Holistic change - ኩለንታዊ ለውጢ 🔱
Canal cerrado
ኩለንታዊ ለውጢ : ንኩለንታው ዕብየት This Channel Opend by Psychologist Awet Haile to support our society in The Vital Aspect of life, typically in Psychological & Mental Issue. Youtube https://youtu.be/uQhkiFR4YE4?si=5gj8wgWQUCLUB3SA Facebook https://www.faceb
Mostrar más1 672
Suscriptores
Sin datos24 horas
-87 días
-4130 días
Archivo de publicaciones
Truama ከምቲ Motivational ተዛረብቲ ዝብሉና ኣይኮነን ። ብእንጀረኦም ደኣ ንመጾም ከይንህሉ እምበር !
ምዃን ወይ ዘይምዃን
ሎሚ ሎምስ እዚ ውነይ እንድዕሉ ፣ ዝያዳ ኣብ ቅርዓት ህልውናዊ ስነ ልቦና( Existential Psychology ) ክጋልብ እዩ ዝህቅን ዘሎ ። ምናልባት እቲ Reductionistic ዝኾነ Materialistic ርእዮት ናይ Euro-American Darwinian Scientism'ዶ ኣሰልችይዎ ይኸውን ? ይኸውን ወላ ።
ብዝኾነ Rollo May ሓደ ካብቶም ናይ ህልውናዊ ስነ ልቦና ልሂቃን ኮይኑ መጽሓፍታቱ ክወሓጡለይ ርእይኹም ኣይትፈልጡን!
ብፍላይ እታ The Discovery of Being ትብል መጽሓፉ መስተፋቅር ግዲ ገይሩለይ ዛንዛን እያ ተብለኒ ።
To be and Not Be
ህይወት ብዙሕ መምርሒታትን ሕግታትን እትጠልብ ኣይኮነትን ። ንውሽጥኻ ኣዳሚጽካ ኩነታዊ ባዕላዊ መንነትካ ዝነግረካ ኣኽቢርካ ተቐቢልካ ብትብዓት ብሓላፍነት ወይ ምዃን እዩ ወይ ከኣ ውሽጥኻ ንዒቕካ፣ ነፍስኻ ረሲዕካ ፣ ናይ ካልኦት ስብከታት ጥራሕ ብምስማዕ ውሽጥኻ ቀቲልካ ዘይምዃን እዩ ።
ወይ ምዃን'ዩ እንተዘይኮይኑ ዘይምዃን እዩ ።
መንዩ ውሽጡ ዝነግሮ ዘሎ ብትብዓትን ብሓላፍነትን ካብ ካልኦት ተቐባልነት ክረክብ ከይደለየ ናብ ምዃን ናብ ምትግባር ዝነቅል መን እዩ ? መን እያ ? . . .
ኣጋንንት እዮም ኣይትበሉ
"ቃላትን ሓሳባት ሰባት" እዩ ጋኔን ባዕሉ ።
ትማሊ መርዛማት ቃላቶምን ብዱዕ ናይ ይምስለ ሃይማኖታዊ ውግዘታቶም ዝዘርኡ ሰባት ግልጽ ኢሎም ከማን ፣ ሎሚ ኣበይ ኣሎ ኣይብሉኻን እዮም ። ስምዒታቶምን ኣብ ውሽጦም ዝተቐብረ ቁስልታቶምን ( Traumatized Identity ) ፣ ሰብ ናይ ምውዳቕን ናይ ምግዛትን ወልፍታቶም( Sadistic and narcissistic Personality addiction ) ) ኣርውዮም ስቐሎ ስቐሎ ኢሎም ፣ ትዕቢቶም ሰማይ ሰቒሎም እዮም ህልም ዝብሉ ። እዚ ወዲ ኣብ ምንታይ ዓይነት ህይወት ተዋፊሩ ነይሩ ባዕሉ እዮ ዝፈልጦ ግን ሕልንኡ ተሰቒሉ ምድረ ሰማይ ኣፍ ዑንቂ ከይናቶ ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ኣደዳ ስነ ልቦናዊ ሕማም ኮይኑ ተሪፉ ።
