Tigray Regional Health Bureau
前往频道在 Telegram
Official Telegram Channel of Tigray Health Bureau. Get instant health related news, events, announcements, vacancies and more...
显示更多583
订阅者
无数据24 小时
-17 天
-430 天
帖子存档
መልእኽቲ ጥዕና!
ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ ፀባ ጡብ ኣዶ ጥራሕ ክምገቡ ይግባእ።
ስርዓት ኣመጋግባ ዕድመኦም ትሕቲ 6 ወርሒ ዝኾኑ ህፃውንቲ
👉 ህፃን ምስተወለደ ሽዑ ንሽዑ (ዋላ ቅድሚ መዳሕንቲ ምውፅኡ) ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ልግዐ ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ።
👉 ልግዐ ብሰብ ስራሕ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ንጥረ ነገር ዘለዎ ብምዃኑ፤ ንህፃን ልግዐ ምጥባዉ ዘይትካእ ተፈጥራዊ ክታበት ክረክብ የኽእሎ፣ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት የጎልብት፣ ከብዱ ይልስልስ ፣ ፍታኑ ብቐሊሉ ክወፀሉ ይገብር፣
👉 እታ ኣዶ ልግዐ ንቲ ህፃን ኣብ እተጥበሉ እዋን ፀባ ጡብ ቀልጢፉ ይወፅእ፣ መዳሕንቲ ተሎ ንክወፅእን ናይ ማህፀን መድመይቲ ንከይህሉን ይሕግዛ።
👉 ህፃን ክሳብ ሽዱሽተ(6) ወርሒ ዕድመ ዝመልኦ ፀባ ጡብ ጥራይ ክምገብ ኣለዎ። ዋላ ማይ ይኹን ክወሃብ የብሉን።
👉ብበዓል ሞያ ጥዕና እንተዘይተኣዚዙ ዝኾነ መድሓኒት ኽወስድ የቡሉን።
👉 ህፃን ጡብ ኣብ ዝደለየሉ ግዘ ክጠቡ ይግባእ። (በቢ ክልተ(2) ሰዓት ኣፈላላይ) ኣብ መዓልቲ ማለት እዉን ቀትርን ለይትን ሓዊሱ ካብ 10 ክሳብ 12 ግዜ ክጠቡ ይግባእ።
👉 ኣብ ዝጠቦሉ ግዜ ሓደ ጡብ ተፀንቂቑ ክሳብ ዝውዳእ ምሃብ፣ ምኽንያቱ ኣብ መጀመርታ ምጥባዉ ዝረኽቦ ቀጢን ፀባ ንማይ ፃምእ ዘርዊ ብምዃኑ ደድሕሪኡ ዝረኽቦ ፀባ ግና ሓፊስን ብንጥረ ነገር ዝማዕበለን ብምዃኑ ንምግብነት ዘገልግል እዩ። እዚ ብምግባር ህፃን ጥዕንኡ ዝተሓለወን ስሉጥ ኣካላዊ ዕቤት ክህልዎን የኽእሎ።
👉 ጡብ ኣብ እነጥብወሉ እዋን ድማ ነቲ ህፃን ብትኽክል ምሑቛፍናን ነቲ ጡብ ብዝግባእ ሙሉእ ብሙሉእ ምኹላሱ ነረጋግፅ።እዚ ብምርግጋፅና ዉላድና እኹል ፀባ ጡብ ክረክብ ይሕግዞ/ዛ።ነታ ኣደ እዉን ቃንዛ ይቕንሰላ።
ጥቡቅ መዘኻኸሪ
👉 ዉላድና እንተሓሚሙ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ብተደጋጋሚ እናጥበዉና ናብ ሕክምና ምውሳድን
👉 ኣዴታት ሕፅረት ምግቢ ኣብ ዘለሉ እዋን ብዝኸኣለኦ ምግቢ እናተመገባ ንደቀን ምጡባብ ከቋርፃ የብለንን
👉 ኣዴታት ጡበይ ፀባ የቡሉን ወይ ድማ ኣቡይኒ ፀባ ምዉፃእ ኢለን ጠጠዉ ከብላ ኣይግባእን፣
🌼ፀባ ጡብ ኣዶ ብምግቢ ክትካእ ዘይኽእል ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝከላኸልን ህፃናት ዝተስተኻኸለ ዕቤት ህፃን ክህልዎም ዝገብር እዩ።
ብምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዝተዳለወ
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
+7
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ንነበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ናይ ምፍናው ስርዓት ተሳሊጡ።
28 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ምፍናው ስርዓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ጥዕና፣ኣመራርሓ ኣብ ጥዕና ዝነጥፉ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ኣብ ገበርቲ ሰናያት ዝሰርሑ ሰብ ሞያን ዝተዳለወ ሽልማትን መዘከርታ ህያብን ብኢድ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ተወከልቲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዶ/ር በላይ ተስፋሁነይን ንዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ተበርኪቱ።
ደ/ር ኣማኑኤል ንዝነበሮም ፃንሒት 4 ዓመት ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ብዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ዶ/ር በላይ ተስፋሁን ቀሪቡ።
ዶ/ር ኣማኑኤል ብወገኖም ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስርዓት ኣመስጊኖም።
ስራሕቲ ጥዕና ትግራይ ተጠናኺሩ ክኸድን ካብዘለዎ ፀገም መሊኡ ክወፅእ ኣብ መሓውር ጥዕና ዘሎ ኩሉ በዓልሞያ ኣብ ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሑ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ከምቲ ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፍ ሐዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮሞ ክኸዱን ኣብ ጎኒ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮይኖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑን ፀዊዖም።
