en
Feedback
ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

Open in Telegram

ወደየ ኣብ ክርስትናኻ ክትዓቢ እንተደሊኻ ገዛእ ርእስኻ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍት ኣዛምድ። ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣነ ከም ግብሪ ሓይሉ ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ወንጌል ኮንኩ!! {ኤፌ 3፡7}

Show more
1 242
Subscribers
No data24 hours
-37 days
-430 days
Posts Archive
✝ እዛ ምሸት……… 🌹ጎይታ ስለ ዝተወለደላ ምሸት ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ይብል……… ✝ ‹‹እዛ ምሸት ንጹሕ ዝኾነን ንዓና ንኸንጽሃና ዝመጸ (አምላክ) ዝተገለጸላ ንጽሕቲ ምሸት ኢያ፡፡ ስለዚ ኣእዛና ንጹሕ ይኹን፤ ኣዕይንትና ናብ ንጹሕ ነገር ይመልከቱ፤ ስምዒት ናይ ልብና ቅዱስ ይኹን! ዝርርብና ብኣክብሮ ይምላእ! ✝ እዛ ምሸት ናይ ዕርቂ ምሸት ኢያ፤ ስለዚ ማንም ሰብ ንሓው ተቆጢዑ ከየቀይሞ ይጠንቀቅ! ✝ እዛ ምሸት ንዂሉ ዓለም ሰላም ዝሃበት ምሸት ስለ ዝኾነት ማንም ሰብ ኣይሸበር፡፡ ✝ እዛ ምሸት ናይ ጽቡቅ ተግባር ምሸት ስለዝኾነት ማንም ሰብ ክፉእ አይኹን! ✝ እዛ ምሽት ናይ ትሕትና ምሽት ኢያ እሞ ማንም ሰብ ኣይተዓበየላ! ✝ እዛ ምሸት ዕለተ ደስታና ስለ ዝኾነት ንዝበደሉና ኣይንበቀለላ! ✝ ናይ ጽቡቅ ፍቃድ ዕለት ኢያ,ሞ ናይ ጭካኔ ዕለት ኣይንግበራ! ✝ ናይ ጸጥታ ዕለት ኢያ,ሞ ብቁጥዓ እንነደላ ዕለት ኣይንግበራ! ✝ ሎሚ እግዚአብሔር ናብ ኃጥኣን ዝመጻሉ ዕለት ኢዩ፤ ስለዚ ጻድቅ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኃጥኣን ኣይዂራዕ! ✝ ሎሚ ብጣዕሚ በዓል ጸጋ ሀብታም ዝኾነ አምላክ ስሌና ድኻ ዝኾነሉ ዕለት ኢዩ፤ ስለዚ ሀብታም ሰብ ንድኻታት ናብ መግቢ ይጸውዓዮም፡፡ ✝ ሎሚ ዘይሓተትናዮ ህያብ ዝተቀበልናሉ ዕለት ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣእዳዎም ዘርጊሖም እናኣእወዩ ንዝልምኑና ሰባት ናይ ረዲአት ኣእዳውና ንዘርግሕ! ✝ እዛ ሎሚ ዕለት ንጸሎትና ናይ ሰማያት ማዕጾ ከፊታትልና ኢያ እሞ፤ ንሕና ከኣ ይቅሬታ ንዝሓቱና ሰባት ማዕጾና ንኽፈት! ✝ ሎሚ አምላክ ንናይ ሰውነት ማኅተም ኣብ ገዛእ ርእሱ ሓተመ፤ ሰብ ከኣ ንናይ አምላክነት ማኅተም ተጎናጸፈ! ❤️እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኣቦ ትሕትና ኣምላኽ ሎሚ ውን ኣብ ልቢ ኩላትና ይወለድ!!! ✍ መም መንክር መዓሾ 28/04/2016 ምንጪ- ብሂለ ኣበው ካብ ዝብል መጽሓፍ ቴለግራም ቻነል ቤተ ሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

"እንሆ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብ
"እንሆ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። (ሉቃ 2፡10-12) እቲ ኣብ መብልዒ ማል እተወልደ ጎይታ ሎሚ ኣብ ልቢ ኩላትና ይወለድ! ርሑስ በዓል ይግበረልና!

