መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ኣብፂሑ እዩ። በዚ ኩናት ህይወት ኣማእቲ ኣሽሓት ተቐዚፉ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፣ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከክዓኑ፣ ክውረርን ክቃፀልን ተገይሩ እዩ።
ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ሳላ ክቡር መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይን መዘና ኣልቦ ጅግነንት ሰራዊትናን ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣቢሉ ተፃብኦ ደው ክብል ክኢሉ እዩ። እቲ ውዕሊ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ዕጡቓት ካብ መሬት ትግራይ ክወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ፣ ተሓታትነት ክርጋገፅን ኣፈላላያት ብልዝብ ክፍትሑን ዘገዲድ እኳ እንተኾነ እዞም መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ ሐዚ ኣዕጋቢ መልሲ በዘይምርካቦም ህዝብና ኣብ ከቢድን ዝተሓላለኸን ኩነታት ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘሎ ህዝብና ሐዚ እውን ዘይተኣደኑ ስቓያት የተኣናግድ ኣሎ። ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ በዘይምኽኣሎም ንወዲ ሰብ ዘይምጥን ክፉእ ናብራ ክደፍኡ ይግደዱ ኣለዉ። ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ እውን ካብ መንፈስ ናይቲ ውዕሊ ብተቓራኒ ኣብ ሓደጋ ምስ ወደቐ እዩ።
መሰረታዊ ሕሳቦታት እቲ ውዕሊ ብዝግባእ ስለዘይተፈፀሙ ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፈተና ወዲቑ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ምዝራግን ኣብ ምህዋኽን እውን ርኡይ ግደ ይፃወት ኣሎ። እዚ ሎሚ ትመዛበልቲ ወገናትና “ይኣክል፣ ናብ መረበትና ምለሱና” ብዝብል ትሕዝቶ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብመሰረቱ ቅኑዕን ዝድገፍን እንትኾን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ሕቶ ከም ዓብይ ሓገዝ ገይሩ እዩ ዝርእዮ። ንተፈፃምነቱ ድማ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብዝተወደበ መንገዲ ክመርሖን ኣፈፃፅማኡ ብብዋኑ እናገምገመ ንህዝቡ ዕላዊ እናገበረን ክኸይድ እዩ።
ሕዚ እውን መከራ ህዝብና ግቡእ ፍታሕ ኣይረኸበን ዘሎ። መንግስቲ ፌዴራል ክሳዕ ሐዚ ዘይተፈፀሙ ዕማማት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንክወፅእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስን ተሓታትነት ክረጋገፅን ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ይፅውዕ። ሕብረት ኣፍሪካ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ንክወፅእን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንክፍፀምን ኣድላይ ፀቕጢ ንክትገብሩ ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ፃውዕቶም የቕርቡ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝብና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንምፍፀምን በዚ ኣቢሉ ስቓይ ህዝብና ንምፍታሕን ኣብ እንገብሮ ርብርብ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንኹም ካባኹም ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ንክትገብሩ ንፅውዕ።
ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
05 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ
+5
ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ !
#ይኣክል !!
