ቁ1⃣ ወረብን መዝሙርን ክፍሊ ማሕበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዘትግራይ
Open in Telegram
Show more
The country is not specifiedThe category is not specified
1 550
Subscribers
No data24 hours
No data7 days
No data30 days
Posts Archive
🔵ወረብ
ዘሣልስ ሰንበት
ትመስል እምኪ ማርያም ዕለተ ሣልስተ ወራብዕተ ትመስል እም/፪/
ዘወለደት ጽጌ ዘወለደት ጽጌ ዘወለደት ጽጌ ወፀሐየ ዓለም/፪/
ረኀበ ወጽምአ አዘክሪ/ ፪/
ረኀበ ወጽምአ /፬/አዘክሪ ረኀበ ወጽምአ ፬/
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!
እንኳዕ ማሕበር ካህናተ ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ዘዳለናዮ መበል 👉184 ጉባኤናን : ዓመታዊ በዓላት ቅዱስ ጊዮርግስን አርባዕቱ እንስሳን :ፈጣሪ ኣብፅሓኩም /ክን!
ናይ ዙም መስመርና ካብቱ ዝተገለጸ ሰዓት 5 ደቒቓ ቅድም ኢሉ ክፍቲ ክኸውን እዩ እሞ ኩልና ብሰዓትና ንራኸብ::
https://us06web.zoom.us/j/9431426349
*እዝል*
ሃሌ ሉያ ዘኣጽንዓ ለምድር ዲበ ማይ ወገብረ ብርሃናተ ዓበይተ ባሕቲቱ ሰርዓ ሰንበተ ለዕረፍት እስመ ገባሬ ሕይወት ያርሁ ክረምተ በብዓመት
ትርጉም
ንዓኻ ሓይሊ :ክብሪ :ምስጋናን ምእዛዝን ይግባእ።
ጎይታዬ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓኻ ሓይሊ :ክብሪ :ምስጋናን ምእዛዝን ይግበአካ እዩ።
ኣምላከይ አማኑኤል ንዓኻ ሓይሊ :ክብሪ :ምስጋናን ምእዛዝን ይግበአካ እዩ።
ሓይለይ መፀግዒየይ ጎይታይ ረዳእየይ ንስኻ ኢኻሞ ንዓኻ ሓይሊ :ክብሪ :ምሰጋናን ምእዛዝን ይግበአካ እዩ።
ብምስጋና ድማ ከምዚ እናበልኩ ይልምነካ ኣለኹ።
ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና ሽምካ ይቀደስ መንግሥትኻ ትምፃእ ፍቓድካ ኣብ ሰማይ ከምዝኾነ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና በደልና ውን ይቕረ በለልና ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ምእንቲ ክንብሎም።
ኦ ጎይታ ናብ ፈተና ኣይተእትወና ካብ ክፉእ ኩሉ ኣድሕነና ደኣምበር መንግሥቲ :ሓይልን ምስጋናን ናትካ እዩሞ ንዘልኣለም አሜን።
ንአምላክ :ንሥላሴ :ንቱ መድሕን :ንልዕልንኡ :ንኣዛዛይነቱ :ንኢየሱስ :ንክርስቶስ :ንሕማሙ ክብሪ :ምስጋናን ተኣዛዛይነት ይግብእ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታይ ንዓኻ ሓይሊ ይግባእ :ንዓኻ ምስጋና ይግባእ ንዘልኣለም ኩሉ ግዘ።
*አድኅነኒ*
ወረብ⤵️
