መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
+5
ሰንበት 21 መጋቢት 2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ። ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ጣብያ ሰላም ቀጠና 3 ኣብ ዝርከብ ዓብዪ መከፋፈሊ መኽዝን ዘይቲ ብልዒ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ማዕፆ ሰቢሮም ይኣትዉ። ድሕሪኡ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ብዓርሰ እምነት ሰብ ዋና መሲሎም መኪና፣ ደለልቲ፣ ፀዓንቲ ናብ ዝርከብሉ ከይዶም ንመእተዊ ዝኽፈል እውን ከፊሎም ምፅዓን ይቕፅሉ። ናብ ክልተ ሚኢቲ ዝፀጋጋዕ ጀሪካናት ምስ ፀዓኑ ሓንቲ ንእስቲ ናብቲ መኽዝን ትመጽእ። በዓል ዋና እቲ ትካል “ክመፅእ ከለኹ ናብ መኽዝን መፂእኺ ኣዘኻኽርኒ” ዝበላ ጕዳይ ስለ ዝነበራ። ተኸፊቱ ሪኣ እንተኸደት እቲ በዓል ዋና የለን። ስሙ ጠቐሳ “የለን ድዩ ደኣ” እንተበለት እንታይ ኢኺ ደሊኺ ውሰድን ዶ ዝደለኽዮ ኢሎም ይጠባብርዋ። ኣብ መንጕኡ “የለኻን ዲኻ ደኣ” ኢላ ክትድውለሉ ከም እትኽእል ብምግማት ሃንደበት መኪና ኣልዒሎም ይሃድሙ። ጀሪካናትን ኣብ ላዕሊ እናፀዓኑ ዝነበሩ ኣካላትን እናንጠብጠቡ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ በዓል ዋና እውን ሰሚዑ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ የብጽሕ።
ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ነናብ ዝምልከቶም መሓውራቱ ሓበሬትኡ ኣሕሊፉ ፍሉይን ረቂቕን ክትትል ይጅምር። ምስ ብላዕልን ብታሕትን ዘለዉ መሓውራቱ ተዋዲዱ። ቀትርን ለይትን ብዘይ ዕረፍቲ። እንሆ ድማ ኣብ ሓምሻይ መዓልቱ፤ ልዕሊ ሸውዓተ ሚኢቲ ሽሕ ዝግመት 126 ጀሪካናት ዘይቲ ብልዒ ምስ ተጠርጠርቱ ኣብ ከባቢ ደብረ ዳሞ ኣብ ዘይግምት ገዛ ተሓቢኡ ብፍሉይ ክትትል ፖሊስ ተታሒዙ ዕሙቕ ምጽራይን ተወሰኽቲ ተጠርጠርቲ ኣብ ምቁጽጻርን ተበጺሑ ኣሎ። ምጽራይ ድማ ይቕፅል…
👉 #ኮምሽን_ፖሊስ_ትግራይ
#ኦቲዝም
📌ሰላም ዶክተር ውላደይ ወዲ 4 ዓመት እዩ ። ቋንቋ ኣይኽእልን፥ ምስ ሰብ ኣይቐርብን ናብ ገዛ ኣቑሑ እንዳደየበ ኣፀጊሙለይ። ሕክምና ኣዲስ ኣበባ ወሲደዮ ኦቲዝም ኣለዎ ኣኢሎምኒ። ምስ ክታበት ዝተሓሓዝ እዩ ዝብል ወግዒ ሰሚዐ። እንታይ ክገብር?
ዶክተር ኣቤል ግደይ
🔴ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር (ASD) ምስ ማሕበራዊ ርክብ፣ ተደጋጋሚ ባህርያትን ድሩት ድሌታትን ብድሆታት ዝልለ ናይ ኒውሮዲቨሎፕመንት ዲስኦርደር እዩ። ምልክታትን ጽንኩርነቶምን ኣብ ውልቀ ሰባት ኣዝዩ ክፈላለ ይኽእል።
🔴ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር (ASD) እንታይ እዩ?
