220
Subscribers
No data24 hours
+67 days
+730 days
Posts Archive
#ወይ ጉድ
ኣብ 2021 ፒተር ድሩሪ "ማንቸስተር ዩናይትድ እታ ዝበለፀት ፅንዓት ዘለዋ ጋንታ እያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሓንቲ ዓወት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓንቲ ዓወት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓንቲ ዓወት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓንቲ ዓወት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓንቲ ዓወት። its just like a menstrual cycle!! if they don." ' ኣብ ወርሒ ጥሪ እንድሕር ዘይስዒራ ጥንስቲ ምዃና ፍለጥ"😂😂
#ሓደ መምህር ናብቲ ዝምህሮ ክፍሊ ኣትዩ ኮፍ ክብለሉ ዝሓሰበ መንበር ኣብ ቦሎፎን ተሰቒሉ ፀንሖ። ናብቶም ተማሃሮ ጠሚቱ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ፍሽኽ በለ። ናብ ብላክቦርድ ብምኻድ ድማ፡ Test-15min, 30marks
ኢሉ ብምፅሓፍ።
#ሕቶ 1. ኣብ መንጎ መንበርን መሬትን ዘሎ ርሕቀት ብሴንቲሜተር ለክዕ (1 ማርክ)።
#ሕቶ 2. ናይቲ መንበር ናብ ቦሎፎን ዝዘንበለ ኩርናዕ ኣስሊሕኻ፣ ኣሰራርሓኻ ኣርኢ (1 ማርክ)
#ሕቶ 3. ስም ናይቲ ነቲ መንበር ናብ በሎፎን ዝሰቐለ ተማሃራይን እቶም ዝሓገዝዎ ኣዕሩኽን ኣሽማቶም ፀሓፍ። (28 ነጥቢ)።
ሓደ መምህር ናብቲ ዝምህሮ ክፍሊ ኣትዩ ኮፍ ክብለሉ ዝሓሰበ መንበር ኣብ ቦሎፎን ተሰቒሉ ፀንሖ። ናብቶም ተማሃሮ ጠሚቱ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ ፍሽኽ በለ። ናብ ብላክቦርድ ብምኻድ ድማ፡ Test-15min, 30marks ኢሉ ብምፅሓፍ። #ሕቶ 1. ኣብ መንጎ መንበርን መሬትን ዘሎ ርሕቀት ብሴንቲሜተር ለክዕ (1 ማርክ)። #ሕቶ 2. ናይቲ መንበር ናብ ቦሎፎን ዝዘንበለ ኩርናዕ ኣስሊሕኻ፣ ኣሰራርሓኻ ኣርኢ (1 ማርክ)
#ሕቶ 3. ስም ናይቲ ነቲ መንበር ናብ በሎፎን ዝሰቐለ ተማሃራይን እቶም ዝሓገዝዎ ኣዕሩኽን ኣሽማቶም ፀሓፍ። (28 ነጥቢ)።
ኣደ ንወዳ ዝሕዘላ ስለ ዝሰኣነት ንስራሕ ሒዛቶ ከይዳ፡ ሰዓታት ምፍዳስ ክቀራረብ እንከሎ፡ እቲ ቖልዓ ኩሎም መሳርሕታ እንዳሰምዕዎ፡
"ኣደ ምሉእ መዓልቲ ኣብዚ ውዒለ ዝብኢ ዝበሃል ኣይረኣኹን" ኢሉ ሓቲትዋ፡
ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓላፊኣ እንዳሰሓቐ
"ናይ ምንታይ ዝብኢ ደኣ ኣብዚ?"
