en
Feedback
መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna

Open in Telegram

Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.

Show more
2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
New platform, new opportunities, seize the opportunity and create a better tomorrow! Huawei 5G is a high-quality online work
+1
New platform, new opportunities, seize the opportunity and create a better tomorrow! Huawei 5G is a high-quality online work platform dedicated to creating a high-income platform for low-income people and people with dreams. To help you get a satisfactory income, please set the following goals: 1️⃣ Invite 1 new member to join your team every day and become a formal member. 2️⃣ Guide 1 B-level member to invite work every day to help them increase their income. 3️⃣ Help 1 B-level member to increase their income by leasing high-yield products every day. Remember, you are here to make money, not to waste time. If you don't work hard today, your income will not change tomorrow. Channel link: https://t.me/huawei5G_investors Registration link:https://www.hw5ginvestors.com/?invitation_code=54119

#ዘሰሙነ_ሕማማት ✍️ሰሙነ ሕማማት እንትንብል ናይ ሕማማት ሰሙን ማለት እዩ። ካብ ዕለተ ሆሳእና ጀሚሩ እስካብ ዕለተ ትንሳኤ ዘለው ዕለታት አዝዩ ልዕል ዝበለ መንፈሳዊ ሕይወት ዝርኣየሉ ክርስቲያናዊ አምልኮት ብዝበለፀ ዝጸባረቀሉ ፍሉይ ናይ ጸሎትን ናይ ስግደትን ዕለታት እዮም። ብተወሳኪ ናይ ሕማማት ሰሙን ናይ ኦሪት ግዜ ዝዝከረሉ ሰሙን እዩ። ✍️ ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ሰሙነ ሕማማት ምንባባት ዝዳለው ናይ ገዳመ መቃርስ መነኮሳት እዮም።(ግብረ ሕማማት) ሕማማት ማለት እንታይ ማለት እዩ❓ ✍️ናይ ዓብዪ ጾም ሻምናይ ሰሙን ሰሙነ ሕማማት ይበሃል። ሕማማት እንትንብል ነቢዩ ኢሳይያስ "ነሥአ ደዌነ ወፆረ ሕማመነ። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና" ኢሉ ዝተናገሮ ቃል ተፈጺሙ ጎይታና ናይ ሰብ ፍቅሪ አግቢርዎ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ እንበለ ኃጢአት ከማና ሰብ ኮይኑ ብአይሁድ ኢድ ተታሒዙ ተሰቂሉ ሙማቱን እንዝክረሉ ሰሙን እዩ። ✍️ ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ወዲ ሰብ ዘርኢ ኩሉ ካብ ዲያብሎስ ባርነት ነፃ ንከውፅእ ንአይሁድ ተማሓላሊፉ ካብ ዝተወሃበሉ ሰዓት ጀሚሩ ቅድስት ነፍሱ ካብ ቅዱስ ሥግኡ ብሥልጣኑ እስካብ ዝፈልያ ዘሎ ግዜ ብፍቃዱ ዝተቀበሉ ዝተፈላለዩ ጸዋትወ መከራን ስቓይን ንምዝካር ሕማማት ተባሂሉ። አብ ሰሙነ ሕማማት ዝተኸልኸሉ እንታይ እንታይ እዮም❓ ፩. መስቀል ምስላም መስቀል ዘይንሳለመሉ ምክንያት ቅድሚ ክርስቶስ አብ መስቀል ምስቃሉ ናይ ወንጅለኞታት መቅፅዒ ናይ መርገም መግለፂ እዩ ነይሩ።