ጸርፍታትን ፣ ብዱዕ ርእይቶታትን ፣ ናይ ይመሰል ውግዘታት ፣ መጠኑ ዝሓለፈ ሰባት እንታይ ክብሉኒ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ፣ እንተዘይነቒሕካሉ ፣ ብኣግኡ ንዝኣመንካሉ ብትብዓት ጠጠው ክትብል እንተዘይኪኢልካ ፣ ኣኺሉካ ኩሉ ራእይታትካን ሕልምኻን ዓነውነው ኣቢሉ ፣ ስነ ልቦናዊ ፣ኣካላዊ፣ መንፈሳውን ጥዕናኻን እዩ ርምስ ዘብለካ ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ኤህ ምባልን ፣ ኣፍካ ምርምጣጥን ፣ ጻድቕ ጻድቕ ክትጻወት ምህቃን ክንዮ ገደል እንተ ዝድርበ'ሞ እቲ ሕብረተ ሰብ ስነ ልቦናዊ ሓርነት እንተዝጓናጸፍ ትምነ ።
ገና ኸኣ ኣጋንንቲ እዮም ሒዞሙ ይብሉ ፣
ባዕሎም ደም ሰብ መጽዮም ክጸግቡ እንዳወዓሉ ።
New Revolution From demonology to psychology
40 ደቒቕ ተሪፍዎ ኣሎ
ቅልውላው ማእከላይ ዕድመን መፍቲሒታቱን
[ Dealing with a midlife crisis]
ኣቕራቢ፦ ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ]
ብሰላም የራኽበና
29/03/2026
Vancouver: 10:00 AM
Central Europe: 6:00 PM
Eastern Europe: 7:00 PM
East Africa: 8:00 PM
Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Join Zoom Meeting
https://us06web.zoom.us/j/89298883995?pwd=9GpBpaXSBRhtetAYSZqbLAl0jUWPE2.1
Meeting ID: 892 9888 3995
Passcode: 790393
ድሕሪ 2 ሰዓት የራኽበና
ቅድሚ 30 ምእታውኩም
ኩልኻትኩም ሰብ 20ታት ሄዋናትን ኣዳማትን ፣ ቅድሚ 30 ምእታውኩም ነዚአትን እሞ ፍልጥወን ፣ ብድሕሪኡ 30 ምስ ኣተኹም ካብ ቅልውላውን ባዶ ዝኾነ ትርጉም ኣልቦ ህይወት ከተምልጡ ኢኹም ።
Free Zoom Meeting
ኣቕራቢ ፦ ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ]
ንጽባሕ ሰንበት
22/03/2026
Vancouver: 10:00 AM
Central Europe: 6:00 PM
Eastern Europe: 7:00 PM
East Africa: 8:00 PM
ብሰላም የራኽበና
Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Join Zoom Meeting
https://us06web.zoom.us/j/89298883995?pwd=9GpBpaXSBRhtetAYSZqbLAl0jUWPE2.1
Meeting ID: 892 9888 3995
Passcode: 790393
መን'ያ እዛ ጓል ?
ዘይተላልዩና ግዳ ምስ'ዛ ሰሜናዊት ጎርዞ !
