መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
+2
#ትረፊ_ዝበላ_ነብሲ
ብምጭንናቕ ትራፊክ ካብ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ኣውሮፕላን ዝተረፈት ህንዳዊት…
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቡሚ ቹሃን ብምኽንያት ምጭንናቕ ትራፊክ ካብ በረራ ሰዓት 10 ደቒቕ ደንጉያ ብምብፃሓ ካብቲ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣውሮፕላን ክትተርፍ ክኢላ፡፡
ቡሚ ቹሃን ተምሃሪት ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን እንትትከውን÷ ናብራኣ ምስ በዓል ገዝኣ ኣብ እንግሊዝ ብሪስቶል ዝገበረት ኢያ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እዋን ዕረፍታ ምስ ስድራኣ ንምሕላፍ ናብ ምዕራብ ህንዲ ኣምሪሓ ነይራ፡፡
እዋን ዕረፍታ ምስ ዛዘመት ድማ ናብ ለንደን ንምምላስ ብበረራ ቁፅሪ 171 ኣውሮፕላን ትኬት ከምዝቖረፅት ትዛረብ፡፡
ሰዓት በረራ እንትበፅሕ ድማ ቦሆሚ ቻውሃን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ምምራሕ ትጅምር፡፡
ይኹን እምበር ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እናኸደት እናሃለወት ልዑል ምጭንናቕ ትራፊክ የጋጥማ፡፡
መዕርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ እውን ካብ ሰዓት በረራ 10 ደቒቕ ደንጉያ ትበፅሕ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ናብ ውሽጢ ከይትኣቱ ይኽልክሉዋ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ በረራ ኣምሊጡዋ፡፡
ትረፊ ዝበላ ነብሲ ከምዝበሃል ድማ በረራ ዘምለጣ ቡሚ ቹሃን ካብ ጣዕሳኣ እንተይወፅአት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ናብ ለንደን እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ከምዝተሓምሸሸት ከምዝረኣየት ምሕባራ ቢቢሲ ኣብ ፀብፃ ገሊፁ፡፡
© FBC Tigrigna
እንግሊዛዊ ተሳፋራይ ካብ ሓደጋ ነፋሪት ህንዲ ከምዝደሓነ ጸብጻባት ሓቢሮም
————
ዛጊድ ሓደ ሰብ ካብቲ ብውሕዱ 200 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ ኣየር ህንዲ ከምዝደሓነ ሓላፊ ፖሊስ ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጹ::
ኮሚሽነር ፖሊስ ኣህመዳባድ ጂኤስ ማሊክ ንኤንኣይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ ናብ ለንደን እትኸይድ ዝነበረት ቦይንግ 787-8 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ መንበር ቁፅሪ 11A ዝነበረ ገያሻይ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ኣፍሊጡ::
እቲ ተሳፋራይ ብሪጣንያዊ ምዃኑን ቪሽዋሽ ኩማር ራመሽ ከምዝበሃልን ሰበስልጣን ገሊፆም::
ማዕከናት ዜና ህንዲ ንራሜሽ ኣብ ሆስፒታል ከምዘዘራረብኦን "ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሰላሳ ካልኢት ከቢድ ድምጺ ተሰሚዑ፡ ድሕሪኡ እታ ነፋሪት ተሓምሺሻ። እዚ ኩሉ ብቕልጡፍ እዩ ኣጋጢሙ" ምባሉን ጸብጺበን።
ስሙን ቁጽሪ መንበሩን ዘረጋግፅ ‘ቦርዲንግ ፓስ’ ከምዘርኣየ እተን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን ኣለዋ::
ኮሚሽነር ማሊክ ንኤኤንኣይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝደሓነ ሰብ "ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሕክምና ከምዘሎ”ተዛሪቡ::
