en
Feedback
Tigray Technology

Tigray Technology

Open in Telegram

💻 ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትምህርትታትን እዋናዊ ዜናታትን ዝቀርበሉ ቻናል! ==================== Home for Science & Technology Tutorials and News! 📱

Show more
563
Subscribers
No data24 hours
No data7 days
No data30 days
Posts Archive
💻 ላፕቶፕና ወይ ኮምፒተርና ሃክ ተገይሩ ድዩ ወይ ድማ ቫይረስ እንተሃልይዎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? ከመይ ጌርናከ ክነስተካክሎም ንኽእል? ◻️ መጀመርታ ናብ keyboardና ብምኻድ Window Key + R ንጽቀጥ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝመጸና Search field "netplwiz" ኢልና ንጽሕፍ። ◻️ ኣብቲ ዝኽፈት ታፕ ካባኻ ወጻኢ ካልእ ተጠቃሚ እንተርኢኻ ሃክ ተገይርካ ኢካ ማለት እዩ። ነቲ ሃከር ንምውጋድ ነቲ ስሙ ብምጥዋቕ ድሕሪኡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ Remove ዝብል በተን ብምጥዋቕ ክትውግዶ ትኽእል ኢኻ። ◻️ ኣብ ኮምፒተርና ዘለው ቫይረሳት ንምድምሳስ እንተደሊና Windows key + R ብምጽቃጥ ኣብቲ ዝመጸና tab "MRT" ኢልና ንጽሕፍ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝመጸና tab Next ንጥውቕ። እዚ ድማ ን 'Microsoft windows malicious  removal Tool'Activate ብምግባር ኣብ ኮምፒተርና ዘለው ቫይረስ ይፀርገልና። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሟር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ፌስቡክ ፔጅና ላይክ ይግበሩ https://www.facebook.com/tigraytechnology

📱 ስልክና ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ክንገብሮም ዘለና ጥንቓቐታት ⚠️ ኣብ ግዜ ዝናብ ናይ Networking ዝኮኑ ነገራት ምጥፋእ ✔️እቲ ጨረርታ በርቂ ስለ ዝስሕብ Airplane Mode ምግባር። ✔️ ዋይፋይ፣ ብሉቱዝ፣ ኔትወርክ ምጥፋእ። ⚠️ ኤፍ.ኤም ብኢርፎን ዘይምስማዕ ✔️ ብዙሕ ግዜ ስማርት ስልክታት ኤፍ.ኤም.ኣንቴና ስለዘይብለን ንኢርፎን ከም ኣንቴና እየን ዝጥቀማሉ - ስለዚ ብኢርፎን ክንሰምዕ ከለና እቲ ኤሌክትሮማግኔቲክ ጨረርታ ንሓንጎልና ክጎድኦ ይክእል እዩ። ⚠️ ስልኪ ቻርጅ እናገበርና ዝኾነ ነገር ኣይንጠቐም ✔️ ብፍላይ ዘይምድዋል - Wifi ፣ Data ዘይምጥቃም። ⚠️ ብኢርፎን ሙዚቃ ክንሰምዕ ከለና Equalizer ተጠቒምና ነቲ ድምጺ ናብ Bass ክንገብሮ ኣለና ✔️ ምኽንያቱ ኖርማል ድምጺ ክንጥቀም ከለና ቀጢን ድምጺ ስለ ዘውፅእ ንእዝንና ስለ ዝጎድኣና። ⚠️ ስልክና ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ማግኔት (ማግኔቲክ ፊልድ) ዘለዎም ነገራት ኣይነቅምጣ። ⚠️ ስክሪን ስልኪ Blue Light ዝበሃል ሓደገኛ ጨረርታ ይለቅቅ። ✔️ ብዝተኻእለ መጠን ናይ ስልክና brightness ምቅናስ ወይ ድማ Blue Light Filter App ንጠቀም። ⚠️ ባትሪ_ቻርጅ ኣዝዩ ትሑት ወይ ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ሞባይልና ዘይምጥቃም ✔️ ምኽንያቱ እቲ ቻርጅ ምስ ዝንኪ መጠን ዝፍንዎ ጨረርታ ይውስኽ እዩ። ⚠️ ብስልኪ ኣብ እንዛረበሉ እዋን ናብ እዝንናን ርእስናን ብዙሕ ኣይነቅርቦ ✔️ ካብቲ Electromagnetic Radiation ዝበሃል ሓደገኛ ጨረር ንምክልካል ብውሑዱ 5 ሴንቲሜተር ኣርሒቕና ንጠቐም። ⚠️ ሞባይል ኣብ ሕቑፍና ሒዝና ኣይንደቅስ ✔️ኣብ ድቃስ እንከለና ባትሪ ነጥፍኣዮ ወይ ድማ ካብ ዓራትና 1.8 ሜትሮ ኣርሒቕና ብምቅማጥ ብለይቲ ኣብ ዝድወለሉ ካብ ዝፍኖ Electromagnetic ንከላኸል። ⚠️ ነፍሰፁር_ኣዴታት ሞባይል ኣብ ዝጥቀማሉ እዋን ጥንቃቐ ይግበራ ✔️ ናይ እቲ ጥንሲ ህዋሳት ንElectromagnetic radiation ኣዝዮም ኣለርጂ እዮም። ✔️ ስለዚ ኣተሓሕዛ ስልከን ካብ ዕሸል ዝረሓቐ ክኸውን ኣለዎ። ✔️ ዘየድሊ ኣጠቓቕማ ከም ነዊሕ ሰዓታት ምዝራብን ቀልጢፍካ እንሻዕ ምድዋልን ክቕንሳ ኣለወን። ⚠️ ሓፂን-ተንከፍ ኣብ ዝርከበሉ ቦታታት ሞባይል ዘይምጥቃም ይምከር ✔️ ሓፂን ንናይ ኤሌክትሮማግኔቲክ ጨረርታ ጉልበት ይውስክ። ✔️ ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ መኪና፡ ኣብ ነፋሪት፡ ኣብ ሊፍት፡ ኣብ ባቡር፡ ኣብ ጥቓ ሓጹር ሓጺን ወይ ማዕጾ፡ ኣብ ጋራጅ ወዘተ፡ ህጹጽ እንተዘይኮይኑ ሞባይል ኣይትጠቐም ወይ ንሓጺር ግዜ ይኹን። ⚠️⚠️ ብፍላይ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሞባይል ክጥቀሙ ኣይምከርን❗️ ✔️ እቲ ጨረርታ ንዋህዮታት ሓንጎሎም ኣዝዩ ስለ ዝሃስዮ፤ ንካንሰር እውን ከቃልዕ ይክእል እዩ። 📌 ወለዲ ነዚ ሓቂ እዚ ፈሊጦም ቆልዑ ብዘይካ ሓሓሊፎም ሞባይል ብቐጻሊ ከይጥቀሙ ክከላኸሉ ይግባእ። ⚠️⚠️ ሓደሽቲ ዝተወልዱ ዕሸላት #ትሕቲ 2 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት፣ ሓንጎሎም ኣዝዩ ረቂቕ እዩ። 📌 ስለዚ እቲ ጨረርታ ናብ ሓንጎሎም ብቀሊሉ ስለ ዝኣቱ ጥንቓቐ ግበሩ 📌 ኣብ ቀረባ ህጻናት ኮይንካ ብሞባይል ቐጻሊ ትዛረብ እንተኾይንካ ኣብ ሓደጋ ከእትዎም ስለ ዝኽእል ካብኦም ርሕቕ በል። ⚠ ግቡእ ዘይኮነ ኣጠቃቅማ ሞባይል ስልኪ ንዝተፈላለዩ ሕማማት እውን ከቃልዐና ይክእል እዩ። ⁉️ቴክኖሎጂ ናይ ባዕሉ ብዙሕ ጥቅምታት እኳ እንተሃለዎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓበይቲ ጉድለታት እውን ኣለዎ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ኣጠቓቕማ ሞባይልና ከነስተኻኽል ይግባእ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