ሓደ ሰብ ምስ ካልኦት ብኸመይ ከም ዝራኸብ፡ ከም ዝረዳዳእ፡ ከም ዝመሃርን ከም ዝኸይድን ዝጸሉ ናይ ምሉእ ዕድመ ኩነታት እዩ።
“ስፔክትረም” ዝብል ቃል ነቲ ኣብ ምልክታትን ዓቕምን ዘሎ ሰፊሕ ፍልልይ ዘንጸባርቕ እዩ።
🔴ጠንቅታት ኦቲዝም
ትኽክለኛ ጠንቂ ኣይፍለጥን፡ እንተኾነ ግን ውህደት ጀነቲካውን ከባብያውን ረቛሒታት ኣበርክቶ ክህልዎም ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።
🔴ጀነቲካዊ ረቛሒታት
• ምትዕርራይ ወይ ለውጢ ኣብ ፍሉያት ጂናት ነቲ ሓደጋ ክውስኾ ይኽእል።
• ስድራቤታዊ ታሪኽ ኦቲዝም ሓደጋ ረቛሒ ክኸውን ይኽእል።
🔴ረቛሒታት ከባቢ
• ዓብይ ዕድመ ወለዲ።
• ቅድሚ ሕርሲ ንገለ ኬሚካላት ወይ መድሃኒታት ምቅላዕ።
• ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ጸገማት
📌ምልክታትን ምልክታትን ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር (ASD)
ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር (ASD) ንውልቀሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጸልዎም፡ እንተኾነ ግን ልሙዳት ምልክታትን ምልክታትን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 2 ወይ 3 ዓመት ዕድመ ይረኣዩ።ብሰፊሑ ኣብ ክልተ ቀንዲ ምድባት ክምደቡ ይኽእሉ፡ ማሕበራዊ ርክብ ብድሆታትን ተደጋጋሚ ባህርያትን ወይ ድሩት ረብሓታት።
📌ምልክታት
1. ፀገማት ማሕበራዊ ርክብ
መብዛሕትኡ ግዜ ኦቲዝም ዘለዎም ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ማሕበራዊ ምልክታት ንምርዳእን ይጽገሙ።
♻️ጸገማት ማሕበራዊ ርክብ
• ዓይኒ ዓይኒ ካብ ምትእስሳር ምውጋድ።
• ንማሕበራዊ ምልክታት፡ ከም መግለጺ ገጽ ወይ ቃና ድምጺ ንምርዳእ ወይ ምላሽ ንምሃብ ጸገም።
• ንበይንኻ ምጽዋት ወይ ኣብ ብሕታዊ ንጥፈታት ምውፋር
• ምስ መዛኑኻ ንምትእስሳር ወይ ዕርክነት ንምፍጣር ድሩት ተገዳስነት።
♻️ናይ ርክብ ጽ
• ምድንጓይ ናይ ምዝራብን ቋንቋን ክእለት
• ቃላት ወይ ሓረጋት (echolalia) ትርጉሞም ከይተረድኣካ ምድጋም
• ዕላል ንምጅማር ወይ ንምዕቃብ ጸገም
• ውሱን ኣጠቓቕማ ምልክት ኣካላት፡ ከም ምምልካት
• ዋዛታት ወይ ምሳሌታት ንምርዳእ ጸገም።
⸻ .
2. ተደጋጋሚ ባህርያትን ድሩት ረብሓታትን
እዞም ባህርያት እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ንኣውቲዝም ዘለዎም ውልቀሰባት ክትግምቶም ዝከኣልን እዮም።
ሓደ። ተደጋጋሚ ምንቅስቓሳት ወይ ተግባራት
• ኢድ ምውጥዋጥ፡ ምንቅጥቃጥ፡ ምሽክርካር ወይ መስርዕ ነገራት።
• ዝተወሰኑ ቃላት ወይ ሓረጋት ምድጋም (ቃላዊ ምድግጋም)።
ዝተገደበ ረብሓታት
• ኣብ ፍሉያት ኣርእስታት፡ ከም ቁጽሪ፡ ቅዲ ወይ ፍሉያት ነገራት ጽዑቕ ትኹረት ምግባር።
• ኣቓልቦ ካብ ሓደ ንጥፈት ወይ ተገዳስነት ናብ ካልእ ንምስግጋር ጸገም።
. ህዋሳዊ ተነቃፍነት
• ንህዋሳዊ ምእታው ልዕሊ ዓቐን ወይ ትሕቲ ምላሽ ምሃብ (ንኣብነት ድምጽታት፡ መብራህቲ፡ ቅርጺ ወይ ጨናታት)።
• ንቃንዛ፡ ሙቐት ወይ ምትንኻፍ ዘይልሙድ ምላሽ።
⸻ .
3. ካልኦት ተዛመድቲ ምልክታት (ኩሉ ግዜ ዘይርከቡ)
• ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ወይ ድፍኢት።
• ምጥቃዕ ወይ ንነብስኻ ምጉዳእ (ንኣብነት ርእሲ ምውቃዕ)።
• ምዝንባዕ ድቃስ።
• ጭንቀት ወይ ፍርሒ።
• ጸገም ምንቅስቕስ
ዕድመ ዝምልከት ምልክታት
• ዕሸላት፦ ድሩት ናይ ዓይኒ ርክብ፡ ስሞም ምላሽ ዘይምሃብ፡ ፍሽኽታ ምጉዳል።
• ቆልዑ፡ ምድንጓይ ምዝራብ፡ ምስ መዛኑ ምጽዋት ምጽጋም፡ ተደጋጋሚ ባህርያት።
• ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከቡ ህጻናት፡ ማሕበራዊ ሕግታት ንምርዳእ ጸገም፡ ኣብ ፍሉይ ኣርእስታት ካብ መጠን ንላዕሊ ምትኳር።
• መንእሰያት/ዓበይቲ፡ ምስ ማሕበራዊ ዝምድናታት ብድሆታት፡ ምስ ለውጢ ንምትዕጽጻፍ ጸገም፡ ንልማዳት ብጽኑዕ ምኽባር።
🔴መርመራ ኦቲዝም
• ኩለመዳያዊ መርመራ ገምጋም (ትዕዝብቲ፣ ቃለ መሕትት ወለዲን ደረጃ ዝሓለወ መርመራን ሓዊሱ)።
📌ኣማራጺታት ሕክምና
ዋላ እኳ ንኦቲዝም ዝኸውን መድሃኒት እንተዘየለ፡ ብኣግኡ ምትእትታውን ፍወሳን ንጽሬት ህይወት ብዓቢኡ ከማሓይሽ ይኽእል።
• ባህርያዊ ፍወሳ፦ ተግባራዊ ትንተና ባህርያት (ABA) ልሙድ እዩ።
• ስፒች ቴራፒ፡- ናይ ምዝርራብ ክእለት ንምምሕያሽ ይሕግዝ።
• ሞያዊ ፍወሳ፡- ኣብ ምምሕያሽ መዓልታዊ ክእለት መነባብሮ ዘተኮረ እዩ።
• መድሃኒት፦ ከም ጭንቀት፡ ልዕሊ ዓቐን ምንቅስቓስ ወይ ቁጥዐ ዝኣመሰሉ ምልክታት ንምምሕዳር ክእዘዝ ይኽእል።
📌ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት (FAQs)
ሕቶ 1፡ ኦቲዝም ክፍወስ ይኽእል ድዩ?