ዘዳ ፳፩፥፳፪ ተባሂሉ ከምዝተነገረ ገና ብክርስቶስ ደም ስለዘይከበረ አቅዲሙ መስቀል ናይ ድኅነትን ናይ ነጻነትን ምልክት(አርማ) ከምዘይነበረ ንምዝኻር እዩ፤ ምክንያቱ መስቀል ክብሪ ዝረኸበ ክርስቶስ ተሰቂሉ ክቡር ደሙ አብ ልዕሊ እቲ መስቀል ምስ አፍሰሰ እዩ። ፪.ምስዕዓም አይፍቀድን አብ ሰሙነ ሕማማት ሰላምታ ምልውዋጥ፣ ምስዕዓም ዘይፍቀደሉ ምክንያት ይሁዳ ክርስቶስ ብምስዓም አሕሊፉ ብምሃቡን ንሱ ንምዝኻርን ናይ ቀልዓለም(ሓሶት) ሰላምታ ንምቅዋም እዩ። ፫. ጸሎተ ፍትሐት የለን እዚ ማለት አብ ሕማማት ውሽጢ ሓደ ክርስቲያን እንድሕር ሞይቱ ጸሎተ ፍትሐት አይግበረሉን ናይዚ ምክንያት ድማ ሰሙነ ሕማማት ናይ ዓመተ ፍዳ ናይ ዓመተ ኩነኔ መዘከርታ እዩ፤ቅድመ ስቅለት 5500 ዘመን አብ ሲኦል ዝተአሰሩ እሱራት ከም ዘይተፈትሑ ንምዝኻር እዩ። ፬.ናይ መልክዕ ጸሎት አይፅለይን ናይ መልክዕ ጸሎት ማለት መልክአ ሥላሴ፣መልክአ መድኃኔዓለም፣መልክአ ማርያም፣ መልክአ ኢየሱስ ፣ መልክአ ሚካኤል ወ.ዘ.ተ. እዮም። ብዚ መሠረት እዚ አብ ሰሙነ ሕማማት ውሽጢ ናይ መልክዕ ጸሎት ዘይፅለየሉ ምክንያት ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መከራ ሰዓት ካብ ግርፋቱ ብዝሓት ካብ ሕማሙ ፅንዓት ዝተለዓለ ናይ መልኪዑ ፅባቐ ጠፊኡ ስለዝነበረ ንዑ ንምዝኻር እዩ። ነቢዩ ኢሳይያስ " መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን"ኢሳ ፶፫፥፪ ስለዝኾነ አብ ሰሙነ ሕማማት ☑️ግብረ ሕማማት ☑️ወዳሴ ማርያም ☑️አንቀፀ ብርሃንን ይዌድስዋ ☑️መዝሙረ ዳዊት ንጸሎት ክናንብቦም ዝግብኡና መጻሕፍት እዮም። መጽሐፍ ቅዱስ እውን ምንባብ ይካአል እዩ። ፭. ሥርዓተ ጥምቀት የለን አብ ሰሙነ ሕማማት ጥምቀት ዘይብሉ ምክንያት ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ተሰቂሉ ካሕሳ ቅድሚ ምፍጻሙ አግብርተ ዲያብሎስ አዕማተ ዲያብሎስ እምበር አግብርተ እግዚአብሔር አእማተ እግዚአብሔር ተባሂሉ ምፅዋዕ አይነበረን፤ውልድነት አይተረከብን ንማለት እዩ። ሓደ ሰብ አብኡ እናተገረፈ፤እናተሰቀለ፤መከራ እናተቀበለ ልደቱ ዘክብር ከምዘየለ ኩሉ ፈጣሪና ንዓና ኢሉ መከራ እናተቀበለ ሓጉስ ምግባር አይግባእን። ✍️ነገርግን ዝተወለዱ ህፃናት ክርስትኖኦም አብ ሕማማት እንድሕር ወዒሉ እንታይ ንገብር ተተባሂሉ❓ ካብ ሶኒ እስካብ ሐሙስ ዘለው መዓልታት ውሽጢ እንድሕር ኮይኑ በዕለተ ሆሳእና ክርስትና ክላዓሉ (ክጥመቁ) ይግበር። ካብ ሐሙስ ንድሕሪት እንድሕር ኮይኑ ብዕለተ ትንሳኤ ክርስትና ክላዓሉ ይግበር። ፮.ጸሎተ ቅዳሴን ቁርባንን የለን ብሕማማት ዘይቅደሰሉ ምክንያት ጎይታ ባዕሉ መስዋእቲ ኮይኑ ዝቀርበሉ ብዕለተ ዓርቢ ስለዝኮነ መሥዋዕተ ሐዲስ ገና ኣይተሰወአን እንትንብል እንተለና እዩ። ብተወሳኺ ናይ ትንሳኤ ዓወት ቅድሚ ምርአይና መሥዋዕቲ ኣይናቅርብን ክንብል እንተለና እዩ። ብዝተፈለየ መልኪዑ ግን ዕለተ ሐሙስ ቅዳሴ አሎ እዩ። ፯.ቡራኬን ኑዛዜ እውን የለን። መምህር ኤርምያስ ሓጎስ(ኢ/ር)

#መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (#ህወሓት)
+2
#መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (#ህወሓት)

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተሓቢሩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሎሚ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተሓቢሩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ሎሚ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ኣማኻሪ ሚንስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ከምዝሾምዎም ተሓቢሩ ኣሎ ። ሰናይ ናይ ስራሕ ግዘ

ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ብዛዕባ ካብ ሓላፍነነቶመረ ምልቃቕ መጠንቀቕታ ግዘ ምሃብ ዝምለከት ናብ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ Supreme
+1
ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ብዛዕባ ካብ ሓላፍነነቶመረ ምልቃቕ መጠንቀቕታ ግዘ ምሃብ ዝምለከት ናብ ፕረዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ Supreme Court of Tigray - ላዕለዋይ ቤ/ፍርዲ ትግራይ

#ሓድሽ_ደንቢ_መቆፃፀሪ_ትራፊክ ብፌደራል ብሃገር ብርኪ ዝወፀ ሓድሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ናብ ትግበራ ከም ዝተኣተወ እንድሓበርና ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እዚ ደንቢ ተግባራዊ ክገብረን ነ
+9
#ሓድሽ_ደንቢ_መቆፃፀሪ_ትራፊክ ብፌደራል ብሃገር ብርኪ ዝወፀ ሓድሽ ደንቢ መቆፃፀሪ ትራፊክ 557/2016 ናብ ትግበራ ከም ዝተኣተወ እንድሓበርና ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል እዚ ደንቢ ተግባራዊ ክገብረን ነዚ ተመሓላሊፉ ዝተረኸበ መፈፀምቲ ኣካላት ተኸታቲልኩም ተግባራዊ ክትገብሩ ይሕብር ። ኮማንደር ሃ/ማርያም ደበሳይ ሓላፊ ቁፅፅርን ስምሪትን ትራፊክ መምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ

ንተቀምቲ #ቴሌግራም ዝተመሓላለፈ ናይ #መጠንቀቕታ መልእኽቲ❗️ ኣጠቃቕማ ኢንተርኔት በቢ መዓልቱ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ዘበን፣ ምስዙይ ተተሓሒዙ ዝመፁ ስግኣታት እናተስፋሕፍሑ እዮም፡፡ ምምሕዳር
ንተቀምቲ #ቴሌግራም ዝተመሓላለፈ ናይ #መጠንቀቕታ መልእኽቲ❗️ ኣጠቃቕማ ኢንተርኔት በቢ መዓልቱ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ዘበን፣ ምስዙይ ተተሓሒዙ ዝመፁ ስግኣታት እናተስፋሕፍሑ እዮም፡፡ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ሓደገኛ ኣድራሻታት ኢንተርኔት( URLs) መርሚሩ፣ እዞም ኣድራሻታት ንተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገርና ብዝበለፀ ድማ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ኣካዉንቶም ብምውሳድ ልዑል ስግኣት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፁ፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብቴሌግራም ዝበፅሑ ሊንክታት ብዙሓት ሓደጋታት ዘምፅኡ እንትኾኑ÷ ዝስዕቡ ሓደጋታት ብቐንዲ ይርከብዎ፡፡ 👉ውልቃዊ ሓበሬታ ምጥቃዕ:- ከም ምፍለይ ቁፅሪ ባንኪ ወይድማ መሕለፊ ቑፅሪ (ፓስዋርድ) ሓበሬታታት ምጉሓል፤ 👉ፈነወ ማልዌር :- ንስልኪ ወይ ድማ ንኮምፒውተራት ዝጎድእ ቫይረሳት፤ 👉ምውንባድ:- ተጠቀምቲ ብሓሶት ተስፋታት ( ከም ንሕንሕ ወይ ድማ ኢንቨስትመንት) ምትላል፤ ብምዃኑ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ዝለኣኽሎም ሊንክታት ካብ ምኽፋት ክቑጠብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ብቴሌግራም ዝለኣኹ ሊንክታት ብፍፁም ክኽፈቱ ከምዘይብሎም እቲ ምምሕዳር ብምስሊ ኣቃሊሑ፡፡ ምስዙይ ተተሓሒዙ ኣብ ቴሌግራም ዘጠራጥሩ ሊንክታት እንተጋጥሙ ንምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ብ e-mail ethiocert@insa.gov.et ን ናፃ መስመር ስልኪ 933 ምሕባር ከምዝኽኣል ኣፍሊጡ፡፡ 👉 FBC Tigrigna

#ወቕታዊ_ሓበሬታን መልእኽቲ #ጥንቃቐን! ክቡራት ዓማዊልና! ናይ ባንክና ሞባይል ባንኪንግ መተግበሪ ተመሓይሹ ከምዝተለቐቐ እናገለፅና ቅልጡፍን ዝሐሸን ግልጋሎት ንምርካብ እቲ መተግበሪ ንኸተዘምኑ/Up
+1
#ወቕታዊ_ሓበሬታን መልእኽቲ #ጥንቃቐን! ክቡራት ዓማዊልና! ናይ ባንክና ሞባይል ባንኪንግ መተግበሪ ተመሓይሹ ከምዝተለቐቐ እናገለፅና ቅልጡፍን ዝሐሸን ግልጋሎት ንምርካብ እቲ መተግበሪ ንኸተዘምኑ/Update ንክትገብሩ ብኣክብሮት ንሓትት፡፡ ኣብ ከይዲ ድሕሪ እቲ መተግበሪ ምሰ ኣዘመንኩም ወይ Update ምስገበርኩም ዘጋጥመኩም ፀገም እንተሊዩ ናብ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብኣካል ብምኻድ እቲ ግልጋሎት ንኸተጀምሩ ብትሕትና ንሓትት፡፡ ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ብመሰረት ኣሰራርሓ ባንክና ምስ ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ዝተተሓሐዘ ባዕሎም ብኣካል ናብ ጨንፈራት ባንክና ብምቅራብ ጥራሕ ግልጋሎት ዝረኽቡ ምዃኖም ብምግንዛብ ብስልኪ ተደዊሉ ዝወሃብ ምንም ዓይነት ግልጋሎት ኮነ ኣሰራርሓ ከምዘየለ ብምርዳእ ብስልኪ ዝቐርብ ሕቶ ክተተኣናግዱ ከምዘይብልኹምን ካብ መጭበርበርቲ ዓርስኹም ክትሕልው ከም ዘለኩምን እናፍለጥና፤ ተመሳሳሊ ናይ ስልኪ ፃውዒታት እንተበፂሕኩም ናብ ነፃ መስመር ባንክና 951 ብምድዋል ወይ ድማ ናብ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ብምኻድ ዝተደወለልኩም ቁፅሪ ስልኪ ንኽተመዝግቡ ብኽብሪ ንሓትት፡፡ Android: https://play.google.com/store/apps/details?id=com.combanketh.mobilebanking IOS: https://apps.apple.com/us/app/cbe-mobile-banking-new/id1534203410#?platform=iphone 👉 ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ

እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኤጀንሲ ፕሬስ ኢትዮጵያ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ሎሚ 01 ሚያዝያ ኣብ ዘቃልሖ ዜና ክልተ ዞባታት ኣምሓራ ዘራኽብ ፕሮጀክት መንገዲ ጎንደር-ሑመራ
እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኤጀንሲ ፕሬስ ኢትዮጵያ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ሎሚ 01 ሚያዝያ ኣብ ዘቃልሖ ዜና ክልተ ዞባታት ኣምሓራ ዘራኽብ ፕሮጀክት መንገዲ ጎንደር-ሑመራ ይፅገን ምህላዉ ብምግላፅ ሑመራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሩ ብምቕራብ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ዘለዎ ዜና ሒዙ ወፂኡ ኣሎ። እዚ ተግባር ተራ ፀብፃብ ዜና ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ንክልል ኣምሓራ ኣሕሊፉ ብምሃብ ቅሉዕ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ኣሎ። እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ንውዕሊ ፕሪቶሪያ እውን ብቐጥታ ዝፃባእ ተቐባልነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ። ኤጀንሲ ፕሬስ ኢትዮጵያ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ንዘቕረቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተንኳሳይ ፀብፃብ ዜና ብህፁፅ ክእርሞን ኣብ ልዕሊ ነዚ ዜና ዘዳለዉ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን እናሓበርና መንግስቲ ፌዴሪኢ እውን ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ዝፍፅሙ ትካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ንክወስደሎም ንፅውዕ። 👉 ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ 01 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም መቐለ

#ስርቂ_መሰረተ_ልምዓት ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ህዳሴ ቀጠና 13 መጋቢት 29/2017 ዓ/ም ፀልማት ሽፋን ብምግባር ስርቂ መሰረተ ልምዓት ናይ ማይ ፓምፕ ሰሪቖም ኣብ ግቢ ዝሓብኡ
+1
#ስርቂ_መሰረተ_ልምዓት ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ህዳሴ ቀጠና 13 መጋቢት 29/2017 ዓ/ም ፀልማት ሽፋን ብምግባር ስርቂ መሰረተ ልምዓት ናይ ማይ ፓምፕ ሰሪቖም ኣብ ግቢ ዝሓብኡ ፖሊስ ብዝገበሮ ክትትልን ፅንዓትን ብምግባር 02 ተጠርጠርቲ ምስ ኤግዚቢት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም መዝገቦም ኣብ ምፅራይ ይርከብ ። ሕብረተ ሰብ ኣብ ኣብ መሰረተ ልምዓት ናይ ባዕሉ ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ካብ ስርቂ ክሕልዎም ኣለዎ ፍሉይ ዝበለ ኩነታት ክርኢ ከሎ ብቕልጡፍ ንናይ ፀፅታ ኣካላት ክሕብር ኣለዎ ምስ ፖሊስን ናይ ፀጥታ ኣካላት ጎኒ ብምዃን ገበን ንከላኸል ዝኾነ ሓበሬታ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስልኪ ንጠቐም 👉 መምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ 25 መጋቢት 2017 ዓ/ም +251 909 60 33 60 +251 344 41 76 95

ሽመት ጀነራል ታደሰ ወረደ(ወዲ ወረደ)ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምፍጻም ዝሕግዝ ምዃኑ ከምትኣምን ኤምባሲ ኣመሬካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣምባሳደር ኢርቪን ማሲንጋ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዱሽ ፕ
ሽመት ጀነራል ታደሰ ወረደ(ወዲ ወረደ)ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምፍጻም ዝሕግዝ ምዃኑ ከምትኣምን ኤምባሲ ኣመሬካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣምባሳደር ኢርቪን ማሲንጋ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ምሻሞም ፤ ንሙሉእ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምፍጻም ዝሕግዝ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፡ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ትግበራ ምጥያሽ ተመለስቲ ሓይልታት ፀጥታ ክቕጽል፣ሕግን ስርዓትን ክነግስ፣ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክጠናኸር፣ሕጋውነት ዘይብሎም ርክባት ደው ክብሉን እቶም ፕርዝደንት ብመሰረት ዝኣተውዎ መፅብዓ ከምዝሰርሑ ዘለዎ እምነት እውን ገሊጹ።

ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ'ለኒ ክብሉ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፕረዝደንትነት ንትግራይ ዘገልገልይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ። ኣይተ ጌታቸው ረ
ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ'ለኒ ክብሉ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፕረዝደንትነት ንትግራይ ዘገልገልይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ንዝተኻየደ ርኽኽብ ስልጣን ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ " ናይ ክልተ ዓመት ሓላፍነት ጊዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ ብዕሊ ኣረኪበ'ለኹ ። " ዝበሉ ኮይኑ " ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ'ለኒ" ኢሎም ። ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነብር ህዝብና ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ክፍጠር ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምግልጋልን ኩለመዳያዊ ባህግታቱ ክሰምሩን ዝክኣለኒ ኹሉ ክገብር'የ ፡ ዝበሉ ኣየተ ጌታቸው " ናይ ሰላምን ናይ ለውጢን ድሌት ከይኹለፉ ቃልስና ነሐይል " ክብሉ ፃውዒቶ ኣቅሪቦም ።

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለከተማ መቐለ ዓይደር ጣብያ ጕንበት ዒስራ መጋቢት 25/2017 ዓ.ም ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተረኸበ 104 ኵንታል ዝሓዘ ዘይሕጋዊ መኽዝን መዳበርያ ብጥቆማ ሕብረተሰብ ኣብ
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለከተማ መቐለ ዓይደር ጣብያ ጕንበት ዒስራ መጋቢት 25/2017 ዓ.ም ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተረኸበ 104 ኵንታል ዝሓዘ ዘይሕጋዊ መኽዝን መዳበርያ ብጥቆማ ሕብረተሰብ ኣብ ቁጽጽር ከም ዘውዓለ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ገሊጹ።

የጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) መልዕክት ባለፈው አንድ ወር ገደማ የኢትዮጵያን ሕገ መንግሥት፣ የፕሪቶርያን ስምምነት እና የዲፕሎማቲክ ማኅበረሰቡን ምክር በማከል ሰፊ ውይይቶች ሲካሄዱ ቆይ
የጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ (ዶ/ር) መልዕክት ባለፈው አንድ ወር ገደማ የኢትዮጵያን ሕገ መንግሥት፣ የፕሪቶርያን ስምምነት እና የዲፕሎማቲክ ማኅበረሰቡን ምክር በማከል ሰፊ ውይይቶች ሲካሄዱ ቆይተዋል:: የአቶ ጌታቸው የሥልጣን ዘመን በሕጉ መሠረት ሲያበቃ የሚቀሩ ቁልፍ ሥራዎችን የሚያከናውን አካል፣ ግዝያዊ መንግሥቱ መቀጠለ አለበት የሚል ድምዳሜ ከተያዘ በኋላ፣ ይሄንን ሽግግር ማን መርቶ ከግብ ሊያደርስ ይችላል? የሚሉ ውይይቶችን ስናደርግ ቆይተናል:: ዛሬ በይፋ እና በሰላማዊ መንገድ በአዲስ ባህል የሥልጣን ሽግግሩን እና ቅብብሎሹን ለማካሄድ የተዘጋጀ ፕሮግራም አከናውነናል። ጄኔራል ታደሰ ባለፋት ሁለት ዓመታት የአቶ ጌታቸው ምክትል ሆነው ያገለገሉ ሰው ናችው:: ባለፋት ሁለት ዓመታት የነበሩ ድካሞችን እና ጥንካሬዎችን በግልጽ የሚገነዘቡ ሰው ናቸው:: አሁን ትግራይ ውስጥ ያለውን ክፍተት ሞልተው ወደ ፊት ሊወስዱ ይችላሉ የሚል እምንት በብዙ አካላት የታመነ ነው። የትግራይ ሕዝብ የጠማውን ሰላም እና ልማት፣ እንደ ሌሎች ወንድሞቹ ወጥቶ የመግባት መሻት ስናሳካ፣ ለኢትዮጵያም ለአፍሪካም እጅግ ጠቃሚ የሆነ ነገር ሠርቶ ለማለፍ ታሪክ የሰጣቸውን ዕድል እንደሚጠቀሙበት ተስፋ አደርጋለሁ።

