9 257
مشترکین
-424 ساعت
-687 روز
-22630 روز
آرشیو پست ها
9 257
መራሕቲ ሃይማኖት ሰላምን ፍቅርን እምበር ኣብ መንጎ ህዝቢታት ጎንፅን ናዕብን ክሰብኩ ትፅቢት ኣይግበርን ንሕና እውን ህዝብና ሰላም ክረክብ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም መራሕቲ ሃይማኖት ከተማ ኣላማጣን ራያ ኣላማጣን።
ኣብ ሓንቲ ዓዲ ሰላም እንተዘይሃልዩ ሰዕቤኑ ከቢድ እዩ ዝበሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ትግራይ ንዝተኣወጀ ወራር ፅንተት ስዒቡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖትን መእመናንን ተቀቲሎምን ኣብያተ እምነት ዓንየንን እየን ኢሎም።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ዝበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየድዎ ዘለው መድረክ ዘተ ኮይኑ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዝርኤ ዘሎ ኪነታት ብዝግባእ ተረዲኦም ንህዝቦም ክሕልው፣ሰላም ክሰብኩ ፣ ልምዓት ክመፅእ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ሓቢሮም።
ኮይኑ ግናህዝብና ዳግማይ ኽጭፍጨፍ፣ካህናትና ብሓፈሻ መራሕቲ ሃይማኖት ክሕረዱ ክቕተሉ ኣይንፈቕድን ክብሉ ድማ ገሊፆም።
ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ቛንቛ፣ሃይማኖት ከይፈለየ ጭካነ ብዝተመልኦ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ብግፍዒ ረሺኑ፣ትካላት ሃይማኖት ኣቓፂሉን ጉሒሉን እዩ ዝበሉ ድማ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣይተ ዳኒኤል ታምራት እዮም።
ሕዚ እውን እዚ ወልቀ መላኪ ህዝቢ ትግራይ ከየጥፍኤ ኣይድቅስን ካብቲ ዝሓለፈ ሃይማኖት ፣ፆታ፣ዕድመ ከይፈለየ ከም ኩርዳውያን ክንጠፍእ ተዳልዩ ኣሎ ፤ዳግም ካህናት ክሕረዱ፣ኣብያተ እምነት ክቃፀሉን ኣዴታትና ዘይንቡር ክበፅሐንን ፍፁም ክንፈቅድ የብልናን ዝበሉ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ፀላኢ ብሃይማኖት ጉልባብ ገይሩ ከበታትነና ፃዕሪታት እናገበረ እዩ ነዚ ንምፍሻል ከምታ እዋን መከተ በቢብፅሒትና እጃምና ነበርክት ኢሎም።
ሕዚ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን ስጡም ምሕዝነት ተፈጢሩ ኣሎ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት ዕዙዝ ነይሩ ሕዚ እውን ክጉልብት ይግባእ ክብሉ መልእክቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣዋጅ ቑፅሪ366/2018 ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ዘረጋግፅን መከተ ትግራይ ንቅድሚት ዘሰጉምን ብምኳኑ መራሕቲ ሃይማኖት ብሓፈሻ ህዝቢ ክፈልጦ ምግባሩ ወሳናይ እዩ ዝበሉ ድማ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣይተ ሞጎስ ሽፈራው እዮም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ክካየድ ዝቀነየ መድረክ ዘተ ዘበት ንቢሄራዊ ብርሰት ዝብል ህዝባዊ ዋዕላ በቢ ደረጅኡ እናቀፀለ ይርከብ ክብል ድወት ፅብፂቡ።
9 257
ብዝብል መራሒ ሓሳብ፣ መድረኽ መናእሰይ ከተማ ዓዲግራት ፣ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምን ተመዛበልቲ መናእሰይን ይሳለጥ ኣሎ።
ኣባል ፈፃሚት ስርሕን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣቢሄር ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ እቲ መድረኽ መቐፀልታ እቲ ምስ መላእ ህዝብና ኣብቲ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋን መዋፅኦን ንዝትየሉ ዘለና እዩ ኢላን።
ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ተፈረመ ዋላ እኳ እቲ ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ እንተዘይኮነ ዝተረፎ ብሰለማዊ ዘተን ደርድርን ክንምልእ ኣለና ኢልና ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ብምፍፃም ኣፈላላያትና ብሰለማዊ ዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ፃዕሪ ጌርና ኢና ኢላ።