ኣይፋልን፡ ኦቲዝም ናይ ምሉእ ዕድመ ኩነታት እዩ። ይኹን እምበር፡ ፍወሳታትን ምትእትታዋትን ክእለት ከማሓይሹን ምልክታት ከጉድሉን ይኽእሉ።
ሕቶ 2፡ ጠንቂ ኦቲዝም እንታይ እዩ?
ትኽክለኛ ጠንቁ ኣይተፈልጠን። ውህደት ጀነቲካውን ከባብያውን ረቛሒታት ምዃኑ ይእመን።
ሕቶ 3፡ ኦቲዝም ብኣግኡ ክፍለጥ ይኽእል?
ምልክታት ገና ኣብ 18 ኣዋርሕ ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ወግዓዊ መርመራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ 2 ወይ 3 ዓመት ዕድመ ይግበር።
ሕቶ 4፡ ኦቲዝም ኣብ ኣወዳት ድዩ ወይስ ኣዋልድ?
ኦቲዝም ኣብ ኣወዳት ካብ ኣዋልድ ኣስታት ኣርባዕተ ዕጽፊ ይበዝሕ። ይኹን እምበር፡ ኦቲዝም ዘለወን ኣዋልድ ምልክታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ከቕርባ ይኽእላ እየን፡
ሕቶ 5፡ ክታበት ኦቲዝም ከስዕብ ይኽእል ድዩ?
ኣይፋልን መጽናዕትታት ብቐጻሊ ኣብ መንጎ ክታበትን ኦቲዝምን ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘየለ ይሕብሩ።
መወከሲ
1. Centers for Disease Control and Prevention (CDC). (2023). What is Autism Spectrum Disorder? Retrieved from CDC
2. National Institute of Mental Health (NIMH). (2023). Autism Spectrum Disorder. Retrieved from NIMH
3. American Psychiatric Association. (2022). Diagnostic and Statistical Manual of Mental Disorders (DSM-5-TR).
4. Autism Speaks. (2023). Diagnosis of Autism. Retrieved from Autism Speaks
5. National Institute on Deafness and Other Communication Disorders (NIDCD). (2023). Autism Spectrum Disorder: Communication Problems in Children. Retrieved from NIDCD
6. World Health Organization (WHO). (2023). Autism Spectrum Disorders. Retrieved from WH
+2
ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣታሊሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክንወስደክን ብምባል ከኾብልሉ ንዝፈተኑ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ተጋዳላይ መዓሾ ኣስመላሽ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከምዝሓበሮ ዕለት 23 መጋቢት 2017 ዓ/ም ክልተ ውልቀ ሰባት ንኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣታሊሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክንወስደክን ብምባል ካብ ከተማ እንዳባጉና ሒዞምወን እንትጓዓዙ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰላም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ክውዕሉ ክኢሎም እዮም።
እቶም ውልቀ ሰባት ዋኒኖም ብሕጊ ይርአ ከምዘሎ 'ውን ተጋዳላይ መዓሾ ኣረዲኡ።
ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዑ እናቀያየረ ተጋዲዱ ይቕፅል ምህላዉ ዝሓበረ ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባት ኣደብ ክገብሩ፣ሕብረተሰብ ድማ እዞም ዘይሕጋውያን ውልቀ ሰባት ካብ ዝነዝሑዎ ወረን ምድንጋርን ክርሕቕ ከምዝግባእ ምዒዱ።
#ድወት
Welcome to the IBM Quantitative Trading Platform
Quickly earn the difference through quantitative trading on the platform
The most secure quantitative trading platform in 2025
☄️
Note: The stored value amount initiates the corresponding version and receives a percentage of the current version.For example, with a storage value of 60USDT activated VIP-2 version, the single quantization return is 60×20.41%%=12.2USDT
The platform takes 2% of the quantified revenue as operating costs.
