መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
ብኲናትን ምዝባዕ ኩነታት ኣየርን ዝዓነወ ቁጠባን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንምሕዋይ ብ 3 ሚሊዮን ዩሮ ዝትግበር ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።
ፕሮግራም ዝተዋደደ ምዕሩይ ኩነታት ኣየር ንምምሕያሽ መነባብሮ ኣብ ትግራይ ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ኢምባሲ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ።
መንግስቲ ኣየርላንድ ብዝገበሮ 3 ሚሊዮን ዩሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ትግራይ ተግባራዊ ከምዝኸውን መተሓባባሪ እቲ ፕሮግራም ኣይተ ዮሃንስ ሓለፎም ገሊፆም።
ጉለመኸዳ፣ ፀርኣ ወንበርታ፣ ራያ ጨርጨር፣ 20 ዓዲ ወጀራት፣ ስለዋ፣ ሰሓርቲ፣ የጭላ ኣበርገለ፣ቀይሕ ተኽሊን ታሕታይ ማይጨውን ተጠቀምቲ እቲ ፕሮጀክት ዝኾና ወረዳታት እየን።
በቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 75 ሽሕ ኣብ ዝኸፍአ መነባብሮ ዝርከቡ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ዝገለፁ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ካብዚኦም እተን ልዕሊ 23 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓቢሮም።
እቲ ናይ መጀመርታ ፕሮግራም ብ1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዩሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተግባራዊ ዝኸውን እዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማሕበራውን ልምዓታውን ኮምሽን ጨንፈር ዓዲግራት ኣባ ኣብርሃ ሓጎስ ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ ንዝገብርዎ ዘለዉ ዘይተሓለለ ሓገዝ ምስጋና ኣቅሪቦም።
ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ፅንተታዊ ኲናት ሂወት ሰብ ካብ ምጥፋእ ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓታት፣ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ተሰሪቖምን ዓንዮምን እዮም።በዙይ ድማ ብፍላይ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ብዝለዓለ ብርኪ ተሓስዮም እዮም ኢሎም ኣባ ኣብርሃ።
ምኽትል ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ፌርጋል ራያን ኣየርላንድ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ትግራይ ሓገዝ ክትገብር ምፅናሓ ገሊፆም።
ሕዚ እውን ብኲናትን ብምዝባዕ ኩነታት ኣየርን ዝተሃሰየ ቁጠባ ሓረስታይ ትግራይ ንምድጋፍ ንክልተ ዓመት ዝፀንሕ ፕሮጀክት ዕላዊ ምግባራ ኣፍሊጦም።
እቲ ፕሮጀክት ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ካብ 2024 ክሳብ 2026 ዝፀንሕ ኮይኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማሕበራውን ልምዓታውን ኮምሽን ጨንፈር ዓዲግራት፤ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ፣ ኢንስቲቱት ምርምር ሕርሻ ትግራይን ዓለምለኸ ማእኸል ምርምር ኣግሮፎሮስትሪን ብሓባር ብምዃን ዝትግብርዎ እዩ።
#ቴሌቪዥን_ትግራይ
+2
ቤ/ፅ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ንስድራ ስዉኣት ኣስታት 65 #ሚልዮን ቅርሺ ሓጊዙ:: ንሎሚ ዘመን ዝኽፈል ድማ ልዕሊ 129 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ኣፅዲቑ::
ቤ/ፅ ምግባረ ሰናይ ትእምት ምስ ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ኣብ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት በጀት ዓመት 2016 ፣ ብማእኸላይ ን 6,665 ስድራ ስዉኣት ብወርሓዊ ክፍሊት ድጎማ ብድማር 64,935,650 ቅርሺ ከምዝሓገዘ ኣፍሊጡ::
