en
Feedback
Tigray Technology

Tigray Technology

Open in Telegram

💻 ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትምህርትታትን እዋናዊ ዜናታትን ዝቀርበሉ ቻናል! ==================== Home for Science & Technology Tutorials and News! 📱

Show more
563
Subscribers
No data24 hours
No data7 days
No data30 days
Posts Archive
10 ኣለዉ ኢልካ ዘይሕሰቡ ኣገረምቲ ድሕረገፃት ሎሚ ኢንተርኔት ምድህሳስ ዕለታዊ እንተግብሮ ስራሕ ኮይኑ ኣሎ። ግን መብዛሕትኡ ግዜ እንሪኦም ድሕረገፃት እቶም ልሙዳትን ኩሉ  ግዜ እንጥቀመሎምን እዮም። ንሎሚ ድማ መብዛሕትኡ ሰብ ብበዝሒ ዘይጥቀመሎም 10 ኣግረምቲ ድሕረገፃት ክሕብረኩም። 1. 10minutemail.com እዚ ድሕረገፅ ን10 ደቒቓ ዝፀንሕ ኢመይል ንምክፋት ይጠቅም። ድሕሪ 10 ደቒቓ ድማ ኩሎም ዝተለኣኣኽናዮም መልእክቲታትን ነቲ ኢሜል ባዕሉን የጥፍኦ። 10minutemail.com ኢልና እትው ምስ በልና ምዝገባ ከይድለየና ባዕሉ ኢሜል ኣድራሻ ይህበና። Tempmail እውን ተመሳሳሊ ጥቅሚ ይህበና እዩ። እዚ ድማ ዘስግኡና ድሕረገፃት ኢሜል እንተሓቲቶምና ካብዚ ክንህቦም ንክእል ኢና። 2. fakenamegenerator.com መንነቶም ክፍለጡ ዘይደልዩ ሰባት ኣብዚ ድሕረገፅ ኣቲዮም ናይ ሕሶት ስምን ኣድራሻን ክፈጥሩ ይክእሉ። 3. downforeveryoneorjustme.com ሓደሓደ ድሕረገፃት ምክፋት ክኣብዩና ይክእሉ እዮም። ግን ንበይንና ድዮም ወይስ ንኩሉ ዝብል downforeveryoneorjustme.com ኣቲና ክነረጋግፅ ንክእል ኢና። 4. timeanddate.com ኣብ ሞንጎ ዓመታት ዘሎ መዓልቲታት ንምስላሕ ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ። ኣብነት ዕድሜና ብመዓልቲታት ንምስላሕ እንተደሊና ናይ ዝተወለድናሉ ዕለት፣ ወርሒን ዓመትን ምስቲ ዘለናሉ መዓልቲ ( ዕለት፣ ወርሒን ዓመትን) ብምእታው ንክንደይ መዓልቲ ኣብ ዓለም ከም ዝፀናሕና ንምፍላጥ የክእለና። 5. webcapture.net ናይ ድሕረገፃት ቅድሚት-ገፅ(homepage) ንምቕራይን ናብ JPG ፣ PNG  ወይድማ ናብ PDF ፎርማት ንምቅያርን ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ። 6. google.com/ncr ጉግል google.com ኢልና ክንከፍት ከለና ናብ ናይ ሃገርና ዶመይን እዩ ዘእትወና። ንኣብነት ጉግል ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና እንትንከፍት ናብ google.com.et ይወስደና። እዚ ድማ ጉግል በቢሃገራት ዝፈቅዶን ዝክልክሎን ነገር ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ጉግል ብዘይ ገደብ ክንጥቀም እንተደሊና google.com/ncr ብምእታው ክንጥቀም ንክእል ኢና። 7. virustotal.com ካብ ንፈልጦ ይኩን ዘይንፈልጦ ሰብ ዝተለኣኩልና ፋይላት ብቫይረስ ዝተጠቅዑ ምኳኖምን ዘይምኳኖምን ቼክ ንምግባር ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ። 8. http://map.norsecorpe.com/#/ ኣብ ዓለምና ዝካየዱ ዘለዉ ናይ መረዳእታ ምጭብርባራት ንምርኣይ ይጠቅም። 9. hackertyper.net እዚ ድሕረገፅ ከፊትና ዝተፈላለዩ ፊደላትን ቑፅርታትን እንትንጥውቅ ሃከራት ዝጥቀምሉ ዓይነት ገፅ የምፀአልና። 10. strongpasswordgenerator.com ንፌስቡክ ፣ ንኢሜልን ካልኦት ፓስዎርድ ዘድልዮም ነገራትን  ብቀሊሉ ዘይስበር ፓስዎርድ ንምፍጣር የክእለና። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

ሓድሽ ጉግል ዕላዊ ዝገበሮ ተዓፃፊ ስልኪ Google Pixel Fold! Specifications: • External: 5.8" inch 120Hz FHD+ OLED Display • Inner: 7.6" incD
ሓድሽ ጉግል ዕላዊ ዝገበሮ ተዓፃፊ ስልኪ Google Pixel Fold! Specifications: • External: 5.8" inch 120Hz FHD+ OLED Display • Inner: 7.6" incDisplay OLED Display • Tensor G2 SoC with Titan M2 • 48MP main + 10.8MP Ultra-Wide + 10.8MP Telephoto camera with 5x Optical Zoom • 9.5MP outer & 8MP  inner selfie • 12GB LPDDR5 RAM with UFS 3.1 storage • IPX8 water resistance • 4821 mAh battery • 283g weight • Custom 180 degree hinge 💰 Starts at $1799 Sold in the US, UK, Germany and Japan.

