en
Feedback
መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

Open in Telegram

Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.

Show more
2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
ኣብ ልዕሊ #GSTS ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመን ብሓፈሻ ኣብ ኣንፃር ነፃ ትካላት ትግራይ ዘሎ ምንቕስቓስን ንመላእ ኣባላትናን ህዝብና ህዝቢ ትግራይን ምፍላጥ ይምልከት 👉 #GSTS
+1
ኣብ ልዕሊ #GSTS ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመን ብሓፈሻ ኣብ ኣንፃር ነፃ ትካላት ትግራይ ዘሎ ምንቕስቓስን ንመላእ ኣባላትናን ህዝብና ህዝቢ ትግራይን ምፍላጥ ይምልከት 👉 #GSTS

ብልዕሊ ሓደ ሚልየን ብር ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ን10 ዋዕሮ ተጋደልቲ ናይ ሞተርሳይክል ሓገዝ ተገይሩ ። ትካል ገባሪ ስናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናት ሙሉ ምስ ግዱሳት ተጋሩ
+2
ብልዕሊ ሓደ ሚልየን ብር ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ን10 ዋዕሮ ተጋደልቲ ናይ ሞተርሳይክል ሓገዝ ተገይሩ ። ትካል ገባሪ ስናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናት ሙሉ ምስ ግዱሳት ተጋሩ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ለንደን ዲያስፓራ ብምትሕብባር ንጉዱኣት ኣካል ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ናይ ሞተር ሳይክል ሓገዝ ተበርኪቱለን ። ኣካያዲ ስራሕ ትካል ገባሪ ስናይን ማእኸል መዕበይ ህፃናት ዝኾኑ መምህር ሙሉ ሃይለስላሰ እቲ ንጀጋኑ ዋዕሮ ትግራይ ተጋደልቲ ዝተገበረ ሓገዝ ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ከምዝኾነ ገሊፆም ። ኣይተ ሙሉ ሃይለስላሰ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ዛጊድ ኣብ እግሪ ምትካል ተመልሰቲ ተጋደልቲ፣ ምሕካም ውጉኣት ፣ ምሕጋዝ ስድራ ስውኣት ሓገዝ እናገበራ ከምዝመፃኣ ሓቢሮም። ተወካሊ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ዝኾኑ ኣክሊሉ ኣለምብርሃን ብወገኖም እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾን ንጀጋኑ ተጋደልቲ ዝገበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኣኢሎም። ሓገዝ ዝተገበረለን ጀጋኑ ዋዕሮታት ድማ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ዝተገበረለን ውህብቶ ምስጋና ኣቕሪበን። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ነበርቲ ለንደን ዛጊድ ልዕሊ 12 ሚልየን ብር ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝገበራ ተገሊፁ ። #ድወት

ሃንደበት ምቍራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ መደባት ጥዕና ናብ ሓደጋ የእትዎም ኣሎ - ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃንደበት ምቍራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ መደባት ጥዕና ናብ ሓደጋ የእትዎም ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥ
ሃንደበት ምቍራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ መደባት ጥዕና ናብ ሓደጋ የእትዎም ኣሎ - ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃንደበት ምቍራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ መደባት ጥዕና ናብ ሓደጋ የእትዎም ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም። "ምምሕዳር ኣሜሪካ ንነዊሕ ዘመን ብጣዕሚ ለጋስ ኾይኑ ፀኒሑ እዩ። እንታይን ክንደይ ዝኣክልን ከም ዝድግፍ ምውሳን ድማ መሰሉ እዩ።" ክብሉ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ገፅ ፌስቡኮም ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ገሊፆም። ካብ ኣሜሪካ ዝመፅእ ዝነበረ ሓገዝ ሃንደበት ምቍራፁ ግና፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐፀለ ምምሕያሽ ዝተፈላለዩ መደባት ጥዕና ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎ ድማ ሓቢሮም። ህይወት ደቂ ሰባት ዘጥፍእ ምቍርራፅ ግልጋሎት ከይተፈጥረ ናብ ዘላቒ መፍትሒ ዘምፅኡ ትልሚታት ንምስግጋር ኣሜሪካ ምስ ዝተጎድኣ ሃገራት ክትዝትይ ሓቲቶም። ካልኦት ለገስቲን ኣብ ሓገዝ ገንዘብ ኣሜሪካ ዝተመስረቱ ሃገራትን ብዝኽእሉዎ መጠን ክሰርሑ ፀዊዖም። Tigrai Mass Media Agency

