መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
ብዛዕባ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጥረ ጎንፂ ህዝብና ክፈልጦ ዝግባእ ንፁር ሓበሬታ።
ብዕለት 02/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝተፈጠረ ውሱን ጎንፂ ገለ ናይ ህዝብና ሰላም ክዝረግን ኣብ ትግራይ ህውከት ክጋደድን ዝደልዩ ኣካላትን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገልቢጦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የቕርብዎ ምህላዎም ተዓዚብና ኣለና።ስለዙይ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘሎ ትግራዋይ ዘየድሊ ሻቕሎት ከይሓድሮ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንፁር ሓበሬታ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ ።
ኣብቲ ዕለት ኣመሓደርቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ንመናእሰይ መሬት ክንዕድለኩም ኢና ኢሎም ናብ ቀፅሪ እቲ ምምሕዳር ፀዊዖም እንተዘራርቡዎም ብኽብሪ ካብ ምግዳል ዝተመለሱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ድማ ናብቲ መድረኽ ብምምፃእ ንሕና ኣካልና ኣጉዲልና ግቡእና ፈፂምና ዝመፃእና ተጋደልቲ ዘየካተተ ዕደላ መሬት ንምንታይ ይካየድ? ፍፁም ፍትሓዊ ኣይኮነን። ስለዙይ ጠጠው ይበል ዝብል ሕቶ ብምልዓሎም ምኽንያት ኣብ ሞንጎ እቶም ተሳተፍትን እቲ ምምሕዳርን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ናብ ኣካላዊ ጎንፂ ኣምሪሑ። ነዚ ሓበሬታ ዝበፅሖም ኣካላት ፀጥታ ዝኾኑ ኣባላት ምልሻ ነቲ ዝተፈጥረ ከቢድ ጎንፂ ኣብ ማእኸል ኣትዮም ኣብ ምርግጋዕ እንዳሃለዉ ነዚ ዝተፈጠረ ዕግርግርን ህውከትን ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብሕቡእ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ብምሓዝ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ባጃጅ ብምዃን ናብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ጥይት ብምትኳሶም ምኽንያት ኣብ ዝነበረ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ኣርባዕተ/ 04/ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ቀሊል ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሕዎም ኣሎ፡፡ እቶም 03 ኣብ ዓዲ ጉደም ዝተሓከሙ እንትኾን እቲ ሓደ ድማ ናብ መቐለ ሪፈር ተባሂሉ ኣብ ሕክምና ይርከብ።
እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ልዕሊ ዓቕሚ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ምልሻ ምስ ኮነ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ናይ ሰራዊት ሓገዝ ብምሕታት እቲ ጎንፂ ክሃድእ ገይሩ እዩ።
ነቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ምኽንያት ዝኾኑ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ሓይሊ ፀጥታና ክትትል ዝገብር ዘሎ ምዃኑ እናፍለጥና ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ክረክብ ዝደሊ ኣካል እንተሃልዩ ናብቲ ባይታ ወሪዱ ክፈልጥ ክፍቲ ምዃኑን ኣድላዪ ደገፍ ክንህቦ ቅሩባት ምዃንናን ነፍልጥ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታ ትግራይ
መጋቢት 04/2017 ዓ/ም
+1
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣምባሳደራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን መብርሂ ከምዝሃቡ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ንኣምባሳደራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን መብርሂ ከምዝሃቡ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ገፅ ቲዊተር(x) ከምዝፀሓፍዎ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበፅሑ ዘለው ፅዕንቶታትን ኣመልኪቶም ንኣምባሳደራት ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፤ ጣልያን፣ ሕብረት ኣውሮፓን እንግሊዝን ኣብ ኢትዮዮጵያ መብርሂ ከም ዝሃቡ ሓቢሮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ንዘሎ ቅልውላው ኣብ ምዕጋት እውን ከም ዝዘተዩ ኣመላኺቶም።
መደራደርቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዘይተፈፀሙ ውዕላት ኣብ ምፍፃም ፣ እቲ ሐዚ ዝርአ ዘሎ ኣዕናዊ ክያዶታት ጠጠው ኣብ ምባልን ዞባዊ ተዋሳእቲ እቲ ህውከት ከይህልው ብዕቱብ ኣብ ምክትታልን ንምዕጋትን ኣመልኪቶም ነቶም ኣምባሳደራት ከምዘብርሁ ኣብ ገፅ ትዊተሮም(x) ፅሒፎም ኣለው።
ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ሰላም እዩ ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።
👉ቴሌቭዥን ትግራይ
+1
ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታትን ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ካብ ሎሚ ዕለት 2 መጋቢት ካብ ምድብ ሓላፍነቶም ከም ዝተልዓሉ ብደብዳበ ኣፍሊጦም።
እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትማሊ ባሕቲ መጋቢት 2017ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣዘዝቲ ግንባራት ሰራዊት ዝፅሓፉዎ እግድ ብዝፃረር መልክዑ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።
እዚ ብሽም እቲ ቢሮ ዝቐረበ መግለፂ እቲ ቢሮ ንባዕሉ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይኮነስ ወታደራዊ ክንፊ ናይ ሓደ ጉጅለ ከምዝኾነ ብዕሊ ዘቃልዕን ነቲ ዝተፈጥረ ፀገም ዝያዳ ዘጋድድን እዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ቢሮ ፅሩይ መረዳእታ ዝተረኸበሎም ኣብ ውራ መሬት፣ ጉሕለት ሓፂነ መፂን፣ ጉሕለት ናይ ሓገዝ እኽሊ፣ ስርቂ ማዕድናትን ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮን፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዕጥቅን ኮንትሮባንድን ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ትሕቱ ቁፅፅር ከውዕሉ ብመንግሰቲ ዝተውሃቦም ትእዛዝ ዓፂፎም ኣቐሚጦምዎ እናሃለዉ መሓውር መንግስቲ ምፍራስ ከም ምኽባር ሕጊ ኣምስልካ ምቕራቡ ናይቲ ቢሮ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ መን ወገን ምዃኖም ብግልፂ ዘረድእ እዩ።
እቲ ብሽም እቲ ቢሮ ዝወፅአ መግለፂ ሕጊ ምኽባር ዝብሎ ዘሎ በቲ ድሑር ጉጅለ ዝተወሃቦ ናይ ጥፍኣት ጀንዳ ምፍፃምን መሓውር መንግስቲ ምፍራስን ከምዝኾነ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ በቲ ጉጅለ ዝወፅአ ናይ ጉያ ጉያ ዝወፅአ ሓላፍነት ዝጎደሎን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዘፍርስን መግለፂ ብዘንዕቕ መልክዑ ንፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘይቕበል ግልፂ ገይሩ ኣሎ።
ነዚ ንምርግጋፅ ድማ “ዘይሰቐሎ ዘውርድ” ዝብል ብብድዐ ዝተመልኦ ኣገላልፃ ብምጥቃም ብሕጊ ንፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተውሃበ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘይኮነስ ናይ ሓደ ጉጅለ ህረፍ ስልጣንን ድሕረትን ንምቕባል ዘለዎ ኣንቅዶ ክንደየናይ ከምዝኸደ በዘይሕንከት ኣቐሚጡ ኣሎ።
ብድማር እንትርአ እቲ መግለፂ ናይ መንግስታዊ መሓውር ዘይኮነስ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ቅዳሕ እዩ። እዚ ድማ ሕጋዊ፣ ሞራላውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ግን ስዒቦም ንዝመፅኡ ነገራት ሙሉእ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ብሽም ቢሮ መግለፂ ዘውፅአ ላዕለዋይ መሪሕነት ናይቲ ቢሮ ከምዝኾነ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብግልፂ ክፈልጦ ይግባእ።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
02 መጋቢት 2017ዓ.ም
መቐለ
ጠበቓ ገበነኛታት ምዃን የብቅዕ!!
ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ስርዓተ መንግስቲ ፈጢሩ ፤ ብስርዓትን ሕግን ዝምራሕ ፤ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝአምን ፤ ውሕሉል ህዝቢ ምዃኑ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። እንተኾነ ግና ኣብዞም ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ናይ ፅንተት ኲናት ስርዓተ ኽብሩ ፣ ስርዓት ብዘይብሎም ወረርቲ ፈሪሱ ፤ ሃይማኖቱን ባህሉን ተጋሂሱ ፤ ነውርን ንቡርን እንዳተሓዋወሱ ምኻድ ካብ ዝጅምሩ ፀኒሖም ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ስምምዕነት ፕሪቶርያ ተጠቒሞም ሰላም ክሰፍን ፤ናይ ሕጊ ልዕልና ክነግስ ዓበይቲ ፃዕርታት ይገብሩ እኳ እንተፀንሑ እቶም ፀገማት ግን ኣብ ክንዲ ዝመሓየሹ ካልእ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዞም ፤ ብስልጣን እንዳተደገፉ ፤ ኣሰላልፋ ፈጢሮም ንህዝብና ናብ ዘይወፆ ዓዘቕቲ ከእትውዎ እዮም ዝረኣዩ ዘለዉ ። ህዝቢ ትግራይ እውን ነዞም ፀገማት እዚኦም ክኹንን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተላዒሉ ናይ ሕጊ ልዕልና ይከበር ! ፤ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ይቕረቡ! ዝብሉ ጭርሖታት ተሓንጊጡ ኣደባባያት ምውፃእ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጊዜ ኾይኑዎ ‘ሎ ። ሰራዊት ትግራይ እውን ነዞም ፀገማት እዚኦም ንምእላይን ንምእራምን ተደጋጋሚ መግለፂታት እንዳሃበ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ናይ ተግባር ስጉምቲ ምውሳድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ 3ተ ናይ ግምባር ኣዘዝቲ ናይ እግድ ደብዳቤ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ተፃሒፉ ሪኢና ‘ለና ።
ይዅን እምበር እዚ ስጉምቲ እዙይ ናይቲ ትካልና ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ ፤ ዘይሰቐሎ ዘውርድ ፤ በይናዊ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ስልጣንካ ተጠቒምካ ገበንን ገበነኛታትን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንድሕሪት ዝመልስ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል እንዳሓተትና ፣ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ሕግን ሕገ መንግስትን ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንህዝብና ነፍልጥ ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን
ዐ2/07/2017 ዓ/ም
+2
ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ግዝያዊ ናይ ስራሕ እግድ ኣንቢሮም።
ሜ/ጀነራል ዮሃንስ ወልደጀወርጊስ፣ ሜ/ ጀነራል ማሾ በየነን ብ/ ጀነራል ምግበይ ሃይለን ብግዝያዊነት ካብ ስራሕ ዝተኣገዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እዮም።
+1
ኣብ ትግራይ ዘሎ ወቅታዊ ኩነታት መበገሲ ብምግባር ብጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ውሳነ/ሞሽን ሓሳብ ተመሓላሊፉ።
ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
Many people have made money by joining Valero Energy, so what are you waiting for? Join Valero Energy and make money at home anytime. Making money is as easy as breathing. Welcome to the high-tech company Valero Energy. Prepare for tomorrow with Valero Energy. If you are not willing to keep up with the times, you will be eliminated by the times. Join Valero Energy and find your own financial freedom. Register now to get 50 ETB.Earn 10,000 ETB every dayOfficial registration address: https://www.valerosn.com/?invitation_code=58DC2Join our channel to get treasure chest benefits and get 100-500 ETB cash rewards. 500 places per dayOfficial Telegram channel https://t.me/Valero1
ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ዘፈርን ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፦
ሓይልታት ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ከብርስዎ ንውልድ ወለዶ ዝሓልፍ መነወሪ ታሪኽ ከውርስዎ ኩሉ ፈቲኖም ዝከኣሎም ገይሮም እዮም።
ህዝብናን ብሳላ ዘካየዶ ዘይሕለል ቃልሲ ባህግን ሕልምን ፀላእቲ ማይ ንማይ ተሪፉ ከምዘይነበረ ኮይኑ።ህዝቢ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ምስ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዝርከብ ሓው ህዝቢ ረቢቡ፣ሰራዊትና ብዘመስከሮ ስርሒት ስምምዕነት ደው ምባል ተፃብኦ ፕሪቶርያ ክኽተም ኣኽኢሉ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ብፍላይ ድማ ጠርዚ መርኣይኡ ስልጣን ወይ ሸይጣን ዝብል ውሱን ፍንጫል ጉጅለን ተበላፂ ፍሉይ ረብሓን ህዝቢ ብምድንጋር ንመላእ ሰራዊትና ዘይውክሉ ኣካላት ከም መሕብኢ ድፋዕ ብምጥቃም ልኡኽ ሰራዊት ትግራይ ብሓይለ መልጢ ንምጥምዛዝ ዝኽእልዎ ኩሉ ካብ ምግባር ኣይተቖጠቡን።
ሎሚ 30 ለካቲት 2017 ዓ/ም እውን ካብ ኣፍልጦ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባና ወፃኢ ብውሱናት ኣካላት ወይ ህዝባዊ ሓላፍነት ብዘይስምዖም ብፓትሮል ወደኽደኽ እናበሉ መርኣያ ፅንዓትን እንግድዓ ሰራዊትናን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ራዕዲን ስግኣትን ክፈጥሩ፣ሎሚ ማህተም መንጠልና ፅባሕ መንግስትነት ተቖፃፀርና እናበሉ ህዝብና ብእፎይታ ከይነብር ኣረሜናዊ ስርሖም ደው ኣየበሉን።
ከም ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ስምምዕነት ውዕል ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ፣ግዝኣታዊ ሓድነት ክኽበር ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከበርክቶ ዝግብኦ ግደ ከም ዘበርክትን ሉኣላላዊ ግዝኣት ትግራይ ክሳብ ዝኽበር ዘይሕለል ፃዕሪ ከም ንገብር ክንሕብር ንፎቱ።
ስለ ዝኾነ እውን ህዝቢ ዞባና ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ ብቤላቤሎ ዘይጥሉል ወረ ከይተታለለ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ንፋሉልነትን ዘይስሩዕ ኣሰራርሓን ውሱናት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣትሪሩ ክቃወም ንፅውዕ።
ከም ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ድማ ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰላማውን ምኽንያታውን ቃልሲ ከም ነካይድ ብምግላፅ ንህዝቢ ስግኣት ድሕንነት ኣብ ዝፈጥሩ ተርእዮታት ድማ ብትሪ ከም ንቃለስን ምእንተ ውሕስናን ድሕንትን ሓፋሽ እኹል ምድላው ከም ዝገበርና ንሕብር።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ
30 ለካቲት 2017 ዓ/ም
🔴 ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ማንችስተር ዩናይትድን ኣርሰናል ብምኽብባር 1- 1 ዉፂኢት ተዛዚሙ።
ኣብ መበል 244 ግዘ ርኽብ ኽልቲኦም ዓበይቲ ጋንታታት ኢንግሊዝ ኣብ ኦሎትራፎርድ ዝተኻየደ ብማዕረ ውፂኢት 1 ብ 1 መፈፀምትኡ ረኺቡ እዩ።
ኣብዚ ፀወታ ማንችስተር ዩናይትድ ብፖርቹጋላዊ ኮኮብ ቡሩኖ ፈርናንዴዝ ብሉፅ ሽቶ ካብ ቅፅዓት ብምምዝጋብ ንዕረፍቲ 1 ብ 0 መሪሖም ምውፃእ ኪኢሎም እዬም። ድሕሪ መልሲ ዕረፍቲ ኹዕሶ ቁፅፅር ብምርኣይ ዘ ጋነርስ ኣርሰናል ኣብ መበል 74 ደቂቃ ብኽባር ዋጋ ዝውውር ዘፈረምዎ ኢንግሊዛዊ ዲክሌን ራይስ ማዕረ 1 ብ 1 ዝገበረት ሽቶ ኣቁፂሩ ፀወታ ብምኽብባር ኽዛዘም ኣኪኢሉ እዩ።
ክልቲኦም ጋንታታት ነጥቢ ምምቃሎም ሲዒቡ ኣርሰናል ካብ መሪሕ ሊቨርፑል ብ15 ነጥቢ ተፈልዬም ብ55 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ እንትቅመጡ ማንችስተር ዩናይትድ ብ34 ነጥቢ ኣብ መበል 14 ደረጃ ተቐሚጦም ይርኸቡ።
👉 ናይና ስፖርት
ኣብ ትግራይ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን (DDR) ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዳግም ከምዝጅመር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ከምዝሓበሮ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያሽን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ንምክያድ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ዳግም ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ዘሎ ምክትል ኮምሽነር ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ብርጋዴየር ጄነራል ደርቤ መኩሪያው ምስ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ክልትኣዊ ምርድዳእ ከምዝኾነ ዕላዊ ገፅ እቲ ኮምሽን ገሊፁ።
