cookie

We use cookies to improve your browsing experience. By clicking «Accept all», you agree to the use of cookies.

avatar

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

ብርዒ ትግርኛ📝📚 እዚ Telegram ቻነል በቲ ልዕሊ ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ዝቐርብሉ ብሉጽ ቻነል እዩ። ⭐️ዛንታታት ፍቕሪ ⭐️ኣለበምቲ ጽሑፋት ⭐️ኣገረምቲ ክስተታት ⭐️ፍልስፍናዊ ጽሑፋት ⭐️ኮታስ ኩሉ ዓይነት ንደቒ ሰባት ጠቐምቲ ዝበሃሉ መደባት ዝቐርብሉ ቻነል እዩ። ዘለኩም ሪኢቶ፣ጽሑፋት ናብዚ- @Bazen29 (👉 @Tigrigna_lit_adminBot) ለኣኹልና።

Show more
Ethiopia4 590The language is not specifiedBooks5 943
Advertising posts
3 368
Subscribers
+524 hours
+317 days
+13630 days

Data loading in progress...

Subscriber growth rate

Data loading in progress...

Photo unavailableShow in Telegram
ሰናይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣዴታት ፤ ኣዴታትና እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ፅቡቕ ነገር ይግበኣክን እዩ ሞ ! ነቲ ኩለ መዳያዊ መስዋእትኽን የቐንየልና ! ሽሕ ዓመት ድማ ንበራልና ..!!🌹 #HAPPY_MOTHER'S_DAY ...🎁🎈
Show all...
22👍 2
ዋዛን - ቁምነገርን ሰበይቲ ፥ ቢራ ትሰቲ ዶ…? ሰብኣይ ፥  እድርግሞ እወ ። ሰበይቲ፥ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ቢራ ትድርግሞ…? ሰብኣይ ፥ ሰለስተ ( 3 ) ሰበይቲ  ፥ ንሓደ ቢራ ክንደይ ትኸፍለሉ …? ሰብኣይ  ፥ ሓሙሽተ ዶላር ( $5 ) ምስ ሞቅሹሹ ። ሰበይቲ  ፥ ንኽንደይ  ግዜ  ሰቲኻ ብኸምኡ …? ሰብኣይ  ፥ ንከባቢ ዕስራ ( 20 ) ዓመታት ሰበይቲ ፥ ሰለስተ ቢራ ንመዓልቲ  $450 ዶላር ንወርሒ ፥ ወይ ከኣ  $5,400  ንዓመት ፥ ኣብ 20 ዓመት $108,000 ማለት'ዩ። ሰብኣይ ፥ ተደማሚሩስ  ይኸውን'ዩ  ሓቅኺ ። ሰበይቲ  ፥ ትፈልጥ ኣሎኻ ኣብ ባንኪ ዓቂብካዮ 'ተትኸውን ፥ ምስ ወለዱ ተደሚሩ ሎሚ ነፋሪት መግዛኣካ ! ሰብኣይ ፥ ቢራ ትሰትዪ  ዶ …? ሰበይቲ  ፡  ኣይሰትን ። ሰብኣይ። ፥ እሞ ኣበይ ኣዴኺ ኣላ ዳኣ እታ ነፋሪትኪ …? ብኣውቶቡስ  ከተማ ምሳይ  ትጓዓዚ ዘሎኺ ? 🙉 #farሸም02/05/2 @tigrigna_literature
Show all...
😁 27 2
Photo unavailableShow in Telegram
