መሶብ ትግርኛ Mesob Tigrigna
Open in Telegram
Mesob Tigrigna is an Online Social Media Platform that disseminates up-to-date and/or helpful 👉 News 👉 Health 👉 Sports 👉 Technology , and 👉 Personal Development Tips in Tigrigna Language from Professional and credible sources.
Show more2 824
Subscribers
No data24 hours
-107 days
-5330 days
Posts Archive
+6
መዛዘሚ መድረኽ #ኣሸንዳ ነሓሰ 18 /2017 ዓ.ም. #ባሎኒ_መቐለ
ምስሊ Tigrai Television
#ኣሽንዳ2017 ዓ.ም
#Ashenda2025
#Ashenda4Peace
#AshendaTigray
#Ashenda4UNESCO
+2
ስእላዊ መግለፂ ኣከባብራ ክብረ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ
📷 Kassa Hailemariam
#ኣሽንዳ2017 ዓ.ም
#Ashenda2025
#Ashenda4Peace
#AshendaTigray
#Ashenda4UNESCO
ደቂ ኣሸንዳ
#ኣሽንዳ2017 ዓ.ም
#Ashenda2025
#Ashenda4Peace
#AshendaTigray
#Ashenda4UNESCO
ደቂ ኣሸንዳ
#ኣሽንዳ2017 ዓ.ም
#Ashenda2025
#Ashenda4Peace
#AshendaTigray
#Ashenda4UNESCO
+1
🛑 ከይዲ #ፍትሒ ክትዕዘቡሉናን #ድምፂ ክትኮኑናን ንዕድም
ፅባሕ ዕለት 07/12/17 ዓ/ም ሰዓት 4 ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍታብሄር መጋባእያ ናይ መምህራን ትግራይ መዝገብ ስለዝረአ:
1) ኹሉኹም መምህራን
2) ጋዜጠኛታት
3) ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ
4) ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት
5) እሊታት ተጋሩ
6) ኩሉ ደላይ ፍትሒ ማሕበርሰብን
ደንቢ ቑፅሪ 27/2017 ተባሂሉ ዝወፀ ደንቢ ነቲ ብኣዋጅ ዝተጣየሸ ቤት ፍርዲ ኽልል ትግራይ ኸመይ ጠጠው የብሎ ዶ ኣይብሎን ዝብል ውሳነ ስለዝወሃብ ነዚ ታሪኻዊ መጋባእያ ተረኺብኩም ኽትዕዘቡን ድምፂ ኽትኮኑን ንዕድም ።
መምህር ዘየምሀሮ ሙሁርን ዓውድን የለንሞ ኣብ ጎኒ መምህር ትግራይ ኽትኮኑ ንፅባሕ ዕለት 07/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4 ተዓዲምኩም ኣለኹም ።
ፍትሒ ንመምህራን ትግራይ!!!!
#ማመት 06 ነሓሸ 2017 ዓ/ም
መቐለ
🛑ሰብ #ዋና_ባጃጅ
ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባጃጅ ኣሎ።ኣብ ከተማ መቐለ በቢ ክፍለ ከተማኡ ኣብ ሕድሕድ ኣንጎሎ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰብ ባጃጅ ኣለዉ። ከም ተጠቃማይ ባጃጅ #ስሉጥ ኣገልግሎትን ፍትሓዊ ዝኾነ ዋጋን ንምርካብ ባጃጅ ቀደማይ ተመራፂ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ሰብ ዋና ባጃጅ ሓላፍነት ዘለዎም፣ ፅቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎምን ቤተሰብ ዘማሕድሩን እንትኾኑ ብቑፅሮም ዉሑዳት ግን ኣብ ገበን ክትራን፣ስርቂን መጭወይትን ዝተሰማረዩ ገናሕቲ ባጃጅ ከም ዘለዉ በቢካባቢናን ሰፈርናን አንዕዘቦን እንርእዮን እዩ።
እቶም ኣብ ገበን ዝተሰማረዩ ገናሕቲ ባጃጅ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ፀጥታ ንምዉዋዓል ብቐደማይ ደረጃ መፍትሒ ዝኸዉን እቶም ስነ ምግባር ዘለዎም ቤተሰብ ዘማሓድሩ ሰሪሖም ዝበልዑን ገናሕቲ ባጀጅ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ፀጥታ ቢሮ ሪፓርት እንትገብሩን እንትጥቁምን ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ተጠቃማይ ክፍልጦም ኣይኽእልን እቶም ሰሪሖም ዝበልዑን ሓላፍነት ዘለዎምን ሰብ ባጃጅ ግን ስግኣት ስለ ዝሓድሮም ዋለ እናፈለጥዎም ከብ ምሕማይ ሓሊፎም ክጥቁሙዎም ኣይረአን።
ብሰንኪ ንቑፅ ይነድድ ርሑስ ሰለ ዝኾነ በዞም ዉሑዳት ኩሎም ሰብ ባጃጅ ክዉቀሱ፣ ክርገመን ሰብ ክፅየፎምን ይረአ።
ህዝበይ መፍትሒ ዝኸዉን ዓሚል ብምሓዝ ኣብ ዘለኸምዎ ቦታ ኮይንኩም ናብ ዓሚልኩም ምድዋል፣
ታክሲ ምጥቃምን ብግዘ ገዛኻ ምእታዉን እዩ እቲ ዘሎ ኣመራፂ!