ንፅንተታዊ ኹናት ትግራይ ስዒቡ ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኹ ዘለዉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምንካይ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ተባሂሉ። ኣብ ትሕቲ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ትካል ገባሪ ሰናይ ሆ
ንፅንተታዊ ኹናት ትግራይ ስዒቡ ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኹ ዘለዉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምንካይ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ተባሂሉ። ኣብ ትሕቲ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ትካል ገባሪ ሰናይ ሆፕ ኣፈፃፅማ መደባት ዝሓለፈ መንፈቕ ዓመት ገምጊሙ። "ሆፕ" ኣብ ትሕቲ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤመሪካ እዩ። ትካል ገባሪ ሰናይ ሆፕ ኣብ ከተማታት ዓዲግራት፣ ዓድዋን ሽረን ማእኸላት ፕሮጀክት ኸፊቱ ብቐንዱ ኣብ ምዕባይ ግንዛበ ሜላታት መከለኸልን ከይዲ ምርመራን ኤች ኣይቪ ኤድስን መንሽሮ በሪ ማህፀንን ከምኡ ድማ ኣብ ምሕብሓብን ደገፋትን ግዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ። እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዓመት ኣብ ሰለስተ ከተማታት ትግራይ ክሰርሖም ዝተለሞም ንጥፈታትን ከይዲ ኣፈፃፅመኦምን ኣመልኪቱ ገምጋማዊ መድረኽ ኣሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ፣ኣብ ዝሓለፈ መንፈቕ ዓመት ኣብ ምርመራ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፣ ኣቛሪፆም ዝነበሩ ተጠቀምቲ መከላኸሊ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣተኣላልሽካ ዳግም ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣብ ምግባር ፣ኣብ ምሕብሓብን ምክንኻንን ሕሙማትን ካልኦት ንጥፈታትን ዘተባብዕ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ። ይኹን እምበር ሓዚ እውን ንኹናት ፅንተት ትግራይ ስዒቡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብዝለዓለ ናህሪ ይውስኹ ስለዘለዉ ምስ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት ተናቢብካን ልዑል ቆላሕታ ሂብካን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ እዩ። ትካል ገባሪ ሰናይ ሆፕ ኣቐዲሙ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ማእኸል ፕሮጀክት ከፊቱ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኮይኑ ተበፃሕነቱ ዝያዳ ብምስፋሕ ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ተወሰኽቲ ማእኸላት ፕሮጀክት ኣብ ከተማታት ዓድዋን ሽረን ከፊቱ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ። #TigrayYouthAssoc.

"ክትስዕር ዘለዋ ትግራይ እያ" – ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬተርያት ፀጥታን ሰላምን ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እዙይ ዝበሉ ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ካብ መላእ ትግራይ ዝተውፃፅኡ ስድራ ስውኣት ሓገዝ ኣብ ዝተገበረሉ መደረኽ እዩ ። ከምተጋሩ ዘለና ሃፍቲ ተፈጥሮ ይኹን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዓቕሚ ተጠቒምና ኢና ክንሓወይ ዝግባእ ድማ ክብሉ ተዛሪቦም ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ስድራ ስውኣትና ክንሕግዞም ፣ደቂ ስድራ ስውኣት ክምሃሩ ዓርሶም ክኽእሉ ክንረባረብ ይግባእ ክበሉ ድማ ገሊፆም። ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኩናት ሃፍቱ ወዲሙ ኣብ ድኽነት ዘለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ዝበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኩሉ ስድራ ስውእ ክሕገዝ ዝግበኦ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ ኢሎም ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ኣብ ላዕሊ ስትራቲጂካውን ፓለቲካውን እምበር ኣብ ታሕቲ ከምዘይኮነ ድማ ሓቢሮም። መፍትሒኡ ድማ ኣብ ላዕሊ ገጢምና ዘሎ ፓለቲካዊ ስትራቴጂካዊ ውድቀት ምፍታሕ እዩ ኢሎም ። ሰዓራይ ተስዓራይ፣ ሃዳኒን ተሃዳኒን፣ ፀራጊን ተፀራግን፣ መባረሪን ተባራሪን የለን ዝብሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እንተ ስዒራ ትግራይ እያ ትስዕር እንተተሳዒራ ድማ ትግራይ እያ ትስዓር ብምባል ክትስዕር ዘለዋ ትግራይ እያ ኢሎም። ከይትስዓር ንጥንቀቓ ዘለና ድማ ትግራይ እያ ክብሉ ተዛሪቦም። ሕዚ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ህዝቢ ንሓደጋ ዝቃልዕን ንስርዓት ኣልቦታት ዘረፍትን ዕድል ዝህብ ስለዝኾነ ሓይልታት ፀጥታ ድማ ኣብ ሓለዋ ፀጥታን ድሕንነትን ህዝቢ ካብ ወትሩ ብዝለዓለ ደረጃ ክረባረቡ ይግባእ ክብሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ፀዊዖም። ኩለን ኣብያተዕዮ መንግስታዊ ግልጋሎት ክቕፅላ ድማ ኣተሓሳሲቦም። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምጥንኻር ድማ ግዜ ዘይውሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊጾም። ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ብምፍጣር ዕዳጋ ክኸብር ዝገብሩ ዘለዎ፣ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ኣብ ምርግጋዕ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ ድማ ኢሎም። ትግራዋይ መንነት ብደምን ኣዕፅምትን ብዘበናት ዝተሃነፀ ክቡር መንነት እዩ።እዙይ ክቡር መንነት ትሕቲ ትግራዋይ መንነት ዝኾኑ ንኡሳት መንነታት እውን ሒዙን ኣኽቢሩን ዝተሃነፀ መንነት እዩ ድማ ክብሉ ተዛሪቦም ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ። መንእሰይ ትግራይ እዚ ግዜ ናትካ እዩ ዝበሉ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዘለካ ናይ ለውጢ ድሌትን ሕቶ ተጠቃምነትን ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ንእትፍጥሮ ጸቕጢ ቅቡል እዩ ብምባል ናይ ካልኦት ድሌት መጥቀሚ ክትኽውን ኣይግባእን ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም። # ፈይሰል ሙስጦፋ #ድወት