ኣብታ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ ዝትበገሰት ነፋሪት 169 ህንዳውያን፣ 53 ብሪጣንያውያን፣ 7 ዜጋታት ፖርቱጋልን ሓደ ካናዳዊን ከምዝነበሩ ኤየር ኢንዲያ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ሓካይም ኣብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መንበሪ ኣባይቲ ተሓምሺሻ።
ስእሊ: Hindustan Times
👉 BBC News Tigrinya
ኣሕዋተይ ጓል 16 ዓመት ንእሽተይ ሓፍተይ ቅድስቲ ታደለ ትማሊ ካብ ገዛ ወፂኣ ስለዘይተመለስት ዝረኣየ እንተሃልዩ ወይድማ ሼር ብምግባር ሓፍተይ ክንረክብ ተሓባበሩና🙏
በዚ ስልኪ ደውልሉና
0948486702 ፍረወይኒ ዓምዱ
+2
#ሓበሬታ
ብግዝያውነት ወፂኡ ዝነበረ ታሪፍ ደው ክብልን ቅድም ኢሉ ናብ ዝነበረ ስሩዕ ታሪፍ ተመሊሱ ተግባራዊ ክግበር ከምዝተወሰነ ቤት ፅሕፈት መጓዝያ ኣፍሊጡ::
እቲ ብምኽንያት ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕፅረት ነዳዲ :ንናይ ከተማ ሚኒባስ ታክሲ ዝፍቀድ ዝነበረ ነዳዲ ካብ 08 /09 /2017 ዓ/ም ጀሚሩ ጠጠው ምባሉ ዝወለዶ ተወሲኹ ዝነበረ ግዝያዊ ታሪፍ :ካብ 04/ 10/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ነተን ተኸልኪለን ዝነበራ ሚኒባስ ታክሲ በቢሰሙና 60 ሊትሮ ነዳዲ ተፈቒዱ ተግባራዊ ስለዝኾነ: ብግዝያውነት ወፂኡ ዝነበረ ታራፍ ደው ክብልን ቅድም ኢሉ ናብ ዝነበረ ስሩዕ ታሪፍ ተመሊሱ ተግባራዊ ክግበር ከምዝታሰነ ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ቤት ፅሕፈት መጓዝያ ከይዲሰራሕ ደሕንነት መንገድን ምምሕዳር መጓዝያን ተሽከርከርትን ኣፍሊጡ::
ቑስለት ርእሲ ፋንጋይ‼️
(ቲንያ ካፕቲስ)
ብ ዶ/ር ኣቤል ጊደይ
✅ቑስለት ርእሲ መብዛሕቲኡ እዋን ብፋንጋይ ዝመፅእ ሕማም ቲንያ ካፒቲስ ይበሃል።
📌 መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ ርእሲ ዝወፅእ ኾይኑ ኣብ ካልኦት ክፋላት ቖርበት ከምኒ ጭሕሚ ሰውነት ን ፅፍሪን እውን ክወፅእ ይርኣይ።
ንመን የጥቅዕ?
📌ኣብ ቖልዑ/ ዓበይቲ
መብዛሕቲኡ ግዘ ኣብ ቖልዑ ዝረኣይ ኾይኑ ቕድሚ ጉርምስና ኣብ ዘለው ብተደጋጋሚ ይረኣይ። ኣብ ዓበይቲ ምድኻም ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ዘለዎም ይረኣይ።
ኣብ ናይ ፀጉሪ መስተኻኸሊ
🔴ኣብ ናይ ፀጉሪ መስተኻኸሊ ተዳጋጋሚ ምጥቓም መሰንተርን ፎጣን ይርኣይ ብዚ ድማ ብቐሊሉ ምትሕልላፍ ፈንገስ ይህሊ።
🔴ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘለዎ
📌በዝሒ ሰብ ኣብ ዘለዎን ብሓባር ብምድቃስን እቲ ሕማም ይትሕዞም።
🔴መሰንተሪ ብሓባር ምጥቃም
📌እቲ ፋንጋይ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፉ ብቐሊሉ ይህሊ።
📌ዘርኢ
ሓደ ሓደ ዓሌት ብቱ ፋንጋይ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ልላዓለ ይኾን።ልምንታይ?
♻️ምልክታት ስምዒትን ኣካልን
🔴ምቑሳል
📌ፅዕድው ልበለ ቑስሊ ምህላው ኣብ ርእሲ ይህሉ።
🔴ምፅዕዳው
📌ፅዕድው ዝበለ ኸቢብ ቑስሊ ምስ ፍርክስክስ ምባል ይህሊ።
🔴ምምላጥ
📌ከቢብ ምምላጥ ኣብ ርእሲ።
ሕክምና
1. ፅሬት ምሕላው
2. ግላዊ መመሸጢ ምጥቃም
3. መደቀሲ ምፍልላይ
4. ፎጣ ምፅራይ
5. እንዳ ፀጉሪ ምስትኽኻል
ፎጣ መሰንተርን መቖርጠጢን ብ ኣግባብ ምፅራይ።
ምሕካም
📌ዝወሓጥ መድሓኒት ብምሃብ ብንኡስ ናኣስታት 6ሰሙን ብምሃብ ምሕካም ይከኣል።
ሰላም!
👉 ጥዕና ይሃበለይ
ፀባ ጡብ ብኸመይ ይብርክት/ ይውስኽ?