በዛ ፅሕፍቲ ዘጉረምርም እንተሃልዩ መን ምዃኑ ፍሉጥ እየ!
ቢሮ ፀጥታ እዉን ፀጥ ኣይትበሉታ!
👉ኣብ ባጃጅ ንክትራን ስርቅንን ዝጥቀምሎም ስልታት በዚ ኣጋጣሚ ኣብ Comment ንማሕበረ ሰብ ምሕላፍ ይከኣል🙏 @Facebook Page
🛑ሓንቲ ስልቲ ክጠቕሰልኩም ቮሚት( ንዓቐብ) ዘብሎም መሲሎም ሞባይሎም ዝተሰረቑ ብዙሓት እዮም።😄
© መሶብ ትግርኛ
#ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ..!!
ሓውና መርጌታ ተወልደ ገ/ሂወት ዝተብሃለ ነባርነቱ አብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ቀበሌ 03 ቐጠና 7 መለለይ መንነቱ ሓውዜን ዝብል ኾይኑ ካብ ዕለት 02/12/2017 ዓ.ም ሰለ ዝጠፈአና ንሕብር ንፈቱ ።
ፉሉይ ምልክት
ናይ ላዕሊ ፀሊም ሹራብ ናይ ታሕቲ ፀሊም ሰረ ሓንቲ ኢዱ ክራንች ዝሓዘ ብዙሕ ድማ ክዛረብ ዘይኽእል ኾይኑ
ደለይቲ ስድራ ስልኪ ቑፅሪ
0925459045
0946912893
ብፈጣሪ ስም ክትሕቡሩልና ንሓትት።
ስድራ መርጌታ ተወልደ
+1
#ሓብሬታ ብዛዕበሰ ምቁርራፅ መብራህቲ
👇👇
ትግራይ ብክልተ ኣንፈት መብራህቲ ትረክብ
ሓደ ኮምቦልቻ-ኣላማጣ መስመር
ካልኣይ ባህርዳር -ኣላማጣ መስመር እዮም።
ሰለዚ እቲ ዝዓበየ ካብ ባህርዳር ዝመፅእ ኮይኑ ብምክንያት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውግእ ፋኖን ሰራዊት ኢትዮጵያን እቲ መስመር ተወቒዑ ከምዝኮነ እዩ ዝተሓበረ።
ኣብዚ ሕጂ ስዓት ኣብ ገለ ከባብታት ትግራይ ፍርቃ ፍርቂ ትመፅእ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ገሊኡ ድማ ጠቅሊሉ ዝጠፍኣ ኣሎ።
ሰለዚ ክሳብ ዝዕረ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ቐትሪ ቐትሪ ፍርቓ ፍርቂ ብሽፍቲ ከምትበርህን ለይቲ ለይቲ ድማ ሙሉእ ከባቢ ከምትልቐቕን እዩ ዝረከብኩዎ ሓበሬታ ዘመላክት ።
ግድብ ተከዘ ኣብ ከይዲ ምፍሳስ ማይ ሰለዘሎ ሕጂ ኣገልግሎት ኣይህብን ዘሎ።
© Weldemhret Gezae
#ነፃ_ወፍሪ ሕክምና ስብሒ ዓይኒን #ምሕውላል ዓይኒን ንዘለዎም ህፃናት
ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዓይኒ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሳላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ምስ ኲሓ ሆስፒታልን ኪዩር ብላይንድነስን ብምትሕብባር ካብ ሓምለ 19- 22/2017 ዓ/ም ሞራን (ስብሒ ዓይኒ) ምሕውላል ዓይኒን ንዘለዎም ህፃናት ወፍሪ ሕክምና ዓይኒ ህፃናት ስለዘካይድ፣ ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልትታት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ክፍል ሕክምና ዓይኒ (ቁፅሪ 19) ብምምፃእ ነፃ ሕክምና ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ንሕብር።
እዚ ሓበሬታ ናብ ኩሉ ነባፅሕ።
---
🌐 Website: https://ayderhospital.org
📘 Facebook: CHS, Ayder Specialized Hospital-MU
🐦 X/Twitter: @ayder_hospital
📢 Telegram: t.me/ayderhospitalchs
📮 P.O. Box: 1871
✉️ Institutional Email:
• College: ced.chs@mu.edu.et
• Hospital: ccd.chs@mu.edu.et
We really care!
