en
Feedback
መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

Open in Telegram

Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.

Show more
2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
#ሕማም_ግርፃን እንታይ እዩ? ሕማም ግርፃን ንስኒ ዝድግፍ ዓፅሚ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ፡፡ብዙሕ ዓይነትሕማም ግርፃን እንትህልዉ ካብ ማእኽላይ ናይ ስኒ ቑስለት ክሳብ ስኒ ምንቕናቕን ምንቃልን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡ ቀንዲመንቀሊ ሕማም ግርፃን አብ አፍና ብዙሓት ባክተርያታት እንትህልዉ እዞም ባክተርያታት እዚኦም አብ አፍና ምስ ዝርከብ ምግብን እንትፍታፍን ተዋሂዶም ፕላክ ይፈጥሩ፡፡እዚ ‘ፕላክ” ድማ አብ ግርፃና ብምጥባቕ ሕማም ግርፃን የስዕበልና፡፡ ናይ ግርፃን ቑስለት እዚ ቑስለትአብ ‘ፕላክ” ዉሽጢ ብዝርከቡ ባክተርያታት ዝመፅእ ሕማም ኾይኑ ግርፃን ብቐሊሉ ንክደሚ፤ብጣዕሚ ንክቐይሕን ንክሓብጥን ይገብር። ብተወሳኺ ክዓ ንዘይተደለየ ናይ አፍ ጨና የቃልዕ፡፡እዚ ሕማም በብዕለቱ ስንና ብምፅራግ (ብምምዋፅ ወይ ብምቡራሽ) እንከላኸሎ ዓይነት ሕማም እዩ፡፡ ናይ ስኒ ዙርያ ሕማም ( ፔርዮዴንታይተስ) ናይ ግርፃን ሕማም ብጊዚኡ እንተዘይተሓኪሙ፤ናይ ስኒ ዙርያ ሕማም የስዕብ፡፡እዚ ድማ አስናንና አብዘይጊዚኡ ክነቓነቕን ክነቓቐልን ይገብር፡፡ ሕማም ግርፃን ከምዘለና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? 1. ሕማቕ ናይ አፍጨና 2. ዝቐየሐ ወይ ዝሓበጠ ግርፃን 3. ቃንዛ ዘለዎ ወይ ዝደሚ ግርፃን 4. አብ እንምገበሉ እዋን ቃንዛ እንትህልወና 5. ናይ ስኒ ምንቕናቕን ናይ ግርፃን ምስፍሕፋሕን እንትህልዉ ሕማም ግርፃን ዘጋድዱ ነገራት • ናይ አፍ ፅርየት ጉድለት • ሽጋራ ምትካኽ • አብ ደቒ አነስትዮ ዝረአ ምቕይያር ሆርሞን • ሕማም ሽኮር • ዝተፈላለዩ እንወስዶም መድሓኒታት ሕክምና ሕማም ግርፃን ከከም ናይ ግርፃን ሕማም ዓይነቱ ዝተፈላለዩ ሕክምናታት አለዉዎ፡፡እቶም ቅድም ክብል ዝተጠቐሱ ምልክታት እንትርአዩ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ሕክምና ብምኻድ መድሓኒት ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ናይ ምፅራይን አተሓላልዋ ፅርየትን ጥዕናን ስኒ ብዝምልከት ግንዛበ ክንረክብ ይግባእ፡፡ ዶ/ር ኣሸናፊ ሃይላይ ስፔሻሊስት ስብ ስራሕ ስንን ዴንታል ኢምፕላንትን ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ! #ሆስፒታል_ሪምና ኣድራሻ፥ መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ፌደራል እንትርከብ ትካላት ትእምት ካብ ፖለቲካ ኢድ ኣታዉነት ነፃ ዝኾነ ምምሕዳር ክህልወን ከም ዝገግብር ሓላፍነት ወሲዱ እዩ። ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታ
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ፌደራል እንትርከብ ትካላት ትእምት ካብ ፖለቲካ ኢድ ኣታዉነት ነፃ ዝኾነ ምምሕዳር ክህልወን ከም ዝገግብር ሓላፍነት ወሲዱ እዩ። ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ክትግበር መንግስቲ ኣየርላንድ ክሕግዝ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም። ኣምባሳደር ኦሊቭያ ለሲልየ እውን ሃገረን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕጽለሉ ኣረጋ
+1
ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ክትግበር መንግስቲ ኣየርላንድ ክሕግዝ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም። ኣምባሳደር ኦሊቭያ ለሲልየ እውን ሃገረን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕጽለሉ ኣረጋጊጸን። ፕዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ምስ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵዬ ኦሊቭያ ለሲልየ ዘትዮም ኣለው። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ኣየርላንድ ንኲናት ፅንትት ትግራይ ተቋዊማ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘርኣየቶ ውግንና ህዝቢ ትግራይን ብቐጻልነት ኣብ ትግራይ ትሰርሖ ዘላ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መደባት ልምዓትን ኣጠናኺራ ክትቅጽለሉ ሓቲቶም። እቶም ፕረዚደንት ፣ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ብዘይምኽኣሉ ፣ ተመዋበልቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ፣ ሕፅረት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣፋውስን፣ ሕፅረት ሃፍቲ ዝወለዶ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ፣ጥዕና፣ ትምህርቲ ፣ብሓፈሻ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎን ገሊጾም። ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ትርጉም ዝህልዎ ተመዛበልቲ መሊኦም ናብ መረበቶም እንትምለሱን እንትጣየሹን ምኻኑ ዝገለጹፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ መንግስቲ ኣየርላንድ ንሙሉእ ትግበራ እቲ ውዕሊ ዘለዎ ደገፍ ክቕጽል ሓቲቶም። ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵዬ ኦሊቭያ ለሲልየ፣ ሃገረን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ልምዓታዊ መደባትን ፣ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሐዚ'ውን ክትሰርሕ ምኻና ብምግላጽ፣ ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከምትሰርሕ ኣረጋጊጸን። ኣምባሳደር ኦሊቭያ ለሲልየ፣ ኣየርላንድ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ለውጢ ከምትድግፍ እውን ገሊጸን። ኣየርላን ሓንቲ ካብተን ንትግራይ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መደባት ልምዓትን እናደገፋ ዝርከባ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ። Dimtsi Weyane