ብ ዶ/ር ኣቤል ጊደይ
✅ሓንቲ ኣዶ ምስ ወለደት ፀባ ጡባ ክወፅእ ንሪኦ። ነገር ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክቕንስን ክጠፍእን/ክነፅፍን ድማ ይረኣይ።
ምውሳኽ ፀባ ጡብ
1 እኹል ዕረፍቲ
📌ኣዶ እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ ፀባጡብ ብበዝሒ ክወፀላ ይሕግዝ።
2 እኩል ፈሳሲን ምግቢን
📌ኣዶታት ቕድሚ ምውላደን ዝነበረ መጠን ምግቢን ፈሳሲን ብበዝሒ ክውስዱ ምግባር።
3 ምጥባው
📌ጡብ ምጥባው ምምራት ፀባ ኣዝዩ ክውስኽ ይገብር።ተተጠቢው ፀባ ምህርቱ ይውስኽ። ቖልዓ ተዘይጠቢብዎ ግን ይነፅፍ።
4 ብምውቕ ማይ ጡብ ምድራዝ
📌ጡብ ብምውቕ ማይ ምድራዝ ፀባ ክውስኽ ይገብር።
5 ፀረቓንዛ ምውሳድ
📌እተጡቢ ኣዶ ክትቕንዘው የብላይ። ቓንዛ መጠን ፀባ ኣዝዩ ክቕንስ ይገብር።
6 ናይ ታኒካ ፀባ ምውጋድ
✅ፀባ ታኒካ ምስታይ ኣዶ ክትነፅፍ ክገብራ ይኽእል። ምክንያቱ ብቐሊሉ ስለዝረኽቦን ጣዕሙ ፍልይ ስለዝብል እቱ ህፃን ናብ ታንካ ፃባ ከድህብ ይገብሮ። ስለዚ '' ጡብ ጥራይ ክሳብ 6ይ ወርሒ!''
7 ጡጦ ምውጋድ
✅ጡጦ ክውገድ ዝግበኦ ተግባር እዩ። ተወሳኺ ምግቢ/ፀባ ብ ፍንጃል/ ብኩባያ ምሃብ።
8 እኹል ሓገዝ ስነኣእምሮ ምሃብ
✅ ሓንቲ ኣዶ ምስወለደት ናይ ድብርትን ጭንቀትን ስምዒት ክረኣያ ይረኣይ። እዚ ብሓገዝ ስድራን በዓል ቤትን ይቕንስ/ይጠፍእ። ካብ ገዛ ወፂአን ክንቀሳቐሳ ምግባር፡ ምስኣ ግዘ ምሕላፍ ቃንዛ ከይህልዋ ምሕጋዝ....
ፀባ ጡብ ክነፅፍ ዝገብሩ
#ዘይምጥባው
#ምጭንናቕ
#ምህላው ቓንዛ
#ፈሳሲ ዘይምውሳድ
#እኹል ዕረፍቲ ዘይምውሳድ
#ታኒካ ፀባ ምጥቃም
#ናይ ላስቲክ ጡብ ምሃብ/ ጡጦ ምሃብ
#ሓንቲ ጡብ ጥራይ ምሃብ
#ደቃሲ ቖልዓ
#ዘይምጭናቕ
©ጥዕና ይሃበለይ!
7 ምልክታት #ሕማም_ልቢ
ብዶ/ር ኣቤል ግደይ
ምልክታት ሕማም ልቢ እንታይ እዮም?