💻 ላፕቶፕ ቅድሚ ምግዛእካ ክትፈልጦም ዘለካ 8 ነገራት ላፕቶፕ ክትገዝእ ከለኻ፡ ኣብ ግምት ከተእትዎም ዘለካ ቁልፊ ረቛሒታት ኣለዉ። ገለ ኣገደስቲ ክትፈልጦም ዘለካ ነገራት እነሆ፤ 1. Purpose እታ ላፕቶፕ ንምንታይ ኣገልግሎት ከም ተውዕላ ምፍላጥ። ንፕሮግራሚንግ፡ ንጌም፡ ንቪድዮ ምቅንባር ወይ ንሓፈሻዊ ዳህሳስ (General browsing) ብምውሳን ንዕኡ ዝምቹ ዓይነት ላፕቶፕ ክትመርጽ ይሕግዘካ። 2. Operating System Windows ፡ MacOS ወይ Linux ዝበሃሉ ፍሉጣት መማረፂ ኣለው። ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ብልጫታትን ምትእስሳር ሶፍትዌርን ኣለዎም፣ ስለዚ ምስ ድሌታትካ ዝሰማማዕ ምረጽ። 3. Processor ቅልጡፍ ፕሮሰሰር ዘለዋ ላፕቶፕ ድለዩ። Intel Core i5 ወይ i7, ወይ AMD Ryzen ፕሮሰሰር ፍሉጣት ኣማራፅታት እዮም። 4. RAM Random Access Memory (RAM) ብዙሕ ስራሕ ብሓደ ግዘ ናይ ምስራሕ ተክእሎካ ይውስን። እንተወሓደ 8GB ፡ ብዙሕ ሪሶርስ ዝሓትት ኣፕሊኬሽናት ወይ ብዙሕ ዕማማት ብሓደ ግዜ ክተካይድ እንተድኣ ኣድልዩካ ግን 16GB ወይ ልዕሊኡ እንተዝከውን ይምረፅ። 5. Storage Solid State Derive (SSD) ወይ Hard Disk Derive (HDD) ዝበሃሉ ኣማረፅታት ኣለው። SSDs ዝቐልጠፉን ዝያዳ ዘተኣማምኑን ኮይኖም፡ ብተለምዶ ግን ውሑድ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ (Storage) ይህቡ። ፍጥነትን ዝበለፀ ናይ ምሓዝ ዓቅሚን እንተደሊኹም ክልቲኡ SSDን HDDን ዘለዋ ላፕቶፕ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። 6. Display size ፣ resolution & display quality ኣብ ግምት ኣእቱ። ዓበይቲ ስክሪናት ዝሓሸ ምስሊ ይህቡ፡ እንተኾነ ግን ነታ ላፕቶፕ ዝኸበደትን ንምንቅስቓስ ዘይትምቹን ይገብራ። Higher Resolutions (ንኣብነት፡ Full HD ወይ 4K) ንጹር ምስልታት የቕርቡ። 7. Graphics Dedicated Graphics Card የድልየካ ድዩ ኣየድልየካን ወስን። Integrated Graphics ንመዓልታዊ ዕማማት እኹል ክኸውን ከሎ፡ Dedicated Graphics ንጌም፡ ንቪድዮ ቅንብር ወይ ግራፊክ ዲዛይን ኣገዳሲ እዩ። 8. Battery Life እቲ ኣፍራዪ ዝሃቦ ግምታዊ ዕድመ ባትሪ ብምርኣይን ኣገባብ ኣጠቓቕማኻ ኣብ ግምት ብምእታውን ንስራሕካ እኩል ክጸንሕ ዝኽእል ባትሪ ዘለዎ ላፕቶፕ ምረጽ። ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

ናይ ነገራት ኢንተርኔት /Internet of Things (IoT) 🎆 ኢንተርኔት ከም ልሙድ ዝፍለጥ ኮምፒዩተራት ጥራይ ነንሕድሕደን ዝተኣሳሰረሉ ኔትዎርክ እዩ ነይሩ። ኣብ 1984 ዓ.ም ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰራ ኮምፒዩተራት 1000 ጥራይ እየን ነይረን። እዚ ቁጽሪ እዚ ኣብ 1992 ናብ 1 ሚልዮን ክዓቢ ክኢሉ። ኣብ 2006 ድማ 600 ሚልዮን ክበጽሕ ክኢሉ። እቲ ዕብየት ኣብ 2008 1 ቢልዮን፡ እንትከውን ኣብ 2015 ብመሰረት እቲ ዘሎ መረዳእታ ልዕሊ 15 ቢልዮን ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ምስ ኢንተርኔት ተኣሳሰሮም ይርከቡ። ናይ ነገራት ኢንተርኔት (IoT) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተርእዮ፡ ሎሚ ምስ ኢንተርነት ዘይተኣሳሰር ኣቕሓ ከምዘየለ ክመስል ገይርዎ ኣሎ። IoT ኤሌክትሮኒክስ፣ ጂፒኤስ፣ ሴንሰራትን ሶፍትዌርን ተጠቒሙ ካብ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ነገራት ብኢንተርነት ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ጠቃሚ ሓበሬታ ዝእክብ ቴክኖሎጂ እዩ። ነዚ ዳታ እዚ ንመዓልታዊ ህይወትና ከም ኮምፒተር፡ ቴለፎን፡ ገዛ፡ መኪና፡ ፍሪጅ፡ ተለቪዥን፡ ምድጃ፡ ኣየር መቀየሪ፡ መጻወቲ ሙዚቃ፡ ካሜራ፡ ኣየር መቀየሪ፡ መነጽር፡ ጫማ፡ መሳርሒታት ስፖርት፡ መሳርሒታት ሕክምና፡ መሳርሒታት ቤት ጽሕፈት፡ መሳርሒታት መዘናግዒ ንጥቀመሉ ፣ ሰዓት፣ መሕጸቢ ማሽናት፣ መፍልሒ ቡን፣ ስዊች፣ ኣምፑላት ወዘተ ብኢንተርነት ኣቢሎም ነንሕድሕዶም ወይ ምስ ማእከላይ ዳታቤዝ ኮምፒተር ተተሓሒዞም ሰፊሕ ኣገልግሎት ንክህቡ ዝገብር ቴክኖሎጂ እዩ። ብሞባይልና ሙቐት ኣየር ገዛና ካብ ዝኾነ ቦታ ምቁፅፃር ፣ መብራህቲ ከየጥፋእና ረሲዕናዮ እንተወፂእና ብስልክና ተጠቒምና ምጥፋእ ፣ ኣብ ገዛና ሰብ ክኣቱ እንተደሊና ካብ ዝኾነ ቦታ ማዕጾና ምክፋት ፣ መብራህቲ ጎደናታት ብርሃን ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኣገልግሎት ዋይፋይ ምሃብ፣ ከም ድልድል ፣ ግድብ ፣ ህንፃ ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ፀገም እንተጋጥሞም ብዝተገጠመሎም ሰንሰርን ብኢንተርነት ቴክኖሎጂን ኣቢሎም ባዕሎም ነተን ትካላት ክሕብሩ ዝኽእሉሉ ሲስተምን ገለ ካብቶም ብናይ ነገራት ኢንተርነት (IoT) ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዝተወሰኑ እዮም። ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያ ኦንላይን ምህላውና ንምሕባእ ✅ Facebook 1. ናይ ፌስቡክ ኣፕሊከሽን ንከፍት 2. ኣብ የማናይ ላዕላይ ወሰን ዘለዋ 3 መስመር ብምንካእ Setting and Priv
ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያ ኦንላይን ምህላውና ንምሕባእ ✅ Facebook 1. ናይ ፌስቡክ ኣፕሊከሽን ንከፍት 2. ኣብ የማናይ ላዕላይ ወሰን ዘለዋ 3 መስመር ብምንካእ Setting and Privacy ንኣቱ 3. Active Status ዝብል off ንገብሮ ✅ Telegram 1. ናይ ቴሌግራም ኣፕ ንከፍት 2. ኣብ ፀጋማይ ላዕላይ ሸነክ ዘሎ 3 መስመር ብምንካእ Setting ንኣቱ 3. ቀፂልና Privacy and Security ንኣቱ 4. Last seen and online ዝብል ብምእታው ✅ WhatsApp 1.ናይ ዋትሳፕ ኣፕ ንከፍት 2. ኣብ የማናይ ላዕላይ ወሰን ዘለዋ 3 ነጥቢ ብምንካእ Setting ንኣቱ 3. ቀፂልና Privacy ንኣቱ 4. Last seen and online ዝብል ብምእታው Nobody ንገብሮ ✅ imo 1. ናይ ኢሞ ኣፕ ንከፍት 2.ኣብ ፀጋማይ ታሕታይ ወሰን ዘለዋ 3 መስመር ብምንካእ Setting ንኣቱ 3. ቀፂልና Privacy ንኣቱ 4. Last Seen ዝብል ብምንካእ Nobody ንገብሮ። ✅ instagram 1. 🙍‍♂ 2. 3 መስመር 3. Setting 4. Privacy 5. Activity Status ዝብል Off ንገብሮ ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

ናይ ኣፕሊከሽን ጥቆማ 👆👆 እዚ ናይ ሞባይል ኣፕሊከሽን እንተዘይብልካ ዳርጋ ሞባይል ዘይብልካ ምክንያቱ 70 መሳርሕታት ኣብ ሓደ ዝሓዘ ስለዝኮነ (70 tools in one app) ካብቶም ዘለውዎ መሳርሕታት 1. ዝተፈላለዩ ካሜራታት ፣ ፍላሽላይት ፣ ኖት መፅሐፊ ፣ ኮምፓስ 2. ረስኒ ፣ ትርግታ ልቢ ፣ ኢንተርኔት ፍጥነት መዐቀኒታት 3. ኮንቨርተር ኣብነት ኪሎሜትር ናብ ሜትር ፣ ርሕቀት ፣ ቅልጣፈን ካልኦትን መዐቀኒ 4. ስካነር ፣ text recognition ፣ color detector 5. QR code and barcode reader and generator 6. Text to speech convertor ፣ speech to text convertor ፣ music player 7. ናይ ስልክካ ሙሉእ ሓበሬታ ዝህብ Device info 8. ፋይላት ንምሕባእን ንምቁላፍን ዝጠቅም Voult 9. ፋይላት ንምሕልላፍ ዝጠቅም File Transfer 10. ክሳብ 50 ሜትር ምስ ዓርክካ ንምውጋዕ ዝጠቅም Walkie talkie 11. ሓንቲ ሙዚቃ ብብዙሓት ስልኪ ንምውላዕ Music Group 12. ብሓደ ስልኪ ንካልእ ስልኪ መቆፃፀሪ Control Device እዚኦም ካብቶም 70 መሳርሕታት ዝተወሰኑ እዮም ሙሉእ ጥቅሚ ናይቲ ኣፕሊከሽን ንምርካብ ናብ ቴሌግራም ቻነልና ብምፅምባር የውርድዎ።

