en
Feedback
Tigray Technology

Tigray Technology

Open in Telegram

💻 ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትምህርትታትን እዋናዊ ዜናታትን ዝቀርበሉ ቻናል! ==================== Home for Science & Technology Tutorials and News! 📱

Show more
563
Subscribers
No data24 hours
No data7 days
No data30 days

Data loading in progress...

Similar Channels
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Tags Cloud
No data
Any problems? Please refresh the page or contact our support manager.
Incoming and Outgoing Mentions
---
---
---
---
---
---
Attracting Subscribers
December '24
December '24
+18
in 0 channels
November '24
+51
in 0 channels
Get PRO
October '24
+39
in 0 channels
Get PRO
September '24
+46
in 0 channels
Get PRO
August '240
in 0 channels
Get PRO
July '240
in 0 channels
Get PRO
June '240
in 0 channels
Get PRO
May '240
in 0 channels
Get PRO
April '240
in 0 channels
Get PRO
March '240
in 0 channels
Get PRO
February '24
+38
in 0 channels
Get PRO
January '24
+68
in 0 channels
Get PRO
December '23
+25
in 0 channels
Get PRO
November '23
+47
in 0 channels
Get PRO
October '23
+46
in 0 channels
Get PRO
September '23
+486
in 0 channels
Date
Subscriber Growth
Mentions
Channels
21 December+1
20 December0
19 December+1
18 December0
17 December0
16 December0
15 December0
14 December0
13 December0
12 December0
11 December0
10 December0
09 December+1
08 December+2
07 December+3
06 December+1
05 December+2
04 December+4
03 December+2
02 December+1
01 December0
Channel Posts
A to Z ሓፂር መንገዲ ኣጠቃቅማ ኮምፒተር (Computer Shortcuts ) CTRL + A =>> Select all CTRL + B =>> Bold CTRL + C =>> Copy CTRL + D =>> Fi
A to Z ሓፂር መንገዲ ኣጠቃቅማ ኮምፒተር (Computer Shortcuts ) CTRL + A =>> Select all CTRL + B =>> Bold CTRL + C =>> Copy CTRL + D =>> Fill down cell CTRL + E =>> Center Alignment CTRL + F =>> Find CTRL + G =>> Go to current CTRL + H =>> Replace CTRL + I =>> Italic CTRL + J =>> Full justification CTRL + K =>> Create hyper link CTRL + L =>> Left Alignment CTRL + M =>> Tab CTRL + N =>> New page CTRL + O =>> Open CTRL + P =>> Print CTRL + R =>> Fill right cell CTRL + S =>> Save CTRL + U =>> Underline CTRL + V =>> Paste CTRL + X =>> Cut CTRL + Y =>> Redo CTRL + Z =>> Undo

2
OpenAI ኢትዮጵያ ናብ ዝርዝሩ ስለዘእተዋ ብናይ ኢትዮጵያ ስልኪ ገይርካ ናይ ቻትጂፒቲ ኣካውንት ምክፋት ተካኢሉ። እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ዝተጀመረ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ኣካውንት ዘይከፍትኩም ኣብ www
