en
Feedback
D/n Kibrom Desta (ዲ/ን_ክብሮም_ደስታ)

D/n Kibrom Desta (ዲ/ን_ክብሮም_ደስታ)

Open in Telegram

" ብኹሉ ጸሎትን ብልመናን ኲልሻዕ ብመንፈስ ጸልዩ። ስለዙይ ከዓ ተስፋ እንተይቈረጽኩም ስለ ዂሎም ኣመንቲ ብጸሎት ትግሁ። ምእንታይውን ክዛረብ እንተለኹ ነቲ ምሥጢር ወንጌል ብትብዓት ምእንቲ ኽነግር ፤ ቃል ክወሃበኒ ጸልዩለይ። ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ ፤ ከምቲ ዝግብአኒ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ጸልዩለይ። " ኤፌሶን 6:18-20

Show more
386
Subscribers
No data24 hours
+37 days
+2430 days
Posts Archive
ንክድ ንበገስ ዶ ፤ ወይስ..........😞??? ሓደ ሓደ ጊዜ ንባዕልና ብሓጢያትና ንውቀስ ሰባት ብናትና ጌጋ ካብ ኣባና ንፍርዲ ነልዕሎም ባዕልና ንፍረድ'ሞ ንሶም ብሓጢያት ፍርዲ ከይወድቁ ንሓግዞም ፤ ናይ እግዚአብሔር ምሕረቱ ቸርነቱን ኣብ ኩሉ  ብጣዕሚ በሪሁ ዝረአ ተኾነ'ዃ ዋጋ እናክፈለና ስለ ዝኾነ ካብ ሓጢያት ባርነት ማዕሙቅ ንውፃእ ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንደይብ ንሓጢያት ሰንሰለት በይንና ከይኾንናስ ምስ ክርስቶስ ንበጣጥሶ ። https://t.me/D_n_kibrom_desta

ሕቶ ዘለኩም ክትፅሕፉ ትክእሉ ኢኩም ቀስ ብቀስ ድማ ብሳይነስ ፊዚፎሎጂ ና ብ ቤተክርስቲያን መንፅር ክንምልስ ኢና ሕቶታትኩም ኣቅምጡ 🙏 - ብዛዕባ መንፈሳዊነት - ብዛዕባ ሓዳር - ብዛዕባ ዓለማዊነት - ብካውንስል ከምኡ'ውን ብ ክህነት ዙርያ ክትሓቱታ ነበረታትዕ። https://t.me/D_n_kibrom_desta

ፍቅሪ ሓደ ክርስቲያን ምስ ህይወቱ ፍቅሪ  ኣዋዲዱ ክከይድ ግድን እዃ ተኾኑ ንሕና ግን ኣይኾነን ክንገብሮ እዃን ኣይጀመርናዮን ። ንሕና ዝመስለና ፍቅሪ :- ምብላዕ ፣ ምስታይ ፣ ብሓደ ሙኻን ፣ ምዝንናይ ወ.ዘ.ተ ኾይኑ ግን ከምኡ ኣይኾነን ፍቅሪ ንቲ ተፍቅሮ ኢልካ ዝግበር መስዋእቲ ኮይኑ ። ጊዜካ ሓሳብካ ህይወትካ ሓጎስካ ቲ  ናተይ ትብሎ ኩሉ ንተፍቅሮ ሰብ ምስዋእ እዩ ። ፍቅሪ ክርስቲያን ድማ ፍቅሪ ክርስቶስ ብምዃኑ ዋጋኡ ቡዙሕ እዩ። ፍቅሪ ሓደ መስረታዊ ንመንግስቲ ሰማያት ዠእትወና ናይ ሕጊ ኩሉ ፍፃሚ እንትኾን ማለት ሓደ ሰብ ፍቅሪ ኣለኒ ንክብል ሕጊ እግዚአብሔር ዝተላበስ ክኮን ከሎ ጥራሕ እዩ ። "  እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።" (ናብ ሰብ ሮሜ 13: 10) ፍቅሪ ንሕና እዃ ብዙሕ ቋንቋ ተውፃእናሉ ግን ሓደ ፍቅሪ እዩ ዘሎ ንሱ ድማ እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ። ቤተሰብ ፣ ሓዳር ፣ ዕርክነት ሕውነት እዚኦም ኩሎም እግዚአብሔር ዝተሓዎሶም ተዘይ ኮይኖም ፍቅሪ ቢፅ እዮም ዝበሃሉ ። ብመሰረቱ ፍቅሪ ቢፂ ቅድሚ ሞት ንዘሎ ህይወትን ንስጋዊ ናብራ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓርሰ ዲልየትን ሓሳብን ዝተወከለ እዩ። ፍቅሪ ክርስቲያን ግን ድሕሪ ሞት ንዘሎ ህይወትን ንዛ ዓለም ዝስዕር ብርቱዕ መንፈሳዊ መሳርሒ ኾይኑ ከም ወርቂ ብፈተና ዝፀነዐ ጥንኩር እግዚአብሔር ዝግለፀሉ ህይወት ኮይኑ ብሕጊ እግዚአብሔር ዝፀንዐ እዩ። ሓቀኛ ፍቅሪ ከመይ  ክንነብሮ ንክእል ❗❗ 1. ሓውካ ከም ነፍስካ ኣፍቅር ፦ " እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።" (ናብ ሰብ ሮሜ 13: 8) 2. ትሕትና ብምልባስ ብምክብባር ምንባር? " ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡" (ኤፌሶን 4: 2) 3. ሓቂ ዘለዎ ናብራ ምንባር ? " ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።" (ኤፌሶን 4: 15) ኣምላክ ሓቀኛ ኣሸናፊ ዝኾነ ፍቅሩ ይዓድለና https://t.me/D_n_kibrom_desta

