uk
Feedback
Holistic change - ኩለንታዊ ለውጢ 🔱

Holistic change - ኩለንታዊ ለውጢ 🔱

Закритий канал

ኩለንታዊ ለውጢ : ንኩለንታው ዕብየት This Channel Opend by Psychologist Awet Haile to support our society in The Vital Aspect of life, typically in Psychological & Mental Issue. Youtube https://youtu.be/uQhkiFR4YE4?si=5gj8wgWQUCLUB3SA Facebook https://www.faceb

Показати більше
1 672
Підписники
Немає даних24 години
-87 днів
-4130 день
Архів дописів
Truama ከምቲ Motivational ተዛረብቲ ዝብሉና ኣይኮነን ። ብእንጀረኦም ደኣ ንመጾም ከይንህሉ እምበር !
Truama ከምቲ Motivational ተዛረብቲ ዝብሉና ኣይኮነን ። ብእንጀረኦም ደኣ ንመጾም ከይንህሉ እምበር !

ምዃን ወይ ዘይምዃን ሎሚ ሎምስ እዚ ውነይ እንድዕሉ ፣ ዝያዳ ኣብ ቅርዓት ህልውናዊ ስነ ልቦና( Existential Psychology ) ክጋልብ እዩ ዝህቅን ዘሎ ። ምናልባት እቲ Reductionist
ምዃን ወይ ዘይምዃን ሎሚ ሎምስ እዚ ውነይ እንድዕሉ ፣ ዝያዳ ኣብ ቅርዓት ህልውናዊ ስነ ልቦና( Existential Psychology ) ክጋልብ እዩ ዝህቅን ዘሎ ። ምናልባት እቲ Reductionistic ዝኾነ Materialistic ርእዮት ናይ Euro-American Darwinian Scientism'ዶ ኣሰልችይዎ ይኸውን ? ይኸውን ወላ ። ብዝኾነ Rollo May ሓደ ካብቶም ናይ ህልውናዊ ስነ ልቦና ልሂቃን ኮይኑ መጽሓፍታቱ ክወሓጡለይ ርእይኹም ኣይትፈልጡን! ብፍላይ እታ The Discovery of Being ትብል መጽሓፉ መስተፋቅር ግዲ ገይሩለይ ዛንዛን እያ ተብለኒ ። To be and Not Be ህይወት ብዙሕ መምርሒታትን ሕግታትን እትጠልብ ኣይኮነትን ። ንውሽጥኻ ኣዳሚጽካ ኩነታዊ ባዕላዊ መንነትካ ዝነግረካ ኣኽቢርካ ተቐቢልካ ብትብዓት ብሓላፍነት ወይ ምዃን እዩ ወይ ከኣ ውሽጥኻ ንዒቕካ፣ ነፍስኻ ረሲዕካ ፣ ናይ ካልኦት ስብከታት ጥራሕ ብምስማዕ ውሽጥኻ ቀቲልካ ዘይምዃን እዩ ። ወይ ምዃን'ዩ እንተዘይኮይኑ ዘይምዃን እዩ ። መንዩ ውሽጡ ዝነግሮ ዘሎ ብትብዓትን ብሓላፍነትን ካብ ካልኦት ተቐባልነት ክረክብ ከይደለየ ናብ ምዃን ናብ ምትግባር ዝነቅል መን እዩ ? መን እያ ? . . .