😭 ኦ ጎይታይ ደቀን መን ክመልሰለን ዩ?😭 ኣይትብከዪ" ኢሉኸ ንብዓታ መን ይሓብሰላ? ኦ ጎይታይ ነታ ናይ ናይን መበለት እቲ ሓደ ወዳ ኣብ ዝሞተሉ ሓዘን ምስ ጸንዓ ንስኻ በጻሕካያ፡ ሓደ ጥራይ ንዝነበረ ወዳ ነቲ ዓራት ሒዝካ ብቃልካ ኣዘዝካላ ካብ ኣፍ ሞት ኣውጺኻ ነቲ መቃብር ዓጺኻ ነዲኡ ወዳ መለስካላ። ኦ ጎይታይ ነዘን ኣዴታት እዚአንከ ንደቀን መን ክመልሰለን ኢዩ? "ኣይትብከዪ" ኢሉኸ ንብዓተን መን ይሓብሰለን? ውላዳ ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ ናብርኡ ከመሓይሽ ትጽበ ዘላ ወላዲት ሞት ዕሸል ወዳ ክትሰምዕ ክንደይ የሕምም? ነቲ ወልደ መበለት እቲ ዝበልዖ ሞት ከይተፍኦ ቀባርያን ነቲ ሓደ ወዳ ክቀብሩ ሒዞሞ ዝጎየዩ ንሳኻ ክሳዕ ትበጽሖም ኢዩ። ብዙኃት ምሳና ሓቢሮምና እኳ እንተነበሩ ንስኻ ድሕሪ ምብጻሕካ ግን እቶም ቀባሮ ከይተረፉ ጥራይ ኢዶም ኢዮም ዝምለሱ። እቲ ዝበልዖ ሞት መሊሱ ንኽተፍኦ ብቃልካ ካብቲ ዝኣረገ ወይኒ ዝሰተዩ ሰባት ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ነቲ ሓዲስ ወይኒ "ቀዲሕኩም ነቲ ኣማሓዳሪ ሃብዎ" ኢልካ ንመላእኽትኻ ኣዝዘልና። እንገብሮ ስለ ዘይንፈልጥ ኢና እኮ እዚ ኲሉ መከራ ዝበጽሓና ዘሎ፡ ዝኣረገ ናይ ወይኒ መስተ ከምዚ ኢዩ፡ ንስኻ እቲ ሰናይ ዝኾነ መስተ ወይኒ ክሳዕ ተስትየና ናብ ነፍስና ምምላስ ሰኣና። ወይኒ ከም ዝተወድኣና ዘይፈልጡ ኣማሓደርቲ እቲ ቤት ስለ ዘለውና እምበር እኮ እቲ ወይኒ ካብ ዝውድኣና ደኣ እኮ ነዊሕ ጌርና ኢና። ኦ እመቤትና እመብርሃን! ንሕና ውን እኮ ጸዊዕናኪ ኢና ንወድኺ ንገርዮ "ወይኒ እኮ የብሎምን" በልዮ ብዘይናትኪ ኣማላድነት ነቲ ሰናይ ዝኾነ ወይኒ መን ከውህበና ይኽእል? ናይ ሕይወትና ጉድለት ብዘይናትኪ ተሳትፎ ከምዘይመልእ ንፈልጥ ኢና። ንስኺ "ይኩነኒ" ኢልኪ ከይፈቀድኪ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ የለን፡ ዓለም ንኽድሕን ፍቃድ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ናትኪ ፍቃድ ናይ ግድን የድልየና ኢዩ። ኦ ኣዴና ምረት ሓዘን ትፈልጢ ኢኺ'ሞ ለምንልና። 😭😭😭😭😭😭😭😭😭 ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ አኃዊነ! ኦ ጎይታ ነፍሲ ኣሕዋትና ኣዕርፍ! 😭😭😭😭😭😭😭😭😭 ወለዲ ፡ ቤተ ሰብ ፡ መቅርብ ፈተውቲ እግዚኣብሔር ፍጹም ምጽንናዕ ይሃብኩም 👉ልብናን ኣእዳውናን ናብ እግዚኣብሔር ናብ ሰማይ ነልዕል እሞ… ንጸሊ! (ሰቆ ኤር 3፡41)🤲🤲🤲

እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ይቀበልኩም!🙏 😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭 ልብናን ኣእዳውናን ናብ እግዚኣብሔር ናብ ሰማያት ነልዕል እሞ… ንጸሊ! (ሰቆ ኤር 3፡41)🤲🤲🤲
+1
እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ይቀበልኩም!🙏 😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭 ልብናን ኣእዳውናን ናብ እግዚኣብሔር ናብ ሰማያት ነልዕል እሞ… ንጸሊ! (ሰቆ ኤር 3፡41)🤲🤲🤲