All tools_3.7.4.apk11.05 MB

ሚሞሪካርድ እንትንገዝእ ኦርጂናል ድዩ ወይ ፌክ ብከመይ ንፈሊ ? ::::::::::::::::::::::::: #1ይ እቲ ቀዳማይን ዝቐለለን መንገዲ ኦርጅናል ሚሞሪ ንምርግጋጽ ነቲ ሚሞሪ ኣብ ስልክና ብምእታው ፎርማት ምግባር እዩ። ነቲ ሚሞሪ ፎርማት ክንገብሮ ከለና፡ ኦርጅናል እንተኾይኑ፡ እቲ ፎርማት ብዘይ ምንም ፀገም ክውድእ እዩ። ፌክ እንተኾይኑ ፎርማት ክግበር ስለዘይክእል Error ኢሉ ክቋረጽ እዩ። ================== #2ይ ኣብ ኮምፒተርና ወይ ስልክና ፋይላት ናብቲ ሚሞሪ ኮፒ ብምግባር ክነረጋግፅ ንኽእል ንኣብነት ሓደ 1GB ፊልም ወይ ካልእ ፋይል ናብቲ ሚሞሪ ኮፒ ንምግባር ዝወስዶ ኦሪጅናል እንተኮይኑ ክሳብ 5 ደቓይቕ ክወስድ እዩ። ፌክ እንተኾይኑ ግን 1GB ፋይል ኮፒ ንምግባር ካብ 10-30 ደቓይቕ ክወስድ ይኽእል እዩ። ================ #3ይ ሳልሳይ መንገዲ ኣብ ስልክና ኣእቲና SD insight ዝብሃል ኣፕ ብምጥቃም ክነረጋግፅ ንክእል። ኣብ ስልክና ሚሞሪ ኣእቲና ነቲ ኣፕሊከሽን እንትንከፍቶ፡ ብዛዕባ እቲ ሚሞሪ ዝርዝር ሓበሬታ እንተርእዩና፡ እቲ ሚሞሪ ኦርጅናል እዩ ማለት እዩ። ኣብነት ዝተሰርሐሉ ትካል ፣ Serial Number ፌክ እንተኾይኑ ግን ዝኾነ ሓበሬታ ኣየርእየናን እዩ። እቲ ሚሞሪ ኣበይ ከም ዝተሰርሐ ኣይገልጽን ፣ serial number የብሉን። ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

ናይ ስልኪ ቁፅርታትና ባክኣፕ ብከመይ ንሕዝ ? 1: Contacts ንኣቱ 2: ቀፂልና እተን 3 ነጥቢ ብምንካእ setting ንኣቱ 3: import/export ዝብል ንጥውቅ 4: ድሕሪኡ Export to Storage ወይ export to SD Card ዝብል ንጥውቕ ሕዚ ኣብ ውሽጢ 5 ስኮንድ ጥራይ ናብ File manager ኮፒ ገይሩ ክውድእ እዩ። File manager ንከፍት 5: Phone Storage ወይ Memory Card ንኣቱ 6:- VCard file ወይ ካልእ ስም ክወሃቦ እዩ ፡ በቃ ኣቐሚጥናዮ ኣለና ማለት እዩ። 7:-እንተደሊና ናብ ኮምፒተርና ኮፒ ክንገብሮ ንክእል ኢና። 8:- ኣብ ኮምፒዩተር ክንከፍቶ እንተደሊና እቲ ፋይል ብNotepad ብምኽፋት ክንሪኦ ንኽእል ኢና። 2: ከምኡ ውን ነፍሲ ወከፍ ቁጽሪ ስልክታትና ከመይ ጌርና ናብ ካልእ ስልኪ ኮፒ ንገብሮ ? ኩሉ ቁጽሪ ስልክታትና ኣብ ሓንቲ ሰኮንድ ናብ ካልእ ስልኪ ክንቅድሖ ንኽእል ኢና። 1:- ብመጀመርታ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘርኣኹኹም ናብ File manager ክንቕምጦ ኣለና። 2:-ድሕሪኡ Contacts ምእታው 3: ናብ setting button ንኣቱ 4: import/export ንኣቱ 5: import from Storage 3:-ሲም ካርድ ከይሓዝና ከመይ ጌርና ብቀሊሉ ቁጽሪ ስልክታትና ኣብ ካልእ ስልኪ ክንረክብ ንኽእል? እዚ ንምግባር ስልኪ ቁፅርታትና ኣብ ጂሜይል ምቕማጥ ግዴታ ኮይኑ፡ ኣንድሮይድ ስልክና ምስ ጂሜይልና እንተ ኣተሓሒዝናዮ፡ ኩሉ ቁፅርታትና ኣብኡ ክነቅምጥ የኽእለና። ወይ ድማ ኣብ ጂሜይል ብምቅማጥ፡ ኣብ ዘድልየና እዋን ኣውሪድና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። በዚ መንገዲ ድማ ቁፅርታትና ከይጠፍኡ ክንከላኸል ንኽእል ኢና፡ ሲም ካርድ ከይሓዝና ድማ ብቐሊሉ ኣብ ካልእ ስልኪ ክንረኽቦ ንኽእል። ኣብ ናይ ጂሜይል ኣድራሻና ቁፅርታትና ንምቅማጥ። 1: inbox 2: ኣብ Contacts ዝብል ንጥውቕ 3:- ካብ ዝመጹና ኣማራጺታት /Restore contacts/ ብምጽቃጥ ናይ ስልኪ ቁፅርታትና ኣብ Gmail ክነቅምጦም ንኽእል። ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Telegram፡ https://t.me/tigraytechnology Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology TikTok፡ https://vm.tiktok.com/ZM2FphpLQ/ Instagram፡ https://instagram.com/tigray_technology?igshid=NTc4MTIwNjQ2YQ==

#ሳይንቲስታት፡ ኣብ ዳህሳስ ውቅያኖስ ትጠቅም ሓዳስ ኣብ ውሽጢ ማይ ትሰርሕ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ኣማዕቢሎም።
#ሳይንቲስታት፡ ኣብ ዳህሳስ ውቅያኖስ ትጠቅም ሓዳስ ኣብ ውሽጢ ማይ ትሰርሕ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ኣማዕቢሎም።

ኣሜሪካ ቴክኖሎጂ ማይክሮቺፕ ኣብ ኣካላት ወዲሰብ ክትከል ፈቂዳ ብኤለን መስክ ዝተመስረተ ኩባንያ ኒውራሊንክ፡ ኣብ ኣካላት ደቂ ሰባት ቺፕስ ንምእታው ፈተነታት ንምጅማር ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ኩባንያ ኣብ
ኣሜሪካ ቴክኖሎጂ ማይክሮቺፕ ኣብ ኣካላት ወዲሰብ ክትከል ፈቂዳ ብኤለን መስክ ዝተመስረተ ኩባንያ ኒውራሊንክ፡ ኣብ ኣካላት ደቂ ሰባት ቺፕስ ንምእታው ፈተነታት ንምጅማር ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ኩባንያ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ወለንተኛታት ክፍትኖ ምዃኑ ተገሊፁ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ቢልዮነር ኤለን መስክ ኣብ ፅድያ 2016 ኒውራሊንክ ዝበሃል ትካል መስሪቱ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ትካል ኣብ ኣካላትና ማይክሮቺፕ ብምትካል ናይ ሓንጎል ሰባት ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ንምዕባይ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ትካል ኣብ 2020 ስርሑ ክጅምር መደብ እኳ እንተነበሮ፡ ካብ ክኢላታትን ዝተፈላለዩ ትካላት ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣድማዕነቱ ጥርጣረ ዘለዎም ክኢላታትን ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ኩባንያ ኒውራሊንክ ኣብ ልዕሊ ኣህባይ ማይክሮቺፕ ክፍትን ከምዝጸንሐን ብቕዓት ሓንጎል ከምዘዕቢ ከምዝተረጋገጸን ገሊጹ። እቲ ኩባንያ ቅድሚ ሐዚ ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ደቂ ሰባት ንምጥቃም ፍቓድ ንኽወሃቦ ናብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ኣመልኪቱ እኳ እንተነበረ፡ ተነጺጉ እዩ። እቲ ትካል ሕዚ ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ደቂ ሰባት ተግባራዊ ብምግባር ብቕዓት ሓንጎል ደቂ ሰባት ንምምሕያሽ ፍቓድ ከምዝሃበ ቢቢሲ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ሰባት ስራሕ ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን ኣእምሮኦም ከይስሕቱ፡ ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ማይክሮቺፕ ብምእታው፡ ኣወንታዊ መልእኽቲ ናብ ሓንጎል ክለኣኽን እቲ ስራሕ ወይ ውሳነ ክስከምን ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ተመራመርቲ ቴክኖሎጂ፡ ቅድሚ ቴክኖሎጂ ኒውራሊንክ ኣብ ሓፋሽ ምትግባሩ ዝያዳ ናይ ጥንቃቐ መጽናዕትታትን ስጉምትታትን ክግበር ኣተሓሳሲቦም።