ብምግባረ ሰናይ ትእምት ንነብሲ ወከፍ ስድራ ስዉእ ብወርሒ ዝኽፈል ዘሎ 650 ቅርሺ ድጎማ ምስቲ ዘሎ ምኽባር ናብራ ዘይመጣጠንን እኹል ስለዘይኮነን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መጠን ንሓደ ስድራ ስውእ ዝኽፈል ወርሓዊ ድጎማ ናብ 1,200 ቅርሺ ክዓቢ ቤ/ፅ ምግባረ ሰናይ ትእምት ዘቕረቦ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መበገሲ ሓሳብ ፣ ብኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ተቐባልነት ረኺቡ ካብ በጀት ዓመት 2017 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸዉን ወሲኑ ::
ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ኣብ ኣኼብኡ ፣ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብምግባረ ሰናይ ትእምት ንስድራ ስዉኣት ንዝኽፈል ወርሓዊ ድጎማ ልዕሊ 129.6 ሚልዮን ቅርሺ በጀት እውን ኣፅዲቑ ::
ምግባረ ሰናይ ትእምት ንስድራ ስዉኣት ብቀዋምነት ዝኸፍሎ ዘሎ ወርሓዊ ድጎማ ካብ ኩባንያታት ትእምት ብመልክዕ dividend ካብ ዝረኽቦ ብፅሒት ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ቤ/ፅ ፣ ብምዃኑ'ዉን እተን ኩባንያታት ኣብ ፀገም ኮይነን ዛጊድ ንዘበርከተኦ ኣስተዋፅኦ ብምምስጋን ንቕድሚት'ዉን ሓገዘን ከሐይላ ሓቢሩ::
👉 #ትእምት
ናብ ስታድየም ኢትሃድ ተጋዒዞም ምስ ማንችስተር ሲቲ ዝገጠሙ ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ መወዳእታ ደቂቃ ብሩኖ ፈርናንዴዝ ብፍፁም ቅላዕ ኣብ 87 ደቂቃ ኣማድ ዲያሎ ኣብ 90 ደቂቃ ብዘመዝገብወን ሽቶታት ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቦም። ብሕታዊት ሽቶ ማንችስተር ሲቲ ጃስኮብ ግቫርዲዮል ኣብ 36 ደቂቃ ኣመዝጊብዋ።
👌👍
+2
ብምኽንያት ኲናትን ዉዕሊ ዘይምሕዳስን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሮጀክት #ህንፀት መንገዲ #ኣስፋልት #ዉቕሮ_ሓዉዜን_ነበለት ተጀሚሩ::
በበጀት ፌደራልን ብኮንትራክተር ሱር ኮንስትራክሽንን ክህነፅ ዝፀንሐ 76 ኪ.ሜ ዝንዉሓቱ መንገዲ ኣስፋልት ዉቕሮ-ሓዉዜን-ነበለት ኣስታት 50 % ስራሕቱ ምስተዛዘመ ብምኽንያት ዘጋጠመ ኲናትን ዉዕሊ ዘይምሕዳስን ተቛሪፁ ፀኒሑ'ዩ::
ነቲ ዝተቛረፀ ስራሕ ብምጅማር ጠለብ መንገዲ ህዝብና ንምምላስን ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ንምስልጣን ሱር ኮንስትራክሽን ምስ ዉዕል ወሃቢ ፌደራል ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ብዝገበሮ ኣድካሚ ዝርርብ እቲ ስራሕ ንክጅመር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ'ሎ::
ብመሰረት'ዚ ዉዕሊ'ቲ ፕሮጀክት ተሓዲሱን ተፈሪሙን ነቲ ዝተረፈ 50 ኪ.ሜ መንገዲ ኣስፋልት ንምስላጥ ሱር ኮንስትራክሽን ትማሊ ቀዳም ዕላዊ ስራሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣካያዲ ስራሕ ሱር ኮንስትራክሽን ኢንጅነር ዘንፉ ኣስፋው ሎሚ ኣፍሊጦም::
👉 #ትእምት
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ከምዘጣየሸ ኣፍሊጡ።
እቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ "መበል 14" ኢሉ ዝፀወዖ ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ ዝፀንሕን ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሓቖፈን ምዃኑ ኣብቲ ዝወፀ መግለፂ ተመላኺቱ።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ☝️☝️☝️
#ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ #ድወት
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኬባ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ህልዊ ፀገማት ትግራይ ኢልና ኣብ ዘቐመጥናዮም ነጥብታትን ጉዳያትን ኣፈላላይ ኣይነበረናን ክብሉ ምክትል ፕረዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም ።
ጀነራል ፃድቃን ነዚ ዝበሉ ሎሚ ምስ ድወት ብፍሉይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዩ ፡
ኣብቲ ቃለ መሕትት ካብ ዝተልዓሉ ነጥብታት ፡
★ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኬባ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ህልዊ ፀገማት ትግራይ ኢልና ኣብ ዘቐመጥናዮም ንጥብታትን ጉዳያትን ኣፈላላይ ኣይነበረናን
★ እዚ እንኮላይ ብወገን ዶክተር ደብረፅዮን ኮነ ብወገን ጌታቸው ዝምርሑ ሉኡኻት ህወሓት ኮነ ግዚያዊ ምምሕዳር ወኪልና ኣብቲ ኣኬባ ዝተሳተፍና ኣብቶም ህልዊ ኩነታትን ፀገማትን ትግራይ ብዘይኣፈላላይ ዝተቐበልናዮምን ዝተሰማማዕናሎም ጉዳያት እዮም ።
★ ኣብ መቐለ ምስ መፃእና እውን እንተኾነ ብደረጃ ካብኔ ኣብ ዘካየድናዮ ኣኬባ ህልዊ ፀገማት ትግራይ ተባሂሎም ኣብ ዝተዘርዘሩ ዛዕባታት ኣፈላላይ ኣይነበረናን ።
★ ንመንግስቲ ፌደራል ፀገማት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ኣይሓገዝኻናን ኢልናዮ ።
★ መንግስቲ ፌደራል ፡ ናብ ምዕራብ ትግራይ እተው ኢልናኩም ነይርና ኢና ባዕልኹም ኢኹም ጉባኤ ክነካይድ ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክነመዓራርይ ግዜ ሃቡና ኢልኩም ዘባኸንክምዎ ዕድልን ግዜን እዩ ኢሉና
★ ኣብ ሞንጎና ዝርኣይ ዘሎ ምስሕሓብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ተረጋጊፁ ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ዓርሱ ዝኸኣለ ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ ።
★ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ተግባራዊ ክኸውን ብምግባር ሓቋፋይ መንግስቲ ምጥያሽ እዩ ችጸገማት ትግራይ ዝፈትሕ ።
★ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብወግዓዊ ዝቃወም የለን ፡ኣብ ተግባር ግና ነዚ ዝፃባእ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣካላት ኣለው ።
★ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንፌደራል መንግስቲ ዓለምለኽዊ ዶባት ምሕላው ናትኩም ብፅሒት ስለ ዝኾነ ኣብኡ ዘለው ፀላእቲ ኣውፂእኹም ግዝኣታዊ ሓድነትና ኣውሕሱ ኢልና ስለዝሓተትና ክሕደት ፈጽፂሞም ዝብል ሽም ተዋሒቡና ።
★ ኣብቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸየደ ዘተ ዘልዓልዎ ግና ጌታቸው ጥራሕ ኣልዕሉልና እምበር ምሳኹም ኮይና ግዚያዊ መንግስቲ ክነጣይሽን ሓቢርናኩም ክንሰርሕን ድልዋት ኢና ኢሎም እዩም ።
★ ሕዚ ብጭቡጥ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ DDR ንህልውና ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ኣይኮነንን።
★ እቲ ዓብይ ጉዳይ ፡ ፀገማትና ብውዕሊ ፕሪቶርያ ንፍተሓዮ ዝብልን ፡ ኣይ ኣይፋልን ውዕሊ ፕሪቶርያ ምምሕዳርና ዘፍረሰ እዩ ብእኡ ኣይንፈትሓን ዝብል ጎነፅ እውን ገጢሙና ኣሎ ።
★ ዓንቀፅ 8 ኣብ ውዕሊ ፕቲቶርያ ከምዝድንግጎ ዓለም ለኻዊ ዶባት ብማእከላይ መንግስቲ ይሕለው እዩ ዝብል ፡ ዶባት ትግራይ ሓላዊ ስለ ዘይብሎም ግና ብወገን ኤርትራን ብወገን ሱዳንን ዝርከብ ህዝብና ደገዊ ሓይልታት እነኣተው ዝተፈላልለየ ግፍዕታት ይፍፀመሉ እዩ ዘሎ ፡ ዘይህጋዊ ስራሕቲ ንግዲ መዓድናትን ካልኦት ገበናትን ይስርሓሉ ኣዩ ዘሎ ስለዚ ነቶም ዶባት ስራዊት ማእኸላይ መንግስትቲ ይሓልወን ዝብል ሕቶ ተላዒሉ እዩ ።
★ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ውክልና ተጋሩ ብዘይምህላው ድምፅና ክስማዕ ስለ ዘይከኣለ ውክልና እውን ክህልወና ይግባእ ዝብል ሕቶ ንመንግስቲ ፌድራል ሓቲትና ኢና ።
#ድወት
+1
1ይ ዙር #ብሄራዊ_ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምኡ እውን #ምዝገባ ኦን ላይን ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ #ዘበነ_ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ከም ዝካየድ ተሓቢሩ።
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ካብ 9 ክሳብ 11 ታሕሳስ 2017 ዝወሃብ 1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምኡ'ውን ካብ 7 ታሕሳስ ጀሚሩ ዝሳለጥ ምዝገባ ኦን ላይን ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣመልኪቱ ሎሚ 04 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጋዜጣዊ መግለፂ ይህብ ኣሎ።
ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ዶ.ር ኣረጋዊ ዘፈሩ ፣1ይ ዙር ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ 9 ክሳብ 11 ታሕሳስ ኣብ 52 ወረዳታት ዝርከባ 451 ኣብያተ ትምህርቲ 13,156 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከብኦም 26,168 ተምሃሮ ንፈተና ከም ዝቕመጡ ገሊፆም።
ካብ 7 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ምዝገባ ኦን ላይን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ከም ዝሳለጥን ኣብ 79 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 247 ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝውሃብን 18,051 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከብኦ 37,511 ተምሃሮ ክምዝገቡ ትፅቢት ከም ዝግበር እቶም ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣብሪሆም።
👉 #FM_መቐለ
+3
ኣብ ክፍለ ከተማ #ኲሓ 135 #መናእሰይ #መሬት_ብመጠሻ ተዓዲሎም።
ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ጣብያ ማይ ፀዶ ቁሸት ዲግዲግታ ን59 መናእሰይ ከምኡ'ውን ኣብ ቁሸት እምባ ፍቃዱ ን76 መናእሰይ ብሓፈሻ ን135 መናእሰይ 140 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መጠሻ ከም ዝተዓደሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ክፍለ ከተማ ኩሓ ኣይተ ደስታ ሃይሉ ገሊፆም።
ኣብዚ ክፍለ ከተማ ዕደላ መጠሻ መሬት ንመናእሰይ እናተሳለጠ ከም ዝመፀን እዚ ናይ ሕዚ 3ይ ዙር ዕደላ መጠሻ ከም ዝተሳለጠ ኣይተ ደስታ ሃይሉ ገሊፆም። መናእሰይ ዝረከብዎ ዕድል መጠሻ ብዝግባእ ክጥቀምሉ ድማ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ኣብዚ ትማሊ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ዕደላ መሬት ን7 ስድራ ስዉኣት ካብ ዕፃ ወፃኢ ከም ዝተዓደሉ እቲ ሓበሬታ የመላኽት ክብል ሓበሬታን ርክብን ክፍለ ከተማ ኲሓ ፀብፂቡ።
👉 ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ
2 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም
መልእኽቲ ካብ ክፍሊ ሕክምና ሕማም ሽኮርያ ሆስፒታል ዓይደር
ኣብ ዓይደር ኮምፐረንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ክፍሊ ሕክምና ሕማም ሽኮርያ ን ዕለት 06/04/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሽኮርያ ንምኽባርን ብኡ አቢሉ ድማ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ምስ ዝርከቡ ተሓከምቲ ብምዃን Diabetes Association (ማሕበር ሕማም ሽኾርያ መቐለን ከባቢኡን) ንምምስራት ዝዓለመ ዋዕላ ስለ ዝሳለጥ ማሕበረሰብ ዓይደር ሓዊሱ ኩሉ ንኽርከብ ንላቦ።
ኣድራሻ ኣብ ቀፅሪ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ሆስፒታል ዓይደር ቴሌ ሜዲሰን አዳራሽ።
ኣብዚ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮን መዘናግዒን ከቕርብ ዝደሊ እንተሃልዩ ብኣካል ናብ ክፍሊ ሕክምና ዉሽጣዊ ሕማማት መፂኡ ክረኽበና ይኽእል።
👉 CHS, Ayder Specialized Hospital-MU
+2
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንጉድኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መሐከሚ ዝዉዕል 10 #ሚልዮን ብር ንኮምሽን ሃርበኛታት ትግራይ ኣበርኺቱ።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንጉድኣት ኲናት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ መሐከሚ ዝዉዕል 10 ሚልዮን ብር ንምሕጋዝ ዝወሰነ እንትከዉን ሎሚ 1 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ንኮምሽን ሃርበኛታት ትግራይ ርክክብ እናፈፀመ ይርከብ። እቲ ሓገዝ ቅድም ክብል ኣታዊ ዝተገበረ እንትከዉን ሎሚ ስሩዕ ርክክብ ቸክ እናተፈፀመ ይርከብ።