Many people have made money by joining Valero Energy, so what are you waiting for? Join Valero Energy and make money at home at any time. Making money is as easy as breathing. Prepare for tomorrow with Valero Energy. If you are not willing to keep up with the times, you will be eliminated by the times. Join Valero Energy and find your own wealth code. As long as you are eager for wealth, don't hesitate and join Valero Energy immediately Official registration address: https://www.valerosn.com/?invitation_code=58DC2 Official Telegram channel: https://t.me/Valero1

ኣብ ትግራይ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ 7 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ
ኣብ ትግራይ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ 7 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ሸውዓተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ። ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ መዓሾ ኣስመላሽ ከምዝገለፁዎ÷ ጎይቶኦም የማነ ለገሰ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብታ ወረዳ ንኽልተ ደቂ ኣንስትዮ ብምትላል “ናብ ስዑድ ዓረብ ክወስደክን እየ” ብምባል ምንቅስቓስ እንትጅምር ብክትትል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ክውዕል ክኢሉ። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝወዓለሉ እዋን ጀሚሩ ኣድላዪ ስራሕቲ ምፅራይ ብምክያድ ድማ መዝገቡ ናብ ቤት ፍርዲ ክምራሕ ተገይሩ። ብምዃኑ እውን ነዚ ንምርኣይ ዝተሰየመ መጋባእያ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ÷ ተኸሳሲ ጎይቶኦም የማነ ለገሰ ብዝፈፀሞ ዘይሕጋዊ ተግባር ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ፤ ሸውዓተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ክልተ ሽሕ ብር ጥረ ገንዘብን ክቕፃዕ ከምዝወሰነ እቶም ኣዛዚ ገሊፆም። © FBC Tigrigna

ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ንልዕሊ 327 ስድራ ስውኣት ልዕሊ 13 ሚልየን ብር ደገፍ ናይ ምሃብ መርሃ ግብሪ የሳለጥ ኣሎ። ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተኣኻኸቦ ገንዘብ ካብ
+2
ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ንልዕሊ 327 ስድራ ስውኣት ልዕሊ 13 ሚልየን ብር ደገፍ ናይ ምሃብ መርሃ ግብሪ የሳለጥ ኣሎ። ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተኣኻኸቦ ገንዘብ ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ብረቛሒ ንዝተመረጹ ልዕሊ 327 ስድራ ስውኣት ናይ ገንዘብ ድገፍ ተገይሩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃርበኛታት ትግራይ ኣይተ ናስር መምሑር ኣብቲ ስበ ስርዓት ተረኺቦም ቴሌቶን ተኻይዱ ከምዝነበረ ብምዝካር እቲ ሕዚ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሰራዊት ትግራይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝገበርዎ ብፍትሓዊ መንገዲ ይከፋፈል ከምዘሎ ገሊፆም ። ኮሚሽን ሃርበኛታት ብኣዋጅን ሕጋዊ ከይድታት ተኸቲሉ ከምዝተጥየሸ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ዓበይቲ ዕማማት ሕክምና ንውጉኣት ተጋደልቲን ምሕካም፣ ድገፍ ንስድራ ስውኣት ከምዘሳለጠ ተሓቢሩ ። እቲ ፍይናንሳዊ ደገፍ 12 , 572 300 ሚልየን ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝተኣከበ ከምዝኾነ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ገ/ሚካኤል ግሩም ገሊፆም። ሓገዝ ዝተገበረሎም ስድራ ስውኣት ድማ ኣስታዊስኹም ስለዝጠየቕኩምና ነመስግን ብምባል ክትትልኩም ኣይፈለ ክብሉ ተዛሪቦም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረዳ ሓዊሱ ናይ መንግስትን ስራዊት ሓለፍትን ተረኺቦም እዮም። # ፈይሰል ሙስጦፋ #ድወት