AD Blocker ካብ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ምጥቃም ከም ዘይፈቅድ youtube ኣፍሊጡ.
AD Blocker ካብ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ምጥቃም ከም ዘይፈቅድ youtube ኣፍሊጡ.

✅ ኣብ ናይ ትማሊ መደብ ስልኪ ሩት ምግባር እንታይ ማለት ምዃኑን ሩት ምግባር ዘለዎ ረብሓን ጉድኣትን ክንርኢ ፈቲንና ኢና። ✅ ሎሚ ናብቲ ከመይ ጌርና ስልኪ ሩት ንገብር ዝብል ሕቶ ምስ እንኸይድ ንሎሚ ቀለልቲ ዝኾኑ ክልተ ዝተፈላለዩ ሜላታት ንርአ። 🔘 ቅድሚ ሩት ምግባርና ክንገብሮ ዘለና ጥንቃቐ። 1. ናይ ፋይላትና ባክኣፕ ክነቅምጥ ኣለና። ▪️ ምኽንያቱ ሩት ንገብራ ዘለና ስልኪ ፌይል እንተገይራ ዳታ ክንስእን ንኽእል ኢና፡ ስለዚ ዝጠፍአ ዳታ ንምምላስ ባክኣፕ ፋይል ክንቅምጥ ይምከር። 2. ባትሪና ልዕሊ 50% ቻርጅ ክህልዎ ኣለዎ። ▪️ ሩት እናገበርካ መብራህቲ እንተጠፊእካ ስልክኻ ፌይል ንከይገብር። 3. ስልክና ሩት ክንገብር ከለና ቅልጡፍ ኢንተርነት ኮኔክሽን ስለ ዘድሊ፡ ስልክና እኩል balance እንተሃልይዋ ክነረጋግፅ ኣለና። ▪️ ዋይፋይ ምጥቃም ይምከር። ❇ ቀደማይ ሜላ ❇ እዚ ሜላ እዚ ስልክናን ኢንተርኔትን ጥራሕ ተጠቒምና ሩት እንገብረሉ ቀሊል ሜላ እዩ። 1. መጀመርያ ኣብ ቴሌግራም ቻናለይ ዝለቀቅክዎ King Root for Android ዝብል ኣፕሊኬሽን ኣውርዱ። ወይ ብቐጥታ ካብ Google ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። 2. ነቲ ኣፕሊኬሽን ኣውሪድና ኣብታ ሩት ክንገብራ ዝደለና ስልኪ ንፅዓኖ፡ ድሕሪኡ ሞባይል ኢንተርነት /Wi-Fi/ ወሊዕና ነቲ ዝተፀዓነ ኣፕሊኬሽን ከፊትና root ዝብል ንጠውቅ። 🔺እዚ ኣፕሊኬሽን ኩሉ ነገር ባዕሉ እዩ ዝገብሮ ምስ ተዛዘመ እታ ስልኪ ጠፊኣ ወሊዓ ድሕሪኡ "Root Successfully" ትብል። 3. ቀፂሉ ኣብታ ስልኪ Super User ወይ King User ዝበሃል ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ክንረክብ ኢና፡ እዚ ማለት ድማ ​​ስልክና ሩት ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኣለና። ❇ ካልኣይ ሜላ ❇ ሜላ ሓደ ኣብ ላዕሊ ዝተርኣየ እቲ ዝቐለለ ሜላ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣገባብ ድማ ኮምፒተርና ተጠቂምና ሩት ናይ ምግባር ሜላ እዩ። 1. መጀመርያ kingo root ዝበሃል ሶፍትዌር ኣብ ኮምፒተርና ክንፅዕን ኣለና ኣለና። እቲ ሶፍትዌር ካብ ቴሌግራም ቻነለይ ወይ ድማ ካብ Google ክተውርድዎ ትኽእሉ ኢኹም። 2. ቀፂልና እቲ ሶፍትዌር ኣብ ኮምፒዩተርና ከፊቲና ምስ ኢንተርኔት ከነራኽቦ ኣለና። 3. ናብ ናይ ስልክና ሴቲንግ ኣቲና Developer options menu ከፊትና USB debugging Enable ንገብር። ▶ እዚ ንምግባር እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ከይድታት ተኸተሉ! 👉🏿 android 4.0 ወይ 4.1 እንተኾይኑ setting > developer options> USB debugging 👉🏿 android 4.2 እንተኾይኑ፡ setting > about device > developer options > USB debugging 👉🏿 ኣንድሮይድ 4.3ን ልዕሊኡን፣ developer option ዝብል መማረፂ ስለዘየለ:- ናብ setting > about phone ብምኻድ ነቲ build number ዝብል 7 ግዜ ብምጥዋቕ ነቲ developer option menu ክነምፅኦ ኣለና፡ ድሕሪኡ ናብ developer option ብምእታው usb debugging ንጥውቕ። ሐዚ ስልክና መጠንቀቕታ እንተሂባ ok ወይ yes ዝብል ክንፈቕደሉ ኣለና። 4. ስልክና ምስ ኮምፒተር ብUSB Cable ኣራኺብና kingo root program ንኽፈት። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ፕሮግራም ምስ ስልኪ ክራከብ ክፈቅደሉ ድየ ኢላ ምስ ሓተተት ፍቐድ ንብል። ፍቓድ ምስ ረኸበ kingo root ስርሑ ክጅምር እዩ። ⏰ ከከም ፍጥነት ኢንተርኔትና ካብ 5-20 ደቓይቕ ክወስድ ይክእል እዩ። ብድሕሪኡ ምስወድአ 100% success ኢላ ከም ብሓድሽ ትውልዕ እሞ ኣብ ስልክና super user ወይ king user ዝበሃል ሓድሽ ኣፕሊኬሽን ይመፅእ። ስልክና ብዕውት ዝኮነ ኣገባብ ሩት ገይርና ማለት እዩ። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