ብህፁፅ ናብ መረበትና ምለሱና !! ብዝብል ዝተፀውዓ ናይ ሰለስተ መዓልታት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ሕዚ ይጅምር ኣሎ ።
ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝጀመሮ "ይኣክል" ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ፡ ስቓይን መከራን ተመዛበልቲ ይኣክል ዝብል መልእኽቲ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ምፅውዑ ይፍለጥ ።
ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ፅዕንቶ ንምፍጣርን ዝዓለመ ከዝኾነ ተሓቢሩ።
ተወሳኺ ክነስዕብ ኢና
#ድወት
+2
ኣብ መፃኢት ትግራይ ግደ መንእሰይ ቁልፍን ወሳንን ብምዃኑ ኩለ መዳይ ዓቕምን ተጠቃምነትን ንምርግጋፅ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ገሊፁ ።
"ግደ ምሁራን አብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ" ብዝብል ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ መድረኽ ዘተ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ከምዝገለፅዎ መናእሰይ ፓለቲካዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ተሳትፍኡ ከሐይል ብዝተኽኣለ ዓቕሚ ጥጡሕ ኩነታት ከምዝፍጠረሎም ሓቢሮም።
ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝመፁ መናእሰይን ምሁራንን ይሳተፉ ከምዘለው ኣረዲኦም።
👉 FM Mekelke
USDT every day
ZBX-5 deposits 2000-4999 USDT and earns 14.5% USDT every day
Invite friends to deposit money and get corresponding rewards:
Level 1: 10% deposit rebate
Level 2: 3% deposit rebate
Level 3: 1% deposit rebate
Invite subordinates to deposit money and get 10%+3%+1%=14% rebate
24-hour recharge bonus:
If the team deposit reaches 1000 USDT, the reward will be 20 USDT
If the team deposit reaches 5000 USDT, the reward will be 100 USDT
If the team deposit reaches 30000 USDT, the reward will be 2000 USDT
If the team deposit reaches 50000 USDT, the reward will be 5000 USDT
Channel Link: https://t.me/+PTYDWM-7aYY1NDY1
Here's a highly reliable online part-time job platform that I would like to recommend to you: BTT.
BTT is one of the largest advertising networks globally and is currently recruiting online part-time employees in Ethiopia.
No academic qualifications or work experience are required, and you can easily start earning money with just a smartphone. By downloading the designated app and increasing the download rate of other companies, you can earn lucrative referral fees.
💸 Daily income up to 4,000 ETB
📱Simple operation, only 15-20 minutes per day
✅ Free without any investment
📈 Provides exclusive training to help you
If you are interested in this opportunity
please click the BTT official channel to contact customer service:
https://t.me/+fKeyX9Wh95wxMWNl
#Axumite_Ride ☎️ 7️⃣7️⃣8️⃣7️⃣
ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት 2017 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሖም እናበልና እዚ በዓል በዓል ጥዕናን ደስታን ክኾነሎም ንምነ! ብሩኽ በዓል።
ገናሒ መኪነኦም ብኣፕሊኬሽን ጉዕዞ ከጀምረሎም ብምሕታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ደሕንነቶም ተሓልዩ ኤርፖርት ሓዊሱ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ይጎዓዙ።
7787 ይደውሉ!
1. ኣሪድ - ኣክሱም ሆቴል - 3.2 ኪ.ሜ - ብር 194
2. ላጪ መነሃርያ - ሃ/ዮሃንስ ሆቴል - 4.6 ኪ.ሜ - ብር 257
3. 22 - መዕርፎ ነፈርቲ ብር 475