OpenAI ኢትዮጵያ ናብ ዝርዝሩ ስለዘእተዋ ብናይ ኢትዮጵያ ስልኪ ገይርካ ናይ ቻትጂፒቲ ኣካውንት ምክፋት ተካኢሉ። እዚ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ዝተጀመረ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ኣካውንት ዘይከፍትኩም ኣብ www.chat.openai.com ኣቲኩም ክትከፍቱ ትክእሉ ኢኩም። @tigraytechnology
954
3
💰 ትዊተር (X) ሓድሽ ኣካውንት ንምኽፋት 1 ዶላር ከክፍል ጀሚሩ። ናይ ኤለን መስክ ትካል ዝኮነ ትዊተር (X) ክፍሊት ዘይፍፅሙ ሰባት ሓበሬታ ምርኣይ ከም ዝክእሉ ፣ ባዕሎም ተሳትፎ ክገብሩ ግን
💰 ትዊተር (X) ሓድሽ ኣካውንት ንምኽፋት 1 ዶላር ከክፍል ጀሚሩ። ናይ ኤለን መስክ ትካል ዝኮነ ትዊተር (X) ክፍሊት ዘይፍፅሙ ሰባት ሓበሬታ ምርኣይ ከም ዝክእሉ ፣ ባዕሎም ተሳትፎ ክገብሩ ግን ከምዘይክእሉ ገሊፁ።
262
4
ሞባይልና ብኻልእ ሰብ ተጠሊፉ ከይኮን ንምፍላጥን ካብ ጠለፋ ንምክልካልን ዝስዕብ ቀሊል ሜላ ንጥቀም። መጀመርያ ሞባይልና ብኻልእ ሰብ ተጠሊፉ ከይኮን ብቐሊሉ ንኽንፈልጥዘኽእለና ሓጺር ኮድ ኣሎ። እዚ
ሞባይልና ብኻልእ ሰብ ተጠሊፉ ከይኮን ንምፍላጥን ካብ ጠለፋ ንምክልካልን ዝስዕብ ቀሊል ሜላ ንጥቀም። መጀመርያ ሞባይልና ብኻልእ ሰብ ተጠሊፉ ከይኮን ብቐሊሉ ንኽንፈልጥዘኽእለና ሓጺር ኮድ ኣሎ። እዚ ሓጺር ኮድ እዚ፡ *#21# እዩ። ነዚ ኮድ ንምፍታን 1- ኣብ ሞባይልና *#21# ምድዋል። ድሕሪኡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ኩሉ "Not Forwarded" ዝብል እንተኾይኑ፡ ስልክና ኣይተጠለፈትን ማለት እዩ። 2- ኣብ ሞባይልካ *#21# ምስ ደወልና ግን "Forwarded" ዝብል መልእኽቲ እንተመጺኡ ስልክና ተጠሊፉ እዩ ማለት እዩ። 3- ብመሰረት ቁፅሪ 2 ሞባይልና ከም ዝተጠለፈት ድሕሪ ምርግጋፅ፣ ነቲ ጠለፋ ደው ንምባል ኣብ ስልክና ##002# ንድውል። ኣብ ሞባይልና ##002# ምስ ደወልና፡ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም "Call forwarding all erase successful" ዝብል መልእኽቲ እንተመጺኡ፡ ስልክና ካብ ጠለፋ ኣድሒናያ ማለት እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ክንዲ *#21# : 👉👉 *#62# 👉👉*#61# 👉👉*#67# ብምጥቃም እውን ናይ ስልክና ናይ ጠለፋ ኩነታት ምፍላጥ ይከኣል እዩ። N.B. እዚ ሜላ ከም ናይ ስልክና ዓይነት ክፈላለ ይክእል እዩ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
512
5
ናይ ቴሌግራም ኣካውንትኩም ውሑስ ክትገብሩ ምስትደልዩ እዞም ዝስዕቡ 2 ወሰንቲ ጥንቃቀታት ይተግብሩ። ቴሌግራም ኣብዚ ቀረባ እዋን ተፈታውነት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ብዙሓት ተጠቀምቲ ዘለዉዎን ናይ መልእኽቲ መለዋወጢ ኣፕሊኬሽን ኮይኑ ቴሌግራም ንምጥቃም ቁፅሪ ስልኪ የድልየና። ስለዚ ስልክና ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰብ ብዘይ ፍቓድና ክርኢ ወይ መልእኽቲ ክሰድድ ይኽእል እዩ፤ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ካልእ ሞባይል ስልኪ ቁጽርና ተጠቒሙ ኣካውንት ክውስኽ እውን ይኽእል እዩ። እዚ ከይፍጸም ናይ ቴሌግራም ኣካውንትካ ዝኸውን ሰቲንግ ምስትክካል የድሊ፤ ነዚ ንምግባር ድማ እዞም ዝስዕቡ ክልተ ሜላታት ኣገደስቲ እዮም፤ 1. Passcode / ናይ ቴሌግራም ኣካውንትና ንኽኽፈት ፓስዎርድ ዝሓታት ምግባር ፓስኮድ ምህላውና ይጠቅመና እዩ፡ ዋላ ካልእ ሰብ ቴለፎንና እንተረኸበ፡ ቴለግራምና ምስ ከፈተ ፓስዎርድ ስለዝሓቶ፡ መልእኽትና ብቐሊሉ ክርእዮ ኣይክእልን እዩ። ፓስኮድ ንምግባር፤ i) ነቲ ኣፕሊኬሽን ከፊትና ነቲ ብጸጋም ዘሎ ዝርዝር (ሰለስተ መስመራት) ንጽቀጥ ii) ድሕሪኡ ካብቲ ዝመጽእ ዝርዝር Setting ንመርጽ iii) ቀጺልና ካብቲ እንረኽቦ ዝርዝር Privacy and Security ንመርጽ iv) ቁሩብ ንታሕቲ ስክሮል ብምግባር passcode lock ንመርፅ v) Passcode lock ዝብል ንጥውቕ vi) ብድሕሪኡ ፓስዎርድ ተእትወሉ ቦታ ይወሃበካ / ኣብቲ enter passcode ዝብል ቦታ 4 ኣሃዝ ዘለዎ ቁጽሪ ነእቱ ቁጽሪ ጥራይ ዘይኮነስ ፊደላት እውን ዝሓዘ ጥንኩር ፓስዎርድ ክነእቱ እንተደሊና ኣብ ጎኒ ፒን ዘሎ ቀስቲ ጠውቕና እሞ ፓስዎርድ ንመርጽ። vii) እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መንገድታት ተኸቲልና ምስ ወዳእና ኣብ ላዕሊ ቁልፊ ምልክት ንረክብ፤ ክንዓጽዎ እንተደሊና ነቲ ናይ መዕጸዊ ምልክት ንጥውቆ፤ እንደገና ክንከፍቶ ምስንደሊ፡ ኣቐዲምና ዘእተናዮ ፓስዎርድ ከንእቱ ክንግደድ ኢና። 