👆KingRoot for android

👆Kingo Root for computer

ስልክና ከመይ ሩት ንገብር ይለቐቕ ዶ ይገደፍ?
Anonymous voting

✅ 1. ስልኪ ሩት/Root ምግባር እንታይ ማለት እዩ? ✅ 2. ስልኪ ሩት ምግባር እንታይ ረብሓን ጉድኣትን ኣለዎ? ✅ 3. ከመይ ጌርና ኢና ስልክና ብቐሊሉ ሩት ክንገብራ ንኽእል? ❇ 1. ስልኪ ሩት ምግባር እንታይ ማለት እዩ? ስልኪ ሩት ምግባር ማለት ነታ ስልኪ ካብ ቁፅፅር እቲ ዝሰርሓ ትካል ነፃ ምግባር ማለት እዩ። ወይ ድማ ሙሉእ ወናኒ ስልክና ምዃን ማለት እዩ። እዚ ክንብል ከለና ድማ ኣብ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ስልክና ክንሰርሕ እንከለና ክንገብሮ ዘይንኽእል root access ዘድልዮም ነገራት ክንጥቀም የኽእለና። ብኻልእ ኣዘራርባ ሩት ዝኮነ ስልኪ ኣብ ኮምፒተር ኣድሚን ከም ንብሎ ተጠቃሚ ክኸውን ከሎ ሩት ዘይኮነ ስልኪ ድማ ውሱን ወይ Guest ተጠቃሚ ከም ማለት ይከውን። ❇ 2. ስልኪ ሩት ምግባር ዘለዎ ረብሓን ጉድኣትን እንታይ እዩ? ስልክና ሩት ክንገብሮ እንከለና እንረኽቦ ጥቕሚ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ንሎሚ ግን ገለ ካብቶም ቀንዲ ንዓኹም ክጠቕሙኹም ኢለ ዝሓስብክዎም ኣቅሪበ ኣለኩ። ✅ መሰረታዊ ረብሓታት። 1. ስልኪ ሩት ክንገብራ ከለና እታ ስልኪ ዝሰርሓ ትካል ካብ ዝሃበና ናይ ኣጠቓቕማ ገደብ ሓሊፍና ነታ ስልኪ ከም ድላይና ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። 2. ኣብ ስልክና ዝደለናዮ operating system, ROM, recovery install ብምግባር እቲ ትካል ክትፅዕኖም ዘይፈቕዶም apps install ብምግባር ተወሳኪ ጥቕሚ ክንረኽብ ንኽእል ኢና። 3. ቅልጣፈ ስልክናን ዕድመ ባትሪናን ካብ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ብዝተፈለየ መንገዲ ክንውስኽ የኽእለና። 4. ዌብሳይታት ክንከፍት እንከለና ተደጋጋሚን ዘይተደልየን መፋለጥታት(Ads) ክንዓግት የኽእለና። 5. እታ ስልኪ ክንገዝእ ከለና ኣብ ስልክና ተፃዕኖም ዝመፁ ናይ ሲስተም ኣፕስ ክነውግዶምን ከምኡ ውን ከይሰርሑ ክንዓግቶምን የኽእለና። 6. ስልክና ሩት ክንገብር ከለና፡ ዝኾነ ኣንድሮይድ ሲስተም ክንቅይሮ (Modify ክንገብሮ) የክእለና። 7. ብስልክና ብቀሊሉ WiFi ሃክ ክንገብር የኽእልና። ከም ትፈልጥዎ መብዛሕትኡ ናይ ዋይፋይ ሃክ መግበሪ ኣፕሊከሽናት ስልክታትና ሩት ክገብራ ስለዘለወን ኣይሰርሕን እዩ፣ ሩት እንተገይርናየን እዩ ዝሰርሕ። ከምኡ ውን ናይ ካልኦት wifi connection ብምዕፃው ንበይንና ክንጥቀሞ የክእለና። 8. ካሊእ ነገር ድማ Bloat Ware ካብ ስልክና ክንድምስስ ንኽእል ኢና። Bloat ware ኣብ ስልኪ ዘሎ ኣፕ ኢዩ ክንድምስሶ ዘይንኽእል ሩት እንተገይርናዮ ግን ክንድምስሶ ንኽእል ኢና። 9. ኣብ android ስልክና Linux os ክንፅዕን የኽእለና። 10. ብተወሳኪ ናይ android ስልክና processing speed ክንውስክ ይጠቅመና። 1.2 GHz processor ናብ 1.5 GHz processor ክንውስኽ ንኽእል ኢና። ❎ ጉድኣት ስልኪ ሩት ምግባር እንታይ እዩ? ⚫️ እታ ስልኪ እቲ ዝሰርሓ ትካል ስለ ዘይቆፃፀራ ብዛዕባ ድሕንነት እታ ስልኪ ዝኾነ መረጋገፂ ወይ ውሕስና የብልናን። እዚ ማለት:- 🔻 እታ ስልኪ ብቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኣ ዝለዓለ እዩ። 🔻 እታ ስልኪ ዝሰርሐ ትካል ኣብ ስልኪ ዝኮነ ይኹን ጉድኣት እንተጋጢሙ ውሕስና ኣይወስድን እዩ። ⚫️ ብፍላይ ስልክና ሃይ ኮፒ/ናይ ሓሶት ስልኪ እንተኾይና ዝያዳ ጉድኣት ስለዘለዋ ሩት ዘይምግባር ይምረፅ። ⚠ ጥንቓቐ ⚠ ❎ ኣብ ላዕሊ ዝተፀሓፈ ምሉእ መብርሂ ከየንበብና ወይ ድማ ምሉእ ርድኢት ከይሓዝና ሩት ምግባር እንተፈቲንና ሙሉእ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ንሞባይልና ክበላሾ ይኽእል እዩ። 🔗 ብጥንቃቐ ክስራሕ ኣለዎ!!🔗 ✅ ስለዚ ስልኪ ከመይ ሩት ከም ንገብር ክትፈልጡ እንተደሊኩም ኣብ ኮሜንት ፅሓፉለይ። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

