cookie

Ми використовуємо файли cookie для покращення вашого досвіду перегляду. Натиснувши «Прийняти все», ви погоджуєтеся на використання файлів cookie.

avatar

ውድብ ብሔረ ኣግዓዚ (ውብኣ) Agaezi National Union (ANU)

ንትጋደል ለሰፋኔ ሕዝብ ውእቱኒ ሕዝበ ብሔረ አግዓዚ ወእንዘ ንመልሶ ኀበ ጥንተ ክብሩ ለውእቶኒ ልሉይ ወተባዕ ሕዝበ ብሔረ አግዓዚት ኢትዮጵያ።

Більше
Рекламні дописи
247
Підписники
-124 години
-37 днів
-930 днів

Триває завантаження даних...

Приріст підписників

Триває завантаження даних...

Показати все...
ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) is LIVE | TikTok

ትግርኛ ዝብሃል ታሪኽ/ፊደል ኣሎ ድዩ?. Check out ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) LIVE videos on TikTok! Watch, follow, and discover the latest content from ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia).

Показати все...
ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) is LIVE | TikTok

ትግርኛ ዝብሃል ታሪኽ/ፊደል ኣሎ ድዩ?. Check out ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) LIVE videos on TikTok! Watch, follow, and discover the latest content from ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia).