ኣጋንንት እዮም ኣይትበሉ "ቃላትን ሓሳባት ሰባት" እዩ ጋኔን ባዕሉ ። ትማሊ መርዛማት ቃላቶምን ብዱዕ ናይ ይምስለ ሃይማኖታዊ ውግዘታቶም ዝዘርኡ ሰባት ግልጽ ኢሎም ከማን ፣ ሎሚ ኣበይ ኣሎ ኣይብሉኻ
ኣጋንንት እዮም ኣይትበሉ "ቃላትን ሓሳባት ሰባት" እዩ ጋኔን ባዕሉ ። ትማሊ መርዛማት ቃላቶምን ብዱዕ ናይ ይምስለ ሃይማኖታዊ ውግዘታቶም ዝዘርኡ ሰባት ግልጽ ኢሎም ከማን ፣ ሎሚ ኣበይ ኣሎ ኣይብሉኻን እዮም ። ስምዒታቶምን ኣብ ውሽጦም ዝተቐብረ ቁስልታቶምን ( Traumatized Identity ) ፣ ሰብ ናይ ምውዳቕን ናይ ምግዛትን ወልፍታቶም( Sadistic and narcissistic Personality addiction ) ) ኣርውዮም ስቐሎ ስቐሎ ኢሎም ፣ ትዕቢቶም ሰማይ ሰቒሎም እዮም ህልም ዝብሉ ። እዚ ወዲ ኣብ ምንታይ ዓይነት ህይወት ተዋፊሩ ነይሩ ባዕሉ እዮ ዝፈልጦ ግን ሕልንኡ ተሰቒሉ ምድረ ሰማይ ኣፍ ዑንቂ ከይናቶ ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ኣደዳ ስነ ልቦናዊ ሕማም ኮይኑ ተሪፉ ። ጸርፍታትን ፣ ብዱዕ ርእይቶታትን ፣ ናይ ይመሰል ውግዘታት ፣ መጠኑ ዝሓለፈ ሰባት እንታይ ክብሉኒ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ፣ እንተዘይነቒሕካሉ ፣ ብኣግኡ ንዝኣመንካሉ ብትብዓት ጠጠው ክትብል እንተዘይኪኢልካ ፣ ኣኺሉካ ኩሉ ራእይታትካን ሕልምኻን ዓነውነው ኣቢሉ ፣ ስነ ልቦናዊ ፣ኣካላዊ፣ መንፈሳውን ጥዕናኻን እዩ ርምስ ዘብለካ ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ኤህ ምባልን ፣ ኣፍካ ምርምጣጥን ፣ ጻድቕ ጻድቕ ክትጻወት ምህቃን ክንዮ ገደል እንተ ዝድርበ'ሞ እቲ ሕብረተ ሰብ ስነ ልቦናዊ ሓርነት እንተዝጓናጸፍ ትምነ ። ገና ኸኣ ኣጋንንቲ እዮም ሒዞሙ ይብሉ ፣ ባዕሎም ደም ሰብ መጽዮም ክጸግቡ እንዳወዓሉ ። New Revolution From demonology to psychology

40 ደቒቕ ተሪፍዎ ኣሎ ቅልውላው ማእከላይ ዕድመን መፍቲሒታቱን [ Dealing with a midlife crisis] ኣቕራቢ፦ ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ] ብሰላም የራኽበና 29/03/2026 Vancouver: 10:00 AM Central Europe: 6:00 PM Eastern Europe: 7:00 PM East Africa: 8:00 PM Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Join Zoom Meeting https://us06web.zoom.us/j/89298883995?pwd=9GpBpaXSBRhtetAYSZqbLAl0jUWPE2.1 Meeting ID: 892 9888 3995 Passcode: 790393

ድሕሪ 2 ሰዓት የራኽበና ቅድሚ 30 ምእታውኩም ኩልኻትኩም ሰብ 20ታት ሄዋናትን ኣዳማትን ፣ ቅድሚ 30 ምእታውኩም ነዚአትን እሞ ፍልጥወን ፣ ብድሕሪኡ 30 ምስ ኣተኹም ካብ ቅልውላውን ባዶ ዝኾነ ት
ድሕሪ 2 ሰዓት የራኽበና ቅድሚ 30 ምእታውኩም ኩልኻትኩም ሰብ 20ታት ሄዋናትን ኣዳማትን ፣ ቅድሚ 30 ምእታውኩም ነዚአትን እሞ ፍልጥወን ፣ ብድሕሪኡ 30 ምስ ኣተኹም ካብ ቅልውላውን ባዶ ዝኾነ ትርጉም ኣልቦ ህይወት ከተምልጡ ኢኹም ። Free Zoom Meeting ኣቕራቢ ፦ ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ] ንጽባሕ ሰንበት 22/03/2026 Vancouver: 10:00 AM Central Europe: 6:00 PM Eastern Europe: 7:00 PM East Africa: 8:00 PM ብሰላም የራኽበና Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Join Zoom Meeting https://us06web.zoom.us/j/89298883995?pwd=9GpBpaXSBRhtetAYSZqbLAl0jUWPE2.1 Meeting ID: 892 9888 3995 Passcode: 790393