"ኣብ ገዛና ከለና ዝብኢ ዝኾነ ሓላፊየይ ኣሎ፡ ክትብል ሰሚዔያ እንድየ"
"እንታይ"
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ንመጀመርታ ግዜ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኵሊት ሓሰማ ዝተቐየረሉ ውልቀ ሰብ ከምዝዓረፈ ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ሕክምና ኣፍሊጡ።
ወዲ 62 ዓመት ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ንነዊሕ ዓመታት ብሕማም ኵሊት ይሳቐ ስለዝነበረ’ዩ ኣብ መጋቢት ምምሕያሽ ዝተገበረላ ኵሊት ሓሰማ ተተኪኣትሉ።
ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ሓፈሻዊ ሕክምና ማሳቹሰትስ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጠንቂ ሞቱ ምስቲ ምቕያር ኵሊት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዘርኢ ምልክታት ከምዘየለ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ ናይ ሓሰማ ውሽጣዊ ኣካላት ኣመሓይሽካ ኣብ ሰብ ምጥቃም ዝተገበረ ፈተነታት ክፈሸል ጸኒሑ’ዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ዝተኻየደ ፈተነ ግን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ እቲ ዕዉት ካብ ሓሰማ ናብ ሰብ ዝተገበረ ምስግጋር ውሽጣዊ ኣካላት ተባሂሉ ክምዝገብ ክኢሉ።
ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ብዘይካ ሕማም ኵሊት ብርቱዕ ጸቕጢ ደምን ሽኮርያን’ውን ነይርዎ’ዩ።
"ንብዙሓት ተስፋ ኣስኒቑ ከኣ ሓሊፉ ኣሎ"
------
ወዲ 62 ዓመት ሪቻርድ ሪክ ስለይማን ንነዊሕ ዓመታት ብሕማም ኵሊት ይሳቐ ስለዝነበረ’ዩ ኣብ መጋቢት ምምሕያሽ ዝተገበረላ ኵሊት ሓሰማ ተተኪኣትሉ።
በይንኻ ናብ ባር ምእታው ደስ እዩ ዝብለኒ። ከም ልምደይ ድማ ከባቢ 2:00 ሰዓት ምሸት እንትኸውን ናብ ሓደ ፀቢብ ባር ኣተኹ። እቲ ፀቢብ ባር ብዙሕ ሰብ ኣይነበሮን። ፍርቂ ለይቲ እንትቀራረብ ከዓ 2 ሰባት ባንኮኒ ተደጊፍና ንሰትይ ጥራሕ ተረፍና!
እታ ብጎነይ ዝተረፈት ኣብ ነዊሕ ወንበር ኮፍ ዝበለት ቆልዓ (ጓል መንደረይ፣ ንምንኣስ ሓፍተይ መሓዛኣ፣ ገዛና ትመላለስ ቀባጢትን ፅብቅትን ንእስቲ ጓል እያ።) ስለዚ እውን ከይተለልየኒ ልዑል ጥንቃቀ እናገበርኩ፣ ብጨርፍታ ጥምት ጥራሕ እናበልኩዋ ብውሽጠይ 'ንዓኣ እናፀረፍኩ፣ ንምንኣስ ሓፍተይ ከመይ ከም ዝኹረየላ!' እናሓሰብኩ ይሰትይ።
ኮይኑ ግን እታ ንእስቲ ብሓደ ኢዳ ጥርሙስ መስተ ሓኒቃ፣ እቲ ካልእ ኢዳ ጨቢጣ ኣፍ ልባ እናደሰቀት "ኣነ ቀታሊት እየ... ክመውት እዩ ዝግባእ! ቀታሊት እየ... ቀታሊት እየ..." እናበለት እንትበክይ፣ ኣሕዚናትኒ ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን።
እቲ ጥርሙስ ካብ ኢዳ ኣሕዲገ "ሳምራዊት እንታይ ኮይንኪ?" ኢለ ኮረኹላ። ምስ ፈለጠትኒ ምንም ዝተሰመዓ ኣይትመስልን። እኳ ድኣስ ተረጋጊዓ፣ ኣስናና ብልጭ ኣቢላተለይ ካብ ንእሽቶ ቦርሳኣ ሽጋራ ኣውፂኣ ኣሰንበደትኒ።
ብኣፋን ኣፍንጨኣን ትኪ ሽጋራ እንተውፅእ፣ ቅፅበት ምስ ምንኣስ ሓፍተይ እውን እናተሓብኣ ከምዚ ከም ዝገብራ ሓሲበ ሓርቅኩ። ሕርቃነይ ምቁፅፃር እንትኣብየኒ፣ እቲ ሽጋራ ካብ ኢዳ መንጢለ ኣብ ባይታ እናረገፅኩዎ "ሳምራዊት ዘይንስኺ ኣይትኹኒ! ዘይጥዕመልኪ"
"ግደፈኒ እስከ! ኣነ ክመውት እዩ ዝግባእ። ህይወት ኣሕሊፈ እየ... ፍጡር ቀቲለ እየ..." ማእገራ ሓፍ ሓፍ እናበለት ከም ሓዱሽ ብኽያት ጀመረት።
'ቀታሊት እየ!' ዝብል ዘረባ እንትደጋግም ግዘ ኩሉ ነገራ ድንግርግር ኢሉኒ፣ ፅቡቕ ገይረ ከዘራርባ ሓሲበ ናይ ክልቴኤና ሒሳብ ከፊለ ንደገ ሒዘያ ወፃእኹ። ዳርጋ ሙሉእ ነብሳ ናባይ ኣውዲቃ 'ቀታሊት እየ ቀታሊት እየ' እናበለት ኣእጋራ እናሰደሩ ዘይኮነስ እናተጎተቱ ወፂኢና፣ ነዊሕ ከይሰደርና ኣብ ሓደ ሊስትሮ ኮፍ ኣበልኩዋ። 'መዓረ ክንደይ ተስፋ ምስ ትቆርፅ እዩ ንበይና ኮይና ከምዚ ክሳብ ትብል መስተ ትስቲ?'