#ንኻልኣይ_ግዘ_ዘጋጠመ ከቢድ #ሓደጋ_ባርዕ_ሓዊ ኣብ ሱዳን መዕቖቢ #ስደተኛታት_ኡምራኩባ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። ኣብ ሰዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 10
+2
#ንኻልኣይ_ግዘ_ዘጋጠመ ከቢድ #ሓደጋ_ባርዕ_ሓዊ ኣብ ሱዳን መዕቖቢ #ስደተኛታት_ኡምራኩባ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። ኣብ ሰዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 10 መንበሪ ተጋሩ ስደተኛታት ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተቓፀለ ተሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ ግዘ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ መንቀሊኡን ኣብ ሂወት ሰብ ዘብፀሖ ጉድኣትን ምፅራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ቅድም ኢሉ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፣ ሂወት ክልተ ኣሕዋት ከምዝሓለፈ ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚሉ እናሃለወ 75 ተጋሩ ንምዕራብ ትግራይ ብዝወረሩ ሓይሊታት ብዝበፅሖም በደል ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለው ተሓቢሩ። ካብ ምዕራብ ትግራይ ከተማታት ዓዲ ጎሹ፣ ኣደባይን ሑመራን ዝተሰደዱ እቶም ወገናት፣ብመስመር ሓምዳይት ናብ ሱዳን ምስ ሰገሩ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝተቐበሎም ተገሊፁ። ህፃናት፣ መናእሰይን ኣረጋዉያን ዝርከብዎም እቶም ወገናት፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣንፃር ተጋሩ ዘቕንዐ ፍሉይ ጎስጓስ ምህላዉ ኣፍሊጦም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፅንተት ዝፈፀመ ኣካል ''የተከዜ ዘብ'' ብዝብል ስያመ ዕጡቅ ሓይሊ ኣሰልጢኑ ኣብ ሽብር ከምዝተፀመደ እዉን ተዛሪቦም እዮም። ምምላስ ምዕራብ ትግራይ ዛዕባ ሕድሕድ ትግራዋይ ክኾውን ዝፀዉዑ እቶም ስደተኛታት መሬት ምዕራብ ብህፁፅ ናብ ንቡሩ ክምለስ ይግባእ ኢሎም።