4.ሮማናት - መዕርፎ ነፈርቲ ብር 480
5.ሓውዜን ኣደባባይ - ምድረ ገነት - 3.8 ኪ.ሜ - ብር 221
6.ዳዕሮ ኣካዳሚ - ትምህርት ቢሮ - 6.4 ኪ.ሜ - 338
7.ሓውዜን ኣደባባይ - ካራሜል ሆቴል - 3.8 ኪ.ሜ - ብር 221
8. ዓይደር ሪፈራል - ዳግም ኣምሳል - 5 ኪ.ሜ - ብር 275
9. ዓዲሓ LG - ዓይደር ሪፈራል - 4.7 ኪ.ሜ - ብር 261
10. IQ Quorner - ዲያስፖራ - 3.5 ኪ.ሜ - ብር 207
☎️ 7️⃣7️⃣8️⃣7️⃣
+2
በዓል ልደት ምስ ተመዛበልቲ
በዓል ሃፍቲ መጋቤ ኣእላፍ ዘርኡ ገብረሊባኖስ (ዶ/ር) ካብ ዞባ ምዕራብ ተመዛቢሎም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ከተማ መቐለ መዕቖቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬ ከቢድ ስቃይን መከራን ዘሕልፉ ዘለው ተመዛበልቲ ወገናት እንግዶት ምሳሕ ገይሮም።
ንበዓል ልደት ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት እንግዶት ምሳሕ ተረኺቦም ባርኮት ዝሃቡ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ተመዛበልቲ ወገናት ብሎሚ ፅባሕ ዓድኹም ትምለሱ ኢኹም ካብ ዝብል መፅበዓ ወፃኢ እዚ ዝበሃል ስራሕ ኣብ ዘይተሰረሐሉ ኩነታት እተሕልፍዎ ዘለኹም መከራ ንከብቅዕን ግዚኡ ኣኺሉ ናብ መረበትኩም ንክትምለሱን ተስፋ ብዘይምቑራፅ ፀልዩ ብምባል መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ተመዛበልቲ ወገናት ብወገኖም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ከቢድ መከራን ፀገምን ኮይኖም፣ ነባሪ ከተማ መቐለን በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስን (ዶ/ር) ዝገበሩሎም ሓገዝ ብምምስጋን፣ ስቓዮም ኣብቂዑ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ መራሕቲ ትግራይ ካሊእ ሕቱኽቱኽ ገዲፎም ብትኹረት ክሰርሑ ተላብዮም።
በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ (ዶ/ር) ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኩላትና ዋና ኣጀንዳና ንዚ ህዝቢ እዙይ ናብ ቦትኡ ምምላስ ጥራሕ ክኾን ይግባእ ኢሎም።
TMH - 29 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም (መቐለ)
መልእኽቲ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ፈለማ ንመላእ ኣብ ውሸጥን ኣብ ደገን ትርከብ ተኸታላይ እምነት ክርስትና ዝኾንካ ህዝብና እንኳዕ ንበዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣብፅሓካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ።
እዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንፀላለወ ኩለመዳያዊ ቅልውላው ብመሰረቱ ንምፍታሕ ሓያል ርብርብ እንገብረሉ መድረኽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መሓውር ዞባን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብ ዝነበረ ናይ ሓባር መድረኽ ዝተበፅሐ ሓበራዊ ምርድዳእ እውን ትግራይ ካብ ዘላቶ ዝተሓላለኸ ኩነታት ንምውፃእ ዓሊሙ ዝተገብረ እዩ።
ከም ህዝቢ ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድን ዝተሓላለኸን ፀገም ንውፃእ ቅድም ቀዳድም መንግስቲ ክህልወናን መንግስትና ድማ ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝብና ማእኸል ገይሩን ንኩሎም ዓቕምታትና ወዲቡን ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክኣቱ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ንምግባር ዘኽሎ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ገይሩ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝሓሸ መንገዲ እናተናበበ ክሰርሕ ክግበር እዩ።
ኣብ ትግራይ በብእዋኑ ዝርአ ናይ ፀጥታ ፀገም ንምፍታሕ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ተልእኾኦም ጥራሕ መሰረት ገይሮም ንክሰርሑ ተወሲኑ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝህቦም መንግስታዊ ተልእኾ ወፃኢ ከም ኣካል ኣብ ዝኸነ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ከይኣትዉ፤ ውድባት ፖለቲካ እውን ከም ኣካል ናብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከይኣትዉ ግልፂ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብየማነ ፀጋም ዝላግዑን ንሓድነቱ ዝፈታተኑን ምውንጫፋት ብጥንቃቐ ክርእዮም ተረጋጊዑ ክምርምሮምን ይግባእ። ከም ህዝቢ ካብቲ ኣትናዮ ዘለና ፀበባ ንምውፃእ እቲ ዝዓበየ ሓይልናን ዓቕምናን ሓድነትና ምዃኑ ግልፂ እዩ። ካብዚ ብምበጋስ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ብምዝራግ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዓሊሞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብትሪ ክእርሞም፤ ብእርማት ዘይምለሱ እንተኾይኖም ድማ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ መልክዕ ከትሕዞም ይግባእ።
መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዘይወፅኣሉ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ዘይተመለስሉ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክሳዕ ሕዚ ዘይተረጋገፀሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ግልፂ ክኾን ኣለዎ። እዚ ኣፈላላይ ኣብቲ መሪሕነት ካብ ዝተፈጥረ ወጥሪ ብተውሳኺ ናይ ምድርዳር ዓቕምና እውን ኣመና ክዳኸምን ክማስንን ገይሩና እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ብሓባር ንረባረብ ኣብ ዘየድሊ ናይ ስልጣን ምምንጣል ተፀሚድና ፀገም ህዝቢ እናተጋደደ ክቕፅል ገይርና ኢና።
ድሕሪ ሕዚ ግን እዚ ኩነታት በቲ ዝነበሮ ከይቕፅል ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወሲኑ እዩ። መላእ ህዝብና እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሳልጦም መደባትን ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳትን ንምዕዋት ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር እምነተይ ልዑል እዩ። ሕዚ እውን ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብና ንመሰረታዊ ረብሓና ብሓባር ክንረባረብ ፃውዕተይ የቕርብ።
ሓድነት ህዝብና ዝያዳ ንምጥንኻር፣ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ንምስታፍን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓሳባት ግቡእ ዕድል ንክረኽቡ ንምግባርን እቲ ቅድሚ ሕዚ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተወሲኑ ግን ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዘይኣተወ ኣማኻሪ ካውንስል ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ከምዝተወሰነን ከከም ኣድላይነቱ ምትዕርራይ ተገይርሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ስርሑ ብዕሊ ከምዝጅምርን በዚ ኣጋጣሚ ከበስር ይፈቱ።
ደጊመ ርሑስ በዓል ልደት ክብል ይፈቱ።
ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ
ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
28 ታሕሳስ 2017ዓ.ም
መቐለ
+2
ፋብሪካ ቢራ ራያ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ብር ብምምዳብ ብኣርባዕተ ዙር ዝፍፀምን ከባቢ 600 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝገብር ዝርግሐ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ሓይሊ መብራህቲ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡
ኣካል እቲ በጀት ድማ ብልዕሊ 8.2 ሚሊዮን ብር ኣብታ ወረዳ ንነበርቲ ቁሸት ምሽሉኽላኽ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ንምግባር ምስ ዴስትሪክት ኤሌክትርክ ሓይሊ መብራህቲ ከተማ ማይጨዉ ተግባራዊ ስራሕ ምጅማር ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ ተፈራሪሙ ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ከተማ ማይጨዉ ሓቢሩ ፡፡
+3
ኣብ ከተማ ማይጨው ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ።
ኣብ ከተማ ማይጨው ጣብያ 03 ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 8:00 ናይ ለይቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ መደብርን መሸጠን ዝነበሩ ናውቲ ኤለክትሮኒከስ ናውቲ ገዛን ካልኦትን መሊኦም ክዓንዉ ኽኢሎም።
እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኣብ እዋኑ ለይቲ ብምንባሩ ስዒቡ ቀልጢፍካ ምቁፅፃር ከምዘይተኸኣለ ዝገለፁ ተዓዘብቲ ብፃዕርን ተበግሶን መንአሰይ እታ ከተማ ግና ዝኸፈአ ሓደጋ ከየብፅሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ እውን ኣፍሊጦም ።
