብዪ ኢንዱስትሪ ዓብዮም ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ንክወዳደሩ ዓቢ ሓገዝ ይገብር። ​እቲ ምሉእ ትሕዝቶ ሕጊ፣ መሰላትን ረብሓታትን ብዝርዝር ንምፍላጥ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተተሓሒዙ ዘሎ PDF ፋይል ኣውሪድኩም ኣንብብዎ እሞ ናይ ፈጠራ ሓሳብኩም ናብ ስራሕ ቀይርዎ! 🎯 ​👇 ነቲ PDF ኣውሪድኩም ተጠቐሙሉ! 👇
1 733
6
እዚ ሰብ መን ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? እቲ ዝዓበየ መሃዚ ኤዲሰን እዩ ነይሩ ።  ቶማስ ኣልቫ ኤዲሰን መብራህቲ(ኣንፑል) ዝፈጠረ እዩ ልዕሊ 10 ሽሕ ግዜ ወዲቑን ዓወት ድማ ስኢኑን እዩ። እዚ ኩሉ ማዕበል ውድቀት ግን ክዓግቶ ኣይከኣለን፣ ደጋጊሙ እናፈተነ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ።  ከም ኣገላልጻኡ 10 ሽሕ ግዜ ኣይወደቕኩን እንታይድኣ 10 ሽሕ ዘይሰርሓሉ መንገድታት እየ ረኺበ ይብል።  እዚ ብሕታዊ ዝኾነ ናይ ቶማስ ኤዲሰን ኣተሓሳስባ ዓለም ንምቕያር ክኣለ። ኤዲሰን ኣብ መስታወሽኡ "ቶማስ ኣልቫ ኤዲሰን ኣዲኡ ናብ ጅንየስ ናይቲ ክፍለ ዘመን ዝቐየረቶ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ቆልዓ እዩ ነይሩ" ክብል ጽሒፉ።  ኤዲሰን ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ፍሉጣት ሳይንቲስት እዩ ነይሩ።  ንዓለም ብዙሓት ዘደንቑ ምህዞታት ከም ፎቶ ግራፍ ወይ መቕረፂ ድምፂ፡ ምንቅስቓስ ዝቐርፅ ካሜራን መብራህትን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።  ኤዲሰን ኣብ ዕድሚኡ 1093 ዕዉታት ምህዞታት ንዓለም ከበርክት ክኢሉ።  ኣብ ህይወቱ ዘማርሩ ላዕልን ታሕትን ምባል: ውድቀትን ኣጋጢምዎ እዩ ይኹን ድኣምበር ተስፋ ቆሪፁ ኢዱ ኣይህብን ዝነበረ ንጸገማቱ ብፍልጠትን ጥበብን ንባዕሉ ኣዕብዩ እዩ ፀገማቱ ደጊሙ ዝገጥሞም ዝነበረ።  ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ጥቅምቲ 1931 ኤዲሰን ንዓለምና ዓብይ ኣበርክቶ ገይሩ ሓሊፉ።  ኣሜሪካውያን እውን ነዚ ዓብይ ሰብ ንምስትዋስ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ን1 ደቒቕ መብራህቲ ብምጥፋእ ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም። ካብዚ እንመሃሮ ሽግርን ብድሆታትን ኣካል ህይወትና ስለዝኾነ ኣብ ዕላማና ክሳብ እንበጽሕ ፈጺምና ተስፋ ከይቆሪጽና ክንቃለስ ከምዘለና እዩ።  ኤዲሰን ብዙሕ ነገራት ምሂሩና እዩ: ከመይ ጌርና ብብልሓትን ብትግሃትን ጸገማት ከም ንፈትሕ።  እዚ ድንቂ ዛንታ፡ እቶም ጸገማት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኹኑ፡ ምስቲ ናይ ምፍታሕ ዓቕምና ክነጻጸር ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ከምዘይኮኑን፡ ራእይና ንምዕዋት ክሳብ ክንደይ ክንጓዓዝ ከምዘለናን ይምህረና። ካብ ዝወደቕካዮ ንምትሳእ!  ሕጂ እውን ፈትን፡ ደጊምካ ፈትን፡ ክሳብ እትዕወት ደጋጊምካ ፈትን።  ንጸገማትካ ብኸመይ ከም እትገጥሞም ምስ ተረዳእካ፡ ህይወትካ ምሉእ ብምሉእ ክቕየር እዩ። Leeq - EdTech & Freelancing Platform https://t.me/leeqorg