✝ ዓመትስ ተቀይሩ! ንሕናኸ??? ✝ ንሕና ብእሩግና ሓዲስ ዓመት መጽዩ እናበልና ነቲ ዝነበረና ኣረጊት ሰውነት ኃጢኣት ኣርሒቅና ምስ ሓዲስ ዓመት ሓደስቲ ሰባት፡ ኣመስገንትን ቅዱሳንን ክንከውን፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ከኣ ለውጢ ከነርእን እንተዘይክኢልና፡ ሓዲስ ልብሲ ለቢስና ብርእሲኡ ግና ብዝነበረ ኣረጊት ክዳና እንተሸፈናዮ እንታይ ኢዩ ጥቅሙ? ዓመት ተቀይሩ ንሕናኸ? መኣስ ኢና ክንቅየር ? ሓዲስ ዓመት ምምጽኡ ጥራይ እንታይ ኢዩ ረብሓና? "ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ'ውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒ ውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። ከምዝበለ (ማቴ 9፥16-17) ነቲ ብኃጢኣት ዝኣረገን ዝጸልመተን ናብራና፡ ሕይወትና፡ ብሓድሽ ልብሰ ብርሃን፡ ብግብረ ጽድቂ ከነብርሆ ኢዩ ዝግብኣና። እንተዘይኮነ ግና ምውዳቅና ካብቲ ዝነበረ ዝገደደ ይኸውን፡፡ ንሕና ድማ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ "እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ" (ሮሜ 12፥2) ኢሉ ከም ዝመዓደና ውሽጥና ኣሐዲስና፡ ካብ ሓሳብን ትምኒትን እዛ ዓለም እዚኣ ርሒቅና ክንነብር ይግብኣና። 🌹ኣብ ሓዲስ ዓመት እንታይ ንግበር? ✅ ብፍቃድ ሥጋና ዝተመላለስናዮ ዘመን ይኣክል! ሮሜ 13፥11 ✅ ንእግዚኣብሔር ብዘይምፍራሕ ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል፡፡ 1ጴጥ 4፥3 ገላ 5፥16 ✅ ብጓይላ ብስኽራን ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል፡፡ 1ተሰ 5፥7 ✅ ብዝሙት ዕንደራ ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል። ሮሜ 13፥12 ✅ ብክርክር ፡ ብቅንኣት ዝተመላለስናዮ ዘመን ይኣክል! ሮሜ 13፥14 ✅ ሓጢኣትና ዝድምሰሰሉ ናይ ንስሓ ዘመን ምእዋጅ! ግ,ሓዋ 3:20 ኢዩ 2:12-13 ✅ ኲሉ ሰብ ብፍቅርን ሰላምን ንኽነብር ዘመን ምእዋጅ! ሮሜ 12:18 1ቆረ 13፥1-13 መም.መንክር መዓሾ 01/01/2024 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

ምዕዶ ካብ ጥበበኛ ሲራክ 🎚 ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምእማን ንዝተዋህበካ ጊዜ ኣብ ቁም ነገር ኣውዕሎ፡ ክፉእ ከይትገብር ገዛእ ርእስኻ ሓሉ፡ ናብ ገዛእ ርእስኻ ድማ ውርደት ኣይተምጽእ። ከመይ ናብ ኃጢኣ
ምዕዶ ካብ ጥበበኛ ሲራክ 🎚 ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምእማን ንዝተዋህበካ ጊዜ ኣብ ቁም ነገር ኣውዕሎ፡ ክፉእ ከይትገብር ገዛእ ርእስኻ ሓሉ፡ ናብ ገዛእ ርእስኻ ድማ ውርደት ኣይተምጽእ። ከመይ ናብ ኃጢኣት ዜምርሕ ኅፍረት ኣሎ፡ ክብርን ሞገስን ዜምጽእ ኅፍረት ድማ ኣሎ፡ ገዛእ ርእስኻ ከይትጎድእ ኣፈላላይ ኣይትግበር፡ ውድቀት ከይስዕበካ ኸኣ ኣድልዎ ኣይትግበር። ጥበብካ ኣይትኅባእ፡ ኣብቲ ምቹእ ጊዜ ድማ ካብ ምዝራብ ስግጥ ኣይትበል። ከመይ ጥበብ ብዘረባ፡ ትምህርቲ ከኣ ካብ ኣፍ ብዚወፅእ ቃላት እዩ ዚግለጽ። ኣንጻር ሓቂ ኣይትዛረብ፡ ዂሉ ነገር ከም ዘይትፈልጥ ከኣ ዘክር። ከይኃፈርካ ኃጢኣትካ ተናዘዝ፡ ንወሓዚ ማይ ክትዓግቶ ኣይትፈትን። ገዛእ ርእስኻ ንዓሻ ሰብ ኣይተግዝእ፡ ጽልዋ ሕዝቢ ርኢኻ ድማ ኣይተሻሩ። ምእንቲ ሓቂ ክሳዕ ሞት እውን እንተኾነ ተጋደል፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ባዕሉ፡ ኪዋግኣልካ እዩ። ኣብ ምዝራብ ህዉኽ፡ ኣብ ዕዮ ሕማቕን ሸለል በሃልን ኣይትኹን። ኣብ ገዛ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኣይትኹን፡ ንኣገልገልትኻ ኸኣ ኣይትጠርጥሮም። ዕዳኻ ኣብ ምክፋል ደንጓዪ እንተ ደኣ ኬንካ፡ ንኽትቅበል ኢድካ ኣይትዘርግሕ። (መጽሓፍ ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ 4፡20-31) መም. መንክር መዓሾ 25/12/2023 ኣብዚ ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇 👇👇 👇👇 👇👇 https://t.me/Dmenkr

ሓዳስ መጽሓፍ "ኣቦታትካ ፍለጥ" ቁጽሪ 1 (ነገረ አበው ፩) ተሓቲማ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ፡ ገዚእኩም ክጥቀሙላ ሓደራ እብል! ነዛ መጽሓፍ ብንጽል ኮነ ብብዝሒ እትደልዩ በዚ ብመሰንጀር ወይ'ውን በዚ
+2
ሓዳስ መጽሓፍ "ኣቦታትካ ፍለጥ" ቁጽሪ 1 (ነገረ አበው ፩) ተሓቲማ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ፡ ገዚእኩም ክጥቀሙላ ሓደራ እብል! ነዛ መጽሓፍ ብንጽል ኮነ ብብዝሒ እትደልዩ በዚ ብመሰንጀር ወይ'ውን በዚ ቁጽሪ ብዋትስኣብ +256753051655 ብቴለግራም +251991145282 ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም!