"ንምንታይ ከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልይኦ ኣሎኽን። ንሱስ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የሎን" ማቲ, 24፡ ርሑስ በዓል ትንሳኤ❤️ 📰 ኣጋር ቻነልና ተሓወሱ 👇👇👇 @Cineluxphotography          ➖ ሰናይ በዓል  ➖ Join us ~ @Tigrigna_literature
Show all...
16👍 4
Photo unavailableShow in Telegram
"ንምንታይ ከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልይኦ ኣሎኽን። ንሱስ ተንሲኡ እዩ ኣብዚ የሎን" ማቲ, 24፡ ርሑስ በዓል ትንሳኤ❤️ 📰 ኣጋር ቻነልና ተሓወሱ 👇👇👇 @Mekellegeramipic          ➖ ሰናይ በዓል  ➖ Join us ~ @Tigrigna_literature
Show all...
Photo unavailableShow in Telegram
❀❀❀#ሓደ_ክንዲ_ኩሉ_ተሰቒሉ #እንታይነት ዓርቢ ስቅለት #ብቁንጣሮ ✝✞✝✞✝✞✞✞✝✞✝✞✝✟✟✟✟ #ዓርቢ ስቅለት ማለት ጎይታና መድሐኒትና እየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምእንቲ መላእ ህዝቢ ዓለም ድሕንነት ክብል መላእ ነብሱ ተገሪፉን #ብ5ተ ቅንዋተ መስቀል ተሰቂሉ ንመላእ ህዝበ #ክርስትያን ዓለም ፍቅሩን #መድሐኒቱን አመስኪሩ እዩ።ምሕረቱ እውን ፈኒው እዩ። #እንታይነት #ቅንዋተ መስቀል #ቅንዋተ መስቀል ማለት እተን #ጎይታና መድሐኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ እንትስቀል እንተሎ #ብምስማር ዘተወግአለንን #ብገመድ ዝተኣሰረለን ናይ አካሉ ክፋላት እየን። እዚ ማለት እውን ከም ዝስዕብ ይኽውን #ሳዶር =ማለት የማናይ ኢዱ ዝተአስረሉ #ኣላዶር=ማለት ፀጋማይ ኢዱ ዝተአሰረሉ #ዳናት =ማለት አእጋሩ ዝተአሰረሉ #አዴራ= ማለት ኣፍ ልቡ ዝተወግአሉ #ሮዳስ=ማለት ኣብ ሕንብርቱ ዝተወግአሉ እዩ #አብዚ ግዜ እዚ ጎይታና መድሐኒትና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተሰቅለሉ ግዜ ድማ ኣብ መላእ ዓለም #7ተ ክስተታትን ተአምራትን ተፈጢሮም ይብል።ንሳቶም እውን ➊#ፀሓይ_ፀልሚታ ➋#መጋረጃ_ቤተ_መቅደስ_አብ_2ተ_ተሰንጢቁ ➌#ምድሪ_ኣንቀጥቂጣ ➍#አኻውሕ_ተጨዲዶም ➎#መቃብራት_ተኸፊቶም ➏ #ከዋኽብቲ_ሪጊፎም ➐ #ወርሒ_ደም_ኮይና ይብል መፅሓፍ ቅዱስ ከምዝዝርዝሮ እሞ #ብደሙ ዘድሓነና ግና ክብሪ ይግብኦ። #ዝተኸበረን ዝተቀደሰን ዓርቢ ሰቕለት ይግበረልና አሜንንንንንንንን🙏🙏 @tigrigna_literature
Show all...
21🥰 1
ሓደ እዋን ሓደ ለባም ሰብኣይ ከምዚ በለ፥ 1. ንሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ኣይትድውለሉ። ጻውዒትካ እንተዘይተቐቢሉ፡ ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ኣሎ፡ ወይ ደቂሱ ይኸውን ኢልካ ገምት፤ 2. ሓደ ሰብ ምሳሕ/ድራር ክጋብዘካ እንከሎ ኣብ ዝርዝር መግቢ ዘሎ ክቡር ምግቢ ፈጺምካ ኣይትኣዝዝ። 3. ኩሉ ግዜ ነቲ ብድሕሬኻ ዝመጽእ ሰብ ማዕጾ ክፈተሉ፡ ወዲ ይኹን ጓል፡ ሓላፊ ይኹን ተራ ብዘየገድስ። 