ንንስሃ ዝተዘጋጀወ ልቢ ንፆም ዝተዳለወ ኣእምሮ ድንግል ማርያም ንኩለና ተውህበና https://t.me/D_n_kibrom_desta

ሕንቂ ሕንቅሊተይ ባዕላ መራር ፍርኣ ጥዑም መን እያ ?? https://t.me/D_n_kibrom_desta

ኩሉ ትክክል ተኮይኑ መን'ዩ ዝጋገ ዘሎ ፤ ኩሉ ተበዳሊ ተኾይኑ መን እዩ ዝብድል ዘሎ ፤ ኩሉ ጦረኛ ሓቀኛ ተኾይኑ መን እዩ ዝቀትል ዝደፍር ዝሰርቅ ዘሎ ፤ ኩሉ  መንግስቲ ሓቂ ተሃሊዎ መን'ዩ በዳሊ ዘሎ ፤ ኩሉ ቅኑዕ ተኾይኑ መን እዩ ዝፈርድ ዘሎ ፤ ኩሉ የዋህ ተኾይኑ እግዚአብሔር ዘለዎ ሰብ ኣበይ ኣሎ ፤ ኩሉ ንፁህ ተኾይኑ መን'ዩ ዝዝምው ዘሎ ፤ ኩሉ ምስ ኣምላክ ተኾይኑ መን'ዩ ንእግዚአብሔር ዘቆጠዖ ዘሎ ፤ ኩሉ ክርስቲያን ተኾይኑ እግዚአብሔር በረከቱን ሰላሙን ኣበይ ኣሎ ?????? ሽሕ ጥያቄ ኣእላፍ ሕቶታት ብዙሕ በደል ብዙሕ ጥፍኣት ሞት ምስ ንብዓት  መመሊሱ ብዙሕ ፀገማት ሰማይ ዝብፀሐ  ሓጢያታት ፣ ፅድቂ ዘርሕቅ ክፍኣት ፣ ጥልመት ፣ ሓሻት ፣ ቂም ፣ በቀል ፣ ትዕቢት ፣ ድፍረት ፣ ጦርነት ፣ ሰብ ምውጋእ ብዙሕ ጥፍኣታት ግን ብሓንቲ ነገር ፀኒዓ ኣላ ምድሪ ንሱ ድማ ብ እግዚአብሔር ተዓጋስነት ። ክሳብ ሽዑ ከ ታይ ትኾን ትኾን??😞 https://t.me/D_n_kibrom_desta

ቃልሲ ክልተ ንኪድ ንበገስ ብፀሎት ንገስግስ ብፆም ስግደት ኣብ ገዝኡ ነቀድስ ኢላ ነፍሰይ ተተማሕፀነት ንስጋ ንሳ ግን ከዳዕ ትመርሓኒ ብጌጋ ንብላዕ ንስተ ብዝሙት ንተሓጎስ ብስክራን ዳንኬራ ክፍኣት
ቃልሲ ክልተ ንኪድ ንበገስ ብፀሎት ንገስግስ ብፆም ስግደት ኣብ ገዝኡ ነቀድስ ኢላ ነፍሰይ ተተማሕፀነት ንስጋ  ንሳ ግን ከዳዕ ትመርሓኒ ብጌጋ ንብላዕ ንስተ ብዝሙት ንተሓጎስ ብስክራን ዳንኬራ ክፍኣት ንላበስ ኢለ ኣበየት እዝና  ደፈነት ከዳዕ ኾነት ፈቲዊ ፀልማት ስጋይ በርቲዓ ነበሰይ ደከመት ብቃልሲ ክልቲአን ተስፋ ቆረፀት ሓግዘኒ ኣምላክ ተስፋይ ከይሞተት ስጋይ ንነፍሰይ ሰይፊ ስለ ዘልዓለት https://t.me/D_n_kibrom_desta

ብህይወት ኣለኻ ዶ? ፍቱወይ ክርስቶስ ዋጋ ዝከፈለልኻ ሞይቱ ዘፍቀረኻ ከመይ ኣለኻ ብሓቂ ከ ተተንፍስ ኣለኻ ዶ ጦርነት ዓለም ከመይ ይገብረካ ሎ ፤ ውግእ ስጋን ነብስን ከ ከመይ ኣሎ ፤ ብሓቂ ከ ካብ ልቢ ድዩ ፀሎትኻ እግዚአብሔር ብተመስጦ ትረክቦ ዶ  ወይስ ከማይ ሓውኻ ብኣፍኻ ምስ እግዚአብሔር ብልብኻ ምስ ዓለም ኢኻ ዘለኻ ፤ ከመይ ርክብኻ እንትልምን ኣምላክኻ ከ ሰብ ስለ ዘይብልኻ ወይ ዝጎደለ ክምለኣልኻ ድዩ'ስ ብሓቂ ንዕዑ ኣፍቂርኻ እዩ ፤ ነፍስኻን ስጋኻን ከ ተስማዕምዐን ኣለኻ ዶ ብሓቂ ከ ብክልቲኡ ናብራ ህይወት ከመይ ኣለኻ ወዲቅኻ ዶ ወይስ ተልዒልካ ... ፍትወይ ንለዓል ብሓደ ክርስቶስ ነሐጉስ ንሓጢያት ማዕበል ኣውዲቅና ፅድቂ ኣብ ምድሪ ንትከላ.....🙏🔥 https://t.me/D_n_kibrom_desta