📌ሕማም ልቢ ን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘጥቅዕ ኾይኑ ቆልዓ ኣይብል ዓብይ ፡ ብ ዘይ ፆታን ዘርኢን ኣብ ኩሉ ይረኣይ።
1. ውቅዒት /ህርመት ልቢ ምውሳኽ
📍ቕልጡፍን ዝተዛብዐን ውቅዒት ልቢ ይህሉ። እዚ ድማ ኣብ ንቡር እዋን እንትንጎይ ወይድማ ከቢድ ስራሕ እንትንሰርሕ ዝህልይ ህርመት ኣብ ዘዕረፍናሉ እዋን ክንርእዮ ይስትውዐል።
2. ምሕፃርን ምቁርራፅ ትንፋስ
ምሕፃርን ምቁርራፅን ምትንፋስ ናይ ካልኦት ሕማማት ምልክት እውን ክኸውን ዋላኳ እንተኽኣለ። ምስናይ ልቢ ውቅዒት ምውሳኽ ምስዝርኣይ ግና ናይ ሕማም ልቢ ምልክት እዩ።
3. ምልላይ ውቅዒት ልቢ
♥️ኣብ ንቡር እዋን ልቢና እንትወቅዕ ኣይፍለጠናን ነገር ግን ነብስና ውቅዒት ልቢ ምልላይ ተጀሚሩ ንጠንቀቕ።
4. ምሕባጥ
✴️ምሕባጥ ኢድን እግሪን ካብኡ ብተውሳኺ ድማ ገፅ ይህሉ። ኸብዲ ምቑዛርን ምምላእን እውን ኣብ ሕማም ልቢ ዘለዎም ሰባት ይረኣይ ብፍላይ ድማ ምስ ውድቐት ልቢ ይተሓሓዝ።
5.ኽስመት ምኽዳን
✴️ምፅላም ከንፈርን ገፅን ብፍላይ ድማ ኣብ ምንቕስቓስ ን ጉልበት ዝጠልቡ ንጥፈታትን ይብእስ
6. ድኻም
👉🏼ብቕልጡፍ ምድኻም ይህልው። ን ኣብነት ብንቡር እንሰርሖም ዕዮ ገዛታት ምስራሕ ይኣብዩና።
ህፃውንቲ፡ ምጥባው ምድኻም፡ ረሃፅ፡ ዕብየቶም ምድሓር /ምዝሕታል ይረኣይ።
ቖልዑ ፡ ምስ መሰተኦም ምጉያይ ምፅዋት ይኸብዶም
ዓበይቲ፡ ኣብ መንገዲ ምዕራፍን ኣዝዩ ናይ ድኻም ስምዒት ምርኣይ የብዝሑ።
7. ውግኣት ደረትን ኣፍ ልብን
❤️እዚ ብ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ይመፅእ። ብፍላይ ኣብ ሃንደበታዊ ውድቀት ልቢ፡ ምዝባዕ ህርመት ልቢን ረክሲ ሳምባ እንትህሉን ይረኣይ።
🥳መልእኽቲ፡ ልቢ ይበሉ እዞም ኩሎም ምልክታት ብሓባር ንከይመፁ ይኽእሉ። ስለዚ ገለ ምልክታት እንተሪኢና ሓኪም ንወከስ።
© ጥዕና ይሃበለይ
+2
#ህፁፅ_ኣኬባ_ክፅዋዕ_ህወሓት ሓቲቱ
ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ማዕቢሉ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ፡ ውሳነ ቦርድ መረፃ ኢትዮጲያን ካልኦት ምዕባለታትን ኣመልኪቱ ክምርምርን ክዝትይን ህፁፅ ኣኬብ ክፅዋዕ ህወሓት ሓቲቱ ።
ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል ብዛዕባ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘመሓላለፎ ውሳነ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ዘለዎም ስኽፍታትን ኣመልኪቱ ናብ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓሙድ ዮስፍ ዓሊ ኣብ ዝፃሓፍዎ ዕላዊ ደብዳበ እዩ ነዚ ሕቶ ዝቐረበ ።
ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ደብዳብኦ ሕዚ ንዘሎ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ላዕለዋይ ጉጅለ ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌድራል ውድብ ህወሓትን ማዕቢሉ ዘሉ ኩነት ኢሉ እውን ድሒሩ ዝመፀ ውሳነ ቦርድ መረፃ ምስራዝ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ኣመልኪቱ ብፍሉይ ንክዝትየሉ ህፁፅ ኣኬባ ክፅዋዕ ይግባእ ኢሎም ።
ብተወሳኺ እዚ ጉዳይ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሳለጥ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰላም ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣጀንዳ ክዝተየሉ ክግበር ሓቲቶም ኣለው ።
+1
ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ይጓዓዝ ዝነበረ 1 ሽሕን 5 ሚኢቲን ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ዓድግራት ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ዓድግራት ብዘይሕጋዊ ( ብኮንትሮባንድ) ምስ ሸቐጣ ሸቐጥ ተሓዊሱ ልዕሊ 1 ሽሕን 5 ሚኢቲን ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ናይ ፅዕነት መኪና ተፃዒኑ እንትንቀሳቀስ ብናይ ማሕበረሰብ ጥቆማ ብምትሕብባር ኣካላት ፀጥታን ፖሊስን አብ ቁፅፅር ክውዕል ከም ዝኸኣለ በዓል ሞያ ምጽራይ ገበን ከተማ ዓዲግራት ዋና ሳጅን ክብሮም ገብረሚካኤል ገሊፆም።