ጀኖሳይዳዊ ኣገዛዝኣ ብልፅግና ግን እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ኣይገበረን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ስምምዕ ብምፍራስ ነቲ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ንምምላእ ኩሎም ዓይነት ምድላዋት ብምግባር ኣብ ልዕሌና ወፍሪ ንምክያድ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ ሓደጋ ኣለና ኢላ።
ሕዚ ዘለናዮ ወቕቲ ደላዪ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን ዓቕምታት ትግራይን ዋጋ እናኸፈሉ ንሰላም ፃዕሪ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ብልፅግና ግን ነቲ ስምምዕ ብምፍራስ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ንምምላእ ኣብ ዝህንደደሉ እዋን ከም ዝርከብ ገሊፀን።
ካብዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ንምውፃእ እንታይ ክንገብር ኣለና ኢልና ክንዝቲ ስለዝግባእ ምስ መላእ ህዝብናን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ንዝቲ ኣለና ዝበላ ኾይነን መናእሰይ ድማ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለኩም ኢላን።
9 257
ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ዝዘነበ ሓያል ዝናብን በረድን ኣብ ሰብን ኣዝርእትን ጉድኣት ኣብፂሑ።
ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ጣብያ ዶክተር ኣታኽልቲ ትማሊ ዕለት14/11/2018ዓ/ም ምሸት ንከባቢ 2ሰዓታት ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብን በረድን ኣብ ሰብን ኣዝርእትን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ቁሸት ተኣሚና ሓደ ኣብ ምሕላው እንስሳት ዝነበረ ንኡስ ብውሕጅ ተወሲዱ ሬስኡ ዝተረኸበ ኮይኑ እቲ ወርሒ ግንቦት ዝተዘርአ ኣዝርእትን ዝነበረ መስኖን ድማ ናብ ሕሩስ ተቐይሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሴሮ ዝወቅዐ ዝናብ ኣብ ኣትክልቲ ከቢድ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ወረዳ ኣሕፈሮም ገሊፁ።
9 257
ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ ምምሕዳር ከተማ ዘበት ንብርሰት,መሬት ሕድሪ ኣይትቁረስን ስድሪ ዝብሉን ካልኦት መበገሲ ሓሳባት ብምሓዝ መድረኽ ዘበት ንብርሰት የሳልጡ ኣለው ።
ነቲ መድርኽ ዝመርሑ ዘለው ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ ህውሓትን ምክትል ከንቲባን ከተማ መቀለ ረዳኢ ገ/እግዚኣብሄር ከምኡ ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምምሕዳር ከተማ መቀለ ኣይተ ኣብርሃ ኣማረ እዮም ኮይኖም መፃኢ ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ክኸውንን ልኣላውነት ተጋሩ ክኽበርን ተመዛበልቲ ወገናት ውን ናብ መረበቶም ክምለሱን ህዝቢ ትግራይ ንፀላእቱ ብሓድነት ክምክትን ሕቶታቱ ዝምለሰሉ እዋን ሐዚ እዩ ክብሉ ይገልፁ።
ህዝቢ ትግራይ ከም ብሄር ክበርስ የብሉን ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተሃቂኑ ዘሎ ሽርሒ ስርዓት ብልፅግና ድማ ከም ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ ግቡኡ ንምፍፃምን መኸትኡ ብምሕያልን ኣንፃር ወፅዓን ባርነት ንምቅላስ ኣብ ጎኒ ወድብን መንግስትን ብሓባር ጠጠው ክብል ይግባእ ክብሉ ይገልፁ።
መሰል ዓርሰ ውሳነን ብሄራዊ ክብሪን ንክረጋገፅ ድማ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ መኸትኡ ኣሕይሉ ልኣለውነቱ ከረጋግፅ ከምዝግባእ ኣብቲ መድርኽ ተገሊፁ።
9 257
ብሄራዊ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብሕብረትን ሓድነትን ስትራተጂክ ዓቕምታት ትግራይ ይረጋገፅ!!
