220
Subscribers
No data24 hours
+67 days
+730 days
Posts Archive
ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ሕማም ዓይኒ
----
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሺሕን 500 ወገናት ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ሞራ ዓይኒ ካብ 3 ክሳብ 9 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝህብ ኣፍሊጡ ፡፡
ብምትሕብባር ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ፣ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ፕሮጀክት ሂማልያን ካትራክት ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ከምዝውሃብ ተፈሊጡ።
ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ኣይተ መረሳ ገ/ስላሴ እቲ ናፃ ወፍሪ ሕክምና መጥባሕቲ ዓይኒ ብዋናነት ካብ ዞባታት መቐለ ፣ምብራቕ፣ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዝተመልመሉ ወገናት ተጠቀምቲ ዝገበር ምዃኑ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ በቢ ዞብኡ፣ ወረዳታትን ከተማታትን ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ስራሕቲ ምምማይ ተጠቃዕቲ ወገናት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።
እቶም ተመልሚሎም ንመጥባሕቲ ሕፁያት ዝኾኑ ወገናት ናይ መጓዓዝያ፣ ኣብ ሕክምና ናይ ዝፀንሑሉ ምግብን መደቀስን ሙሉእ ወፃኢታት በቲ ሆስፒታል ከምዝሽፈን እውን ኣብቲ እዋን ተገልፁ ፡፡
#በላይ_ሽፈራው
Tg-Tv
#ምዕራብ_ትግራይ ዘለዋ ዓድታት እየን
ንምልክት እኳ #ባዕዳዊ ሽም የብለንን።
እዚኣን ኣብ ከባቢታት ወልቃይት ፣ ፀገዴ ፣ ፀለምቲ ትግራይ......
➨ ማይ ጋባ
➨ ማይ ጨዓ
➨ ዓዲ ጋባ
➨ ሩባ ለሚን
➨ ማይ ፀብሪ
➨ ዓዲ ፍልሖ
➨ ጃሙስ
➨ ማይ ጥምቀት
➨ ዓዲ ወርቂ
➨ኽሳድ በለሳ
➨ ማይ ሑመር
➨ ቃሌማ
➨ ሰላም
➨ መጉእ
➨ ማይ ካድራ
➨ ብላምባ ሚካኤል
➨ በለሳ ቆቋሕ
➨ ብላምባ ቕርሺ
➨ ኩሊታ
➨ ቤት ሙሉ
➨ ወለል
➨ ደጀና
➨ ጃሙስ
➨ ዓዲ ጎሹ
➨ እንዳ’ቦ
➨ ሳላሳ ዓይና
➨ ኣውራ
➨ ሽቑዳ
➨ ደብረ ማርያም
➨ ምድሪ ወይዘሮ
➨ ሽሬላ
➨ ፀለምቲ
➨ ዓዲ ረመፅ
➨ ሑመራ
➨ ዓዲ ኣርቃይ
✔ማይ ተመን
✔ባዕኸር
✔ራውያን
ዝተረስዓ እንተልየን ወስኹለን።
😓😓😓😓😓😓😓😓😓😓😓😓
ሰብኣይ ንወጻኢታት መስተን መግብን ናይ ኣፍቃሪቱ መሓዙት ምኽፋል ኣብዩ።
ሓደ ሰብኣይ ንኣፍቃሪቱ ዕለተ ልደታ ከብዕለላ ናብ ሓደ ፍሉይ ቤት መግቢ ዓዲሙዋ፡ ንሳ ድማ ምስ ካልኦት 18 መሓዙታ መጺኣ😱።
እቲ ሰብኣይ ድሕሪ ምብላዕን ምስታይን ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ኣፍቃሪቱ ሕሳብ ከፊሉ፡ ብዛዕባ ሕሳብ ናይተነን ካልኦት 18 ምስ ተሓተተ ድማ ኣይፈልጠንን ኣነ ውን ኣይዓደምክወንን ኢሉ።
እዚ ጉዳይ ብኸመይ ይፈትሖ?
በጃኹም ምኽርኹም ይደልይ ኣሎ፡፡ ኣብ ኮመንት ጽሓፍሉ ከንብቦ ኢዩ፡፡
➢ብሰላም ዕረፊ ዕሸለይ💔😭
ተምሃሪት #ቤቴልሄም ገ/ሚካኤል ነጋሽ ዝተባህለት ነባርነታ መቐለ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ(ዓዲ ሓዉሲ)
ናይ 10ይ ክፉሊ ቀላሚኖ ተምሃሪት እንትኸዉን ሰንበት ብዕለት 11/09/2016ዓ.ም ንጉሆ ስዓት 2:00 ካብ ገዝኣ ምስ ወፀት ድሃያ ጠፊኡና ዝብል መልእኽቲ ተዘርጊሑ ኔሩ።
°ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣለሻ ሓፍትና ኣብ ከባቢ ደብሪ....😭😭
ምኽንያት ሞታ እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ
ንምርመራ ሆስፒታል ዓይደር ኣትያ ኣላ።
ፅንዓት ንወለዳን ቤተሰባን
ፅንዓት ንመሓዙታን መማህርታን።
ፍልፍል ሓበሬታ፦ካብ ቤተሰባ💔😥
#ዘይተነገረ ምበር #ዘይተገብረ የለን
PART 3⃣
ኣፈጣጥራና ብዙሕዩ ዓይነቱ !!
እዚ ኣብ👆👆👆👆👆ትሪእዎ ዘለኹም ሓውና ፍሉይ ተመክሮ ናይ ኣመጋግባ ዘለዎ ሰብ ኮይኑ ገንዘብ ኣትሒዙ ምልእቲ በጊዕ ወይ ጤል ብጥብስን ብዝሕላን መትሓዚ ድማ ክልተ እንጀራን ክልተ ባንን ጥራይ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጸጥ የብላ ማለትዩ ። እዚ ምስ ፈጸመ ድማ 50 ሽሕ ብር ይኽፈል እቲ ዋጋ ጤል ወይ በጊዕ ድማ ብላዕሊ እቲ ዘትሓዘ ሰብ ይኸስሮ ማለትዩ ፡፡ ዝሓለፈ ፋሲካ ተወዳዲሩ ድሕሪ ዓወቱ ሓጺር ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኔሩ ።
ሕቶ = እዚ ምስ በላዕካ ኣይከብደካን
መልሲ = ከም ተራ ምሳሕ ወይ ድራር ስለ ዝኾነ ንዓይ ፍጹም ኣይከብደንንዩ ።
ሕቶ = መዓልታዊ ከምዚ ዲኻ ትምገብ
መልሲ = ኣውኡ እንድዩ እቲ ጸገም ደኣ እቶም ገንዘብ ከትሕዙ ዝመጹ ኔሮም ኔሮም ኣጋጣሚ እዮም ዝመጹ ስለዚ ካልእ ግዜ ነዚ ዕድል ስለ ዘይረኽቦ መዓልታዊ ምስ ካልእ ዓይነት ጸብሒ ዝተሰርሐ ክሳብ 8ተ እንጀራ ጥራይ ስለ ዝምገብ ብዙሕ ስለ ዘይሕዘንን ጀይፈተኹ ብላዕሊ ክሳብ 15 ባኒ ክውስኽ ይግደድ እዚ ውን ዓቕሚ ስለ ዘይብለይ እምበር ቁሩብ ውስኽ ምባል ውን ኣይጽላእንዩ ኔሩ ፡፡
ሕቶ = ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተኢእካ ኔሩ እንታይ ትበልዕ ኔርካ ደኣ ፡፡