5 ዘፍርሑ ወይ ዘስግኡ ሳዕቤናት ቴክኖሎጂ 5. internet surveillance ◽️ ኢንተርኔት ብምጥቃም ኣብ ስልክና፣ ታብሌትና፣ ላፕቶፕና ክንስልይን ሚስጢርና ክንስእንን ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ኣፍረይቲ ሞባይል ቴሌፎን ናይ ገዛእ ርእሶም ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ ሒዞም ከም ዝሰርሑ ይፍለጥ፡ እንተኾነ ግን እዘን ኩባንያታት ምስጢራዊ ሓበሬታና ብመንግስታት ክህባ ክግደዳ ይኽእላ እየን። 🔺ንኣብነት: መብዛሕትና ተጠቀምቲ ስማርት ቴሌፎን ኢና? ስማርት ስልክታት ብውሑዱ 2 ካሜራታት (ቅድሚትን ድሕሪትን) ከምኡ’ውን ጂፒኤስ መሳርሒ ኣለወን። ነዞም መሳርሒታት ብምጥቃም ጥራይ፡ ኣበይ ከምዘለና፡ መን ምዃንናን መዓልታዊ ህይወትና ከይተረፈ ክርአ ይከኣል። 4. Robotic Soldiers ◽️ ሓይሊ ኣርቲፊሻል ወተሃደራት ንምፍላጥ terminator ምርኣይ እኹል እዩ። ብርግፅ ተርሚነተር ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልም እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ክገብሩ ዝኽእሉ ሮቦታት ይምዕብሉ ኣለዉ። ◽️ ሮቦት ከም ሰብ ዝጠመዩን ዝጸምኡን ዝደኸሙን ኣይኮኑን። ዝቀልጠፉ፣ ዝሓየሉን ዝበዝሑን ድማ እዮም ሰብኣውነት ስለዘይብሎም ክሓርዱ እንተተኣዚዞም ብዘይ ምሕረት ክገብርዎ ይክእሉ። ኣርቲፊሻል ወተሃደራት ነቲ ዝሰርሑሉ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ኣለዎም። 3. DNA Editing ◽️ ሳይንቲስት genetics ሰብ ወይ DNA ካብ ዝረኽቡ ጀሚሮም ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ። እዚ ጀነቲክስ እዚ ግን ኣብ ደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ህያዋን ፍጥረታት ይርከብ። ነዚ DNA ብምምሕያሽ ድማ ድኽመት ዘይብሉ ፍጡር ንምፍጣር ፈተነታት ይግበር ኣሎ። ◽️ ሳይንቲስት ናይ ሰባት ጀነቲክስ ምእራም ወይ ምምሕያሽ ከም ዝከኣል ይኣምኑ። ኣብዚ እዋን ንዓለም ኣሸጊሩዋ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ ንባዕሉ ብጀነቲክ ኤዲቲንግ ዝተፈጥረ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ምዃኑ ዝጠራጠሩ ኣለዉ። 2. Microchips ◽️ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትና ወይ ሰነዳትና ኣብ ወረቐት ወይ ብኤሌክትሮኒክ መሳርሒታት ንዕቅቦም። እዚ ሐዚ ዝፍጠር ዘሎ ቴክኖሎጂ ግን፡ መለለዪ መንነትና፡ ምስክር ወረቐት ልደትና፡ መጽሓፍ ባንክ ወዘተ ሓበሬታና ኣብ ሓንቲ ቺፕ ብምትካል፡ እዚ መሳርሒ ኣብ ኣካላትና ንክኣቱ ዝገብር እዩ። ◽️ እዚ ኣብ ኣካላትና ዝኣቱ መሳርሒ ግን ካብ ሓበሬታና ምዕቃብ ክሳብ ምክትታል ምንቅስቓስናን ኣቃውማናን ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። 1. Nuclear Bombs ◽️ ብኒኩለር ቦምብ ዘስዕቦ ዕንወት ንምርዳእ ጃፓናውያን ሂሮሺማን ናጋሳኪን ምርኣይ እኹል እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሐዚ ኑክሌራዊ ውግእ እንተተላዒሉ፡ ዓለምና ክትጠፍእ እያ ይብሉ። እዚ ንልዕለ ሓያላን ሃገራት ጥራይ ዝረኽቦ ኣጽዋር፡ ካብቲ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ኣጽዋር ዝያዳ ዘመናዊ እዩ። ◽️ እዚ ሐዚ ዘሎ ኒዩክለራዊ ቦምብ እንተተፈንጂሩ ዝተሓተ ናይ ጨረር ሬድያስ 7.49 ኪ.ሜ ወይ 176 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝከውን ይሽፍን። ናይ ኣየር ሬድያስ 12.51 ኪ.ሜ ወይ 491 ትርብዒት ኪ.ሜ፣ ሬድያስ ጨረርታ ሙቐት 77.06 ኪ.ሜ ወይ 18626 ትርብዒት ኪ.ሜ. ይሽፍን። ካብቲ ኣሜሪካ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝትጠቀመቶ ቦምባ ብ3333 ዕጽፊ ዝሓየለ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