🔷 ምኽሪ ካብ ኣቦ 🔶 ብቀዳምነት ምስ ገዛእ ርእስኻ ብነኣሽቱ ነገራት ኲሉ ግዜ እሙን ዂን። 🔶 ኲሉ ግዜ ምስ ክርስቶስ ኲን። 🔶 ክትደሊ ከለኻ ዘይዀነስ ከም ዓቕምካ ጸልይ። 🔶 ብዘይ ምቁራጽ
🔷 ምኽሪ ካብ ኣቦ 🔶 ብቀዳምነት ምስ ገዛእ ርእስኻ ብነኣሽቱ ነገራት ኲሉ ግዜ እሙን ዂን። 🔶 ኲሉ ግዜ ምስ ክርስቶስ ኲን። 🔶 ክትደሊ ከለኻ ዘይዀነስ ከም ዓቕምካ ጸልይ። 🔶 ብዘይ ምቁራጽ ብሥርዓት እትፍጽሞ ሥርዓተ ጸሎት ይሃልወካ። 🔶 “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ” ትብል ጸሎት መዓልታዊ ደጋግማ። 🔶 ኣእምሮኻ ናጻ ክኸዉን እንከሎ ምእንቲ ክትጽልይ፣ ብቃልካ ዘጽናዕካዮ ሓጺር ጸሎት ይሃልወካ። 🔶 ክትጽሊ ከለኻ ስገድ። 🔶 ቀጻሊ ብስሩዕ ኣብ ቅዳሴ ተሳተፍ። 🔶 መጽሓፍ ቅዱስ ብቀጻሊ ኣንብብ። 🔶 ሕግታት ኣጽዋማተ ቤተ ክርስቲያን ሓሉ። 🔶 መዓልታዊ ብስቕታ ተሕልፈሉ ግዜ ይሃልወካ። Fr. Thomas  Hopko   55 MAXIMS OF CHRISTIAN LIVING መምህር መንክር መዓሾ 20/12/2023 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

ኣነ ደኣ እሞ………… ምልክት ተስፋ ምቑራጽ ሓንሳእ ሓንሳእ ብተደጋጋሚ ኣብ ኃጢኣት ኣብ ንወድቀሉ ጊዜ፡ ኣብ ክንዲ ንምሕረት ኣምላኽ ምጥማትን፡ ካብዚ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ምቁር መርዚ ዝኾነ ግብሪ ኃጢኣት
ኣነ ደኣ እሞ………… ምልክት ተስፋ ምቑራጽ ሓንሳእ ሓንሳእ ብተደጋጋሚ ኣብ ኃጢኣት ኣብ ንወድቀሉ ጊዜ፡ ኣብ ክንዲ ንምሕረት ኣምላኽ ምጥማትን፡ ካብዚ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ምቁር መርዚ ዝኾነ ግብሪ ኃጢኣት ንኽንወጽእ፡ "ኣምላኸይ ምለሰኒ እሞ ክምለስ ከኣ እየ" (ኤር 31፡18) እናበልና ብጸሎት ምትጋህን፡ ኣነ ሰነፍ እየ፡ ኣነ ለይትን ቀትርን ኣብ ኃጢኣት እየ ዘለኹ፡……እናበልና ተስፋ ብምቑራጽ ካብ ጸሎት ንእንርሕቕ ዘሎና፡ እስኪ ንምኽሪ ቅዱስ ቄርሎስ ነስተማቕራ👇👇 " ኣብ ኃጢኣት ኣብ ዝወደቅካሉ ግዜ ተስፋ ቆሪጽካ ንጸሎትካ ኣይተቋርጽ ፥ ንስሓ ክሳብ ዝኣቱ ኢልካ ከኣ ጸሎትካ ኣይተቋርጽ ንስሓ ክሳብ ዝኣቱ ኢልካ እንተ ኣቋሪጽካ ግና፡ መቸም በፍጹም ንስሓ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ ከመይሲ ጸሎት ንባዕሉ ናይ ሓቀኛ ንስሓ መእተዊ ኣፍ ደገ ስለ ዝኾነ።" ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ሃየ በሉ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ነቲ ናብ ጸሎት ከይንተግህ፡ ብዝተፈላለየ መመኽኔታን ምስምሳትን ገይሩ ንዘርሕቐና ዘሎ ጸላኢ መታን ክንስዕር "ምለሰኒ" እናበልና ንጸሎት ንትጋህ! መም.መንክር መዓሾ 21/12/2023 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