4. ምስ ዓርክኻ ታክሲ ተሳፊርካ ሕጂ እንተኸፊሉ፡ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ክትከፍል ፈትን፤ 5. ሰባት ዘረባኦም ፈጺምካ ኣይተቋርጽ። ከፍስስዎ ፍቐደሎም። እትቕበሎን ዘይትቕበሎን ግን ምምማይ ናትካ'ዩ። 6. ሓደ ሰብ ክሕግዘካ ከሎ “የቐንየለይ” በል። 7. ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምውዳስ። ብውልቂ ምንቃፍ፤ልመድ ። 8. ሓደ ሰብ ኣብ ስልኩ ስእሊ ከርእየካ ከሎ፡ ንጸጋም ወይ ንየማን ኣይትስሓብ። እንታይ ከም ዝቕጽል ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ 9. ሓደ መሳርሕትኻ ናይ ሓክምና ቆጸራ ከም ዘለዎ እንተነጊሩካ፡ ናይ ምንታይ’ዩ? ኢልካ ኣይትሕተት፡ "ደሓን ክትከውን ተስፋ እገብር" ጥራይ በል። ውልቃዊ ሕማሙ ክነግረካ ኣይትገድዶ። ክትፈልጥ እንተደልዩካ ብዘይ ናትካ ምሕታት ክነግረካ ኢዩ፤ 10. ሓደ ሰብ ብቐጥታ ዝዛረበካ እንተሃልዩ፡ ናብ ስልክኻ ኣይትጠምት፤ 11. ክሳብ ትሕተት ፈጺምካ ምኽሪ ኣይትሃብ፤ 12. ኣብ ማእከል ድኻታት ብዛዕባ ሃብትኻ ፈጺምካ ኣይትዛረብ። ብተመሳሳሊ ኣብ ምስ መኻን ኣብ ዘለኻሉ ብዛዕባ ደቅኻ ኣይትዛረብ። ካብ ገጻት facebook Hope and Life ዝብል ዝተወስደ'ዩ @tigrigna_literture
Show all...
25👍 8
Photo unavailableShow in Telegram
ሕክምና ኣምላኽ ዶ ይሓስር ወላ ናይ ዓለም? ሓደ ወዲ 78 ዓመት ሰብኣይ ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ይኸይድሞ ን24 ሰዓታት ንምትንፋስ ዝሕግዞ ኦክስጅን ይህብዎ፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ካብቲ ዝነበሮ ቅሩብ ይሕሾ ፡ ስለዚ፡ እቲ ሓኪም ናይ 5000 ሽሕ ዶላር ናይ ክፍሊት ወረቀት ሃቦ፡ ነቲ ሕሳብ ምስ ረኣየ ድማ ክበኪ ጀመረ፡ እቲ ሓኪም ብሰንኪ እቲ ሕሳብ ንከይበኪ ነገሮ፡ እቲ ሰብኣይ ግን ብሰንኪ ገንዘብ ኣይበኪን እየ ኩሉ እቲ ዝተባህለ ገንዘብ ክኸፍሎ ይኽእል እየ በለ፡ እንተኾነ ግን ን24 ሰዓታት ጥራይ ኦክስጅን ተጠቂመ 5000 ዶላር ክኸፍል ስለዘለኒ እየ ዝነብዕ ዘለኹ... ግን ን78 ዓመታት ነጻ ኣየር ኣምላኽ ከስተንፍስ ጸኒሐ፡ ዋላ ሓንቲ ከፊለ ኣይፈልጥን፡ ክንደይ ዕዳ ከም ዘለኒ ትፈልጥ ዶ? እቲ ሓኪም ርእሱ ኣድኒኑ ንብዓት ጀረብረብ ኣበለ ሕጂ ነዛ ጽሕፍቲ ተንብቡ ዘለኹም ኣሕዋተይ ኣሓተይ ዓመታት ዘስተንፈስናዮ ብዘይ ዝኾነ ዋጋ ነፃ ኣየር እግዚኣብሔር በጃኹም ካብ ግዜና 2 ካልኢት ጥራይ ወሲድና ስለ ትንፋስ ህይወት ❤️ ንኣምላኽና ነመስግኖ። ፨ ዓለም ገዛ ክራይ እያሞ ተፋቂርና ንንበረላ። @tigrigna
Show all...
👍 18🙏 7 5