ነዛ መጽሓፍ ቆሎ እንዳቆርጠምኩ'የ ዘንብባ ነይረ ። ኣብ መንጎ ግን ፣ እቲ ቆሎ ኣብ ኣስናነይ ጎርደም ክብል እንከሎ ድምጹ ስለ ዝረበሸኒ ፍሰት ሓሳብን፣ ንድቀ ቃላትን ከምኡ ውን ሓረጋትን ፣ ሕጥበ ንባብን ናይ በየነ ሃይለ ክኽተሎ ኣይከልኩን ። ኣብ መንጎ የሽክዓኒ ህልም ይብለኒ በቃ ። ብድሕሪኡ ፣ ቆሎ ምቑርጣም ኣቆሪጸ ብልሕቱት ምናባዊ ልሳነይ ከንብባ ጀሚረ ።
በየነ ሃይለ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽተ -ግሪኽ ጽውንጽዋይን ፍልስፍናን ዘለዎ ዓሚቑን ሰፊሕን ግንዛቤ እንዳስደመመኒ እዩ ዝመጽእ ዘሎ ።
ኣነ ሰሜናዊት እየ
ጉዑላይ፣ ነታ ቀልቡ ዝሰለበት ሰበይቲ ንስኺ'ኸ መን ኢኺ? ኢሉ ምስ ሓተታ " ኣነ ሰሜናዊት እየ ፣ ትዝክር እንተ ኾይንካ ግሪኻውያን "ኢፖርቦላውያን" ይብሉና ነይሮም ። ሓደ መዓልቲ ኣፍሪቃውያን ኣማልኽትኹምን ልኡኻትኩምን ትርእይሉ ኣጋጣሚታት'ውን ክህሉ ይኽእል እዩ . . . ኢላ እናዘመረት ናብ ሃሳስ ሰማያውነት ብምብላል ትስወር ። ( ድኳን ትበርህ ገጽ -16)
ናተይ ናፍቖት
እዛ ንጉዑላይ ዝተረኣየቱ ፣ ናይ ጸዓዱ ፍልስፍናን፣ ርእዮተ ዓለምን ፣ ሃይማኖትን ዘየተምልኽ ሰሜናዊት ምልዖ ኣብዚ ቀልበይ ቅጅል እንተትብለኒ'ሞ ክላለያ እንተዝኽእል እብል ። ምዕራባውያን ኢሎሞ ፤ ኣጽኒዖሞ ፣ ረኺቦሞ ፣ ተንቲኖሞ ፣ ተርጊሞሞ ኢላ ከምዘለዎ ግልብጥ ኣቢላ ዘይትቀድሕ ሰሜናዊት ጎርዞ ፣ ቅርብ ኢለ ክሓቑፋ እብህግ ። ናይ ስግር ባሕሪ ኣቦታት ሊቃውንቲ እዮም ፣ ንሳቶም ደኣ ዝበርሃሎም ኢለ ኣተዓባብያ ፣ዘቤታውያን ኣቦታት ግን መን ፍለጡ ኢልዎም ፣ ደናቁር ኢላ ዘይተነኣእስ ኩሕልቲ ሴማናዊት ፣መሀነን ቁመና ፣ ናይ ጾም ስዕመት ክስዕማ ይሃርፍ ። ባዕዳውያን ክረኽብዎ- ስነ ፍልጠት ፣ ዘቤታውያን ክረኸብዎ ግን - ጽውጽዋይ ፣ነበረያ-ነበረ'ዩ ኢላ ዘይተናሹ ፣ ብነፍሰ ምትሓት ዘይተሓመሰት ፣ ኣፍሪቃዊት ጸላም ሰሜናዊት ሄዋን ፣ ጓል ቀይሕ ባሕርን ፣ ጓል ፈለግ ኒልን ኣብቲ ናይ ኣቦታታ ባሕሪ ጥበብ ፣ ኣብየት ምስኣ ክሕንብስ ዝምነዮ !
እዛ ሰሜናዊት ጎርዞ ግን ኣበይ ትህሉ ? ኣላልዩና'ባ ? ይፈትወኪ፣ ይጸምኣኪ ፣ ይብህገኪ ፣ ሕርር-ኩምትር እዩ ዝብለልኪ በልዎ ። እምበር ነዛ ምዕራባዊት ጎርዞስ እንደዕለይ "ይመንዋ" ኣለኹ ይምስለኒ ።
ኩለንታዊ ለውጢ ንኩለንታዊ ዕብየት
ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ በዚ ርኸቡና
(236) 591-9219
ዓወት ሃይለ [ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ]
ህይወት ቀላል ኣይኮነትን
ኣብ መወዳእታ ዝርድኣካ መሪር ሓቂ ናይ ህይወት እንተሃልዮ ፣ ዓወትን ትርጉም ምንባርን ውሽጥኻ ኣዳሚጽካ ኣብ ምስካምን ዘይምስካምን ሓቀኛ ሓላፍነትን ትብዓትን ከምዝምርኮስ እዩ ።