ሰልፊ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ #ድወት
+5
ሰልፊ ተመዛበልትን ነበርትን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ #ድወት

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክጠናኸርን ስርዓትን ልዕልነት ሕግን ክኽበር ክስራሕ ከም ዝግባእ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ካብ 18 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ
+3
ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ክጠናኸርን ስርዓትን ልዕልነት ሕግን ክኽበር ክስራሕ ከም ዝግባእ ተገሊፁ።  እዚ ዝተገለፀ ካብ 18 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ  ትግራይ ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ እዩ።  ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን ትኩእ ከም ዝገለፅዎ ህዝቢ መላእ ሕብረተሰብ ኣብ ምጥንኻር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግደኡ ከበርክት ኣለዎ ኢሎም።  ንድሕሪት ዝምለስ ለውጢ  ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ  ዘሎ ንፅፅራዊ ሰላም ብምጥቃም ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ  ክኽበር ግዝያዊ ምምሕዳር ፃዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ኣገንዚቦም። ስልጡን ፖለቲካን ዝተፈለየ ሓሳብ ዝተኣናገደላ ትግራይ  ንኽትህሉ ግደ ኩሉ ሕብረተሰብ ወሳናይ እዩ ክብሉ ገሊፆም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስሩዕ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ዘሳግር ድልድል ስለዝኾነ ነዚ ንምጥንኻር  ድማ ግደ ኩሉ ወገን ወሳናይ እዩ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሰላም ስለዝኾነ ዘሎ ንፅፅራዊ  ሰላም  ብሙሉእነት ክትግበር ይግባእ ኢሎም።  ኣብ ዝነበረ ፅንተታዊ ኵናት መስተንክራዊ ስርሒት ዝፈፀሙ  ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ህዝባዊ ውግንናኦም ከይለቐቑ  ንድሕንነት ህዝቦም ዘብዒ ክኾኑ እምበር ብዝኾነ  ይኹን ፖለቲካዊ  ውግንና  ከይተፀለዉ  ረብሓ ህዝብን መንግስትን ማእኸል ገይሮም  ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ክቆፃፀር፣መሓውር መንግስቲ ክሳብ ጣብያ ክዝርጋሕ፣ተጓቲቱ ዘሎ ስርዓት ዲዲኣር ክትግበር፣ተመዛበልቲ ክምልስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ምኽባር ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።  👉 ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ

#ሕቶ_ሙስሊም ተጋሩ ኣመልኪቱ ካብ ውድባት ናፅነት፣ ባይቶናን ዓረናን ዝተውሃበ መግለፂ! ብሓባር “ኪዳን ተጋሩ ንብሔራዊ ድሕነት” ዝመስረትና ሰለስተ ውድባት ትግራይ ማለት እውን ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)፣ ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)ን ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ላእላውነትን (ዓረና)ን ሕቶ ሙስሊም ተጋሩ ካብ ዝለዓል ጀሚሩ እናተኸታተልናዮን ብእሂን ምሂን ክፍታሕ ከም ዝግብኦን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክባት እናገበርና ፀኒሕና ኢና። ጉዳይ ክልከላ ሒጃብ (መሸፈኒ ፀጉሪ) ተምሃሮ ኣክሱም ብምርድዳእ ክእረም ዝግባእ ቐሊል ነገር ኮይኑ እናሃለወ ንኣጉል ፖለቲካዊ ሸቐጥን መነሓንሒን ጉጅለታት ህወሓት ክውዕል ብትልሚ ዝተሰርሐን መቐፀልታ እቲ ልሙድ ድሕረትን ምዃኑ እውን ኣረጋጊፅና ኢና። ካብ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ገና መሊኣ ዘይተናገፈት ትግራይ ኣብ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ምህላዋ እናተፈለጠ፤ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እውን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ብርኪ ወዲቑ ንምልዓሉ ኣብ ዝኸበደሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን፤ እቶም ዝርካቦም ተምሃሮ ብዝረብሕን ዘይረብሕን ምኽንያት ብሰበ ሰልጣናት ህወሓት ኮነ ተባሂሉ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ ምግባር ኣዝዩ ዘሐዝንን ዘሰክፍን እዩ። ካብ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ሕቶ እዘን ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝርከባ ደቂ ኣነስትዮ ተምሃሮ ተኸተልቲ እስልምና ብመጠኑ ይኹን ብሕብሩ ምስ ዲቪዛ እቲ ቤት ት/ቲ ዘይፃባእ ሒጃብ (መሸፈኒ ፀጉሪ) ክገብራ እኳ እንተኾነ፤ ብሰበ ስልጣን ህወሓት ኮነ ተባሂሉ ኣጀንዳ ክኸውን ተደልዩ ሒጃብ (መሸፈኒ ፀጉሪ) ገይርኽን ክትመሃራ ኣይትኽእላን ብምባል ዝተገበረ እገዳ እዩ። እዚ ድማ ዘይወድዓውን ዘይግቡኡን እዩ ኢልና ንኣምን። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብዘተ ብቐሊሉ ክፈትሑዎ ዝግባእ ጉዳይ እናሃለወ፤ ንጉጅላዊ ፖለቲካዊ ሃለኪ ምጥቃም ፍፁም ሓላፍነት ዝጎደሎን ተቐባልነት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ሸፈጥ እዩ። ህዝቢ ካብ ብሔራዊ ኣጀንዳታቱ ኣውሪድካ ኣብ ደንገርገርን ዘይተደላዪ ምክፍፋልን ንምፅማድ ዝግበር ዘሎ ኣዝዩ ፀያፍ ተግባር እውን እዩ። ንሕና ከም ብሔራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተራኸብና እቲ ፀገም ክፍታሕ ፃዕሪ እናገበርና መፂእና ኢና። ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ግቡእ ፍታሕ ክረክብ ኣይኸኣለን። ኣብዚ ጉዳይ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝኸዶ ዘሎ ፍፁም ሓላፍነትን ብሔራዊ ሓልዮትን ዝተመልኦ ኣካይዳ እናድነቕና፤ ሐዚ እውን እዚ ጉዳይ ብሔራዊ ሓልዮት፣ ሕጋዊ ኣግባብን ሰብኣዊ መሰል እተን ተምሃሮን መሰረት ዝገበረ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ ክንብል ንፈቱ። ብሔራዊ ሓድነት - ንብሔራዊ ድሕነት! ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት) ብሔራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ላእላውነትን (ዓረና) 14 ጥሪ 2017 ኣ/ግ መቐለ - ትግራይ