መን'ያ እዛ ጓል ? ዘይተላልዩና ግዳ ምስ'ዛ ሰሜናዊት ጎርዞ ! ነዛ መጽሓፍ ቆሎ እንዳቆርጠምኩ'የ ዘንብባ ነይረ ። ኣብ መንጎ ግን ፣ እቲ ቆሎ ኣብ ኣስናነይ ጎርደም ክብል እንከሎ ድምጹ ስለ ዝረበሸኒ ፍሰት ሓሳብን፣ ንድቀ ቃላትን ከምኡ ውን ሓረጋትን ፣ ሕጥበ ንባብን ናይ በየነ ሃይለ ክኽተሎ ኣይከልኩን ። ኣብ መንጎ የሽክዓኒ ህልም ይብለኒ በቃ ። ብድሕሪኡ ፣ ቆሎ ምቑርጣም ኣቆሪጸ ብልሕቱት ምናባዊ ልሳነይ ከንብባ ጀሚረ ። በየነ ሃይለ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽተ -ግሪኽ ጽውንጽዋይን ፍልስፍናን ዘለዎ ዓሚቑን ሰፊሕን ግንዛቤ እንዳስደመመኒ እዩ ዝመጽእ ዘሎ ። ኣነ ሰሜናዊት እየ ጉዑላይ፣ ነታ ቀልቡ ዝሰለበት ሰበይቲ ንስኺ'ኸ መን ኢኺ? ኢሉ ምስ ሓተታ " ኣነ ሰሜናዊት እየ ፣ ትዝክር እንተ ኾይንካ ግሪኻውያን "ኢፖርቦላውያን" ይብሉና ነይሮም ። ሓደ መዓልቲ ኣፍሪቃውያን ኣማልኽትኹምን ልኡኻትኩምን ትርእይሉ ኣጋጣሚታት'ውን ክህሉ ይኽእል እዩ . . . ኢላ እናዘመረት ናብ ሃሳስ ሰማያውነት ብምብላል ትስወር ። ( ድኳን ትበርህ ገጽ -16) ናተይ ናፍቖት እዛ ንጉዑላይ ዝተረኣየቱ ፣ ናይ ጸዓዱ ፍልስፍናን፣ ርእዮተ ዓለምን ፣ ሃይማኖትን ዘየተምልኽ ሰሜናዊት ምልዖ ኣብዚ ቀልበይ ቅጅል እንተትብለኒ'ሞ ክላለያ እንተዝኽእል እብል ። ምዕራባውያን ኢሎሞ ፤ ኣጽኒዖሞ ፣ ረኺቦሞ ፣ ተንቲኖሞ ፣ ተርጊሞሞ ኢላ ከምዘለዎ ግልብጥ ኣቢላ ዘይትቀድሕ ሰሜናዊት ጎርዞ ፣ ቅርብ ኢለ ክሓቑፋ እብህግ ። ናይ ስግር ባሕሪ ኣቦታት ሊቃውንቲ እዮም ፣ ንሳቶም ደኣ ዝበርሃሎም ኢለ ኣተዓባብያ ፣ዘቤታውያን ኣቦታት ግን መን ፍለጡ ኢልዎም ፣ ደናቁር ኢላ ዘይተነኣእስ ኩሕልቲ ሴማናዊት ፣መሀነን ቁመና ፣ ናይ ጾም ስዕመት ክስዕማ ይሃርፍ ። ባዕዳውያን ክረኽብዎ- ስነ ፍልጠት ፣ ዘቤታውያን ክረኸብዎ ግን - ጽውጽዋይ ፣ነበረያ-ነበረ'ዩ ኢላ ዘይተናሹ ፣ ብነፍሰ ምትሓት ዘይተሓመሰት ፣ ኣፍሪቃዊት ጸላም ሰሜናዊት ሄዋን ፣ ጓል ቀይሕ ባሕርን ፣ ጓል ፈለግ ኒልን ኣብቲ ናይ ኣቦታታ ባሕሪ ጥበብ ፣ ኣብየት ምስኣ ክሕንብስ ዝምነዮ ! እዛ ሰሜናዊት ጎርዞ ግን ኣበይ ትህሉ ? ኣላልዩና'ባ ? ይፈትወኪ፣ ይጸምኣኪ ፣ ይብህገኪ ፣ ሕርር-ኩምትር እዩ ዝብለልኪ በልዎ ። እምበር ነዛ ምዕራባዊት ጎርዞስ እንደዕለይ "ይመንዋ" ኣለኹ ይምስለኒ ። ኩለንታዊ ለውጢ ንኩለንታዊ ዕብየት ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ በዚ ርኸቡና (236) 591-9219 ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ]

