Mahbere kidus yared Mezmur tsineat kifli⛪️⛪️⛪️
Open in Telegram
1 358
Subscribers
+124 hours
-67 days
-2030 days
Posts Archive
Repost from Mahbere kidus yared Mezmur tsineat kifli⛪️⛪️⛪️
አብያተ ዘውቅሮ አብያተ ዘውቅሮ/፪/
መኒነከ /፪/ ዮሃንስ ልብው /፪/እህ/፪/
Repost from Mahbere kidus yared Mezmur tsineat kifli⛪️⛪️⛪️
©ውስተ ርእሰ አውደዓመት ተፅሕፈ ተዝካርከ/፪/
ባርከኒ/፪/ ዮሐንስ ካህን /፬/
©ኣብርእሲ ኣውደኣመት ዝተፅሓፈ ዝኽርኻ/2/
ባርኸኒ/2/ዮሃንስ ካህን /4/
Repost from Mahbere kidus yared Mezmur tsineat kifli⛪️⛪️⛪️
© ርእሰ አውደዓመት/፫/፪/
ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ/፬/
ቀዋምያን ለነፍሳት.m4a2.33 MB
ወረብ ምስለ ሸብሸቦ
ቀዋምያን ለነፍሳት እሙንቱ ሊቃናት ኡራኤል ወሩፋኤል /፪/
ይትፌነው ለሣሕል /፪/ እምኀበ ልዑል /፪/
✟✟✟ ጳጉሜን ፫ ✟✟✟
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!
✟✟✟ ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ✟✟✟
ጳጉሜን ፫ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሐለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ሩፋኤል (በዓለ ሢመቱ) ዝዝከረሉ በዓሉ እዩ። እዚ እውን ካብ ትጉሃን፣ ቅዱሳንን ሰማያውያንን ሊቃነ መላእክቲ ሣልሳይ ዝኾነ እዩ።
ከምኡ እውን እዛ መዓልቲ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ንቅዱስ ሩፋኤል ዝተኸበረላ መዓልቲ እያ። አብ 400 ሚኢቲ ክ/ዘመን አብ ዘመን ቅዱስ ቴዎፍሎስ ሊቃ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ካብ ዝተሃንጹ ብዙሓት አብያተ ክርስቲያናት ሐንቲ ኾይና ፡ ካብ ከተማ እስክንድርያ ውጽእ ኢልካ አብ እትርከብ ሐንቲ ደሴት ዝተሃንጸት እያ:: እቲ ዝገርም ድማ ዝተሃነጸትሉ አብ ልዕሊ ዓሣ ነባሪ: እዩ። እቲ ዓሣ ነባሪ ክናውጽ እንትብል ድማ ቅዱስ ሩፋኤል ብኲናቱ ወግኦ፤ ንኸይናወጽ እውን አዘዞ። ብኸምዚ ብናይ ቅዱስ ሩፋኤል ሓጋዝነት ድማ ን300 ዓመታት አገልገለት::
ናብ ጥንተ ነገር ክንምለስ እንተለና ፡ አብ መጀመርታ ዕለተ ፍጥረት (ዕለተ እኁድ)እግዚአብሔር 100 ነገደ መላእክት ፈጢሩ አብ 10 ከተማታት ከንብሮም እንተሎ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል በታኡ ራማ ኮነት::
አብኡ ድማ "መናብርት" ተባሂሎም አብ ዝጽውዑ 10 ነገድ ሓለቓ (መራሒ) ኮይኑ ብፈጣሪኡ ተሾመ:: ድሕሪኡ ድማ "መጋብያን" አብ ዝበሃሉ አብ ልዕሊ 23 ነገድ ሾሞ:: እዛ ዕለት ድማ በዓለ ሢመቱ እያ::
ካብኡ እውን ሊቀ ጳጳሳት ሀገረ ቍስጥንጥንያ ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ ንጻድቕ ንጉሥ አኖሬዎስ ከም ዝተናገሮ ፤ ሓደ መዓልቲ ክብርን ምሥጋናን ዝግብኦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ እንተሎ፡ ንጹሐን ሐዋርያት ክብሪ ቅዱስ ሩፋኤል ንክነግሮም ለመንዎ:: ጎይታ ድማ ንሠለስቲኦም ሊቃናት (ንሚካኤልን: ንገብርኤልን ንሩፋኤልን) ንክመጽኡ አዘዞም::