823
7
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ኢዱ ወረቐት ሒዙ ካብ ቤት ትምህርቲ ይምለስ ነበረ። ኣብ ገጹ ፍሽኽታን ሓጎስን ነበሮ። ናብታ ናፊቓዋ ዝነበረ ኣዲኡ ጎየየ ናብ ሕቑፋ ድማ ሽጉጥ በለ። እታ ኣደ ን
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ኢዱ ወረቐት ሒዙ ካብ ቤት ትምህርቲ ይምለስ ነበረ።  ኣብ ገጹ ፍሽኽታን ሓጎስን ነበሮ።  ናብታ ናፊቓዋ ዝነበረ ኣዲኡ ጎየየ ናብ ሕቑፋ ድማ ሽጉጥ በለ።  እታ ኣደ ንወዳ ሓቚፋ ሰዓመቶ።  ሽዑ እቲ ወዳ ናፍቖቱ ከይወድአ ብመምህር ዝተለኣኾ ጉዳይ ስለዝነበሮ፡ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ዝተዓጽፈት ወረቐት ሃባ ካብኡ ድማ ከምዚ በላ መምህረይ እዩ እዛ ወረቐት ንዓኺ ጥራሕ ንክህበኪ ነጊሩ ልኢኹኒ በላ'ሞ ንሳ ድማ እቲ ወረቐት ተቐቢላ ገንፂላ ምንባብ ጀመረት። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዒንታ ብንብዓት ክመልኣ ይጅምራ እሞ ካብ ኣዒንታ ንብዓት ክወድቕ ይጅምር።  ወዳ ንኣዲኡ ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ።  ቀፂላ ኣብቲ ወረቐት ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ንውላዳ ዓው ኢላ ከተንብበሉ ጀመረት "ወድኺ ምዕቡል ኣእምሮ ዘለዎ ቆልዓ እዩ፡ እዚ ቤት ትምህርቲና ንዕኡ ብጣዕሚ ንእሽተይ እዩ፡ ብተወሳኺ ንወድኺ ንምምሃር እኹል ኣፍልጦ ዘለዎም መምህራን የብልናን ስለዚ በጃኺ ባዕልኺ ኣምህርዮ " ኢላ ኣንቢባ ንወዳ ሓቚፋ ሰዓመቶ።  ገና ግን እቲ ንብዓት ካብ ኣዒንታ ምፍሳስ ኣየቋረጸን ዝነበረ። ኣዲኡ ብሕማም ምስ ሞተት ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እቲ ቆልዓ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ፍሉጣት መሃዝቲ ኰነ።  ሓደ መዓልቲ ድማ ኣረጊት ንብረት ስድርኡ እናረኣየ ከሎ፡ ሃንደበት ኣብ ፀግዒ ተሳሓቢ ጣውላ ዝተጠቕለለ ወረቐት ተቐሚጡ ረኣየ።  ኣልዒሉ ከንብቦ ጀመረ ኣብቲ ወረቐት ዝተጻሕፈ "ወድኺ ናይ ኣእምሮ ሕማም ስለዘለዎ ድሕሪ ደጊም ናብ ቤት ትምህርትና ክመጽእ ኣይንፈቅድን ኢና" ዝብል ነበረ። እቲ ዘንበቦ ነገር ኣሰንቢድዎ ከናፈሩ ተንቀጥቀጠ ንነዊሕ ግዜ ድማ ነብዐ።  እዚ ድማ ግልባጥ ናይቲ ኣዲኡ ዘንበበትሉ ጽሑፍ እዩ ነይሩ ኣዲኡ ዘንብዓ ዝነበረ ድማ እዚ ቀስሚ ዝሰብር መልእኽቲ እዩ ነይሩ።
634
8
No text...