ከመይ ኣምሲኻትኩም? ፀኒሕናኸ እንታይ ኮን ንሰምዕ እንተበልካስ ዝበኣሰ ትሰምዕ! #ንቅዱስ_ያሬድ_መልክዑ_ዝፈልጦ_መን_እዩ? #ተዛራቢ፡ ንቡረ እድ ጎደፋ መርሃ #ዘጋቢ፡ ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣክሱም ንቡረ እድ ዘይተዛረብዎ እንተኮይኑ ነቲ ዘጋቢ ኣካል ብስም ምጥፋእ ይሕተቱ፡ ንምእመናን ድማ ቃሎም ከምዘይኮነ የፍልጡ። እንተተዛሪቦም ግና ክንሓቶም፡- #1 ክሳብ ሐዚ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ስእለ አድኅኖ ቅዱስ ያሬድ ድኣ ናይ መን ድዩ? #2 ከምቲ ዝበልክምዎ ዘይፍለጥ እንተኾይኑኸ እቲ ቅርፂ ድኣ እንታይ መሰረት ተገይሩ ክስራሕ ተሓሲቡ ተሰርሐ? #3 ክብሪ ንዕኡ ይኹን ካብ ኣምላኽና እግዚአብሔር ጀሚሩ ማይ ኩሎም ቅዱሳን መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ስእለ አድኅኖታት መሰረቶም ድዩ? #4 ኣብ ምድሪ ትግራይ ይትረፍ ከምዚ ዓይነት ስርዓትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ዘይሓለወ ተግባር ተሪፉስ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ካሊእ ዝሰርሐሉ እዋን ድዩ ኮይኑ? #ደቂ_ቤተ_ክርስቲያን እዛ ዘላ ኣከያይዳን ፍጥነታን ርኢና ኣብ መሰረታዊ ስራሕ ኣድሂብና ቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነት ኣቐዲምና ብቅንዕና ተወዲብና እንተዘይሰሪሕና ሓደግኡ ልክዕ ኣብ ሓያል ቁልቁለት መንገዲ እትጓዓዝ ግን ድማ ፍሬና ዝተበጠሰት መኪና ክስዕባ ዝኽእል ሓደጋ ይረኣየና። እዚ ድማ ካብኡ ንላዕሊ። ክሳብ ሐዚ ኮይኑ ዘሎ'ኳ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ዋላ'ኳ እንተመሰየ ኣይፀልመተን! https://www.facebook.com/100093950269262/posts/314816741659999/?app=fbl https://www.facebook.com/share/p/AKwWRPoc2mK4wDdM/?mibextid=oFDknk ንማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ መልክዑ ዝፈልጦ መን እዩ? “”””””””””””””””””””” -ክቡር ነብርእድ ጎደፋ መርሃ፡ “””””””””””””””””””””” እዚ ሓሳብ ዝተገለፀ ኣብታ ታሪኻዊትን ጥንታዊትን  ቅድስቲ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ታሪኻዊ ሓወልቲ ማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ ዓበይቲ ሊቃውንትን ሊቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ  ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ዕለት ብዝልዓለ ፅንብል ኣብ ዝተመረቀሉ እዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ምርቃ ሓወልቲ ማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ ሙሁር ታሪኽን ተመራማሪን መምህር ሙለወርቅ ኪዳነማርያም ሓዊሱ ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ፥ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሰሎሙን ማዓሾ፥ፕረዚዳንት መቐለ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ፋና ሓጎስ፥ሓላፊ ቤሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ን ካልኦት ሓለፍቲ ውልቀ ትካላትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተማሃሮ ናይ ሰንበት ትምህርቲ ቤትን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን ተረኺቦም እዮም። ኣብዚ ምርቃ ማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ ክብረ ብዓልን ምርቃን ተረኺቦም ፤ማህሌታይ ቁዱስ ያሬድ ኣብ ዓለም ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ መሰረት ዝገበረ ብርክት ዝበሉ ኣካላት መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እንትኾኑ ብተወሳኺ ድማ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ብምልጋስ ብፍሉይ ፅንብልን ድባብን  ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ እዚ ናይ ምርቃ መራሃ ግብሪ ተዛዚሙ እዩ። ክቡር ነብርእድ ጎደፋ መርሃ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቆመሉ ኣደባባይ ተረኺቦም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ “እዚ ቦታ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣደባባይ ሓወልቲ ቅዱስ ያሬድ ተባሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።ኣብ ሓወልቲ ቅዱስ ያሬድ ንራኸብ ኽንብህሃል። ብሹም ማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ ሓወልቲታት ኽስርሑ፤ ብሹሙ ድማ ጎደናታት ኽስየሙ፤ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤታት ኽስርሑን ደጋጊምና ሽሙ ኽነልዕሎ ይግባእ። ማህሌታይ ሊቀ ሊቃውንቲ ዜማን ቅኔን ቁዱስ ያሬድ ኣብ መላእ ትግራይ ሓወልቲ እንተዝስረሐሉ ኣይዓብዮን።ኣብ 6 ሽሕ ዓመት ኽንሰርሖ ዝግብአና ኣይሰርሓናን። ሕዚ ኣብ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ገፁ፥ኣፍንጭኡ፥ ኽሳዱን እግሩን ኸምዚ ኾይኑ ተበላሹ ወዘተ ዝብል ገሊኡ ብገርሁ ገሊኡ ብጉርሑ ብማሕበራዊ ሚድያ ይዝረብ ኣሎ። ቅዱስ ያሬድ መልክዑ መን ዝፈልጦ ኣሎ?ማሕበራዊ ሚድያን ቴክኖሎጅን ንልምዓት እምበር ንጥፍኣት ኽነውዕሎ የብልናን” ኽብሉ ክቡር ነብር እድ ጎደፋ መርሃ ኣማሓዳሪ ርእሰ ኣድባሪት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ገሊፆም። ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም 10 ጉንበት 2016 ዓ/ም ኣኽሱም።
Показати все...
Log in or sign up to view

See posts, photos and more on Facebook.

Показати все...
ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) is LIVE | TikTok

ትግርኛ ዝብሃል ታሪኽ/ፊደል ኣሎ ድዩ?. Check out ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) LIVE videos on TikTok! Watch, follow, and discover the latest content from ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia).

Показати все...
ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) is LIVE | TikTok

ትግርኛ ዝብሃል ታሪኽ/ፊደል ኣሎ ድዩ?. Check out ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) LIVE videos on TikTok! Watch, follow, and discover the latest content from ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia).

Показати все...
ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) is LIVE | TikTok

ትግርኛ ዝብሃል ታሪኽ/ፊደል ኣሎ ድዩ?. Check out ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia) LIVE videos on TikTok! Watch, follow, and discover the latest content from ብሔረ ኣግዓዚ(habeshaagaezimedia).