👉 #ምምሕዳር ከተማ መቐለ
+1
ምምሕዳር ከተማ #መኾኒ #ንስድራ_ስውኣት መሬት #መንበሪ_ገዛ ዓዲሉ።
ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ክብሉ ክባር መስዋእቲ ዝኸፈሉ 152 ጀጋኑ ስዋኣት ንስድረኦም ዝኸውን 140 ካሬ ሜትር ነንሕድሕዶም መንበሪ ቦታ ዓዲሉ።
ከንቲባ ከተማ መኾኒ ኣይተ ረዳኢ ብርሃኑ ስውኣት ንህላወ ዝኸፈልዎ ዋጋ ክባር እኳ እንተኾነ ብዝተወሰነ ንስድርኦም ንምሕጋዝ ምምሕዳሮም መንበሪ ቦታ ምዕዳል ዝጀመሮ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ቅድም ክብል እውን ንስድራ ስውኣት ምምሕዳር ከተማ መኾኒ መስርሕን መሸጥን ከምዝሃበ ዘዘኻኸሩ እቶም ከንቲባ ሰብ ሃፍቲ ከተማ መኾኒ እውን ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ይግብሩ ምህላዎምን ሕዚ እውን ተዋሂብዎም ዘሎ መንበሪ ቦታ ተሃኒፁ መዘከርታ ደቆም ንክኾንን ማሕበረሰብ ጎኒ ስድራ ስውኣት ክኾን ፀዊዖም።
ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ግርማይ ገብሩ ህዝቢ ትግራይ በቢ መዋእሉ ዝገጥምዎ ፈተናታት ንምምካት ክቡር መስዋእቲ እናኸፈለ መፂኡ እዩ ብምባል ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት ስድርኦም ንምሕጋዝ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ምምሕዳር ከተማ መኾኒ ዝጀመሮ ዕደላ መንበሪ ቦታ ብምንኣድ ካልኦት ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ እውን ክስዕብኦ ኣይተ ግርማይ ገብሩ ኣብቲ ሰነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ፀዊዖም።
ንስድራ ሰማእታት ዝዕደል ዘሎ መሬት በቲ ምምሕዳር ካሕሳ ተፈፂምሉ ዝተፃፈፈ ምዃኑ ተሓቢሩ ከም ፀብፃብ #ኤመሓት።
+2
ኣብ ትግራይ #ሕማም_ሳምባ_ምቺን ምውላድ መዓልቶም ዘይኣኸለ ህፃናትን ከም ተባራኸተ ተገሊፁ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሳንባ ምቺን ምውላድ መዓልቶም ዘይኣኸለ ህፃናትን ጠሚቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ መባእታዊ ሆሰፒታል ለካቲት 11 ዘተ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ኲናት ፅንተት ሕማም ሳምባ ምቺን መወለዲ መዓልቶም ከይመለኡ ዝውለዱ ህፃናትን ተበራኽቱ ክብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓወዲ ገሊፆም።
ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሓኪም ህፃናት ዶክተር ሃይለማርያም ገብረኣረጋይ ምክንያታት ሞት ሕንጦታ ዘይተመጣጠነ ስርዓት ኣመጋግባን ረኽሲን ምዃኑ ገሊፆም።
ዶክተር ሃይለ እቶም ዘድልዮም እኹል ግልጋሎት ሕክምና ረኺቦም ኣብ ዝዓብይሉ መንገዲ ምስራሕ ከምዘድሊእውን ሓቢሮም።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ክኢላ ህፃናትን ሕንጦታትን ኣይተ ሃፍቱ ሃ/ኪሮስ ኣብ ሕክምናን ተበፃሕነትን ሕማም ሳምባ ምቺን ምውላድ መዓልቶም ዘይኣኸለ ህፃናትን ትኩረት ከምዘድሊ ሓቢሮም።ምምላእ ናውቲ ሕክምና እውን ቅድሚያ ክወሃቦ ዝግባእ ውራይ እዩ ኢሎም።።
ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ መባእታዊ ሆሰፒታል ለካቲት 11 ዝርከብ መውለዲ መዓልቶም ከይመለኣ ዝተዉዱ ህፃናት ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽብሉ ክፍልን ናውትን ዑደት ተካይዱ።
#ብጥዑማይ_ገዛኢ
#ቴሌቪዥን_ትግራይ
+2
#ሓበሬታ ብዛዕባ #ምዕፃው_መንገዲ _ውቅሮ_መቐለ
እቲ ሎሚ ተዓፅዩ ዝተብሃለ መስመር ውቕሮ -መቐለ
አብ ከባቢ ኣጉላዕ ዝርከቡ ውጉኣት ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ ዘይተመለሰ ሕቶ ኣለና፣ሰማዒ ስኢና ( ከምኒ ቐረብ ምግቢ ፣ሕኽምና ወዘተ ) ሰለዚ ዝምልኸቶም ኣካላት ይመሉስልና ብዝብል ምኽንያት ተሽከርኸርቲ ኸይሓልፋ ምትእጉጓል ከምዝገበሩ እዩ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሐና ሓበሬታ ዘመላኽት።
ነዚ ንምፍታሕ ድማ ዝምልኸቶም ኣኻላት ኣኪቦም የዘራርብዎም ኸምዘለዉ እዩ ንምፍላጥ ዝተኽኣለ።
©ወልደምህረት ገዛኢ