+2
ኣሰልጣኒ ዮሃንስ ሲሳይ ዓሪፉ!
ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሐ ናይ ጋንታና ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ምኽትል ኣሰልጣኒ ዮውሃንስ ሲሳይ (ኮማንደር) ዓሪፉ።
ኣብ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ካብቶም ብርክት ዝበሉ ሰገናትን መናእሰይን ዘፍረዩ ኣሰልጠንቲ ኣብ ቅድሚት ዝፅዋዕን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ብተጫዋታይነትን ኣሰልጣንነትን ኣብ ምስራሕ ዝፀንሐን ዮውሃንስ ሲሳይ 18 ዓመታት ብተጫዋታይነትን ኣሰልጣንነትን ካብ ዘገልገላ ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይ ብተወሳኺ ካብ 2002 ክሳብ 2004 ንሰለስተ ዓመታት ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ጋንታና ብምኽትል ኣሰልጣንነት ዝሰርሐ ኾይኑ ነታ ዝፈትዋን ብዘይ ዕረፍቲ ዝሰርሐላን ዓዱ ትግራይ ድማ 4 ፅዋዓት ክትዕወት ዕዙዝ ግደ ኣበርኪቱ እዩ።
1995 ኣብ ከተማ ኣዳማ፣ 1999 ኣብ ከተማ መቐለ፣ 2001 ኣብ ከተማ ዝዋይ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጋንታ መናእሰይ ትግራይ ሒዙ፡ ኣብ 2000 ድማ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሒዙ ኣብ ሃገራዊ ውድድራት ኣርባዕተ ግዘ 'ሻምፕዮን' ዝኾነ ኣሰልጣኒ ዮውሃንስ ሲሳይ ሙሉእ ሂወቱ ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ዝሰርሐ ውፉይ ባዓል ሞያ ኔሩ።
ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብሞት ኣሰልጣኒ ዮውሃንስ ሲሳይ (ኮማንደር) ዝተሰመዓ ሓዘን ኣዝዩ መሪር እዩ፡ ንመላእ ስድራ ቤት፣ ፈተውቱ ከምኡ ድማ ንማሕበረሰብ ስፖርት ድማ ፅንዓት ትምነ።
ካብ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ FB ዝተወሰደ
+1
ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ መፅለሊ ሰደተኛታት ተጋሩ ዝዘነበ ዝናብ ጉድኣት ኣብፂሑ
ኣብ ሃገረ ሱዳን ግዝያዊ ማእከል መፅለሊ ስደተኛታት ተጋሩ ፍሉይ ቦታ ተነድባ ሓያል ዝናብ ዝዘነበ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ መንበሪ እቶም ስደተኛታት ከቢድ ጉድኣት ከምዘብፅሐ ንድወት ሓቢሮም።
እቲ ዝናብ ናብ ሎሚ ለይቲ ዘውግሕ ንኣስታት ፍርቒ ስዓት ዝኣክል ከምዝዘነበ ዝሓበሩ እቶም ሰደተኛታት ኩሎም ገዛውቲ ብቲ ዝናብ ኸዕልቅልቑን ኬንዳታቶም ክቕደዱን ከምዝክኣሉ ገሊፆም።
እቶም ስደተኛታት ሐዚ ንግዚኡ መፅለሊ ስኢኖም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከቡን ህፁፅ ሓገዝ ክግበረሎምን ድማ ፀዊዖም።
ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሰደተኛታት ተጋሩ ብጥምየትን ሕማምን ፣ብቑርን ዝናብን ብሓፈሻ ብሰላሕታ እናፀነቱ ከምዘለው ዝሓበሩ ፍልፍላትና ብህፁፅ ናብ ዓዶም ንክምለሱ ተደጋጋሚ ፃውዒት የቕርቡ ኣለዉ።
ወልደምህረት ገዛኢ #ድወት
🚨Ready to level up your crypto?