እቲ ዝዓበየ ፈጺምኩሞ ዘለኹም ገመና ድማ እቲ ክልተ ዓመት ወይ 720 መዓልታት ለይትን ቀትርን በረድ፣ ጸሓይ፣ቁሪ ከይበለ ዘይትፈለጥ ዝነበረት ትግራይን ህዝባን ሰማይ ዝሰቀለ አባሳደር ትግራይ ለይትን ቀትርን ተደፊኡ ሸቂሉ ህዝቢ ንምድሓን ኢሉ ዝሀበኩም ሚሊዮናት ዶላርስ ቁማር ምባልኩም ዓበይቲ ሸፋቱ ምኻንኩም ዓብይ መተዓዛዘቢ ኣብልዕሊ ምኻኑ ሞራል ዲያስፖራ ወገናትና ቀተልቲ ምኻንኩም። እዋእ ዓገብ ጌርኩም። እስቲ ኩላትና ተጋሩ ንሕሰበሉ ብኺናት ዝተፈናቐለ ህዝብና አውሽጢ ዓድን ሱዳን ኣብ መጽለሊ ድንኳናት ጠምዩ ፣ሓሚሙ፣ በሃሩር ጸሓይ ተጠጢቑ እንትሞት፣ገለክፋል ክልል ትግራይ መሬቱን ህዝቡን ብባዕዳውያን ተሓዩሩ እናሃለወ፣ብደርቂ ህዝቢ ጠምዩ እናረገፈ ፣ብሰንኪ ድክነት ሙያ ትምህርቲ እናሃለዎ ብስእነት ስራሕ ንስደት እናፈረሰ፣ቕድሚ ወራር ስራሕ ፈጠርቲ ዝነበራ ደቀቕቲን አሽቲ ተካላት ዝበዝሓ ጠፊኤን። መስረተ ልምዓት ኩሎም ዓነውነው ኢሎም እናሀለው፣ህዝብና ብጆኖሳይደራት ናውቲ እቶት ሕርሽኡ ተወሪሩ (ዓኒዩ) እናሃለወ፣ህዝብና ጽላል ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ሕርሚ ኮይኑዎ እናሀለወ ፣ሸርፊ ቅርሺ ረኺሱ መሬት ዘቢጡ ህዝብና እተን ዝረኽበን ገንዘብ ዕለታዊ ምግቡ ገዚኡ ክነብር ኩሉ እስቤዛ ከቢርዎ ትግራዋ ጸቢቢዎ እናሀለወ ፣ትግራይ ዝባሃል ብማይ ጽምኢ፣ ሕማም ፣ጥሜት ፣ወዘተ እናረገፈ፣እናሀለወ አንቱም መራሕትን ከድረታትን ብቢሊዮናት ብር፣ዶላር፣ ይሮ፣ፓውንድ ፣ሪያል ፣ወነንቲ እዮም ክትበሃሉ እንተለኹም ፣በዓሰርተታት ቢሊዮናት ዝግመት ሃፍቲ ዝወነንኩም ኢኹም እናተባሃልኩም ስኽፍ ዘይብለኩም ስሱዓት ኮይንኩም እበር እተን ዝሰረኩመን ሃፍትን ስልጣንኩምን አረኪብኩም ህዝብና ፍረዱና ኢልኩም ተተገልሱሉ ክንደየናይ ታሪኽ ምሰራሕኹም ። ግን መሕፈርቲ ኢኹም። እቲ ህዝቢ ትግራይ ዘሕዝኖ ዘሎ ህዝባውነትኩም ኪሒድኩም ንኸብድኹም ንዓሌትኩም ኮይንኩም ምትራፍኩም እዩ። ግን መሕፈርቲ ኢኹም። እንዳ መሪሕነት ህወሓት እዙ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ዘሎ ወለዶ ከየሓትት አደስኪልኩሞ ጸኒሒኹም እበር ሓደ መዓልቲ ከምቄሮ ካብ አዲስ አበባ ከምዝደፍኣኩም ሕይ ዘሎ ወለዶ ክደፍኣኩም ስለዝኽእል ከምሃይለማሪያም ደሳለኝ ንህዝቡኹም ኢድኩም ተትቡ አይምሕሸንዶ ኢለ እመክር። አብጽሕፈይ ዘቐመጥኩዎ ርእሲ እዙ ብዛዕባ ጸገም ህዝቢ ትግራይ ዘይሓትት ወለዶ ነናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ እንትብል እንተለኹ ነዙ ወለዶ ብፍላይ እቲዝተማህረ ኒዒቐዮ አይኮነን ዘይንፅቖ ምኻነይ ብጻዩ ንኢሳኢያስ አፈወርቁ ስብሓት ነጋ ቅድሚ 14 ዓመታት ዓመታት ንመንእሰይ ትግራይ ከናዕቕ እንተሎ ምዕጣቕ ሱረ ዘይኽል እንትብል እንተሎ ብእዋኑ ብማሕበራዊ ሚዲያን ብአዲስ አድማስ ጋዜጣ፣ ብኢትዮሚዲያ ዌቭሳየይት ተቃውሞ መልሲ ሂበ ነይረ እዬ አንቱም መናእሰይ ፣ሙሁራት ትግራይ ታሪኽ ሰራሕቲ እናሀለኹም ግን ዘረባ ስብሓት ከምቀልዲ ሪኢኹሞ ስለዝኾነ ንመንእሰይ አይንዕቖን። አይተስብሓት ነጋ ዘናእሶ መንሰይ፣ሙሁር ግን ኣብትግራይ ኣብዝነበረ ጸረመጥቃዕቲ ጆኖሳይድ ወግእ ደኻዕኻዕ እንተብሎም ስብሓት ግን ንብልጽግና ኢዱ ሂቡ ድዩ? ተማሪኹ? አይፈልጥን ሕይ ውድብ ህወሓት ብሚሊዮናት ዶሏር ከፊሉ ኣብ አመሪካ ብቪአይቪ ደረጃ ይሕከም ኣሎ። ቡዙሕ መንእሰይ ግን በጆኖሳይደራት ጆኖሳይደራት ጥይት ተሰንኪሉ ፣ተሰንኪላ፣ብመዲካል ሕማም፣ብዕስለ ጆኖሳይደራት ተዓመጸን ስንኩላት ዝኾና ብሰንኪ ሕክምናን መሳሪሒ ሕክምና ስእነት ዓዲዊዒል ኮይኖም። መንእሰይ ሙሁር ትግራይ ግን እቲ ኣብላዕሊ ተተቒሱ ዘሎ ጨምለቕለቕ ዝበለ ስኽ ኢልካ ምርአይ ስሕተት እዩ።አይትረስእ (አይትደቅስ)፦ ብምኻኑ እቲ ተተንቲኑ ዘሎ ሕመቓት ተቃለሶ ብሕቡር ቅልጽም እውን ሕቶ አልዕል ሰላማዊ ዓመጽ አርእየና። በጃኹም ሓማይ ወለዶ ትግራይ አየድሕን ኩሉ አባሃላታት ደርቢኹም ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ሳይንስ ተዓጢኩም ንቅድሚ መሪሹ ። አነ ዘሕዝነኒ እቲ መንእሰይ ነቲ ዘሳቕዮ ዘሎ ስርዓት ብሰላማዊ መገዲ አወጊዱ ፣ ብሙሱና ዝተጨማለቑ ስዒሩ፣ልዕልነት ሕጊ አረጋጊጹ ኣብክንዲምኻድ ብዓይኒ ዕሙተይ ሰደት ፣ብዓይኒ ዕሙተይ ናብ ባሕሪ፣ምድረበዳ ኣቲኻ ከንቱ ሞት እንታይ አምጽኦ? አንቱም ተነሓናሕቲ ፓርታት ውን ነቲ ዝተነኽአ መንእሰይ ዝጠቅሞ ዕላማ ፖሊሲ፣ስትራተጂ ዲሞክራሲ መርህ አቅሪብኩም ምርሑዎ። አብባይታ ድማ ውረዱ። (አብከተማ ኮይንካ ዕኒኒይ ትርጉም የብሉን፣ኣብቲ ገጠር ወረዱ ጸገም እቲገባር ካብባዕሉ አሪኹም ተመሊስኩም ምርሕዎ ።ካብሕርኪይኪይ ውጹ።ተዘይኮይኑቦታ አይልወኩምን።ጽግዕተኛታት አይትኹኑ። ክቅጽልዩ፦ ኣስገደ ገብረስላሴ፦ መቐለ፦ 05 /09 /2012
Показати все...