💻 ኮምፒዩተርና ቅልጡፍ ንምግባር ዝጠቅሙ 10 ሜላታት 💻 1. ዓቢይ ሳይዝ ዘለዎ Walpaper ኣይትጠቐም። 2. ኮምፒተር ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጅማራ (Shutdown ነይራ እንትለዓል) ንዝኮነ ኣ
💻 ኮምፒዩተርና ቅልጡፍ ንምግባር ዝጠቅሙ 10 ሜላታት 💻 1. ዓቢይ ሳይዝ ዘለዎ Walpaper ኣይትጠቐም። 2. ኮምፒተር ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጅማራ (Shutdown ነይራ እንትለዓል) ንዝኮነ ኣፕሊኬሽን ክትከፍቶ ወይ ክትትንክፎ ኣይትፈትን። 3. ሓደ ኣፕሊኬሽን ድሕሪ ምዕፃውካ ነቲ ዴስክቶፕ Refresh ግበሮ፤ እዚ ድማ ራም ሜሞሪ (#RAM) ነፃ ንክከውን ይገብሮ። 4. ዘይትጥቀመሉ ሶፍትዌር እንተሃልዩ ካብ ኮምፒተርካ ደምስሶ (Uninstall ግበሮ)። 5. ብዙሕ ፋይል ኣብ ዴስክቶፕ ኣይትቅምጥ፤ Shortcut እውን ክበዝሕ የብሉን። 6. ኮምፒተር ምስ ወለዐት ባዕሎም ዝኽፈቱ ኣፕሊኬሽናት(Start-up Apps) እንተሃልዮም ኣብነት Skype, 'disable' ግበሮም። 7. ኩሉ ግዜ 'Recycle bin' ነፃ ግበሮ። 8. ሃርድ ዲስኽካ ክልተ ፓርቲሽን ፍጠረሉ። 9. ብዙሕ ሶፍትዌር ብሓደ ግዜ ኣይትኽፈት። 10. ኮምፒዩተርካ Update ግበራ። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