2. Two-step verification ምጥቃም እዚ ናይ ድሕንነት መሕለዊ ሜላ ቁጽሪና ተጠቂሙ ኣብ ካልእ ስልኪ ወይ ኮምፒዩተር ናይ ቴሌግራም ኣካውንትና ክጥቀም ኣብ ዝፍትነሉ ካብቲ ናብ ቁጽሪ ተሌፎንና ዝለኣኽ ኮድ ብተወሳኪ ፓስዎርድ እውን ክሓትት ምስ እንደሊ ንጥቀመሉ። እዚ ብምግባሮና ዋላ ነቲ ኮድ ናይ ምርኣይ ዕድል እንተሃለወ እቲ ፓስዎርድ ስለዘይፈልጡዎ ክዕገቱ እዮም። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ላዕሊ ካብ 1 ክሳብ 3 ዘለዉ ደረጃታት ደጊምና ኣብ ራብዓይ ደረጃ Two-step verification ንመርፅ። ድሕሪኡ set additional password ዝብል ንመርፅ ብድሕሪኡ ፓስዎርድ እንእትወሉ ቦታ ይህበና ኣብኡ ፓስዎርድና ነእቱ ኣብ መወዳእታ፡ ፓስዎርድካ እንተረሲዕናዮ ክንምልሶ ምእንቲ ኢመይልና ነእቱ።ብቕጽበት ናብ ኢመይልና መልእኽቲ ይለኣኽ። ኣብቲ ዝተልኣከ ሊንክ ብምጥዋቅ Two-step verification ከም ዝጅምር ንገብሮ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
883
6
ተጠቀምቲ ቴሌግራም ክትጥንቀቅሉ ዝግባእ ጉዳይ ኣብ ቴሌግራም ዝተፈላለዩ ውልቀ ኣካውንት ወይ ድማ ቻናላት ናትኩም ፀገም ዝፈትሑ መሲሎም ናትኩም ገንዘብ ቆሪፆም ናብ ባዕሎም ንምዝውዋር ዝተፈላለዩ ሜላታት እናተጠቀሙ ይርከቡ። ካብቶም ዝጥቀምሎም ሜላታት ንዝተፈላለዩ ኣፕሊከሽናት ዋይፋይ ፓስዎርድ መስበሪ እዩ ፣ ቅልጡፍ ቪፒኤን ይህብ እዩ ወይ ካልእ ምክንያት እናገብሩ እንተኮነ ግን እቶም ኣፕሊከሽን ፅዒንካ እንተከፍቲካዮም ካብ ስልክካ ናብ ባዕሎም ካርዲ ወይ ፓኬጅ ከም ዝሰድድ ገይሮም ዝሰርሕዎ ኣፕ እናለቀቁ ይርከቡ። ኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቴሌግራም ተለቂቀን ካብ ዘለዋ ኣፕሊከሽናት 1. Proton VPN 2. WiFi Password Hacker ዝብላ ክልቲአን ፅዒንካ እንተከፍተን ከለካ 2 ሲምካርድ እንተሃልዩካ ፣ ኣየናይ ሲም ክጥቀም ይብል እሞ ሓዲኡ ምስ መረፅካ ካብ ስልክካ ፓኬጅ ናብቶም ሰራሕቲ ይልእከሎም ፤ ሓንቲ ሲም እንተሃልይካ ድማ እንትከፍቶ ብቀጥታ ፓኬጅ ይልእከሎም። ስለዚ ዝኮነ ፋይል ካብ ቴሌግራም ክተውርዱ እንተኮይንኩም 1. ካብ እሙን ሰብ ወይ ቻነል 2. ክትፅዕንዎ ከለኩም ኣክሰስ ንክገብሮም ዝሓተኩም ነገራት ምስትውዓልን 3. ፅዒንኩም ክትከፍትዎ ከለኩም ዘይግበኦ ሕቶ እንተሓቲቱ እውን ክትጥፍእዎ ኣለኩም። @tigraytechnology
1 983
7
ካብ ስልክና ዝጠፍኡ ፎቶታት መምለሲ ሞባይል ኣፕሊከሽን @tigraytechnology
1 197
8
🎧 ናይ መጀመርያ ሮቦት ዲጄ 🎬 ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ፖርትላንድ ኦሪገን ዝርከብ መደበር ሬድዮ ኤፍ ኤም (Live 95.5) ናይ መጀመርታ ሮቦት ዲጄ ናብ ስራሕ ኣእትዩ። 🎬 እቲ ትካል ናይ "Ashl
🎧 ናይ መጀመርያ ሮቦት ዲጄ 🎬 ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ፖርትላንድ ኦሪገን ዝርከብ መደበር ሬድዮ ኤፍ ኤም (Live 95.5) ናይ መጀመርታ ሮቦት ዲጄ ናብ ስራሕ ኣእትዩ። 🎬 እቲ ትካል ናይ "Ashley z Elzinga" ትበሃል ሰብ ድምፅን ቁመናን ዘለዋ "AI Ashley" እትበሃል ዲጄ ናብ ስራሕ ብምእታው ሓበሬታ ክትህብን ምስ ተዓዘብታ ክትራኸብን ገይሩ ኣሎ።
717
9
ኮምፒተር ክትገዝእ ኣብ እትሓስበሉ እዋን ወይ ድማ ናይ ዘላትካ ኮምፒተር ሙሉእ ሓበሬታኣ ክትፈልጥ እንተደሊካ በዞም ዝስዕቡ 2 ሜላታት ተጠቀም! 1ይ. ሜላ 1. መጀመርታ ኣብ Desktop "My Computer" ወይ "This Computer" ዝብል ንደሊ ወይ ድማ "Start" ንጽቀጥ። 2. ኣብ "My Computer" ወይ "This Computer" Right Click ንገብር። 