ፍትወይ ዓለም ዋዘኛ እያ ላዕልን ታሕትን እንትብል ኣይትደናገፅ ፤ ፀሐይ ንዝናብ ሰማይ ተከቲላ ትበርቅ ። ካብ ድብርቲ ንደሓር ድማ ምፅንዕናዕ ፤ ካብ ድሕሪ ለይቲ ድማ ለይቲ ፍፁም ክመፅእ ኣይክእልን ፤ ድሕሪ ሓዘን ደስታ ክኾን እዩ'ሞ በርትዕ ንችግር መከራካ ጠጠው ኢልኻ ተጋፈጥ ኣነ ፍፁም ኢደይ ኣይህብን እየ በል። ነቀፌታ ኣይትፍራሕ ፤ ዝተነቀፍኻዮ ብፍጥነት ኣስተኻክል ፤ ስለ ሕሾት ከይኾነ ስለ ሓቂ ተገፋዕ ፤ ንኻልኦት ፍተው ፍቅሪ ውህብቶ እምበር ልቃሕ ኣይኾነን'ሞ ኣይፈተውኑን ኢልካ ከም ኣለቃሕቲ ኣይትካሰስ ፤ ዝተረደኣኻ ግበር ናይዚ ዓለም ሰብ እንትፈትወኻን እንትፀልኣኻም ብዘይ ምፍላጥ እዩ ፤ ብዙሓት ስለ ዝፈተውኻ ይፈትወኻ ፤ ብዙሓት ስለ ዝፀልኡኻ ይፀልኣኻ ወዲ ሰብ ከምኡ እዩ ። ፍትወዬይ ኣፅኒዐ ይነግረኻ  ኩሉ ጊዜ ንልዕሌኻ ኣይትጠምት ፤ ትሕቴኻ ጠምት ደኣምበር ። ንድምፅ ኣልባ ውፁዓት ኣእውየሎም ፤ ንዝተጠቅዑ ተማጎተሎም ። ሓቂ ሓቂ ብምባልኻ እትስእኖ ሓሳዊ ፈታዊኻ ጥራሕ እዩ ። ሓቂ ሓቂ ብምባልኻ ተትርፎ ግን ሓቀኛ ፈታዊኻ እዩ። ስለዚ መንገዲን ፅድቅን እግዚአብሔር ኩሉ ጊዜ ድለየን ፤ ንእግሪ መሰረትኻ ብይውህናን ብትሕትናን መስርተን ፤ ሰብ ዘይከኣሎ ንስኻ ኣይኣቢየኻን'ሞ ክድ ብሓቦ ተጉዓዝ ፤ ናይ ሰብ ረሃፅን ገንዘብን ስጋኻ ከይረክባ ፤ ናይ ድኻ ግፍዒ ነፍስኻ ከይነክኣ ተጠንቀቅ ፤ ነፍስኻ ገነት ንምእታዋ እርግፀኛ ኩን ፤ ብስጋ ድማ ድሒርካ ከይትርከብ ፤ ብክልቲኡ ድማ ዓወት ክተምፅእ ፀዓር ፤ ጀግንነት ሰማይ ንምፍፃም መንግስቲ ኣምላክ ጉዑዝኡ ሀዚ ጀምሮ ፤ ንስኻ ንስኪ ኩሉ ክትክእሉ በሪህኹም ኣብ ከፍታ ክትረኣዮ ኣምላክ ክሕግዘኹም ድልው እዩ'ሞ ተበገሱ። ሠናይ ምጅማር https://t.me/D_n_kibrom_desta