ብቅድሚታ ኮይነ "ሳምሪ እስኪ ተረጋጊዕኺ እንታይ ከም ዝኾንኪ ንገርኒ?" በልኩዋ
ብንብዓት ዝተሓፅቡ ፍሩያት ኣዒንታ እናስለምለመት "ኣነ እኮ ክቀትሎ ኣይሓሰብኩን ነይረ። ግን ግን ን'ሲሩ' ተደጋጋሚ እናጎደኣ እንተሳቅያ ግዘ ኣይከኣልኩን። በቃ ቀቲለዮ..." ኢላ ነበዐት።
'እዚ ነገር ሓቂ ግዲ እዩ?' ኢለ ብውሽጠይ "ሲሩ መን እያ? ማለተይ እንታይኪ እያ?"
ንብዓታ እናሓበሰት ብኮልታፍ መልሓሳ "ድሙ እያ! ናተይ ድሙ..."
"እሞ ንድሙኺ ኢልክስ ቀቲልክዮ?" ኢለ ኣቋረፅኩዋ። ጭካነኣ ኣስካሕኪሕኒ ኣብ ነብሳ ዝነበረ ኢደይ እናልዐልኹ።
"ኩል ግዘ ሓይሉ እናተጠቀመ ንሲሩ እንተጥቀዓ ድኣ እንታይ ክገብር ነይሩኒ? ሲሩ ዘይኣነ መን ኣለዋ? ሰውነታ ጭሕብርብር ኢሉ ጎረሮኣ ላሕቲቱ እንተትሪኣ እኮ ክተሕዝን።"
"ኣንታ እንታይ እያ ትብለን ዘላ! ንድሙ ኢልክስ ሰብ ዝኣክል ፍጡር ክትቀትሊ? ህይወት ክተሕልፊ"
"መን ሰብ ቀቲለ ኢሉካ?"
"ኣንታ እዛ ጓል ኣይጥዕይትን ግዲ! ነገሩ ካብ ሰካራም እንታይ ክፅበ። ባዕልኺ እንዶ ሐዚ ቀታሊት እየ ክትብልኒ ኣይፀናሕኽን"
"እወ! ግን ሰብ ኣይኮንኩን ቀቲለ። 'ሓድጉ' ዝበሃል ናይ ጎረቤትና ዓማፂ ድሙ እየ ቀቲለ። ኣታ እቲ ብስሚ ዝተመረዘ ፀባ ሰቲዩ እናትፍሓሰ ክመውት ከሎ እንተትርእዮ እኮ ከሕዝነካ። ኣነ ጨካን፣ ኣነ ሰብ ኣይኮንኩን..." ኢላ በኸየት።
ስቕ ኢለ ክጥምታ ፀኒሐ "ችዲ መንጃር! ...ደሟሙ ይብልዑኺ! ድሙ!" ኢለያ
ንሳ:ፍቕረይ ❤️
ንሱ: ኣቤት ወለላይ ❤️🩹
ንሳ: ኣነ ንዓኻ እንታይካ ድየ?