Start Tapping ➡️ Start Earning
Nura Wallet gives you uncomprimising security and growth potential for your crypto portfolio 🔏
Trusted by thousands of DeFi users, Nura enables you to trade with precision and earn through various engagement tasks directly within the app. There are no strings attached, download today on Google Play or iOS (TestFlight) and start banking $NURA tokens or jump into high-earning yield protocols. Download and start earning completely free 👇
📲 Download now:
Google Play | iOS TestFlight
Changelogs | Community | Website
ኣብ ትግራይ ዝርከባ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ :ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ካብዘቐመጦ ወርሓዊ ክፍሊት ወፃኢ ከኽፈላ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸባ ኣብያተ ትምህርቲ : ፍቓደን መንጢልካ ንሓሳብን ንሓዋሩን ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ዘየዳግም ስጉምቲ ክውሰድ እየ ኢሉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡፡
እቲ ቢሮ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሓዚ ኢንተርናሽናል ዝበሃል ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ከምዘየለ ድማ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብፍሉይ ን104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝገለፅዎ :ኣብ ትግራይ ደረጅኣን ዘሓለዋ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘለዋ ልክዕ ደረጀአን ዝወረዳ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዘለዋን ስለዝኾነ ንስራሕ ብዝጥዕም መልክዑ ዝወፅእ መምርሒ ወርሓዊ ክፍሊት ናይ ግድን ክትግበር እዩ ኢሎም፡፡
ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ደረጃ ክወፅአለን እዩ ዝበሉ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ :እቲ ዘኽፈልኦ ክፍሊት ድማ ብመሰረት ዝተወሃበን ደረጃ ክኸው ንሕብረተሰብ ዕላዊ ክግበር ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ዝለዓለን ዝተሓተን ክፍሊት ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዕላዊ ከምዝገብር ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ: ካብቲ ዝወፅኣ ክፍሊት ብላዕሊ ብስልጣነን ወሲኸን ከኽፍላ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸባ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ፍቓደን ተመንጢለን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክሳብ ምዕፃው ዝበፅሕ ዘየላጢ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኢሎም፡፡
ካብቲ ዝወፀ መምርሒ ወፃኢ ን2018 ዓ/ም መመዝገቢ ኮነ ወርሓዊ ክፍሊት ብወነነን ወሲኸን ክፍሊት ዝሓተታ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝነበራን: ይኹን እምበር ብመሰረት ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝበፅሓ ሓበሬታ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሰብ ዋና ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ተሓሲቦም እቲ ወሰኽ ተግባራዊ ከይገብርዎ ተነጊርዎም ጠጠው ከምዘበሉ ኣረዲኦም፡፡