ፍትወይ ክልተ ሓሳባት ተረዳእ እቲ ሓዳ " ንስኻ ቅዱስ ኢኻ " እንትኾን እቲ ካልኣይ ድማ " ኣይትድሕንን " ይብል። እዞም ክልተ ሓሳባት ካብ ፀላኢ ሠናይ እዮም. እና ብእኦም ድማ ሓቅነት የለን. ነገር ግን ብዚ ነገር ሕሰብ: ኣነ ዓብይይ ሓጢያተኛ እየ : ጎይታ ግን መሓሪ እዩ። ንሱ ሰባት ብጣዕሚ እዩ  ዝፈትው ፣ ሓጢያተይ ይቅረ ክብለኒ እዩ። ቅዱስ ሰሎዋን ኣቶናዊ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ዝቀፀለ.......ሓዳር ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ጎልን ወድን መንፈሳዊነት ርእይና ነይርና'ዃ ተኾነ... ካብ ንሓዳር ብጣዕሚ ዘድልዩ ዋና መስፈርቲ እንትኾነ ዃ ከም መጠናከሪ ሓዳር ድማ ክልተ ነገራት ወሲከ ክፅሕፈልኩም ልበይ ሓሰበ። 2. mentality ( ኣተሓሳስባ ) ኣብ ሓዳር ብፍላይ ኣተሓሳስባ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ክንደይ ሰብ ንፁህን ቅዱስን ኾይኑ ዋላ ብዛዕባ ናይ ሓዳር ነገራት ደቁ ኣብ ብትክክል ምዕባይ ብዛዕባ መናብርቱ ዝውስኖ ውሳነታት ምሳ ኣምላክ ዘረሓሕቅዎ ኣለው። ንኣብነት :- ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ወዱ መንፈሳዊ ክኾን ኣገዲዱ ብንእሽተይ ዕድሚኡ ዲቁና የቀብሎ እዚ ብምግባሩ ድማ ብዙሓት ብከምኡ ዝተቀበሉ ዲያቆናት ዓቢዮም ዓርሶም ኣብ ዝውንንሉ ጊዜ ከይደለኩ እየ ተቀቢለ ኢሎም ክንደይ ናብ ክህነቶም ዘፍርሱ ኣለዉ ። እዚ ጌጋ ርድኢት እዩ ዋጋ እውን ኣይንባዕሉ ኣይንወለዱ ይተርፍ ማለት'ዩ። ብሓቂ ግን መንፈሳዊ ቤተሰብ ተኾይኑ ልክዕ ንወዱ ዲቁና ከምህሮ እንትደሊ ኣረዲኡ ዕድምኡ ስክን ኣብ ዝበለሉ ቤተክርስቲያን ምስኡ ናወሰደ መንፈሳዊ ቅንኢ ክሓድሮ እናገበረ ዝወደይ እግዚአብሔር እዚ ተኾይንኻሉ ሕጉ ተክቢርኻሉ እንሆ ህይወትኻ ምሉእ ትደልዮ ትረክብ ብኣኻ ኣንሕና ንሕጎስ እንድሕር ብዘይ ሕጉ ተከይድኻ ግን ንባዕልኻ ትጎድእ ኢሉ ብፍቅሪ ከምህሮ ይግባእ ። ካብኡ ድማ መንፈሳዊ ሰብ ብጣዕሚ ዝሸወደሎም ሓሳባት ኣብ ሓዳሩ ዝተጋገየ ኣረዳድኣ ኣለዎ ንጉሆ ቤተክርስቲያን ቀትሪ ቤተክርስቲያን ለይቲ ቤተክርስቲያን የሕልፍ ምሕላፉ ትክክል ኣይኾነን ማለት ኣይኾነን ግን ዘይምስራሕ ንባዕሉ ናብ ሓጢያት መንገዲ ዘእትው ብምኾኑ ኣቦታት ቅዱሳን እዃስ እናሰርሑ ምንኩስንኦም የመሓዱሩ ከም ዝነበሩ ኣብነት ኣባ እንጦስ ዘንቢል ብላኻ እናሰረሕ ከም ዝመሓዳደር ዝነበረታሪኩ  ንርዳእ ንክእል ኢና። ሕሰብዎ'ሞ ሓዳር ሒዙ ውላድ ዘለዎ ሰብ እማ ክንድምንታይ ዝኣክል ክሰርሕ ከም ዘለዎ ንርዳእ። ካብኡ ድማ ሰብ ደኻማ እዩ ኣተሓሳስብኡ ዝበሰለ ክኾን ይግብኦ ኣብ ሓዳር ብያንስ ካብ ክልቲኦም ሓደ ሰብ ዝሓሸ ስብእና ክህልዎ ይግባእ ንምንታይ ይመስለኹም ኣብ ሓዳር ብዙሕ ፈተና የጋጥም እዩ። ንኣብነት :- ብወዲ መስተ ይሰቲ፣ ይወቅዓ ፣ ጊዜ ኣይህባን ፣ ንባዕሉ ስሜት ይጭነቅ ፣ ደቁ ኣየንከባከብን ከምዚታት ብዙሕ ዓይነት ፈተናታት ይመፅኡ እዮም። ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ኣብ ዘጋጥመክን ጊዜ ክትፃወረኦ ንዑዕ ኢልክን ፀሎት ምግባር ብስሙ ፀበል ምሕፃብ ንዕዑ ብምምካር ኢሉ እውን ብምዕጋስ ኩሉ ዝመፀ ይምፃእ ክትዋፀኦ ግዴታክን እዩ ። ሓንቲ ሓፍትና ባዕል ገዝኣ ብስክራን ዓቢዱ ብቁማር ተበላሺዩ ዝነበረ ስብኣያ መዓልቲ መዓልቲ ብስሙ ብምስጋድ ንሱ መፂኡ እንትወቅዓ ንሳ ድማ ብመቁጠሪያ ንባዕላ ናወቀዐት እንትልምን ሓደ መዓልቲ ግን ይቅረ በልኒ ኢሉ ኩሉ ነገር ሓዲግዎ መንፈሳዊ ኾይኑ ናፀሎታን ትዕግስታን ዋጋ ረኪባ ዝገርም ናብራ ይመርሑ ኣለዉ ንሱ ድማ ሀዚ ንዓዓ ከም ጀግና መልኣክ ህይወት ገይሩ እዩ ዝቆፅር ልክዕ ከምቲ ዋጋ ዝከፈልለትሉ ንሱ ድማ ምስጋና ናይ ህይወቱ ኾይና እያ ። ስለዚ ኣሕዋተይ ኣጎላት ንስክን እውን ከምዚ ዓይነት ሜላታት ክትጥቀማ ክሕብረክን ይፈቱ። ብጎል ድማ ኣብዛሓ ጊዜ ደቅ ኣንስቲዮ ዝምርሓ ብስምዒት እዩ ። እዚ ክብል ከለኩ ሄዋን እግዚአብሔር ዝከልከሎ ተክሊ ትበልዕ ትደሊ ከላ ምስ እግዚአብሔር መዓረ ከምትኾን እምበር  ንዕዑን ንባዕላን ከም ትስእን ኣይተረደኣትን ናይ ምድሪ ኣምላክነት እምበር ዘለቶ ገነታዊ ህይወት ምንም ክርድኣ ብዘይ ምክኣሉ ስምዒታዊት ኾይና ብምሕሳባ ገነት ከስእና ክኢሉ እዩ። እግዚአብሔር ዝሃባ ሕግን ኣዳም ኣይኾንን ዝበላ ዘረባን ከይሰመዐት ክተፍርስ ክኢላ እያ። ኣብዝሓ ጊዜ ጎል ብስምዒት ተላዕሊ ክትናገር ትክእል ፣ ከምኡ'ውን ወርሓዊ ፅድያ ክቀርብ ኣከባቢ 4 ዓይነት ባህሪ ይህልዋ ፣ ምስ ጎሮቤት ክትበኣስ ትክእል ፣ ገዛኻ እንትመፅእ ሰላም ተስእነኻ ትክእል ፣ ንስኻ ርሑቅ ናሓሰብኻ ንሳ ልክዕ ከም ሄዋን ሎሙዓንቲ ጥራሕ ትሓስብ ትክእል እያ ንሳካ ግን ክርስቶስ ንክርስቲያን ደሙ ኣፍሲሱ ስግኡ ቆሪሱ ልክዕ ከም ብሓዱሽ ዝሰረሐና ንሰበይትኻ ቀትርን ለይትን ብተስፋ ብፍቅሪ ብሓልዮት ተንከባኪብካ ክተስተካክላ ትክእል ኢካ ። ብጠቅላላ ኣታሓሳስባ ወሳኒ እዩ ኣብ ፈተና ኢዱ ዘይህብ ክኾን ኣለዎ ሓደ ክርስቲያን መንፈሳዊ ዝኮነ ተኾነዃ መንፈሳዊነቱ ብደምቢ ተረዲኡ ንክነብር ኣተሓሳስባ ወሳኒ እዩ። ኣተሓሳስባ ድማ ብመፃሕፍቲ ምንባብ  ፣ ካብካ ዝበለፁ ናይ ሰባት  ታሪክ ብምስማዕ ትረክቦ ትክእል ኢካ ፣ ካብኡ መንፈሳዊ ኣባት ንስሃ ቆዋሚ ገይርኩም ብዛዕባ ሓዳር ኣፅንዑ። ብጣዕሚ ትርድእዎ ዝደላ ነገር ግን ትሰብ ትምርዓውዎ ምሳኩም ሕማቅን ፅቡቅን ዝርእይ ፣ ገነት ምሳኩም ክኣትው ዝፅዕር ፣ ሓለፍነት ደቅኹም ዝቅበል ፣ ሓሚምኩም ዝድግፈኹም ፣ ተጨኒቅኩም መፍትሒ ዝኾነኹም እዩ ስለዚ ጠጠው ኢልካ ምሕሳብ ብቻ ዘይኾነስ ብደምቢ ጊዜ ወሲድኩም ኣፅንዕዎ ቅድሚ ሓዳር ድማ ድሕሪ 6 ወርሕታት ዘሎ ትክክለኛ ፀባዩ ክርደኣኩምን ክትፈልጡን ኢኩም ፀሎት ብደምቢ ግበሩ ስዋኤ ከይነገርኩም ብሕቡኡ ብስሙ ሓዙ  ትሰብ ከይተረደኦ እግዚአብሔር ሕማቅነቱ ኾነ ፅቡቅነቱ ብብዙሕ መንገዲ ከርእየኩም እዩ ካብኡ ናይ ባዕልኩም ውሳነ ትዉስኑ ኣሕዋተይ ። ይቅፅል....... ዝጋገዮ ኩሉ ብኣፈ መላእክት ይኣርመለይ ......ሠናይ ጊዜ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ክፋል ክልተ ሓዳር መስፈርቲ ሓዳር ክኾን ዝግብኦ ንወዲ 1. መንፈሳዊነት ፦ ኣብ ሓዳር ብጣዕሚ ዝዓበየን ዝበዘሐን ሓላፍነት ዘለዎ ወዲ እዩ ። ቅዱስ የውሃንስ ኣፈ ወርቅ ከም ዝተናገሮ  " ሓዳር ማለት ሰብኣይ ንሰበይቱን ኢሉ መከራ መስቀል ዝቅበለላ ከም  ክርስቶስ  ንቤተክርስቲያን ኢሉ ድማ ዝሞተላ ብሕታዊ ናይ ፍቅሪ ቦታ እዩ  ። " ሓዳር ማለት ብወዲ ገፅ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ከም ዝኾነላ ዝኾነሉ ቦታ እዩ ። ስለዚ መጀመርታ መስፈሪኡ ክርስቶስ ምኾን እዩ ንሰበይቱ ኢሉ ዋጋ ክከፍል ምዝግጃይ እዩ። እዚ ድማ ኣጎላት ከመይ ገይርና ንፈልጥ ንዓይ ከም ክርስቶስ ክሞተለይ ምኾኑ ትብላ ተኾይንክን እሱ ብፀሎት ዝበርተዐ ፣ ኣነጋግርኡ መንፈስ ቅዱስ ዝመለኦ ፣ ኣነባብሩኡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዎ ፣ ሰዓቱን ጊዚኡን ዝጥቀም ፣ ኣቡኡን እንኡን ዘክብር ፣ ብሰባት ፅቡቅ ስም ዘለዎ ፣ ዳዊት ዝዓትር ሰይፈ ስላሴ ጦር ዝገብር ፣ ስዋኤ ዘለዎ ፣ በተለይ ናይ ንስሃ ህይወት ዘለዎ ፣ ዝተፈጠረ ተፈጢሩ ደከሞ ኣይደከሞ ንጉሆን ምሸትን ናይ ፀሎት ህይወት ዘለዎ ፣ ኻብ ኣጎላት ዝረሓቀ ፣ ስምዒቱ ዝቆፃፀር ፣ ሰብ ብክፉእ ዘየውድቅ ፣ ቅንኢ ዘይፈልጥ ፣ ሓቦ ምስ ተስፋ ዘለዎ ፣ ንቤተክርስቲያን ዝቁርቆር ፣ ፅሙድ ብኣገልግሎት ዝኾነ ፣ ንደቁ ዝነብር ብዚኦም ክርስቶስ ክኾን ክምክር ንዓኪ ዋጋ ክከፍለልኪ ከም ዝክእል ተረጋግፂ ትክእሊ ኢኪ ። ከምኡ ድማ ሓደ ሓደ ኣጎላት ተልዕልኦ ሕቶ ወዲ ማ ከምዚ ክኾን ኣለዎ ትብልኦ ብደምቢ ክምልሰልክን ኣብዚ ኣስተውዕላ ። ዝርደኣለይ ፣ ዝንከባከበኒ ፣ ዝሓልየለይ ፣ ዘየነኣእሰኒ ፣ ተኣማኒ ፣ መላእ ዕድምኡ ዘይፈለየኒ ፣ ዘክብረኒ ፣ ውህብቶ ዝህበኒ ፣ ዘሐጉሰኒ ....ምንምን ትብልኦ ነገር ኣሎ እዚ ሓደ መስፈርቲ ክኾን ኣይክእልን ምክንያቱም ሓደ ዓለማዊ ወይ ድማ ካብ ኣህዛብ ወገን ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ዝክእል እዩ ምክኒያቱም እዚ ብስጋ ንምግባር ቀሊል እዩ። ግን ሕሰበኦ ንክርስቶስ ዝተኣመነ ንዓኪ ክንደይ ይእመን ንድንግል ማርያም ዘክበር ከመይ ንዓኪ የክብር ን ቅዱሳን ዝተአመና ክንደይናይ ንዓኪ ከም ዝእመን ዝበለፀ ድማ ከምዚ ኽኮነልኪ ከሎ  ንጉሆ ሰብ ኩሉ ደቂሱ ንሱ ንፀሎት ቆይሙ ንዓኪ ንደቅኹምን እንትፅሊ ፣ እግዚአብሔር ክሕግዞ ንዓኪ ከሐጉስ እንትምሕፀን ፣ ጉዕዞ ብሓደ ንክድ እንትብለኪ፣ ኣባት ንስሃ ቆፆሮ ናገበረ እንትወስደኪ ፣ ፀበል ክሰሚ ከሎ ፣ ንሓጢያት ሓዲጉ ንፅድቅ እንትመርሓኪ ፣ ኣብ ሩካቤ ንባዕሉ ጥራሕ ከይኾነስ ንዓኪ'ውን እንትርደአኪ ፣ ወርሓዊ ፅድያ ኾይንኪ ፀሎት ዘንብበልኪ ፣ ብስምኪ ምፅዋት ዝህብ ፣ ንስኪ እግዚአብሔር ዘመስግነሉ ትኾኒ ከለኪ ፣ ብስምኪ ፀበል እንትሕፀብ ፣ ንዓኪ መላእ ዘመኑ እንተፍቅር ፣ ፅቡቅ ንክትሓስቢ ኩሉ ጊዜ ዝምህረኪ ፣ መንገዲ ቅድስና ኣሰር ኣሰሩ ዘለማምደኪ ካብዚ ዝዓቢ የለን መስፈርቲ ሓዳር ። ካብኡ ድማ ፍቅሪ ክርስቶስ ተስፋ ዘይቆርፅ እዩ ማለት እዚ ኩሉ መስፈርቲ ዘይብሉ እዃ ተኾነ ንስኪ ንዕዑ ንምቅያር ብካሊእ ሰብ ከይትሓስቢ ንዑዕ እዚ ንከሳክዖ ሓግዚዮ እምበር ብደምቢ ፀዓርሉ ብፍቅሪ ኣሸኒፍኪ ከምዚ ክትገብሪዮ ፈትኒ እንድሕር ኣብዩኪ ንመጨረሻ ጊዜ ናብ ኣባት ንሰሃኪ ወሲድኪ ኣገስፂዮ ድሕሪኡ ለውጢ ተዘይ ኣምፂኡ ባዕልኪ ኣድሕኒ ማንም ምንም ተፍቀረኪ ሲኦል ዝኣትወልኪ የለን ክርሰቶስ ዘይብሉ ፍቅሪ ፍቅሪ ቢፅ እምበር ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣይኾነን ስለዚ ምውሳን ኣድላይይ እዩ። ይቅፅል.......... https://t.me/D_n_kibrom_desta