Official Registration:https://2025ibm.com/#/register?ref=467773
+2
ኣትሌት ኣታኽልቲ ኪዳኑ ናይ ውልቁ ቕልጡፍ ስዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።
ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ኣብ ዝተኻየደ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ጎደና ትግራዋይ ኣትሌት ኣታኽልቲ ኪዳኑ ተዓዊቱ።
ኣትሌት ኣታኽልቲ ኪዳኑ ነቲ ዝተመደበ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ኣብ ውሽጢ 27 ደቒቓ 41 ሰከንድ ብምእታዉ ቐዳማይ ኾይኑ ተዓዊቱ።
ኣትሌት ኣታኽልቲ ዝሓለፈ ዓመት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጎደና 29 ደቒቓ 02 ሰከንድን ስዓት ብምእታው ዝቐልጠፈ ስዓት ዝነበሮ ኾይኑ፤ ንፈለማ እዋን ካብ ዓዲ ወፃኢ ውድድር ኣካይዱ ናይ ውልቁ ቕልጡፍ ስዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።
ብካልእ ዜና ኣብ ሃገረ ቻይና ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ኣለም ንጉስ ሻውዓይ ደረጃ፤ ኣትሌት ብርሆ ገ/ዮሃንስ ሻምናይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን።
# ዮናስ ፍቓዱ
https://youtu.be/3igcTI9JPd8?si=cgW8UF6iwmfy0PBk
🚀 Best online investment platform for gold🚀
Celebrating Our Members’ Successful Withdrawals!
Join Allied Gold Today – Your Success Story Starts Here!
💡 Online Earnings Made Effortless
💡 Partner with Excellence, Grow with Gold
Why Choose Allied Gold?
✅ Trusted by 100,000+ Investors Worldwide
✅ Secure Gold-Backed Investments with 24/7 Transparency
✅ Instant Withdrawals & Dedicated Support
https://t.me/Allied_Gold
https://www.alliedgoldinvestment.com/?invitation_code=B6897
ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ
ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ ስምምዕ ናይ ምፍፃም ተግባር ዘይኮነስ ኣብቲ ስምምዕ ዘየለዉ ጉዳያት ብበይናዊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ምፅዓንን መስርሕ ሰላም ኣብ ዝጎድኡ ተግባራትን ተፀሚዱ ይርከብ።
ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህልዎ ይግባእ ነይሩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝተኸተሎ ግጉይ ኣካይዳን ፖለቲካዊ ሕምስምስ ክህሉ ብምስርሑን ክገሃድ ኣይክኣለን። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፀንሑ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ ተግባራት ካልኦት ሓደሽቲ ጥሕሰታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተፈፀሙ ይርከቡ። ብመሰረት ዓንቀፅ 3 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓዲኡ ተወዓዓሊ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ናይ ዘይምጥቃዕ ግቡእ ኣለዎ። ናይ ተፃብኦ ስራሕቲ ፕሮፖጋንዳን ሚድያን ክልኩላት እዮም። እዞም ግልፂ ግቡኣት ብምጥሓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃለዋት ትግራይ ዝፈታተን ኩነታት ክፍጠር ምስራሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቑፂሩ ኣሎ። ዓቐን ዘየብሉ ሃፍቲ ኣፍሲሱ ይረባረብ ኣሎ።
እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንመንፈስን ትሕዝቶን ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ንጎኒ ብምግዳፍ ተወዓዓልቲ ወገናት ብልዝብን ብምርድዳእን ብዝበፅሕዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ዘይኮነስ ኣግባብነት ብዘየብሎም ሕግታት (ኣዋጅ 359/1995፤ ደንቢ 533/2015) በይኑ ከም ድላዩ እናወሰነ ንምኻድ እናሰርሐ ይርከብ። ብመሰረት ዓንቀፅ 10 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብልዝብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይጣየሽ። ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶሪያ እምበር ጉዳይ በይናዊ ውሳነ መንግስቲ እትዮጵያ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነዚ ዝጥሕስ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝነበሮም ርክባት ህወሓት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝፀንሐ ፕረዚደንት ምልዓሉ ስዒቡ ኣተኻኽእኡ ዝምልከት ተዘራሪቡ እዩ። በዚ ኣቢሉ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምግምጋም ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ንምቕያር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ። ስለዝኾነ ድማ ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ንክኸውን ማ/ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ስምምዕ ንጎኒ ብምግዳፍ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወዝዐ ፃዊዒት ጥቆማ፤ ፕረዚደንት ናይ ምሻም ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር በይናዊ ዉሳነ ዘምስልን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ኣካይዳ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን።
ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ዝበፅሖ ማህሰይቲ ንኽከሓስ ፃዕሪ ኣብ ክንዲ ምግባር ከም ነዳዲ ዝበሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ወሰንቲ ሸቐጣት ከይኣትዉ ብምኽልካል ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ናይ ሂወት ምድሓንን ዝርካቦም ስራሕትን ጠጠው ክብሉ ብምግባር ብሂወትን ናብራን ተጋሩ ምፅዋት ቀፂሉ ኣሎ። ከም’ዚ ዝኣመሰሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝፃብኡ ኣዝዮም ኣነወርቲ ፀረ ደቂ ሰባት ዝኾኑን ብገበን ምፅናት ዘሐትቱን ተግባራት እዮም። ብተወሳኺ ሰላም ህዝቢ ዝሕምሱ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው። ሰላም ዓቂቦም ዋጋ እናኸፈሉ ዘለዉ ብልሒ መኸተ ዝኾኑ ሰራዊት ትግራይን ኣመራርሑኡን ብ”ብዕራይ ወለደ” ብትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይውንጀሉ ኣለው።
ህወሓት ደጋጊሙ እናገለፆ ከም ዝመፀ እቲ ትኹረት ኣብ ምፍፃም ቀንዲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ማለት እውን፤ ኣብ ትሕቲ ወራር መቐፀልታ ፅንተት ዝኾኑ ማእለያ ዘየብሎም ግፍዕታት ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንክወፅእ፤ ናብራ ሓሳረ-መከራ ዝደፍኡ ዘለዉን ብሕፅረት መሰረታዊ ንወዲሰብ ክቐርቡ ዝግብኦም ጠለባት ኣደዳ ሞት፣ ሕማምን ስቅያትን ዝኾኑ ዘለዉ ካብ መነባብርኦምን መረበቶምን ዝተፈናቐሉን ዝተሰደቱን ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ክግበር፤ ላእላውነት ትግራይ ክረጋገፅ፤ ፍትሒን ተሓታትነትን ክነግስ፤ ዝተፈላለየ ጉድኣት ዝበፅሖም ክከሓሱ፣ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክሳለጥ፤ ኣብ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህሉ ርብርብ ክግበርን ተዛመድቲ ተግባራት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀሙን ደጊሙ ደጋጊሙ ይፅውዕ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ይርኣዩ ካብ ዘለዉን ንህዝቢ ጎዳእቲ ዝኾኑን ሃወኽትን ጎንፂ ፈጠርትን ተግባራቱ ተቖጢቡ ዘላቒ ሰላምን ሓበራዊ ረብሓን ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ከትኩር ፃውዒትና ነቕርብ። ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፍፀም ብዘተን ምርድዳእን ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ስለዝኾነ በይናዊ ውሳነታት ደው ክብሉ ደጊምና ነፍልጥ። ንዝምልከቶ ኩሉ ሕዚ እውን ከም ትማሊ ሕርያና ሰላምን ልምዓትን ምዃኑን ካብዚ ቅኑዕን ጠቓምን መንገዲ ንዘይምውፃእ ዝክኣለና ኩሉ ከም እንገብርን ክነረጋግፅ ንደሊ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!
መጋቢት 17፣ 2017 ዓ.ም
መቐለ
#ዘሕዝን_ዜና
ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ዝነበረ #ቤንዚን ብምቅፃሉ ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ።
ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ትማሊ ምሸት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ዝነበረ ቤንዚን ተቓፂሉ ሂወት ክልተ ዕሽላት ኣሕዋትን ኣዲኦምን ከምዘሕለፈ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ መቐለ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋን ድልውነትን ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ ገሊፆም ።
ኣብ ደገ ዝነበረ ወላዲ እቶም ህፃናት ናብቲ ባርዕ ሓዊ ዘሊሉ ኣትዩ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ ኣብ ሕክምና ክትትል ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ንትግራይ ቴሌቪዥን ምስክርነቶም ዝሃቡ ጎራባብቲ ኣብቲ ሰዓት ክንረድኦም ፈቲንና ዋላኳ ተነበርና እቲ ሓደጋ ባርዕ ብርቱዕ ብምንባሩ ብሂወት ክተርፉ ኣይከኣሉን ኢሎም ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብዘን ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣርብዓን ሰለስተን ከበድቲ ሓደጋታት ባርዕ ከምዘጋጠመ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋን ድልውነትን ኣይተ ሃፍቶም ፀጋይ፣ ሕብረተሰብ ሓደጋ ባርዕ እንተጋጥም ሓገዝ ናብ ዝገብሩ ኣካላት ብቕልጡፍ ከፍልጥ ምዒዶም ።