ምኽንያት መበገሲ እቲ ባርዕን ፀብፃብ ዝበፅሐ ዕንወትን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዘሎ ኾይኑ ምስ በፅሐና ድማ ክነስዕብ ኢና።
# ኣሰፋ ኣባይ
+2
ብምኽንያት በዓል ልደት አብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ንዝርከቡ ሰድራ ሰውኣትን ጠዋሪ ዘይብሎም ወገናትን 268 ሽሕ ብር ሓገዝ ከም ዝተገበረ ተገሊፁ ።
ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ካብ ሰብ ሃፍቲ ዘተአኻኽቦ 268 ሽሕ ብር ን81 ሰድራ ስውኣትን ብኽብሪ ዝተመለሱ ተጋደልትን ንሕድሕዶም 3 ሽሕ ብር ከምኡ'ውን ን25 ዝተፀገሙ ወገናት ንሕድሕዶም 1 ሽሕ ብር ንዓመት በዓል መውዓሊ ዝከዉን ሓገዘ ከም ዝተገበረሎም ኣካያዲ ስራሕ ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ አይተ አስመላሽ ብርሃኑ ሓቢሮም።
👉 ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ
እዋናዊ #መግለፂ #ማሕበር_መናእሰይ_ትግራይ
ንኹናት ፅንተት ትግራይ ስዒቡ በቢእዋኑ እናማዕበለ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ፣ ሕጋዊ ሙኡዝንነትን እዝውነትን ኣሰራሓታትና ብቐፃልነት ክሽርሸሩን ኣብ ሓደጋ ክወድቁን በሪ ኸፊቱ እዩ።
ናይዚ ቁልፊ ምኽንያት ድማ ኩሎም እንተታትና ንፖለቲካዊ ልኩኻትና ንምፍፃም ብዝጥዕም መንገዲ ክቃነዩ ካብ ምድላይ ዝብገስ እዩ።
ናይዚ መርኣዩ ድማ ኣብዚ ቕነ ብብርኪ ትግራይ "ተጣይሹ " ዝተብሃለ ውዳበ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ትግራይ እዩ።
ኣብ 1996 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዝወፀ ፖሊሲ መናእሰይ ኢትዮጱያ ፣ቤት ምኽሪ መናእሰይ ዝጣየሽ ዝተፈላለያ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ዝርከባ ማሕበራት መናእሰይ ፣ክለባት፣ንቕናቐታት ወዘተ ከተሓባብርን ከዋድድን ምዃኑ ዝድንግግ እዩ።
እዘን ማሕበራት መናእሰይ ፣ ክለባት፣ ምንቕናቓት ወዘተ ካብ ኣድላይነት ክሳብ ምጥያሽ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኣብ ዘሎ ከይዲ ማዕረ ውክልናን ድምፅን ረኺበን ክሳተፋ ከምዘለወን እውን ይድንግግ።
ይኹን እምበር ኣጣይሻ እዚ ካውንስል መናእሰይ እዚ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ከይዲ ዘየማለአን ብሓፈሻ ን ኣዋጅ መጣየሺ ሲቪል ማሕበረሰብ 1113/2011ዝፃባእን ስለዝኾነ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ከምዘይተወከለን ተወኪሉ እናተብሃለ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝናፈስ ዘረባ ጌጋ ከምዝኾነን ንገልፅ።
ብተወሳኺ እውን ውዳበ ሲቪል ማሕበር ዓርሱ ኪኢሉ ክጣየሽ ከምዘለዎ እቲ ኣዋጅ ዝድንግግ እናሃለወ " ተጣይሹ" ዝበሃል ዘሎ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ብገንዘብ፣ንዋትን ሓሳብን መንግስቲ ፌደራል ምዃኑ ብቕሉዕ ተገሊፁ እዩ። እዚ እውን ንመስርሕ መጣየሺ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት ዝጠሓሰ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
ታሕሳስ 27/04/2017 ኣ.ግ
መቐለ፣ ትግራይ
ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘጋጠመ ምክፍፋል ናብ ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ፀገም ከይዓብን እቲ ፀገም ሰዓርን ተሳዓርን ብዘይብሉ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተፈተነ ድርድር ከምዘይተዓወተ ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጾም።
ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታት ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ነዚ ዝበሉ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘድሃበ መግለጺ ንጋዜጠኛታት ይህቡ ኣብ ዘለውሉ እዩ።
እቲ ፃዕሪ ኣይተዓወተን ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣እቱ ድርድር ድሌት ብምንኣስ፣ሓደ ነቲ ሓደ ሙሉእ ብሙሉእ ብምጽራግ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ዝብገስ ድሌትን ዝግባእ ፀቅጢ ብዘይምዕራፉን ምዃኑ ገሊጾም።