መስፈርቲ ሓዳር ክኾን ዝግብኦ ንጎል 1. መንፈሳዊነት ፦ ሓንቲ ጎል መንፈስ ቅዱስ ዝንበበላ በዓል ገዝኣ እንትርእያ እግዚአብሔር ዝርእዮ ኾይኑ ዝስምዖ መንፈሳዊነት ክህልዋ ይግባእ። መንፈሳዊነት ብዛዕባ ፆም ፣ ፀሎት ኣይኾነን እሱ ማ ኣህዛብ እዃ ይገብርዎ ።        - መንፈሳዊነት ግን ትሕቲ ፣ ርግዓቲ ፣ ሓዱሽ ሓሳብ ትቅበል ፣ ትረዳዳእ ፣ ብስምዒት ኸይኾነስ ብምሕሳብ ትጎዓዝ፣  የዋህ ፣ ብልሕቲ ፣ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዋ ፣ ተኣዛዚት ፣ ሓላፍነታ ትርዳእ ፣ ግቡኣ ትፈልጥ ፣ ደቃ ትንከባከብ ፣ ወለዳ ተክብር ፣ ሰብ ዘይትንዕቅ ፣ ንነገራት ብፅቡቅ ብሕማቅ ርእያ ኣመዛዚና ትኸድ ፣ ዘይትፈርሕ ፣ ብዓብይይ ድማ ተስፋ ብመንግስተ ሰማያት ገይራ ትጎዓዝ ክኸን እንይአዎ ። ምክኒያቱም እዚኦም ትገብር ወይ ዝኾነት ናፀሎታ ፣ ናፆማ ፣ ናስዋኤኣ ፣ ናቁርባና ናንብዓተ ፣ ናልመናኣ  ፍረ እዮም ብሓቅን ብንፅህን ስለ ትገብሮም እዮም  እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ነገራት ክህልውዋ ዝክእሉ ብፆም ተወሲና ብፀሎት ተፀሚዳ ግን ኻብቶም ዝተጠቀሱ ንእሽተን እዃ ተዘይብላ ኩሉ ፀሎታ ኾነ ፆማ ወይ ቁርባን ካብ ልቢ ኣይኾነን ማለት እዩ እዚ ክብል ተለኩ ግን ለውጢ ቀስ ብቀስ ኣይተምፅእን ኸይኮነ ምሕጋዝ እውን የድላይ እንድዩ  ጠጠው ኢልካ ምውሳን እውን ኣድላይይ እዩ። ምክንያቱም እዛ ጎል እዚኣ ፅባሕ መንግስተ ሰማያት ደጊፋ ተእትወኻ ፣ እንትደክም ምርኹስ ትኾነኻ ፣ ዝተለመደ ከይኾነስ ዝተኸበረን ዝተቀደሰን ሓዳር ትህበኻ ፣ ደቅኻ ቅዱሳን ክኾነ ኣብ ትፅዕር ጊዜ ተበርተዐኻ ፣ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ኸይኾነስ ብሰማይለ ኣክሊል ዝሸለም ሓዳር ንኽኾን ኣብ ትፅዕሮ መንገዲ ንሳ ዓብይይ ወሳኒት ስለ ዝኾነት ምሕሳብን ምውሳንን ወሳኒ እዩ። ንዑዕ እዩ ድማ ሓደ ኣቦና ሰበይተይ እግዚአብሔር ዝርእየላ መስታወተይ እያ ዝበለ ። ክቅፅል ትደልዩ ❤ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ክርስቲያን ክትከውን ተደሊካ ሓደ ሓደ ጊዜ ጣኦት ሓደ ሓደ ጊዜ ደሞ ኪሩቤል ኩን። ንክፉእ ነገር እንትኾን ዓይኒ ናሃለዮም ዘይርእዩ እዝኒ ናሃለዎም ዘይሰምዑ ጣኦታት ምሰል ንፅቡቅ ነገር ግን ብዙሕ ኣዒንቲ ዘለዎም ኪሩቤል ምሰል።                   ቅዱስ_ኣባ_ቢሶይ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ኣብ ትሞተሉ ጊዜ ብመጀመርታ ስምኻ ይቅየር ስምካ ድማ ሬሳ ይበሃል እከለ እዩ እከሊት እያ እንተዘይ ኾነ ድማ እቲ ረይሳ ወፂኡ ዶ ኣይወፀን ኢሎም ይፅውዕኻ። ናይ ቀረባ ሰብኻ እዃ ተኾነ ካብ ጎንኻ ክኮውን ይፈርሕ ። ናብቲ መቃብር ቦታ ወሲዶም ኣፃዲፎም ምስ ቀበሩኻ በይንካ ሓዲጎም ንምኻድ ይችኹሉ ። ብልባዊ ዋጋ ብተአማንነት ዝተአመንኻሉ ዘፍቀርካዮ ሰብ ብክያቱ ወዲኡ ሓዱሽ ህይወት ከመይ ክጅምር ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ተዘይ ሞትኩ ምሳኻ ክከድ እየ ኢሉ ዝበክየልካ እዃ እንተሃለወ ቀቢሩካ ቶሎ ይሃድም ንዑዕ ኢልካ ዝከፈልካዮ ዋጋ ብቅፅበት ይርስዖ። ቀቢሩኻ ምስ ተመለሰ ድማ ንብረት እንተሃሊኻ ንምምቃል ይፃደፍ። ድሕሪ ሰሙን ድማ ጭራሽ ኣብ ምድሪ ዘይነበርኻ እስካብ ዝመስል ብኣብዝሖም ትርሳዕ። ናይ ልባኻ ቀረባ እንተኾኑ ዃ እቲ ሓዘን ኣብ ልቦም ንእሽተይ ወርሒ እንተፀነሐ እዩ። በቃ ኣብ ምድሪ ዝነበረኻ ጊዜ ብዝይ መልክዕ ይጠናቀቅ። መደቀሲኻ ሓመድ መተርኣስኻ ድማ እምኒ ይኸውን በቃ እዚ እዩ። ኣብዚ ጊዜ ማንም ምንም ኣይጠቅመኻን ፅቡቅ ስራሕካ ጥርይ እምበር ። ኣብዚ ዓለም ዕድለኛ ሰብ ማለት ብህይወት እናሃለወ ናብ ፈጣሪኡ ዝተመለሰ ህይወቱ ብቅድስና ሓፁር ዝሓፀረ እዩ። ቅድስን መፃሕፍቲ  ኣቦታት ዓርኪ ሰማእታት ከም ቤተሰቡ ዝገበረ ግን ተጠቀመ ። ንዝሓልፍ ንዝርሰዐኻ ሰብ ካብ ህይወትኻ ሂብካ ምስ ሞት'ኻ ዝርሰዐኻ ንቲ ዘይሓልፍ ትክክለኛ ኣፍቃሪ ክርስቶስ ንእሽተይ ጊዜ ከፊልካ ዘልአለም ምንባር ይሕሸኻ ማንም ልዕሊ ምንም ተፍቀረኻ ሲኦል ዝኣትወልኻ የለን'ሞ ህይወትኻ ብፅድቂ ፍፃምኡ ኣፀብቆ። https://t.me/D_n_kibrom_desta

