መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
#እዋናዊ_መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ካብ 23-24 ታሕሳስ 2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዝርዝር ተመያይጦም ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ በፂሖም ኣለው።
እቲ ምይይጥ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዘዳለዎ መበገሲ ሰነድ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ብዝርዝር ብምፍታሽ መፍትሒ ኣንፈታት ዘነፀረ እዩ። ኣብ ትግራይ ናይ ዝተፈጠሩን በብግዜኡ ዝምዕብሉ ዘለዉን ፀገማት መሰረታዊ መበገሲኦም ፖለቲካዊ ከምዝኾነ ብግልፂ ብምንፃር ዘላቒ መፍትሕኦም እውን ፖለቲካዊ ምዃኑ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።
ካብቲ ኣትናዮ ዘለና ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንምውፃእን ፀገም ህዝብና ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ንምቅላልን ግዝያዊ ምምሕዳር ብኩሉ መንገዲ ምጥንኻርን ከምዘድልን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘለው መሓውራቱ ተመዓራርዩ ናብ ጭቡጥ ተግባር ክኣቱ ከምዘለዎን ብሓባር ተደምዲሙ ኣሎ። መንግስቲ መደባቱ ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ገይሩ ንምስራሕ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ዝያዳ ብምጥንኻር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ መላእ ህዝብና እውን ኣብ ዙሪያ እዞም ዓበይቲ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ዓሲሉ ሙሉእ ኣስተዋፅኦ ንክገብር እቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ክሳዕ ታሕቲ ክወርድ ከምዘለዎ ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።
ኣብዚ ሓበራዊ መድረኽ ኩነታት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ እውን ብስፍሓት ምይይጥ ዝተገበረሉ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ናብ ተሓታትነት ንምስጋር ክስርሓሉ እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ገለ ውልቀ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ተልእኾኦም እናውፅኡ ኣብ ዘየድሊ ምንቅስቓስ እንትኣትዉ ድማ ብፅኑዕ ዲስፕልን ናብ መስሪሕ ተሓታትነት ንምስጋር ብጥቡቕ ክስርሓሉ እዩ። በቲ ካልእ መዳይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናይ ሓደ ዝኾነ ኣካል ደገፍትን መሳርሕን ከምዝኾኑ ተገይሩ ብሕቡእን ብቕሉዕን ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ካብ ሕጊ ወፃእን ዘይቅቡልን ስለዝኾነ ብህፁፅ ድው እንተዘይሉ እዚ እውን ብስርዓት መሰረት ናብ ተሓታትነት ክሰግር ክስርሓሉ እዩ።
ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንምውፃእ ኩሎም ዓቕምታት ብዝግባእ ክሳተፉን ሓሳባቶም ክድመፁን ከምዘለዎም ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ። በዚ መሰረት እቲ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዘይኣተወ ኣማኻሪ ካውንስል ቀልጢፉ ስርሑ ንክጅምር ኣንፈት ተነፂሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ንምንባር ዝተጀመሩ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።
👉Office of the President-Tigray
25 ታሕሳስ 2017ዓ.ም
+1
ካብ ቱንዝያ ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ዝፈተኑ 110 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣፍሪካ እታ ዝተሳፈሩላ ጃልባ ምስ ካልእ ጃልባ ምልታማ ስዒቡ