ደሃይ'ዶ ኣለኩም ፣ ደሃይ እዛ ጎርዞ
+1
ደሃይ'ዶ ኣለኩም ፣ ደሃይ እዛ ጎርዞ

ህይወት ቀላል ኣይኮነትን ኣብ መወዳእታ ዝርድኣካ መሪር ሓቂ ናይ ህይወት እንተሃልዮ ፣ ዓወትን ትርጉም ምንባርን ውሽጥኻ ኣዳሚጽካ ኣብ ምስካምን ዘይምስካምን ሓቀኛ ሓላፍነትን ትብዓትን ከምዝምርኮስ እዩ ። ህይወት ቀላል ኣይኮነትን ። ብፍላይ ነቶም ሓቀኛ ነፍሶም መሲሎም ፣ ንራእዮምን ንዝኣመንሉን ዝነብሩ ሰባት ህይወት ትፈታትኖም እያ ፣ ከም ብዕሊ ትነዋንዎም በቃ ። መኽንያቱ ንሳቶም ብዙሓት ሰብት ይኸውድዎ ኣለው ኢሎም ኣይከዱን እዪም። ብዙሓት ኣሚኖሙሉ ኢሎም ብዘይ መኽንያት ኣይኣምኑን እዮም ። ጸለውቲ ሰባት ፣ ዝፍርሑ ሰባት ፣ ኢሎሞ ኢሎም ስቕ ኢሎም ኣይቅበሉን እዮም ። ተቐበልቲ ፣ ምልሙሳት ፣ኣህለኽቲ ፣ ግዙኣት ናይ ካልኦት ስነ ሓሳብ ክኾኑ ፈጺሞም ኣይደልዩን እዮም ። ንኽስቶ ክጥዕሞ ፣ ከይብሉኒ ፣ እንተ ነቐፉኒ'ኸ ኢሎም ዕድመ ንእስነቶም ኣብዘይኣምንሉ ኣይባኹኑን እዮም ። መስቀሎም ዝሽከሙ ፣ ንዕላምኦም በጃ ዝሓልፉ ተባዓት እዮም ። ጀርመናዊ ፍላስፋ ኒቼ Herd Morality ከምዝበሎ ፣ ከም ኣባጊዕ ዕጉግ ኢሎም ኣብ ገፊሕ መንገዲ ኣርብዓ ክረከቡ ኣይደልዩን እዮም ። ውሽጣዊ ኣድማሶም ኣዳሚጾም ናይ ግሎም ኣድማስ ክቐርጹ እዮም ወርትግ ህርዲግ ዝብሉ ። ባዕላዊ ህይወቶም ቀይሮም ብልዕለ ንቕሓት ከባቢኦም ንኽቅይሩ ኣይድቅሱን እዮም በቃ ። ነዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ህይወት ቀላል ኣይኮነትን ። ግን ሓቅን ፣ ትብዓትን፣ሓላፍነትን ፣ እምነትን ተሸኪሞም ከሸንፍዎ እዮም ዝነብሩ ። ካብቶም ውሑዳት ኣሸነፍቲ እዮም ። ንዓኣቶም ህይወት ማለት ቀላል ድግምጋም ዘይኮነትስ ፣ ብቓንዛ ዝተቓመመት ፣ ብትርጉም ዝመልአት ፤ ብሓላፍነት ዝተሃንጸት ፣ ብጥበብ ዘዕለቕለቐት ፣ ብጽባቐ ሓቂ ዘብለጭለጨት ፣ ከም ምልዖ ጎርዞ ምልቑልቕ ትብል ፣ ምዕርግቲ ኩሕልቲ እያ ። ተንስእ ፣ ናይ ካልኦት ህይወት ምድጋም ምድግጋም ገዲፍካ ፣ ብሓቀኛ ሓልፍነት ትብዓትን እምነትን ህይወትካ ጸግን ፣ ኩሕልሕል ኣብል ። ዘይትድገም ህይወትካ ፣ ናይ ካልኦት ህይወት ኣይትደጋግመላ ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ በዚ ርኸቡና ። # +2365919219 * ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ) ዩቱብ ቻነልና ቤተ ሰብ ይኹኑ https://yt.psee.ly/8tzapy

ህይወት ቀላል ኣይኮነትን
ህይወት ቀላል ኣይኮነትን

እቲ ዝርአ ካብቲ ዘይርአ እዩ ነፍስን መንፈስን ዘይረአዩ ክንሶም ብሥጋ ይግለጹ ። እዞም ሰለስቲ ውን ( Id, Ego, SuperEgo ) ዘይረኣዩ ክንሶም ብስብእና ይግለጹ ። ብትብዓትን ብሓቅን ኣብቲ
እቲ ዝርአ ካብቲ ዘይርአ እዩ ነፍስን መንፈስን ዘይረአዩ ክንሶም ብሥጋ ይግለጹ ። እዞም ሰለስቲ ውን ( Id, Ego, SuperEgo ) ዘይረኣዩ ክንሶም ብስብእና ይግለጹ ። ብትብዓትን ብሓቅን ኣብቲ ዘይርአ ክፋል ህይወትካ እሞ ዕየ ፣ እቲ ዝረአ ዕብየትን ልውጥን ከተመዝግብ ኢኻ ። ስነ ልቦናዊ ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ ፣ በዚ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም ። # +2365919219 * ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ) ዩቱብ ቻነልና ቤተ ሰብ ይኹኑ https://youtu.be/e0IkIvb1FAQ?si=mFrWW_zGpb_49nkz