አድኅነኒ ዘአድኃንኮሙ ሊቀ መላእክት አድኅነኒ ሊቀ መላእክት ዘአድኃንኮሙ/፪/
፫ቱ ደቂቅ አመ ውስተ እሳት ተወድዩ ዘአድኃንኮሙ/፪/
ብሸብሻቦ⤵️
አመ ውስተ እሳት ተወድዩ ፫ቱ እደው/፪/
አድኅነኒ ዘአድኃንኮሙ ሊቀ መላእክት/፪/ ገብርኤል አድኅነኒ/፬/
*ወረብ*
ኢይትዓፀው አናቅጽኪ ክቡራት ዕንቊ መሠረት/፪/
ሠናይት ሰላማዊት እንተናፈቅራ በጽድቅ ሠላማዊት/፪/
ትርጉም:-በርታትኪ አይዕፀዉን መሠረታትኪ ድማ ካብ ክቡራት ዕንቁታት ዝተሰርሑ እዮም።
ፅብቕቲ ሰላማዊት እታ እንፈትዋ አዴና ናይ አፋ መዓዛ ጥዑም ዩ።
ምክሪ ብዜማ
ወአንተሰ ቅድመ አመክር ርእሰከ ጹም ወተቀነይ ለእግዚአብሔር ሰብህ ወስክ ዲቤሁ አፍቅሮተ ነግድ እምሲሳይከ አንኪ ወአፅግብ ርሁበ ወፍታህ ለእጓለ ማዉታ ዝኬ ሰናይ ለከ
ትርጉም፡ ንስኻ ፈለማ ንባዕልኻ መርምር ፁም ተገዛእ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኖ ኣብ ልዕሊኡ ወስኽ እንግዳ / ጋሻ/ ምቕባል ካብ ምግብኻ ቀንስ ዝጠመየ ኣፅግብ ፍትሒ ፍታሕ ንዝተሸገረ እዙይ ፅቡቅ እዩ ንዓኻ
እመሰጾምከ ወጸለይከ ወካዕበ አንከይከ እምሲሳየ አፉከ እግዚአብሔር ይሄሉ ምስለከ ኢያንቀለቅል መሰረትከ ወዘኒሰአልኮ ይሰምአከ ወይሰርጽ ጽድቅከ ቅድመ ገጽከ
ትርጉም፡እንተ ፆምካ እንተ ፀሊኻ ከምኡ ዉን እንተካፊልካ ካብቲ ትበልዖ ብኣፍካ እግዚኣብሄር ክህሉ እዩ ምሳኻ ኣይናወፅን መሰረትካ እንተለሚንካዮ ዉን ክሰምዐካ እዩ ክግለፅ እዩ ስራሕኻ ኣብ ቅድሚ ገፅካ
ዘተፈሥሐ በጊዜሁ የሐዝን ወዘሐዘነ በጊዜሁ ይትፌሣሕ ዘነድየ በጊዜሁ ይብዕል ወዘብዕለ በጊዜሁ ይነዲ ጽጌ ገዳምኒ በጊዜሁ የሐልፍ ኵሉ በጊዜሁ የሐልፍ ወዘኢየሐልፍ አልቦ ዘይመጽእ አንትሙሰ አኃውየ አክብሩ ሰንበታትየ ወዕቀቡ ቃለ ትእዛዝየ።
ትርጉም፡ ዝተሓጎሰ ብግዝኡ ክሓዝን እዩ ዝሓዘነ ዉን ብግዝኡ ክሕጎስ እዩ ዝተሸገረ ዉን ብግዝኡ ክህፍትም እዩ ዝሃፍተመ ዉን ብግዝኡ ክሽገር እዩ ናይ በረካ ዕምበባ ዉን ብግዝኡ ክሓልፍ እዩ ኩሉ ብግዝኡ ክሓልፍ እዩ ዘይሓልፍ የለን ዘይመፅእ ንኻትኩም ግና ኣሓተየ ሰንበትኣኽብሩ ቃል ፈጣሪ ዉን ሓልዉ
አመላለስ
መልአከ ሰላሞሙ ውእቱ ገብርኤል መልአከ ሰላሞሙ ውእቱ ገብርኤል መልአከ ኪዳኖሙ ውእቱ ገብርኤል ስሙ ፬
ሸብሻቦ
መልአከ ሰላሞሙ ውእቱ ገብርኤል/ ፪/
መልአከ ኪዳኖሙ ውእቱ ገብርኤል ስሙ/፬/
ዘረዳእኮሙ ለሰማእት ዘባላኀኮሙ እም እሳት ሊቀ መላእክት /፪/
እግዚኦ አድሕነነ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ እም ዕለት እኪት /፪/
ዘረዳእኮሙ ለሰማእት ወባላኀኮሙ እም እሳት /፪/
እም ዕለት እኪት /፫/ አድሕነነ እም ዕለት እኪት /፪/አሀ
ንሰማእታት ዝረዳእኻዮም ካብ ነዳዲ ሓዊ ዘድሓንካዮም /፪/
ካብ ክፉእ መዓልቲ /፪/ አድሕነና ካብ ክፉእ መዓልቲ /፪/ አሀ