ንሱ: ንስኺ ንዓይ ናይ ሂወተይ ፋኖስ❤️🔥 ናይ ሂወተይ መብራህቲ❣ ኢኺ♡♡😘
ንሳ: እሺ 😒ግን ትማሊ ምሸት ገዛኻ ዝሓደረት ከ እንታይካ ኢያ😠?
ንሱ:🫣Generator😎
፧
@LyricsTigrigna12
"ውክልና "
እቲ ሓደ!
ፅልኢ ይሰብኽ፥ "ንሓፋሽ ወኪሉ"
ፈላላዪ ሓይሊ፥ ስልጣን ንዘይብሉ
እቲ ሓደ!
ፍቅሪ ይሰብኽ፥ ንነብሱ ወኪሉ
መራኸቢ ሓይሊ፥ ስልጣን ተዓዲሉ
እቲ ሓደ !
ህዝቢ ይውክል፥ ከይተወከለ
እቲ ሓደ!
ህዝቢ ዘይውክል፥ እናተወከለ ፡፡
======
ካብ መፅሓፍ #ነግሒ ኣዳም ገፅ 79 : ውቅያኖስ ጉዕሽ
#ዕደላ መሬት ንመምህራን
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ቕድሚ ኲናት ትግራይ ብማሕበር ንዝተወደቡ መምህራን ንመንበሪ ዝዉዕል መሬት ምዕዳል ጀሚሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ይኩን እምበር ናይ ዝተረፉ 18 ማሕበራት ኣብቲ እዋን ቦታ ብዘይምድላዉ ክሳብ ሕዚ ከይተዓደሉ ፀኒሖም እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ካቢነ ከተማ መቐለ ዝተረፉ 18 ማሕበራት ክዕደሉ ዉሳነ ብምሕላፍ 3 ጉንበት 2016 ዓ/ም ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዕፃ ናይ ምዉፃእ ስነ ስርዓት ከምዝሳለጥ ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ ሓቢሩ።
2 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም
መቐለ
ብ ዳዊት ኤልያና
"ምስጢር በይነይ"
'ምስጢር በይነይ' ኣይበልኩንዴ! እስከ ዘክሪዮ
ምስጢርና ኣብ ልብኺ ስተሪዮ
ኣይበልኩንዴ! እንታይ ደኣ'ሞ ንንፋስ ነጊርኪዮ
ኣይበልኩኽንዴ! ክልተ ነገር ንሕሰብ
ኣሎ ፍሽኽ እናበለ ልቢ ሰብ ዝዕዘብ
ምስጢር ኣብ ልቢ 'ቶም ዝተኣማመኑ
ዝዕቆር ደኣ'ምበር መዓስ ኣዋጅ! ኮይኑ
ኣቲ! ምሽ ለባም ኔርኪ ከም 'ተን ለባማት
ንምንታይ? ፈቲሕኪዮ ናይ ምስጢርና ቅናት
ኣይበልኩኽንዴ! ከም ሰብ ኣስተንትኒ
እንትርፎ መልኣኽ ፍቕሪ ንፋስ ኣይትእመኒ
ኣሻብኪ ደኣ'ሞ ረሲዕኪዮ
ንፋስ ቤት ክሃንፅ ኣበይ? ርኢኺዮ
እንሆ'ንዶ ብንፋስ ንልሎ
ምስጢር እኮ ብልቢ'ዩ ዝሕሎ
ግደፊ'ንዶ! ልብኺ ኣይተርሕዊ
ንፋስ ከይኣትዎ ብሽፋን ፈታዊ
ዝበልኩኺ'ሞ ዘክሪዮ
ምስጢና ንንፋስ ዳግም ኣይትንገሪዮ
የማነ ፀጋም ሽው! ክብል እናሰማዕኪዮ
ንፋስ ደኣ'ሞ ኣይኮነንዶ ምስጢርና ኣካፊልናዮ
ብዘይ ብኡ'ኳ ወይከ! ነይካኣልናዮ::
ግጥሚ፡ዳዊት ሰለሙን
ኣባና ከምዚ ዓይነት ፍቕርን መውስቦን ዝተለመደ ኣይኮነን። ዝበዝሕ ኣብ ዓፅምን ዘርእን ዝተመስረተ እዩ።
ናይ ቀደም ኣፍተራርን ቀናዝማችን ግና ንቑሓት ነይሮም። ታሓቢኦም ምስተን ዘሸቀልወን ዝነበሩ ባሮት ዝብሉወን ደቂ ኣንስትዮ ሕቡእ ፍቕሪ ይሕዞም እሞ ሙቑር ፍቕሪ የሕልፉ ነይሮም።
ንጉስ ሰሎሞን እዉን ከይተረፈ ፡ ካብታ ኣገልጋሊት ንግስተ ሳባ ዝነበረት ወሊዱ እዩ (ምኒልክ ቀዳማይ)።
