cookie

We use cookies to improve your browsing experience. By clicking «Accept all», you agree to the use of cookies.

avatar

ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ ባህግና እዩ

Show more
The country is not specifiedThe language is not specifiedThe category is not specified
1 381
Subscribers
No data24 hours
No data7 days
No data30 days

Data loading in progress...

Subscriber growth rate

Data loading in progress...

https://youtu.be/HzJ7boy2-fA ሼር ላይክ ሳብስክራይቭ ሓደራ ሓገዝ ኣለዋ
Show all...
ድንቂ 7 ገዳማት ኣበይ ይርከቡ፧ ካልኣይ ክፍል።

#abagebrekidan #eritrea #religion #duet

ብዓወታን ብዘደንግጽን ትበኪ ነበረት። እሞ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ከውጽዋ ኢሎም ኢዶም ምስ ስደዱ እታ ሓጥእ ነብሲ መሊሳ ናብ ውሽጢ ብምስጣም እቲ እሳት ንዕኦም ክይተረፈ ከቃጽሎም ምስ ጀመረ ገዲፎማ ሃዲሞም ወጹ እሞ " ከምዚ ኢሎም ድማ ጸለዩ። ጎይታይ እዛ ነብሲ እዚኣ ካብ ሰባ ንልዕሊ እንታይ ሓጥያት ስለ ዝግበረት እያ ከምዚ ኢላ ትሳቐ ዘላ ። ኣነ ድማ ከውጻ ዘይካልኩን ኢሉ ሓተቶ" ጎይታ ድማ እዛ ነብሲ እዚኣ በቲ ዝግበረቶ ሓጢኣት ስለ ዘይተናስሐት ምሕረት ኣይግባኣን እዩ ። ምኽንያቱ ሓደ ሂዋንን ዘስሓተታ ገረብ ስለዝበልዐት ኣባ ሓዊ ድማ ስለዝረገማ ። ኣብ ሲኦል ማዓሙቅ ምንጻፍ ዳይን ክትክወን ስለዝወገዛ እዩ በሎም ። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ፡ብኸመይ እዩ ረጊምዋ መን ዩ ኸ ኣባ ሓዊ ዝበሃል ኢሉ ንእግዚኣብሔር ኣምላክ ሓተቱዎ ። እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ታሪኽ ናይ ኣባ ሓዊ ክነግረካ ጽን ኢልካ ስምዓኒ በሎ ። ሽዑ ጎይታ ሓደ ኣባ ሓዊ ዝባሃል ከማካ ብክርስትያናዊ ተጋድሎኡ ዝበቅዐ ብኩሉ ትሩፋታቱ ንዓይ ዘስመረ ብምግባሩ ድማ ደስ ዘበለኒ ንዓይ ንፈጣሪኡን ፥ ንወላዲተይ ቅድስት ድንግል ማርያምን ንኹሎም መላእክትን ቅዱስ ቀደምትን ዘኽብር ቅዱስ ኣቦ እዩነይሩ ። ኣነ ድማ ንኩሉ ቅድስንዑ ስለ ዝራኣኹ ኩሉ ስለጣነይን በርኸተይን በዘይካ ምፍጣር ገዲፈ ካልእ ኩሉ ሂብዮ ነበርኩ እሞ ፡እንተኾነ ግን እዚ ርጉም ዲያብሎስ ኣብ ገዳሙ እታ ንኣዳምን ሄዋንን ዘሓተት ገርብ ዘሪኡሉ ከደ ። እንተኮነ ግን ፥ ኣባ ሓዊ መስትውዓሊ ስለዝነበረ ነዛ ገርብ ምስ ራኣያ ንኣርድእቱ ነገሮም እሞ ከይበልዕዋ ካብ ፍሪኣ ከይጥቀሙ ካብ ቆጽላ ይኹን ካብጉንዳ ካብ ሱራ ከም ዘይተድልዮም ነገሮም ። ጻድቅ ኣባ ሓዊ ቅዱስ ኣቦ ስለ ዝነበረ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ስጋብ ሰኑይ ንግሆ ምስ ቅዱሳን መላእክት ኣብ መንበር ዙርያይ ይዓጥን ስለዝንበረ ካብ ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ድማ ምስጢራት ንደቁ (ኣርድእቱ) ይነግሮም የርድኦምን ነብረ ። እሞ ሕጊ ገዳም ኣኽቢሮም ብቅድስና ይኸዱ ስለ ዝነብሩ ፥ ንሰናይ ግብሪ ጸላኢ ዝኾነ ሰይጣን ድማ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ናብ ሰማይ ምስ ቅዱሳን መላእክት ንኣገልግሎት ምስ መጸ ፥ ድያብሎስ ድማ ንኣባ ሓዊ ተመሲሉ ናብ ገዳሞም ብምኻድ ቆቢዕ ምንኩስና ገይሩ ኣብቲ ንሰማይ ዝኸዱሉ ግዜ ወሪዱ ንኩሎም ሞኖኮሳት ኣከቦም እሞ ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ኣቦና እንታይ ዳኣ ኣብ ዘይግዜኹም መጺእኩም ምስ በልዎም ፥ ድያብሎስ ድማ ኣቦ ሓሶት ስለ ዝኾነ ከምዚ በሎም። እግዚአብኄር ምስጢር ናይዛ ገረብ ኪድ ንገሮም ኢሉኒ ኢሉ መለሰሎም ። እቶም መነኮሳት ድማ ነታ ገርብ ጠሚቶማ ኣይፈልጡን ነብሩ እሞ ናባኣ እንዳ ጠመቱ "እንታይ ዳኣ ኢልኩም ብልዎም " ድያብሎስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም ። ንኹሉ ጽንዓትኩም ስለ ዝረኣየ ኣምላኽ ብልዑዋ ኢልኩም እዩ ። እዚ ኩሉ ዘበን ዝሓለኹማ የኣኽለኩም በሎም እሞ ንሶም ድማ ምስ አትውዋ ፈትወዋ እሞ ፥ ገሊኦም ቆጽላ ጀፊዖም ኣብ ኣፎም ገብርዋ ፥ገሊኦም ቆጽላ ኣንቂጾም ጠቅሊሎም ስሓብዋ ፥ ገሊኦም ድማ ቆሊዮም ሰተዩዋ ። እሞ ኣዝያ ወልፊ ኣትሓዘቶም እሞ ተተማላሊሶም ከም ዝጥቀሙላን ፥ ሰትዮማን ፥ ሓይኾማን ከምዘይዓግቡ ኮኑ ። ምምናው ሰኣኑዋ ። ነቲ ገዳም ድማ ፈጺሞም ኣርከስዎ ። ኣባ ሓዊ ድማ ኣባ ሰማይ ኮይኖም ብመንፈስ ተመልከቱ እሞ ኣዝዩ ገረሞም ። ናብ ገዳሞም ክወርዱ እንተ ደለዩ ድማ ሰዓት ኣይኣኸለን ነበረ እሞ ፥ ክወርዱ ምስ ረኣዮም ድማ ሰይጣን ከም ፡ ትኪ ተበቲኑ ካብቲ ገዳም ሃደመ ። ምስ መጹ ድማ ንኩሎም ኣከብዎም እሞ ንምንታይ ትእዛዝ ናምላኽን ስርዓት ገዳምን ኣፍሪስኩም ምስ ብልዎም ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ባዕልኩም ምሽ ብልዕዋ ኢልኩምና በልዎም ። ሕጂ ድማ ከምዚ ንምንታይ ንስኩም ክልተ ቃል ትዛረቡ በልዎም እሞ ፥ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ድማ ኣነ ኣይመጻእኩን፡ ። በሉ እዞም ደቀይ ኣነ እንተ ኮይነስ እዛ መስቀለይ ከ ኣብ ኢደይ ነይራ ዶ ምስ በልዎም ። ፡ገሊኦም እንዲዒ ነይራ ትኸውን በሉ ፡ገሊኦም ድማ ኣይነበረትን በልዎም እሞ ፡ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ድማ በሉ ግደፍዎ እዞም ደቀይ ንሓስ እተዉ፡ሰይጣን እዩ ንዓይ ተመሲሉ ኣውዲቅኩም ምስ በልዎም ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ንሕናስ ጥዒማትና ኣላ ኣይንገድፋን ኢና በልዎም ። ገሊኦም ድማ ሕራይ ኣቦ ንገድፋ ኢሎም ንስሓ ኣትዮም ተመልሱ ። ነቶም ብንስሓ ዘይተመልሱ ድማ በቲ እግዚአብኄር ዝሃበኒ ስልጣን ንዘልዓለም ዉጉዝዛት ይኹኑ ነዛ ዘይትብላዕ ገረብ ዝበልዑ መንጸፍ ድይን ይኹኑ ኢሎም ረገምዎም እሞ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብስልጣነይ ሚሒለ ስለ ዝሃብክዎ ቃል ብኪዳነይ ኣጽናዕክዎ ፡ ብምባል እግዚአብኄር ንጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ነገሮም ። ሰይጣን ድማ ነዚኣ ምስ ሰምዐ """ ናብ ብዘላ ዓለም ወሲዱ ዝርኣ "" ኢሉ ታሪክ ምስ ንገሮም ፡ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ብሃንቀውታ ይሰምዑ ስለዝነብሩ በል ቅዱስ ፍቃድካ እንተኾይኑ ኣብ ምሬት ከልዉ ብንስሓ ክምለሱ ፍቀደሎም እንዳ በሉ በኸዩ እሞ ከም ቃልካ ይኹነልካ በሎም ። ፡እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ስለ እቲ ዘይወዳእ ምሕረቱ ኣመስገንዎ። ኣቡነ ዘርኣብሩክ እዚ ኩሉ ቃል ኪዳን ተሃዊሂቦም 13 ጥሪ ኣብ መብል 482 ዓምቶም ካብዛ ድኻምን ኮለልን ዝብዝሓ ዓለም ናብ ዘልኣለም ዕረፍትን ሓጎስ ዘላታ ስፍራ ቅዱሳን ከዕርፉ ፥ ነብሶም ካብ ስግኦም ተፍልያ ዓረፉ። እዚ ዕለት እዚ ኩቡር ዕለተ ልደቶም ድማዩ ። እግዚአብሔር ኣምላክ ድማ ክሳብ 101 ትውልዲ ክምሕረልካ እየ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም ። ቅዱስ ኣቦና ካብ ሰማይ ዝመጸ መስቀሎም ስለዝተዋህቦም ቡኡገይሮም ዝተባረኸ ህጻን ንክህነት ከም ዝበቅዕ እውን ይንገር ዩ ። ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ገዳም ኣይኣትዋን እየን ። ናብቲ መቓብሮም ከይደን ከም ዝሳለማ እሞ ዘለወን ሽግር ከም ዝፍትሓለን ገድሎም 13 ጥሪ ይነግረና ። ስለዚ ዝኸበርኩም ኣዕይቲ እግዚአብኄር ኣቦታት ካህናት ፥ ላእካነ ምስጢር ኣሕዋት ዲያቆናት ፥ ክቡራት ኣቦታት ኣዴታት ኣሕዋት ኣሓትን ናይ ክርቶስ ቤተ ሰብ ኩሉኹም ብሓበራ ፥ ትንባኾ ፥ ሽጋራ፡ ቡን ፥ ሓሽሽ ፥ ጫት ክንድዚ ዝኣክል ፍርዲ ከም ዘለዋ ክንፈልጥ ይግባእ። ቅዱሳን ኣቦታትና እወን ሽጋራ ዝስሕብ ትንባኾ ዝሰፍፍ ኩሎም እዚኣቶም ንቤት ክርስትያን ክኣትዉ ኣይፍቅድሎምን እዮም ዝብሉና ፡ ንስሓ ከይኣተውን ስግኡን ደሙን ናይ መድሃኔኣለም ከይተኻፈሉን እንተ ሞቱ እውን 40 እመት ካብ መቃብር ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ርሒቖም ቤት ክርስትያንን ከም ዝቅበሩ እዮም ዝነግሩና ። ዲያብሎስ ማዕረ ክንድዚ ፍርዲ ከምዘዋ ፍሊጡ ድማ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ገዛ ኣእትይዋ ኣሎ እሞ ፡ካብዚ ፍርዲ እዚ መታን ክንድሕን ብንስሓ ታሓጺብና ክንገድፎን ክንሰብከሉን ክነረዳኣሉን ይግብኣና እዩ ። ከምዚ ክንገብር ድማ እግዚአብኄር ኣምላኽ ብምሕረቱ ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፥ ጸሎቶም ናይ ጻድቃን ኣባ ሓውን ኣቡነ ዘርኣብሩክን ብቃል ኪዳኖም ፥ ቅዱሳን መላእክት በረዲኤቶም ይደግፉና ኣሜን። ኣብ ኣማናዊትን ኣናጽናፋዊት ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እምነትና ጽኒዕና ንምንባር የብቃዓና ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ። ስብሃት ለእግዚአብኄር ልዑል ወለ ወላዲቱ ድንግል ማርያም ወለ መስቀሉ ክቡር ወኃያል ኣሜን ኣሜን ኣሜን።
Show all...