ኣብ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ብሰንኪ ወርሓዊ ክፍሊት ዘይወሰኽኩም ተባሂሎም ምብራር ኮነ ትምህርቲ ምኽልካል ፈፂሙ ኣይፍቀድን ዝበሉ እቶም ሓላፊ :ዝኾነ ይኹን ተምሃራይ ብናይ ባዕሉ ድሌት ጥራሕ እምበር ወስኽ ኣይውስኽን ብዝብል ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዘባርራን ዘተኣጓጉላን ኣብያተ ትምህርቲ ግን ከቢድ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሎም፡፡
መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ እውን እንተኾነ ንመመዝገቢ ኢልካ ክፍሊት ምሕታት ከምዘይፍቀድ ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ: ንምሸታውን ብርሕቐትን ንዘምህራ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 2017 ዓ/ም የኽፍለኦ ብዝነበራ ጥራሕ ከኽፍላ እቲ መምርሒ ከምዘገድድ ኣረዲኦም፡፡
ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ኢንተርናሽናል ዝበሃል ውልቀ ቤት ትምህርቲ ከምዘየለ ዝሓበሩ ዶ/ር ኪሮስ ፣ ይኹን እምበር እንተዝህልዋ እውን ካብ መምርሕን ኣሰራሕን ቢሮትምህርቲ ትግራይ ወፃእ ክኸዳ ከምዘይኽእላ ብምሕባር ፍቓድ ኮነ መስፈርቲ እንከይሓዛን እንከይ ኣማለኣን ኢንተርናሽናል ኢና ዝብላ ገለ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ከብ ከምዚ ዓይነት ምጭብርባር ክቁጠባ ኣታሓሳሲቦም።
#ብጋረድ ሓጎስ
+2
#ዘሐጉስ_ዜና ካብ #ፌደሬሽን ኩዕሶ #እግሪ_ኢትዮጵያ
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኩለን 2017 ዓ.ም ኣብ ፕሪሜርሊግ ዝነበራ ጋንታታት ኣብ ውድድር ዓመት 2018 ዓ.ም ክቕፅላ ሓዊሱ ካልኦት ውሳነታት ኣሕሊፉ።
+6
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኵናት ንዓመታት ጠጠዉ ኢሉ ዝፀንሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ትግራይ ዝለዓለ ፅልዋ ፈጢሩ ከምዝፀነሐ ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ነዙይ ዝበሉ ፕሬዝደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ምጅማር ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ቐፅሪ ዩንቨርስቲ መቐለ ኣሪድ ተረኺቦም ኣብ ዘጀመርሉ እዋን እዩ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 36,000 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ይወስዱ ከምዘለው ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
23 ሰነ 2017 ዓ.ም
መቐለ
ሕማም #መርዘን
መርዘን/ #ማይግሬን እንታይ እዩ?
መርዘን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ሸነኽ ርእሲ ብርቱዕ ዝነብዕን ሕማም ርእሲ ዘስዕብ እዩ። ምስ ረስኒ፡ ተምላስን ንብርሃን ወይ ድምጺ ተነቃፍነትን እውን ክመጽእ ይኽእል። መርዘን ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል።
⸻
ጠንቂ ማይግሬን እንታይ እዩ?
እቲ ልክዕ ጠንቂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድአን፡ እንተኾነ ግን ልሙዳት መበገሲታት፤
• ለውጢ ሆርሞናት (ንኣብነት ወርሓዊ ጽግያት) .
• ጸቕጢ ወይ ጭንቀት
• ዝተወሰኑ መግብታት ወይ መስተታት (ንኣብነት፡ ዝፀንሐ ኣጅቦ ኣልኮላዊ መስተ፡ ካፈይን)
• ሕጽረት ድቃስ ወይ ዘይስሩዕ ድቃስ
• ድሙቕ መብራህቲ ወይ ዓው ዝበለ ድምጺ
• ለውጢ ኩነታት ኣየር
• መግቢ ጥምየት
⸻
. ምልክታት ማይግሬን እንታይ እዮም?
ልሙዳት ምልክታት ድማ፤
• ምጥዝጣዝ ወይ ሓያል ርእሲ ቃንዛ
• ቃንዛ ብሓደ ወገን .
• ረስኒ ወይ ተምላስ
• ንብርሃን፡ ድምጺ ወይ ጨናታት ምፅላእ
• ድብዝዝ ምርኣይ
• ብሰንኪ ብርሃን ፅልኣት
⸻
. መርዘን ኣውራ እንታይ እዩ?
ኣውራ ቅድሚ ወይ ኣብ እዋን መርዘን ዝረኣዩ ስብስብ ህዋሳዊ ምልክታት (ከም ዚግዛግ መስመራት ምርኣይ ወይ ምድናስ ስምዒት) እዩ። ኩሎም ሕሙማት ማይግሬን ኣውራስ ኣየጋጥሞምን እዩ።
⸻
መርዘን ብኸመይ ይፍለጥ?
ምርመራ ኣብዚ ዝስዕብ መሰረት ዝገበረ እዩ፤
• ሕክምናዊ ታሪኽ
• ምልክታት
• ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መርመራ
ምስሊ (ከም ኤምኣርኣይ ወይ ሲቲ ስካን) መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ኩነታት ንምውጋድ ጥራይ እዩ ዝግበር።
⸻
ብኸመይ ይሕከም?