ኣብ ትግራይ መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን ብገለ ቴክኒካዊ ፀገም ተቛሪፁ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን ዳግም ብዝተገበረ ምርድዳእ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልትታት ዳግም ክጅመር'ዩ ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቕፅሉ 4 ኣዋርሕ 67 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት TDF መስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያሽን ከምዝሰላሰል'ውን እቶም ምክትል ኮምሽነር ወሲኾም ገሊፆም።
+2
35 ሚኢታዊ ዝዓቖሩ መናእሰይ በዓል ሰለስቲ እግሪ ተሽከርከርቲ ተረኪቦም።
መቐለ፥ 28 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ከተማ መቐለ 35 ሚኢታዊ ዝዓቖሩ ካብ ስደት ዝተመለሱን ካብ ሰራዊት ዝተሰናበቱን መናእሰይ በዓል ሰለስቲ እግሪ ተሽከርከርቲ ተረኪቦም።
እቲ ርኽክብ ዝተፈፀመ ሓፈሻዊ ወኪል ንግዲ ፒያጆ ባህረ ግደይ ምስ ዕቋርን ልቓሕን ራእይ ብምትሕብባር እዩ።
እቶም መናእሰይ 35 ሚኢታዊ ዝዓቖሩ ኮይኖም 65 ሚኢታዊ ድማ ብዕቛርን ልቓሕን ራእይ ዝተሸፈነ ከምዝኾነ ኣካያዲ ስራሕ እታ ማሕበር ዕቛርን ልቓሕን ኣሸናፊ አረጋዊ ገሊፆም።
በዙይ ካብ ስደትን ካብ ሰራዊትን ዝተመለሱ ትሸዓተ መናእሰይ ተጠቐምቲ ዝኾኑ ኮይኖም፥ እቲ 65 ሚኢታዊ ኣብ ሰለስተ ዓመት ውሽጢ ሰሪሖም ዝምልስዎ እዩ ኢሎም።
ኣካያዲ ስራሕ ጀነራል ትሬዲንግ ባህረ ግደይ ኣይተ ባህረ ግደይ ኣብ ከተማ መቐለ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ገንዘብ እናቖጠቡ ንዝፀንሑ መናእሰይ ካልኦት ትካላት ካብ ዝሸጡዎ ዋጋ ነክዮም በዓል ሰለስቲ እግሪ ተሽከርከርቲ ከምዘቕርቡ ገሊፆም።
መንእሰይ ወልዳይ ሙኡዝ ብዘይ ምንም ኣፍልጦ ዝነበሮ ገንዘብ ንደለልቲ ከፊሉ ንዓመታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሩ ምፅንሑ ገሊፁ።
ድሕሪ መልሲ ስደት ኣብ ዓዱ ብዝተመቻቸወሉ ዕድል ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ብምዕቛር ሰብ ዋና ተሽከርካሪ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ካልኦት መናእሰይ እውን ዘለዎም ገንዘብ ንደለልቲ ካብ ምሃብ ኣብ ትካላት ዕቛርን ልቓሕን ብምዕቓር ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክልወጡ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።
Tigrai Mass Media Agency
+2
"ብሰላማዊ ቃልሲ ለውጢ ምምፃእ ይከኣል እዩ "
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ተወከልቲ መናእሰይ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ "ብሰላማዊ ቃልሲ ለውጢ ምምጻእ ይከኣል እዩ "ብምባል መናእሰይ ተወዲቦም ብሰለማዊ መንገዲ ክቃለሱ ከምዝግባእ ወሲኾም ኣመላኺቶም እዮም ።
ሓድነትና ብኸባቢ ክፈላለ ዝስራሕ ስራሕ ክነፍሽሎ ኣለና ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፣ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ተመዛበልትና ክምለሱ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
እቶም ፕረዚደንት፣ ዓቕሚ ነብሲወከፍ ትግራዋይ ተወዲቡ ናይ ምድርራደር ዓቕምና ክነዐቢ ክንሰርሕ ኢና ብምባል፤ ጉዳይ ህዝባዊ ግልጋሎት ከተማ መቐለ መፍትሒ ከምዝወሃቦን ህዝቢ ግልጋሎት ክረክብ ከምዝስራሕን እውን ኣመላኺቶም።
ሕቶታት ህዝብና ክንምልስ ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ እቲ ዝተጀመረ ለውጢ ናብ ድሕሪት ዝምለሰሉ ኩነታት ከምዘየለ ኣመላኺቶም።
#ድወት
+1
#Insomnia (#ድቃስ_ምስኣን
ድቃስ ምስኣን(Insominia ) ኣብ 3 ይምቀል።
1.ድቃስ ንምድቃስ (ምጅማር) ምፅጋም (initial insomnia )
2.ለይቲ ተበራብርካ ፡መልስካ ንምድቃስ ምፅጋም (middle insomnia )
3.ቅድሚ ሐዚ ትልዓሎ ካብ ዝነበርካ 2 ወይ 3 ስዓት አቅድምካ ምልዓል (terminal insomnia )
✍️መንቀሊት ድቃስ ምስኣን(causes of insomnia)
1.ፀቐጢ ወይ ውጥረት (ስራሕ፣ዝምድና፡ኢኮኖሚ.........)