90 #ሚልዮን_ብር #ሓገዝ_ንኮምሽን_ሓርበኛታት_ትግራይ ምግባረ-ሰናይ ት.እ.ም.ት. ንመሐከሚ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝዉዕል 90 ሚልዮን ቅርሺ ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣበርኪቱ:: ምግባረ-ሰናይ
+1
90 #ሚልዮን_ብር #ሓገዝ_ንኮምሽን_ሓርበኛታት_ትግራይ ምግባረ-ሰናይ ት.እ.ም.ት. ንመሐከሚ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝዉዕል 90 ሚልዮን ቅርሺ ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣበርኪቱ:: ምግባረ-ሰናይ ት.እ.ም.ት. ሎሚዘመን ንዘካይዶም ማሕበራዊ ንጥፈታት መሳለጢ ብበዓል ሓደራ ቦርድ ት.እ.ም.ት. ካብ ዝፀደቐሉ ልዕሊ 894 ሚልዮን ቅርሺ በጀት እቲ 90 ሚልዮን ቅርሺ ንመሐከሚ ሓደሽቲ ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ክዉዕል ወሲኑ'ዩ:: ብመሰረት'ዚ ዉሳነ ፣ ነቲ ዝተጠቐሰ መጠን ገንዘብ ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ት.እ.ም.ት. ኣይተ ቴዎድሮስ ሓጎስ ሎሚ 14 ጥሪ ንሓላፊ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣይተ ናስር መምሑር ብቼክ ኣረኪቦም :: እዚ ብሓገዝ ተበርኪቱ ዘሎ ገንዘብ ፣ ብኲናት ዝዓነዋን ዝተሃሰያን ትካላት ትእምት ንዓርሰን ንምሕዋይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይነን ምስ ዝገብረኦ ዘለዋ ርብርብ ጎኒ ንጎኒ፣ ንመፈፀሚ ማሕበራዊ ልምዓት ብዓቕመን ንምግባረ- ሰናይ ትእምት ናይ ዘበርከተኦ ብፅሒት ኣካል እዩ ዝበሉ ኣይተ ቴዎድሮስ ሓጎስ፣ ካብቲ ናይ ሎሚ ሓገዝ እቲ 75 ሚልዮን ቅርሺ ብፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝተሸፈነ ብምዃኑ ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መሰቦ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም:: ኣይተ ናስር መምሑር ብግደኦም ት.እ.ም.ት. ካብ ዝበፅሖ ፀገም ንምዉፃእ ምስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ጎኒ ንጎኒ ጉዱኣት ኣካል ንምሕካም ቀዳምነት ሂቡ ክገብሮ ንዝመፀን ሕዚ ንዝገበሮ ሓገዝን ብስም ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም። 👉 ት.እ.ም.ት

ማሕበረሰብ ሙስሊም ትግራይ "ኣብ ኣኽሱም ተምሃሮ ሒጃብ ንከይመሃራ ተኸልኪለን" ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ዕለት 13 ጥሪ 2017 ዓም ዘካየዱ እንትኾን ላዕለዎት ኣመራርሓ ድማ ብዛዕባ እ
+4
ማሕበረሰብ ሙስሊም ትግራይ "ኣብ ኣኽሱም ተምሃሮ ሒጃብ ንከይመሃራ ተኸልኪለን" ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ዕለት 13 ጥሪ 2017 ዓም ዘካየዱ እንትኾን ላዕለዎት ኣመራርሓ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘካየድዎ ሰልፊ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዘተ የካይዱ ኣለው። ©Tigray Press

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ 12 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ሰሩዕ ኣኼባ፣ ኣብያት ምኽሪ ወረዳታት ትግራይ ዘጣናኽርን ሕጋዊ መሰረት ክህልወን ዘግብርን ደንቢ ኣፅዲቁ ። እቲ ዝወፀ ደንቢ
+5
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ 12 ጥሪ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ሰሩዕ ኣኼባ፣ ኣብያት ምኽሪ ወረዳታት ትግራይ ዘጣናኽርን ሕጋዊ መሰረት ክህልወን ዘግብርን ደንቢ ኣፅዲቁ ። እቲ ዝወፀ ደንቢ ኣብያተ ምክሪ ወረዳታት ተጣናኺረንን ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፎ/ውክልና ብዘረጋግፅን ንምንቅስቅስ ብዘኽእለንን፣ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ብዝቐርፍን ኹሉ ወገን ናብ ሓደ ኣረዳድኣ ብዘምፅእን መንገዲ ክሰርሓን ከምኡ'ውን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝራኸበሉ መሰርሕ ብዘጠናኽር ኣገባብ ንምፍፃምን ዘኽእል እዩ። ንተፈፃምነት እዚ ደንቢ ከኣ ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ንክግበር ውን ከም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ከም ዝሰርሓሉን፣ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳሩ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክፃወት ዘኽእሎን መንግስቲ ክህልዎ ዝግብርን እዩ ። ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት 13 ጥሪ 2017 ዓ/ም

ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተወህበ እዋናዊ መግለፂ ኣይሂ መዓትን መከራን ተፈናቐልትን ስዱዳትን ደቂ ብሄረ ትግራይ ናብ ዝኸፍእ ብርኪ ካብ ዝበፅሕ ነዋሕቲ እዋናት ሓሊፎም። መረረት ዝወለዶ ቃልሲ &l
ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተወህበ እዋናዊ መግለፂ ኣይሂ መዓትን መከራን ተፈናቐልትን ስዱዳትን ደቂ ብሄረ ትግራይ ናብ ዝኸፍእ ብርኪ ካብ ዝበፅሕ ነዋሕቲ እዋናት ሓሊፎም። መረረት ዝወለዶ ቃልሲ <<ይኣክል>> ብዕሊ ካብ ዝጅምር ድማ መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ቃልሲ ተጠናኺሩን ናፅነቱ ሓልዩን ኽቕፅል ዝፅውዕ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ጎኒ እዚ ምንቅስቓስ ብምዃን ኣብ ምልሰት ተመዛበልትን ስዱዳትናን ከምኡ ድማ ኣብ ምልሰትን ምርግጋፅን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃሙ ኣጠናኺሩ ከምዝዋፃእ የረጋግፅ። ወረርቲ ሐዚ እውን ምልሰት ተፈናቐልትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ንምዕንቃፍ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሮም ቀፂሎምሉ ኣለው። ካብ ፖለቲካዊ ሓገዙ ዝሓለፈ ፌደራል መንግስቲ ብወግዓዊ ኣብቲ ወሪሮሞ ዘለው መሬት ትግራይ <<የተከዜ ዘብ>> ዝበሃሉ ዕጡቃት እስካብ ምስልጣን በፂሑ ኣሎ። እዚ ደው ክብል ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደጋዊ ኣካላትን ሰብ ዋና እቲ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ውዕሊ ፀቕጡ ካብ ምሕያል ዘየብኮረ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ይኹን ካልኦት ፅንኩራት ፀገማት ትግራይ ንምፍታሕ እቲ ኣውራ ጋግ ኣብ ስእነት ብርቱዕ መንግስቲ ዝተሰረተ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ብመሰረቱ ንምፍታሕ ኩለንታኣዊ ምርብራብ ከምዘድሊ ዝኣምን ውድብና ብመንገዲ ምጥያስ ብሄራዊ ጉባኤ ብህፁፅ ዘድልየና ዓይነት መንግስትነት ንክምስረት ዘቕረብናዮ ተደጋጋሚ ፃውዒት ህዝብና ክድግፎ ድማ ይፅውዕ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 12 ጥሪ፥ 2017 ትግራይ፥ መቐለ

ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ንፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳን ናብ ዶ/ር ደብረፅዮንን ዝተልኣኸ መልእኽቲ
+2
ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ንፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳን ናብ ዶ/ር ደብረፅዮንን ዝተልኣኸ መልእኽቲ

መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን
መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን

መልእኽቲ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ መላእ ዓለምን ንትርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ኣብፅሐኩም ኣብፅሐና ክብል ይፈቱ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን ገጢሙና ዘሎ ኩለመዳያዊ ፈተና ንምፍታሕን ፀገም ህዝብና ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ንምፍታሕን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐሉ መፂኡ እዩ። መሰረታዊ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍፃም ኣቢልካ ሰላም ትግራይ ምዕሟቕን ምዕቃብን፣ ኣብ ትሕቲ ዝትፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ምውፃእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን ናብ ንቡር ህይወቶም ክኣትዉ ምግባርን፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ምምላስ፣ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ንምጥያሽ ዘኽእል ምዕሩይ ፖለቲካዊ ኩነታት ምፍጣርን ዓቕሚ ብዝፈቐዶ ድማ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ምስላጥን እዩ። ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፅኡን ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱን ንምግባር ዘለዉ ዝተሓላለኹ ዕንቅፋታትን ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ኣብ ምርድዳእ በፂሑ እዩ። ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ እናገምገምካ ንምኻድ ዘኽእል ኣንፈት ብምንፃር እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ማሕበረሰብ ዓለምን ተቐራርብና ብምስራሕ ፀገም ህዝብና ንምቅላል ዝጀመረናዮም መደባት ኣጠናኽርና ክንቕፅል ኢና። ኣብዚ እዋን ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ፍሉይ ቆላሕታ ሂብና ክነሰርሓሉ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ የረጋግፅ። ኣብዚ መዳይ ተመዛበልቲ ወገናትና ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ ግዝያዊ ምምሕዳር ንዝገብሮ ፃዕሪ ተወሳኺ ሓገዝ ምዃኑ ብልቢ ንግንዘብ ኢና። ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዘሎ ፀገም ንምቅላልን ተልእኾኡ ማእኸል ገይሩ ግቡኣቱ ንክዋፃእን ንምግባር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዓቕሙ ዝኽኣሎ ንምግባር ድሉው እዩ። እዚ ንምግባር ድማ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዝያዳ ብምጥንኻር ኣወዳድባኡ፣ ኣወፋፍራኡ፣ ኣሰራርሓኡን ህንፀቱን ብቐፃልነት ንምምሕያሽ ዘኽእል መደብ ሓንፂፅና ብዝተወደበ መንገዲ ክንሰርሓሉ ኢና። ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕግን ስርዓትን ካብ ዝህቦ ተልእኾ ክወፅእን ናይ ዝኾነ ጉጅለ ኣካል ከምዝኾነን ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ ዕላምኡ ነዚ ናይ መኸተ ሓይሊ ንምፅላምን ካብ ህዝቢ ንምንፃልን ዝግበር ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ስለዝኾነ ነዚ ተግባር ንምራም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሓሉ እዩ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናልዓልካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ከም ኣካልን ኣብ ልዕሊ መራሕቱን ዝግበር ፀለመ ከይዱ ከይዱ ኣብ ልዕሊ መኸተና ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ስለዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ጉዳይ ከምዘይኮነ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ። ዲዲኣር ንሓይልታት ፀጥታ ኮነ ሰላም ትግራይ ብዘላቕነት ውሑስ ንምግባር ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስራሕቲ ዲዲኣር እንትነካይድ ድማ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ንቐፃሊ ጉዕዞና ብዘጠናኽርን እምበር ከምቲ ገለ ኣካላት ንምድንጋር ዝጥቀሙሉ ሓይልና ንምድኻም ወይ ሰራዊት ንምብታን ከምዘይኮን ከፍለጥ ኣለዎ። ስለዝኾነ እዚ መደብ ብውነ እናተርኣየን ብዝርዝር እናተገምገመን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። ፖለቲካ ትግራይ ንምዕራይ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሕዚ እውን ትኹረት ሂብና እናሰራሕናሉ ኢና። ኩሉም ሓሳባት ብፍትሓውነት ንክድመፁን ትግራይ ማእኸል ናይ ሓሳብ እንካ ሃባ ንምግባርን ኣማኻሪ ካውንስል ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ እዩ። እዚ ካውንስል ንትግራይ ዝጠቅም ሓሳብ ኣለና ዝብሉ ኣካላት ሓሳባቶም ዘቕርብሉን ትግራይ ድማ ካብቶም ሓሳባት ብዝበለፀ ተጠቃምት ንምግባርን ዘኽእል መድረኽ ስለዝኾነ ወድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ፣ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ሲቪክ ማሕበራት ትግራይን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ኣብዚ መድረኽ ግቡእ ግደ ክፃወቱ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዕተይ የቕርብ። ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 10 ጥሪ 2017ዓ.ም መቐለ

ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ "ይኣክል ዓድና መሉሱና" ኣብ ዝበልሉ ሰልፊ ልዕሊ 100 መራሕቲ ስድራ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ከተማ ሸራሮ ኣትዮም ። ሽሞም ንምጥቃስ ፍቃደኛ ዘይኮኑ
+1
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ "ይኣክል ዓድና መሉሱና" ኣብ ዝበልሉ ሰልፊ ልዕሊ 100 መራሕቲ ስድራ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ከተማ ሸራሮ ኣትዮም ። ሽሞም ንምጥቃስ ፍቃደኛ ዘይኮኑ ተመዛብልቲ ከምዝበልዎ ይወግሕ ዶኾን እንዳበሉ መሰሎም ተጋሂሱ ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ተጨቂኖም ፀኒሖም ናይ ጭንቂ ዝነበረኦም ጥሪት ብሕሳር ዋጋ ሸይጦም ንደላሎን መስገርትን ዝክፈል ገንዘብ እንዳከፈሉ ሩባ-ተከዘ ከምዝሰገሩ ድሕሪ ምግላፅ ብፉሉይ ኣብዚ ወቅቲ ኣብ ወልቓይት ሓደሸቲ መናእሰይ ወታደራዊ ስልጠና ይወስዱ ሰለዘለዉ ኣብቲ ስልጠና ብዘይካ ኣምሓራይን ወልቐታይን ትግራዋይ ከይስልጥን ብጥብቂ ይከታተልዎ ከምዘለዉን ምቕታል እውን ከምዝጀመሩን ወሲኾም ተዛሪቦም። ካብ 30 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም ክሳብ 9 ጥሪ 2017 ዓ/ም ልዕሊ 100 ዝኮኑ መራሕቲ ስድራ ብትግራዋይነቶም ህፃናት፣ መናእሰይን፣ ኣረጋውያንን ዓይነ ስውራንን ዝርከቡዎም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ናብ ከተማ ሸራሮ ከምዝኣተዉ መተሓባበሪ ፀጥታ ክላስተር ሸራሮ ኮነሬል ባህረ ተበጀ ገሊፁ። 👉 ሓበሬታን ርክብን ከ/ሸራሮ 10 ጥሪ 2017ዓ/ም

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ካቤነ ሰክሬተርያት ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካልን ጀነራል ተክላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ፅባሕ ቀዳም ምስ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ዲያስፖራ ተጋሩ ናይ Zo
ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ካቤነ ሰክሬተርያት ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካልን ጀነራል ተክላይ ኣሸብር (ወዲ ኣሸብር) ፅባሕ ቀዳም ምስ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ ዲያስፖራ ተጋሩ ናይ Zoom meeting ክገብሩን፣ ኣብ ወቅታዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ክህቡን ቆፀራ ሒዞም ኣለዉ። ኩሉኹም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ኣብቲ ናይ Zoom Meeting ተረኺብኩም ዘለውኹም ሕቶታት ሕተቱ።The conference zoom link https://us06web.zoom.us/j/6408379758?pwd=BHrvgBSaAjHhN3dchabbIkCyfxc9Ay. Or Meeting ID: 6408379758 Passcode: 2024 Date: January 18th.2025 Time: 11am ET(NY) time / 7pm 👉 ደስዪ ኣሸናፊ