ብውሕዱ 27 ከምዝሞቱ ተገሊፁ።
ንዳይረክተር ሲቪላዊ ሓለዋ ስፋክስ ቱንዝያ ብምጥቃስ ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝገለፆ ካብ ቱንዝያ ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ዝፈተኑ 110 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣፍሪካ እታ ዝተሳፈሩላ ጃልባ ምስ ካልእ ጃልባ ምልታማ ስዒቡ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከበኦም ብውሕዱ 27 ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።
እተን ጀላቡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ዝጥቀሙላ መበገሲ ቦታ ገማግም ባሕሪ ከተማ ስፋክስ ቱንዝያ ተላቲመን ከምዝጠሓላን ብህይወት ኣድሕን ሃገረ ቱንዝያ ካብ ሞንጎ እቶም 110 ዘይጋውያን ስደተኛታት ንትንፋስ 83 ከምዘድሓኑ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እተን ክልተ ዝተላለማ ጀላቡ ግዝያውያን ጀላቡ ቆድሚ ትማሊ ሶሉስ ናብ ሃገረ ጣልያን ንምስጋር ንዝሓሰቡ ስደተኛታት ሒዘን ጉዕዞ ምስ ጀመራ ቡዙሕ ከይተጉዓዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱንዝያ ከምዝጠሓላ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና ኩሎም ግዳያትን ዝደሓኑን ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪካ ከምዝኾኑ ዳይረክተር ሲቪላዊ ሓለዋ ስፋክስ ዚያድ ኣል ሲዲሪ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበሩ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ #እዋን_ድቃስ ኣብ ዓራት ተጋዲምካ ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ (e-books) ምንባብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ተመራመርቲ ገሊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ተመራመርቲ፡ ናይ ድቃስ ግዜኻ ኣወንዚፍካ ብሞባይል፡ ኣይ-ፓድ፡ ታብለታትን ካልእን መሳርሒታት ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ንስርዓተ ድቃስ ዘዕኑን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል ከምዝዀነን ተሓቢሩ።
እቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝዀኑ ጉጅለ ተመራመርቲ መጽናዕቶም ኣብቶም ቅድሚ ድቃሶም ወይ ናይ ድቃስ ግዜኦም ኣወንዚፎም ኣብ መንጎ ናይ ወረቐት መጻሕፍቲ ዘንብቡን ብርሃን ዝተፍኡ ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ ዘንብቡን ብምውዳዳር’ዮም ኣካዪዶም። ኣብ መጽናዕቶም ድማ፡ እቶም ኣብ ግዜ ድቃሶም ኤለክትሮኒካዊ ጽሑፋት ዘንብቡ ሰባት ንኽታኸሱ ነዊሕ ግዜ ዝወስደሎም ስለዝዀኑ እዚ ከኣ ድኹም ብቕዓት ድቃስን ዝቕጽል መዓልቲ ወጋሕታ ኣዝዮም ዝሰልከዮም ከምዝዀኑ ሓቢሮም።
ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ብግዜ ምሸት ብርሃን ዝተፍኡ ኤለክትሮኒካዊ ጽሑፋት ናይ ምንባብ ልምዲ ዘለዎም ሰባት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ተረዲኦም ንልምድታቶም መግትኢ ክገብሩሉ መኺሮም። ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ ግዜ ድቃስ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣብ ሓንጎል ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ፍሉጥ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝያዳ ኣሰካፊ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ግን ብሰንኪ’ቲ ቅድሚ ድቃስካ ኤለክትሮኒካዊ ጽሑፋት ብምንባብ ናብ ኣዒንቲ ዝኣትዉ ዘለዉ ጨረርታ ብርሃን ዝገደደ ጥዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ከምዝዀነ ኣረዲኦም።