ሓደ ክርስቲያን ኣርኣያ ክገብሮ ዝግብኦ ካብ ኣቦታትና  ብክልተ መንገዲ ንርአ 1. ብምንኩስና ሀ. የውሃንስ ሓፂር እዚ ኣቦ እዚ ታሪኩ ከም ንምልከቶ ንፅህንኡ ካብ ህፃንነቱ ከም ዝነበረ ንርዳእ ምስ ብዙሓት ኣሕዋቱ ኾይኑ ንሱ ንዑዖም ስዋኤ ብምሓዝ ፀሎት ብምግባር ብምስጋድ ቤተክርስቲያን የገልግል ነበር.....ሕሰብዎ እሞ ሰብ ምንም ከይረኣየ ብመንፈስ ቅዱስ ትንቢታዊ ስጋ እንትርኢ ማለት ዓለም ከም ዘይትጠቅም ብህፃንነቱ ምርዳእ ማለት ናይ ቅድስና ፀግዑ የረደኣካ እዚ ኣቦ እምነትን ምንኩስና ህይወቱን እንትርኢ ብጣዕሚ የደንቀኒ ሓደ ኣቦ ንዮውሃንስ ሓፂር ደርቅ ተክሊ ሂቦም ማይ ኣስቲያ ይብልዎ ኣብ መንገዲ ወዲቃ ዝረከብዋ በትሪ ድሕር ብዙሕ ጊዜ ታ በተሪ ህይወት ሰሪዓ ጠጢዓ ወይኒ ኣብቂላ ቶም ኣቦ ክበልዑን ናይ ቅድስንኡ ነገር ከደንቆም ክኢሉ እዩ ። እና ሓደ ክርስቲያን ምንኩስና እንትሓሰብ ኣቦና ዮውሃንስ ሓፂር ኣርኣያ ተትገብሮም ብጣዕሚ ተጠቃሚ ይመስለኒ...... ለ. ኣቡነ ኣቢብ እዞም ኣቦ 8 ሻዕ ባዕሎም ብምጥፋእ ማለት ሓደ ጊዜ ብዘይ ምብላዕ ብፆም ሓደ ጊዜ ናብ ማይ ብምእታው ብስዋኤ ሓደ ጊዜ ብርእሶም ጠጠው ኢሎም ፀሎት ብምግባር እንትኾን ኣብ ማይ ዓሳ እንትበልዖም ኣብ ፆም ጥምየት እንትጎድኦም ብርእሶም ጠጠው ኢሎም እንትፅልዩ ሓንጎሎም በስቢሱ እንትሞቱ ። እግዚአብሔር ተገሊፁ ውልደይ ኣቢብ ክንደይ ሻዕ ትሞት የልዕለካ ታይ ኢካ ትደሊ እንትብሎም በል ሰብ ኾይኑ ዘይበልዕ የለን ሞ 3 ኹላሶ ብስመይ ዝበለዐ መሓረለይ በሎ ከም ዝበልካዮ ይኩነልካ ኢሉ ቃል ኣተወሎም። እዚኦም ኣቦ ንሰብ ድሕነት ህይወቶም 8 ሻዕ ከጥፍኡ ከለው ምስማዕ ብጣዕሚ ዘደንቅን ንዓና ዘለዎም ፍቅሪ ዘርእይ እዩ። ካብ ዞም ኣቦታትና ትርድእዎ ነገር ፀግዒ እምነትን ፀግዒ ፍቅርን እንትኾን ምንኩስና ድማ ባዕልካ ረሲዕካ ንካልኦት ትነብረሉ ህይወት ምኾኑ ምርዳእ የድሊ 2. ብሓዳር ሓዳር ማለት ንሰብ ናይ መጨረሻ ዝዓበየ ፀጋ  እዩ። ሓዳር ማለት ዝተቀደሰን ዝተከበረን እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ንሓጎሶም ንዘርኦም ምትካእ ንመንግስተ ሰማያት ተደጋጊፍኻ ንምውራስ ዝሃቦም ፍሉይ ውህብቶ እዩ ። ካብ ምንኩስና ድማ ዝዓበየ ሓላፊነት ዘለዎ እንትኾን ብሓፂሩ ምንኩስና ቅድስና እንትኾን ሓዳር ግን ቅዱሳን ምፍራይ ማለት'ዩ ። ብሓዳር ካብ ኣቦታትና ኣርኣያ ንገብሮ ናይ መጀመርታ ። ሀ) ኣብርሃም:- ኣቦና ኣብርሃም ካብቶም ብጣዕሚ ብእምነት ዝፍለጡን ብሓዳሩን ብህይወቱን ዝገነነ ኣቦ እንትኾን ዓርኪ እግዚአብሔር ክሳብ ዝበሃል ደረጃ ዝበፀሐ እዩ። እዚ ኣቦ ምንኩስናን ሓዳርን ዓለምን ስጋውን ብኩሉ ምሉእ ኾይኑ ዝነበረ ካብ ውሕዳት እቲ ሓደ እዩ ። ከመይ ? - ምንኩስና ዘለካ ኩሉ ኣሕሊፍካ ንእግዚብሄር ምሃብ ማለት እዩ። ኣብርሃም ድማ እቲ ዘለዎ ሓደ ወዱ ንእግዚአብሔር ክስውእ ብምሕሳብ ኣብ ህይወቱ ኹሉ ን እግዚአብሔር ቃል ብምግዝኡ ንሰበይቲ ህይወቱ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ብተኣማንነቱ ጥራሕ መናኒ ብሓዳር ኾይኑ እዩ። - ብሓዳር :- ኣብርሃም ካብቶም ቅዱስ  ሓዳር ዝነበሮም ሓደ እንትኾን ብፍቅሪ ሰበይቱን ዘልአለም ተኣሚኑ ንዓዓ ብምክባርን ንዓዓ ብምሕጎስን ንዓዓ ብምርዳእ ናይ ልቡ ፍቅሪ ብምርኣይ ዝተአምነ ስለ ዝነበረ ዝተቀደሰ ሓዳር ክህልዎ ገይሩ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ሓዳር አብርሃም ካብ ኩሉ ደቂ ሰብ ስለ ዝበልፅ ሓዳር አብርሃም ሳር ይገበረልኹም ተባሂሉ ንሓደሽቲ ሰብ ሓዳር ዝምረቅ። - ብስጋ:- ኣነ ብጣዕሚ ካብ ዘድንቁን ኣቦታትና ሓደ ኣብርሃም እዩ ብስጋ ሰብ ነይርዎ ቤተሰብ ነይርዎ ምእመን ነይርዎ ሃፍቲ ስጋ ነይርዎ ታሞ ኩሉ ምሉእ እግዚአብሔር ሂብዎ ። ነዚ እዩ ስጋዊን መንፈሳዊን ምንኩስናን ሓዳርን ገይሩ ዝነበረ ኣቦ ክበሃል ዝበቀዐ። ኣሕዋተይ ሓዳር ዋጋ ንከፍለሉ ናይ ምንኩስናን ህይወት ማለት እዩ። ንሰበይትካ ወይም ንሰብኣይካ ህይወትካ ኣሕሊፍካ ምንባር እንትኾን ክርስቶስ ን ቤተክርስቲያን መከራ መስቀል ከም ዝተቀበለላ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ ከምኡ ዝገብረላ ሚስጥር እዩ። ሰበይቲ ድማ ቤተክርስቲያን ንክርስቶስ ከም ትግዛእ ምግዛእ ማለት ዩ። ሓዳር ብፍቅራዊ ማዕበል ብንፅህናዊ ህይወት እትነብረሉ ዝዓበየ ሃፍቲ እንትኾን። ብስጋ ብምፅዓር ብስራሕ ብነፍስካ ብፀሎት ብፆም ብስግዳን ብኣገልግሎት ብምፅማድ ን እግዚአብሔርን ንሰበይትካን ኣሕሊፍካን ቀዲስካን ትነብሮ ህይወት እዩ። ስለዚ ዝተቀደሰ ሓዳር ንክህልወኻ ንሰበይትካ ንሰብኣይካ ብፍቅሪ ምሙንዃስ ወሳኒ እዩ። ኢትኩኑ ስዱዳን እም ክልኤቱ ዓለም ይቅፅል...... https://t.me/D_n_kibrom_desta