እቲ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለ ነዳዲ ብመምርሒ ነዳዲ ምሕደራ ኣጠቓቕማን ስርዓት ቁፅፅርን ነዳዲ ቁፅሪ መምርሒ 6/2016 ዓ.ም ናብ መንግስቲ ኣታዊ ኮይኑ ክውረስ ከም ዝተገበረ እውን ዋና ሳጅን ክብሮም ኣብሪሆም።
እቲ ፂዒኑ ዝተረኸበ ሽፈር ብወገኑ ኣብ መቐለ ብደላሊ 7 ሽሕ ተኸፊልዎ ከምዝፅዓኖን ''ኣብ ዓድግራት ምስ ኣተኻ ደውል ዝቅበለካ ሰብ ክገብረልካ እየ'' ከም ዝበሎን ድሕሪ ምፅራይ ብዋሕስ ከም ዝተለቐቐን ዋና ሳጅን ክብሮም ሓቢሮም ክብል
ሓበሬታን ርክብን ከተማ ዓድግራት
ንክፍሊ ማዕኸን ዜና ፖሊስ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
+2
ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ከረጋግፅ ስለዘይኽእል ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀ ታደሰ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ 03 ጉንበት 2017 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ዘለው ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘካይድዎ መድረኽ ዘተ እዩ።
ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘላቂ ሰላምን ዘተኣማምን ድሕንነትን ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዘይከኣል ዝሓበሩ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፤ ንኹሎም ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ኣገባብ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን'ዚ ነንርእስና እናተሓላለኽናን እናተወጣጠርናን ክንከይድ ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ በፂሕና ኢና ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፤ እቲ ዘለና እንኮ ዕድል ተደጋጊፍናን ተሓጋግዝናን ውሽጣዊ ፀገማትና ምፍታሕ ምዃኑ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ርክብ ብመንግስቲ ዝምእኸል፣ ፋይድኡ ዝምዘንን ስትራቴጂ ዘለዎን ክኸውን ከምዝግባእ ብምግላፅ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝጠፍኣና ኩሉ ዘኽብሮ #ማእኸል ግድን ክህልወና ክንገብር ኣለና ኢሎም።
ብሓፈሻ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ነባሪ ሰላምን ዘላቂ ፍታሕን ክረጋገፅ ዝኽእል ብሰላማዊን ፖለቲካዊን ጥራሕ ምዃኑ ተሰሚሩሉ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
3 ጉንበት 2017 ዓ/ም
ተጋደልትና ዝገጥሞም ዘሎ ምንግልታዕ ኣብ ግምት ብምእታው ንደረጃ ሓደ ጉዱኣት ሃርበኛታት ተጋደልትና ቢሮ ትራንስፖርትን መራከብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኮሚሽን ሓርበኛታ ትግራይ ብምኳን ግዝያዊ ናይ ትራንስፖርት ግልጋሎት ዝረክብሉ መምርሕን ኣሰራራሓን ናብ መሓውር ብምውራድ ካብ ሓሙስ ፅግቦ ጀሚሩ ተፈፃሚ ዝተገበረ እንትከውን ኣብ ገለ ገለ መናህርያታት ናይ ዘይምቅባልን ነቲ ዝወረደ መምርሒ ክትፍፅም ናይ ዘይምድላይን ተርእዮታ ብምህላዉ እቶም ካብን ናብን ዝንቀሳቀሱ ተጋደልቲ እቲ ዝወረደ መምርሒ ብምሉእነትን ብሓደ ዓይነትን ክፍፀመልና ብዘይምክኣሉ ኣብ ርእሲ መጉዳእትና ንፅገም ንንገላታዕን ኣደዳ ቁርን ፀሓይን ንከውን ኣለና ዝብል ጥርዓን ኣቅሪቦም።
ስለዝኮነ ድማ ነዞም ጀጋኑ ሓርበኛታት ደረጃ ሓደ ደምቢ ተጠቃምነት ሓርበኛታት ነፃ ትራንስፖርት መምርሒ ወፂእዎ ተግባራዊ ክሳብ ዝከውን በቲ ግዝያዊ መምርሒ መሰረት ግልጋሎት ክረክቡ ናይ ምግባር ብሄራዊ ሓላፍነትና ምኳኑ ፈሊጥና ጉቡእና ክንዋፃእ ደጊምና ፃዊዒትና ነቅርብ። እዞም ኣካሎም ከፍሎም ንትግራይ ዘድሓኑ ጀጋኑ ሓርበኛታትና እዚኦም ኩለመዳያዊ ክብሪ ምሃብ ነብስካ ምክባር ምግልጋል ዓርስካ ምግልጋል እዩ እሞ ኩላትና ኣብ ትራንስፖርት ስምሪትን ቁፅፅርን ዘለና መንግስታዊ ኣካላትን ሰብ ንብረትን ማሕበራት ትራንስፖርትን ሓላፍነትና ብምውፃእ ብሄራዊ ግዴታና ንፈፅም።
ጀጋኑና ነክብር!!