ኣብ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ብዘይ ምኽንያት #ዋጋ_ሸቀጣሸቀጥ ክንህር ኣብ ዝገበሩ ወገናት #ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ቤት ፅ/ት ዘፈር መንግሰታዊ ኣገልግሎት እታ ከተማ ኣፍሊጡ ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ምንም
ኣብ ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ ብዘይ ምኽንያት #ዋጋ_ሸቀጣሸቀጥ ክንህር ኣብ ዝገበሩ ወገናት #ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ቤት ፅ/ት ዘፈር መንግሰታዊ ኣገልግሎት እታ ከተማ ኣፍሊጡ ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ምንም ምኽንያት ብዘየብሉ ሸቀጣ ሸቀጥ ሓደ ሓደ ነጋዶ ናህሪ ዕዳጋ ክውስኽ ምግባሮም ሰዒቡ ሕ/ሰብ እናማረረ ከም ዝርከብን ነዚ መሰረት ተገይሩ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምስ ፖሊስ ቤት ፅ/ት፣ ዘፈር መንግስታዊ ኣገልግሎት ከ/ሰራሕ ንግዲ ቁፅፅርን ብቐዳም ዕለት 06/07/2017ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ጥራሕ - ኣብ እንዳ በርበረ መጠንቀቅታ = 3 ፣ ዕሽግ = 21 ፣ እሱር = 1 ኣብ እንዳ ዘይቲ = 2 ከም ዝተዓሸጉ እቲ ቤት ፅ/ት ኣፍሊጡ ። እዚ ክትትል ተጠናኺሩ ከም ዝቅፅልን ዝሓብኡን ብኽባር ዝሸጡ ነጋዶ እንተገጥሙ ጥቆማ ንኽግበረሉ እቲ ቤት ፅ/ት ገሊፁ ኣሎ ። ከም ከተማ ጠቕላላ ኣመራርሓን ምስ መላእ ነባራይ ህዝብናን ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ኣብ ዝሓብኡን ዝስውሩን ከምኡ 'ውን ዘይኮነ ዋጋ ዘኽፍሉን ኣካላት ዕቱብ ክትትል ብምግባር እቲ ምውሳድ ሰጉምቲ ተጠናኺሩ ከም ዝቅፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ ። 👉 ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ ሸረ እንዳሰላሰ መጋቢት 06/2017 ዓ/ም

ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊፁ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ወረዳ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ
+4
ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊፁ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዋ ኣናእሽቱ ከተማታት ወረዳ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ። ዳይሬክቶሬት ልምዓት ኢነርጂ እቲ ቢሮ፥ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንመናእሰይን ገባራትን ናይ ባዮ ማስ ቆጠብቲ እቶናትን ናይ ሶላር ቴክኖሎጂታትን ንምትእትታው ዝዓለመ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣካል ኣብ ገጠር ወረዳታት ኣብ ዘለዋ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ መድረኽ ምልላይ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ዉሕስንኦም ዝተረጋገፀ፣ ወፃእን ሓይልን ቆጠብቲ ብልቓሕ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ናይ ምልላይ፣ ምሻጥን ምዝገባን ስራሕቲ ይሳለጥ ምህላዉ ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። 👉 #ኤፍ ኤም ሲ

ምምሕዳር ከተማ ማይጨዉ ን313 #ስድራ_ስዉኣት ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸዉን መሬት ዓዲሉ፡፡ ከንቲባ ከተማ ማይጨዉ ተጋዳላይ የዉሃንስ ኣዱኛ ከም ዝበልዎ ሎሚ ኣብ ከተማና ን313 ኣባላት ስደራ ስዉኣ
+3
ምምሕዳር ከተማ ማይጨዉ ን313 #ስድራ_ስዉኣት ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸዉን መሬት ዓዲሉ፡፡ ከንቲባ ከተማ ማይጨዉ ተጋዳላይ የዉሃንስ ኣዱኛ ከም ዝበልዎ ሎሚ ኣብ ከተማና ን313 ኣባላት ስደራ ስዉኣት መንበሪ ቦታ ከም ዝተዉሃቡን እዚ ደማ ንጀጋኑና ይዉሕዶም እምበር ኣይበዝሖምን ድሕር ምባል ነዚ ዕደላ ንከነካይድ ይገጥሙና ዝነበሩ ፀገማት ንክንፈትሕ ዝወሰድናዮ ነዊሕ እዋን ብትዕግስቲን ፅንዓትን ተፀቢኹምን ኣብ ጎኒና ኾይኒኹም ዝሓገዝኹምናን ናብዚ ዘብቃዕኹምናን ስድራ ስዉኣት ክብሪ ይግበኣኩም ድሕር ምባል ምምሕዳር ከተማ ማይጨዉ ቀፃሊ ዉን ንሃርበኛታት፣መናእሰይን ደቂ-ስዉኣትን ተመሳሳሊ መንበሪ ቦታ ንምሃብ ምድላዋቱ ወጊኑ ከም ዘሎን በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ንዝምልኸቶ ህዝብና ኹሉ ተጠቃሚ ንምግባር ድሉዉ ምኻኖምን ኣረጋጊፆም፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መሬትን ካዳስተርን ከተማ ማይጨዉ ኣይተ ባህሩ ኣስፋዉ ብግዲኦም ንመስዋእቲ ዘይትሰከፈ ህዝቢ ናይ መድረኽ ቃልሲ ክስከፍ የብሉን። ስለዚ ኣብዚ ዕደላ ዘይምልከቶ ኣካል ተጠቃሚ ክኸዉን ኣይግባእን፣እዚ ክቡር መስዋእቲ ዘራኽስ ስራሕ ክህሉ ከምዘይግባእን ዘይግበኦ ረብሓ ንምርካብንዝፈተነ ኣካል ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኸኸውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡ ዘዘራረብናዮም ኣባላት ስድራ ስዉኣት ብወገኖም ነዚ ሎሚ ዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ ኸቢድ ሓዘንን ንብዓትን ንዘሎ ስድራ ስዉእ ዝተጀመረ ሓገዝ ዘተባብዕ ኾይኑ ንቀፃሊ ዉን ኣብ ጎኒና ኾይኖም ሓገዞም ከጠናክሩ ይግባእ ኢሎም ክብል ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ከተማ ማይጨዉ ፀብፂቡ። 👉 ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክ/ትግራይ 06 መጋቢት 2017ዓ.ም መቐለ