ጀነራል መዲድ ስለ DDR! "ዲዲኣር የድልየና እዩ።ክትግበር'ውን'ዩ። ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኣብ መኸተ ተሰሊፉ እዩ ፀኒሑ።እዙ መንእሰይ'ዚ እግሪ ክተክል ኣለዎ። እተን ዝወሃባ ቅርሺ ውሑዳት ዋ
ጀነራል መዲድ ስለ DDR! "ዲዲኣር የድልየና እዩ።ክትግበር'ውን'ዩ። ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ትግራይ ኣብ መኸተ ተሰሊፉ እዩ ፀኒሑ።እዙ መንእሰይ'ዚ እግሪ ክተክል ኣለዎ። እተን ዝወሃባ ቅርሺ ውሑዳት ዋላ'ውን እንተኾና ይጠቕማ እየን። ብብዙሕ መለክዒ ዲዲኣር የድሊ እዩ። ሐዚ ዲዲኣር ደው ዝበለሉ ምኽንያት ክላሽ ዘየርከብኩምና ብዝብል'ዩ።'ካብቶም ልዕሊ 70,000 ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሰናበቱ ተጋደልቲ እንተናኣሰ 25,000 ካላሽ ክተረክቡና ኣለኩም' እዮም ኢሎምና። ንሕና ናይ ምልሻን ናይ ህዝብን ክላሽ ኣይነረክብን'ኢና ኢልናዮም።ንህዝቢ ትግራይ ዕጥቂ ዘፍትሕ ዲዲኣር ክኸውን የብሉን። በቲበለ በዚ ዲዲኣር ምትግባሩ ኣይተርፎን። ንረዳዳእ ኣለና ኢና።ኣብ ቀረባ እዋን ክቕፅል'ዩ። ዘጠራጥር የብሉን።” 👉 TIGRAY PRESS

ሳልሳይ መዓልቲ ሰልፊ ይኣክል !! ሎሚ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ሮማናት ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕበረተስብን ነበርቲ መቐለን ዝተሳተፍሉ ሳልሳይ መዓልቱ ዝቐፀለ ህዝባዊ ሰልፊ ይኣክል ይቕፅል ኣሎ ።
+4
ሳልሳይ መዓልቲ ሰልፊ ይኣክል !! ሎሚ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ ሮማናት ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕበረተስብን ነበርቲ መቐለን ዝተሳተፍሉ ሳልሳይ መዓልቱ ዝቐፀለ ህዝባዊ ሰልፊ ይኣክል ይቕፅል ኣሎ ። ኣካል እቲ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝጀመሮ "ይኣክል" ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ፡ ስቓይን መከራን ተመዛበልቲ ይኣክል ዝብል መልእኽቲ ኣዩ ሎሚ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ ። ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ፅዕንቶ ንምፍጣርን ዝዓለመ እዚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ ፣ ብተኸታታሊ ንሰለስተ መዓልታት ብሰላማዊ ሰልፊ ድምፂ ህዝቢ ዝጋውሕሉ ዘሎ ሰልፊ እዩ ። ድሕሪ ሐዚ ካብ ተመዛበልቲ ምምላስ ወፃኢ ትግራይ ካሊእ ኣጀንዳ ክህልዋ ከምዘይብሉ ዝለፁ ኣመራርሓ ስራሕ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ብሙኻኑ ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ትግራይ፣ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ መናእሰይ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ዳያስፖራ ትግራይ ፡ ኣብዚ ናይ ተመዛበልቲ ምምላስ ኣጀንዳ ቅድሚት ክኸውን፣ ህዝቢ ካብ ብርሰትን ሞትን ከድሕን ይኣክል ክብል ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም። #ድወት

ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰላሴ ጥሪ ካብ ከተማ #ሽረ_እንዳሰላሰ እንኳዕ ኣብፀሐና! 07 ጥሪ 2017 ዓ/ም
+6
ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰላሴ ጥሪ ካብ ከተማ #ሽረ_እንዳሰላሰ እንኳዕ ኣብፀሐና! 07 ጥሪ 2017 ዓ/ም