524
9
No text...
486
10
እዚ ሰብ መን ምዃኑ ትፈልጡ ዶ? እቲ ዝዓበየ መሃዚ ኤዲሰን እዩ ነይሩ ። ቶማስ ኣልቫ ኤዲሰን መብራህቲ(ኣንፑል) ዝፈጠረ እዩ ልዕሊ 10 ሽሕ ግዜ ወዲቑን ዓወት ድማ ስኢኑን እዩ። እዚ ኩሉ ማዕበል ውድቀት ግን ክዓግቶ ኣይከኣለን፣ ደጋጊሙ እናፈተነ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ። ከም ኣገላልጻኡ 10 ሽሕ ግዜ ኣይወደቕኩን እንታይድኣ 10 ሽሕ ዘይሰርሓሉ መንገድታት እየ ረኺበ ይብል። እዚ ብሕታዊ ዝኾነ ናይ ቶማስ ኤዲሰን ኣተሓሳስባ ዓለም ንምቕያር ክኣለ። ኤዲሰን ኣብ መስታወሽኡ "ቶማስ ኣልቫ ኤዲሰን ኣዲኡ ናብ ጅንየስ ናይቲ ክፍለ ዘመን ዝቐየረቶ ናይ ኣእምሮ ሕሙም ቆልዓ እዩ ነይሩ" ክብል ጽሒፉ። ኤዲሰን ሓደ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ፍሉጣት ሳይንቲስት እዩ ነይሩ። ንዓለም ብዙሓት ዘደንቑ ምህዞታት ከም ፎቶ ግራፍ ወይ መቕረፂ ድምፂ፡ ምንቅስቓስ ዝቐርፅ ካሜራን መብራህትን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኤዲሰን ኣብ ዕድሚኡ 1093 ዕዉታት ምህዞታት ንዓለም ከበርክት ክኢሉ። ኣብ ህይወቱ ዘማርሩ ላዕልን ታሕትን ምባል: ውድቀትን ኣጋጢምዎ እዩ ይኹን ድኣምበር ተስፋ ቆሪፁ ኢዱ ኣይህብን ዝነበረ ንጸገማቱ ብፍልጠትን ጥበብን ንባዕሉ ኣዕብዩ እዩ ፀገማቱ ደጊሙ ዝገጥሞም ዝነበረ። ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ጥቅምቲ 1931 ኤዲሰን ንዓለምና ዓብይ ኣበርክቶ ገይሩ ሓሊፉ። ኣሜሪካውያን እውን ነዚ ዓብይ ሰብ ንምስትዋስ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ን1 ደቒቕ መብራህቲ ብምጥፋእ ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም። ካብዚ እንመሃሮ ሽግርን ብድሆታትን ኣካል ህይወትና ስለዝኾነ ኣብ ዕላማና ክሳብ እንበጽሕ ፈጺምና ተስፋ ከይቆሪጽና ክንቃለስ ከምዘለና እዩ። ኤዲሰን ብዙሕ ነገራት ምሂሩና እዩ: ከመይ ጌርና ብብልሓትን ብትግሃትን ጸገማት ከም ንፈትሕ። እዚ ድንቂ ዛንታ፡ እቶም ጸገማት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኹኑ፡ ምስቲ ናይ ምፍታሕ ዓቕምና ክነጻጸር ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ከምዘይኮኑን፡ ራእይና ንምዕዋት ክሳብ ክንደይ ክንጓዓዝ ከምዘለናን ይምህረና። ካብ ዝወደቕካዮ ንምትሳእ! ሕጂ እውን ፈትን፡ ደጊምካ ፈትን፡ ክሳብ እትዕወት ደጋጊምካ ፈትን። ንጸገማትካ ብኸመይ ከም እትገጥሞም ምስ ተረዳእካ፡ ህይወትካ ምሉእ ብምሉእ ክቕየር እዩ። ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ https://t.me/Tigray_Science_and_Technology
744
11
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ኢዱ ወረቐት ሒዙ ካብ ቤት ትምህርቲ ይምለስ ነበረ። ኣብ ገጹ ፍሽኽታን ሓጎስን ነበሮ። ናብታ ናፊቓዋ ዝነበረ ኣዲኡ ጎየየ ናብ ሕቑፋ ድማ ሽጉጥ በለ። እታ ኣደ ን
ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ኢዱ ወረቐት ሒዙ ካብ ቤት ትምህርቲ ይምለስ ነበረ። ኣብ ገጹ ፍሽኽታን ሓጎስን ነበሮ። ናብታ ናፊቓዋ ዝነበረ ኣዲኡ ጎየየ ናብ ሕቑፋ ድማ ሽጉጥ በለ። እታ ኣደ ንወዳ ሓቚፋ ሰዓመቶ። ሽዑ እቲ ወዳ ናፍቖቱ ከይወድአ ብመምህር ዝተለኣኾ ጉዳይ ስለዝነበሮ፡ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ዝተዓጽፈት ወረቐት ሃባ ካብኡ ድማ ከምዚ በላ መምህረይ እዩ እዛ ወረቐት ንዓኺ ጥራሕ ንክህበኪ ነጊሩ ልኢኹኒ በላ'ሞ ንሳ ድማ እቲ ወረቐት ተቐቢላ ገንፂላ ምንባብ ጀመረት። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዒንታ ብንብዓት ክመልኣ ይጅምራ እሞ ካብ ኣዒንታ ንብዓት ክወድቕ ይጅምር። ወዳ ንኣዲኡ ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ። ቀፂላ ኣብቲ ወረቐት ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ንውላዳ ዓው ኢላ ከተንብበሉ ጀመረት "ወድኺ ምዕቡል ኣእምሮ ዘለዎ ቆልዓ እዩ፡ እዚ ቤት ትምህርቲና ንዕኡ ብጣዕሚ ንእሽተይ እዩ፡ ብተወሳኺ ንወድኺ ንምምሃር እኹል ኣፍልጦ ዘለዎም መምህራን የብልናን ስለዚ በጃኺ ባዕልኺ ኣምህርዮ " ኢላ ኣንቢባ ንወዳ ሓቚፋ ሰዓመቶ። ገና ግን እቲ ንብዓት ካብ ኣዒንታ ምፍሳስ ኣየቋረጸን ዝነበረ። ኣዲኡ ብሕማም ምስ ሞተት ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እቲ ቆልዓ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ፍሉጣት መሃዝቲ ኰነ። ሓደ መዓልቲ ድማ ኣረጊት ንብረት ስድርኡ እናረኣየ ከሎ፡ ሃንደበት ኣብ ፀግዒ ተሳሓቢ ጣውላ ዝተጠቕለለ ወረቐት ተቐሚጡ ረኣየ። ኣልዒሉ ከንብቦ ጀመረ ኣብቲ ወረቐት ዝተጻሕፈ "ወድኺ ናይ ኣእምሮ ሕማም ስለዘለዎ ድሕሪ ደጊም ናብ ቤት ትምህርትና ክመጽእ ኣይንፈቅድን ኢና" ዝብል ነበረ። እቲ ዘንበቦ ነገር ኣሰንቢድዎ ከናፈሩ ተንቀጥቀጠ ንነዊሕ ግዜ ድማ ነብዐ። እዚ ድማ ግልባጥ ናይቲ ኣዲኡ ዘንበበትሉ ጽሑፍ እዩ ነይሩ ኣዲኡ ዘንብዓ ዝነበረ ድማ እዚ ቀስሚ ዝሰብር መልእኽቲ እዩ ነይሩ። 🚀ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ
664
12
🗣ጥንቃቐ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቀምቲ 🛑 ኣብዚ ቀረባ እዋን ፊሺንግ ሳይበር መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ብኢመይል፣ ቴሌግራም፣ ፌስቡክን ካልኦት ገጻት ማሕበራዊ
🗣ጥንቃቐ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቀምቲ 🛑                          ኣብዚ ቀረባ እዋን ፊሺንግ ሳይበር መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።  እዚ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ብኢመይል፣ ቴሌግራም፣ ፌስቡክን ካልኦት ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝለኣኹ ናይ ሓሶት ግን ከኣ ምምሳል ሊንክታት ዝሓዘ እዩ።  