==================
ውልቀ መላኺ ጀኖሳይደር ኣገዛዝኣ ኣብይ ኣሕመድ ከም ህዝቢ ጀኖሳይድ ፈፂሙልና ብዝለዓለ ፅንዓትን ጅግንነትን መኪትና ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እንተተፈረመውን ብሄራዊ ህልውናና ናብ ሓደጋ ኣእትዩ ሰብኣዊ መሰላትናን ድሌታትናን ዓፅዩ ብሰላሕታ ከፅንተና ብኹሉ ዓቅሙ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ተለኣኣኽቱ ኣዋፊሩን ኣኪቡን ተወለድቲ ትግራይ ኣንፃር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከምዝተሰለፉ ኣምሲሉ ንምድንጋር ዝሓሰቦ ድራማ ስለዝፈሸሎ ንምክሕሓስን ብብዕራይ ወለደ ንኹናት ንምልዕዓልን ብኹለን ሚድያታቱ ኣቢሉ ኣንፃር ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሰፊሕ ወፍሪ ፀለመ ከፊቱ ኣሎ። እዚ ዝገብረሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ነቲ ዘይዛዘሞ ጀኖሳይድ ንምዝዛም ሓሲቡ ወታደራዊ ምድላዋቱ ስለዝወገነ ኲናት ንምውላዕ ነገር ይፅሕትር ከምዘሎ ፀሓይ ዝወቕዖ ሕሱር ስልቲ ምዃኑ ግልፂ እዩ።
ሕዚውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ዙር ጀኖሳይድ ንምፍፃም ኩሉ ዓይነት ምድላዋቱ ወጊኑ “ጀምር” ዝብል መምርሒ ንምውራድ ጫፍ በፂሑ ከምዘሎ ግልፂ ኾይኑ ኣሎ። ከምህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ ንዝመፀና ዘሎ ጥፍኣት ኢድናን እግርናን ኣሳሲርና እንፅበየሉ ምኽንያት ስለዘይብልና ኣብ መላእ ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ “ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ዝምርሑ ሰፋሕቲ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓልን ምንቕናቕን መድረኻት ይካየዱ ኣለዉ። ሕዚ እውን ከም ህዝቢ ከይንጠፍእ ዘለና መማረፂ ሕብረትን ሓድነትን ስትራተጂክ ዓቕምታትና ብምጥንኻር ነዚ ጀኖሳይደር ኣገዛዝኣ ብምእላይ ብሄራዊ ህልውናና ምርግጋፅ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ብምእማን መላእ ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና እቲ ቓልሲ ኾይኑ እናወሰነ ኩለ መዳይ ድጋፉ ይገልፅ ኣሎ።
በዙይ መሰረት ከምህዝብን መንግስትን ትግራይ “ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!” ኢልና ናብ ኩለ መዳይ ቃልሲ ብሄራዊ ህላወ ወፊርና ኣለና። ስለዝኾነውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም እትነብር ህዝብናን ፈታዊ ቃልስናን ቃልሲ ብሄራዊ ህላወና ንምዕዋት ኩለ መዳይ ተሳትፎኻን ኣስተዋፅኦኻን ክተሐይል ንፅውዕ። ብተመሳሳሊ ሓደጋ ህልዉና ገጢሙኩም ኣብ ከቢድ ስቓይ መከራን ትነብሩ ዘለኹም ካልኦት ህዝብታትን ተቓለስቲ ሓይልታትን ኢትዮጵያ ምስህዝብን መንግስትን ትግራይ ምሕዝነት ብምጥንኻር ኣንፃር ጀኖሳይደር ስርዓት ብልፅግና ቃልስኹም ክተሐይሉ ንፅውዕ።
ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!!
ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ
14 ሓምለ 2018 ዓም
መቐለ
9 257
ኣብታ ትመፅእ ኲናት ስርዓት ብልፅግና ምስንባቱ ኣይተርፎን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለኹም ተጋሩ እዚ ስርዓት ተመላሊእኩም ከይጠፍእ ተጠንቀቑ።
https://youtu.be/KfQf5ChTOYk
9 257
"ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት!" ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት
ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ኣንፃር ህልውንኡ ዘጋጠምዎ ከበድቲ ፈተናታት ብፅንዓት ተቓሊሱ ብምሕላፍ ብቕብብል ቃልሲ ወሎዶታት ናብዚ መዋእል ዝበፅሐ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኩሎም መስዋእቲ ዝኸፈለሎም ናይ ቃልሲ እዋናት ብሄራዊ ክብሩ፣ ሉእላውነቱን ህልውንኡን ንምዕቃብ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሞ ሓደጋ ህልውና እውን እዚ ናይ ወሎዶታት ትውፊት ዓቂቡ ብምቅላስ ነቲ ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ብፅንዓት ተቓሊሱ ህልውንኡ ዓቂቡ ኣብ ምቕፃል ይርከብ።
እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ሕዚ እውን ሓደግኡ ይዛይድ ኣሎ እምበር ኣይዛረየን። ጀኖሳይደር ውልቀ መላኺ ኣብዪ ኣሕመድ ኩሎም ኣማራፅታት ሰላም፣ ዘተን ድርድርን ብምዕፃው ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ዝሓዞ ትልሚ ንምዕዋት ኩለመዳያዊ ርብርብ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እቲ ዓሚቕ ተሞኩሮ ቃልሲ ዘለዎ ህዝብና ድማ ነዚ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ብምርዳእ ቃልሱ ከጠናኽር ከምዝግባእ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።
መሪሕ ውድቡ ህወሓት ድማ ነቲ ኣብ ህዝብና ዘሎ ህልው ሓደጋ ብምንባብን ካብዚ ሓደጋ ንምውፃእ ዘኽእል ወሳናይ ቃልሲ ተዘይተኻይዱ ዝህልዎ ዝገደደ ሓደጋ ብምርዳእ ምስቲ ወሳናይ ዓቕሚ ቃልስና ኢሉ ዝተኣማመነሉ ህዝብና ኣብ ምዝታይ ይርከብ።
ህዝብና ኣብዞም ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝካየዱ ዘለው መድረኻት ብውዕውዕ መንፈስ ብምስታፍ ነቲ ዝቐረበሉ መበገሲ ምይይጥ ዝበለፀ ብምዕሟቕ ህልውንኡ ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሎ መሰረታዊ ተግባራት ብግልፂ ኣብ ምዝታይ ይርከብ።
ብመስዋእቲ ወሎዶታት ዝተዓቀበ ብሄራዊ መንነትን ክብርን ኣብ መዋእሉ ክሸራረፍ ከምዘይግባእ ብምትእምማን እዚ ብዘላቕነት ዝረጋገፅ ድማ ነቲ ኩሎም ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራፅታት ነፂጉ ብሓይሊ ከፅንተና ዝወፍር ዘሎ ጀኖሳዳዊ ስርዓት ብምምካትን ብምስዓርን ኣብ መቓብሩ ምዃኑ ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ይበፅሕ ኣሎ። እዚ ንምግሃድ ዝውስን ድማ ምጉልባት ውሽጣዊ ዓቕሙ ምዃኑ ብምእማን ሰራዊትና ብሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክን ክጠናኸር ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ከምዝፍፅም ከም ቀደሙ ደጀንን ግንባርን ብምትእስሳር ነዚ ወሳናይ መድረኽ ብዓወት ንምዝዛም ሕራንኡ ይገልፅ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ እውን በዚ ንኹሎም ኣፈላላያት ብሓይሊ ክፈትሕ ዝህንደድ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ተመሳሳሊ ሓደጋ ምስ ዘለዎም ሓይልታት ምሕዝነት ብምፍጣር ዝግበር ቃልሲ ብሙሉእ ልቡ ይድግፎ ኣሎ።
ባንዳን ጃሱስን ኣምሪሩ ዝፅየፍ ህዝብና ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ልኡኽቶ ፀላኢ ሒዙ ዝፍፅሞ ዘሎ ፀሊም ታሪኽ ብምኹናን በዚ ዕሱብ ጉጅለ ዝግበር ናይ ምትላል ወፍርታት ኣምሪሩ ብምቅላስ ዝተታለሉ ደቁ ምዒዱን መኺሩን ኣብዚ ታሪኻዊ ወሳኒ መድረኽ ምስ ህዝቦም ክቃለሱ ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ቃል ይኣቱ ኣሎ።
ብሓፈሻ ህዝብና ነቲ ከም ህዝቢ ገጢምዎ ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋ ዓቕምታቱ ብምጥንኻር ስዒሩ ካብ ምውፃእ ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘይብሉ ኣብ ሙሉእ ምትእምማን ብምብፃሕ ወሳናይ ታርኡ ከምዝዋፃእ የረጋግፅ ኣሎ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝብሎ ካብዚ ህዝቢ ምፍጣርን ነዚ ህዝቢ እዚ ምቅላስን ትዕድልቲ እዩ። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ብሙሉእ ምትእምማን ዝኣትዎ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ድማ ሎሚ እውን ከም ወትሩ ህዝቡ ከይጠለመ መሪሕ እጃሙ ብምውፃእ ነቲ ዘይተርፍ ዓወት ንምቅልጣፍ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክፍፅም ምዃኑ ደጊሙ ቃል ብምእታው እዩ።
ዘበት ንብሄራዊ ብርሰት
ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ መቓብር ጀኖሳይዳዊ ስርዓት ብልፅግና ይረጋገፅ!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!
ትግራይ ትስዕር!
9 257
US Envoy Massad Boulos Holds Talks on Horn of Africa Security - Dedebit Broadcasting Corporation
https://dedebit.org/?p=27173
9 257
Ethiopian Ombudsman Clarifies Role on Freedom of Information Proclamation - Dedebit Broadcasting Corporation
https://dedebit.org/?p=27169