#ኣልማዝ #ባለጭራ ሀርፐስ ዞስተር ዶ/ር ኣቤል ግደይ ኸበዶም ወልዲተይ ኣዝዩ ዘቐንዚ ረስኒ ዝመስል ቐይሕ ዕንፍሩር ብ ፀጋማይ ገፅ ከብዳ ወፂእዋ። ኣዝዩ ዘቐንዝይ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ምንቅስቕስ ኣይከኣለትን። መድሓንት ይህልዎ ዶ? ኣብ ክንደይ መዓልቲ ይገድፋ? 📌 ሀርፐስ ዞስተር፡ ብተለምዶ ሽንግልስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቃንዛ ዘለዎ ዕንፍሩር ዘስዕብ ቫይራላዊ ረኽሲ እዩ። 📌መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ወገን ኣካላትና ዝጸሉ ቃንዛ ዘለዎን ዕንፍሩር ቆርበት እዩ። 🔴 መን እዩ ኣብ ሓደጋ ዘሎ? 📌ኣብ ኣረጋውያን (መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም) ከምኡ’ውን ብሰንኪ ጸቕጢ፡ 🔴ሕማም ወይ ገለ መድሃኒታት ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘለዎምን ዝያዳ ይርአ። ♻️ሕማም ኤች ኣይ ቪ ♻️ሕማም ሽኮርያ ምልክታት 📌 ቀዳሞት ምልክታት፤ 🔴 ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ቃንዛ፡ ምንዳድ ወይ ምውጥዋጥ ስምዒት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ወገን ኣካላት። 🔴 ንምትንካፍ ተነቃፍነት ቃንዛን 🔴 ምዕባለ ዕንፍሩር 🔴 ቃንዛ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ቀይሕ ረስኒ ይረአ። • እቲ ዕንፍሩር ናብ ፈሳሲ ዝመልአ ጽፍፍቲ ይምዕብል እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ቅራፍ ይቕርቀር። • ካልኦት ምልክታት፤ 🔴 ሰዓል፡ ሕማም ርእስን ድኻምን ምስቲ ረስኒ ክስዕብ ይኽእል። 🔴 ኒውራልጅያ ቀጻሊ ቃንዛ ነርቭ) ኣብ ገለ ሕሙማት ዋላ ምስተፈትሐ ከጋጥም ይኽእል። ☝️ ሕክምና 🔴 ጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት፤ 📌 ብኣግኡ ብጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት (ንኣብነት፡ ኣሲክሎቪር፡ ቫላሳይክሎቪር፡ ወይ ፋምሲክሎቪር) ምሕካም፡ ንኽብደትን ንውሓት ግዜን ናይቲ ለበዳ ከጉድል ይኽእል። 🔴 ምሕደራ ቃንዛ፤ • ብዘይ ዶክተር ዝሽየጡ መቐነሲ ቃንዛ፡ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት፡ ወይ ፍወሳ ቃንዛ ነርቭ ክጥቀሙ ይኽእሉ። 🔴እዋናዊ ሕክምናታት፤ • ንምህዳእን ረኽሲ ንምክልኻልን ዝሕግዙ ክሬማት ወይ ሎሽን። 🔴 መከላኸሊ ስጉምትታት • ንኣረጋውያን ዓበይቲ ሰባት ክታበት ሽንግልስ ክውሰድ ይምከር፡ እዚ ድማ ንሕማም ሀርፐስ ዞስተር ንምክልኻል ወይ ንኽብደቱ ንምንካይ ይሕግዝ። ⸻ . ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት (FAQs) ሕቶ 1፡ ሀርፐስ ዞስተር ብኸመይ ይፍለጥ? 🔴መልሲ፡ መርመራ ብተለምዶ ኣብ ታሪኽ ናይቲ ሕሙምን ክሊኒካዊ መርመራ ናይቲ ረስኒን ተመርኲሱ’ዩ ዝግበር። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ መርመራታት ላቦራቶሪ (ከም PCR ወይ ቫይራል ባህሊ) ነቲ መርመራ ንምርግጋጽ ክጥቀሙ ይኽእሉ። ሕቶ 2፡ ሀርፐስ ዞስተር ተላባዒ ድዩ? 🔴መልሲ፡- ሀርፐስ ዞስተር ንባዕሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣይዝርጋሕን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቫሪሰላ-ዞስተር ቫይረስ ካብ ሓደ ሽንግል ዘለዎ ሰብ ናብ ሓደ ፍንጣጣ ሒዙ ዘይፈልጥ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ሽንግል ዘይኮነስ ፍንጣጣ ከም ዘማዕብሉ ይገብሮም። ሕቶ 3፡ ለበዳ ሽንግልስ ክሳብ ክንደይ ይጸንሕ? 🔴መልሲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ረስኒ ካብ 2 ክሳብ 4 ሰሙን ይጸንሕ። ይኹን እምበር፡ ገለ ሰባት ድሕሪ ምሕዋስ ቃንዛ ነርቭ ንኣዋርሕ ወይ ዓመታት እውን ከይተረፈ ዝቕጽል ኒውራልጅያ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። ሕቶ 4፡ መን እዩ ክታበት ሽንግልስ ክወስድ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ? 🔴መልሲ፡- እቲ ክታበት ንዕድመ 50 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ሰባት ዝምከር ኮይኑ፡ ምኽንያቱ ንሽንግልስን ጸገማትን ናይ ምምዕባል ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ። ንውልቃዊ ምኽሪ ምስ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ምምኽኻር ዝበለጸ እዩ። ሕቶ 5፡ ኣብ እዋን ለበዳ ቃንዛ ንምምሕዳር እንታይ ክገብር ይኽእል? 🔴መልሲ፡ ምቁጽጻር ቃንዛ፡ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት፡ ብዘይ ዶክተር ዝሽየጡ መቐነሲ ቃንዛ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ቃንዛ ወይ ፍወሳታት ቃንዛ ነርቭ ከጠቓልል ይኽእል። ዝሑል ማይ ኣብ እዋናዊ ክሬማትን እውን ዕረፍቲ ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ሕቶ 6፡ ምስ ሀርፐስ ዞስተር ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ኣለዉ ድዮም? 🔴መልሲ፡ እወ። እቲ ዝበዝሐ ዝረአ ጸገም ድሕሪ ሀርፐቲክ ኒውራልጅያ ኮይኑ፡ ቃንዛ ዋላ እቲ ሕማም ዕንፍሩር ምስ ጸረየ ይቕጽል። ኣብ ሳሕቲ ዝረኣዩ ጸገማት፡ እቲ ሽንግልስ ንዓይኒ እንተጸሊዩዎ ምርኣይ ምጥፋእ፡ ወይ ድማ እቲ ረኽሲ ናብ ሓንጎል እንተተዘርጊሑ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ከጠቓልል ይኽእል። ሕቶ 7፡ ለውጢ ኣነባብራ ኣብ ምምሕዳር ሀርፐስ ዞስተር ክሕግዝ ይኽእል ድዩ? 🔴መልሲ፡ ብግቡእ ኣመጋግባ፡ ምቁጽጻር ጸቕጢን ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላትን ጥዑይ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ምሕላው ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል። ብኣግኡ ምሕካምን ክታበትን እውን ኣብ ምምሕዳርን ምክልኻልን ከበድቲ ሕሙማት ቁልፊ ስትራተጂታት እዮም።