3. "Properties" ዝብል ንጥውቅ ኣብዙይ ናይታ ኮምፒተር ዝርዝር ሓበሬታ ክንረክብ ኢና። ካብኣቶም ✅ መጀመርታ እቲ ዝተፅዓነ ናይ Window Edition የርእየና። ኣብነት Windows 10 Pro ✅ Windows (Operating System) ናይቲ Edition ዘመን የርእየና። ንኣብነት ©2015 ✅ Random Success Memory (RAM) ክንደይ ራም ከም ዘለዋ ይሕብረና። ✅System Type ፡ 64 Bit Operating System ዝተፅዓነ X64-Based Processor ምዃኑ ዘመላክት እዩ። ✅ System Processor እዚ ናይ ፕሮሰሰር ሓበሬታ ኮይኑ፤ intel(R) Core(TM) i3-5005U CPU @ 2.00GHz 2.00 GHz 🔶 እዚ ማለት እታ ኮምፒተር Core i3 እያ ማለት እዩ። 🔶 5005U 5ይ Generation ምዃኑ የመላክት። 🔶 CPU @2.00GHz ፍጥነት ኮምፒተር የመላክት። 2ይ ሜላ እዚ ሜላ ኣብ ቀዳማይ ሜላ ዘለው ሓበሬታታትን ካልኦት ተወሰክቲ ሓበሬታታትን ይህበና። ንሱ ንምርካብ 1. ኣብ ናይ ኮምፒተርና መድለዩ (Search Bar) System Information ኢልና ብምፅሓፍ ንከፍት። ወይ ኣብ CMD/Windows + R አቲና "msinfo32" ብምፅሓፍ ክንረክቦ ንክእል። 2. ቀፂልና System Summary ዝብል ንመርፅ። ሐዚ ዝርዝር ሓበሬታ ክመፀልንና እዩ። ✅ OS Name እዚ ኣብ ኮምፒዩተር ዝተፅዓነ ኦፐሬቲንግ ሲስተም የርእየና ንኣብነት Microsoft Windows 7 Home premium. ✅ Version ኣብ ኮምፒተር ናይ ዝተፅዓነ Operating System Versionን Service Packን የርእየና። ✅ OS Manufacturer እዚ ዘርእየና ናይ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ኣፍራዪ መን ምዃኑ እዩ። ✅ System Name እዚ ናይ ኮምፒተር System Name የርእየና። እዚ ስም እዚ ንኮምፒተር ክትጅምር ወይ ፎርማት ተገይራ ክትውላዕ ከላ ዝወሃብ ስም እዩ። ✅ System Manufacturer ናይ ኮምፒተርና ዘፍረየ ትካል መን ምዃኑ የርእየና። ንኣብነት DELL ፣ HP ፣ Lenovo... ✅ System Model እዚ ሞዴል ናይታ ኮምፒተር እንታይ ምዃኑ ዘርእየና እዩ። ✅ System Type ክልተ ዓይነት ሲስተም ኣለው። እቲ 1ይ X86-based PC ኮይኑ እቲ 2ይ X64-based PC እዩ። X86 ማለት 32 Bit Operating System ዝድግፍ ኾይኑ X64 ድማ 64 Bit Operating System ዝድግፍ ማለት እዩ። ✅ Processor እንታይ ዓይነት ፕሮሰሰርን ናይ ኮምፒዩተር ፕሮሰሲንግ ፍጥነት ክንደይ ኮር ከም ዝኾነን የርእየና። ✅ BIOS version/Date እዚ ስም ናይቲ ኣፍራዪ፣ ቨርዥን ቁፅሪን ኮምፒተርካ ዝተሰረሐትሉ ዓመትን የርእየና። ✅ SMBIOS version እዚ System Management BIOS Version ብቁጽሪ የርእየና። ✅ Windows Directory እዚ ዊንዶውስ ዝተፅዓነሉ Path የርእየና። ✅ System Directory እዚ ኣብ ኮምፒተርና System32 ዝተፅዓነሉ Path የርእየና። ✅ Boot Device ናይ ኮምፒተር Boot Device ቦታ ዘመልክት እዩ። ✅ User name እዚ User name ናይቲ ተጠቃሚ የርእየና። ✅ Time Zone እዚ ካብ ኮምፒተር ዝተመልአ ታይም ዞን ዘርእየና እዩ። ✅ Install Physical Memory (RAM) ናይ ኮምፒዩተርና ራም መጠን የርእየና። ✅ Physical Available Memory ማለት ናይ ኮምፒተር Loading Operating System ዝሓዞ ሜሞሪ ከይሓወሰ እቲ ዝተረፈ ሜሞሪ ማለት እዩ። ✅ Total Virtual Memory ሓሳባዊ ሜሞሪ ማለት ንሕጽረት ፊዚካል ሜሞሪ ኮምፒተር ንምኽሕሓስ ዝጠቅም ሜሞሪ ማለት እዩ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
745
10
ሰላም ኣሕዋት ትግራይ ቴክኖሎጂ ኣብ ፌስቡክን ቴሌግራምን ብፅሑፍ ፣ ኣብ ይትዩፕን ቲክቶክን ድማ ብቪድዮ ዝተፈላለዩ ናይ ቴክኖሎጂ ትምህርትታትን ሓበሬታታትን እናቅርበ ይርከብ። ዝከበርኩም ደቂ ትግራይ ኣብቶም ትጥቀምሎም መማረፅታት ማሕበራዊ ሚድያ Follow ብምግባርን ናብ ካልኦት ንክባፃሕ ሼር ብምግባርን ኣብ ህንፀት ወለዶ ትግራይ እጃምና ንክነውፊ ኣተባቡዕና።
2 375
11