ዜና ዕረፍቲ ተጋዳላይ ከያኒ ኪዳነ ሃይለ ወለላ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ከተማ ሸራሮ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ዕለት 06 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ዓሪፉ። ተጋዳላይ ኪዳነ ሃይለ ካብ
ዜና ዕረፍቲ ተጋዳላይ ከያኒ ኪዳነ ሃይለ ወለላ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ከተማ ሸራሮ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ዕለት 06 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ዓሪፉ። ተጋዳላይ ኪዳነ ሃይለ ካብ ኣቡኡ ኣይተ ሃይለ ወለላ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ የሺ ገብረእግዚኣብሄር ብ1956 ዓ.ም. ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣቢያ ኣደሚቲ ዝተወለደ ኮይኑ፣ ብ1978 ዓ.ም. ናብ መስርዕ ህወሓት ተፀንቢሩ። ድሕሪ ምዝዛም ታዕሊም ናብ ክፍሊ ባህሊ ህወሓት ተመዲቡ፣ ካብቶም ንባህሊ ትግራይ ብሓፈሻ ብፍላይ ከዓ ባህሊ ብሄረ ሰብ ኩናማ ኣብ ምዕባይ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ከየንቲ ተጋደልቲ ትግራይ ሓደ እዩ። ኪዳነ ሃይለ ደራሲ ዜማን ግጥምን፣ ድምፃዊ፣ ሙዚቀኛ ኮታስ ተደራራቢ ክእለት ዝወነነ ኣባል ብሄረ ሰብ ኩናማ እዩ። ተጋዳላይ ከያኒ ኪዳነ ሃይለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ። ስነ ስርዓት ቀብሩ ኣብ ከተማ ሸራሮ ፅባሕ 7 መጋቢት 2017 ዓ.ም. ሰዓት 2፡00 ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንዳ መድሃኔ ዓለም ከም ዝፍፀም ትግራይ ቲቪ ሓቢሩ ። ንመላእ ስድራን፣ መቓልስቱን መላእ ህዝቢ ትግራይን ፅንዓት ንምነ። ©ድወት

"ብደገ ተደፊእና ኮነ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ኩነታት ዝግበር ኲናት የለን" ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪታርያት ሰላምን ፀጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ
"ብደገ ተደፊእና ኮነ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ኩነታት ዝግበር ኲናት የለን" ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪታርያት ሰላምን ፀጥታን ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ) ነዚ ዝበሉ ሐዚ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ጋዜጣዊ መግለጺ ይህቡ ኣብ ዘለውሉ እዩ። ጀነራል ታደሰ፣ፓለቲካዊ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ዝግበሩ ዝነበሩ ናይ ልዝብ መድረኻ ብናይ ተደራደርቲ ኣካላት ዕንቕፋት ከይተፈተሐ መጽዩ እዩ ኣሎም። ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ ሓደ ንካሊእ ብምስዓር ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝኸድዎ መንገዲ ናብ ጎንፂ ከይዓቢ እናተሰረሐ ከምዝመጸ ብምግላጽ ፤ ነቲ ፀገም ብዓቕሚ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንምፍታሕ ዝተገበረ ስራሕ ከይተዓወተ ምጽንሑ ገሊጾም። ነቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ስዒቡ ዝተፈላለዩ እንተታት ይለዓሉን ህዝቢ ከይረጋጋዕ ግደ ከምዘለዎን ዝገለጹ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፣ ብደገ ተደፊእና ኮነ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ኩነታት ዝግበር ኲናት የለን ኢሎም። ጀነራል ታደሰ ፣ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኢሉ ከምዘይኣቱ ዝገለጹ እንትኾን ፣እቲ ፀገም ብፓለቲካዊ መፍትሒ ዕልባት ክረክብ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኹነታት ስዒቡ ኣሳዳድን ተሳዳድን ዝብል ኩነታት ከይፍጠር ስግኣት ከምዘሎ ዝገለጹ ጀነራል ታደሰ ወረደ (ወዲ ወረደ )እዚ ጌጋ ምዃኑን ኣብ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለው ኣካላት ተረጋጊኦም ሰረሐም ክሰርሑ ይግባ እውን ኢሎም። #ድወት

