ብዓወታን ብዘደንግጽን ትበኪ ነበረት። እሞ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ከውጽዋ ኢሎም ኢዶም ምስ ስደዱ እታ ሓጥእ ነብሲ መሊሳ ናብ ውሽጢ ብምስጣም እቲ እሳት ንዕኦም ክይተረፈ ከቃጽሎም ምስ ጀመረ ገዲፎማ ሃዲሞም ወጹ እሞ " ከምዚ ኢሎም ድማ ጸለዩ። ጎይታይ እዛ ነብሲ እዚኣ ካብ ሰባ ንልዕሊ እንታይ ሓጥያት ስለ ዝግበረት እያ ከምዚ ኢላ ትሳቐ ዘላ ። ኣነ ድማ ከውጻ ዘይካልኩን ኢሉ ሓተቶ" ጎይታ ድማ እዛ ነብሲ እዚኣ በቲ ዝግበረቶ ሓጢኣት ስለ ዘይተናስሐት ምሕረት ኣይግባኣን እዩ ። ምኽንያቱ ሓደ ሂዋንን ዘስሓተታ ገረብ ስለዝበልዐት ኣባ ሓዊ ድማ ስለዝረገማ ። ኣብ ሲኦል ማዓሙቅ ምንጻፍ ዳይን ክትክወን ስለዝወገዛ እዩ በሎም ። ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ፡ብኸመይ እዩ ረጊምዋ መን ዩ ኸ ኣባ ሓዊ ዝበሃል ኢሉ ንእግዚኣብሔር ኣምላክ ሓተቱዎ ። እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ታሪኽ ናይ ኣባ ሓዊ ክነግረካ ጽን ኢልካ ስምዓኒ በሎ ።
ሽዑ ጎይታ ሓደ ኣባ ሓዊ ዝባሃል ከማካ ብክርስትያናዊ ተጋድሎኡ ዝበቅዐ ብኩሉ ትሩፋታቱ ንዓይ ዘስመረ ብምግባሩ ድማ ደስ ዘበለኒ ንዓይ ንፈጣሪኡን ፥ ንወላዲተይ ቅድስት ድንግል ማርያምን ንኹሎም መላእክትን ቅዱስ ቀደምትን ዘኽብር ቅዱስ ኣቦ እዩነይሩ ። ኣነ ድማ ንኩሉ ቅድስንዑ ስለ ዝራኣኹ ኩሉ ስለጣነይን በርኸተይን በዘይካ ምፍጣር ገዲፈ ካልእ ኩሉ ሂብዮ ነበርኩ እሞ ፡እንተኾነ ግን እዚ ርጉም ዲያብሎስ ኣብ ገዳሙ እታ ንኣዳምን ሄዋንን ዘሓተት ገርብ ዘሪኡሉ ከደ ። እንተኮነ ግን ፥ ኣባ ሓዊ መስትውዓሊ ስለዝነበረ ነዛ ገርብ ምስ ራኣያ ንኣርድእቱ ነገሮም እሞ ከይበልዕዋ ካብ ፍሪኣ ከይጥቀሙ ካብ ቆጽላ ይኹን ካብጉንዳ ካብ ሱራ ከም ዘይተድልዮም ነገሮም ። ጻድቅ ኣባ ሓዊ ቅዱስ ኣቦ ስለ ዝነበረ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ስጋብ ሰኑይ ንግሆ ምስ ቅዱሳን መላእክት ኣብ መንበር ዙርያይ ይዓጥን ስለዝንበረ ካብ ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ድማ ምስጢራት ንደቁ (ኣርድእቱ) ይነግሮም የርድኦምን ነብረ ። እሞ ሕጊ ገዳም ኣኽቢሮም ብቅድስና ይኸዱ ስለ ዝነብሩ ፥ ንሰናይ ግብሪ ጸላኢ ዝኾነ ሰይጣን ድማ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ናብ ሰማይ ምስ ቅዱሳን መላእክት ንኣገልግሎት ምስ መጸ ፥ ድያብሎስ ድማ ንኣባ ሓዊ ተመሲሉ ናብ ገዳሞም ብምኻድ ቆቢዕ ምንኩስና ገይሩ ኣብቲ ንሰማይ ዝኸዱሉ ግዜ ወሪዱ ንኩሎም ሞኖኮሳት ኣከቦም እሞ ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ኣቦና እንታይ ዳኣ ኣብ ዘይግዜኹም መጺእኩም ምስ በልዎም ፥ ድያብሎስ ድማ ኣቦ ሓሶት ስለ ዝኾነ ከምዚ በሎም።
እግዚአብኄር ምስጢር ናይዛ ገረብ ኪድ ንገሮም ኢሉኒ ኢሉ መለሰሎም ። እቶም መነኮሳት ድማ ነታ ገርብ ጠሚቶማ ኣይፈልጡን ነብሩ እሞ ናባኣ እንዳ ጠመቱ "እንታይ ዳኣ ኢልኩም ብልዎም " ድያብሎስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም ። ንኹሉ ጽንዓትኩም ስለ ዝረኣየ ኣምላኽ ብልዑዋ ኢልኩም እዩ ። እዚ ኩሉ ዘበን ዝሓለኹማ የኣኽለኩም በሎም እሞ ንሶም ድማ ምስ አትውዋ ፈትወዋ እሞ ፥ ገሊኦም ቆጽላ ጀፊዖም ኣብ ኣፎም ገብርዋ ፥ገሊኦም ቆጽላ ኣንቂጾም ጠቅሊሎም ስሓብዋ ፥ ገሊኦም ድማ ቆሊዮም ሰተዩዋ ። እሞ ኣዝያ ወልፊ ኣትሓዘቶም እሞ ተተማላሊሶም ከም ዝጥቀሙላን ፥ ሰትዮማን ፥ ሓይኾማን ከምዘይዓግቡ ኮኑ ። ምምናው ሰኣኑዋ ። ነቲ ገዳም ድማ ፈጺሞም ኣርከስዎ ። ኣባ ሓዊ ድማ ኣባ ሰማይ ኮይኖም ብመንፈስ ተመልከቱ እሞ ኣዝዩ ገረሞም ። ናብ ገዳሞም ክወርዱ እንተ ደለዩ ድማ ሰዓት ኣይኣኸለን ነበረ እሞ ፥ ክወርዱ ምስ ረኣዮም ድማ ሰይጣን ከም ፡ ትኪ ተበቲኑ ካብቲ ገዳም ሃደመ ። ምስ መጹ ድማ ንኩሎም ኣከብዎም እሞ ንምንታይ ትእዛዝ ናምላኽን ስርዓት ገዳምን ኣፍሪስኩም ምስ ብልዎም ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ባዕልኩም ምሽ ብልዕዋ ኢልኩምና በልዎም ። ሕጂ ድማ ከምዚ ንምንታይ ንስኩም ክልተ ቃል ትዛረቡ በልዎም እሞ ፥ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ድማ ኣነ ኣይመጻእኩን፡ ። በሉ እዞም ደቀይ ኣነ እንተ ኮይነስ እዛ መስቀለይ ከ ኣብ ኢደይ ነይራ ዶ ምስ በልዎም ። ፡ገሊኦም እንዲዒ ነይራ ትኸውን በሉ ፡ገሊኦም ድማ ኣይነበረትን በልዎም እሞ ፡ ጻድቅ ኣባ ሓዊ ድማ በሉ ግደፍዎ እዞም ደቀይ ንሓስ እተዉ፡ሰይጣን እዩ ንዓይ ተመሲሉ ኣውዲቅኩም ምስ በልዎም ፥ እቶም መነኮሳት ድማ ንሕናስ ጥዒማትና ኣላ ኣይንገድፋን ኢና በልዎም ። ገሊኦም ድማ ሕራይ ኣቦ ንገድፋ ኢሎም ንስሓ ኣትዮም ተመልሱ ። ነቶም ብንስሓ ዘይተመልሱ ድማ በቲ እግዚአብኄር ዝሃበኒ ስልጣን ንዘልዓለም ዉጉዝዛት ይኹኑ ነዛ ዘይትብላዕ ገረብ ዝበልዑ መንጸፍ ድይን ይኹኑ ኢሎም ረገምዎም እሞ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብስልጣነይ ሚሒለ ስለ ዝሃብክዎ ቃል ብኪዳነይ ኣጽናዕክዎ ፡ ብምባል እግዚአብኄር ንጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ነገሮም ።
ሰይጣን ድማ ነዚኣ ምስ ሰምዐ """ ናብ ብዘላ ዓለም ወሲዱ ዝርኣ ""
ኢሉ ታሪክ ምስ ንገሮም ፡ ጻድቅ ኣቡነ ዘርኣብሩክ ድማ ብሃንቀውታ ይሰምዑ ስለዝነብሩ በል ቅዱስ ፍቃድካ እንተኾይኑ ኣብ ምሬት ከልዉ ብንስሓ ክምለሱ ፍቀደሎም እንዳ በሉ በኸዩ እሞ ከም ቃልካ ይኹነልካ በሎም ። ፡እግዚአብኄር ኣምላኽ ድማ ስለ እቲ ዘይወዳእ ምሕረቱ ኣመስገንዎ። ኣቡነ ዘርኣብሩክ እዚ ኩሉ ቃል ኪዳን ተሃዊሂቦም 13 ጥሪ ኣብ መብል 482 ዓምቶም ካብዛ ድኻምን ኮለልን ዝብዝሓ ዓለም ናብ ዘልኣለም ዕረፍትን ሓጎስ ዘላታ ስፍራ ቅዱሳን ከዕርፉ ፥ ነብሶም ካብ ስግኦም ተፍልያ ዓረፉ። እዚ ዕለት እዚ ኩቡር ዕለተ ልደቶም ድማዩ ። እግዚአብሔር ኣምላክ ድማ ክሳብ 101 ትውልዲ ክምሕረልካ እየ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም ። ቅዱስ ኣቦና ካብ ሰማይ ዝመጸ መስቀሎም ስለዝተዋህቦም ቡኡገይሮም ዝተባረኸ ህጻን ንክህነት ከም ዝበቅዕ እውን ይንገር ዩ ። ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ገዳም ኣይኣትዋን እየን ። ናብቲ መቓብሮም ከይደን ከም ዝሳለማ እሞ ዘለወን ሽግር ከም ዝፍትሓለን ገድሎም 13 ጥሪ ይነግረና ።
ስለዚ ዝኸበርኩም ኣዕይቲ እግዚአብኄር ኣቦታት ካህናት ፥ ላእካነ ምስጢር ኣሕዋት ዲያቆናት ፥ ክቡራት ኣቦታት ኣዴታት ኣሕዋት ኣሓትን ናይ ክርቶስ ቤተ ሰብ ኩሉኹም ብሓበራ ፥ ትንባኾ ፥ ሽጋራ፡ ቡን ፥ ሓሽሽ ፥ ጫት ክንድዚ ዝኣክል ፍርዲ ከም ዘለዋ ክንፈልጥ ይግባእ። ቅዱሳን ኣቦታትና እወን ሽጋራ ዝስሕብ ትንባኾ ዝሰፍፍ ኩሎም እዚኣቶም ንቤት ክርስትያን ክኣትዉ ኣይፍቅድሎምን እዮም ዝብሉና ፡ ንስሓ ከይኣተውን ስግኡን ደሙን ናይ መድሃኔኣለም ከይተኻፈሉን እንተ ሞቱ እውን 40 እመት ካብ መቃብር ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ርሒቖም ቤት ክርስትያንን ከም ዝቅበሩ እዮም ዝነግሩና ። ዲያብሎስ ማዕረ ክንድዚ ፍርዲ ከምዘዋ ፍሊጡ ድማ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ገዛ ኣእትይዋ ኣሎ እሞ ፡ካብዚ ፍርዲ እዚ መታን ክንድሕን ብንስሓ ታሓጺብና ክንገድፎን ክንሰብከሉን ክነረዳኣሉን ይግብኣና እዩ ።
ከምዚ ክንገብር ድማ እግዚአብኄር ኣምላኽ ብምሕረቱ ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፥ ጸሎቶም ናይ ጻድቃን ኣባ ሓውን ኣቡነ ዘርኣብሩክን ብቃል ኪዳኖም ፥ ቅዱሳን መላእክት በረዲኤቶም ይደግፉና ኣሜን።
ኣብ ኣማናዊትን ኣናጽናፋዊት ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እምነትና ጽኒዕና ንምንባር የብቃዓና ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ።
ስብሃት ለእግዚአብኄር ልዑል
ወለ ወላዲቱ ድንግል ማርያም
ወለ መስቀሉ ክቡር ወኃያል
ኣሜን ኣሜን ኣሜን።