ፌስቡክና ተጠሊፉ ከይኮን ብከመይ ንፈልጥ? ፌስቡክ ኣካውንትና ተጠሊፉ ከይኮን ንምፍላጥ ዝስዕቡ ከይድታት ንከተል። 1. Settings and Privacy ንኣቱ 2. Setting 3. Security and Password 4. Where you are logged in ኣብዚ ምስ ኣተካ ብኣየናይ ሞባይል ወይ ኮምፒተር ፣ ካበይ ቦታን ሃገርን ፣ ብኣየናይ ብራውዘር ወይ ኣፕሊኬሽን ፣ ቅድሚ ሐዚ መዓዝን ኣየናይ ዕለትን ከም ዝኸፈትካ ከርእየካ እዩ። ግን ብቖፃል ዝተፃሕፈ Active Now ዝብል ሐዚ ኣቲካ ትጥቀመሎም ዘለካ ኣካውንታት እዮም። እቶም Session ብዝብል ተዘርዚሮም ዘለው ፡ ናትካ እንተዘይኮይኖም ኣብ ታሕቲ ዘሎ Logout All Sessions ዝብል ብምጥዋቕ ባዕልኻ ካብ ሃከራት ክተድሕን ትክእል ኢኻ። ፌስቡከይ ተጠሊፉ እዩ ኢልካ እንተጠራጢርካ ብቀጥታ ፓስዎርድካ እንተትቅይር ይምረፅ። ኣብ Where you are logged in፡ ምስ ኣተካ ኣብ ትሕቲ Login፡ Change password ዝብል ንጥውቕ፡ current passwordን New passwordን ነእቱ፡ Save Changes ዝብል ንጥውቕ። ✅ ከምኡ ውን Two Factor Authentication እንተወሊዕካ ዝበለፀ ድሕንነት ፌስቡክካ ውሕስ ይከውን። እዚ On እንተኾይኑ ዋላ ሓደ ሰብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንትካ ፓስዎርድ እንተፈለጠ ናብ ስልክኻ ዝለኣክ ናይ Security Code ክረክብ ስለዘይክእል ክከፍቶን ክጥቀመሉን ኣይኽእልን። ስለዚ On ክትገብሮ ይምከር። ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ክተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ! ✅ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ እዚ ዘሎ Get alert about unrecognized logins ዝብል On ብምግባር ዝኮነ ሰብ ብኣካውንትና ክጥቀም እንትሙክር ናብ ስልክና መልእክቲ ከም ዝለኣከልና ምግባር ንክእል ኢና። Get alert about unrecognized logins ዝብል ምስ ኣተና ብኢሜል ወይ ሚሰጅ Notification ከም ዝለኣከልና ምግባር ንክእል ኢና። ስለዚ ካልእ ሰብ ናብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንትና ክኣቱ እንትሙክር፡ ፌስቡክ ባዕሉ "ሓደ ሰብ ናብ ናይ ፌስቡክ ኣካውንትካ ክኣቱ ይፍትን ኣሎ። ንስኻ ዲኻ?" ዝብል መልእክቲ ናብ ስልክና ክሰደልና እዩ። ንሕና ድማ "ኣነ እየ" ንብሎ። እንተዘይኮይኑ "ኣይኮንኩን" ምስ በልናዮ ፓስዎርድና ክንቅይር ይሓተና። ሓድሽ ፓስዎርድ ምስ ቀየርና ካብ ኩለን ቅድሚ ሐዚ ዝኣተናለን ሞባይላትን ኮምፒዩተራትን ከውፀአና እዩ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
626
12
ኣንድሮይድ ሞባይል ተጠቀምቲ ክህልወኩም ዝግባእ ወሳኒ ኣፕሊከሽን 👆👆 1. ከም ብሮውዘር ኮይኑ ጉግል ፣ ፌስቡክ ፣ ይትዩፕን ካልኦት ንክትጥቀም የክእለካ 2. ካብ ፌስቡክ ፣ ይትዩፕን ካልኦት ድሕረገፃትን ቪድዮ ፣ ኦድዮ ፣ ኣፕሊከሽንን ካልኦት ፋይላትን ንምውራድ ይጠቅም 3. ቪድዮን ኦድዮን የፃውት 4. ቪድዮ ናብ ኦድዮ ንምቅያር ይጠቅም 5. ፋይላት ብፓስዎርድ ቆሊፍካ ንምቅማጥ ወይ ድማ ንምሕባእ ይጠቅም
643
13
SpaceX ንሓደ ወዲ 14 ዓመት ኣሜሪካዊ ሰገን ኣብ ክፍሊ ኢንተርኔት ሳትላይት ስታርሊንክ ሶፍትዌር ኢንጂነር ገይሩ ቆጺሩዎ! ሚስተር ካይራን ኳዚ ኣብ መበል 10 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ኢንቴል ከም ልም
SpaceX ንሓደ ወዲ 14 ዓመት ኣሜሪካዊ ሰገን ኣብ ክፍሊ ኢንተርኔት ሳትላይት ስታርሊንክ ሶፍትዌር ኢንጂነር ገይሩ ቆጺሩዎ! ሚስተር ካይራን ኳዚ ኣብ መበል 10 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ኢንቴል ከም ልምምድ ተቐባልነት ረኪቡ፡ ኣብ 11 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሳንታ ክላራ ተማሃራይ ኮይኑ ዝኣተወ፡ ኣብ 14 ዓመት ዕድሚኡ ድማ ብዓውዲ ኮምፒተር ሳይንስ ብምምራቕ፡ ኣብ ናይ 172 ዓመት ታሪክ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ዝነኣሰ ምሩቕ ኮይኑ፣ ሐዚ ድማ ኣብቲ ንክትቁፀረሉ ቀሊል ዘይኮነ ስፔስኤክስ ንክቁፀር ዕድል ረኪቡ ኣሎ። 🔗 @tigraytechnology
662
14