ሰማያዊ ዝሕብሩ ብርሃን ኣብ ግዜ ምሸት ንመፍረ ሜላቶኒን ዝተባህለ ነዝዒ ደቃስ ክዓግቶ ወይ ከዛሕትሎ ከምዝኽእል ወሲኾም ኣብሪሆም።
ኣብቲ ፈተነ 12 ሰባት ንኣስታት ክልተ ሳምንቲ ዝኣክል ኣብ ኣላቦራቶሪ ተዓጽዮም ከምዝድቅሱ’ዮም ተገይሮም። ንሓሙሽተ መዓልታት ድማ ካብ ናይ ወረቐት መጽሓፍ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ድማ ካብ ናይ ኣይ-ፓድ እናንበቡ ኣሕሊፎሞ። ኣብ ደሞም ብዝተኻየደ ቅምሶ ድማ፡ ካብ ኣይ-ፓይድ ወይ ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ ኣብ ዘንብብሉ ዝነበሩ ግዜ ናይ ድቃስ ፍርያት ነዝዒ ሜላቶኒን ውሒዱ ተረኺቡ። ከምኡ’ውን ንኽታኸሱ ብዙሕ ግዜ ከምዝወሰደሎም፡ እንተደቀሱ’ውን ዓሚቕ ድቃስ ከምዘይድቅሱ፡ ምስ ወግሐ’ውን ብዙሕ ድኻምን ረሸሽታን ከምዝስምዖም እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም።
ሕጽረት ድቃስ ሕማማት ልቢ፡ ክረሻ፡ ሽኮርን መንሽሮን ዝኣመሰሉ ሕማማት’ዩ ዘቃልዕ።
ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ ንውጽኢት’ዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ደገፎም ብምግላጽ፡ እዋናዊን ኣገዳሲን መጽናዕቲ ምዃኑ ሓቢሮም። ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣሰካፊ እናዀነ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ግዜ ድቃስ ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ ናይ ምንባብ ልምዲን ንሱ ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጽልዋን ዘዘኻኽርን ዘጠንቅቕን ብምዃኑ ድማ ቆላሕታ ክወሃቦ ጸዊዖም።
ኮተቴ መንእሰያት ብተፈጥሮ ናይ ባህሪ ሰዓቶም ድንጉይ ብምዃኑ ኣምሲዮም ክድቅሱን ደንጒዮም ክትስኡን ከምዝግደዱ’ዩ ዝግለጽ። እዚ መጽናዕቲ ግን ብፍላይ ነቶም ኤለክትሮኒካዊ መጻሕፍቲ ኣብ ሞባይላቶምን ካልእን ብምንባብ ሰዓታት ድቃሶም መሊሶም ዘደናጒዩ መንእሰያት ተሪር መጠንቀቕታ ዘመሓላልፍ ብምዃኑ ወለዲ ንደቆም ቁጽጽር ክገብሩሎም ኣተሓሳሲቦም።
(👉 ምእንቲ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ #ሼር ምግባር ኣይንረስዕ🙏)
©ካብዝን ካብትን
+2
ተረባሕነትን ፅልዋን መናእሰይ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጣይሹ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምጥያሽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መናእሰይ ኣብ ፓለቲካ፣ ቁጠባን ካልኦት ጉዳያትን ተሳቲፎኦምን ተረባሕነቶምን ንምርግጋጽ ብሰለማዊ መንገዲ ተወዲቦም ክሰርሑ ግቡእ ምዃኑ ገሊጾም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘድሊ ደገፍ ከምዝገብር ዘመላኸቱ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ መንእሰይ ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ ኢሎም።
መንእሰይ መሪሕነቱ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን፣ ኲናት በላዒ መናእሰይ ምዃኑ ብምሕባር ንኲናት እምቢ ክትብሉ ኣለኩም ኢሎም።
እቲ ተጣይሹ ዘሎ ቤት ምኽሪ ተጠናኺሩ ክኸይድን ምስ ተመሳሰልቲ ውዳበታት ብምርኻብ ምስራሕ ከምዘድሊ እውን ኣመላኺቶም።
ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሐይሽ ሳባጋድስ ብወገኖም ፣ ካብ ዝኾነ ኣካል ወይ ወገን ነጻ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ብምኽኣልና እንኻዕ ደስ በለኹም ኢሎም።
ንቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ብገንዘብን ናውትን ክጠናኸር ምስራሕ ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ኣይተ ሐይሽ ስባጋድስ፣ውክልንኡ ንኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኮይኑ ክቅጽል ከምዘለዎ ድማ ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ኣብ ጉባኤ ምስረታ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ ዝተመረጸ መንእሰይ ልምዓት ተኽላይ ፣ መንእሰይ ትግራይ ኣጋጢሞምዎ ዘለው ማሕበረ ቁጠባዊ ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ፣ መሰሉ ንምኽባር፣ ተሳትፍኡ ንምርግጋጽን ከምዝሰርሕ ኣመላኺቱ።
ኣብቲ ምስረታ ዲኤታ ሚኒስተር ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሙና ኣሕመድን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ መንእሰይ ፉኣድ ገናን ተረኺቦም።
#ድወት
#ዘይተደለየ_ብኽንነት ጠጠው ክብል #መራሕቲ_ሃይማኖት ወረዳ ሓውዜን ፀዊዖም።
ብኽነት ጠቕሊሉ ንኽተርፍ ኣብ ዝገብርዎ ሃይማኖታዊ ፃዕሪ መንግስቲ ውን ብኣዋጅ ዝተደንገገ ቀያዲ ሕጊ ብምውፃእ ንክድግፎም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ወረዳ ሓውዜን ሓቲቶም።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ዝሓተቱ፣ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን ፣ ኣብ ምትራፍ ብኽነት ጠሚቱ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት እታ ወረዳ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ እዩ።
ኣብቲ ዘተ ኣብታ ወረዳ ዝፀንሐ ብሉፅ ተሞክሮ ምፅያፍ ብኽነትን ሓሓሊፎም ኣብ ዝራኣዩ ዓቐን ዘይብሎም ድግሳትን ሳዕቤናትን ፣ ብዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረ ጅወርግስ ገብረ ኪዳን መበገሲ ሓሳብ ብምቕራብ ስፍሕ ዝብለ ምይይጥ ተኻይድሉ እዩ።
ብምዃኑ ድማ ፣እኹል ሃፍትን ሰላምን ኣብ ዘይተረጋገፀሉ "ካብ መን ሰኒፈ" ብዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ፣ ነቲ ዝተረኸበ ምህርትን ዝነበረ ሃፍተ ገነትን ኣብ ሓደ መዓልቲ እናጠፍአ ከም መራሕቲ ሃይማኖት ስቕ ኢልኻ ምዕዛብ ግቡእ ከም ዘይኮነ ኣይተ ገብረ ጅወርግስ ገብረ ኪዳን ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ፣ ብሰንኪ ብኽነት ፣ዝገደደ ድኽነትን ስደትን ከይስዕብ ፣ዘየድሊ ሃፍቲ ፣ጉልበትን ጊዜን ከይባኽን ፣ካቡኡ ሓሊፉ እውን ምብትታን ስድራ ከየጋጥምን ፣ ጠንቂ ሰላምን ፀጥታን ሕብረተሰብ ከይኾውንን ፣መራሕቲ ሃይማኖት እታ ወረዳ ወሳናይ ስራሕ ንኸሰርሑ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ተላብዮም ።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብወገኖም ፣ንዝናን ወደሳን ሓደ መዓልቲ ተባሂሉ ልዕሊ ዓቐን ብዝግበር ድግስ ዝርከብ ፅድቅን ክብርን ከምዘየለን፣ ብሕጊ ቤተክርስትያን እውን ፈፂሙ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ኣትሪሮም ከም ዝኹንንዎን ተዛሪቦም።
👉 ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
Friends, Listen Up!
This is not just a part-time job recommendation; it's a life-changing opportunity: BTT. In just ten short days, I have accumulated a fortune of 30,000 ETB. This is an absolute golden opportunity you won't want to miss!
🌟 BTT, the giant in the global advertising agency industry, is actively recruiting in the Ethiopian market! They are partnering with top social communication platforms like Facebook, YouTube and WhatsApp to boost the app download rates for businesses to new heights. Every contribution, every click translates into real income.