መልሲ = ኣብ ሂወተይ ዝተሃሰኹላ ኣጋጣሚ እያ ኔራ ክዝክራ እንከለኹ ሓሚመን ተዳኺመን ስለ ዝነበርኩ ንግሆ ክልተ እንጀራን 4ተ ባንን ጥራይ ኣብ ቁርሲ ኣብ ምሳሕ ውን ካብ 4ተ ምስ በጻሕኩ እቲ ሕምማ ንኸይበልዕ ይዓጽወኒ ስለ ዝነበረ ባኒ ከይወስኽኩ ደው ይንል ኔረ ። ኣብ ድራር ውን ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ እየ ቀኒሰ ኔረ 4ተ እንጀራን ክልተ ባንን ምስ በላዕኩ ከይከብደንን ንደገ ከየብለንን ኢሉ ክልተ ኪሎ ባናናን ፍርቂ ኪሎ ኣራንችን ጥራይ ይበልዕ ብምንባረይ እዚ ውን ብዙሕ ሃሰያ ኣውሩድለይ እዩ ኔሩ ፡ ግን ተመስገን ኣምላኽ ቀስ እንዳበልኩ ናብቲ ንቡር ኣመጋግባይ ይምለስ ኣለኹ ኣብዚ ሕጂ እዋን ማለትዩ ፡፡
ሕቶ = መግቢ ምስ በላዕካ ድቃስ ይመጸካዶ
መልሲ = ፍጹም ቀልጡ ክሓቀለይ ዘወር ዘውር ምባልየ ዝፈቱ መኣስየ ዝድቅስ ዘይኮንኩ ዝሓስብ መኣስየ ዝጠምይ ጥራየ ዝሓስብ ፡፡
ሕቶ = ምስ ስድራ ቤትካሞ ከመይ ትረዳድኡ በዚ ዓይነት ኣመጋግባካ
መልሲ = ምስ ስድራ ካብ ዘይንረዳዳእ ነዊሕ ኣለና ካብ ንፈላለይ ምኽንያቱ ኩሎም ገዛና ልዕለይ ስለ ዝምገቡን ዝበልዑን ኣነ ውን ኩሉ ግዜ እንዳ ተሃሰኹ ካብ ዝነብርን ቀጻሊ ካብ ዝጨቓጨን ኢለ ንበይነይ ገዛ ተኻርየ እየ ዝነብር ዘለኹ ፡፡
ሕቶ = ኣብ ቀጻሊ እንታይዩ መደብካ ብዛዕባ እዚ ውድድር መግቢ
መልሲ = ክንደየናይ ዝወዳደር ኣይመስለንንዩ ምኽንያቱ ዕድመ ድፍእ እንዳበልና ስለ ዝኾና ኣብ ግዜ ልምምድ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝወስዶ ዘለኹ ኣመጋግባ ኣብ እዋን ልምምድ ንመዓልቲ ካብ 10ተ እንጀራን 10ተ ባንን ስለ ዘይሓልፍ ዘለኹ ክብረ ወሰነይ ከየድፍሮ ብክብረተይ ሽውሃተይ ተዓጽዩ እንከሎ ምቁራጽ ይሕሸኒ ክብልዩ ክብሩ ክዕቅብን ውድድር ከቋርጽ ምዃኑን ዝሓበረ ፡፡
ወግዕታት ዕፅዋይ ኽባይ
2014ዓ.ም
ኣነ=ሽኮር ህንደይ እዩ ልኪሎ ማማዋ?
እሰን=200
ኣነ=እሺ በላ ፍርቂ ግበራለይ
እሰን=ፍርቂ ዲኻለ?
ኣነ=እወ!
እሰን=ልፍርቂማ 110 እዩ።
ኣነ=ዋይ ሃመይ ኢሉ?ልኪሎ 200 ተኾይኑ'ኮ ልፍርቂ ሚኢቲ እዩ ልመፅእ ሒሳቡ።
እሰን=እወ ሒሳቡ'ማ ሃምኡ እዩ ልመፅእ
ኣነ=እሞ ታማ?
እሰን=እሞማ ልፍርቂ ሃምኡ ኢና ንሸጦ ወደዋ።
ኣነ=ኣይ ልምፍላጥ እየምበይ ህገዝእ 'ኮእየ
እሰን=እሞ ሃመ መስለካማ ሽኮር ኣብ ፍርቂ ትኾንሎ መኽሰሪ እዩ።ሚዛኑለ ኸዋዲ እዩ።
ኣነ=ኣሃ ሃምኡ ድዩ?