2.ምውሳድ አልኮል ፣ካፊን(caffeine) ፣ኒኮቲን(nicotine) ዘለዎም ነገራትን ካልኦት መዐወኒ ሓሺሻትን አብ ድሕሪ ስዓት(ቡና፣ኮካ፣ስጋራ፣ጫት፣......)
3.ዝተዛበዐ መደብ(ስዓት ) ድቃስ ምህላው(irregular
sleep schedule )
4.ንውሕ ዝበለ ድቃስ ቀትሪ ብፍላይ ድሕሪ ስዓት(long naps)
5.ምሕላፍ ነዊሕ ግዜ አብ ስክሪን(ሞቫይል፣ኮምፒውተር ፣Tv.......)
6.አካላዊ እንቅስቃሴ ዘይምህላው(Lack of physical activity )
7.ክብድ ዝበለ ምግቢ ኣብ ድራር ምውሳድ
8..ሕማም ስነ ኣእምሮ (depression ,Anxiety,PTSD.)
9.ሓያል ቃንዛ
10.አካላዊ ሕማም (ስርዓተ ምስትንፋስ (አስሚ).....ስኳር፣ፓርክንሰን ፣አልዛይመር ፣ጨጎራ.....
11.ለውጢ ሆርምን (ኮርቲሶል፣ፕሮጀስትሮን፣ኢስትሮጅን፣ሜላቶኒን ፣ታይሮይድ..)
12.መደቀሲኻ ካብ ምድቃስ ወፃኢ ንኻልእ ዕላማ ምጥቃም (ምንባብ፣ፍልሚ ንምርኣይ ካልኦት ንጥፈታትን)
👉 ጥዕና ንኹሉ ኣብ ኩሉ
+1
በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረልባኖስ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ድምቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።
ናይ ክብሪ ዶክተር ዘርኡ ገብረልባኖስ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እትኣትው ብኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ፈተውቶምን ድምቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።
ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብብርኪ ዓለም ካብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሓደ ሚኢቲ ሰባት ሓደ ብምዃን ብካውንስል ልምዓት ዶብ ኣልቦ መራሕቲ ሽልማት ተበርኪትሎም እዩ።
በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብ ቤት ምኽሪ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ተረኺቦም ዝተበርከተሎም ሽልማት ድሕሪ ምቅባሎም ሎሚ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትኣትው ድማ ብኣመራርሓ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሰራሕተኛታት ዘሩኡ ቢዝነስ ጉሩፕን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።
ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅን ፅጉማት ወገናት ብምሕጋዝን ዕዙዝ ኣበርክቶ ይዓሙ ዘለዉ ግዱስ በዓል ሃፍቲ ከምዝኾኑ ድማ ይፍለጥ።
#ብታደለ_ዳኘው
ቴሌቪዥን ትግራይ
ቻይና፡ ኣመሪካ ንእተበግሶ ዝኾነ ኲናት ክትገጥም “ድልውቲ” ምዃና ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊኣ ንዝወሰኖ ንግዳዊ ታሪፍ ዓጸፋ ዝመለሰት በዢን፡ እቲ ዋሽንግተን ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ “ንግዳዊ ኲናት’ዩ” ክትብል ነቒፋ።
https://bbc.com/news/articles/c4gmd3g2nzqo
+2
ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ተረባሕቲ ዝገብር ብልዕ 6 ነጥቢ 8 ሚልዮን ብር ስራሕቲ ምንፃፍ ምሩፅ ሓመድ ይሳለጥ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ፋፂ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ፋፂ ኣይተ ከሰተ ተስፋመስቀል ከም ዝገለፅዎ ኣብታ ከተማ
ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ንምጥንኻር ዓሊሙ ልዕሊ 11 ሚልዮን ብር ካሕሳ መሬት ክሒሶም እቶም ወገናት ኣብ ውዳበ እምንን ሓመድን ተወዲቦም ስራሕ ክጅምሩ ከም ዝተገበረ ኣገንዚቦም ።