እቶም ዝለኣኹ ሊንክታት ሰባት ዝፈትውዎ፣ ዝደልይዎ (ስኮላርሺፕ፣ ተዓዋቲ ሎተሪ ወዘተ)፣ ዘሰንብዶም፣ ወይ ብኻልእ መንገዲ ቅልጡፍ መልሲ ዝድርኹ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መግለፂ ሒዞም ይለኣኹ፤  ኣብቲ ሊንክ ኣብ ዝጠወቕናሉ ህሞት (ክኸፍቶ ከለና)፡ ፓስዎርድ፡ ስም ተጠቃሚ/ዋንነት/ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታና ይወስዱ ወይ ድማ ናብ ካልእ ገጽ ይወሰድና እሞ ዝኾነ ፎርም ክንመልእ ብምሕታት ወልቃዊ ሓበሬታ ክንመልእ ብምሕታት personal informationን ካልኦትን ይወስዱ። ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታት • ቅድሚ ዝተላእከ መላግቦታት ምኽፋት መንነት ናይቲ ላኣኺ ምርግጋጽ፤ • እቲ ዝተላእከ ሊንክ ምስቶም እንፈልጦም ሊንክታት ሓደ ከምዘይኮነ ምርግጋፅ፤ • ጥርጣረ እንተሃልዩካ፡ ነቶም ሊንክታት ፈጺምካ ኣይትኽፈቶም፤ • ማሕበራዊ ገጽና ተሃሪሙ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ እንተኾይኑ፡ ናብቲ ነቲ ገጽ ዝሃበ ሰብ ብኻልእ ኣካውንት ኣቲና ብዛዕባ እቲ ምጥፍፋእ ኣፍሊጥና ክንመልሶ ንኽእል። ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ https://t.me/Tigray_Scinece_and_technology ጥቅምቲ 2016ዓ.ም ናብ ካልኦት ሼር ብምባል ካብዚ መጥቃዕቲ ሰብና ነድሕን!
989
13
ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብሓፂሩ • ትግራዋይ መን እዩ? 🤔 • ትግራዋይ እንተኾይንካ ግድን ክተንብቦ ዝግብኣካ ፅሑፍ እዩ 😍 • ብዙሓት መፅሓፍቲ ከይገንፀልኩም ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብሓጺሩ ካብ መጀመርታ ክሳብ ሕዚ ክትፈልጡ ንእትደልዩ ዝተዳለወ እዩ። • እዚ ፅሑፍ ንኽዳሎ ብዙሕ ዝተለፍዐሉን ካብ ብዙሓት ድርሳናት ተወሲዱ ዝተፀሞቐን እዩ። ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ https://t.me/Tigray_Science_and_Technology
2 727
14
ናብ ኣሜሪካ ምስከደ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ምስ ፈለጠ መጀመርያ ዝገበሮ ምስ ሃገረ ቻይና ዝተተሓሓዘ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርኔት ምህላው ምፅራይ ነበረ። ይኹን ድኣምበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓበሬታ ምርካብ እንትኽእል ብዛዕባ ሃገሩ ቻይና ግን እዚ ዝብሃል ኣብ ኢንተርኔት ክረክብ ኣይከኣለን። ካብዚ ቁጭት ብምዓል ምስ ዓርኩ ብምዃን ብዛዕባ ሃገሩ ዝተፈላለዩ ሓበሬታ ዝህብ ድህረ-ገፅ(website) ፈጢሩ። ኣብ ሒደት ሰዓታት ውሽጢ ካብ ዝተፈላለዩ ቻይናውያን ናይ ሓቢርና ንስራሕ ሕቶታት ብኢመይል ክመፅዎ ጀሚሮም። ኣብዚ ግዜ እዩ ብዛዕባ ሓይሊ ኢንተርኔት ንመጀመርያ ግዜ ዝተረድኦ። ብ ሚያዝያ 1995 ዓ.