ሕብረተሰብ ነዳዲ ኣብ መንበሪ ገዛ ካብ ምቕማጥ ኽቑጠብ ይግባእ አውን ኢሎም።
#ቴሌቪዥን ትግራይ
ናብ ትግራይ ነዳዲ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕፅረት ነዳዲ ከምሃገር ዘጋጠመ ፀገም ኮይኑ እቲ ፀገም ሕዚ ተስተኻኺሉ ምቕራብ ጀሚሩ ኣሎ ክብል በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ጅቡቲ ፀገም ዲፖ ነዳዲ ስለዝነበረ ኣብ ብዙሓት ክልላት ሕፅረት ቐረብ ኣጋጢሙ ከምዝፀንሐ ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝብን መንግስትን በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ወይዘሮ በቀለች ኩማ ሓቢረን።
መንግስቲ ትግራይ ካብ 6 መጋቢት ጀሚሩ ነዳዲ እናቐረበሉ ከምዘይኮነንን በዚ ምኽንያት ድማ እናተፀገመ ከምዝኾነ ብደብዳቤ ኣፍሊጡና እዩ ዝበላ እተን ፈፃሚት ስራሕ፣ ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ተመሳሳሊ ቕሬታት ነይሮም እዮም ኢለን፡፡
ብፍላይ ኣብ ናፍጣ ሕፅረት ቐረብ ከምዝነበረን፤ ነዚ ንምፍታሕ ክበሃልኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝርከቡ ዝለዓለ ቁጠባዊ ምንቕስቓሳት ዘለዎም ፕሮጀክትታት ብፍላይ ቀዳምነት ክረኽቡ ተገይሩ እዩ ኢለን፡፡
እቲ ሕፅረት ቐረብ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘጋጠመ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክልላት ሃረር፣ ጋምቤላ ብተወሰነ ብርኪ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦትን ነይሩ እዩ ክብላ ኣረዲአን፡፡
ነዚ ስዒቡ ስራሕቲ ምስትኽኻል እናተሰርሐ ፀኒሑ ካብ ሎማዓንቲ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ተጀሚሩ ኣሎ ኢለን፡፡
ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብ ናይ ሎጂስቲክስ ጉዳይ ዘጋጥም ስለዝኾነ እምበር ናይ ትግራይ ንበይኑ ዝተፈለየ ምኽንያት የብሉን ኢለን ምስ ንጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበረን ፃንሒት።
Tigrai Mass Media Agency
ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ዝርከባ መዐደሊ ነዳዲ ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ነዳዲ ከምዘይተራገፈ ኣፍሊጡ።
ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ኪሮስ ኣባይ ነዳዲ ንምፅዓን ቅድመ ክፍሊት ከምዝተኸፈለ ብምሕባር ናብ ጅቡቲ ነዳዲ ንምፅዓን ዝኸዳ መኻይን ደው ኢለን ከምዝርከባ ገሊፆም።
እዙይ ዝተገለፀ እቲ ማሕበር ብተወከልቱ ኣቢሉ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ ዕላዊ መበርሂ እዩ።
ነዳዲ ብስሩዕ ናብ ትግራይ ብዘይምእታው ፡ ሕብረተሰብን ዝተፈላለዩ ኣገግሎት ውሃብትን ንማሕበረ ቑጠባዊ ቅልውላው ከምዝተሳጥሑ ገሊፁ።
ሰብ ዋና መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ ንልዕሊ ክልተ ስሙን ነዳዲ ብዘይምምፃኡ ካብ ስራሕ ወፃኢ ከምዝኾኑን ንሰራሕተኛታቶም ካብ ስራሕ ንምስንባት ይግደዱ ከምዘለዎ ወሲኾም ተዛሪቦም።
እቲ ፀገም ቅድሚ ወርሒ ከምዝጀመረን ናብ ትግራይ ኣብ ክልተ መዓልቲ ሓንቲ መኪና ጥራሕ ከምዝተፈቐደ ተሓቢሩ።
ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይሉ ብግደኦም ኣብ መቐለ ዝርከባ 15 ማደያታት ጥረሐን ብምህላወን መንግስቲ ህፁፅ ምላሽን ፍታሕ ክህብ ኣተሓሳሲቦም።
ዘዛራረብናዮም ሰብ ዋና ባጃጅ ብወገኖም ነዳዲ ብዘይምህላው ኣብ ስርሖም ፅዕንቶ ከምዝፈጠረሎምን ፣ ተጠቀምቲ እውን ይተኣጓግሉ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ካብ 6 መጋቢት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወን ኣብ ትግራይ ዝርከባ 63 መዐደሊ ነዳዲ (ማደያታት) ትዓፅየን ከምዘለዋ ድማ ሓላፊ ርክብ ህዝብ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ኣይተ ተኽልሽ ገ/ሂወት ንድምፂ ወያነ ገሊፆም።
#ድወት
+1
#ሓበሬታ #ነፃ_መጥባሕቲ ሕክምና #ሞራ_ዓይኒ #ሼር
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ነፃ መጥባሕቲ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
እቲ ሆስፒታል ካብ 2 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ነፃ መጥባሕቲ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ከምዝህብ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ ገሊፆም።
ኣይተ መረሳ፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዓለምለኻዊ ፕሮጀክት ሂማልያ ካትራክት ብምትሕብባር ን1 ሽሕን 200 ፀገም ሞራ ዓይኒ ዘለዎም ወገናት ነፃ ሕክምና ከምዝህብ ብምሕባር፤ እቲ ፀገም ዘለዎም ወገናት ካብ 2 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ናብቲ ሆስፒታል ብምምፃእ ክረኣዩን ሕክምና ክረኽቡን ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።