ፅባሕ ኣብ ዝኽበር #ዓለምለኸ_መዓልቲ_ጆኖሳይድ ፣ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ጠሚቱ ኣብ ቤት ምኽሪ ዓባይ #ብሪታንያ ከምዝዝከር ተመላኺቱ።
እቲ ሓሳብ ብተበግሶ ኣባል ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪታንያ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ክቐርብ ምዃኑ ተመላኺቱ ዘሎ ዝኽሪ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ፤ ፈፀምቱ ክሕተቱን ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን መልእኽቲ ከምዝሓልፈሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ዝኽሪ ምስ ግዳያትን ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላትን ቃል ምስክርነት ከምዝቐርብ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣመላኺቶም።
ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፤ ኩሉ ግዘ 9 ታሕሳስ ብፈረንጂ ዓለም ለኸ መዓልቲ ዝኽርን ክብርን ግዳያት ገበን ምጽናት ዓሌት ኮይኑ ክኽበር ወሲኑ እዩ ።
በቲ ዕለት ድማ ብዛዕባ ዓለም ዝተሰማመዐትሉ ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት ንቕሓት ምዕባይ
ግዳያት ምጽናት ዓሌት ድማ ክሓውዩን ክኽብርን ጎስጎስ ዝግበረሉ ዕለት ኢሉ ወሲኑ እዩ ፡
ነዚ ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ ምጽናት ዓሌት ምኽንያት ብምግባር እዩ ድማ ፖርላማ ብሪታንያ ኣብ ዘሳልጦ ኣኼባ ጉዳይ ጆኖሳይድ ትግራይ ክዝተየሉን ምስክርነት ክቐርብን ኣብ ልዕሊ ፈፀምቲ ድማ ተሓታትነት ክዓስል ፃውዒት ዝቐርበሉ ክኸውን ተበግሶ ምውሳዶም ኣባል ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪታንያ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ X ሓቢሮም ዘለው።
#ድወት
#ፀጋታትን ፀገማትን ከባቢኦም ብምልላይ ማሕበረ ቁጠባን ዳግመ ሕውየትን ዞባኦም ኣብ ምብራኽ ግደኦም ከም ዘበርክቱ ተወለድቲ ዞባ ምብራቕ ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።
እቶም ነበርቲ እዚ ዝገለፁ ብኣሰናዳእነት ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ልዝብ እዩ።
ሓቋፋይን ኣሳታፋይን ዝኾነ ምምሕዳራዊ ለውጢ ክፍጠር ፃዕሪ መንግስትን ሕብረተሰብን ወሳናይ እዩ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ፍልሰት መናእሰይን ፀገማት ፀጥታን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ዝረኣዩ ክፍተታት ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ጠለብን ድሌትን ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ መረፃ ኣማሓደርትን ከንቲባታትን ናብ ገጠር ወረዳታት እታ ዞባ ክሰፍሕ ኣለዎ ክብሉ እቶም ተሳተፍቲ ኣገንዚቦም።
እታ ዞባ ቀልቢ ኣእላፍ በፃሕቲ ዝስሕቡን ፍልፍል ሃፍትን ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ፀጋታት ቱሪዝም ዝሓቖፈት ዋላ እኳ እንተኾነት ናብ ረብሓ ኣብ ምቕያር ምምሕዳር እታ ዞባ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ ክብሉ ሓቢሮም።
ካብ ዛላኣንበሳ፣ጉሎመኸዳ፣ኢሮብን ካልኦት ከባብታትን ዘሎ ተመዛባላይ ብሰንኪ ምምዝባሉ ንዝኸፍአ ፀገም ተቓሊዑ ስለ ዘሎ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ዝሃቡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ከም ዝሓበርዎ ሕብረተሰብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጠናኸር፣ስልጡን ስርዓት መገልገላይነት ክሰፍን፣ፀገም ፀጥታ ክፍታሕን ፍልሰት መናእሰይ ክቕንስን ዘልዓሎ ሕቶ ግቡእን እዋናውን እዩ ኢሎም።
ፍሉይነት ሓሳብ ከም ፀጋ ብምውሳድ ዝተፈላለዩ መኣዲ ሓሳባት ዝተኣናገዱላ ክልልን ዞባን ንምፍጣር ክንሰርሕና ኢሎም።
መንግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ብምልዛብ ዝረኣዩ ክፍተታት ሰናይ ምሕደራ ንምእራምን ባህግን ጠለብን ህዝቢ ንምምላእ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።
ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ግዝያዊ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምልዛብ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።
ኣብቲ መድረኽ ካብ 18 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ተረኺቦም እዮም።
29 ሕዳር 2017 ዓ/ም
👉 ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ
+2
ካብ #ጥዑም_ጨና ዘለዎም #ሽምዓታት ዝወፅእ ትኪ ንጥዕና ጉዳኢ እዩ ተባሂሉ።
ካብ ጥዑም ጨና ዘለዎም ሽምዓታት ዝወፅእ ትኪ ካብ ሽጋራ ካብ ዝወፅእ ትኪ ብዝበኣሰ ንጥዕና ጎዳኢ ከምዝኾነ ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ።
እቶም ሽምዓታት ኣብ ዝበርህሉ እዋን ዝወፅእ ትኪ ንሳምባ፣ሕማም ልቢ፣መንሽሮን ንካልኦት ተዛመድቲ ሕማማት ከምዘሳጥሕ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።
እዞም ሽምዓታት ዙውፅእዎ ትኪ መዕረ ምስ ትኪ ዕንጨይትን ሞተራት ተሸከርከርቲን ሓደገኛ እዩ ይብል።
እዞም ንመድመቒ ምድላዋትን ንፅቡቕ መዓዛ ገዛን ተባሂሎም ዝውልዑ ሽምዓታት ካርቦን ሞኖክሳይድ፣ሳልፈርዳይ ኦክሳይድ ፣ ናይትሮጅን ኦክሳይድን ካልኦት ኬሚካላትን ዝለቁ እንትኾን፤ እዞም ጋዛት ብሓደ ግዜ ናብ ውሽጢ ኣካላት ሰባት ብምእታው ፀገም ስርዓት ምትንፋስ፣ ሰዓል፣ምህንጣስ፣ምሕባጥ ዓይንን ምልክታት ኣስምን ከጋድድ ከምዝኽእል እቲ መፅናዕቲ የመላኽት።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ገዛን ሰዓትን ነቶም ሽምዓታት ብምብራህ መጠን ጉድኣቶምን ክብደቶምን ከፅንዑ ከምዝኸኣሉ ይገልፁ።
ሰባት ንበዓላትን ካልኦት ምድላዋትን መዓዛ ዘለዎም ሽምዓታት እንተብርሁ ኣብቲ ቦታ እኹል ዝዘዋወር ኣየር ከምዘሎ ኣረጋጊፆም ክኸውን ኣለዎ ይብል ኣብ ኔቸር ጆርናል ዝወፀ ውፅኢት መፅናዕቲ።
#ቴሌቪዥን_ትግራይ
+3
ንብዓቶም ንሓብሰሎም
#ፃውዒት_ሓገዝን_ፍትሕን
ሓፍትና ሰራሕተኛ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ሰቲት ሑመራ ዝኾነት መምህር ብርኽቲ ተ/ማርያም ናብ ዕለት 07/12/2016ዓ.ም ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዝኣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ኣብ ሽረ እንዳስለሰ ከም እንስሳ ብለይቲ ሓሪዶም ቀቲሎማ ።
ብዘይፍትሒ ዛጊድ ልዕሊ 3 ወርሒ ጌራ ኣላ።
እቶም ጨካናት ትጠቡ ህፃን ቅልዓ ካብ ሕቁፍኣ መንጢሎም እዮም ሓራዶማ💔
እንሆ በዓል ቤታ መምህር ማውጫ ፍትሒ ከናዲ ላዕሊ ክብል ድቃስ ስኢኑ ኣሎ።
ገደፋትሉ ዝኸደት ካብ ጓል 6 ወርሒ ክሳዕ 7 ዓመት ሰለስተ ቆልዑ ንምሕብሓብ ምስ ኣለሻ ፍትሒ ክልቲኡ ከቢድዎ ሕዚ ንሕግዘሉ እዋን እ ዩ። ተመዛባሊ 'ውን እዩ።
ንእሽተይ ገንዘብ ንሓደ ተጠራቂማ ትሕግዞ እያ።
ሕዚ ኣይዞኻ ንደቅኻ ብፍላይ ነታ ካብ ጥብ እንኣ ዝተፈለየት ህፃን ፃባን መሕብሓብን ዘዝዓቅምና ንሓግዞ፤እዚ ብምግባርና ድማ ኣብቲ ኣለሻ ፍትሒ እውን ኣሰርናን ክታምናን ነዕርፍ ኣለና እሞ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንብዓቱ ንሓብሰሉ
ፍትሒ ንኣልሸሉ
ንደቁ ንብፅሓሎም።
#ሒሳብ_ቁፅርታት
መምህር #ማውጫ_ሃፍቱ
Mawcha Haftu Asfha
CBE acc.1000555914467
Wegagen bank acc.1031810730101
ስልኪ ቁፅሩ +251 91 425 4788
ዘዝዓቅምኹም ምስ ሓገዝኩም እቲ ደረሰኝ ናብ ፈለግ ብዋትስኣፕ፣ተሌግራም ወይ inbox ግበሩ
ስልኺ ቁፅሪ #ፈለግ_ሚድያ
0933083716
ሚኢቲ ውን ዓባይ እያ ንእሽተይ ዝብሃል ገንዘብ የለን
ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ኩሉ ክሕግዝ ይግባእ
ሽክሙ ብምቅላልና ህሊናና ይዓርፍ
ሰብኣውነት ደረት የብሉን።
ቤት ፅሕፈት #ህወሓት ከተማ #መቐለ ንዕለት 29 ሕዳር ኣንፃር እቲ ኣብ ልዕሊ ብቤት ምኽሪ ንዝተሾመ ከንቲባ ዝተኻየደ ናይ ምልዓል ስጉምቲ ብሰለማዊ ሰልፊ ንምቅዋም - ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘቕረቦ ሕቶ ፍቓድ - ንምኽንያቱ ብምቕማጥ #ከምዘይፍቀድ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተውሃበ ደብዳቤ ከምዘለዎ እንሆ!