ን 15 መባእታዊ ሆስፒታላት ሓገዝ ኣምቡላንስ ተበርኪቱ። እዘን ኣምቡላንሳት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኸባ እንትኾና፤ከቢድ ፀገም ኣምቡላንስ ንዝነበረን 15 መባእታዊ ሆስፒታላት ክውዕላ ንቢሮ ጥዕና ት
+2
ን 15 መባእታዊ ሆስፒታላት ሓገዝ ኣምቡላንስ ተበርኪቱ። እዘን ኣምቡላንሳት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኸባ እንትኾና፤ከቢድ ፀገም ኣምቡላንስ ንዝነበረን 15 መባእታዊ ሆስፒታላት ክውዕላ ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ተረኪበን ኣለዋ። ሓላፊ ቢር ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ዑዙዝ ግደ ክህልዎ ምዃኑ ብምግላጽ፤እቲ ሓገዝ ከቢድ ፀገም ኣምቡላንስ ንዝነበረን መባእታዊ ሆስፒታላት ከምዝወሃብ ኣመላኺቶም። ዶክተር ኣማኒኤል እቲ ሓገዝ ኣብ ወርሒ ጥሪ" ወርሒ ኣዴታት " ዝተበርከተ ሓገዝ ምዃኑ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ተወከልቲ እተን መባእታዊ ሆስፒታላት ብወገኖም፣ እቲ ሓገዝ ዝነበረና ሕጽረት መጓዓዝያ ኣምቡላንስ ዝፈትሕን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ተሓከምቲ ፣ ኣዴታትን ህጻናትን ዘሳልጥን እዩ ድሕሪ ምባል፤ሐዚ'ውን ኣብተን ሆስፒታላት ሰፊሕ ፀገም ከምዘሎን መዳርግቲ ኣካላት ደገፍ ክገብሩን ጸዊዖም። #ድወት

ንጓል 80 ዓመት #ወላዲቱ_ዝቀተለ ውልቀ ሰብ ብ19 ዓመት #ፅኑዕ_ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲንዎ። ተኸሳሲ ኣይተ ብርሃነ ኪሮስ ገ/ሃንሰ ዝተብሃለ ነባሪ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ ራዕዮ ኣብ ዝተብሃለ
ንጓል 80 ዓመት #ወላዲቱ_ዝቀተለ ውልቀ ሰብ ብ19 ዓመት #ፅኑዕ_ማእሰርቲ ክቕፃዕ ተወሲንዎ። ተኸሳሲ ኣይተ ብርሃነ ኪሮስ ገ/ሃንሰ ዝተብሃለ ነባሪ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ገንደብታ ራዕዮ ኣብ ዝተብሃለ ቁሸት ነባሪ እንትኸውን መሬት ዘይሃብክኒ ካብ ዝብል ቂም ተበጊሱ ብዕለት 12/11/2014 ዓ/ም ሰዓቱ ብንፁር ኣብ ዘይተፈለጠ ለይቲ ንመዋቲት ወላዲቱ ወ/ሮ ኣፀደ ገ/ገርግስ ብመውቀጢ ቡና ጌሩ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላት ርእሰን ብምውቃዕ፣ክሳደን ብኢዱ ብምሕናቅን ብግፍዓዊ አቀታትላ ከም ዝቀተለን ብዓ/ሕጊ ክሲ ተመስሪትዎ ጉዳዩ ብሕጊ ክርአ ፀኒሑ እዩ። ነዚ ጉዳይ ክርኢ ዝፀነሐ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ዓድዋ ዝርዝር ክሲ ዓ/ሕጊ ድሕሪ ምምርማር ተኸሳሲ ብዓ/ሕጊ ዝቀረበሉ ክሲ ተኸላኺሉ እዩ ብምባል ብነፃ ክሰናበት ወሲኑ እዩ። ዓ/ሕጊ ብወገኑ ብማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ኣግባብ ኣይኮነን ብምባል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ገበን መጋባእያ ውሳነ ዳግም ክረኣየሉ ሓቲቱ እዩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ መጋባእያ ገበን ነቲ ብዓ/ሕጊ ዝቀረበሉ ይግበአኒ መዝገብ ብምርማር ዓ/ሕጊ ዘቅረቦም መረዳእታታት ሰብን ሰነድን መሰረት ብምግባር ተኸሳሲ ዘይተኸላኸለ እናሃለወ ተኸላኺሉ እዩ ተባሂሉ ብማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዝተውሃበ ውሳነ ኣግባብ ከም ዘይኮነ ብምግላፅ ንተኸሳሲ ብዓ/ሕጊ ዝቀረበሉ ክሲ ገበን ሕጊ ቁፅሪ 539/1-ሀ/ ብምትሕልላፍ ከቢድ ቅትለት ሰብ ፈፂሙ እዩ ብምባል ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ብዕለት 24/4/2017 ዓ/ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብ19 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቅፃዕ ተወሲንዎ ክብል ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ፀብፂቡ። 06 ጥሪ 2017 ዓ.ም መቐለ