🌈 Exclusive Benefits:
💸 Daily Income Up to 25,000 ETB, making financial freedom a reality
📱 Simple Operation, no complex skills required
✅ 0 Investment, 0 Risk, a purely free money-making opportunity
📈 Professional Training to help you get started quickly and earn money easily
Don't Hesitate, This is the Starting Point for You to Realize Your Dreams! 🌟🌟🌟
Click on BTT's official channel, contact the recruitment customer service, and embark on your wealth journey! 🚀🚀🚀
https://t.me/+K0NLcevX5qgzMjA1
+2
ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሾመ ከንቲባ ከተማ መቐለ ስሩዕ ስርሑ ክጅምር ከምዝግባእ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሓቲቶም።
እዙይ ዝተገለፀ ዋሕስ ሰላም ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ፣ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ መሳርሒ ፖለቲካ ክኸውን ኣይንፈቅድን፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ኣጥቢቅና ንቃወም፣ መቐለ ናይ ሰላምን ልምዓትን እንበር ናይ ዕግርግር ከተማ ክትከውን ኣይንፈቅድን ዝብል ሎሚ 23 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ነበርቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።
ብተመሳሳሊ ሰላምና ሓሊና ብጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሾመ ከንቲባ ናብ ቦትኡ ንክኣቱ ስሩዕ ስርሑ ክጅምር ድምፂ ደቂ-ኣነስትዮ ክነስምዕ ይግባእ ክብላ ኣብቲ ቦታ ዝተረኸባ ደቂ-ኣነስትዮ ገሊፀን።
ብስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተረኸበ ሰላምን ዝተሾመ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፍነትን ተግባርን መሰረት ዝተሾመ ከንቲባ ከተማ መቐለ ስሩዕ ስርሑን ኣገልግሎት ክህብ ከምዝግባእ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።
ህዝቢ ንዘቕረቦ ሕቶ ንምዕዛብን ንምቅላሕን ዝተረኸቡ ሚዲያታት ከምዘይተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሰፍሐሉ እዋን ድምፂ ህዝቢ ምዕፋን ከምዘይከኣል ገሊፆም።
ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ውግንናኦም ንህዝብን መንግስትን እንበር ንሓደ ፓርቲ ክኸውን ከምዘይብሉን ቴክኖሎጂ ኣብ ዝሰፍሐሉ እዋን ድምፂ ህዝቢ ዝኾና ሚድያታት ምዕፋን ከምዘይከኣል ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ንምዕዛብ ንምቅላሕን ዝተኸልከሉ ጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።
👉 Tigray Communication Affairs Bureau
23 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም
መቐለ
+4
ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ዞባ ምምሕዳርን ፀፅታን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ይዝትዩ ኣለው
© Tigray Press
#ተፈጥሮ #ዕሸል #ውልዶ( ሕንጦ)
ሕቶ ዶ/ር ኣነ ሓድሽ ወላዲ እየ ። ተሃንጥየ ዝወለድክዋ ጓለይ እንትፅውዓ ኣይተቕልበለይን። ክትርእየኒ ድማ ፈቲነ ኣይትኽተለንን። ሕውልል ትብሎ ነገር ድማ ኣሎ።
ብ ዶ/ር ኣቤል ግደይ
1፥ ሓደ /ሓንቲ ዕሸል ውልዶ ልክዕ ምስ ተወልደት ኣስታት
3.4 ኪ.ሎ
50 ሳ.ሜ ቁመት ን
35 ሳ.ሜ ዙርያ ርእሲን ብማእኸላይ ይልካዕ።
2. ድሕሪ ምውላድ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናይ መጀመርታ ሽንቲን ሰገራን ክህልዎም ግድን እዩ።
3. ኩሎም ዕሸል ውልዶታት (ሕንጦታት)
ኣብ ሓፂር ርሕቐት ጥራይ ይሪኡ።
እዚ ናይታ ኣዶ ጡብ ክሳብ ዓይና ዘሎ ርሕቐት ጥራይ ምርኣይ ይኽእሉ።
4. ልክዕ ምስ ተወለዱ
ንናይ ጓል ተንስተይቲ ድምፂ ብቕልጡፍ ይሰምዑ።
ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኸብዲ ዝሰምዕዎ ደጋጊሞም ናይ ኣዲኦም ስለዝነበረ!