👉 " ናብ ቤት ፅ/ት ህወሓት ከተማ መቐለ
መቐለ።
ዋኒኑ ፦ ብዛዕባ ዘቕረብኩሙዎ ሕቶ ሰለማዊ ሰልፊ መልሲ ምሃብ ይምልከት።
ብዕለት 25/03/2017ዓ/ም ቑፅሪ 15/ህ/ወ/ከ/መ/159 ብኣድራሻ ናብ ምምሕዳር ከተማ
መቐለ ኣብ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ንዕለት 29 /03 /2017 ዓ.ም. ሰልፊ ንምግባር ምምሕዳር ከተማ
መቐለ ኣድላይ ዝኾነ ምድላዋት ክገብር ዘቅረብኹሙዎ ሕቶ ርእይናዮ ኣለና።
ይኹን እምበር ብጥሙር ኮሚቴ ፀጥታ ዝኾነ ዓይነት ሰልፊ ከምዘይፍቀድ ብዝተውሃበና መምርሒ መሰረት ብተወሳኺ ኣብ ከተማና ዘሎ ናይ ፀጥታ ኹነታት መሰረት ብምግባር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሰልፊ ክካየድ ከምዘይፍቀድ ንሕብር።"
+3
ብሰንኪ እቲ ቅሉዕ ኩናት ፅንተት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ወገናትና ንክምለሱ ብፍሉይ ቆላሕታ ንክስረሐሉ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሓ ተገሊፁ።
ኢቢሲ ፡ ፓለቲካውን መንግስታዉን ኣመራርሓ ፣ ሓለፍቲ ደሕንነትን ፀጥታን ትግራይ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል ንዘካየድዎ ሓበራዊ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ሓበሬታ ከምዝተመላኸተ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ምምሕዳር ፣ ፀጥታን ፖለቲካን ከምኡ እውን ካልኦት ዛዕባታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ሓቢሩ ።
ኣብ ትግራይ ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘክእሉ ነጥብታት ብዕምቆት ከም ዝተዘተየ እዉን ሓቢሩ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኪ ኣብቲ ሓበራዊ መድረክ ብሓባር ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ : ከምኡ እውን ደሕንነት ህዝቢ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ጠለብ ልምዓት ንምዉሓስ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ኣንፈት ተቐሚጡ ምህላዉ ተመልኪቱ።
ብፍላይ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ወገናትና ዝምለሱሉ፣ ዕጡቓት ናብ ንቡር ሂወት ዝምለሱሉ ከይዲን ብፍሉይ ቆላሕታ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።
ብተወሳኸኢ ድማ፥ ኣጠቃቕማ ሃፍቲ ከርሰ ምድሪ ክልል ትግራይ : ሕጋውን ረብሓ ህዝቢ ዘቐደመ ክኸውን ከምዝግባእ፤ ንህዝቢ ዝቐርቡ ግልጋሎት ንክመሓየሹን ቀፃልነት ዘለዎ ጥንኩር ስራሕቲ ክስርሑ ከምዝግባእ ኣንፈት ዝተቀመጠ ኮይኑ: ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ስሩዕ ክልላዊ መረፃ ዝካየድ ዘለዎ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ኣብ ዘኽእል ኣገባብን ኣካይዳን ግልፂ ኣንፈት ብምቕማጥ እቲ ሓበራዊ ምይይጥ ፓለቲካውን መንግስታዉን ኣመራርሓ ፣ ሓለፍቲ ደሕንነትን ፀጥታን ክልል ትግራይ ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል ተኸንቢቱ ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ ።
#ድወት