ም ምስ ሰበይቱን ሓደ ዓርኩን ብምዃን 20 ሽሕ ዶላር ብምትእኽኻብ "China Yellow Pages" ዝተብሃለ ድህረ-ገፅ ንዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝሰርሕ ድርጅት ኣጣይሹ። እቲ ኩባንያ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ውሽጢ 800 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ብምግባር ዓብይ ትርፊ ረኸበ። ጃክ ማ ልክዕ ከምቲ ተፈላጢ ዝኾነ ናይ ኣሜሪካ ኣማዞን ናይ ቻይና ኣማዞን ብምባል ዝፍለጥ ኣሊባባ ዘጣየሾ ብ1999 ዓ.ም ምስ 18 መሳርሕቱ ብምዃን እዩ። ናይ ኢንግሊዘኛ መምህር ዝነበረ ጃክ ማ "ኣሊባባን ኣርብዓታት ለያቡን" ዝብሃል ታሪኽ "One Thousand and One Nights" ካብ ዝብል ናይ ዓረብ ልበ-ወለድ መፅሓፍ ውሽጢ ኣንቢቡ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ታሪኻት ዝትርኽ እዚ መፅሓፍ ንጃክ ማ ናይቲ ኩባንያ ሽም ንምውፃእ ተፅዕኖ ከምዝገበረሉ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ከተማ ውሽጢ እምዳሃለወ ኣብ ሓደ እንዳኬክ ውሽጢ እንዳሃለወ እቲ ሽም ንምውፃእ ከምዝወሰነ ብ2016 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ገሊፁ። ኣብ ውስን ኣዋርሕ ውሽጢ ኣብ ኣሊባባ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ዝገብሩ ናይ ወፃእ ባዓል ሃፍቲ 25 ሚልዮን ዶላር ኣተኣኻኺቡ። ብ2005 ዓ.ም "Yahoo" ኩባንያ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣብ ኣሊባባ ኢንቨስት ብምግባር ናይ 40 ሚኢታዊ ብዓል ዋናነት ሓዘ። ብ 2014 ናብ ህዝቢ ብኣክስዮን መልክዕ እንትቐርብ 25 ቢልዮን ዶላር ናይ ዋጋ ተመን ዘወፀሉ ኣሊባባ ብተፈላጢ ናይ"New York Stock Exchange" ኣብ ታሪኽ ዓብይ ዋጋ ብምውፃእን ክንድቲ ዝተተመነ ዝኣክል ኣክስዮን ብምእካብን ምስ ካልኦት ፉሉጣት ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታት ደረጃ ተሰሪዑ። ብ2023 ዓ.ም መበል 59 ዓመቱ ዘኽበረን ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ወርሒ 12 ዶላር ደሞዝተኛ ዝነበረ ጃክ ማ ሕዚ ናይ 29.2 ቢልዮን ዶላር ብዓል ሃፍቲ ብምዃን ካብ ቻይና 4ይ ካብ ዓለም መበል 44 ብዓል ሃፍቲ እዩ። Bloomberg Billionaires Index 2023 ሓደ እዋን ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ንምቕፃል 10 ግዜ መመልከቻ ኣእትዩ ጠይቑን ውድቂ ዝኾኖን ጃክ ማ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኑ መደረ ንኸስምዕ ዕድመ ተገይሩሉ እዩ። ናይ ታይም (Time) መፅሄት ብ2009 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ሕታሙ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሓደ ክብል እውን ሰይምዎ እዩ።
1 110
15
ማ ዩን(ጃክ ማ) ናይ ኣሊባባ መስራቲ "ኣሊባባ" ዝተብሃለ ዓብይ ናይ ቻይና ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ መስራትን ዋና ሓላፍን ብ10 መስከረም 1964 ዓ.ም ተወሊዱ። ብትውልዲ ሽሙ ማ ዩን፡ ብፕሮፌሽናል ና