ህይወት ቀላል ኣይኮነትን ። ብፍላይ ነቶም ሓቀኛ ነፍሶም መሲሎም ፣ ንራእዮምን ንዝኣመንሉን ዝነብሩ ሰባት ህይወት ትፈታትኖም እያ ፣ ከም ብዕሊ ትነዋንዎም በቃ ። መኽንያቱ ንሳቶም ብዙሓት ሰብት ይኸውድዎ ኣለው ኢሎም ኣይከዱን እዪም። ብዙሓት ኣሚኖሙሉ ኢሎም ብዘይ መኽንያት ኣይኣምኑን እዮም ። ጸለውቲ ሰባት ፣ ዝፍርሑ ሰባት ፣ ኢሎሞ ኢሎም ስቕ ኢሎም ኣይቅበሉን እዮም ። ተቐበልቲ ፣ ምልሙሳት ፣ኣህለኽቲ ፣ ግዙኣት ናይ ካልኦት ስነ ሓሳብ ክኾኑ ፈጺሞም ኣይደልዩን እዮም ። ንኽስቶ ክጥዕሞ ፣ ከይብሉኒ ፣ እንተ ነቐፉኒ'ኸ ኢሎም ዕድመ ንእስነቶም ኣብዘይኣምንሉ ኣይባኹኑን እዮም ። መስቀሎም ዝሽከሙ ፣ ንዕላምኦም በጃ ዝሓልፉ ተባዓት እዮም ። ጀርመናዊ ፍላስፋ ኒቼ Herd Morality ከምዝበሎ ፣ ከም ኣባጊዕ ዕጉግ ኢሎም ኣብ ገፊሕ መንገዲ ኣርብዓ ክረከቡ ኣይደልዩን እዮም ።
ውሽጣዊ ኣድማሶም ኣዳሚጾም ናይ ግሎም ኣድማስ ክቐርጹ እዮም ወርትግ ህርዲግ ዝብሉ ። ባዕላዊ ህይወቶም ቀይሮም ብልዕለ ንቕሓት ከባቢኦም ንኽቅይሩ ኣይድቅሱን እዮም በቃ ። ነዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ህይወት ቀላል ኣይኮነትን ። ግን ሓቅን ፣ ትብዓትን፣ሓላፍነትን ፣ እምነትን ተሸኪሞም ከሸንፍዎ እዮም ዝነብሩ ። ካብቶም ውሑዳት ኣሸነፍቲ እዮም ። ንዓኣቶም ህይወት ማለት ቀላል ድግምጋም ዘይኮነትስ ፣ ብቓንዛ ዝተቓመመት ፣ ብትርጉም ዝመልአት ፤ ብሓላፍነት ዝተሃንጸት ፣ ብጥበብ ዘዕለቕለቐት ፣ ብጽባቐ ሓቂ ዘብለጭለጨት ፣ ከም ምልዖ ጎርዞ ምልቑልቕ ትብል ፣ ምዕርግቲ ኩሕልቲ እያ ።
ተንስእ ፣ ናይ ካልኦት ህይወት ምድጋም ምድግጋም ገዲፍካ ፣ ብሓቀኛ ሓልፍነት ትብዓትን እምነትን ህይወትካ ጸግን ፣ ኩሕልሕል ኣብል ።
ዘይትድገም ህይወትካ ፣ ናይ ካልኦት ህይወት ኣይትደጋግመላ
ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ በዚ ርኸቡና ።
# +2365919219
* ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ )
ዩቱብ ቻነልና ቤተ ሰብ ይኹኑ
https://yt.psee.ly/8tzapy
እቲ ዝርአ ካብቲ ዘይርአ እዩ
ነፍስን መንፈስን ዘይረአዩ ክንሶም ብሥጋ ይግለጹ ። እዞም ሰለስቲ ውን ( Id, Ego, SuperEgo ) ዘይረኣዩ ክንሶም ብስብእና ይግለጹ ።
ብትብዓትን ብሓቅን ኣብቲ ዘይርአ ክፋል ህይወትካ እሞ ዕየ ፣ እቲ ዝረአ ዕብየትን ልውጥን ከተመዝግብ ኢኻ ።
ስነ ልቦናዊ ኣገልግሎት ምስ እትደልዩ ፣ በዚ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም ።
# +2365919219
* ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ )
ዩቱብ ቻነልና ቤተ ሰብ ይኹኑ
https://youtu.be/e0IkIvb1FAQ?si=mFrWW_zGpb_49nkz
ትሕቲ 30
ከይሓልፈኩም ንሎሚ እዩ ።
ብዙሓት ሸፋፊኖሙ ፣ ዓቢጦሞ ዝሓልፉ ፡ ደሓር ግን ኣብ 30 ምስ ኣተው ኣብ ከቢድ ናይ ህልውና ቅልውላውን ትርጉም ኣልቦነትን ዘውድቖም ነዚ ናይ ሎሚ ዛዕባ ብዘይ ምርድኦም እዩ ።