ቻትጂፒቲ እንታይ እዩ? ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ብ OpenAI ዝተዳለወ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ(AI) ቻትቦት ኮይኑ ኣብ ሕዳር 2022 ተዘርጊሑ። ቻትጂፒቲ ከም ፕሮቶታይፕ ብ30 ሕዳር 2022 ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ፍልጠት ብዝሃቦ ዝርዝርን ንፁርን መልስታትን ኣቓልቦ ብዙሓት ክረክብ ክኢሉ እዩ። ቻትጂፒቲ ብዙሓት ሕቶታት ናይ ምሓዝን ንፁር መልሲ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናይ ምምላስን ብቅዓት ዘለዎ ኮይኑ ነዚ ንምትግባር ድማ Natural Processing Languageን GPT-3ን ይጥቀም። እንተኮነ ግን ዘይቅኑዕ መልሲ ብዓርሰ እምነት ናይ ምሃብ ዝንባልኡ ድማ ከም ርኡይ ጉድለት ተራእይሉ እዩ። ኣብ 2023 ድሕሪ ምምፃእ ChatGPT ዋጋ OpenAI 29 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ክግመት ክኢሉ እዩ። ናይ መጀመርያ ChatGPT GPT-3.5 ይበሃል ነይሩ። ሓዱሽ ሞዴል ናይ ቻትጂፒቲ ዝኮነ GPT-4 ኣብ መጋቢት 2023 ዝተዘርግሐ ኮይኑ ንዝኸፍሉ ተጠቀምቲ ውሱን ስራሕቲ እናሃበ ይርከብ። ቻትጂፒቲ ሰባት ዝተዛረብዎ ብምስማዕ ቀልጢፉ ናይ ምርዳእ ፣ ግጥሚን ደርፍን ኣብ ሓፂር ግዘ ናይ ምድላው ክእለት ዘለዎ ኮይኑ በዚ ድማ ንጉግል ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ። ብዛዕባ ChatGPTን GPT-4ን ከም በዓል ጀፍሪ ሂንተንን (ኣቦ ኣርቲፍሻል እንተሊጀንስ) ዮሹዋ ቤንጅዮን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ናይ ኮምፒተር ሳይንቲስታት ስግኣቶም እናገለፁ እዮም፣ እዚ ድማ መፃኢ ስርዓታት AI ንብልሒ ደቂ ሰባት ክብድሁ፣ ንዘይተደለየ ዕላማታት ክውዕሉን ኣብ ህላወ ወድሰብ ሓደጋታት ከስዕቡን ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ። OpenAI ካብ ተጠቀምቲ ChatGPT ዳታ ብምእካብ ነቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምስልጣንን ንምምዕርራይን እናሰርሐ ይርከብ። ተጠቀምቲ ካብ ChatGPT ዝረኽብዎ መልሲ upvote ወይ downvote ክገብሩን ተወሳኺ ግብረ መልሲ ዘለዎ ናይ ጽሑፍ ቦታ ክመልኡን ይኽእሉ። ቻትጂፒቲ ናይ ኣሜሪካ ውፅኢት ኮይኑ ዘርአዮ ተፅዕኖ ብምርኣይ ዓበይቲ ዝበሃላ ሃገራት ንዕኡ ዝወዳደር ናይ ባዕለን ናይ ኣርቲፍሽያል ኢንተሊጀንስ ቴክኖሎጂ ኣብ ምምሃዝ ይርከባ። ኣብነት ቻይና ትካል ባይዱ ኢርኒቦት ዝበሃል ፣ ቶንጂ ዥዌን ዝበሃል ቴክኖሎጂ ድማ ብናይ ኣሊባባ ትካል ተሰሪሖም እዮም። ሩስያ ድማ ጊጋቻት ዝበሃል ቴክኖሎጂ ንቻትጂፒቲ ንምውድዳር ሰሪሓ እያ። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

ሶፍያ ሮቦት ብዛዕባ AI (ባዕላ) ሓፂር ቃለ-መሕትት

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እንታይ እዩ? ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ካብ ስሙ ከም እንርድኦ ሰብ ዝሰርሖ ክእለት ማለት ኮይኑ እዚ ድማ ሰባት ካብ ዝሰርሕዎ ስራሕ ወይ ካብ ዘለዎም ክእለት ንላዕሊ ብዝተፈላለዩ ማሽናት (ኮምፒተራት ፣ ሞባይል ፣ ሮቦታትን ካልኦት ናይ ኢለክትሮኒክስ ዲቫሳት) ዝትግበር ወይ ዝሰራሕ ክእለት እዩ። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝስራሕ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራሚንግ ቛንቛታት ብምጥቃም ኮይኑ ኣብ ሐዚ እዋን ብዋናነት ብብዙሓት መማዕበልቲ(Developers) ዝስረሐሉ ዘሎን ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምቹው ዝኮነ ፕሮግራሚንግ ቛንቛ ፓይተን እዩ። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሰለስተ መሰረታዊ ኣምር ኣለዎ። ንሳቶም ድማ machine-learning ፣ deep-learningን ፣ neural networkን እዮም። ካብዚኦም ማሽን ሌርኒንግ ዝተፈላለዩ ዳታታት ብምጥቃም ንማሽናት ልክዕ ከምሰብ ብምምሃር ሰባት ዝሰርሕዎ ብፍላይ ድማ መድከሚን ተደጋጋሚን ዝኮነ ስራሕ ክሰርሑ ናይ ምግባር ከይዲ እዩ ። ነዚ ኩሉ ንምግባር ብቐንዱ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እንጥቀመሎም ባእታታት speech recognition ፣ computer visionን natural language processing (NLP)ን እዮም። ነዞም ኣካላት ኣብ ኣየኖት ፕሮጀክትታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ከም እንጥቀመሎም ንምርኣይ፤ ብዙሕ ግዜ ሰባት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ  ብሮቦት ጥራይ ዝትግበር ይመስሎም። ግን ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣፕሊኬሽናት እውን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ይጥቀሙ እዮም። ኣብነት ፍሉጣት ካብ ዝኮኑ ትካላት google ፣ netflix ፣ amazon ፣ tesla ተጠቐስቲ እዮም። እዞም ኣፕሊኬሽናት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብኸመይ ይጥቀሙ ክንብል ከለና ንኣብነት ናይ ጉግል  search results ፣ ናይ ዩትዩብ professional advancedrecomandation system ፣ ናይ ኔትፍሊክስ ፊልሚ  ክንጠቅስ ንኽእል። እዚኦም ቀለልቲ ፕሮጀክትታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኮይኖም ኣዝዮም ዓበይትን ዝተሓላለኹን ዕማማት ዝፍፅሙ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ፕሮጀክትታት ኣለዉ። ካብዚኦም መጥባሕቲ ዝገብሩ ሮቦታት ይርከብዎም። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ 1956 ኣቖፃፅራ ፈረንጂ ዝተመስረተ ኮይኑ ብዙሓት ብድሆታት ከም ስእነት ተቐባልነት ብሰባት ሕፅረት ባጀትን ካልኦት ዕንቅፋታት ሰጊሩ ኣብዚ ሐዚ ዘለዎ ደረጃ ክበፅሕ ክኢሉ እዩ። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