👉 ቢሮ ትራንስፖርትን መራከብን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
እቲ ምስ ሃብቱ ዝሞተ ሰብኣይ ሕሱር ኰይኑ ይመውት"
ቢል ጌትስ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ምስ ሞትኩ ሰባት ብዛዕባይ ብዙሕ ክብሉ'ዮም፣ እታ 'ምስ ሃብቱ ሞይቱ' እትብል ቃል ግን ሓንቲ ካብተን ብድሕረይ ብዛዕባይ ዘይብሃላ'ያ ክትከውን" ኢሉ።
https://bbc.in/4iXydvH
+2
ሐዚ ከም ተጋሩ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ምርጫ ዘይኮነ ክንህልው ግድን ክንገብሮ ዘለና እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፁ ምስ ካቢነ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ዝርዝር ምኽክር ኣብ ዘካየድሉ እዋን እዩ።
ሐዚ ከም ተጋሩ ክንናኸስን ክንጓተትን ግዜ የብልናን ዝበሉ ፕረዚደንት ታደሰ፤ ከም ተጋሩ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ምርጫ ዘይኮነ ክንህልው ግድን ክንገብሮ ዘለና እዩ ኢሎም።
ኣባላት ካቢነ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘለዎም ሓሳባትን ስክፍታትን ዘቕረቡ እንትኾኑ፣ ዝርዝርን ዓሚቑን ዘተ ብምክያድ ኣብዚ እዋን ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩለመዳይ ፀገማት ንምውፃእ ተቀራርብካን ተደጋግፍካን ምስራሕ ግድን ምዃኑ ኣስሚረምሉ።
ሎሚ 01 ግንቦት 2017 ዓ/ም እውን ምስ መላእ ኣመራርሓ ወረዳን ዞባን ክቕፅል እዩ።
ቤት ሕፈት ፕረዚደንት
01 ጉንበት 2017 ዓ/ም
ብሰንኪ #ሓደጋ_ባርዕ ህይወት #ነብሰፁር ኣዶ ምስ 3 ደቃ ሓሊፉ😭😭
ኣብ ሃገረ ሱዳን መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምጉርጉር ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ትግራዋይቲ ኣዶ ምስ ሰለስተ ደቃ ህይወታ ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ።
ቴሌቭዥን ትግራይ ናብቲ ቦታ ደዊሉ ከምዘረጋገፆ በቲ ሓደጋ ባርዕ ህይወታ ዝሰኣነት ኣዶ ብሰንኪ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ካርቱም ናብ ኡምጉርጉር ዝተመዛበለት እያ።
ህይወታን ህይወት ሰለስተ ደቃን ብሓደጋ ዝሰኣነት ኣዶ ነፍሰፁር ምንባራ እውን ተገሊፁ።
ኣብ ሱዳን መዕቆቢ ተጋሩ ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ዛጊድ 10 ወገናትና ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ዘዕቆቡ ተጋሩ ብሰንኪ ዘይምትግባር ዉዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ዝኸፍአ ናይ ህልዉና ሓደጋ ተሳጢሖም ።
#TigTv
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ማሕበረሰብ ንግድን ተጋሩ ሰብ ሃፍትን ምኽክር የካይዱ ኣለው።
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ድሕረ ኲናት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበረ ቁጠባ ትግራይ ዳግም ምንቕቓሕ ዝዓለመ መድረኽ ሎሚ 17 ማዝያ 2017 ዓ/ም ምስ ሰብ ሃፍትን መዳርግቲ ኣካላትን ዘተ የሳልጡ ኣለው።
እዚ መድረኽ ማሕበረሰብ ንግድን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ኣብ ድሕረ ኲናት ትግራይ ዘለዎም ፀገማትን ፀቕጥታትን ንምፍታሕ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብዚ መድረኽ ብዋናነት ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ቅድሚ ኲናት ሃገር ሰላም እዩ ኢሎም ኣብ ሰፊሕ ናይ ኢንቨስትመንትን ንግድን ስራሕቲ ገዚፍ መዋእለ ንዋዮም ኣፊሲሶም እናሰርሑ ምፅነሖም ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፣ ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ፅንተታዊ ኲናት ዒላማ ከምዝተገበሩ ብምግላፅ ማሕበረ ሰብ ንግዲ ተጋሩ ኣብ ከቢድ ፀገም ምውዳቖም ሓቢሮም።