ኣልበርት ኣንስታይን " ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክላዓል 'ዶ ይኽእል"? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ነይሩ። " ኣነ ሓደ ርግፀኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝኽእእል ራብዓይ ኲናት ዓለም ክካየድ ከም ዘይኽእል እዩ " ክብል መሊሱ። ሓተቲ ፡ ብዛዕባ ሳልሳይ ኲናት ዓለም እኮ እየ ኢለካ እንተበሎ " ምኽንያቱ ሳልሳይ ኲናት ዓለም እንተተላዒሉ ፤ ህዝበ ዓለም ክፀንትን ክጠፍእን ስለ ዝኾነ ፤ ራብዓይ ኲናት ዓለም ኣይካየድን" ብምባል ክምልስ ክኢሉ እዩ። ኒኩሌር ቦምብ (E= Mc2) ብኣልበርት ኣንስታይን ከም ዝተማሃዘ እዩ ዝፍለጥ። ብዝኾነ ፡ ሕዚ እዉን ሓዱሽ ኲናት እስራኤልን ኢራን ጀሚሩ ኣሎ። በኸምዚ እንተቐፀሉ ናዓና ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክጎደአና እዩ። ጭንቑራዕ ፡ መንደር ሙለእ ብሓዊ እንዳተቓፀለ ትርኢ እሞ " ኡይይይ ኡይይይ ኣታ ጠፋእና " ትብል። ካልኦት ጭንቑራዓት ተገሪመን ታይ ኮይንኪ ንሕና እኮ ኣብ ማይ ኢና ንነብር ምንም ኣይንኾንን ይብላኣ። " ዎ ! ንስኻትክን ዓያሹ ኢኽን ...ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ማይ ብሻንኬሎ ክቐድሑ እንተለዉ ምስቲ ማይ ቀዲሖም ናብቲ ሐዊ ክሓውሱና ይኽእሉ እዮም" በለት ይባሃል። ከምዙይ እዉን ኣሎ እዩ። ፧ via : ፈላስፋ ኣፍተራሪ @tigrigna_literaturw
Show all...
21👍 13😁 1
Photo unavailableShow in Telegram
ቻርሊ ቻፕሊን ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዓሪፉ። 4 መግለጺታት ገዲፉልና፤ (1) ኣብዛ ዓለም ዘልኣለማዊ ዝኾነ ነገር የለን፣ ሽግርና እውን ከይተረፈ። (2) ኣብ ዝናብ ምጉዓዝ ደስ ይብለኒ፣ ምኽንያቱ ንብዓተይ ዝረእዮ ሰብ ስለዘየለ። (3) ኣብ ሂወት ብብዝሒ እትባኽን መዓልቲ ዘይንስሕቐላ መዓልቲ እያ። (4) ሽዱሽተ ብሉጻት ሓካይም ዓለም... 1. ጸሓይ፡ . 2. ዕረፍቲ፣ 3. ምንቅስቃስ ኣካላት፣ . 4. ኣመጋግባ፣ . 5. ርእሰ-ምትእምማን 6. ኣዕሩኽ። ኣብ ኩሉ ደረጃታት ህይወትካ ኣቐምጦምን ጥዑይ ህይወት ኣስተማቕርን... ወርሒ እንተርኢኻ ጽባቐ ኣምላኽ ክትሪኢ ኢኻ..... ጸሓይ እንተርኢኻያ ሓይሊ ኣምላኽ ክትሪኢ ኢኻ.. ብመስትያት እንተ ርኢኻ፡ እቲ ዝበለጸ ፍጥረት ኣምላኽ ክትዕዘብ ኢኻ። እመን ሽዑ። ኩላትና በጻሕቲ ኢና፣ ኣምላኽ ናይ መገሻታትና፣ ምዝገባናን መዕረፊታትናን ዝገበረ ወኪል ጉዕዞና እዩ... ንዕኡ እመኖ እሞ ህይወት ኣስተማቕር። ህይወት ጉዕዞ ጥራይ እያ! ሎሚ ንበር!!! via ዓለም ገዛ ክራይ @tigrigna_literature
Show all...
14👍 5
"ሰላም! ትግራወይቲ ሓፍትኩም እየ። ብ Make up፣ ፅፍሪን Eyelashን  ናይ ምስራሕ ሞያ ኣለኒ ናይ ኣዋርሕ ልምዲ እውን ኣለኒ።  በዚ ሞያ ኣብ #ኣዲስ_ኣበባ ስራሕ ደልየ ኔረ።  ብ0701348163 ደውሉለይ🙏 inbox me telegram @mes_et"
Show all...