ተሓከምቲ ወፃኢታት መጎዓዝያን ምግብን በቲ ትካል ከምዝሽፈነሎም እውን ኣይተ ሞጎስ ገሊፆም።
#ድወት
+3
ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት እታ ከተማ ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ብርክት ዝበሉ ናውትታት መጥቀሚ ሽሻ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ከምዘውዐለ ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ መሰለ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ከምዝሓበሩዎ ኣካላት ፀጥታ እታ ከተማ ሺሻ ኣብ ዘጥቅሙ ዝተብሃሉር ቦታታት ብዘካየዱዎ ዝተዋደደ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ንመጥቀሚ ሺሻ ዘገልግሉ 152 ዝተፈላለዩ ናውትታትን ብርክት ዝበሉ ገመዳትን ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣውዒሎም እዮም።
ከምኡ እውን 18 ኣጥቀምትን ልዕሊ 250 ተጠቀምትን ሺሻ ተታሒዞም ዋኒን ኣጥቀምቲ ጉዳዮም ብስሩዕ ቤት ፍርዲ፣ ዋኒን ተጠቀምቲ ድማ ጉዳዮም ብማሕበራዊ ኣብያተ ፍርዲ እንዳተርኣየ ብይን ይወሃቦም ከምዘሎ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ ኣረዲኦም።
መብዛሕትኦም ኣጥቀምትን ተጠቀምትን ሺሻ ደጋገምቲ ናይቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ዝሓበሩ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ ኣጥቀምቲ ኮኑ ተጠቀምቲ ካብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።
# ኪዳነማርያም ብርሃነ
+1
ኣብ ትግራይ እኹል ቐረብ ነዳዲ ብዘይምህላዉ ህዝቢ ኣብ ኸቢድ ፀገም ወዲቑ ስለዘሎ ህፁፅ ፍታሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ።
እዚ ዝተገለፀ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣብ ቐረብ ነዳዲ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ናብ ሚኒስቴር ንግድን ቐጠናዊ ምትእስሳርን ከምኡ እውን ናብ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ፌደራልን ትካል መቕረቢ ነዳዲ ኢትዮጵያን ንኻልኣይ ግዘ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ እዩ።
ካብ 6 መጋቢት 2017ዓ.ም ንነዘ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ብዘይምህላዉ እቲ ፀገም ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝገበሮን ነዚ ድማ መፍትሒ ክቕመጠሉ 10 መጋቢት 2017ዓ.ም ምሕታትና ይዝከር ክብል እቲ ኤጀንሲ ኣዘኻኺሩ።
ብሰንኪ እቲ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ማሕበረ-ቑጠባዊ ምንቅስቓሱ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ብምህላዉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን መፍትሒ ንክቕመጠሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
+2
#ዝረኣየ_ዓይኑ_ይብራህ
~~~~~~
እዛ ኣብዚ ምስሊ ንሪኣ ዘለና ንእስቲ ሓፍትና ሙሉእ ሽማ እሌኒ ሙላት ዘልዑል ዝተብሃለት ነባርነታ ኣብ ከተማ ብዘት ኮይኑ ተምሃሪት 10 ክፍሊ እንትኮን ብዕለት 4 መጋቢት 2017 ናብ ምህሮ ኢላ ምስ ወፀት ካብ ዓይኒ ቤተሰብ ክትስወር ክኢላ እያ ። 😢
መላእ ቤተሰብን እናደላለዩ እንተለዉ ብዝሓለፈ ሰሙን ማለት እውን ሶኒ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከባቢ ቤተ ክርስትያን ፅዩን ማርያም ኣኽሱም ገለ ድማ ኣብ መቐለ መነሃርያ ከም ዝተረኣየት እዩ ሓቢሮምልና ኣሊሽና ግና ኣይረኸብናያን ።
ኩላኩም ግዱሳት ወገናትና ነዛ ንእስቲ ጓልና ንክንረክባ ዝከኣለኩም ሓገዝ ብምብርካት ደሃይ ጓልና ኣተኣልሹና ይብሉ ኣለው ስድራኣ 🙏🙏??
#ሼር እውን ዓባይ ሓገዝ እያ ። መላእ ስድራ #ኢሌኒ
ንዝበለፀ ሓበሬታ
0979456191
0914140075
0946901796
ሓገዝ #ዩኤስኤይድ (USAID) ንምቁራፁ ስዒቡ መዓልታዊ 2000 ሰባት #ብኤድስ ይተሓዙ ኣለው ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ።
ዓለምለኸ ኤጀንሲ ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ እንተዘይጀሚሩ ወይ እቲ ሓገዝ ብኻልኦት ሃገራት እንተዘይ ቐሪቡ ኣብ ዝቕፅሉ 4 ዓመታት ተወሰኽቲ 6 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ኤድስ ክሞቱ እዮም ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።
ነዚ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ጥዕና ይግበር ዝነበረ ሓገዝ ኣሜሪካ ብሃንደበት ምቁራፁ እዩ ኢለን ሓላፊት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤድስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዊነይ ቢያኒያማ።
ሃንደበታዊ ምቁራፅ ሓገዝ USAID ብዙሓት ክሊኒካት ክዕፀዋን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ስርሖም ደው ከብሉን ከም ዝገበረ ዝገለፃ እተን ሓላፊት በዚ ድማ በቢ መዓልቱ 2000 ሓደሽቲ ብኤችኣይቪ ኤድስ ዝተሓዙ ሰባት ከም ዝህልው ክንግምት ኣኽኢሉና ኢለን።