ቅልጡፍ (ቅጽበታዊ ረድኤት) ሕክምናታት፤
• መቐነሲ ቃንዛ (ንኣብነት፡ ኢቡፕሮፈን፡ ኣሰታሚኖፈን) .
• ትሪፕታን (ንኣብነት፡ ሱማትሪፕታን፡ ሪዛትሪፕታን)
• ጸረ-ልዓቐብ ንረስኒ (ንኣብነት፡ ሜቶክሎፕራማይድ) .
⸻
7. ማይግሬን ክከላኸል ይኽእል ድዩ?
እወ። ናይ ምክልኻል ስትራተጂታት፤
• ዝተኣዘዙ መከላኸሊ መድሃኒታት ምውሳድ
• ጭንቀት ምውጋድ
• ስሩዕ ናይ ድቃስ
• ካብ ዝፍለጡ መበገሲታት ምውጋድ
• ናይ ማይግሬን ዳያሪ ምሓዝ
⸻
8. መዓስ ናብ ሓኪም ክኸይድ ኣለኒ?
• ከቢድ፡ ብተደጋጋሚ ወይ እናገደደ ዝኸይድ ሕማም ርእሲ
• ሕማም ርእስኻ ካብቲ ልሙድ ዝተፈልየ እንተኾይኑ
• ብዘይ ዶክተር ዝሽየጡ መድሃኒታት እንተዘይሓጊዞም
• ሓደስቲ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምልክታት እንተ ኣማዕቢልካ (ንኣብነት፡ ምጥፋእ ምርኣይ፡ ምድንጋር፡ ምዝራብ ጸገም) .
⸻
ከቢድ ኩነታት ድዩ?
መርዘን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንጽሬት ህይወት ብኸቢድ ክጸልዎ ይኽእል። ሕዱር ማይግሬን (ልዕሊ 15 መዓልታት/ወርሒ) ሕክምናዊ ምሕደራ የድልዮ።
ናይ ኣነባብራ ለውጢ ክሕግዝ ይኽእል ድዩ?
እወ። ሓገዝቲ ለውጥታት፤
• ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር
• ማይ ምውሳድ
• ናይ ስክሪን ግዜ ምድራት
• ጭንቅት ምውጋድ
• ውልቃዊ መበገሲታት ምልላይን ምውጋድን
©ጥዕና ይሃበለይ
+1
ተጋዳላይ ኣለም ገ/ዋህድ ኣማኻሪ ፓለቲካዊ ጉዳያት ፕረዚዳንት ከምኡ ኸዓ ሓላፊ ክትትል ዞባ፣ ወረዳን ከተማን ኮይኑ ተሸይሙ። ሰናይ ስራሕ ግዘ!
እቲ ወዲ 40 ዓመት ብዓል ሃብቲ፡ ስርሑ "ሓደጋታት - ምክልኻል ናጽነት ኣብ ውሽጢ ሓያላት ግዝኣታት ሓዊሱ ብዙሓት ጸላእቲ ምፍራይ፡" ስለ ዘጠቓልል ኑዛዜኡ ጽሒፉ ከም ዘዳለወ ገሊጹ።
ተወላዲ ሩስያ ዝዀነ ዱሮቭ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብታ መደብር ቴለግራም ዝዀነት ዱባይ ይነብር ኣሎ።
ድርብ ዜግነት ፈረንሳን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ኣለዎ።
👉 https://bbc.in/45w3liR ↩️
+5
ብምኽንያት መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ስውኣት ኣብ ከተማ ሓውዜን ስነ ስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ይካየድ ኣሎ።
ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፣ኣባላት ካቢኔ ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድባት ትግራይ፣ላዕለዎት ኣመራርሐ ሓይልታት ፀጥታ፣፣ስድራ ስውኣት፣ኣመራርሓን ነበርትን ከተማ ሓውዜን ኣብ ዝተረኸብሉ ብምኽንያት መበል 37 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ከተማ ሓውዜን ስነ ስርዓት ምውላዕ ጥዋፍ እናተኻየደ እዩ።
🔓 PRIVATE CHANNEL now OPEN
+$154.382 per day raised by Jack subs⚡️
👉 https://t.me/+qRKP9TmigCwxM2Iy
Don’t miss signals and start make money 🔥