እዚ ፀገም ፖለቲካዊ ፍታሕ እዩ ዝጠልብ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ ምስ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ኣካላት መድረኽ ተዳልዩ ዝምልከቶም ኣካላት ፍታሕ ንኽግበር ብዕቱብ ክራሕ እዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዕቋርን ልቓሕን ዝተተሓሓዙ ፀገማት ከምኡ'ውን ምስ ኢንቨስትመንትን ኣቕርቦት መሬትን ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ 'ውን ከምዝስራሕ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ክረአ ዝፀንሐ ናይ ፀፅታ ፀገምን ልዕልነት ሕግን ክፍተታት ኣብ ምንቕቓሕ ማሕበረ ቁጠባ ትግራይ ኣሉታዊ ፅልዋ ኣንቢሩ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ፤ መንግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ነዚ ፀገም ንምቕራፍ ብልዑል ትኹረት ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።
ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ዘቕረብዎ መበገሲ ሓሳብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሰፊሕን ዕምቆት ዘለዎን ዘተ እናሳለጡ እዮም።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
18/08/2017 ዓ/ም
#ቆልዓ #ምስ #ስኒ #ተወሊዱ
ሰላም ዶክተር ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ቈልዓ ስኒ ሒዙ ተወሊዱ ኢሎም ❓
ዶክተር ኣቤል ግደይ
📌እወ: ሓደ ቈልዓ ስኒ ሒዙ ኪውለድ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ስኒ ሕርሲ ተባሂሉ ይፍለጥ።
⸻
♻️ኣስናን ሕርሲ እንታይ እዮም?
📌ኣስናን ሕርሲ ኣብ እዋን ልደት ዝርከቡ ኣስናን እዮም።
ኣስናን ህጻናት ድሕሪ ምውላዶም ኣብተን ቀዳሞት 30 መዓልታት ይነድዱ።
📌እዞም ኣስናን እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ኣካል ናይቲ ንቡር ስብስብ መባእታዊ (ህጻን) ኣስናን እምበር ተወሳኺ ኣይኮኑን።
⸻
♻️ቁልፊ ሓቅታት
• ካብ 2000 ክሳብ 3000 ሕርሲ ኣብ ኣስታት 1 ይኽሰት።
• ብብዝሒ ኣብ ታሕተዋይ ናይ ቅድሚት ድድብ (mandibular central incisors) ይረኣዩ።
• ልሕሉሕ፡ ዘይማዕበለ ወይ ውሑድ ኣቃውማ ሱር ክህልዎ ይኽእል።
⸻
🔴ጠንቅታትን ሓደጋታትን
ብዙሓት ሕሙማት ኢዲዮፓቲክ (ጠንቂ ዘይፍለጥ) ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ምስ፤
• ውርሻዊ ረቛሒታት
• ሲንድሮም (ንኣብነት፡ ኤሊስ-ቫን ክረቨልድ ሲንድሮም፡ ሶቶስ ሲንድሮም፡ ሃለርማን-ስትራይፍ ሲንድሮም)
• ሕጽረት ኣመጋግባ ወይ ጽልዋ ሆርሞናት ኣብ ማህጸን።
⸻
🔴እንታይ ፀገም የስዕብ?
• እቲ ስኒ ኣዝዩ ልሕሉሕ እንተኾይኑ ናይ ምፍንጫው ሓደጋ
• ቁስሊ መልሓስ ህጻን (ሕማም ሪጋ-ፌደ) .
• ብሰንኪ ዘይምቾት ንኣደ ምጥባው ጸገም
⸻
🔴ህክምና
• እቲ ስኒ ርጉእ እንተኾይኑን ጸገም እንተዘይፈጢሩን ሕክምና ኣየድልን።
• ምውጻእ ክምከር ዝኽእል ምዓዝ ዩ፤
📌 እቲ ስኒ ኣዝዩ ተንቀሳቓሲ እዩ።
📌 መጉዳእቲ ወይ ናይ ምምጋብ ጉዳይ የስዕብ ኣሎ።
📌 ናይ ምውሓጥ ወይ ናይ ምፍንጫው ሓደጋ ኣሎ።
ሓኪም ስኒ ህጻናት ወይ ሓኪም ህጻናት ዝኾነ ናይ ሕርሲ ወይ ናይ ህጻናት ኣስናን ክግምግሞ ኣለዎ።
⸻
መወከሲታት
• American Academy of Pediatric Dentistry (AAPD) – Natal and Neonatal Teeth
• Nelson Textbook of Pediatrics, 21st Edition
• Cunha RF et al. “Natal and neonatal teeth: review of the literature.” Pediatr Dent. 2001;23(2):158-62.