ኣብቲ ውዳበ 50 ኣብ መሸጣ ምሩፅ እምንን ሓመድን
21 ድማ ኣብ ምንፃፍ እምንን ሓመድን ተወዲቦም ኣብ ከተማ ፋፂ ልዕሊ 4 ኪሎሜትሮ ምንፃፍ ምሩፅ ሓመድ ይውገን ከም ዘሎ ሓቢሮም።
ብመሰረት መምርሒ ተጠቃምነት ኮምሽን ሃርበኛ ድማ ስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ተረባሕቲ ዝገብር ንመንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት እናተፀንዐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ተጠቀምቲ እዚ ዕድል ስራሕ ዝኾኑ ሃርበኛታት ኣረጋይ ብስራትን ፅጋብ ጠዓመን ከም ዝገለፅዎ ቤት መዘጋጃ ከተማ ፋፂ ንስድራ ስውኣትን ሃርበኛታትን ቀዳምነት ሂቡ ዝውግኖ ዘሎ ብሉፅ ስራሕ ንኢዶም።
ኣብቲ ዓውዲ ብምውዳቦም ቁጠባውን ስነ ልቦናውን ፀገም ከም ዝፈትሐሎም ዝገለፁ እቶም ሃርበኛታት ቀረብ ሕፅረት ነዳዲን መስፋሕፍሒ ፅበት ቦታን ክፍተሐሎም ተላብዮም።
27 ለካቲት 2017 ዓ/ም
ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ
" #ትካላት_ትእምት ናይ ህዝቢ ትግራይ ሃፍቲ'ምበር ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮናን "
(ኣፈ-ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ)
ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ሎሚ 26 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ 2ይ ህፁፅ ጉባኤ ፣ ኣብ መደብን ኣንፈትን ትእምት 2017 ዓ.ም ሰፊሕን ግልፅን ዘተ ኣካይዱ::
ኣብቲ ዘተ ፣ ትካላት ትእምት ኣደዳ ስእነት ስራሕን ስደትን ይኸውን ንዘሎ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ተጠቃምነት ኣብ ምርግጋፅን ትኹረት ክገብራ ከምዘለወን ኣባላት ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ኣገንዚቦም ።
ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም መብርሂ ዝሃቡ ኣካቢ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ኣይተ ቴዎድሮስ ሓጎስ ብግደኦም፣ ትእምት ብቕዓትን ዓቕምን ንዘለዎ መንእሰይ ወለዶ ንምርካብ ብቦርድ ትእምት ስምምዕነትን ድልውነትን'ኳ እንተነበረ በቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ግን ዓንቀፍቀፍ ከምዝገጠሞ ገሊፆም ።
ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትእምት ልዕሊ 120 ቢሊዮን ቅርሺ ዝግመት ዕንወት ንብረት ከምዝበፅሖ ዝሓበሩ ኣይተ ቴድሮስ፣ ነዙይ ንምድሓን ዝግበር ምንቅስቓስ'ውን ብምኽንያት ዉሽጣዉን ደጋዉን ተፃብኦ ከቢድ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣፈ-ጉባኤ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣይተ ሞገስ ታፈረ ብግደኦም ነቲ ዘተ እንተጠቓልሉ ፣ ትካላት ትእምት ናይ ህዝቢ ትግራይ ሃፍቲ'ምበር ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮናን ኢሎም።
ስለዝኾነ በቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ናይ ትእምት ሕገ-ደንቢ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣይተ ሞገስ ግልፂ ገይሮም ።
ኣባላት ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝቐረበ መደብን ኣንፈትን ትእምትን ኣፈ-ጉባኤ ሞገስ ትእምት ኣመልኪቶም ንዝሃብዎ መጠቓለሊ ሓሳብን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፀዲቕዎ።
#ትእምት