🔶 ምኽሪ ኣቦ 🔷 ኣብ እግዚአብሔርን ብርሃንን እምበር፣ ኣብ ኃጢኣትን ጸልማትን ኣይተቶክር። 🔷 ሥጋዊን ዝሙታዊን ነገራት ገና ካብ መጀመርትኦም ህደመሎም። 🔷 ዝርብሸካ ሓሳብን ስምዒትን ኣይትቐበ
🔶 ምኽሪ ኣቦ 🔷 ኣብ እግዚአብሔርን ብርሃንን እምበር፣ ኣብ       ኃጢኣትን ጸልማትን ኣይተቶክር። 🔷 ሥጋዊን ዝሙታዊን ነገራት ገና ካብ      መጀመርትኦም ህደመሎም። 🔷 ዝርብሸካ ሓሳብን ስምዒትን ኣይትቐበል፣      ገና ካብ መጀምርትኡ ኣወግዶም። 🔷 ካብቲ ናትካ ድኽመት ንላዕሊ፣ ምሕረት      ኣምላኽ ዓቢ እዩ እሞ፤ ኲሉ ግዜ      ንዘጋጥመካ ፈተና ዉድቀትን ኃጢኣትን      ብሰላም ተጻወሮ። 🔷 እንድሕር ወዲቕካ ቅልጥፍ ኢልካ ተንሥእ      እሞ፣ ከም እንደገና ጀምር። 🔷 ብስሩዕ ኃጢኣትካ ተናዘዝን፡ ቅዱስ ቁርባን      ተቐበልን።                             Fr. Thomas  Hopko   55 MAXIMS OF CHRISTIAN LIVING መምህር መንክር መዓሾ 20/12/2023 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

ምኽሪ ካብ ኣቦ! 🔶 ንሓደ ነገር ኢልካ ሰባት ክተእምን ኣይትጽዓር። 🔶 ንገዛእ ርእስኻ ኣይትከላኸል፣ ቅኑዕ ምዃንካ ከተረጋግጽ ኣይትፈትን፣ ብኣምላኽ ጥራይ ዝተመስከረልካን ዝተወሰንካን ኲን። 🔶
ምኽሪ ካብ ኣቦ! 🔶 ንሓደ ነገር ኢልካ ሰባት ክተእምን ኣይትጽዓር። 🔶 ንገዛእ ርእስኻ ኣይትከላኸል፣ ቅኑዕ ምዃንካ ከተረጋግጽ ኣይትፈትን፣ ብኣምላኽ ጥራይ ዝተመስከረልካን ዝተወሰንካን ኲን። 🔶 ብዛዕባ ነገራት ካብቲ ዝግብኦም ንላዕሊ፣ ኣይትዛረብን ኣይትሕሰብን። ✍ FR. Thomas Hopko መምህር መንክር መዓሾ 17/12/2023 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

3 ሕቶ ኣሎኒ 🔸 መንእሰይ ፦ ኣቦና "ሕይወት" ማለት እንታይ ማለት እዩ? 🔸ኣቦና ፦ ሕይወት ማለት ፍቕሪ ጐይታ እንዳ ኣስተማቐርካ ምንባርን፡ ከምኡ'ውን ዝቐመስካዮ ፍቕሪ ጎይታ፡ ንኻልኦት ምልጋስ
3 ሕቶ ኣሎኒ 🔸 መንእሰይ ፦ ኣቦና "ሕይወት" ማለት እንታይ ማለት እዩ? 🔸ኣቦና ፦ ሕይወት ማለት ፍቕሪ ጐይታ እንዳ ኣስተማቐርካ ምንባርን፡ ከምኡ'ውን ዝቐመስካዮ ፍቕሪ ጎይታ፡ ንኻልኦት ምልጋስን ንዘልዓለም ምስ ጎይታ ምእንቲ ክትነብር ገዛእ ርእስኻ ምድላው ማለት እዩ። ትርጉም ሕይወት ሕልኽላኽ ኣይኮነን [ emphasis added ] ብጹእ ኣቡነ ሙሳ [ H.G Bishope Moussa , Bishop Of Youth ] ቴለግራም ቻነል ቤተ ሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

👆ጥቕሲ ሎሚ 👆 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr
👆ጥቕሲ ሎሚ 👆 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