ቀንዲ ሕርየኦም ድማ ፡ ኣካላዊ ቅርፅን ወሲባዊ መቐረትን እዩ። ዝጣዓሙዎ ይፈልጥዎ።
ኣብ ናይ ገብረማርቆስ ደስታ መፅሓፍ ( ከቡሳካ በስተጀርባ) ዘሎ ገፀ ባህሪ ነዙይ ቑልጭ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ።
እቲ መጽሓፍ ኣብ ባህልን ታሪኽን ብሄረሰብ ሃመር ዘትኩር ኮይኑ ፤ ሓደ ፃዕዳ (ፈረንጂ) ምስ ሓንቲ ሃመር ፍቕሪ ክሕዞ እንተሎ ዘዘንቱ ታሪኻዊ ልበ ወለድ እዩ።
ብዝኾነ ፡ ንፍቕርን ወሲብን ብዘርእን ዓሌትን ዝዉሰን ኣይኮነን።
እኳ ዳኣስ ፅኑዕ ፍቕርን ሓዳር ክህልወካ እንተደሊኻ ፤ ካባኻ ፍልይ ምስ ዝበለ ብሄረሰብ ክትወሰብ ከም ዘለካ እዩ ኪኢላታት ስነ ሓዳርን ፍቕርን ዘረድኡ።
፧
ፈላስፋ ኣፍተራሪ ዘርኣያቆብ
[ፈኣዘ]
ብዘይ ዋዓል ሕደር ከነቋርፆም ዝግባኣና ሓቂታት!👇
👉 ልዕሊ ኣታዊታትና ወፃኢታት ምግባር
👉 ምስ ስዑራት ሰባት ግዜና ምጥፋእ
👉 መመኽነይታ ምብዛሕ
👉 ሰባት ንኸፈትዉና ምቅብጣር
👉 ግዳይ ዘይኮንና መሲልና ምቅራብ
👉 ብሓሶት ምምስካር
👉 ዘይፀዓርናሉ ( ዘይናትና ) ንብረት ምውናን
👉 ንዓበይቲ ሰባት ምድፋር
👉 ግዙኣት ወልፊታት ምዃን
👉 ካብ ጌጋታትና ምህዳም ።
ፈለማ ንፈፀምቶም ዳሓር ንኻልኦት ሓደገኛ ጉድኣት ዘስዕቡ ሕማቅ ፍፃመታት ስለዝኾኑ ክቋረፁ ይግበኦም።
ስራሕ እትደልያ ደቂ አንስትዮ ሰፈርክን ናብ ላምበረት መናሀሪያ ዝቀርብ
ናይ ባስ ትኬት ምቁራፅ
ዋሕስ ምቅራብ እትኽእል
ሒሳብ ምስራሕ
ሶሻል ሚድያ ምጥቃም
እና ካልኦት እትኽእል ካብ ሎሚ ጀሚራ
ብዚ ስልክ 0930307319/0911331468
ምድዋል ይክአል
ሓንቲ ሃብታም ብዓል ቤት ዝነበራ ሰበይቲ በዓል ቤታ ምስታ ሰራሕተኛኦም፡ ፆታ*ዊ ር*ክብ ይገብር እዩ ኢላ ጠርጠረቶ። ንብዓል ቤታ ከይነገረት ነታ ሰራሕተኛ ናይ ሰሙን ዕረፍቲ ሂበኪ ኣለኹ ኢላ ንዓዳ ንስድራኣ ክትርእዮም ለኣኸታ።
ምሸት፡ እቲ በዓል ቤታ ከም ልማዱ"ፍቕረይ፡ ኣብቲ ሓደ ክፍሊ ከይደ ኵዕሶ ክርእይ እየ፡" ብምባል ከደ።
ሰበይቲ ተቐላጢፋ ናብታ ናይታ ሰራሕተኛ ክፍሊ ከደት። መብራህቲ ኣጥፊኣ ከኣ ጥራሕ ዕርቃና ኰነት። ብድሕሪኡ ሰብኣይ መፂኡ፡ ብኡ ንብኡ ከኣ ርክብ ጀመሩ። መበል ሓምሻይ ዙርያ ርክብ ምስ በፅሑ፡ እታ ሰበይቲ፡ "በቓ ይኣክል! ምሳይ ግና ሓንሳእ ጥራሕ ኢኻ..." ምስ በለት፡ ወዮ ሰብኣይ፡ "መን ዲኺ በላ፧"
ልቺ ውልዕ እንተበሉስ፡ እቲ ሓላው ማዕፆ ቤት (security)ዋርድያ ኰይኑ ፀኒሑ። ድምፂ ስለ ዝገበሩ፡ ወዮ ብዓል ቤታ ድምፂ ሰሚዑ ብቅልጡፍ ናብቲ ክፍሊ ምስ ከደ፡ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ሓላዊኦም ክትብዕልግ ፀንሓቶ።
እምነት መሰረት ሓዳር እዩ። ኣመና ጥርጣረ ናብ ዘይቅኑዕ ውሳነ ክመርሕ ይኽእል እዩ።
ምንጪ
ካብ ገፃት ፌስቡክ
ተዓወትቲ ዲቪ ሑቡራት ኣመሪካ 2025 ዕላዊ ኮይኑ።