5 . ኣብ ሓደ መዓልቲ
🛌ብማእከላይ 16 ሰዓት ይህርሱ። እናቐቐስኻ ምጥባው ግድን ይኸውን።
6. ኣብ መዓልቲ ተደማሚሩ ክሳብ 3 ሰዓታት ይበኽዩ። ቐፃልነት ዘለዎ ምብኻይን ብስሩ ዘይምብኻይን ፀገም የርኢ።
7. ካብ ዓበይቲ ብዝተፈለየ ክእለት ብ ኣፍን ኣፍንጫን
ምትንፋስ ሓናጡ ብ ኣፍንጭኦም ጥራይ ይትንፍሱ። ዝኾነ ይኹን ነገር ኣፍንጭኦም ከይ ዕፍኖም ጥንቃቐ ንግበር።
8. በቢ 1-4 ሰዓታት ጡብ ክጠብዩ ይምከር።
8-12 ግዘ ብመዓልቲ 5 ግዘ ቐትሪ ን 3 ግዘ ምሸት ክጠብው ይምከር።
9. ኣብ ሰውነቶም ዝርከብ መጠን ደም ካብ ሓንቲ ናይ
ለስላሳ ጠርሙስ( 300ኤም. ኤል) ኣይዛይድን ። ብዝኾነ ይኹን ክደምዩ ክንፈቅድ ኣይብልናን።
10. ሓናጡ ቁሪ ኣዝዩ ኣይስማዕመዖምን። ኩሎም ሓናጡ ድሕሪ 24 ሰዓት ክሕፀቡ ድሕሪኡ ድማ ብዝተረኸበ ጨርቂ ሙቐት ንክህልዎም ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
11. ሓውላላት እዮም ። ንቡር እዩ።
ጥዕና ይሃበለይ!
#ዝረአየ_ዓይኑ_ይብራህ
ሰላማት ደቂ ዓደይ በይዛኹም 'ባ ሓፍተይ ኣዳልዩኒ! ሓፍተይ ሰሚራ ፍስሃ ትበሃል፣ ናይ መታወቅያ ሽማ ድማ መብርሂት ፍስሃ ትበሃል ብዕለት 11/4/2017ዓ.ም ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገዝኣ ከባቢ ኣብርሃ ካስትል ምስ ወፀት ክሳብ ሐዚ ኣይተመለሰትን። #ሼር እውን ዓባይ ሓገዝ እያ🙏🏻💔
~ ~ ~ ደሃይ ሓፍተይ ክንረክብ ክትተሓባበሩና ብሽም ፈጣሪ ንልምነኩም።
➻ስ,ቁ 0914382673__0984997641
➻ስ,ቁ 0914261128__0914746946
Meron Fissaha
+2
ኣብ ላዕላዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምንቅስቓስ ትገብር ዘላ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሶሎዳ ዓድዋ ሎሚ ኣብ ዝነበራ ፀወታ ዓወት ኣመዝጊባ።
ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ ኣብ መበል 11 ሰሙን ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ ድሕሪ ስዓት ፀወተኣ ምስ ጋንታ ደብረብርሃን ከተማ ኣካይዳ 2ን0 ብምዕዋት ደረጀኣ ዘመሓየሸትሉ ድሙቅ ዓወት ዘመዝገበት።
ሶሎዳ ዓድዋ ሙሉእ ሰለስተ ነጥቢ ዝረኸበትለን ሸቶታት ኣብ መበል 30 ደቂቃ ቢኒያም ተሻለ ኢሉ’ውን በረኸት ብርሃነ ኣብ መበል 71 ደቂቃ ኸመዝግብወን ኽኢሎም እዮም።
ድሕሪ እቲ ናይ ሎሚ ዓወት ጋንታ ሶሎዳ ዓድዋ ሓደ ፀወታ እንዳተረፋ ብ18 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።
# ዮናስ ፍቓዱ
+1
ትንኾሳ #ቶኹሲ ጀሚሮም
#ዕጡቋት_ኣምሓራ ኣብ ወረዳ #ላዕላይ_ፀለምቲ ብኣንፈት ከተማ ማይ ጤል ብተለምዶ ፍየል ውሃ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኸባቢ መጀመርያ 17 ዕጡቃት እንዳተኮሱ ኣትዮም ደሓር ድማ ብክልተ ፓትሮል ከባቢ 30 ዝኾኑ ኣትዮም ይታኹሱ ኣለው ።
እቶም ዕጡቋት ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ደጃች ሜዳ ኸምዝመፁ እዩ ዝሕበር ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኪ ብኣንፈት ሰቆጣ ማርያም ድማ ንማይ ለሚን እንዳተኮሱ ወሪዶም መንገዲ ዓፅዮም ኣለዉ።