ጀነራል ታደሰ ወረደ እዙይን ካሊእን ኣብ ግምት ብምእታው ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዘካየድዋ ምርድዳእ እቲ ፀገም ፓለቲካዊ ምኻኑን ብፓለቲካ ንክፍታሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊጾም።
እቲ ፀገም ኣብ ላዕለዋይ መራሕነት ዝተፈጠረ ብምኻኑ ኣብዚ በዓል ዋና እቲ ፀገም ዝኾነ ፀገም ስትራተጂ ዘለዎ መሪሕነት ትኹረት ገይርካ እቲ ፓለቲካዊ ቅልውላው ምፍታሕ ከምዝግበእ ፤ እቲ ፓለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ግደ ሓይልታት ፀጥታ ፡ እቲ ፓለቲካ ካብ ዕጥቂ ወጻእ ክኸውን ከምዝግባእን ከምዝተወሰ ሓቢሮም ።
ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብዙሕ ነገራት ዝተለወጥሉ ኩነታት ከምዘሎ ናይ ዘይምርዳእ ፀገም ኣሎ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ፓለቲካዊ ቅልውላው ብምምሕዳራዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ምስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።
ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘይተማልአ ዕማም ህዝቢ ሒዙ ይሰርሕ ከምዝፀነሐን ዘሎን ዝገለጹ ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ደጋፊካ ንምግባር ዝተገበረ ምርብራብን እቶም ሓይልታት ፀጥታ ናትና እዮም ዝብል ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጠረ ነገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ገሊጾም።
ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብዝተመረሐ መንገዲ ናይ ፀለመ ወፍርታት ከምተሰረሐን ሓይልታት ፀጥታ ነብሲ ወኸፎም ክጠራጠሩ ንምግባር ከምዝተሰረሐ እዎን ገሊጾም።
ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዘይጠሓሱ ናይ ሓባር ጉዳያት ከም ምኽበር ሕገ መንግስቲ ትግራይ ፣ኣብ ሓለዋ ሰላምን ድሕንነት፣ንመኸተ ዝተኸፈለ ዋጋ ኣብ ምኽባር ዝመሳሰሉ ጉዳያት ምርድዳእ ፈጢርካ ኣብ ምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፀ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብ ምጥንኻር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ቀጻልነትን ህላወን ውድብ ህወሓትን ግልጺ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ እውን ገሊጾም።
#ድወት
+5
ታሪኻዊ #ኣመፃፅኣ ሁራ #ሰለስተ !
#ሁራ ሰለስተ ካብቶም ዘይድህሰሱ #ባህላውን #ሃይማኖታውን ሓድግታትና ሓደ ኰይኑ ብዝተፈላለየ ቅድን ውቕዒትን ኣብ ትግራይ #ትሸዓንተ ዓዲ ዳራ፣ 33 ዓዲ #ኣፅቢ ፣ 12 ዓዲ #ወንበርታ ዝፅወት (ዝርገፅ) #ባህላዊ ትውፊት እዩ።
#ታሪኻዊ ኣመፃፅኡ ምስ ስልጣነ #ኣኽሱም ዝተተሓሓዘ #ታሪኽ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ዘበነ ንጉስ #ኢዛናን #ካሌብን ካብ 4ይ-6ይ ክፍለ ዘበን ገኒኑ ይፅወት ከምዝነበረ ታሪኽ ድርሳናት ይሕብሩ/በላይ፣ 1991 ፤ ግርማ፣ 1995፤ ሰለሙን፣ 2005/። ኣብ ዘበን እዞም #ነገስታት ንናይ ንጉሳዊ #ኣኽሱማይ ሰራዊት #ሃገራዊ መንፈሶም ንምሕላው #ወተሃደራዊ ሰልፊ ዘኻይድሉ #ውቑብ ባህሊ ነይሩ።
ብመሰረት #ስርዓተ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ድማ ኵሉ ጊዜ ምስ ምውዳእ #ፆመ #ነብያት ተታሓሒዙ ብምኽንያት በዓል #ልደት ፤ #ውልደት መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘሎ ናይ #ታሕጓስን #ብስራትን እዋን ክበዓል ምክኣሉ #ሁራ #ሰለስተ #ሃይማኖታዊ መሰረትን መበገሲን ኣለዎ። እቲ #ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ነቲ ባህሊ ክብደት ፤ ባህላዊ ትሕዝትኡ ድማ ነቲ በዓል ድምቀት ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።
📷©️ #Mezgebe_Ze_Bazien 🙏
+4
ካብ ሓይልታት ፀጥታ ግንባር ምዕራብ ዝተዋፅኣ ልዕሊ 657 ኩንታል ፊኖ ን2627 ፅጉማት ወገናት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓገዝ ከምተገበረ ተገሊጹ።
እዚ ሓገዝ ብገንዘብ እንትግመት 4,600,000 ብር ከምዝኾነን፣ ብቐፃሊ እውን ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበራዊ ፀገማት ዝፈትሑ ሓገዛት ዓቕሞም ብዝኽእሎ ከምዝቕፅሉ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ግንባር ምዕራብ ገሊፆም።