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን ። ዓመታዊ ክብረ በዓል 13/፲፫ ታሕሳስ ልደቶም ናይ ጻድቅ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ዘርዓብሩኽ እዩ እንቋዕ ኣብጽኃና ኣሜን። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ስም ኣቦኦም ደመ ክርስቶስ ፥ ስም ኣዲኦም ድማ ማርያም ሞጎሳ ይብሃሉ ፡፡ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ኣዚዮም ጻድቅ ኣቦ እዮም ። ብተጋድሎኦምን ቃል ኪዳኖም ኣዝዩ ብዙሕ ንኽትሰምዖ ደስ ዘብል ታኣምር ዝገብሩ ቅዱስ ኣቦ ኮይኖም ትውልዲ ዓዶም ጎጃም ግሽ ዝባሃል ከባቢ እዮም ተወሊዶም። ኣብዚ ቦታ እዚ ዝዓብዩ ክኾኑ ከለዉ ምስ ተወለዱ ጸጋ ኢየሱስ ተባሂሎም ተሰየሙ፡ እዞም ቅዱስ ኣቦ ገና ወዲ 7 ዓመት እንከለዉ ድማ ረቡዕን ዓርብን ጾም ይጾሙ ነበሩ ። ኣቦኦም ናይ ቅድስት ቤት ክርስታያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መመህር ኮይኖም ዓይነ ስውር ነበሩ ። እሞ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ብ ዕለት 27 ነሓሰ መድሃኔኣለም መዓልቲ ምስ ተውልዱ ድማ ዓይኖም በርሃሎም ። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ተማሂሮም ምስ ወድኡ ድማ እግዚአብኄር ባዕሉ ""ኣቡነ ዘርኣብርክ"" ኢሉ ስሞ ብምስያም ጳጳስ ገይሩ ሰየሞም። ኣቡነ ዘርኣብሩክ ገና ቅድሚ ምውላዶም ትንቢት ተነጊሩሎም ስለ ዝነበረ ብህጻንነቶም ጀሚሮም ጾምን ጾሎትን የዘውትሩ ነበሩ ። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ወዲ 12 ዓመት ምስ ከኑ ድማ ከምዚ ኢሎም ናብ እግዚአብኄር ኣምላክ ጸለዩ ። ኦ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ናይ እዛ ዓለም ክፉእ ናብራ መታን ከይርእስ ዓይነይ ሰውረለይ አሎም ብምጽላይ ዓይኖም ብቅድስና ትምህርቶም ስጋብ ዝውድኡ ሰወረሎም ፡ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ 7 ኣጽዋማት ናይ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ይጾሙ ስለ ዝነበሩ ቅዱስ እግዚአብኄር ኣምላክ ድማ ንኩሉ ሚስጥራት መጻሕፍቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ገለጸሎም ። ንኩሉ መጻሕፍቲ ቅድስት ቤት ክርስትያን ሓድሽን ብሉይን መጽሓፍ ሞኖኮሳትን ፡ዜማ ናይ ቅዱስ ያሬድ ፡ኣዋልድ መጻሓፍት ፡መጻሓፍቲ ሊቃውንት ኩሉ ገለጸሎም እሞ በርከቶምን ተጋድሎኦምን ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ኮነ ። እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ተጋድሎኦምን ድኻሞምን ሪኡ 12 ክንፊ ሃቦም ንሶም ድማ ንእግዚአብኄር ሓንቲ ልመና ለመንዎ። ማለት ቅዱስ ፋቓድካ እንተኾይኑስ ናብ ሲኦል ከይደ ክጽሊ ፍቀደለይ ኢሎም ልመኑ ። እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ፍቓደይ ይኹን በሎም እሞ ከይዶም ድማ ንሓጥኣን እንዳ ራኣዩ ብዙሕ ብኽያት በኸዩ ። ብኽያቶም ኣዝዩ ስለ ዘጉሃዮም ቅዱስ እግዚአብኄር ኣምላክ በጃካ ማሓረለይ አሎም በኸዩን ለመኑን ። እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ካብዞም ኣብዚ ሲኦል ዘለው ሓጥኣን ዓቅምኻ ዝፍቀዶ ውሰድ ናብ ገነት ኣሕልፍ በሎም ። ቅዱስ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ንሲኦል ሓሊፎም ኣብ ቅድሚ ስሉስ ቅዱስ እውን ማዕጠንት ይዓጥኑ ነበሩ ። ከም ጻድቅ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ንብዙሕ ዓመታት ቆይሞም ይጽልዩ ስለዝነበሩ እግሮም ብብዝሒ ደው ምባል ፈለሰ ። ክርስቶስ መድሃኔኣለምን ኣዴና ቅድስት ኪዳነ ምሕረትን ድማ ኣዝዮም የኽብሩ ስለ ዝነበሩ ምስቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ክርስትያናዊ ተጋድሎ መድሃኔኣለም ብዙሕ ቃል ኪዳን ሃቦም ኪዳንካ ኪዳነይ ፡ቃልካ ቃለይ፡ ስልጣንካ ስልጣነይ ፡ጥበበይ ጥበካ ፡ትዕግስተይ ትዕግስትኻ ፡ ----- ይኹን ። ብዘይካ ፍጥረት ምፍጣር ካልእ ኩሉ ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ ኢሉ ቃልኪዳን ሃቦም። ሓደ እዋን ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ብሓሶት ተኸሲስሶም ን5ተ ዓመታት ብጽኑዕ ቤት ማእሰርትን መገርፍትን ታሲሮም ኣብዝነበርሉ ግዜ እኽሊ ኣይበልዑን ነይሮም ። እቲ ዝሃብዎም እኽሊ የቀምጥዎ ነበሩ እሞ ፡ክወጹ ከለዉ ድማ እቲ እንገራ ውዑይ ነበረ ፡ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ቅድሚ፡ምእሳሮም እግዚአብኄር ኣምላኽ ዝሃቦም መጻሕፍቲ ስለ ዝንበሮም ከም ዝእሰሩ ምስ ፈለጡ መጽሓፍቶም ከቐምጥዎ ደለዩ እሞ ኣብ ቤት ክርስታያን እንተ ኣቐመጥክዎ ፋሕ ከብሉለይ እዮም ንሰብ እንተሃብክዎ ድማ ክጥፍኡለይ ወይ ድማ ኣይሃብካናን ኢሎም ክኽሕዱኒ እዮም ብምባል ናብ ፈለግ ኣባይ ሒዞሞ ከዱ እሞ ከምዚ ኢሎም ድማ ናይ ሕልና ጸሎት ጸለዩ ። ግዮን ሓደራ ማእሰርቲ ወዲአ ካሳብ ዝመጽእ እዘን መጻሕፍቲ ብሰላም ኣጽንሕየን ኢለ ብቅዱስ እግዚአብኄር ኣዚዘኪ ኣለኹ ኢሎም ኣብቲ ውሓይዝ ቀላይ ግዮን ኣቀምጥዎ እሞ ፡ካብቲ ብሓሶት ኣእሲርዎም ዝንበረ ንጉስ " እቲ ንጉስ እውን ብህጻንነቱ ኣዲዩ ከትባርኮ ሒዛቶ ናብኦም መጺኣ ስለዝነበረት ትንቢት ተነብዮምሉ ነይሮ እዮም ። ማለት እዚ ወድኪ ምስ ዓብየ ክነግስ ዩ ምስ ነገስ ድማ ንዓይ ብሓሶት ኣወንጂሉ ክኣሰርኒ ኢዩ " ዝብል ትንቢት ነበረ እሞ እዚ ትንቢት እዚ ድማ ስለ ዝተፈጸመ ፥ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ማእሰርቲ ወዲኦም ካብ እስርቤት ወጹ እሞ ናብ ፈለግ ኣባይ ምስከዱ ካብ ኣርድእቶም ሓደ ምስኦም ነበረ እሞ ነቲ ፈለግ ብመስቀሎም ብምብራኽ ከምዚ በሉ ። " ኦ ቀላይ ኣባይ " ዝሃብኩኪ ሓደራ ምለስለይ በልዋ እሞ ፥ ባሪኾም ኢዶም ምስ ሰደዱ እቲ መጽሓፍቲ ንላዕሊ ጸለል ኢሉ ወጸ እሞ ምስ ሓመዱ ማይ ዝበሃል ከይጠልቀየ ምስ ደሮኑኡ ወጸ። ንሓመዱ ነጊፎም ድማ ፥ ንቀላይ ኣባይ ማለት ግዮን ከምዚ በሉዋ ፥ ሓደራኺ ስለ ዓቂብኪ ዘጽናሕክ ካባኺ ማይ ዝሰተየ ዝተሓጽበ ንዘልአለም ብሩኽ ይኹን ። ደውየ ስጋን ነብስን ድማ ኣይቅረቦ ኢሎም ባሪኾም ገደፍዋ ። እዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም ገድሎም ነጊርካ ኣይወዳእን እዩ ። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝኸዱ ፡ንእሳት ቢኢዶም ጨቢጦም ዝሕዙ ብኽንፊ ከም ዑፍ ዝበሩ ከም መልኣኽ ዘገልግሉ ቅዱስ ኣቦ ምስ ምኻኖም ፥ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ቆይሞም ዝጸለዩ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ገድሎም ነጊርካን ትዛሪብካን ዝወድእ ኣይኮነን። ጽድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ኣብ ካልእ ገድሎም ድማ ከምዚ ይብል። እቶም ንዓለም ንኽግልብጡ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ዘልዉ ገባብል ኣንስተይትን ተባዕታይን ዝባሃሉ (ብሄሞትን ሌዋታን ) ዝብሃሉ ገባብል ኣስናኖም ፈቂዶም ስጋብ መወዳእታ ዓለም ኣፎም ሃህ ኢላ ክትነብር ንዓለም ድማ ከይህውጽዋ ኣውጊዞም ዝገደፉዎም ቅዱስ ኣቦ እዮም ። ናይዞም ገባብል እዚኦም መጽሓፍ ኣክሲማሮስ ኣብ ስነ ፍጥረቱ ገሊጽዎም ኣሎ ። ስለዚ ንጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ብዙሕ ቃል ኪዳን እዩ ተዋሂብዎም ። ካብቲ ብዙሕ ቃል ኪዳኖም ድማ ገዳምካ ዝረገጸ ፥ ጸበልካ ዝታሓጽበ ፥ ዝተለኸየን ወላ ኣረማዊ እንኾኮነ እውን ብንስሓ ተመሊሱ ገዳምካ ተተሳለመ መንግስተይ ከውርሶ እየ ፥ ንገዳምካ ምስላሙ ከም ጥምቀት ሓሲበ መንገስተይ ከውርሶ እየ ብምባል መስቀል ካብ ሰማይ ወረደሎም ። እሞ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ድማ እስትንፋስካ እስትናፋሰይ እዩ ስለ ዝበሎም ንናውቲ መሬት በርኽዎ እቲ ጸበሎም ድማ ከም ማይ ይፍልፍል ኣሎ ሓፊስካ እውን ኣይጎድልን እዩ በረኸቶም የሳትፈና ኣሜን ። ካልእ ኣዝዩ ዘደንቅ ቃል ኪዳን ናይ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ብዛዕባ ትንባኾ(ሽጋራ ፡ሽሻ ቡን ሓሽሽ ዝምልከት እዩ ) ዝሃቦም ቃል ኪዳን ኣዚዩ ዘደንቅ እዩ ። ከምዚ ድማ ይብል ቅዱስ ኣቡነ ዘርኣቡሩክ ኣብ ሲኦል ከይዶም ይጽልዩ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ሓንቲ ነብሲ ኣብ ሲኦል ከም ማስትሽ ተላጊባ ከምዚ እንዳበለት ተእውይ ነበርት ይብል ""ኦ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ገባሬ ተኣምር ኢኻ እሞ " ብዘይካኻ ካብዚ ሓዊ ሲኦል ዘውጻኣኒ የብለይን ። በጃኻ ብኣማላድነትካ ኣምላኽ ብዝሃበካ ቃል ኪዳን ኣይትግደፈኒ እንዳበለት
Show all...
Use one of the best PDF Reader. Download free now! http://bit.ly/PDFReader_alldocumentreader
Show all...
Show all...
ሓንሳብ ስከ ካብ ነውጺ እዛ ዓልም ወጺእና ናብዚ ቅዱስ ገዳም ኣቡነ ሴት ንጓዓዝ። eritrean documentary @datlove