ኣብ ከተማ ሰቆጣ እውን ቶክሲ ኣሎ። ብሓፈሻ ዕጡቃት ትግራይ ፀራሪግና ተከዘ ክነስግሮም ኢና ዝብል ሽርሒ ሓዞም ዳግማይ ወራር ወፍሪ ዝመስል እዩ ጀሚሮም ዘለዉ።
ህዝቢ የርዕድዎ ኣለው፤ ህዞቢ ፀለምቲ ከበድቲ ጎፎዒታት ይበፅሖዎ ኣለው ዛጊድ ሰማዒ ኣይረከበን።
ዝምልከተኹም ኣኻላት እዚ ኩነታት ብቅልጡፍን ህፁፁፅን መፍትሒ ኣናዲሉ።
ፍትሒ ንህዝቢ ትግራይ
©ወልደምህረት ገዛኢ
ልዕሊ 31 #ሚልዮን ብር እቶት ንምርካብ ዝዓለመ መድረኽ ቴሌቶን ኣብ ከተማ ራማ ይሳለጥ ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቴሌቶን ዳግመ ህንፀት ዝተረኸቡ ነበርቲ ከተማ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ማሕበረሰቦምን ከባቢኦምን ንምልማዕ ቆሪፆም ተላዓሎም ከምዘለዉ ገሊፆም።
+1
#ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ በዝሒ #ሰብኣልቦ_ነፈርቲ (#ድሮናት) ብምግዛእ ኣብ 4ይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት መርበብ ሓበሬታ ሚሊታሪ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።
መርበብ ሓበሬታ ሚሊተሪ ኣፍሪካ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ከምዝሓበሮ ክሳብ 2024 ዓ.ም.ኣ. 31 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ መስርሕ ግዝኢት ድሮን ከምዝተዋፈራ ድሕሪ ምግላፅ ኣትዮጵያ 125 ድሮናት ብምዕዳግ ካብ ኣፍሪካ 4ይ ደረጃ ሒዛ ከምትርከብ ገሊፁ።
ከም ፀብፃብ እቲ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሚሊተሪ ኣፍሪካ ሃገራት ግብፂ ሞሮኮን ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪ ብብዝሒ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝገዝኣ ብቕደም ሰዓብ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ክስርዓ ከለዋ ኢትዮጵያ ድማ ንዘን ሃገራት ስዒባ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ከምዝተቐመጠት ኣፍሊጡ።
ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ 34 ዓመታት ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ዝውዕላ 1 ሽሕን 534ን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዓደጋ ወሲኹ ሓቢሩ።
+2
ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ምይይጥ ብምክያድ ውሳነታት ብምዕራፍ ንተግባራውነት እቶም ውሳነታት ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትቲት ሰፊሕ ገምጋምን ምይይጣት ከም ዘካየደ ሓቢሩ። እቲ መድረኽ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሓውር ጊዝያዊ ምምሕዳር ሓፈሻዊ ናብ ስራሕ ዘእቱ ሓፂር ገምጋም ብምክያድ ኣብ ቀፀልቲ ኣዋርሕ ትኹረት ዝግበረሎም ኣንፈታት መደብ ኣነፂሩ ክኸይድን ተወዲቡ ክመርሕን ንምግባር ዝዓለመ መድረኽ ምንባሩ'ውን ሓቢሩ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝትኡ ዝርዝሩ ዝስዕብ☝️☝️☝️
+2
#ሓበሬታ