ቀጺሉ ድማ ንቅዱስ ሩፋኤል "ክብርኻ ንገሮም:" በሎ:: ንሱ ድማ ንጎይታ ሰጊዱ ንሐዋርያት ብዙሕ ምሥጢር ነገሮም:: ስሙ መስተፍስሔ አልባብ ፤ ሕያዋይ ፣ የዋህን ምሐሪን ማለት ከም ዝኾነ፡ አብ ልዕሊ 23 ሠራዊት መላእኽቲ ዝተሾመ ከም ዝኾነ ፡ አብ ናይ 1000 ዓመት ከብካበ ደብረ ጽዮን ንቅዱሳ ሠናያት ዘበለ ኵሉ ንክህቦም እግዚአብሔር ዝአዝዞ መልአኽ ምዃኑ ፡ ብፍላይ ድማ ስሙ ንዝጽውዑ: ዝኽሩ ንዝገብሩ ዝግበረሎም ጸጋ አብሪሁሎም ዓረገ::
አብ መጽሐፈ ጦቢት ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ እዚ ቅዱስ መልአክ፡ ሰብ (አዛርያ) ተመሲሉ: ንጦብያ ናብ ሓዳር አብቂዑ: ንሣራ አስማንድዮስ ካብ ዝበሃል ሰይጣን አድሒኑ: ንጦቢት ድማ ዓይኑ አብሪሂሉ እዩ :: አብ ገድላተ ቅዱሳን ከምንርእዮ ድማ ንብዙሓ ቅዱሳን ረዳኢኦም ኮይኑ ገድሎም አፈጺምዎም እዩ::
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብአማላድነቱ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ አልባብ ዘተብህለ
ከመ ይፌውስ ሕሙመ ወያጥዒ ቍሱለ
ከመ አስምዖ ፍጡነ ለጦቢት ቃለ
ጽድቀ ዝይዴግኑ ይረክቡ ሣህለ
ወእለ ይኤብሱ ያመጽኡ በነፍሶሙ ኀጕለ።
✟✟✟ ቅዱስ መልከ ጼዴቅ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ናይ ቅዱስ መልከ ጼዴቅን ካህን ዕረፍቱ እዩ። እዚ መልከ ጼዴቅ ወዲ ወዱ ንሴም ንዝኾነ ቃይናን ወዱ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ግን "ናይ ትውልዲ ቁጽሪ የብሉን: ንዘመኑ ድማ ጥንትን ፍጻሜን የብሉን::" ይብሎ:: (ዕብ.7:3)
ካልኦት ከዓ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝበለ ንወልደ እግዚአብሔር ምሳሌ ክገብሮ እንበር ትውልዱ ካብ ነገደ ካም እዩ:: ወለዱ ድማ "ሚልኪ" ን "ሰሊማ" ን ይበሃሉ::
ገና ካብ ማህጸን አደኡ ዝተመረጸ ቅዱስ "ካህነ ዓለም: ንጉሠ ሳሌም" ይበሃል:: ናይ ሎሚ 5500 ዓመት አከባቢ ሴም አብ ዘንበሮ ቦታ (አብ ደብረ ቀራንዮ) ንዘልዓለም ይነብር:: እዚ ቅዱስ አቦ ካብ ዝውለድ 15 ዓመት ምስ ኮኖ እግዚአብሔር ንኖህ ሴም ሥጋ አቦና አዳም ሒዙ ናብ ማእኸል ምድሪ ቀራንዮ ንክኸድ አዘዞ። ሴም ድማ ማንም እንተይፈለጠ ነዚ ቅዱስ አቦ ሒዝዎ ከደ። አብ ቀራንዮ ምስ በጽሑ አብ ካህን ኮይኑ ተሾመ። 12 አእማን ወሲዱ እውን ካብ ሰማይ ብዝወረደሉ ኅብስትን ወይንን ምሥዋዕቲ አቕረበ ንሥጋ አቦና አዳም ድማ አብታ ጎይታ ንአዳም ቤዛ ኮይኑ ዘድሕነላ ቦታ ኮይኑ አገልገሎ። ክዳኑ ቆርበት ዝነበረ እንትኾን ቅናቱ እውን ናይ ማእሲ ነበረ። አብርሃም ንነገሥታት አሸኒፉ ምስ ተመልሰ ፡ መስዋዕቲ አቕረበሉ። አብርሃም እውን ካብ ኵሉ ሃብቱ አሥራት አቕረበሉ። ካህንን ንጉሥን ሳሌም ኮይኑ እውን ተሾመ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ሐአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለመልከ ጼዴቅ አምሳሉ ወሱታፉ
ለዘመጽአ ቃል በደመና ድንግል ዐጽፉ
ጠቢባን ግብሮ በከመ ጸሐፉ
ለሥጋ አቡነ አዳም ኀበ ተሐንጸ ምዕራፉ