• MedlinePlus – Natal Teeth
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣብያ ዓዲሓ ቀጠና 14 ብገበን ስርቂ መሰረተ ልምዓት ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ብማእሰርቲ ተቐፂዑ ።
፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨
መቐለ :- 17 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ጣብያ ዓዲሓ ቀጠና 14 ናብ በዓል ፋሲካ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ሰዓት 8:00 ብስርቂ መሰረተ ልምዓት ተኸሲሱ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ብማእሰርቲ 6 ዓመት ተፈሪድዎ ከም መብርሂ መተሓባባሪ ምፅራይ ገበን እቲ ክፍለ ከተማ ም/ኮ/ር ኣለም ገብረዮሃንስ: ተኸሳሲ ፀጋይ ካልኣዩ ምጽኣቱ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ካብ ፓሎ ናብ ቆፃሪት ዝተዘርገሐ 42 ሜትሮ ገመድ ኤሌክትሪክ ቆሪፁ እንተኸይድ ኣብቲ ከባቢ ስራሕቲ ፀጥታ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣካላት ብጥርጣረ ጠጠው ምስ ኣበልዎ ወዲቑ ዝረኸቦ ከም ዝኾነ እኳ እንተሓበረ ናብ ጣብያ ፖሊስ ቀሪቡ ብዝተገበረሉ ምጽራይ ኣሚኑ።
በዚ መሰረት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ዓይደር ሽዑ ንሽዑ መዝገቡ ኣፃርዩ ናብ ዝምለከቶ ኣካል ፍትሒ ዝለኣኾ መዝገብ ዝተኸታተለ ምድብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ እቲ ክፍለ ከተማ ድማ 15 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእይኡ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 6 ዓመታት ክቕፃዕ ምውሳኑ እቶም ም/ ኮማንደር ወሲኾም ገሊፆም።
መምርሒ ፖሊስ ከተማ መቐለ
17 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም
+251 909 60 33 60
+251 344 41 76 95
"ቀንዲ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከብ ተመዛበልቲ ወገናትና ምምላስ እዩ"
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ
ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ንዝተመደቡ ሜጀር ጀነራል ሳማድ ኣክሶዴ ኣብ ፅሕፈት ቤቶም ተቐቢሎም ዘዘራረቡ እንትኾን ኣብ ከቢድ ናብራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ጉዳይ ቀዳማይ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣተሓሕዞም ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን ዳግም ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን ሰራዊት ብሓፈሻ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶሪያ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምቅርራብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።
ብሓደ ሓደ ኣካላት ዳግማይ ኲናት ክለዓል እዩ ዝብል ስግኣታት ከምዝስማዕ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ትግራይ ናብ ዳግማይ ኲናት ትኣትወሉ ምኽንያት ከምዘይህሉ ገሊፆም። ትግራይ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ደጊፋ ደው ትብለሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት፣ ትግራይ ካብ ደጊም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ድኣ እምበር ናብ ኲናት ንኸይትኣቱ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ እውን ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ኩሎም መዳርግቲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ንሙሉእ ትግባረ እቲ ውዕሊ ዝግበኦም ኩሉ ንኽሰርሑ ዝፀውዑ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ምስ መሪሕነት ኮሚቴ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ቁሩብነት ወሲኾም ገሊፆም።
እቶም ላዕለዋይ ሓላፊ ብወገኖም ኣብ ዙሪያ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ከይዲ DDR ንምዝርራብ ከምዝመፁ ብምሕባር ንሙሉእ ተፈፃምነት ውዕል ፕሪቶሪያ ዝከኣሎም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
16 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም
【DPK-AI Trading】Automatic quantitative system can automatically search for the lowest selling price of digital currencies such as BTC, ETH, USDT, etc. on major exchanges, and quickly purchase them in seconds.
1.DPKAI-quantification, deposits and withdrawals are automatically credited.
2. VIP1-VIP11, quantitative income 20% -35% income.
3. Support multi-currency, smart investment income 25%% up to 40% income.
4. Quantification is reset every 24 hours, and each person can participate in quantitative trading income once a day.
5. Recommend three-level agent invitation rewards, the more invitations, the more rewards, there is no upper limit [A reward 10%, B reward 5%, C reward 3% = 18% reward], send the invitation link to share to your social software, such as: Tiktok, Facebook, Twitter, YouTube, Instagram, WhatsApp group, Telegram group, etc.
【DPK-AI Trading】Registration link: https://dpk-ai.com/#/register?ref=412922
【DPK-AI Trading】Online customer service: https://chat.ssrchat.com/service/gomw2j