ፈፂሞም ሸለል ክበሃሉ ዘይግበኦም ሓሙሽተ ቀንዲ ምልክታት #መንሽሮ_መዓንጣ (Colon Cancer) እነሆ፤ 1. ተኸታታሊ ለውጢ ኣብ ልሙድ ተግባራት መዓንጣ - ቀፃሊ ተምላስ፥ ምሕቃቕ መግቢ ወይ ንንው
ፈፂሞም ሸለል ክበሃሉ ዘይግበኦም ሓሙሽተ ቀንዲ ምልክታት #መንሽሮ_መዓንጣ (Colon Cancer) እነሆ፤ 1. ተኸታታሊ ለውጢ ኣብ ልሙድ ተግባራት መዓንጣ - ቀፃሊ ተምላስ፥ ምሕቃቕ መግቢ ወይ ንንውሕ ዝበለ መዓልታት ዝፀንሕ ቀጢን ሰገራ ኣብ መዓንጣ ፀገም ከምዘሎ ከመልክት ይኽእል። 2. ደም ኣብ ሰገራ ወይ ምፍሳስ ደም መሃንቱስ - ድሙቕ ቀይሕ ወይ ፀሊም፥ ኣብ ሰገራ ዝረአ ደም ምልክት ምፍሳስ ደም ካብ መዓንጣ ወይ መሃንቱስ ክኸውን ይኽእል። 3. መግለፂ ዘይብሉ ክብደት ሰብነት ምቕናስ - ኣብ ኣመጋግባ ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት ለውጢ ከይተገብረ ሃንደበታዊ ዘይተፈለጠ ክብደት ሰብነት ምጉዳል ምልክት መንሽሮ ንክፋል ኣካላት መሕቀቒ መግቢ ዝፀሉ መግለፂ ክኸውን ይኽእል። 4. ቀፃሊ ኣብ ከብዲ ዝህሉ ምቾት ምስኣን - ምጭብባጥ፣ ምንፋሕ፣ ቃንዛ ወይ ስምዒት ምልኣት ብፍላይ ድሕሪ ምብላዕ ኣብ መዓንጣ ሕበጥ ከምዘሎ ምልክት ክኸውን ይኽእል። 5. ድኻምን ምፅዕዓንን - ሕዱር ድኻም ወይ ምፅዕዓን መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ሕፅረት ሓፂን ዋሕዲ ደም (iron deficiency anemia) ብሰንኪ መንሽሮ መዓንጣ ዝመፅእ ቀስ ዝበለ ውሽጣዊ ምፍሳስ ደም ከስዕብ ይኽእል። ዓርስና ወይ እንፈልጦ ሰብ እዚ ምልክታት እዚ እንተ ኣጋጢሙዎ ብኣግኡ ኩነታት ጥዕናና ምፍላጥ ህይወት ስለ ዘድሕን ንሓኪም ምውካስ ኣገዳሲ እዩ። ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን! ብሓልዮትና ንምረፅ! 👉 ሆስፒታል ሪምና ኣድራሻ፥ መቐለ፥ ዓይደር ትራፊክ መብራህቲ

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ዲፕሎማቲክ ማህበረሰብ ይሳለጥ ኣሎ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማህበረ
+1
ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ዲፕሎማቲክ ማህበረሰብ ይሳለጥ ኣሎ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማህበረሰብ የሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኢዩ ዝምራሕ ዘሎ። ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ንባዕሉ ነፂሉ ዝወፅአ ኣንጃ ህወሓት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ንከይትግበር ዕንቅፋት ከምዝኾነ ገሊፆም። ብተወሳኺ ቦርድ ምርጫ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንከካይድ ዝሃቦ መምርሒ ዘይምቕባሉ ኣረዲኦም። መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትግበር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ መንግስቲ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ብፅሞና ይከታተሎ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ፀፅታን ሰላምን መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ብግደኦም፥ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንባዕሉ ገንፂሉ ዝወፅአ ኣንጃ ህወሓት ኣብ ዕለታዊ ተግባራት ግዚያዊ ምምሕዳር ፀገም እናፈጠረ ምምፅኡ ኣረዲኦም። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ዘለዎም ግደ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። FBC Tigrigna