#ንመምህራን_ክብሪ እንተሂብናን ቤት ትምህርቲ እንተሃኒፅና ዝሓሸ ወለዶን ዝሐሸት ዓዲን ክንሃንፅ ኢና - #በዓል_ሃፍቲ #ዘርኡ_ገብረሊባኖስ ንመምሃራን ክብሪ እንተሂብናን ቤት ትምህርቲ እንተሃኒፅና ዝ
#ንመምህራን_ክብሪ እንተሂብናን ቤት ትምህርቲ እንተሃኒፅና ዝሓሸ ወለዶን ዝሐሸት ዓዲን ክንሃንፅ ኢና - #በዓል_ሃፍቲ #ዘርኡ_ገብረሊባኖስ ንመምሃራን ክብሪ እንተሂብናን ቤት ትምህርቲ እንተሃኒፅና ዝሓሸ ወለዶን ዝሐሸት ዓዲን ክንሃንፅ ኢና ኢሎም ናይ ክብሪ ዶክተር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ። ፈላማይ ሽልማት ብሉፃት መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ምስላጥ ይርከብ። ነቲ ሽልማት ዘዳለዉ ኣምባሳደር ትምህርቲ ትግራይ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንመምህራን ዘይተኽብር ዓዲ ኣብ ፀልማትን ኣብ ድኽነትን እያ ትነብር ኢሎም። ነዙይ እውን እዩ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ናይ ዓለም ስልጣነታት ኣብ ቅድሚት ነይርና ሕዚ ናብ ድሕሪት ተመሊስና ዘለና። እዙይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ብዘይ ምስራሕናን ግደ ትምህርቲ ዘይምግንዛብናን እዩ ክብሉ ገሊፆም። ስለ ዝኾነ ከም ማሕበረሰብ ኣብ ትምህርቲ መሰረት ገይርና ብምስራሕ ናብ ወፃኢ ዓዲ ተሰዲድና እንመሃረሉ ጊዜ ክተርፍ ክንፅዕር ኢና ኢሎም። እቲ ሽልማት እውን በቢዓመቱ ቀፃልነት ከም ዝህልዎ ቃል ኣትዮም። እቲ ሽልማት “ሽልማት ብሉፃት መምህራን ዘርኡ” ብዝብል ስያመ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ መድረኽ ሽልማት ብምትሕብባር በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ፣ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይን ዝተዳለወ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ንምክትል ፕሬዚደንትን ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስታዊ ትካላት፣ መምህራን ተምሃሮን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም እዮም። #ብይብራህ_እምባየ ቴሌቪዥን ትግራይ 28 መጋቢት 2017 ዓ.ም

#ቻይና ፈላማይ #ኣብራሪ_ዘይብሉ ናይ #ታክሲ ትራንስፖርት ኣየር ዕላዊ ገይራ። ሲቪል ኣቪዬሽን ቻይና ኣብ ዓለም ፈላማይ ዝኾነ ኣብራሪ ዘይብሉ ናይ ታክሲ ትራንስፖርት ኣየር ኣብታ ሃገር ንኽትግገበር
#ቻይና ፈላማይ #ኣብራሪ_ዘይብሉ ናይ #ታክሲ ትራንስፖርት ኣየር ዕላዊ ገይራ። ሲቪል ኣቪዬሽን ቻይና ኣብ ዓለም ፈላማይ ዝኾነ ኣብራሪ ዘይብሉ ናይ ታክሲ ትራንስፖርት ኣየር ኣብታ ሃገር ንኽትግገበር ፍቓድ ምሃቡ ተገሊፁ፡፡ በቲ ትካል ፍቓድ ዝተውሃም ኢ ሃንግ ሆልዲንግን ሄፊ ሄይን ዝተብሃሉ ትካላት መገዲ ኣየር ዘቕረቡዎ ቴክኖሎጂ ናይ ኣየር ታክሲ ሰብ ኣልቦ ብዝኾነ መገዲ ወይ እውን ብዘይ ኣብራሪ ንምትግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ኣየር ተሽከርካሪት ወይ እውን ሰብ ኣልቦ ናይ መገደኛ ኣውሮፕላን ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ ቴክኖሎጂ፤ ብዝተገጠመሉ ናይ ቦርድ ኮምፒዩተር፣ ጂፒኤስ፣ ሪሞት ኮንትሮልን ካልኦት መሳርሒታትን ከምዝሕገዝ ተሓቢሩ፡፡ ቱሪዝም ተኮርን ሓፂ ርሕቐት ብዝኾነ ፈተነ በረራ ከምዝትግበር ምግላፁ ኒውስዊክ ፀብፂቡ፡፡ #FBC

ብገበን ቅትለት ንእስቲ ሊድያ ኣለም ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ብእስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ‼️ -------------------------------- ጉዳይ ቅትለት ንእስቲ ሊድያ ኣለም ኣብ ከተማ ዉቕሮ ክርእይ ዝ
+2
ብገበን ቅትለት ንእስቲ ሊድያ ኣለም ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ብእስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ‼️ -------------------------------- ጉዳይ ቅትለት ንእስቲ ሊድያ ኣለም ኣብ ከተማ ዉቕሮ ክርእይ ዝውዓለ ማእኸላይ ቤትፍርዲ ዞባ ምብራቕ፣ሎሚ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ የማን ፀጋም ተኻታዕቲ ወገናት ብምስማዕ፤ ተኸሳሲ በዓል ቤታ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ መዋቲት ንእስቲ ሊድያ ኣለም ብዝተልዓለ ዘይምርድዳእ ተለዓዒሉ ጎሮሮኣ ሓኒቑ ብምቕታል፤ክልተ ኣዕይንቲ መዋቲት፣ቅድሚ ምሟታ ብጭካነ ብምዉፃእ ግፍዓውን መስካሕክሕን ብዝኾነ መንገዲ ከምዝቐተላ ሎሚ ኣረጋጊፁ። በዚ መሰረት ድማ ሎሚ ተሰይሙ ኣብ ዝውዓለ መጋባኣያ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ብገበን መቕፅዒ ሕጊ 539(1)ሀ ብዕድመ ልክዕ ፅንኑዕ እስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ።