cookie

ما از کوکی‌ها برای بهبود تجربه مرور شما استفاده می‌کنیم. با کلیک کردن بر روی «پذیرش همه»، شما با استفاده از کوکی‌ها موافقت می‌کنید.

avatar

ገዳማት ኤርትራ ምሕጋዝ እዩ ባህግና

نمایش بیشتر
پست‌های تبلیغاتی
374
مشترکین
اطلاعاتی وجود ندارد24 ساعت
اطلاعاتی وجود ندارد7 روز
اطلاعاتی وجود ندارد30 روز

در حال بارگیری داده...

معدل نمو المشتركين

در حال بارگیری داده...

እንኳዕ ናብ መድሃኔ ዓለም ክብረ በዓል ብሰላም ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ገዳም ናይ ጾም ዓርበዓ ናብ እምነ ክርስቶስ ሰምራ በጺሕካ ምምላስ ንዓርቢ 29 መጋቢት ኮይኑ ንጽባሓይቱ ቀዳም ድማ ናብ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ የውሓንስ ናይ 55 ትውልዲ ቃል ኪዳን ንቅበለሉ ከይሓልፈና ሼር ናብ ኩሉ ንበሎ ንበረከት እዩ።
نمایش همه...
ናይ መወዳእታ ጾም ጎዕዘና ንዓርቢ ናብ ቅድስት ክርስቶስ ሰምራ በጺሕካ ምምላስ ንጽባሕ ቀዳም በጽሕካ ምምላስ 55 ትውልዲ ክምህረልካ ዝተብሃለ ናብ ሸንኮራ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ ክንከይድ ንደሊ ንደውል
نمایش همه...
نمایش همه...
ኒቆዲሞስ #ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፥ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለዝኮነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ።

“ብጥበራ ዘረባ መናገዲ ከይገብሩኹም ተጠንቀቑ !”(2ይ ጴጥ. 2፥ 1-3) ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝተሓንፀት አሐቲ፡ ቅድስት፡ ኣጽናፋዊትን ሓዋርያዊትን እያ። ዋና ተልእኾኣ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም እናሰበኸት ብምእማን ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ወሊዳ ብማየ ገቦ ኣጥሚቓ ሃብተ ውልድና ስመ ክርስትና ኣውሂባ ንሰማያዊ መንግሥቲ ድልዋት ምግባር እዩ። (ማቴ. 28:19-20) እዛ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ዘለዋ፡ እትሰብኮ ቅዱስ ወንጌልን እትፍጽሞ ምሥጢራትን ሓደ ስለዝኾነ ሓንቲን ዘይትኽፈልን እያ። ኵላዊት ስለዝኾነት’ውን ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከቡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ጠርኒፋ ኣብ ምሉእ ዓለም ትርከብ፤ መሥራቲኣን መራሒኣን ንሱ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ዘይኮነቶ፡ እግዚአብሔር ኣቦ ክኾኖ ኣይክእልን እዩ። ነዛ ሓንቲን ኵላዊትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ዝመርሕ፡ ብሓደ በትረ ክህነት ዝሕሉ ሓደ ሲኖዶስ እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “ዘሎቱ ሤመክሙ መንፈስ ቅዱስ ጳጳሳተ ከመ ትርዐዩ ቤተ ክርስቲያኑ ለእግዚአብሔር እንተ አጥረያ በደሙ። / ሕጂ ድማ ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያኑ ክትሕልዉ መንፈስ ቅዱስ ጳጳሳት ገይሩ ሤመኩም።” (ግብ. ሓዋ. 20፥28) ዝበሎ ብመንፈስ ቅዱስ ተሠይሙ እናመርሐ ንዅሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ወፃኢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ኦርቶዶክሳዊ መጓሰ ኣብ ልሙዕ ሻኻ ከውዕል፡ ናብ ዘዕርፈሉ ማይ ክመርሕ ካብ እግዚአብሔር በትረ ክህነት ዝተዋህቦ መንበር ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እዩ። (መዝ. 23፡1) ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደም ክርስቶስ ካብ እትምሥረት ጀሚራ ብዝተፈላለዩ ፈተናታት ኃሊፋን ትኃልፍ ኣላን። ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ቢጽ ሓሳውያን፡ ኣብ ዘመነ ሊቃውንት ዝተፈላለዩ መናፍቓን በብጊዜኡ እናተንሥኡ ፈቲኖማ እዮም። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ናታ ሲኖዶስ ካብ ትምሥርት ኣትኂዛ ብናይ ውሽጥን ደገን ጸላእቲ ነዚ ጽኑዕ መሠረታ ንምድኻም ብዙኅ ፈተናታት ኣኅሊፋን ተኅልፍ ኣላን። እዞም “ሲኖዶስ ዘኤርትራ ወአሐቲ ቤተ ክርስቲያን” ዘይቅበሉ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዕላማኦም ሃይማኖት ምክፍፋል፡ ውሉደ ክህነት ምግጫው፡ ሕዝበ ክርስቲያን ተስፋ ቈሪጹ ተበታቲኑ ንመንጠልቲ ተዃሉ ኣኅሊፍካ ምሃብ እዩ። ኣቐዲሞም ቅዱሳን ሓዋርያት ክገልጹ ከለዉ “ወቦ ባሕቱ ሐሳውያነ ነቢያት ማእከለ ሕዝብ ከመ እለ ሀለዉ ማእከሌክሙ፡ ወውስቴትክሙ እለ ሐሰተ ይሜህሩ፡ ወእለ ካሕደ ያበውኡ ለሕርትምና ወይክሕድዎ ለእግዚኦሙ ዘተሣየጦሙ ወያመጽእዎ ላዕሌሆሙ ፍጡነ ለሙስና ወለተሠርዎ። ወብዙኃን ሰብእ ይተልውዎሙ ለእሉ በእንተ ፍትወተ ዝሙቶሙ ወይፀርፉ ላዕለ ፍኖተ ጽድቅ። ወይትካሐዱ በቃል ዘለሊሆሙ ፈጠሩ ወቦቱ የሐውሩ፡ ወደይኖሙሰ እምፍጥረተ ዓለም ዘኢተዓርፍ ወሕርትምናሆሙ እንተ ኢትዴቅስ። (፪ይ ጴጥ. ፪፥ ፩-፫) / ግናኸ ነቢያት ሓሶት ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ተንሢኦም ነበሩ፣ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ክትንሥኡ እዮም ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ ክሳዕ እቲ ዝተሻየጦም ጐይታ እኳ ክኽሕድዎ እዮም። ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ከእትዉ እዮም። ብዙኃት ድማ ብርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም፤ ብሰሮም ውን እታ መንገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ፤ ብስስዐን ብዘረባ ጥበራን ገይሮም መናገዲ ክገብሩኹም እዮም።” (2ይጴጥ. 2፥ 1-3) ከምኡ’ውን “ወባሕቱ ዘሂ ገበርኩ ወዘሂ እገብር ከመ እክልኦሙ ምክንያተ ከመ ኢይርከቡ እሙንቱሂ በዘይትሜክሑ ከማነ፣ እስመ ሀለዉ ሐሳውያን ገበርተ ዐመፃ እለ ይትሜየኑ ወይትሜሰሉ ሐዋርያተ ክርስቶስ። (፪ይ ቆሮ. ፲፩፥ ፲፪-፲፫) / ካልእ ውን ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ ከማና ኮይኖም ምእንቲ ክርከቡ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም እዩ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ሓዋርያነ ሓሰት፡ ዝጥብሩ፡ ዓየይቲ ርእሶም፡ ሓዋርያት ዘይኮኑ ሓዋርያት ክርስቶስ ኢና ዝብሉ እዮም።” (2ይ ቆሮ 11፥ 12-13) እምበኣር እዞም ክልተ ብርሃናተ ዓለም ዝኾኑ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ጠቒሶምዎ ዘለዉ መርሐ ሃይማኖት እናተመራሕና፣ “መናገዲ ክገብሩኹም እዮም” ዝብል መጠንቀቕታ ብምስትውዓል፣ ኵልና ሊቃውንት፡ መነኮሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኦርቶዶክሳውያን ሓደ ልቢ ኮይና ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጸኒዕና ፣ ንእኡ ጥራይ ብምስማዕ፡ ንሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክንሕሉ ይግባእ። ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና! ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን! https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-27-19-45-59/2019-09-30-12-00-43
نمایش همه...
ወግዓዊት ዌብ ሳይት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - ርእሰ አንቀጽ

The Official Website of Eritrean Orthodox Tewahdo Church

نمایش همه...
መን እዩ እሙን ኣገልጋሊ

نمایش همه...
ጉዕዞና ንግሸን ደብረ ከርቤ ብፍቃድ ኣምላክ#gedam #ኮመትን።