ሂሩት ቲቪ ሰነዳዊ ፊልምታትን ዝተፈላለዩ ንመንፈሳዊ ህይወትና ዘነቓቕሑ መደባትn ዝፍነወሉ'ዩ። ስድራቤትና ብምዃንኩም ነመስግን ኣብ ጸሎትኩም ደግፉና ሰላም ዝሰፈኖ ዘመን ይግበረልና፡ ናይ ካልኦት ገዳማት ሰነዳዊ ፊልም ውን ኣብዚ ኣለኩም፦ ገዳም ደብረ ጽጌ ግንባ ልዑል ኣቡነ ዮናስ

https://www.youtube.com/watch?v=sAq75aK4Bo0

https://www.youtube.com/watch?v=T0gagZgBJPc

https://www.youtube.com/watch?v=pFoIXO0yFns

ገዳም ኣቡነ ዮሃንስ ቴድረር

https://youtu.be/4SMNpbcHktY

ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ

https://youtu.be/jLpPoahbQsA

blessed land;

https://youtu.be/zg5qZGuBqZY

gedam abune mnasie/aba smon

https://youtu.be/uCB0wKVgVrY

ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን

https://www.youtube.com/watch?v=p124umjnwiE&t=160s

ገዳም ማርያም ዓይላ

https://www.youtube.com/watch?v=IaTw3fK_uEY&t=1519s

ካልኦት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ንምክትታል ኣብዛ ቻነል ተመዝገቡ። እኩብ ሰነዳዊ ፊልም ናይ ዝተፈላለዩ ገዳማት

https://www.youtube.com/watch?v=L1TI4ysiFfI

ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ

https://www.youtube.com/watch?v=takbcyegy6k

ገዳም ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ደርዓንቶ

https://www.youtube.com/watch?v=suHQb0vJepo

ገዳም ኣቡነ ዘሚካኤል ዓዲ ዃላ

https://www.youtube.com/watch?v=RTxs0QwSOK0

ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ደብረ ክሳሄ

https://www.youtube.com/watch?v=GRGi2AT05pU

ማየ ጸሎት ኣባ ሰላማ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ

https://www.youtube.com/watch?v=Ma2NNEqwI5Q

ገዳም ኣባ ዮናስ ደብረድሁሃን ማይምነ

https://www.youtube.com/watch?v=AcFql2gUywg

© Copyright: All Rights reserved. @datlove subscribe our you tube channel for more videos

ሰላም ከመይ ኣለኩም ደቂ ተዋህዶ ጉዕዞ ናብ ቁልቢ ገብርኤል ኣሎ። 0983340375
Show all...