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምትግባር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትትራን ዝረአ ዘሎ ምድላው ኲናት ደው ክብል ይግባእ -ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርግጋእ ካሊእ ዞባዊ ኲናት ንምዕዳም ዘለዎ ተኽእሎ ዝለዓለ ምዃኑ ነበር ምክትል ፍሉይ ልኡኻት ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ልኡኽ ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣጠንቂቖም፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ዘይምፍፃም ወይ ድማ ምፍራስ፤ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ዝጠቐሱ ነበር ምክትል ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፓይቶን ኖፍን ተወካሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣሌክሳንደር ሮንዶዝን፤ ዞባዊ ጥፍኣት ቅድሚ ምጅማሩ ማሕበረሰብ ደው ከብሎ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ክትግበር ዝፀውዑ እቶም ዴፕሎማሰኛታት፤ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ግና ካብ ምብራቕ ክሳብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ተስፋሕፊሑ ዘሎ ኲናት ዘጋድድን ካብ ዞባ ቀይሕባሕሪ ክሳብ ዞባ ሳሕል ናብ ምሉእ ጥፍኣት ዝዕድምን ምዃኑ ኣብ መፅሄት ፎረይን ፖሊሲ ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ኣገንዚቦም፡፡ ሕቡራት ኤምሬት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ከይነን ብምሽምጋል ወይ ድማ ንናይባዕለን ደገፍቲ ንምዕባይ ዝገብርኦ ፅምዲ ኣብቲ ዞባ ዘለወን ድሌታት ብግልፂ ዘረድእ ምዃኑ ዝጠቐሱ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን፤ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምድሓን ኣብ ምፅዳፍ ዘሎ ከባቢ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ምምላስ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ምዕጋት እንተዘይ ተኻኢሉ፤ ኣብ ኮንጎ፣ ሱዳንን ዩክረይንን ይረአ ከምዘሎ ሓይሊ ዘለዎ ኩሉ ዝደለዮ መሬት ወይ ማያዊ ኣካል ጠሪሩ ክወስድን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዘይወፆ ምትህልላቕ ከምርሕ ከም ዝኽእልን ዝጠቐሱ ነበር ምክትል ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፓይቶን ኖፍን ተወካሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣለክሳንደር ሮንዶዝን፤ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምድሓን መንገዲ ጥፍኣት ክዕፆ ንማሕበረሰብ ዓለም ፀዊዖም፡፡ #TigryTv

ሕብረት ኣፍሪካ ፡ " ዝተረኽበ ሰላም ንምዕቃብን ንዘላቒ ህንፅት ሰላም፡ ዕርቅን ልምዓትን ምችዊ ሃዋህው ንምዕባይን፡ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ምኽባር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ሕብረት ነዚ ዝበለ
+1
ሕብረት ኣፍሪካ ፡ " ዝተረኽበ ሰላም ንምዕቃብን ንዘላቒ ህንፅት ሰላም፡ ዕርቅን ልምዓትን ምችዊ ሃዋህው ንምዕባይን፡ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ምኽባር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ሕብረት ነዚ ዝበለ ኩነታት ክልል ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ እዩ ። ሕብረት ኣፍሪካ " ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ብዓሚቕ ስክፍታ ብቐረባ ክከታተሎ ፀኒሑ እዩ " ዝበለ እቲ መግለፂ - "ኣገዳስነት ምርግጋእን ሰላምን ኣብቲ ዞባ ብምጉላሕ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ልጓም ክገብሩን ኣብ ሃናፂ ዘተ ክዋፈሩን ይጽውዕ " ኢሉ ። ሕብረት ኣፍሪካ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንመፅባዓታት እቲ ስምምዕ ከኽብሩን ንምርግጋፅ ሰላማዊ ፍታሕ ብሓባር ክሰርሑን ድማ ለበዋ ኣቕሪቡ። ብመንፅር ሕዚ ዝርኣይ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት፡ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝተቐመጠ ግዴታታት ክሕለው ኣትሪሩ የተባብዕ ድማ ኢሉ ። ሕብረት ኣፍሪካ ፡ ነቲ ዝተረኽበ ሰላም ንምዕቃብን ንዘላቒ ህንፀት ሰላም፡ ዕርቅን ልምዓትን ዝምችእ ሃዋህው ንምዕባይን ፡ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ምኽባር ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚረሉ። ሕዚ እውን ሕብረት ኣፍሪካ ንትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይንቕነቕ ደገፍ ደጊሙ የረጋግጽን ዝበለ ኮይኑ ኣብዚ ምሉእ መስርሕ ክትግበር ንኩሎም ኣካላት በቲ ከይዲ ከምዝድግፍ ድማ ገሊፁ። ሕብረት ኣፍሪካ ብመንገዲ ላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዘተን ምትሕብባርን ንምምችቻው ቀጻሊ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝለዓለ ስነ-ጥበብ ኲናት ንፀላኢ ከይተዋጋእካ ምሽናፍ እዩ። እቶም ዝበለጹ ዓወት ውግኣት ኣብ ቀጥታዊ ውግእ ከይተፀምዱ ዝርከቡ እዮም። ንሓደ ፀላኢ ንምድኻም ስትራተጂ፡ ምትላልን ስነ-ኣእምሮኣዊ
እቲ ዝለዓለ ስነ-ጥበብ ኲናት ንፀላኢ ከይተዋጋእካ ምሽናፍ እዩ። እቶም ዝበለጹ ዓወት ውግኣት ኣብ ቀጥታዊ ውግእ ከይተፀምዱ ዝርከቡ እዮም። ንሓደ ፀላኢ ንምድኻም ስትራተጂ፡ ምትላልን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሜላታትን ምጥቃም ኣብ መወዳእታ ናብ ዓወት ከብፀካ ይኽእል እዩ። The art of War '' Sun TZU''