🔑ናይ ኮምፒተርና ፓስዎርድ  እንተጠፊኡና ከመይ ጌርና ኮምፒተርና ክንከፍት ንኽእል? ናይ ኮምፒተርካ ፓስዎርድ እንተጠፊኡካ ብዙሕ ኣይትጨነቕ። እቲ ዘድሊ ሶፍትዌር "Spotmou Bootsuite.iso" ኮይኑ ዝቕፅሉ 10 ከይድታት ብምኽታል ኮምፒተርና ክንከፍቶን ክንጥቀመሉን ንኽእል። ደረጃ1፡ መጀመርያ ነቲ ሶፍትዌር ኣብ ፍላሽ ወይ ሲዲ ንፅዓኖ Step2: ኮምፒተርና OFF ንገብሮ። Step3: ፍላሽ ኣእቲና ኮምፒተር ON ንገብራ፡ ድሕሪኡ F12 (Boot key/እዚ ከከም ኮምፒተሩ ክፋላለ ይክእል እዩ) ንፅቀጥ። Step4: "Boot Sequence" ምስ በለ "USB" ምረጽ እሞ "Enter" ንፅቐጥ ድሕሪኡ ነቲ ትእዛዝ ተኸተል። Step5: ኮምፒተር ምስ ወለዐት "Spotmou Bootsuite 2012 Application" ክኽፈት እዩ። Step6: ካብቲ ኣፕሊኬሽን "Password and Key Finder" ዝብል "Menu" ንመርፅ። Step7: ኣብ “Admin Password Resetter” ዝብል ንጥውቕ። Step8: ኣብ ትሕቲ "Please select the target widows" ዝብል ናይ ኮምፒተር "Window Version (XP/7/8/8.1/10)" ምረፅ።  ቀፂልና ኣብ ትሕቲ "please select the target user" ዝብል ክትከፍቶ እትደሊ "User Account" ምረፅ እሞ "Reset" ንፅቐጥ፡ ድሕሪኡ "OK" ድሕሪኡ "YES" ንፅቐጥ። Step9: ኣብ መወዳእታ "Password is reset successfully" ዝብል መልእኽቲ ክመፀልካ እዩ። Step10: ሐዚ ኮምፒተር ዓጺና ንከፍታ (Reboot ንገብራ)። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

ጉግል ፒክሰል ፎልድ ዝበሃል ተዓፅፊ ሞባይል ስልኪ ኣፋሊጡ። እዚ ናይ መጀመርታ ክዕፀፍ ዝኽእል ስልኪ ጉግል’ዩ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬትኡ ድማ ኣብ Google I/O ንዕለት 10/May/2023 ዕላዊ
ጉግል ፒክሰል ፎልድ ዝበሃል ተዓፅፊ ሞባይል ስልኪ ኣፋሊጡ። እዚ ናይ መጀመርታ ክዕፀፍ ዝኽእል ስልኪ ጉግል’ዩ። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬትኡ ድማ ኣብ Google I/O ንዕለት 10/May/2023 ዕላዊ ክኾን እዩ። CNBC ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝፀብፀቦ፡ ፒክሰል ፎልድ 5.8 ኢንች ስልኪ ክከውን ትፅቢት ይግበር። ናብ 7.6 ኢንች ታብሌት ድማ ዝዝርጋሕ ክከውን እዩ። እዚ Google Tensor G2 ብዝብል ዝቀርብ ተዓፃፊ ስልኪ 1,700 ዶላር ዋጋ ከም ዝህልዎ ተሓቢሩ። ናይ Samsung ዝኮነ Z Fold 4 ብዝብል ዝፍለጥ ተዓፃፊ ስልኪ ብዋጋ $1,799 ይሽየጥ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ጉግል ንኣንድሮይድ ዲቨሎፐራት ኣፕታቶም ኣብ ዝዕፀፉ መሳርሕታትን ዓበይቲ ስክሪናትን ክሰርሑ ኣብ ምምሃር ኣተኲሩ ይርከብ። እዚ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ምጅማር እዚ መሳርሒን ሓድሽ ፒክሰል ታብሌትን ፍረ ምሃብ ክጅምር እዩ ኢሎም። My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