ናይ ኔትዎርክ ትውልድታት generation of networks ካብ ቅድሚ 40 ዓመት ጀሚርና 5 ዝተፈላለዩ ትውልድታት ኔትዎርክ ርኢና ኢና፡ እዞም ትውልድታት እዚኦም እንታይ ምዃኖምን ብኸመይ ከምዝመጹን ድማ እንሆ። 1G 1G ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1980ታት ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ: እዚ ፈላሚ መርበብ ኣናሎግ ቴክኖሎጂ ይጥቀም። ፈለማ ክምዕብል ከሎ ንድምጺ ጥራይ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየን ዝለዓለን ፍጥነቱ ድማ 2.5kbps እዩ ነይሩ። 2G ኔትወርክ ካብ 1G ናብ 2G ምስ ዓበየ ስልክታትና ዓቢይ ለውጢ ከምፅኣ ምክንያት ኮይኑ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም 1Gን 2Gን ዘሎ ዝዓበየ ፍልልይ ን Radio Signal 1G Analogue Signal ክጥቀም ከሎ 2G ድማ Digital Signal ይጥቀም። እዚ ኔትወርክ ኣብ 1990ታት ካብ ዝጅምር ንደሓር ንእሽተይ ዳታ ንዝጥቀም SMSን MMSን ይውዕል ነይሩ። እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ፍጥነት 2G ክሳብ 64 kbps እዩ። ቅድሚ 3G ኣብ መንጎ ምምጽኡ ከም 2.5Gን 2.75Gን ዝኣመሰሉ ኔትወርክታት ነይሮም። 3G 3G ኔትወርክ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂታት ክንፈልጦም ምኽንያት ኮይኑና ኣሎ: ከም መርበብ ሓበሬታ ምድህሳስ፣ ኢመይል፣ ቪድዮ ምውራድ... ዝበሉ 3G ብስማርት ስልክታት ምስተኣታተወ ዝመፁ እዮም፤ ብ2G ክንገብሮ ዘይንኽእል ብዙሕ ነገራት ብ3G ክንገብር ንኽእል ኢና። 3G ኣብ 2001 (g.c) ዕላዊ ኮይኑ። 3G ክሳብ 2mbps ዝበጽሕ ፍጥነት ኣለዎ። ልክዕ ከም 2G ኔትወርክ 3G ቅድሚ ናብ 4G ምዕባይ ኣብ መንጎ 3.5Gን 3.75Gን እዩ ነይሩዎ። 4G ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክልተ መርበባት ዘነጻጸርናዮም፡ 4G ካብ 3G ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ: ኣዝዩ ዝተፈላለየ ፍጥነትን ዝበለጸ ጽሬትን ኣለዎ። ን4G፡ እቲ ዝለዓለ ፍጥነት እንጥቀመሉ ፍጥነቱ ካብ 100mbps ክሳብ 1Gbps ክበጽሕ ይኽእል። 5G 5G ኣብዚ እዋን እቲ ዝቐልጠፈ ኔትወርክ ኮይኑ 5G ካብ 4G 35 ዕፅፊ ፍጥነት ኣለዎ ማለት እዩ። 35Gbps! 6G 6G ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ 1TB per second ዝበፅሕ ፍጥነት ክህልዎ ትፅቢት ይግበር። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

ብፎቶ ዕድመ ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተመራመርቲ ኒውዮርክ ካብቲ ባዕልና እንላዓሎ ፎቶ (ሰልፊ) ዕድመና ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣማዕቢሎም። እቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዓይንን ቆ
ብፎቶ ዕድመ ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተመራመርቲ ኒውዮርክ ካብቲ ባዕልና እንላዓሎ ፎቶ (ሰልፊ) ዕድመና ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣማዕቢሎም። እቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዓይንን ቆርበትን ንዝርኣዩ 6 ምልክታት ዕድመ ከም ዝግምት ይንገር። ጓል 39 ዓመት ሰራሕተኛ መርበብ ሓበሬታ ዳይሊ ሜይል፡ ስእላ ናብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሲስተም ኣቕሪባ፡ ዕድሚኣ ከም ዝግምት ገይራቶ። ንሱ ድማ መጀመርታ 40ታት ዕድሚኣ ከምዘላ ክሕብራ ኪኢሉ።

ብዛዕባ ቴሌግራም ክንፈልጦም ዘለና 10 ኣገደስቲ ነገራት ✍ 1ይ :- ዘለናዮ ቦታ ናብ ኣዕሩኽትና ክንሰድድ ንኽእል ኢና መጀመርያ ቴለግራም ንኸፍት ፡ ድሕሪኡ ነቲ ክንሰደሉ ዝደለና ሰብ ንመርጽ ፡ ድሕሪኡ መልእኽቲ ከፊትና Location ንጥውቅ ፡ ድሕሪኡ ዘለናዮ ቦታ ይከይድ። ✍ 2ይ :- ዝኾነ ሰብ ብቴሌግራምና ከይጥቀም እንተደሊና ፓስዎርድ ምግባር ይከኣል እዩ። መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት። ድሕሪኡ ኣብ ላዕለዋይ ፀጋማይ ውሰን ዘለዋ ሰለስተ መስመራት ንጥውቕ ድሕሪኡ Settings ንጥውቕ፣ ድሕሪኡ Privacy and Security ንጥውቕ፡ ድሕሪኡ Passcode ንጥውቕ፡ ድሕሪኡ passcode lock on ንጥውቕ።እቲ ዝደለና ፓስዎርድ ነእቱ። ✍ 3ይ:- ብቴሌግራም ፎቶ ወይ ቪድዮ ኣብ እንልእከሉ ግዜ ኣብ ቴሌግራም ባዕሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክነቀናብሮ ንክእል ኢና። ፎቶ ወይ ቪድዮ ምስ መረፅና ኣብ ትሕቲኡ ዘለው ዝተፈላለዩ ምልክታት ብምንካእ ✍ 4ይ :- ዝለኣክናዮ መልእኽቲ ናብ ተቀባሊ ምስ በፅሐ ምስትክካል ይከኣል እዩ ፡ እቲ ዝለኣክናዮ መልእኽቲ ጠዉቅና ብምሓዝ ዝመፀልና ናይ እርሳስ ምልክት ብምንካእ እቲ ዝስተካከል ኣስተካኪልና ናይ ለኣክ ምልክት ንጥውቅ። ✍ 5ይ :- ብሓደ ናይ ቴሌግራም ኣፕሊኬሽን ክልተ ኣካውንት ክንጥቀም ንኽእል ኢና መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት፡ Setting ንኣቱ፡ ድሕሪኡ Add Acount ዝብል ንጥውቅ። ✍ 6ይ :- ቴሌግራምና dark mode ክኸውን እንተደሊና፡ መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት፡ ድሕሪኡ Setting ቀፂልና Themes and Chats ብምእታው ካብ ዘለው መማረፅታት እታ ዝደለናዮ ንመርጽ። ናይ ቴሌግራምና ፅሑፍ መጠን እውን ኣብዚ ምስትክካል ይከኣል እዩ። ✍ 7ይ :- ናይ ቴሌግራምና ፕሮፋይል ቪድዮ ምግባር ይከኣል እዩ። ሐዚ እውን setting ብምእታው ኣብ ትሕቲ ፕሮፋይልና ዘሎ ናይ ካሜራ ምልክት ነኪእና ዝደለናዮ ቪድዮ ንመርፅ። ✍ 8ይ ፡- ኣብ ቴሌግራም ንልእኮ ፋይል ተቀባሊ ምስ ረአዮ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ባዕሉ ከም ዝጠፍእ ምግባር ንክእል ኢና። ክንልእኮ ዝደለና ፋይል ምስ መረፅና ኣብ ትሕቲ እቲ ፋይል ዘለ ናይ ሰዓት ምልክት ብምንካእ ድሕሪ ክንደይ ሰኮንድ ከም ዝጠፍእ ንመርፅ። ✍ 9ይ ፡- ኣብ ቴሌግራም ዝተፈላለዩ ፅሑፍ ፣ ፎቶ ፣ ቪድዮን ካልኦትን ሴቭ ክንገብር ንክእል ኢና። እቲ ዝደለናዮ ፋይል ብምምራፅ (ጠዊቅና ብምሓዝ ) ዝመፀልና ናይ ፎርዋርድ ምልክት ብምንካእ ናብ Saved Messages ዝብል ንልእኮ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝደለናዮ ግዜ offline ክንሪኦ ንክእል ኢና። ✍ 10ይ ፡- ብናይና ቴሌግራም ኣካውንት ካሊእ ሰብ ይጥቀም ከይህሉ ምርግጋፅ ንክእል ኢና። ሐዚ እውን Setting ንኣቱ። ቀፂልና Devices ዝብል ምስ ኣተና ናይና ኣካውንት ዝጥቀሙ ዘለው ድቫይሳትን ዘልውዎ ቦታን ክዝርዝረልና እዩ። ኣብዚ ዘይናይና ዲቫይስ እንተሃልዩ ንዕኡ ብምንካእ terminate session ዝብል ጠዊቅና እቲ ተጠቃሚ ካብ ኣካውንትና Logout ከም ዝኮን ክንገብር ኣለና። ንተወሳኺ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