ሰይጣን ዝሙት ሰራሕካ ሰረቅካ መጨረሻ ብተስፋ ምቁራፅ ሞትካ ክዛዘም ጥራሕ እዩ ዝደሊ ፍትወይ ንስካ ግን ዝሙት እንተስረሐካ ወደቂካ ምትራፍ ከይኾነስ ተልዓል ብፀሎት ስግዳን ሰዓሮ ኢካ .... ተሰረቅካ ምፅዋት ብምሃብ ሰዓሮ ኢኪ ኩሉ ጊዜ ዘሸንፍ መጠረሻ ዝሰዓረ እዩ'ሞ ብሓጥያት ምንባርካ ከይኾነስ ብንስሃ ምዝዛምኻ እርግፀኛ ኩን ....ብዘይ ሞት እምነት ዘይሞት ተስፋ ይሃልውካ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ለይት ቅዳሴ ትከድ እንድሕር ሰይጣን ሲዒሩ ኣቅርዩካ ቀትሪ ከይድካ ኣሕፍሮ ኢካ https://t.me/D_n_kibrom_desta

ኣሕዋተይ ኣይኾነን ዶ ንተንኮል ንክፍአት ንሰብ ምጉዳእ ይቅረ ሞ ፅድቂ ንሰርሓሉ ጊዜ እንዃን ሓፂር እዩ ። ፅባሕ ክምለስ ፅባሕ ጊዜ አለኒ ቀፃሊ ናበልና እግዚአብሔር ዝሃበና ና ንስሃ ዕድመ ኣይነቃፅል ምእንታን ዘመን ንፍስሃ ክህበና ኣሕዋተይ.......... https://t.me/D_n_kibrom_desta

(መዝሙር ዳዊት 9 ) ===================== 1 ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ኵሉ ተአምራትካ ኽነግር እየ። 2 ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑል፣ ንስምካ ኽዝምር እየ። 3 ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፣ ወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ። 4 መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣ ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ። 5 ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣ ስሞም ከኣ ንዘለአለም ደምሰስካዮ። 6 ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣ ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን። 7 እግዚኣብሄር ግና ንዘለአለም ነጊሱ ይነብር፣ ዝፋኑ ንፍርዲ ኣዳለዎ። 8 ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ፣ ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ። 9 እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ። 10 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም። https://t.me/D_n_kibrom_desta