ዝንቱ ካህን ይነብር ለዝሉፉ
✟✟✟ ቅዱስ ሰራጵዮን ዘሰንዱን ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ሰራጵዮን ዘሰንዱን አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ብጣዕሚ ብዙሕ ዝነበረ ሃብቱ ንነዳያን አካፊሉ: ናብ ካልእ ዓዲ አረማውያን ዝኾነ ከይዱ ንባርነት ተሸጠ:: አብቲ ዝተሸጠሉ ዓዲ ኮይኑ ድማ ብጸሎት ተጊሁ ካብ ክህደት ናብ ሃይማኖት መሊስዎም እዩ:: ክብሩ ምስ ተፈልጠ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ናብ ካልእ መንከናውያን ዝበሃሉ ዓዲ ከይዱ ንዓርሱ ሸይጡ ንአሕዛብ አድሒኑ እዩ:: አብ ፍጻሜ ድማ ናብ ከተማ ሮማ ከይዱ አትዩ ብጾምን ብጸሎትን እናገልገለ ነይሩ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ዓረፈ:: ካብ ሥጋኡ እውን ተአምራትን መንክራትን ተገለጹ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን!
ልአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ሰላም እብል ለሰራ ክቡር
ዘሤጠ ርእሶ ለዕሥራ ዲናር
እንዘ ይሁብ ሤጦ ለመፍቅደ ግብር
ሶበ አዕረፈ እም ዓለመ ሕማም ወጻዕር
እምነ ሥጋሁ ተከሥተ ምሥጢር።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ምንጪ:-ስንክሳር ብትግርኛ
ሰላም ከመይ ውዒላትኩም ክቡራን ኣቦታትን ኣሕዋትን ጸሎት ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ'ሞ ንእቶ✝️⛪️🛎
https://t.me/mezmurkfli?livestream=d567702095b495ac67
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ [ዕለት ፪ ጳጉሜን]፡ እቲ ሐዋርያ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝጸሓፈሉ ቅዱስ ቲቶ ሐዋርያ ዓረፈ።
ናይዚ ቅዱስ እዚ ትወልዱ ካብ ሃገረ ቀርጤስ እዩ፤ ወዲ ሓፍቱ እቲ ናይታ ሃገር ገዛኢ (መኮንን) እዩ ነይሩ። ኣዝማዱ እውን ሮማውያን ነበሩ። ንሱ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ናይ ሮማውያን ትምህርቲ ተመሃረ፤ ኣዝዩ እውን በሊሕን ኣስተውዓልን ኾነ። ለዋህን ሰናይ ግብሩን መፍቀሪ ነዳያንን ምስኪናንን ነበረ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ «ኦ ቲቶ! እዚ ዓለም እዚ ስለ ዘይጠቕመካ ስለ ነፍስኻን ስለ ድሕነትካን ተጋደል» ዝብል ድምፂ ሰምዐ።
ካብ ድቃሱ ብድንገት ምስ ተበራበረ ደምገጸ ታይ ክገብር ከም ዘለዎ ውን ኣይፈለጠን።
ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ናይ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዜና ስብከቱ ኣብ ሃገረ ሻም ተሰምዐ። ሰባት ብዛዕባ ትምህርቱን ብዛዕባ ተኣምራቱን ኣብ መንጎኦም ይዘራረቡ ነበሩ።
እቲ ናይ ሃገረ ኣስቀሎን መኮንን እውን እዚ ናይ እግዚኣብሔር ዜና ምስ ሰምዐ፡ ዝሰምዖ ዜና ሓቂ ምዃኑ ክፈልጥ ኣዝዩ ደለየ። ሓደ ጥበበኛን ኣስተውዓሊን ሰብ ኣልዒሉ ንኢየሩሳሌም ክልእኮ፡ ንእግዚኣብሔርን ተኣምራቱን ክርኢ ንቲቶ ሓተቶ።