📱ሞባይልና ንምንታይ Update ንገብር? ከመይ ገይርናከ ኣፕዴት ንገብራ? ወናኒ ኣንድሮይድ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ዝኾነ ጉግል፡ ብቐፃልነት ኣብ ኣንድሮይድ ዝተፈላለየ ምምሕያሻት ይገብር። ስለዚ ድማ ዝሓሸ ኣገልግሎት በቢግዚኡ ንምርካብ ኣንድሮይድ ኦፐሬቲንግ ሲስተምና Update ክንገብሮ ኣለና። 🔰 ፈለማ ስለምንታይ እዩ ኣንድሮይድ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ብቐጻሊ update ምግባር ዘድሊ? 🔹 ናይ ስልክና ናይ ስራሕ ዓቕሚ ንምዕባይ 🔹 ዕድመ ስልክና ንምንዋሕ 🔹 ሓደስቲ ምዕባለታት ንምጥቃም 🔹 ድሕንነት ስልክና ንምሕላው 🔹 ስልክና ካብ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲ ቫይረስ ንምክልኻል 🔹 ዕድመ ባትሪ ስልክና ንምንዋሕ ❇ ኣንድሮይድ ኦፐሬቲንግ ሲስተም Update ንምግባር ክንክተሎ ዝግበኣና ከይድታት.. 1. ኣብ ናይ ኣንድሮይድ ስልኪ ኣፕሊኬሽን ኣቲና Settings ንኸፍት 2. ካብቲ ዝመጸና ዝርዝር "About phone/device" ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ኣማራጺ ንኽፈት 3. ቀፂልና "System Updates" ወይ "Software Update" ዝበሃል ኣማራጺ ክመጸና እዩ፡ 4. "System Updates" ክንከፍት ከለና ብዙሕ ኣማራጺታት እንተተራእዮም፡ "Check for updates now"፡ "Software update check" ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ኣማራጺታት ብምእታው ናይ ኣንድሮይድ ኦፕሮቲንግ ሲስተምና ኣፕዴት ክንገብር ንኽእል። ⚠ ጥንቓቐ ስልክና ኣፕዴት ክንገብር ከለና ክንጥንቀቆም ዝግብኡ ነገራት ❗️ ብዙሕ ዳታ ከኽፍለካ ስለ ዝኽእል ብዋይፋይ ኣፕዴት ምግባር ይምረፅ። ❗️ቅድም ስልክና እኹል ቻርጅ ምህላው ምርግጋፅ። ❗ናይ ፋይላትና ባክኣፕ እውን እንተንቅምጥ ይምረፅ። ሓድሓደ ግዜ ፋይላትና ክጠፍኡ ስለዝክእሉ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
701
15
🔓📲 ናይ ሞባይልና ፓተርን ወይ ፒን እንተረስዒናዮ ብከመይ ሞባይልና ንከፍታ? ናይ ስልክና ፓስዎርድ እንድሕር ረስዒና ብከመይ ዝተረሰዐ ፓተርን ደምሲስና ዳግማይ ሞባይልና ከምንከፍት ንርአ። ⚠ ክንፈልጦ ዘለና ነገር እንተሃልዩ በዚ ሜላ ተጠቂምና ፓስዎርድ እንትንቅይር install ዝተገበሩ ኣፕሊኬሽናት ፣ ዝተመዝገበ ስልኪ ቁፅርታት ፣ ሚሰጃት ከምኡ እውን ኣብ internal memory ዝነበሩ ፋይላት ምጥፍኦም ዘይተርፍ እዩ። ❇ እዚ ፈሊጥና ነዘን 6 ከይድታት ተጠቐሚና ናይ ስልክና ፓስዎርድ ምቅያር ንክእል። 1. ንዝተወሰነ ሰኮንድታት ሞባይልና Switch-Off ገይርና ነፅንሓያ። 2. ነዞም ዝስዕቡ ቁልፍታት ጸቒጥና ክሳብ ትውልዕ ንፀበ። ኣብዙይ ከከም ስልኪ ዓይነቱ ይፈላለ እዩ። Samsung = ድምጺ መወሰኪ ( ) + Home key + Power button Tecno & Huawei = volume up + power button ብሓደ ግዜ ጠውቂና ሒዝና ስልክና ነልዕላ። 3. ሐዚ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ክመፁልና እዮም። ንላዕሊ ንታሕቲ ንምንቅስቃስ volume up and down ብምጥቃም power key ድማ Ok ንምባል ንጥቀመሉ። 4. "Restore factory defaults" ወይ "Delete all user data" ዝብል ንመርፅ። 5. "Reboot system now"። ዝብል ንመርፅ። 6. ስልክና Reboot ገይሩ ክሳብ ዝውድእ ንፀበ። ድሕሪኡ ስልክና መጀመርያ ካብ ፋብሪካ ክትወፅእ እንከላ ከም ዝነበረቶ ክትከውን እያ። ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
599
16
ቴሌግራም ተጠቀምቲ ክትጥቀምሎም ዝግባእ ናይ ቴሌግራም ቦት ✅ @BotFather ናይ ባዕልካ ቦት ንምስራሕ ✅ @GmailBot - እዚ እንተሃሊዩካ ናይ Gmail app ኣየድልየካን ፣ እዚ ቦት መልእኽቲ ክትሰድድን ክትቅበልን ዘኽእለካ ናይ Gmail #Verified ቦት እዩ! ✅ @downloader_tiktok_bot ናይ ቲክቶክ ቪድዮ ብዘይ ኣርማ (Watermark) ንምውራድ ዝጠቅም ቦት። ✅ @utubebot - ብቴሌግራም ናይ #YouTube ቪድዮታት ክተውርዱ ምስ እትደልዩ ነዚ ቦት ተጠቐሙ! ካባኻ ትጽቢት ዝግበር ሊንክ ናይቲ ክተውርዶ እትደሊ ቪድዮ ነቲ ቦት ምሃብ ጥራይ እዩ! ✅ @Gozilla_bot - እዚ እውን ካልእ መማረፂ ካብ #YouTube ቪድዮታት እተውርድሉ እዩ። ✅ @apkdl_bot - ኣብ ፕለይ ስቶር ዘለው ወይ ፕለይ ስቶር ምስራሕ ዝኣበየኩም በዚ ቦት ተጠቂምኩም ዝደለኩሞ ናይ ኣንድሮይድ ኣፕ ክተውርዱ ትክእሉ። ✅ @AppFollowBot ናይ iphone ኣፕሊከሽናት ትረክብሉ ቦት እዩ። ✅ @MathCalcBot - ናይ ቴሌግራም ካልኩሌተር ቦት ✅ @NoteOfficialBot - መዘክር ንምሓዝ ዝጠቅም ቦት ✅ @liverobot - ናይ ፕሪምየር ሊግን ላሊጋን ፀወታታት ንምርኣይ ዝጠቅም ቦት ✅ @TextMagicBot ► ስም ቻነልካ ወይ ስምካ ብዝተፈላለየ ቅርጺ (🅕ʇuoɟ, 𝓕ont...) ክትጽሕፍ እንተደሊኻ ✅ @texttsbot እዚ ድማ ዝሃብካዮ ጽሑፍ ናብ ድምጺ ይቕይረልካ ✅ @junction_bot ካብ ሓደ ቻነል እንተተኣጊድካ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝዝርግሕዎ ፖስት ክትርኢ የክእለካ። ✅ @spotify_to_mp3_bot - ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ደርፍታት ኣብ Spotify ይርከቡ ፤ እቲ ዝደለኻዮ መሪፅካ ተውረድሉ ✅ @XompressorBot - ዝኾነ Mp3 ፎርማት ፋይል ሳይዝ ንምቅናስ ንጥቀመሉ። ✅ @pdfbot - እዚ ቦት ዝደለኻዮ #Pdf_File ንምፍጣርን ንምንባብን ይጠቅም። ✅ @GeezNumberBot - ዝኾነ ቁፅሪ ናብ ግእዝ ቁጽሪ ንምቅያር ዝጠቅም ✅ @Anonymous_telegram_bot - ቴሌግራም መንነትካ ከይተፈልጠ ንምጥቃም ✅ @PhotosetterBot - እዚ ቦት ከም ስካነር ኮይኑ፡ ናይ ጽሑፍ ስእሊ ናብ ጽሑፍ ቀይሩ ይሰድድ። ✅ @gamee ዝተፈላለዩ ጌማት ዝሓዘ ✅ @UnitConversionBot - ዝኾነ መለክዒ ኣሃዱ ንምቕያር ✅ @MyAndroidNewsBot - ብዛዕባ ኣንድሮይድ ስልክና እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ✅ @joinhider_bot - ሓደ ሰብ ኣብ ጉሩፕካ ክጽንበር ከሎ ወይ ክወፅእ ከሎ ዝርአ joined, leave ዝብሉ መልእክቲ ንምጥፋእ ነዚ ቦት ኣድሚን ግበሮ ✅ @nosticker_bot - ናብ ጉሩፕካ ስቲከር ክለኣኽ እንተዘይደሊካ ነዚ ቦት ተጠቐመሉ። ✅ @RemoveHiBot - ኣብ ግሩፕ ከም Hi/Hello ዝብል መልእኽቲ ምልኣኽ ደው ክተብል እንተደሊኻ ነዚ ቦት ተጠቀም። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ናይ ፌስቡክ ገፅና ላይክ ይግበሩ https://www.facebook.com/tigraytechnology
557
17
ብሞባይል ስልኪ መዘክር (Note) ምሓዝ ንተዘውትሩ ዝጠቅም ብሉፅ ኣፕሊከሽን ኣብ ጉግል ፕለይ ስቶር ብዙሓት መዘክር ንምሓዝ ዝጠቅሙ ኣፕሊከሽናት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ሰባት ግን ናብቶም ከም Google Keep, Evernote ወይ Microsoft OneNote ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣስማት ይስሓቡ። ሓድሽ ነገር ክትፍትን እንተደሊኻ፡ WeNote ዝበሃል መተግበሪ (Application) ሞክር። ልክዕ ከም ዝኾነ ካልእ ኣፕ ንመዘክሪታትካ፡ ዝርዝር ስራሕካ፡ ወዘተ ዝኸውን ኮይኑ፡ ግን ከም ንመዘኻኸሪታት ምምዕርራይ፡ መዘኻኸሪታት ብፓስዎርድ ምዕጻው፡ ካልእን ዝኣመሰሉ ባህርያት ኣለዎ። እቲ ኣፕሊከሽን ካብ ቴሌግራም ቻናልና ብምውራድ ወይ ድማ ኣብ ስልክና ናብ playstore ብምእታው ክንፅዕኖ ንኽእል ኢና። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ካብ ፌስቡክ፣ ቴሌግራምን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝረከብናዮም ማስታወሻታት ንምትሓዝ ንጥቀመሉ። ነዚ ኣፕሊኬሽን ምስ Google Drive ብምትእስሳር፡ ኣብቲ ኣፕሊኬሽን ናይ ዘለው መዘክራት ባክኣፕ ክትሕዝ ትኽእል። ጥቕሚ ባክኣፕ፡ ንኣብነት እቲ ኣፕሊኬሽን እንተጠፊኡ፡ እታ ስልኪ እንተጠፊኣ፡ እታ ስልኪ እንተተበላሽያ፡ ኣብ ካልእ ስልኪ ከፊትና ነቲ መዘክር እንደገና ክንረኽቦ የኽእለና። ባክኣፕ ንምሓዝ ኢመይል የድልዮ፣ ኢመይል ኣድራሻ ብምእታው ድማ ነቲ ዳታ ክንሕዞ ንኽእል። ካልእ ረብሓ ንደልዮ ምድብ ብምስያም መዘክር ክንዳልው የኽእለና። ኣብነት ℹ️ ካላንደር ℹ️ ንምርኣይ ብዝጥዕም መንገዲ ብዝደለናዮ View style ክንዳሎ ይገብረና። ℹ️ ጽሑፍ ብምጽሓፍ ዝተጠቐምናሉ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ክንደሊ የኽእለና። ℹ️ Sorting type ብዝደለናዮ ዓይነት ክንሰርዕ የኽእለና። እቲ ኣፕ ከምቲ ኣብ መግለጺ ፕለይ ስቶር ዝህቦ ዝርዝር ስራሕቱ ✅ ሕብራዊ መዘኻኸሪታትን ዝርዝር ስራሕን ክትፈጥር የክእለና። ✅ ፎቶ ወይ ናይ ኢድ ፅሑፍ ናብ መዘክርና ንምውሳክ የኽእለና። ✅ መዘክራት፣ ዝርዝር ስራሕ ወይ ድማ እቲ ኣፕ ባዕሉ ብፒን፣ ፓስዎርድ ወይ ኣሰር ኣጻብዕቲ /ዓሸራ ክንቁልፎ ንኽእል ኢና። ✅ ዝደለኻዮ መዘክር ፒን ክትገብር የኽእለካ። ✅ ምስ Google Drive ብውሑስ መንገዲ ክትራኸብ ስለ እትኽእል ንመዘኻኸሪታትና ባክኣፕ ክንገብር ንኽእል ✅ ኣብ ኢመይል፣ SMS፣ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ መልእኽቲ መተግበሪታትን መዘኻኸሪታት ኣታች ምግባር ትክእል። ✅ ቅልጡፍ ኣለሻ / Fast Searching 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
490
18
WeNote_5.15.apk
397
19
"ፋታሕ" ዝተባህለ ሓድሽ ናይ ኢራን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ኢራን ንፈለማ እዋን ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዘቕረበት ገሊፃ። ኢራን ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሐ 'ፋታሕ' ዝበሃል ሃይፐ
"ፋታሕ" ዝተባህለ ሓድሽ ናይ ኢራን ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ኢራን ንፈለማ እዋን ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዘቕረበት ገሊፃ። ኢራን ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተሰርሐ 'ፋታሕ' ዝበሃል ሃይፐርሶኒክ ባሊስቲክ ሚሳይል ትማሊ ሰሉስ 6 ሰነ 2023 ከምዘቕረበት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢርና ጸብጺቡ። እቲ ሚሳይል ክሳብ 1400 ኪ.ሜ ርሕቀትን ፣ ክሳብ 5 ዕጽፊ ናይ ድምጺ ፍጥነትን ክጓዓዝ ከምዝኽእልን ናብቶም ኣዝዮም ምዕቡላት ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይላት ክኣቱ ከምዝኽእልን ይንገር። "ፋታሕ" ጸረ ሚሳይላት ናይ ጸላኢ ሚሳይል ክዓግትን "ንኽልቲኡ ምክልኻል ሚሳይላት ኣሜሪካን እስራኤልን ሓሊፋ ዕላማ ክውቅዕ" ከም ዝኽእል'ውን ይሕበር። እቲ ብላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ብቋንቋ ፋርሲ ‘ፋታህ’ ዝብል ስም ዝተወሃቦ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል፡ እዚ ድማ “መኽፈቲ” ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎን ገሊጾም።
411
20
🔐 ፍላሽ ብፓስዎርድ ብከመይ ንቁልፍ? ኣብ ፍላሽ ዲስክ ዝተፈላለዩ ምስጢራዊ ዳታታት ንሕዝ ኢና። ነቲ ብዘይካ ባዕልና ካልእ ሰብ ክርእዮ ዘይንደልዮ ዳታ (ፋይላት፡ ቪድዮታት፡ ስእልታት ወዘተ) ብከምዚ ዝስዕብ ክንቁልፎ ንክእል ኢና። ተጠቀምቲ ዊንዶውስ 10 ኣብ ታሕቲ ዘሎ ከይድታት ብምኽታል ፍላሽ ድራይቭና ብፓስዎርድ ክንዓጽዎ ንኽእል ኢና። 1-ፍላሽ ድራይቭ ኣብ ኮምፒተርና ሰዂዕና "This PC" ዝብል ምልክት ንጥውቕ... 2- "This PC" ዝብል ምስ ጠወቕና ኣብቲ ዝረአ ሳጹን ፍላሽ ድራይቭና ክረአ እዩ። 3- ኣብ ፍላሽ ዲስክ "right click" ንገብር 4- ኣብ ፍላሽ ዲስክ "right click" ምስ ገበርና "Turn BitLocker on" ንመርጽ። 5- "Use a password to unlock the drive" ዝብል ንጥውቅ 6- ብድሕሪኡ ፓስዎርድ ኣእቱ ይብለና። ዘይንርስዖ ፓስዎርድ ኣእቲና "Next" ዝብል ንጥውቅ። 7- ድሕሪኡ "Encrypt entire drive" ዝብል ንመርጽ እሞ "Next" ንብል። ተወዲኡ ፍላሽ ድራይቭ ብፓስዎርድ ተዓጽዩ ኣሎ። ብድሕሪ እዚ ብዘይ ብኣኻ ካልእ ሰብ ነቲ ፍላሽ ክጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ፍላሽ ክንጥቀም ምስ እንደሊ ኣብ ኮምፒተርና ኣእቲና እንትነክኦ ፓስዎርድ ክነእቱ ይሓተና ፓስዎርድ ብምእታው ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/
419