ጉግል ንክልተ ዓመት ዘይተጠቐምኩምሉ ኣካውንት (inactve google acount) ከጥፍኦ እየ ስለዝበለ 2 ዓመት inactive ዝፀነሐ ጉግል ኣካውንት እንተሃሊኩም ኣቲኩም active እንተትገብርዎ
ጉግል ንክልተ ዓመት ዘይተጠቐምኩምሉ ኣካውንት (inactve google acount) ከጥፍኦ እየ ስለዝበለ 2 ዓመት inactive ዝፀነሐ ጉግል ኣካውንት እንተሃሊኩም ኣቲኩም active እንተትገብርዎ ይምረፅ።

📓📓 5 መፅሓፍቲ 📚 ብነፃ እንረክበሎም ድሕረገፃት 1. http://gen.lib.rus.ec/ እዚ መርበብ ሓበሬታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መፅሓፍቲ ዘለዉዎ ኮይኑ ዝኾነ ዓይነት መፅሓፍ ከተውርድ የኽእለ
📓📓 5 መፅሓፍቲ 📚 ብነፃ እንረክበሎም ድሕረገፃት 1. http://gen.lib.rus.ec/ እዚ መርበብ ሓበሬታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መፅሓፍቲ ዘለዉዎ ኮይኑ ዝኾነ ዓይነት መፅሓፍ ከተውርድ የኽእለካ። ካብቶም ክትረኽብዎም እትኽእሉ መፃሓፍቲ፡ መምሃሪ መፃሓፍቲ ፣ መፃሓፍቲ ስነ ልቦና ፣ መፃሓፍቲ ፍልስፍና ፣ መፃሓፍቲ ታሪኽ ይርከብዎም። 2. http://sci-hub.org/ እዚ መርበብ ሓበሬታ ልዕሊ 64 ሚልዮን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣለዎ። ኣብዚ 👆 መርበብ ሓበሬታ፡ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ብዝተፈላለየ ምርጫን ዓይነትን ክትረኽቡ ኢኹም። 3. https://bookboon.com/ እዚ 👆 መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ዓይነት ነፃ ፅሑፍ ክትረኽበሉ ትክእሉ። ከምኡ ውን ኣብ ዝኾነ ደረጃ ክፍሊ ንዘለው ተምሃሮ ፣ ኣብ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ዝጠቅም መርበብ ሓበሬታ እዩ። 4. http://bookzz.org/ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቤተ-መፃሓፍቲ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም 2.6 ሚልዮን መፅሕፍቲ ኣብዚ ድሕረገፅ ይርከቡ። 5. www.allitebooks.com/ እዚ 👆 ድሕረገፅ ብዙሕ ናይ ቴክኖሎጂ መፅሓፍ ፕሮግራሚንግ ፣ ግራፊክስ ፣ ኣጠቓቕማ ኮምፒተርን ዝተፈላለዩ መምሃሪ መፃሓፍቲን ክትረኽቡሉ ትክእሉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

VPN ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ ️ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰኑ ማሕበራዊ ሚድያታት ድሕሪ ምእጋዶም፡ ጠለብ ቪፒኤን ብብዙሕ ዕፅፊ ወሲኹ እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ስሩዕ ኔትዎርክ ብብዙሕ ምኽንያታት ገደብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ ወይ ቪፒኤን ዝበሃሉ ኣፕሊኬሽናት ምጥቃም ልሙድ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ስሩዕ ግልጋሎት ኔትወርክ ዕፁው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝተፈላለዩ ቪፒኤን ኣፕሊኬሽናት ኣውሪድካ ምጥቃም ልሙድ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጠቀምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት እገዳታት ብምኽታል ቪፒኤን ይጥቀሙ ኣለው። ብሓጺሩ VPN ኣብ ሓንቲ ሃገር ኮይንካ ብናይ ካልእ ሃገር ኔትወርክ ምጥቃም ማለት እዩ፣ እዚ ድማ እቶም እንጥቀመሎም ሰርቨር፣ እንጥቀመሎም ዌብሳይታት፣ እንጥቀመሎም ፋይላትን ካልኦት ሰባት ወይ ብዛዕባና ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ሓበሬታ ክረኽብዎ ከም ዘይክእሉ ንምግባር ይጠቅም። ይኹን እምበር፡ ኩሎም ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ዘተኣማምኑ ኣይኮኑን፡ ገሊኦም ብቐሊሉ ንሃከራት ከቃልዑ ስለ ዝኽእሉ፡ ምጥንቃቅ የድሊ። ብመሰረት ሓደ ናይ ኣውስትራልያ መፅናዕቲ፡ 67% ናይ ዓለምና ቪፒኤን ኣፕሊኬሽናት እንተወሓደ ሓደ ዳታ ዝጉሕል ቫይረስ ዘለዎም ኮይኖም፡ ካብ ተጠቀምቲ ዝእክብዎ ዳታ ንሳልሳይ ኣካል ይሸጡ። ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ድማ ካብ ተጠቀምቲ ሓበሬታ ብምዕዳግ ስርሖም ዘሳልጡ ኮይኖም ተጠቀምቲ ቪፒኤን ድማ ቀንዲ ዕላማ ከም ዝኾኑን ተገሊፁ። ብፍላይ ድማ ነፃ ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ንጉሕለት ዳታ ተቓላዕቲ ኮይኖም፡ 65% ነፃ ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ካብ ተጠቀምቲ ዳታ ኣኪቦም ናብ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ይሸጡ። ይኹን እምበር ዘክፍሉ ቪፒኤን ኣፕ ካብ ዳታ ዝጉሕሉ ሰባት ዝተሓለዉ ኮይኖም ዓማዊል ብዛዕባ ዳታኦም ተጠላቢ እንተኾይኑ ዘክፍል ቪፒኤን ኣፕ ክጥቀሙ ይምከር። ብሓፈሻ ቪፒኤን ኣፕስ ምጥቃም ንናይ ዳታ ምጉሓል ፣ ብቫይረስ ምጥቃዕ ፣ ልዑል ክፍሊት ኔትወርክን ዘይተደልየን መወዓውዒታትን ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