ስለዚ ንቲቶ ላኣኾ፤ ካብኡ ዝሓይስ ሰብ ስለ ዘይረኸበ፡ ንሱ እውን ብጥንቃቐ ክምርምር ኣዘዞ።
ቲቶ ናብ ምድሪ ይሁዳ በጽሐ፤ ናይ እግዚኣብሔር ተኣምራትን ድንቂ ነገራትን፡ ቃላቱን ህያው ትምህርቱን ርኣየ። ቃላቱ እውን ካብ ናይ ሮማውያን ትምህርትን ካብ ናይ ምድራውያን ትምህርትን ዝበለጸ ምዃኑ ኣመነ ብኹሉ ግብሩ ውን ሰዓቦ፤ንእግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ምስጋናን ስግደትን ይኹኖ
ናብቲ አኩኡ/ሓው ኣዲኡ/ መኮንን [ገዛኢ] ውን ተአምራትን መሕየዊ ልኾነ ትምህርቱን ከም ዝረአየ መልእኽቲ ለኣኸሉ፤ንቲቶ እውን ኣብ ሕልሙ ። እቲ ዝረኣዮ ተኣምራትን ዝሰምዖ ህያው ትምህርትን ገለጹሉ።
ጎይታና እግዚኣብሔር ን፸፪ ኣርድእቱ ክሓሪ/ክመርፅ ከሎ ነዚ ቅዱስ ቲቶ ውን ምስኣቶም ሓረዮ፤ክልተ ብክልተ እውን ላኣኾም።
ድሕሪ ዕርገት እግዚኣብሔር እውን፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ/ጰራቅሊጦስ ምስ ሐዋርያት ኣብ ጽርሐ ጽዮን ተቐበለ፤ ምስ ሐዋርያት እውን ናብ ስብከት ወጸ።
እግዚኣብሔር ንሐዋርያ ጳውሎስ ምስሓረዮ እዚ ቅዱስ ቲቶ እውን ሰዓቦ፤ ምስኡ እውን ናብ ብዙሓት ሃገራት ኸደ። ድሕሪዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሃገረ ሮሜ ብሰማዕትነት ምስ ዓረፈ፡ እዚ ቅዱስ ቲቶ ናብ ሃገረ አክራጥስ ተመልሰ፤ ንክርስቲያናት እውን ኣጸናንዖም።ቀሳውስትን ድያቆናትን እውን ሾመሎም። ሓዋርያዊት ገድሉ ምስ ፈጸመ ናፍቲ ዝፈተዎ እግዚኣብሔር ፈለሰ። በረኸቱ ምስ ኩልና ትኹን፡
ዐርኬ
ሰላም ለከ ቲቶ መስተሳልም፣
ላእከ ጳውሎስ ዘኮንከ እንበለ ድካም፣
አመ ገሰጸከ በቃል ወይቤለከ በሕልም፣
ተጋደል በእንተ ነፍሥከ በገድለሃይማኖት ፍጹም፣
ኢይበቊዐከ ዝንቱ ሓላፊ ዓለም።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር አሜን
ሰላም ከመይ ውዒላትኩም ክቡራን ኣቦታትን ኣሕዋትን ጸሎት ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ'ሞ ንእቶ✝️⛪️🛎
https://t.me/mezmurkfli?livestream=d567702095b495ac67
✟✟✟ ፩ ጳጉሜን ✟✟✟
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን!
✟✟✟ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ✟✟✟
፩ ጳጉሜን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ናብ እሥር ቤት አተወ።
ንጉሥ ሔሮድስ ሰበይቲ ፊልጶስ ሐዉ ንዝኾነት ሔሮድያዳ ብምምርዓዉ ቅዱስ ዮሐንስ ይግስጾ ነበረ:: እቲ ንጉሥ ድማ ንሸውዓቲ መዓልታት አብ ውሽጢ ጸልማት አሲሩዎ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ መስከረም ዕለት 2 ክሳዱ አቑረጾ። በዚ ምኽንያት አብ ልዕሊ ብዙሕ ክብሩ ናይ ሰማዕትነት ክብሪ እውን ደረበ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ይምሐረና! በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰለም ለሙቃሔከ በዕለት ዝንቱ
እስከ መዋዕል ሰብዓቱ
አመ ዘለፍኮ ዮሐንስ ወአመ ገሠጽኮ በቅድመ ዓበይቱ
ሄሮድስ ሶበ አውሰበ እንተ ኢተውህበት ሎቱ
ብእሲተ እኁሁ ፊልጶስ እስመ ይእቲ እኅቱ።