ሰራዊት ትግራይ ዝፅለም ታሪኽ የብሉን ዝበሉ እቶም ሓይልታት ፀጥታ፣ የግዳስ ምእንተ ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ደው ዝበለን ካብታ ቁንጣር ራሽኑ እውን እንተኾነ ብዓቕሙ ንፅጉማት ዝሕግዝ ህዝባዊ ሰራዊት እዩ ምባሎም ተጋዳላይ ዳኒኤል ኣርኣያ ካብ ግምባር ምዕራብ ፀብፂቡ።
+1
#ሓበሬታ
ኪዳነ ምሕረት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን መጥባሕቲ ስንጥቕ ከንፈርን ታሕናግ ከምኡ ድማ ናይ ፕላስቲክ መጥባሕቲ ከካይድ እዩ።
ካብ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 28/04/2017 ክጅምር መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
+251 98 902 0333
ዶ/ር ኤዶም
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዚያ ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ናብ ዝተፈላለዪ ከተማታትን ወረዳታትን ክልል ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትራስፖርት ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ናብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ሓዊሱ ናብ ከተማ ውቕሮ፣ መኾኒ፣ ማይጨው፣ ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን ናይ መጎዓዝያ ወፃኢታት ብምሽፋን ምጉዕዓዝ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ፋብሪካ ድሕሪ ኲናት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ሲሚንቶ ምጉዕዓዝ ኣቋሪፁ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
ሕዚ ድማ ኣብ ብርክት ዝበላ ከባቢታት ትግራይ ካብ ተጠቀምቲ ሲሚንቶ ዝለዓሉ ናይ ተበፃሓይነት ፀገማት ንምቅላል ዓሊሙ ከምዝጀመረ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።
+4
ከይዲ ህንፀት ኣስፋልት መንገድታት ከተማ መቐለ
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ዉሽጣዊ እቶቱ ብምጥንካር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ብርክት ዝበሉ መንገድታት እናሃነፀ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከቡ ነባራት መንገድታት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ንፍሰት ትራንስፖርት፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ግልጋሎት እታ ከተማ ብዝጥዕም በቢ ምዕራፉ እናተሃነፁ ይርከቡ።
ኣብ ከይዲ ምዝዛም ካብ ዝርከቡ መንገድታት ብፍላይ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ናብ ኣንፈት ሆቴል ኢዛና- ኣብርሃ ካስትል ዘምርሕ መንገዲ ናይ መወዳእታ ስራሕቲ ምንፃፍ ኣስፋልት እናተሳለጠ ይርከብ። ሱር ኮንስትራክሽን ምስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ዝሃንፆም ዘለዉ መንገድታት ኣብ ኩለመዳይ ዕብየት እታ ከተማ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ነበርቲ ከተማ መቐለ ትዕዝብቶም እናገለፁ እዮም።
ሓበሬታን ርክብን ከተማ መቐለ
25 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም
ን11 ፀገም ነርቭን ዓፅሚን ዘለወን ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ትሰርሕ ከምዘላ ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W) ገሊፃ።
እቲ ግልጋሎት ሕክምና ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ናይ ውልቀ ሕክምና ይከታተላ ከምዘለዋ ኣዳያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ ገሊፆም።
ትካል መድሕንን መዕቖብን ንጉድኣት ኣካል ኲናት (ROAD-W) ንሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ኣብ ውልቀን መንግስትን ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተሰርሕት ከምዘላ ኣይተ ግርማይ ገሊፆም።
ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ንዝገበረኦ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ኣመስጊኖም።
መስራቲትን ኣባል ቦርድን እቲ ትካል(ROAD-W) ተጋዳሊት ኣስካል ገብረ ካብ ማሕበር ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ጀርመን ዝተረኸበ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ብር 11 ደቂ ኣንስትዮ ሓርበኛታት ጉድኣት ኣካል ግልጋሎት ሕክምና ክረኽባ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