#ነፃ_ግልጋሎት_ሕክምና
ሆስፒታል መቐለ ፀገም ምስንጣቕ ከንፈርን ታሕናግን ንዘለዎም ወገናት ዝህቦ ዘሎ ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ክሳብ 30 ታሕሳስ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።
ሆስፒታል መቐለ ካብ ትካል ገባሪ ሰናይ ስማይል ትሬንግ ብዝግበረሉ ደገፍ ፀገም ምስንጣቕ ከንፈርን ታሕናግን ዘለዎም ህፃናትን ዓበይቲን ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
ምስንጣቕ ውሽጢ ታሕናግን ላንቃ ከንፈርን መንቀሊኡ ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንሲ ዝተመጣጣነ ምግቢ ዘይምርካብን እኹል ክትትል ሕክምና ዘይምግባርን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ድማ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣተሓባበባሪ መጥባሕቲ ክፍሊ ኣይተ ድራር ኪሮስ እዮም።
ፀገም ምስንጣቕ ከንፈርን ታሕናግን ዘለዎም ወገናት ብፍላይ ድማ ህፃናትን ብኣጋ እንተተሓኪሞም ሙልእ ብሙልእ ይድሕኑ እዮም ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ እቲ ሆስፒታል ኣብ ውሽጢ 6ተ ኣዋርሕ ን102 ወገናት ናፃ መጥባሕቲ ከምዝሃበ ኣረዲኦም።
ምስንጣቕ ከንፈር ንምሕካም ብውልቀ ክሳብ 50 ሽሕ ብር ዝሓትት ብምዃኑ ሕብረተሰብ ነዚ ተረዲኡ ብቕልጡፍ ናብቲ ሆስፒታል ብምኻድ ክሳብ 30 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ዝውሃብ ናፃ ወፍሪ ሕክምና ክረክብ ፀዊዖም ከም ፀብፃብ #ኤመሓት።
ሓላፊ ሓይልታት ኒዩክሌር ሩስያ ተቐቲሉ
ሓላፊ ኒዩክሌር፡ ባዮሎጂካውን ኬሚካልን ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ዝዀነ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ኣብ ሞስኮ ተቐቲሉ።
ኪሪሎቭን ተሓጋጋዚኡን ሎሚ ንጕሆ ካብ ሓደ ህንጻ ኣብ ዝወጽኡሉ ኣብ ላምብሬታ ብዝተተኸለ ቦምባ’ዮም ተቐቲሎም።
እዚ ነትጒ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሞስኮ (ካብ ክረምሊን ኣስታት 6.5 ኪሎ ሜትር ርሒቑ) ኣብ ዝርከብ ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ነታጒ ክኣ ብርሕቐት ቁጽጽር ዝግበረሉ ዝነበረ'ዩ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ትማሊ፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክሬይን፡ ኪሪሎቭ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኸልከለ ኬሚካል ኣጽዋራት ብምጥቃም ፈሪዳቶ ነይራ።
እቲ ትካል ሩስያ ኣስታት 5 ሽሕ ግዜ ኬሚካል ኣጽዋራት ተጠቒማ’ያ ክብል ይኸስስ።
ቅድም ኢሉ’ውን ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተኣሳሰር ብሪጣኒያን ካናዳን እገዳ ኣንቢረናሉ ጸኒሐን።
ንሱ፡ ኣብ 2017 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እዩ ሓላፊ ኒዩክሌር፡ ባዮሎጂካውን ኬሚካልን ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ኰይኑ ተሸይሙ።
BBC News Tigrinya