✟✟✟ ቅዱስ ዑቲኮስ ሐዋርያ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ሐዋርያን ሰማዕትን ቅዱስ ዑቲኮስ ዕረፍቱ እዩ። እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ቁጽሩ ካብ ሰብዓን ክልተን አርድእት እዩ:: አብ ዘመነ ንእስነቱ ናይ ጎይታና ወደ መዝሙር ምኳን መሪጹ ንሠለስተ ዓመታትን ሠለስተ አዋርሕን ምሥጢረ ወንጌል ጠንቂቑ ተምሂሩ እዩ::
መንፈስ ቅዱስ አብ ዝወረደሉ ጊእውንዜ ከኣ ከም መጠኑ ተቐቢሉ ንአገልግሎት ወጸ:: አብ መጀመሪያ ናይ ወንጌላዊ ዮሐንስ ተኸታሊ ኮይኑ ብዙሕ ምሥጢራት ተኻፈለ:: ቀጺሉ ኸኣ ንቅዱስ ጳውሎስ ተኸቲሉ ብዙሕ አሕጉራት ብስብከተ ወንጌል አብጸሐ::
አብ መጨረሻ ድማ አብ አከባቢ እስያ ንበይኑ ተጓዒዙ: ብዙሓት ነፍሳት ማሪኹ: ንጣዖታት አጥፊኡ እዩ:: ብሰይፊ ብካራን ብእሳትን ድማ ብዙሕ መከራ ተቐበለ። አብ ዝተአሰረሉ ጊዜ ድማ መልአኽ እግዚአብሔር ምግቢ ሒዙሉ ይመጽእ ነበረ። ካብ እውን እዚ መልአኽ እግዚአብሔር ቀቅድሚኡ እናኸደ ናብ ቍስጥንጥንያ ከይዱ ብዙሕ ተጋድሎ ተጋደለ። ናብ ሠናይ ሽምግልና በጺሑ ድማ በዛ ዕለት አዕረፈ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ሐዋርያ ይምሐረና! በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለኡቲኮስ ዘኮነ ሱታፎ
ለወንጌላዊ ዮሐንስ ለጽንሐ መላእክት እንተ ተዓጽፎ
መኰንን ዕልው አመ በእንተ ጽድቅ ገደፎ
አናብስት ሥእኑ ይግሥሡ ወእሳት ይልክፎ
እስመ ዓቃቢሁ ሙልአክ እም ኵሉ ሐደፎ።
✟✟✟ ቅዱስ ብሶይ ቀሲስ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንቅዱስ አባ ሖር ሓዉ ፡ ቅዱስ ብሶይ ቀሲስ ብሰማዕትነት ሞተ። እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ካብ ሀገረ አንጾኪያ እንትኸውን ፡ አብ መበል 3ተ ሚኢቲ ክ/ዘመን ካብ ካህናት ሐደ ዝነበረ አባ ብሶይ ንአገልግሎት ወጺኡ ምስ ተመልሰ ናይ ቤተሰቡ ቤት (ገዛ) ሰብ አይነበሮን:: "ናበይ ከይዶም?" ኢሉ እንተሓተተ "ሓውኻ አባ ሖርን አዴኻ ቅድስት ይድራን ናብ እስክንድርያ ከይዶም:: አብኡ ከዓ ስለ ፍቅሪ ክርስቶስ ተሰውኡ::" በልዎ::
ንጽባሒቱ ንነዳያን ጸዊዑ ሃብቱን: ንብረቱን: ቤቱን አካፈሎም:: ንባዕሉ ግን ሓንቲ በትርን ሰለስተ ሕብሥቲን ሒዙ ንጉዕዞ ተንስአ:: ናብ እስክንድርያ ምስ በጽሐ ናይ ቤተሰቡ መቃብር ደልዩ ረኸቦ:: አብ ቅድሚኦም ወዲቑ እውን ናይ ናፍቖት ብኽያት በኸየ:: ካብኡ ተላዒሉ እውን አብ ቅድሚ መኰንን ክብርን ምሥጋናን ንዕኡ ይኹን እሞ ስለ ክርስቶስ ናይ ባሕርይ አምላክነት መስከረ:: በዚ ምክንያት ብዙሕ ተሳቒዩ በዛ መዓልቲ ሰማዕት ኮነ:: ምስ ወገናቱ ከ ተቀብረ::
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዚ ሰማዕት ቀሲስ ይምሐረና! በረከቱ እውን ምሳና ትኹን ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለብሶይ እንተ ተቀትለ በክበዱ
ለገዚፍ ዓምድ ዘአንበሩ መልዕልተ ከብዱ
እንዘ ባዕል ውእቱ ወዐቢይ ክብረ ዘመዱ
እንበለ ሠላስ ኅብስት ወበትረ በቀልት አሐዱ
ምንተኒ ካልእ ኢነሥአ በእዱ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።
ምንጪ:-ስንክሳር ብትግርኛ