👆 ሕቶ ኣሎኒ ▶️ እታ ሓፍቲ ፦ ኣቦና ካብ ዝምርዖ ነዊሕ ዓመት ገይረ ግን ክሳብ ሕጂ ውላድ ኣይወለድኩን፣ እግዚኣብሔር ሓዳረይ ስለ ዘይባረኾ ስለ ዘይተቐበሎ'ዶ ይኸውን? ▶️ ኣቦና፦ እዋይ ጓለይ
👆 ሕቶ ኣሎኒ ▶️  እታ ሓፍቲ ፦ ኣቦና ካብ ዝምርዖ ነዊሕ ዓመት ገይረ ግን ክሳብ ሕጂ ውላድ ኣይወለድኩን፣ እግዚኣብሔር ሓዳረይ ስለ ዘይባረኾ ስለ ዘይተቐበሎ'ዶ ይኸውን? ▶️ ኣቦና፦ እዋይ ጓለይ ከምኡ ኣይኮነን፣ ፈጣሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣሰራርሓ እዩ ዘለዎ፣ ካብ ማህጸንክን ካብ ኣብራኽ በዓል ቤትካን  ዝውለድ ህጻን እንተ ዘይሂቡኩም፣ ኣቦ ብዙኃትን ኣደ ብዙኃትን ንኽትኮኑ ተዳለው እዩ ዝብለኩም ዘሎ። ምኽንያቱ ብዙኃት ወለዶም ዝራሕረሕዎም ህጻናት ወለዲ ኣልባ ኮይኖም ስለ ዘለው ናይ መንፈስ ደቅኹም ብመንፈስ ክትወልድዎም ስለ ዝመደበ እዩ።                       ብጹእ ኣቡነ ሙሳ [ H.G Bishope Moussa , Bishop Of Youth ] ቴለግራም ቻነል ቤተ ሰብ ይኹኑ 👇👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

🎚ቂምታ ማለት ንስኻ ስሚ ሰቲኻ ካልእ ሰብ ክሞተልካ ምጽባይ እዩ! ✝ ሊቁ ኣውግስጢኖስ
🎚ቂምታ ማለት ንስኻ ስሚ ሰቲኻ ካልእ ሰብ ክሞተልካ ምጽባይ እዩ! ✝ ሊቁ ኣውግስጢኖስ

🎚ቂምታ ማለት ንስኻ ስሚ ሰቲኻ ካልእ ሰብ ክሞተልካ ምጽባይ እዩ! ✝ ሊቁ ኣውግስጢኖስ ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr
🎚ቂምታ ማለት ንስኻ ስሚ ሰቲኻ ካልእ ሰብ ክሞተልካ ምጽባይ እዩ! ✝ ሊቁ ኣውግስጢኖስ ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