ሑቡራት ኣመሪካ ተዓወትቲ ዲቪ 2025 ዕላዊ ገይራ። ተዓወትቲ ዲቪ 2025 ክሳብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ምስጢራዊ መፍለይ ቁፅሮም ክሕዙ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ክልልና ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተኻየደ ዲቪ 2025 ተዓወትቲ ዕላዊ ኮይኖም። DV 2025 ኣመልከትቲ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተቛደስቲ ናይዚ ዕድል ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንመፍለይ መመልከቲ ሚስጢራዊ ኮዶም ተጠቒሞም ክፈልጡ ከምዝኽእሉ መርበብ ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ዲቪ ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ኣፍሊጡ።
DV 2025 ኣመልከትቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://dvprogram.state.gov/ESC/ ብምእታው ከረጋግፁ ከምዝኽእሉን ምስጢራዊ ቁፅሮም ዝሰኣኑ ኣመልከትቲ ድማ https://dvprogram.state.gov/ESC ብምእታው ዳግማይ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉን እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊፁ።
ክፍሊ ስቴት እታ ሃገር እቶም ተዓወትቲ ዲቪ 2025 ምዃኖም ዘረጋገፁ ኣመልከትቲ ዲቪ ክሳብ ናይ መወዳእታ መዓልታት ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ምስጢራዊ ቁፅሮም ክሕዙ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ'ሎ።
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ድሕሪ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም እቶም ኣብ 2025 ዝተዓወቱ ዲቪ ጥራይ እዮም ቪዛ ከመልክቱ ዝኽእሉ ዝበለ አቲ መርበብ ሓበሬታ ተዓወትቲ ዲቪ ኣብ ኢምባሲታት ኣመሪካ ቀሪቦም ካብ ኢምባሲትት ንዝቐርበሎም መስርሕ ምፅራይ እንተሓሊፎም ጥራይ ዕድል ቪዛ እታ ከምዝረኽቡ ኣብሪሁ።
ኣሜሪካ በብዓመቱ ካብ ኣፍሪካ፣ ኤስያ፣ ኤውሮፓ ፣ ኣውስትራልያን ካልኦትን 50 ሽሕ ሰባት ብዕፃ ናብ ሃገራ ንምእታው ከምትፈቅድን ንኣፍሪካ ዝዓበየ ኮታ ናይዚ ዕድል ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ መደብ ዕድል DV 2022 ግብፂ ኣልጀርያን ሱዳንን ነፍሲ ወከፈን 6 ሽሕ ዕድለኛታት ሞሮኮ 4,138 ዲሞክራስያዊ ኮንጎ 3,347 ጋና 3,145 ኢትዮጵያ ድማ 2,988 ሰባት ተቛደስቲ እዚ ዕድል ከምዝኾና ካፋቲ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ።