🔴 ቴሌግራም ካርድ ቀልጢፉ እናበለዐ ንዘንፀርፀረኩም ሰላማት ኣሕዋት/ኣሓት ሎሚ ድማ ቴሌግራም ተጠቀምቲ ንዝኮንኩም ሞ ካርድ ቀልጢፉ ንዝቖርፀኩም ሓደ መፍትሒ ክሕብረኩም። ⚠️ ፈለማ እቲ ካርድ ዝውድ
🔴 ቴሌግራም ካርድ ቀልጢፉ እናበለዐ ንዘንፀርፀረኩም ሰላማት ኣሕዋት/ኣሓት ሎሚ ድማ ቴሌግራም ተጠቀምቲ ንዝኮንኩም ሞ ካርድ ቀልጢፉ ንዝቖርፀኩም ሓደ መፍትሒ ክሕብረኩም። ⚠️ ፈለማ እቲ ካርድ ዝውድኣሉ ምኽንያት እቲ ዝለኣኸልና መልእኽቲ (ፎቶ ፣ ቪድዮ ይኩን ካልእ ዓይነት ፋይል) ባዕሉ ስለዝውርድ ስለዝኾነ በዚ ዝስዕብ ሜላ ንምስትክካል ይከኣል። 1. መጀመርያ ናብ telegram ኣካውንትና ኣቲና ኣብ ላዕለዋይ ፀጋማይ ሸነኽ ኣብ ዘለዋ ሰለስተ መስመራት ንጥውቅ። 2. ቀፂልና settings ንኣቱ። 3. ኣብዚ ብዙሕ መማራፂ ክመፀልና እዩ ኣብ data and storage ንጥውቕ። 4. ኣብዚ ምስበፃሕና ንእሽተይ ንታሕቲ ወሪድና Automatic media download ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘሎ privates , channel , groups ኣብ ሕድሕድኡ ብምእታው ዘለዉ ናይ Videos, Document, Music, Gif መማረፅታት (checkbox) ምዕፃው Uncheck ንገብሮም። ብድሕሪ'ዚ ፋይላት ባዕሎም ስለዘይወርዱ ካርዲ ቀልጢፉ ኣይቆፅርን። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology

ዜናታት ቴክኖሎጂ ትዊተር ኤሎን መስክ ሓዳሽ ዋና ስራሕ ኣካያዲት ትዊተር መዚዙ። ኤሎን መስክ ንሊንዳ ኢያካሪኖ ሓዳስ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትዊተር ገይሩ ሸይምዋ። ኤሎን መስክ፡ መበቆላ ጣልያን ዝኾነት ጓል 63 ዓመት ሊንዳ ኢያካሪኖ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ስርሓ ድማ ብቐንዱ ኣብ ንግዲ ኣትኲራ ከም ትሰርሕ ኣፍሊጡ። ንባዕሉ ድማ ኣብ ዲዛይን ፍርያትን ምምዕባል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ትኹረት ከምዝገብር ኣመልኪቱ። ቴክኖ ናይ ቻይና ትካል ዝኮነ ቴክኖ ሓደሽቲ ሞባይል ስልክታት ኣቕሪቡ። እተን ስልክታት ስፓርክ 10፣ ስፓርክ 10ሲን ስፓርክ 10 ፕሮን ዝበሃላ ሞዴላት ኮይነን ኣዝዩ ዘመናዊ ዲዛይን ዝተዓጠቓ እየን። እቲ ኩባንያ፡ እተን ስልክታት ቅልጡፍ ፕሮሰሰር ዘለወን፡ ሰሓቢ ዲዛይን ዘለወንን ድሌታት ናይ ተጠቀምቲ ከምዘማልኣን ገሊፁ። ብፍላይ ስፓርክ 10 ሞዴል ልዑል ፅሬት ዘለዎ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ካሜራታትን ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል 5000 ሚሊኣምፐር ባትሪን ከምዘለዋ ሓቢሩ። ጉግል ጉግል ኣብ ናይ ኣለሻ ድሕረገፁ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቴክኖሎጂ ንምክታት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ። እቲ ኩባንያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ጉግል ኣቐዲሙ ንዝቐረበሉ ዝነበረ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘጠቓለለ ሓድሽ ናይ ኣለሻ ኣማራፂ ኣፋሊጡ። እዚ Search Generative Experience (SGE) ዝተባህለ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ ጉግል search homepage ዝኾነ ነገር ኣይቅይርን እዩ። እቲ ኩባንያ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍልልይ ኣብቲ ንሕቶታት ዝወሃብ መልሲ ምዃኑ ይሕብር። እቲ ኩባንያ ኣብዚ መድረኽ ካብ ዘተኣታተዎ ካልኦት ኣገልግሎታት፡ "Help Me Write" ዝበሃል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ ስከንድታት ነዊሕ ናይ ኢመይል መልሲ ክፅሕፍ ይኽእል። ብተወሳኺ፡ "ማጂክ ኤዲተር" ዝበሃል፡ ስእልታት ባዕልኻ ንምቅንባር ዘኽእል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣፕሊኬሽን፡ ሓደ ካብቶም እቲ ኩባንያ ኣብቲ መድረኽ ዘተኣታተዎም ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት እዩ። ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ My telegram channel፡- https://t.me/tigraytechnology My facebook page፡- https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309 My youtube channel፡- https://m.youtube.com/@tigraytechnology