#ሳይንቲስታት #ሓሳብ ሰባት ናብ #ፅሑፍ ዝቕይር ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሲስተም ኣማዕቢሎም። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ንኣእምሮ ሰባት ብምርዳእ ናብ ፅሑፍ ዝቕይር #AI ከም ዝፈጠሩን #Seman
#ሳይንቲስታት #ሓሳብ ሰባት ናብ #ፅሑፍ ዝቕይር ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሲስተም ኣማዕቢሎም። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ንኣእምሮ ሰባት ብምርዳእ ናብ ፅሑፍ ዝቕይር #AI ከም ዝፈጠሩን #Semantic_decoder ዝብል ስም ከም ዝሃብዎን ኣፍሊጦም። ተሳተፍቲ መፅናዕቲ ነቲ ዲኮደር ኣብ #fMRI ስካነር ነዊሕ ፖድካስት ብምስማዕ ኣሰልጢኖምዎ፡ እቲ ስርዓት ድማ ብዘይ መጥባሕቲ ንጥፈታት ሓንጎል ብምዕቃን ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምስተሰልጠነ፡ ተጠቃሚ ብዛዕባ ሓደ ዛንታ ክሰምዕ ወይ ክሓስብ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ሓፈሻዊ ሓሳብ ናብ ጽሑፍ ይቕይሮ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ተሳተፍቲ መፅናዕቲ ድምጺ ዘይብሉ ቪድዮ ክዕዘቡ ምስ ተገብረ እቲ ስርዓት ብፅሑፍ ዝረኣይዎ ብልክዕ ክገልጽ ክኢሉ። እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ብሰንኪ ስትሮክ ክዛረቡ ዘይክእሉ ወይ ኣካላቶም ዝለመሰ ሰባት ሓሳቦም ንምግላጽ እውን ፅቡቕ ዕድል ክኸውን ትፅቢት ይግበር። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

ሳምሰንግ ንቻትጂፒቲ ኣጊዱ! ሳምሰንግ ኣብ ውሽጣዊ መርበባቱን በቲ ኩባንያ ዝውነኑ መሳርሒታትን ቻትጂፒቲ ሓዊሱ ጀነሬቲቭ AI መሳርሒታት ምጥቃም ንግዚኡ ከምዝእግድ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ፡ ኣብ ዝሓለፈ
ሳምሰንግ ንቻትጂፒቲ ኣጊዱ! ሳምሰንግ ኣብ ውሽጣዊ መርበባቱን በቲ ኩባንያ ዝውነኑ መሳርሒታትን ቻትጂፒቲ ሓዊሱ ጀነሬቲቭ AI መሳርሒታት ምጥቃም ንግዚኡ ከምዝእግድ ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዘጋጠመ ምውሓዝ ዘይስሩዕ መረዳእታታት 'ዩ፡ ሳምሰንግ ንኣፍራይነት ሰራሕተኛታት ንምዕባይ AI ብውሑስ መንገዲ ንምጥቃም ውሑስ ስጉምትታት ክሳብ ዘተግብር እቲ ገደብ ኣብ ቦትኡ ክቕጽል እዩ። እዚ እገዳ ንተጠቀምቲ ይኹን ንኻልኦት ወነንቲ መሳርሒታት ሳምሰንግ ከምዘይጸልዎም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።  ይኹን እምበር እዚ ፍጻመ ምስ ምጥቃም ቻትቦት ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ከም መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

ኣብ አንድሮይድ ሞባይል ዝጠፍኡ ነገራት ንምምላስን ንምትካእን ዝሕግዙ ኣፕሊከሽናት 1. ካብ ሞባይልካ ፎቶ እንተጠፊእካ 🔰#DiskDigger 2.ዝተቐደሐ ድምፂን ሙዚቓን እንተጠፍእካ 🔰#Audio r
ኣብ አንድሮይድ ሞባይል ዝጠፍኡ ነገራት ንምምላስን ንምትካእን ዝሕግዙ ኣፕሊከሽናት 1. ካብ ሞባይልካ ፎቶ እንተጠፊእካ 🔰#DiskDigger 2.ዝተቐደሐ ድምፂን ሙዚቓን እንተጠፍእካ 🔰#Audio recover 3. ቪዲዮ እንተጠፊእካ 🔰#Disk Video Recover 4. ዝመዝገብካዮ ስልኪ ቁፅሪ እንተጠፊእካ 🔰#GT Contact Recovery 5. ዝለኣኽካዮን ዝተለኣኸልካን መልእክቲ እንተጠፊእካ 🔰#GT SMS Recovery 6. ናይ መደወሊ በተን እንተጠፊእካ 🔰#EX Dialer 7. ሞባይልካ ፋይል ማናጀር እንድሕር ዘይብላ 🔰#ES file Explorer 8.ናይ ሚሴጅ መለኪዒ እንተጠፊኡ ወይ ኣይሰርሕን እንተይሉ 🔰#Message Google 9. ናይ ሞባይልካ ካሜራ ኣፕሊከሽን እንተጠፊኡ 🔰#Retrica 10. ናይ ሞባይልካ ብርሃን/brightness መቐነሲ ኣይሰርሕን እንተይሉ 🔰#Screen Filter 11. ናይ ሞባይልካ ሆም ባክ/home back ኣይሰርሕን እንተይሉ 🔰#Navigation bar ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