ትሕቲ 30 ከይሓልፈኩም ንሎሚ እዩ ። ብዙሓት ሸፋፊኖሙ ፣ ዓቢጦሞ ዝሓልፉ ፡  ደሓር ግን ኣብ 30 ምስ ኣተው ኣብ ከቢድ ናይ ህልውና ቅልውላውን ትርጉም ኣልቦነትን  ዘውድቖም  ነዚ ናይ ሎሚ ዛዕባ  ብዘይ ምርድኦም እዩ ። ዓወት ሃይለ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ፣ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘይዛረብሉ ኣርእስቲ ፣  ሞያውን ተመክሮኣውን መኣዝን ህይወት ተጠቂሙ ነቶም ትሕቲ 30 ዓመት ዘለኹም ብግልጺ ክገልጸልኩም ተዳልዩ ኣሎ ። ምስ ስነ ልቦናን ምስ ትርጉም ህይወትን ህልውናን ዝተኣሳሰር ዘለኩም ሕቶታት ሒዝኩም ምጹ ኢኹም ።  ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ብግልጺ ክህልውና እዩ ። ብሰላም ምጹ 15 March 2026 Vancouver, Canada → 10 AM UK → 6 PM Europe → 7 PM West Africa → 6 PM East Africa → 9 PM ────────── Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting. Join Zoom Meeting https://us06web.zoom.us/j/89869719058?pwd=PZi2GDNB30sMUJz2QOtkrElajPDxJT.1 Meeting ID: 898 6971 9058 Passcode: 5H90yu

ሕጅ ውን ኢጎኻ ኣይትቕተል ኢጎኻ ቅተል ኢሎምስ ተመሊሶም ይቐትሉኻ ። ድሕሪ ሕጂ ማንም ሰብ ከይብለጸልካ ። ናይተን ሰለስተ ክፋላት መደምደምታ ሰሪሐልኩም ኣለኹ ። ምስ ስነ ልቦና ዝተኣሳሰር ኣብ ሕብረተ ሰብና ዝዓዮ ራእይ ኣለኒ'ሞ ነዛ ቻነል ንምዕባይ ሳብስክራይብ፣ ሼር ፣ ላይክ ክትገብሩለይ ብኽብሪ ይዕድመኩም ። ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ ትደልዩ በዚ ቁጽሪ ርኸቡና ። #2365919219 ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ )

ኢጎኻ(Ego) ኣይትቕተል ከይትቕተል ! ፍትዋት ቤተ ሰብ ከመይ ቀኒኹም ? ሳልሳይ ክፍል ተዘርጊሓትልኩም ኣላ ። ኣብዚ ዘመን ኢጎኻ ምቕታል ኣየዋጻካን እዩ ። መኽንያቱ ኩሎም ክብዝቡዙኻ፣ ክብለጹልካ ከላግጹልካ እዮም ። ስለዚ ኢጎ ምቕታል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ . . . ምሉእ መልሲ ንምርካብ ኣብዛ ቪድዮ ኣላትኩም ። ኣዝየ እየ ዘኽብረኩም ሳብስክራይብ ሼር እንዳገበርና ። #subscribe #like #comment

ድሕሪ ሓደ ሰዓት የራኽበና Live Event YouTube, Tiktok ዛዕባ ፦ ማእከላይ ዕድመ ቅልውላወን ፣ ትርጉም ምንባርን። ኣቕራቢ ፦ ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ) Vancouver
ድሕሪ ሓደ ሰዓት የራኽበና Live Event YouTube, Tiktok ዛዕባ ፦ ማእከላይ ዕድመ ቅልውላወን ፣ ትርጉም ምንባርን። ኣቕራቢ ፦ ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ) Vancouver, Canada → 10 AM UK → 6 PM Europe → 7 PM West Africa → 6 PM East Africa → 9 PM Link :- https://www.youtube.com/live/-kPG1PyLUIY?si=g0EaQGN_5F2XtQdm Tiktok https://www.tiktok.com/@holistic229?_t=ZM-90pLV2UsBr6&_r=1