+++ ‹‹ወንጌል እንዶ ግደፎ!›› +++   ስለ ትሕርምታዊ ሕይወት ብዝጸሓፎም ሓያሎት ድርሰታቱ እንፈልጦ ሶርያዊ ኣቦ ማር ይሥሓቅ ነነዌ ኣብ ዝተባህለት ሃገር ሊቀ ጳጳስ ኮይኑ ተሸይሙ ነበረ። ይኹን እምበር ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ዝጸንሖ ግና ንኃሙሽተ ወርሒ ዝኣክል ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣብ ዞርያ ሕይወት እዚ ቅዱስ ኣቦ መጽናዕቲ ዝገበሩ ውሑዳት ዘይበሃሉ ሊቃውንቲ ነገረ አበው ‹ንምንታይ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ መንበረ ጵጵስናኡ ሓዲጉ ከይዱ?› ንዝብል ሕቶ መልሲ ከም ዘይረኸቡ ይገልጹ፡፡ ነገር ግና ካብ ሶርያ ዝንገር ሓደ ታሪኽ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ ወቕቲ ብምኽንያት ልቓሕ ክሰማምዑ ዘይከኣሉ ክልተ ክርስቲያን ንኽዳንዮም ናብ ማር ይስሓቕ ይመጹ፡፡ እቲ ኣለቃሒ ገንዘብ ሰብኣይ እናተበሳጨወ፡ እቲ ተለቃሒ ካብቲ ክኸፍሎ ዘለዎ ጊዜ ኣሕሊፉስ ተወሳኺ ጊዜ ክህቦ ይሓቶ ከም ዘሎ፡ ሕጂ ዘይከፍሎ እንተኾይኑ ግና ጉዳዩ ናብ መጋባእያ ከም ዝወስዶ ንቅዱስ ማር ይሥሓቅ ተዛረቦ። ማር ይሥሓቅ ከኣ፡ ካብ ወንጌል ብምጥቃስ ንሓዉ ክሓዝነሉን ተወሳኺ ጊዜ ሂቡ ክዕገሶን ተማህጸኖ፡፡ እቲ ኣለቃሒ ግና ብዘረባ ማር ይሥሓቅ እናተቖጥዐ፡ ‹ሕጂ ወንጌል እሞ ካብዚ ኣውጽኣዮ!› ክብል መለሰ፡፡ እቲ ሊቀ ጳጳስ ናይ ነነዌ ማር ይሥሐቅ ከኣ ብመልሲ እዚ ሰብ ብጣዕሚ እናሓዘነ ‹‹ኣብ ወንጌል ንዝተነገረ ትዕዛዝ ጐይታ ነጊረካ ሰሚዕካ ካብ ዘይተቐበልካ፣ ኣነ ኣብዚ ምህላወይ ደኣ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?!›› በሎ፡፡ ካብዛ ጊዜ እዚኣ ንደኃር ከኣ ሕይወት ውልቃውነትን ጽሙናን ደልዩ መንበረ ጵጵስናኡ ሓዲጉ ናብ በረኻ ኣስቄጥስ ኣተወ፡፡ ምስ ሓሳብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምስ ሓሳብና ዘይሰማማዕ ትምህርቲ ወንጌል ውን ሰሚዕና ንምቕባል ድልዋት ዝኾና ክንደይ ኢና? ልክዕ ከምዚ ኣለቃሒ ኣእዛና ንወንጌል ክፉት ዘይኮንሉ ጊዜያት የለውን ዲዮም? ‹ኣብዚ ንወንጌል ግደፎ!›፣ ‹ኣብዚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃስ እንታይ ኣምጺእዎ!›፣ እናበልና ተቖጢዕናን ዝተዛረብናሎም ኩነታት'ዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም? ምስ ጠባይን ኣነባብራን ገዛእ ርእስና ጥራይ ዝሰማማዕ ክፍሊ ካብ ወንጌል መሪጽና እናተቐበልና፡ እቲ ካልእ ግና ኣይትጥቀሱለይ እንብል እንተኬንና፣ ከመይ ኢልና ‹ብቃል ቅዱስ ወንጌልካ እኣምን ኣለኹ› ኢልና ክንዛረብ ንኽእል?! ጎይታ ናብ ሃገር ገርጌሴኖን መጽዩ ኣብ ስፍራ መቓብር ዝነብሩ ዝነበሩ ክልተ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ፈዊሱ ነይሩ ኢዩ። ካብዞም ሰባት ዝወጹ ኣጋንንቲ ናብተን ሓሰማ ስለ ዝኣተዉ ካብቲ መጓሰ ተበቲኖም ናብ ማይ ኣትዮም ከምዝሞቱ ገበርዎም። እምበኣር እቶም ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ሰባት እዚ ናይ ክርስቶስ ሥራሕ ኣብ ዝሰምዕሉ ጊዜ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዘለዎ መጽዮም ‹ካብ ሃገሮም ንኽኸደሎም ለመንዎ›፡፡ ብጣዕሚ ኢዩ ዝገርም፤ ኣብ ውሽጢ ዓለም ተነጻጻሪ ዘይርከባ ዝኸበረት ነፍሲ ካብ ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ምልቓቑ እኳ እንተኣደነቆም፣ ምጥፋእ እቲ መጓሰ ሓሰማ ግና ብዝበለጸ ስለ ዝተሰምዖም ንክኸደሎም ለመንዎ። (ማቴ 8፡34) ፈውሱ ንገንዘቦም ካብ ዝትንክይዎም ንላዕሊ ነቲ ናይ ድኅነቶም ኣምላኽ ኣባሪሮም እሱራት ኮይኖም ክነብሩ ምርጭኦም ኮነ። ንዓና ናይ ወንጌል ሰናይነት ወይ ጽቡቕን ነቶም ናትና ዝኾኑ ንገንዘብና፡ ክብርናን፡ ልዕልናናን ክሳዕ ዘይተንከፈልና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ/ወንጌሉ ንዓና ከም ዝምችእ እምበር፣ ናትና ሕይወት ነቲ ወንጌል ምቹእ ክኸውን ኣይንደልን። እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ከም ናይ ጌርጌሴኖን ሰባት ካብ ቅድመና ክኣልዩልና ‹ሕጂ ወንጌል ግደፍዎ!› እናበልና ብቑጥዓ ይኹን ብልመና ምዝራብና ዘይተርፍ ኢዩ። ጸሓፊ=ዲያቆን አቤል ካሳሁን ትርጉም= መም.መንክር መዓሾ ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