እቲ ግምት መመዘንታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኸተለ ምዃኑ ዝገለፃ ቢያኒያማ ዝርዝር እቶም መለክዕታት ግና ኣየረደኣን።
ኣብ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ብብርኪ ዓለም 600 ሽሕ ምስ ኤችኣይቪ ኤድስ ዝተተሓሓዘ ሞት ኣጋጢሙ ምንባሩ ዘዘኻኸራ እተን ሓላፊት ሐዚ ግና ክበፅሕ ንዝኽእል ናይዚ ዓሰርተ ዕፅፊ ሞት ኢና ንዛረብ ዘለና ኢለን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮን ኣሜሪካ ሂወት ኣድሕን ሓገዛት ከምዘይተቋርፅ ምርግጋፆም ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መፁ ድሕሪ 20 መዓልቲ ንወፃኢ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ከምዘበልዎ ይዝከር። ሂወት ኣድሕን ናይ ዝኾነ ጉዳይ ኤች ኣይቪ ኤድስ ግና ብውሳነ እቶም ፕረዚደንት ከም ዝቕፅል ዋላኳ እንተተገበረ ኣብ ደሞም ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝርከቦም ወገናት ኣብ ከቢድ ስቓይን ስግኣት ሞትን ይርከቡ ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ።
#ብኪሮስ መሓሪ
+1
ትካል ገበሪ ሰናይ ቢላል ኤይድ ን300 ዝተፀገሙ ወገናት ሓገዝ ምግቢ ገይሩ።
ትካል ገባሪ ሰናይ ቢላል ኤይድ ካብ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት ብዝረኸቦ ብልዕሊ 900 ሽሕ ብር ዝተገዘአ ሓገዝ ምግቢ ስድራ ሰውኣትን ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ንዝርከብዎም 300 ዝተፀገሙ ወገናት ሓጊዙ።
ትካል ገባሪ ሰናይ ቢላል ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፀገማት ንምቕላል እናሓገዘ ከምዝመፀ ዝሓበረ ፕረዚደንት እቲ ገባሪ ሰናይ ዳሞራ ያሕያ ፣ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም ሰፊሕ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ዓርሰ ምትሕግጋዙ ከጠናኽር ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ከምዝርከቡ ዝገለፁ ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብግደኦም ንዝተገበረሎም ደገፍ ብምምስጋን፣ ካልኦት እውን ኣሰር እዚ ሰናይ ትግባር ክስዕቡ ፀዊዖም።
👉 ቴሌቪዥን ትግራይ
+2
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኸዚኑ ዝነበረ ልዕሊ 17 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐለ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ ።
ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብምምሕዳር ከተማ መቐል ብዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ከተማ ኣብዙ ሰሙን ብዘካየዶ ዳህሳስ 12 ሽሕ 500 ሌትር ናፍታ 3 ሽሕ 496 ሌትር ቤንዝን 1800 ሌትር ፃዕዳ ላምባ ተኸዚኑ ከምዝተረኸበን ምሉእ ብምሉእ መንግስቲ ክወርሶ ከምዝተገበረን ፡ ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ሽዱሽተ ውልቀሰባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ሓቢሮም።
እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ መሰረታዊ ሸቀጥ ናህሪ ዕዳጋ ንምቁፅፃርን ነዳዲን ከተማ መቐለ ኣብ ምርግጋዕን ዝምልከት ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ኤልያስ ኣብ ከተማ መቐለ ሕፅረት መሰረታዊ ሸቀጣት ከምዘየለን ክሳብ ሐዚ ውን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይኣትው ከምዘሎን ሓቢሩ።
ሕብረተሰብ ብጥቆማ መልክዕ ዘምፀኦ ዘሎ ሓበሬታ ሐዚ ውን ኣጠናኪሩ ክቅፅለሉ ይግባእ ዝበለ ምክትል ከንቲባ መቐለ ኣይተ ኤልያስ በብግዚኡ ዋጋ ወሰኽን ምኽዛን ሸቀጥን ነዳድን ኣብ ዝፍፅሙ ነጋዶ ውሑዳትን ነቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘይውክሉ ስለዝኾኑ ሕብረተሰብ ከቃልዖም ኣለዎ ተባሂሉ።
+3
ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ናንጂንግ ይካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ኣብ ዘካይዶም ፍፃመ ወድድራት ተጋሩ ኣትሌታት ክሳተፉ እዮም።
መበል 20 ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ብርክት ዝበሉ ፍፃመ ውድድራት እንተካይድ፤ ብ3 ሽሕ ሜትር ብኽልቲኡ ፆታ ተጋሩ ኣትሌታት ዝሳተፉ እንትኾን ንኽዕወቱ ልዑል ግምት ተዋሂብዎም ኣሎ።
ብመሰረት እዙይ
ብ3ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ
* ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ
* ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ዝሳተፋ ኮይኑ ቐትሪ ስዓት 8:15 ድማ ኽካየድ እዩ።
ብ3ሽሕ ደቂ ተባዓትዮ
* ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ
* ኣትሌት ቢኒያም መሓሪ ዝሳተፉ ኾይኖም ቐትሪ ስዓት 8:33 ኽካየድ እዩ።
ንኹሎም ኣትሌታት ሰናይ ዕድል
#ድወት