ዓወት ሃይለ ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ ፣ ኣብ ሕብረተ ሰብና ዘይዛረብሉ ኣርእስቲ ፣ ሞያውን ተመክሮኣውን መኣዝን ህይወት ተጠቂሙ ነቶም ትሕቲ 30 ዓመት ዘለኹም ብግልጺ ክገልጸልኩም ተዳልዩ ኣሎ ።
ምስ ስነ ልቦናን ምስ ትርጉም ህይወትን ህልውናን ዝተኣሳሰር ዘለኩም ሕቶታት ሒዝኩም ምጹ ኢኹም ። ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ብግልጺ ክህልውና እዩ ።
ብሰላም ምጹ
15 March 2026
Vancouver, Canada → 10 AM
UK → 6 PM
Europe → 7 PM
West Africa → 6 PM
East Africa → 9 PM
──────────
Awet Haile is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Join Zoom Meeting
https://us06web.zoom.us/j/89869719058?pwd=PZi2GDNB30sMUJz2QOtkrElajPDxJT.1
Meeting ID: 898 6971 9058
Passcode: 5H90yu
ሕጅ ውን ኢጎኻ ኣይትቕተል
ኢጎኻ ቅተል ኢሎምስ ተመሊሶም ይቐትሉኻ ። ድሕሪ ሕጂ ማንም ሰብ ከይብለጸልካ ።
ናይተን ሰለስተ ክፋላት መደምደምታ ሰሪሐልኩም ኣለኹ ።
ምስ ስነ ልቦና ዝተኣሳሰር ኣብ ሕብረተ ሰብና ዝዓዮ ራእይ ኣለኒ'ሞ ነዛ ቻነል ንምዕባይ ሳብስክራይብ፣ ሼር ፣ ላይክ ክትገብሩለይ ብኽብሪ ይዕድመኩም ።
ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት ምስ ትደልዩ በዚ ቁጽሪ ርኸቡና ።
#2365919219
ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ )
ኢጎኻ(Ego) ኣይትቕተል ከይትቕተል !
ፍትዋት ቤተ ሰብ ከመይ ቀኒኹም ?
ሳልሳይ ክፍል ተዘርጊሓትልኩም ኣላ ።
ኣብዚ ዘመን ኢጎኻ ምቕታል ኣየዋጻካን እዩ ። መኽንያቱ ኩሎም ክብዝቡዙኻ፣ ክብለጹልካ ከላግጹልካ እዮም ። ስለዚ ኢጎ ምቕታል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ . . . ምሉእ መልሲ ንምርካብ ኣብዛ ቪድዮ ኣላትኩም ።
ኣዝየ እየ ዘኽብረኩም
ሳብስክራይብ ሼር እንዳገበርና ።
#subscribe #like #comment
ድሕሪ ሓደ ሰዓት የራኽበና
Live Event
YouTube, Tiktok
ዛዕባ ፦ ማእከላይ ዕድመ ቅልውላወን ፣ ትርጉም ምንባርን።
ኣቕራቢ ፦ ዓወት ሃይለ ( ናይ ስነ ልቦና በዓል ሞያ)
Vancouver, Canada → 10 AM
UK → 6 PM
Europe → 7 PM
West Africa → 6 PM
East Africa → 9 PM
Link :- https://www.youtube.com/live/-kPG1PyLUIY?si=g0EaQGN_5F2XtQdm
Tiktok
https://www.tiktok.com/@holistic229?_t=ZM-90pLV2UsBr6&_r=1
¡Ya disponible! Investigación de Telegram 2025 — los principales insights del año 