ማ ዩን(ጃክ ማ) ናይ ኣሊባባ መስራቲ "ኣሊባባ" ዝተብሃለ ዓብይ ናይ ቻይና ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ መስራትን ዋና ሓላፍን ብ10 መስከረም 1964 ዓ.ም ተወሊዱ። ብትውልዲ ሽሙ ማ ዩን፡ ብፕሮፌሽናል ናይ ሽሙ ኣፀዋውዓ ድማ ጃክ ማ ብምባል ዝፍለጥ እዚ ቻይናዊ ካብ ድኻ ቤተሰብ ዝተወለደ እዩ። ብዙሓት ናይ ሂወት ፈተና ዝሓለፈ ጃክ ማ ይትረፍ ዓብዩ ዝኾነ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ ወናኒ ክኸውን ክሓስብስ ብሒሳብ ትምህርቱ ደካማ ብተወሳኺ ብዕድመ ዓብይ ክሳብ ዝኸውን ኮምፒተር ነኺኡ ዘይፈልጥን እዩ ነይሩ። መንእሰይ እንዳሃለወ ንቱሪስታት መሀወፂ ኾይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጃክ ማ ኣብ ሂወቱ ብዙሕ ውድቀታት ኣሕሊፉ እዩ። ✍︎ናብ ኮሌጅ መእተዊ ፈተና ሰለስተ ግዜ ወዲቑ ኣብ መበል ራብዓይ ግዜ ሓሊፉ። ✍︎ናይ ሒሳብ ፍልጠቱ ብጣዕሚ ትሑት ምኹኑ ዝዛረብ ጃክ ማ ኮሌጅ ኣትዩ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ እዩ ብዲግሪ ተመሪቑ። ✍︎ኮሌጅ ድሕሪ ምውድኡ ኣብ 30 ቦታታት ስራሕ ንምቑፃር ኣመልኪቱ ኣብ ሓዲኦም 'ኳ ክቑፀር ኣይከኣለን። ✍︎ናብ "KFC" ዝብሃል ምግቢ ብትሑት ዋጋ ዝሸይጥ ምግቢ ቤት ብትሑት ዋጋ ንምቑፃር እንተመልክት ምስኡ ካብ ዘመልከቱ 24 ተወዳደርቲ እቶም 23 ሓሊፎም እንትቑፀሩ ጃክ ማ ጥራሕ ከይሓለፈ ተሪፉ። ✍︎ንፖሊስነት ስራሕ ኣመልኪቱ መብዛሕትኦም ሓቢሮሞ ዘመልከቱ ሰባት እንትቑፀሩ ንሱ ግን ተቐባልነት ስኢኑ ወዲቑ። ☞︎︎︎"ተስፋ ምቑራፅ ዓብይ ውድቀት እዩ" ዝብል ጃክ ማ ኢዱ ዓፃፂፉ ከፍ ኣይበለን ዝነበረ። ☞︎︎︎ድሕሪ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ንወርሒ ብ12 ዶላር ዶሞዝ ናይ ኢንግሊዘኛ መምህርነት ስራሕ ረኺቡ። ኣብዚ ከቢድ ፈተና ውሽጢ እንዳሃለወ ብ1994 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ኢንተርኔት ዝሰምዐ። ብ1995 ዓ.ም ብዝተፈጠረሉ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ንሓፂር ግዜ ፃንሒት ናብ ኣሜሪካ ኸደ።
892
16
ሳን-ዙ ጥበብ ኲናት SUN TZU ON THE ART OF WAR "ንልዕሊ 2500 ዓመታት ህዝቢ ዓለም ከይጥቀመሉ ብነገስታት ቻይና ተሓቢኡ ዝነበረ መፅሓፍ።" ✍️Password: BR121 ✍️ብትግርኛ ዝተተርጎመ ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ https://t.me/Tigray_Science_and_Technology
1 375
17
No text...
1 284
18
The_Boy_Mechanic_Best_Projects_from_the_Classic_Popular_Mechanics.pdf
1 272
19
The Golden Book of Chemistry Experiments .pdf
1 262
20
ናይ ቴክኖሎጂ መፅሓፍ ብትግርኛ ዝተተርጎመት ማእኸል ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ https://t.me/Tigray_Science_and_Technology
1 334