ናይ ሞባይል ኦፕሬቲንግ ሲስተም ኣፕዴት ምግባር ዝህቦ ጥቅምታት 1. ስልክካ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበርዎ ሶፍትዌራት ተወሳኪ ሓደስቲ ሶፍትዌራት የምፅእ 2. ስልክካ ናይ ሶፍትዌር ፀገም እንትሃሊይዎ ኣፕዴ
ናይ ሞባይል ኦፕሬቲንግ ሲስተም ኣፕዴት ምግባር ዝህቦ ጥቅምታት  1. ስልክካ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበርዎ ሶፍትዌራት ተወሳኪ ሓደስቲ ሶፍትዌራት የምፅእ 2. ስልክካ ናይ ሶፍትዌር ፀገም እንትሃሊይዎ ኣፕዴት ገይሩ ምስ ወደአ እቲ ፀገም ይፍታሕ 3. ሞባይልካ ቅድሚ ሓዚ ካብ ዝነበሮ ትሕዝቶ ዝተፈላለዩ ለውጥታት የምፅእ       ጥንቓቐ ሞባይል ስልኪ ኣፕዴት ቅድሚ ምኳኑ ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቓቐታት 1. ስልክካ ኦርጂናል ምኳኑ ምርግጋፅ 2. ስልክካ Root ዘይተገበረ ክከውን ኣለዎ 3. ስልክካ ኣፕዴት እናገበረ ባትሪ ክንቀል የብሉን 4. ናይ ስልክካ ባትሪ ልዕሊ 50% ቻርጅ ክህልዎ ይግባእ 5. ፈጣን ኢንተርኔት ኮኔክሽን ክህልወካ ኣለዎ ሞባይል ስልኪ ኣፕዴት ንምግባር ዝስዕቡ ከይዲታት ተከተል 1. ስልክካ ናብ Wifi ወይ ሞባይል ዳታ ኮኔክት ምግባር 2. Setting 3. About device 4. Check for Updates 5. Update ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

ሰብ ስራሕ ንቅሓት (Artificial Intelligence) ንመፃኢ ዘመን ኣስጋኢ ምኳኑ ናይ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣቦ ዝኮኑ ጀፍሪ ሂንተን ገሊፆም። እዞም ናይ ሰብ ስራሕ ንቅሓት (Artificia
ሰብ ስራሕ ንቅሓት (Artificial Intelligence) ንመፃኢ ዘመን ኣስጋኢ ምኳኑ ናይ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣቦ ዝኮኑ ጀፍሪ ሂንተን ገሊፆም። እዞም ናይ ሰብ ስራሕ ንቅሓት (Artificial Intelligence) ኣቦ እናተበሃሉ ዝፅውዑ ከም ቻትጂፒቲ ዝበሉ ፈጠራታት ንወዲሰብ ክቖፃፀርዎ ተክእሎ ከም ዘለዎም ካብ ናይ ጎግል ትካል ኣብ ዝለቀቅሉ እዋን ሓቢሮም። ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝፀሓፍዎ ፅሑፍ ድማ ኣብ ሰብ ስራሕ ንቅሓት (AI) ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ከም ዘጣዕስዎም ጠቂሶም። ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ ሓድሓደ ናይ AI ፈጠራታት ሓደገኛን መስጋእቲን ምኳኖም ተንቲኖም። እዞም ፈጠራታት ንግዚኡ ልዕሊ ወዲሰብ እንተዘይኮኑ ዋላ ድሕሪ ግዜ  ንወዲሰብ ክቖፃፀርዎ ይመስለኒ ኢሎም። ዶ/ር ሂንተን ኣብ ሰብ ስራሕ ንቅሓት (AI) ብዝገበርዎ ምርምርን ፅንዓትን ከም በዓል ቻትጂፒቲ ዝበሉ ዓበይቲ ፈጠራታት ምምፃእ እምነሰረት ዘውደቁ እዮም። እዞም ናይ ብሪታንያን ካናዳን ዜጋ ዝኮኑ ሳይንቲስት ናይ ንቅሓት ስነልቦና (cognitive pschologist) ን ናይ ኮምፒተር ሳይንስን ፍሉጥ ተማራማሪ ነይሮም። ኣብ 75 ዓመቶም ድማ ካብ ጎግል ስራሕ ከም ዝለቀቁ ዕላዊ ገይሮም ኣለዉ። ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

5 ሞያታት ሰብ ስራሕ ንቅሓት ብቀሊሉ ክትከኦም ዘይክእል 5 jobs that Artificial Intelligence (AI) will not replace them easily 1. ናይ ፈጠራን ስነጥበብን ስ
5 ሞያታት ሰብ ስራሕ ንቅሓት ብቀሊሉ ክትከኦም ዘይክእል 5 jobs that Artificial Intelligence (AI) will not replace them easily 1. ናይ ፈጠራን ስነጥበብን ስራሕቲ / Creativity and artistic activities 2. ጠበቓነትን ዳይነትን / Lawyers and judges 3. ስራሕ መካይዲ / Chief Executive Officer(CEO) 4. ኮምፒተር ሳይንስን ሶፍትዌር ምምዕባልን / Computer science and software developments 5. ምእራም / Editing ንተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505 My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309