መግለፂ ሰክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ኣብ ትግራይ እንዳተኻረረ ዝመፀ ፖለቲካዊ ሽግር ናብ ናይ ፀጥታ ሓደጋ ከይሳገር ብልዝብ ንምፍታሕ ሰፊሕ ፃዕሪ ክግበር እንተፀነሐውን ካብ ድሌት ምስኣንን ምጥፍፋእ
+1
መግለፂ ሰክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ኣብ ትግራይ እንዳተኻረረ ዝመፀ ፖለቲካዊ ሽግር ናብ ናይ ፀጥታ ሓደጋ ከይሳገር ብልዝብ ንምፍታሕ ሰፊሕ ፃዕሪ ክግበር እንተፀነሐውን ካብ ድሌት ምስኣንን ምጥፍፋእ ምምራፅን ዝተበገሰ ከይሰመረ ተሪፉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፓለቲካዊ ኩነታትና በቢእዋኑ ካሊእ መልክዕ እናሓዘ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ መከራ ዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ክፍፀም ፀኒሑ ሎሚ ቅነ ድማ ነቲ ፀገማትና ዘጋድድ ዘይንቡር ውሳነታትን መግለፀታትን ይወሃቡ ኣለዉ። ፀገምና ውሽጣውን ካብ ናይ ደቂ ትግራይ ዓቅምን ዕቑር ጥበብን ንላዕሊ ዘይኮነ ብስኹን ልቦና ዝፍታሕ እናሃለው ነቲ ካብ ፈለማውን ዘይተፈለየና ዋና መዳርግቲ ዝኾነ ፌደራል መንግስቲ ነቲ ሽግር ክፈትሕ ናብ ትግራይ ምፅዋዕ ካብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ወፃኢ ፍፁም ሓይሊ ዘይሕሰበሉ ሽግርና ዝተፈለየ ናይ ሓይሊ ምትእትታው ዝዕድም እዩ። እዚ ነቲ ሽግር ደጋዊ መልክዕ ክሕዝን ክዓሙት ዝገብርን ምስ ፌደራል መንግስቲውን ምትእምማን ካብ ምጉዳእን ምጥርጣር ምፍጣርን ሓሊፉ ዘይጠቅም ሓለፍነት ዝጎደሎ እዩ። ምስ ፌደራል መንግስቲ ከም ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ሰላምን ደሕንነትነን ህዝቢ ትግራይ፣ ዳግም ሕውየትን ህንፀትን ካልኦት ጭቡጥን መፃኢን ስራሕቲ ዝመሳሰሉ ሕዚ ይኹን ንቕድሚት ጎልቢቶም ክቕፀሉን ክጠናኸሩን ናብ ምሉእ ሰላም ከስግሩና ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት መተኣሳሰሪ ገመዳት ከምዘለዉ ግልፂ እዩ። ካብዚ ሓሊፋ ብዓቅምና ክፍታሕ ንዝክእል ውሽጣዊ ፖለቲካውን ፀጥታውን ሽግራት ንካሊእ ክፈትሓልካ ምዕዳም ዘሰክፍ ጥራሕ እንተይኮነስ ነዚ ኣመልኪቱ ዝህሉ ናይ ሐይሊ ምንቅስቓስ እቲ ፀገም ካልእ መገዲ ክሕዝን ክዓሙትን ክወሳሰብን ህዝቢ ከይቀስንን ዝገብር እዩ። ሰክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን

ኤምባሲታት ምዕራባውያን፣ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትንት ምዕባለታትን ይከታተሉ ከምዘለው ሓቢሮም። ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓ
ኤምባሲታት ምዕራባውያን፣ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትንት ምዕባለታትን ይከታተሉ ከምዘለው ሓቢሮም። ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ "እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ቀፃሊ ምዕባለታን " ዝበልዎ ኩነታት እናተኸታተልና ኢና ኢሎም። እቶም ወከልቲ ምዕራባውያን ሃገራትን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ፡ ድምፂ ተኹሲ ዘህደአ ውዕል ምቁራጽ ተፅብኦታት ፕሪቶርያ ክትግበር ከም ዝድግፉ ብምሕባር " ዳግም ናብ ጎንፂ ምምላስ ክህሉ የብሉን" ብምባል፡ ኩሎም ወገናት " ጎንፂ ዝፈጥር ከህድኡን ብህፁፅ ክላዘቡን " ነተሓሳስብ ኢሎም ። ኤምባሲታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኒውዚላንድ፡ ጃፓን፡ ኖርወይ፡ ቤልጅየም፡ ቡልጋርያ፡ ቸክ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ግሪኽ፡ ስፔን ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሉክሰምበርግ፡ ሃንጋሪ፡ ሆላንድ፡ ኣውስትርያ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ስሎቨንያ፡ ፊንላንድ፡ ስዊድንን ልኡኽ ሕብረት ኤውሮፓን “ ኩሎም ወገናት ንውዕል ምቁራጽ ከኽብሩን ብኣፅንኦት ነተሓሳስብ ንሕና እውን ንትግበርኡ ምሉእ ደገፍ ከምንህብ ዳግማይ ነጉልህ ” ኢሎም ።