እሰን=እወ ዙወደይ ሃምኡ እዩ።ኪሎዶ ገብረልኻ
ኣነ=ዋይ!ፍርቂ'ባ
እሰን=ዳሕና!!ይኹን እሺ!
ኣነ=110የይ ኸፊለ ሽኮረይ ምስ ሓዝኹ፤ ግን ማማዋ ኣብ ኪሎኸ ሚዛኑ ኣይኸድይ ድዩማ?
እሰን=ኣታዮ የትሃውኸንይ'ዶ በይዛኻ!!ዋይዋይ!
ኣነ=እሺ ሓዲገዮ! ፓስታኸ ህንደይ እዩ እኒኦ?
እሰን= ኮፍ ኣብ ልበልኦ ኾይነን ኽሳደን ኣንቃዕሪረን ገፅገፀይ እላርኣያ "ገዛኢ ዲኻ?"
ኣነ=እወ ገዛኢ እየ ማማዋ።
እሞ ገዛኢ ተኾይንኻስ 120 ውሰድ።
ኣነለ ልኽልቲአንኸ ህንደይ ማለት እዩ?
ንእሽተይ ሕስብ ኣበላሞ 240።
እምባኣይ ሓንቲ ክወስድ ኢለ 120 ሃብኹወን
ዳሓር=ማማዋ በልኹወን
እሰን=ኣቤት
ኣነ=ሓንቲ ፓስታለ'ኮ ግን ፍርቂ ኪሎ እያ ሚዛና
እሰን=እሞኸ?
ኣነ=ኣይ 10 ቕርሺ ብላዕሊ ለይወሰክኽናላ ኢለ እየ።
እሰን=ካብ ኮፍ ልበልኦ በርደግ በላ'ሞ
ወደዋ በላኒ
ኣነ=ኣብየት ማማዋ
እሰን=ካበይ ዲኻ መፂእኻ?
ኣነ=መንደረይ ነገርኹ።
እሰን=ካብ ጁባ መአከቢ ቕርሺ ግርምብያለአን ቕርሺ እላውፃኣ ሂወት!ኣቲ ሂወት በላ።
ቖልዓለ ኣብየት ማሚ በለት። ንዕማ ታክሲ ኣሳፊርኺ ስደድልይ ሃዊኹ ቐትለኒሉዋ ይብላ 'ዛ 10 ቕርሺ ኣብዛ ኢዳ።
ሂወት=እሞ ልባዕሉ ለይትህብዮ ባዕሉ ለይኸድ? ምስበለት፤ ታይ ልኾነ ኸእዩ? በለት ትጫወቶ ካብ ልነበረት ሉዶ ስለለቋረፅኣ ብንዴት ጨጉራ ትነፂ እላበለት።
ኣነ=ሂወታ እስኺ ተፏነኽንስ ታይዶ ችግር እኒአዎ እዩ? ለይመፋለጢ እዩ ልኾነና።በልኹ ኣነለ።
ሂወት= እሱማ እወ ሓቅኻ
ኣነ=ንዕናይ በሊ ኢለ ብኽሳድ ኢዳ ሒዘ ክወስዳ ክብል ኹነታተትና ቃሕ ለይበለን ወላዲት።ሂወት ንዒ ተመለሲ!!ዎዎ ተመለሲ!!
እዙይ ልኹልና ልሓድገና ኣይመስልይዋ
ተመለሲ ዛጓለይ ንዒ! ሃብዮ ታ ዓሰርትኡ ባዕሉ ላብ ልኸደ ይኽድዋ። በላኣ ኮፍ ተይበላ ብደወን።
ኣነ=አረ ችግር የብሉይ ማማዋ ምስ ኣብፀሐትኒ'ኮ ባዕለይ ክምልሳ እየ ኢለ ከደናግረን ሞከርኹ።
እሰን= ዳሕና ዙወደይ ይብላ ኢድ ጓለን
ካብ ኢደይ፤ ዓሰርተ ቕርሸን ለለ ካብ ኢድ ጓለን ቦግ የብላ ኣብዛ ኢደይ።ዳሓር መንገዲ መንደረይ እላመላኸታ "ብዚኣ ጌርኻ ኺድ 'ዙ ወደይ" በላኒ።
ኣነ=እሞ ሓዝኦይዶ ዙ ዓሰርተ ቕርሺ ማማዋ ቕርሺ ሎሚኮ'ዩ።በልኹወን።የተቐበላንይ!