✝ ንስኻ ናተይ ኢኻ! ✝ ፍቁራተይ! ናይ መን ኢኹም ዝብል ሕቶ እንተ ዝቐርበልና፡ ናይ መን ምኾነ መልስና? ናይ ገዛእ ርእስና ወይ ናይ ወለድና…መቸም ገለ ምበልና ኔርና ኢና፡፡ መጽሓፍ ግና ከምዚ ይ
✝ ንስኻ ናተይ ኢኻ! ✝ ፍቁራተይ! ናይ መን ኢኹም ዝብል ሕቶ እንተ ዝቐርበልና፡ ናይ መን ምኾነ መልስና? ናይ ገዛእ ርእስና ወይ ናይ ወለድና…መቸም ገለ ምበልና ኔርና ኢና፡፡ መጽሓፍ ግና ከምዚ ይብል፡ "ንስኻ ናተይ ኢኻ" እንታይ ማለት እዩ? ንኣብነት:- ሓደ ጓሳ ኣባጊዕ እተን ኣባጊዕ ዋንነቱ ከም ዝኾና ስለ ዝፈልጥ፡ ብጸላኢ ክውሰዳን፡ ንሳተን'ውን ብዝኾነ ነገር ክሰናበዳን ሱቕ ኢሉ ኣይዕዘብን እዩ፡፡ ስለዚ'ዩ ኸኣ ንሱ ድቃስ ስኢኑ፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ኮለል እናበለ፡ ንሳተን ግና ቀሲነን ክበልዓ ዝገብር። ልክዕ ድማ ከምኡ ንሕና ቀሲንና ክንነብርን፡ ኃይሊ ጸላኢ ከየሰንፈናን፡ ክብሪ ይኹኖ! ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ "ንስኻትኩም ናተይ ኢኹም" ብምባል፡ ገዛእ ርእሱ በጃ ገይሩ ትብዓት ሃበና። "ተበጅየኩም ኢየ እሞ ኣይትፍርሑ፡ ንስኻትኩም ናተይ ኢኹም" ድማ በለና። (ኢሳ 43፡1) ኣስተውዒልኩም'ዶ? ፍቁራተይ! ንሕና ናይ ዓለም ኣይኮናን፡ ንሕና ናይ ሰይጣን ኣይኮናን፡ ንሕና ናይ ኃጢኣት'ውን ኣይኮናን፡፡ ንሕና ናይቲ ብደሙ ዝዓደገና ፈቃር ኣቦ ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡፡ ሎሚ'ውን እንተኾነ ዋላ'ኳ ነፍስና ብዓለምን ፍትወታን ተማሪኻ፡ ኣሰር ዴማስ ትስዕብ እንተሃለወት፡ ኣምላኽ ግና ደቀይ እናበለ ኩሉ ጊዜ ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ዘርጊሑ እዩ ዝጽበየና ዘሎሞ፡ ወገናተይ! ናይ መን ምዃና ኣስተውዒልና፡ ኣቦና ብምባል ናብ ዋናና ንመለስ፡ እንተዘይኮነ ግና ከምቲ ዋና ዝሰኣነ ኣድጊ ዝረኸቦ ንመጽዓኛ ዝጥቀመሉ፡ ንዓና'ውን ሰይጣን መሳርሒ ተንኮሉን ክፍኣቱን ብምግባር ኣብ ግብሪ ኃጢኣት ኣጥሒሉና ክነብር እዩ፡ ስለዚ ከምቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ዋናና ናብ ቤት ኣቦና ንመለስ! (ሉቃ 15፡17) ✍ መም. መንክር መዓሾ 10/11/2023 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

✝ ወደየ! ኃጢአት ዶ ሠሪሕካ ኢኻ ? ኃጢአት ዶ ሰሪሕካ ኢኻ ? ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪድ ንኃጢአትካ ኣርሕቆ፡፡ ኣብ ኣደባባይ ብዝወደቅካዮ መጠን ምስ እትትስኦ ማዕረ ኢዩ፡፡ ልክዕ ከምኡ ብእትሰርሖ
✝ ወደየ! ኃጢአት ዶ ሠሪሕካ ኢኻ ? ኃጢአት ዶ ሰሪሕካ ኢኻ ? ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪድ ንኃጢአትካ ኣርሕቆ፡፡ ኣብ ኣደባባይ ብዝወደቅካዮ መጠን ምስ እትትስኦ ማዕረ ኢዩ፡፡ ልክዕ ከምኡ ብእትሰርሖ ዘበለ በደል ፡ ኃጢአት ክንዲ ዝኾነ ይኹን ፍጹም ተስፋ ከይቈረጽካ ንስሓ እቶ፡፡ ካልኣይ ግዜ እንተበደልካ እኳ ንስሓ እቶ፡፡ ብስንፍና ተታሒዝካ ብፍጹም ምግባር ትሩፋት ክሰርሕ ኣይከኣለንን ኢዩ ኣይትበል፡፡ ኣብ ዘመን እርጋንካ እንተኾነ እንተበደልካ እኳ ናብ ቤተ ክርስቲያን መጺኻ ንስሓ እቶ፡፡ ከመይሲ ቤተ ክርስቲያን ሆስፒታል ደኣ እምበር ቤት ፍርዲ ኣይኮነትን፡፡ ናብዚ ክትመጽእ ከለኻ ካህናት [“እግዚአብሔር ይፍታሕ” ኢሎም] ካብ ማእሰርቲ ኃጢአት ፈቲሖም ይቅሬታ ይህቡኻ ደኣ እምበር “ንምንታይ በዲልካ?” ኢሎም ስለ ዘይፈርዱኻ! ስለዚ፡ “ንዓኻ ጥራይ በደልኩ ፤ ኣብ ቅድሜኻ ውን እከይ ገበርኩ” ኢልካ ንእግዚአብሔር ንገሮ፤ ንሱ ከኣ ኃጢኣትካ ካባኻ ክርሕቅን ይቅሬታ ክግበረልካን ኢዩ (መዝ.51፡4)፡፡            ❣ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ❣ ✍መም መንክር መዓሾ 01/09/2021 📖ብሂለ ኣበው ካብ ዝብል መጽሓፍ ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr

👆ጥቕሲ ሎሚ👆 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr
👆ጥቕሲ ሎሚ👆 ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ! 👇👇👇👇👇👇👇👇 https://t.me/Dmenkr