ካብአን ተፈልየ ንእሽተይ ምስኸድኹ!
"ዳይ!ብ10 ቕርሺ 50 ኪሎ ጣፍ"ልብል ድምፂ መጫወቲ ዕፃ ሎተሪ ሓደ ወዲ ሰማዕኹ።ኣቲኻ ውርም እዩምበ! ቐኒዑኒ!! ተመለስ ኢሉካ እዩ ለለ ላብ እነይ ጓልይ
ኣነ=ተመሊሰ'ኮ መፂአ ማማዋ
እሰን=ኣነ ጓል 70ዶ!!!
ሀዚኸ ታደሊኻ?በላኒ።
ኣነ=ኣይ ሀዚ'ኳ ብስራትየ ሒዘልኽን መፂአ
እሰን=ውይውይ ወደዋ!ብስራትኻ ይጥዓም! ንዓስቲ ኮፍ በል ኢለን ብኽዳነይ ስሒበን ኣብ ጥቕአን ኮፍ ኣበላኒ።ኹሉ ልኾኖ ነጊረ ምስወዳእኹ ካፍቱ ልበፅሐኒ 50 ኪሎ ጣፍ 25ዩ ሃምለካፍለንለ ነገርኹወን።
እሰን=እዮኦይ ዙወደይ እዙይ ናይኻምበይ ናየ ዕድል የኾነይ ብምባል ፈፂመን ሃምለይቕበላኒ ብስም ልዝክርኦ መልኣኸን ብምምሓል ኣቕበፃ።ሀዚ ምስዘን ወላዲት ካብ ለይንጋነ ዳርጋ ዓመት ኾይኑና።ምስ ሂወታማ ሳልሳይ ማዕልትና ኢዩዋ
ኣብ ከተማ ኣክሱም ፡ ሓደ ክጉብንይ ንዝመፀ ፈረንጂ 'ሃንግ' ገይሮሞ ይባሃል ኣሎ።
ነዚ ዝሰምዑ ኣባላት ፀጥታ ከተማ ኣክሱም ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ጡቡቕ ክትትል ይገብሩ ኣለዉ።
ወይለከ ! ፈረንጂ እዩ ያ...!
ፅባሕ ንጎሆ ኣየነይቲ ሃገር ኲናት ከም እትእወጀልና ኣይፍልጥን።
ይቕልሎ !
ምክንያቱ ፡ ፃዕዳ ብዜግኡ ኣየኽእሎን።
ኒኩለር ኣይተኩሱልና ጥራሕ...
፧
ሓደ መምህር ናይ ፊዚክስ እቲ ፈተና ክሓልፍ ምስ ዘይደሊ...
እታ ሰበይቲ 4 ኪሎ ባናና 2 ኪሎ ኣራንሺን 5 ሊትሮ ዘይትን ሒዛ ትኸይድ ኣላ።
ካብዚ ብምብጋስ እታ ጓል ድንግል ድያ ኣይኮነትን??😳😜
😂😂😂
(ልተሰረቐት ቐልዲ)
ሓደ ብወነኑ ደራፊ ልኾነ ዓማፂ፤ ደርፊ ክደርፍ እየ ኢሉ ላብ መድረኽ ወፂኡ ናኪሮስ ኣለማየሁ ደርፊ ምድራፍ ጀሚሩ ምስወደአ ዙ ተዓዳሚ
"ፊፅፅፅፅፅ! ይደገም! ይደገም!"
ደጊሙ ምድራፍ ይጅምር ምስወደአ ለለ ዙ ተዓዳሚ
"ፊፅፅፅፅፅ! ይደገም! ይደገም!" ብዉሽጡ ደስ ላበሎ
"ኣድነቕተይ ልኣኻቱም ኽብሪ ክብል ክደግማ እየ" ኢሉ ደጊምዋ። ለለ ይደገም ላተብሃለ ብዙሕ ግዜ ደጊሙ ደኺምዎ
"ክቡራት ኣድነቕተይ ንእሽተይ ኣዕሪፈ ክምለስ 'ሞ ክደግመልኹም እየ" ምስ በለ ሓደ ዓውዪ ሰብኣይ ትልዕል ኢሎም...
"ብስነስርዓት ለይትደርፋ ተኾይንኻ ኣይትወርዳይ። ዳይ! ቀፅል! ድረፍ!" 😀
➢ማህሌት ተኽላይ ተረኺባ አላ🙏
➢ ቀልዲ ከዓስ ተጀሚሩ ብፍቕሪ እዩ ዝጨወያ🥰
ብዝኾነ ብዛዕባ ምጭዋይ ማህሌት ተኽላይ ዝተጨነቐ ኩሉ ልዑል ምስጋና ይግበኦ እዩ🙏
#updates
ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ቶክሲ ከፊቱ!!
ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር አብ ልዕሊ ፀጥታ ትግራይ ቶክሲ ከምዝኸፈቱ ምምሕዳር ወረዳ ራያ ዓዘቦ ገሊፁ።
ሎሚ ሮቡዕ 14 ጉንቦት 2016 ዓ/ም ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር አብ ልዕሊ ፀጥታ ትግራይ ኣብ ከባብታት ቶንሳ ፍሉይ ቦታ #ጋራ_ወስተን #ዓርፋ ቶክሲ ከምዝኸፈተ እዩ እቲ ምምሕዳር ዝገለፀ።
እቲ ቶክሲ ሐዚ እውን ቀፂሉ አሎ።
ፅንዓት ንህዝብና!!
#ደስየ ኣሸናፊ
ዘሕዝን ዜና:
ሕዚ'ውን ጽንተት ተጋሩ ይቕጽል ኣሎ!!
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ትማሊ ለይቲ (ናብ 13 ጉንበት 2016ዓ.ም ኣብ ዘውግሕ) ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ሓለዋ ካፍቲ እናሃለዉ ሸውዓተ ወገናትና ብግፍዒ ተጨፍጭፎም ኣለዉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሞት ንፁሃት ወገናት ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እንትገልፅ ንስድራ ግዳያት ድማ ፅንዓት ይሃብኩም ክብል ይፈቱ።
ነዚ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ ከባቢ ዓፋር ዝመፅኡ እንትኾኑ እንታይነቶም ብዝምልከት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብጥቡቕ እናተኸታተሎ ይርከብ። ገበነኛታት ንምልላይን ንምሓዝን ዝግበር ፃዕሪ እውን ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ ኣብ ቀፃሊ ዝህሉ ምዕባለ ብእዋኑ ንህዝብና ዕላዊ ክንገብር ኢና።
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ፌዴራል ፖሊስን እውን ገበነኛታት ብምሓዝ ናብቲ ገበን ዝፈፀሙሉ ከባቢ መፂኦም ንክዳነዩ ክሰርሑን ሓላፍነቶም ክዋፅኡን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
ህዝብና ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ነቲ ኩነታት ንምእላይ ዝኸዱዎ ርሕቐት ዝንኣድ ኮይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገበነኛታት ንምሓዝ ዝገብሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
13 ጉንበት 2016ዓ.ም
ፍልፍል ሓበሬታ፣
ድምፂ ወያነ ትግራይ
Arsenal 1-1 Everton
72' Brentford 2-3 Newcastle United
75' Brighton 0-1 Manchester United
78' Burnley 1-2 Nottingham Forest
76' Chelsea 2-1 Bournemouth
75' Crystal Palace 5-0 Aston Villa
74' Liverpool 2-0 Wolves 73' Luton Town 2-4 Fulham
75' Manchester City 3-1 West Ham United
72' Sheffield United 0-3
Tottenham