ብወገኖም ካብኦም ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልውነቶም ገሊፆም።
ነቲ ሓዱሽ አመራርሓ ምስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትን ምዝሕሓል ደገፍ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝኸበደ ሓላፍነት ከምዝፅበዮ ተረዲኡ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን ዓቕምታቱ ብምውዳብን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብምልባው ሰናይ ስራሕ ዘመን ክኾን ተመንዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
+9
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ንነበር ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ናይ ምፍናው ስርዓት ተሳሊጡ።
28 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ምፍናው ስርዓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቢሮ ጥዕና፣ኣመራርሓ ኣብ ጥዕና ዝነጥፉ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን መድረግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ኣብ ገበርቲ ሰናያት ዝሰርሑ ሰብ ሞያን ዝተዳለወ ሽልማትን መዘከርታ ህያብን ብኢድ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ተወከልቲ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዶ/ር በላይ ተስፋሁነይን ንዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ተበርኪቱ።
ደ/ር ኣማኑኤል ንዝነበሮም ፃንሒት 4 ዓመት ኣብ ቢሮ ጥዕና ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ብዶ/ር ፀጋይ በሪሁን ዶ/ር በላይ ተስፋሁን ቀሪቡ።
ዶ/ር ኣማኑኤል ብወገኖም ብሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተገበረሎም ናይ ምፍናው ስርዓት ኣመስጊኖም።
ስራሕቲ ጥዕና ትግራይ ተጠናኺሩ ክኸድን ካብዘለዎ ፀገም መሊኡ ክወፅእ ኣብ መሓውር ጥዕና ዘሎ ኩሉ በዓልሞያ ኣብ ገበርቲ ሰናይ ዝሰርሑ ዓለምለኸን ሃገራውን ክልላውን ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ከምቲ ኣፍቲ ቁርፂ እዋን ዝገብርዎ ዝነበሩ ደገፍ ሐዚ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮሞ ክኸዱን ኣብ ጎኒ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኮይኖም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑን ፀዊዖም።
ብወገኖም ካብኦም ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልውነቶም ገሊፆም።
ነቲ ሓዱሽ አመራርሓ ምስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታትን ምዝሕሓል ደገፍ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝኸበደ ሓላፍነት ከምዝፅበዮ ተረዲኡ ምስ ኩሉ ብምትሕብባርን ዓቕምታቱ ብምውዳብን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ብምልባው ሰናይ ስራሕ ዘመን ክኾን ተመንዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
28 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
+9
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣብ ክላስተር ኒቱሪሽን ምስ ዝሰርሑ መድረግቲ ትካላት 27 ግንቦት 2018 ዓ/ም ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ኣሳሊጡ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ፀጋይ በሪሁ ኣፍቲ መድረኽ ምኽክር ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እቲ መድረኽ ሓባራዊ ስራሕቲ ናይ ምፍላጥ ፣መድርግቲ ኣካላት ንዝሰርሕዎ ስራሕቲ ንምምስጋንን ቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘለና ተበግሶ ንምግላፅ ዝዓለመ እዩ።
ገበርቲ ሰናይ ትካላት ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኣወዳድባ ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ሓይሊ ሰብ፣ፋይናንሻልን ብዓይነትን ዝገብርዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ድማ ፀዊዖም።
ዶ/ር ፀጋይ ዝመፅእ ሓገዝ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ስርዓት ቁፅፅርን ተሓታትነትን ዘጠናኽር ደገፍን ክትትልን ክግበር ይግባእ ኢሎም።
ስራሕ ኒትሩሽን ክቕፅል ስለዘለዎ እቲ ዝነበረ ተሳትፎ ተጠናኺሩ ክኸድ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ካብኡ ዝግበር ትፅቢት ንምፍፃም ድልው ምዃኑ ብምፍላጥ ሓቢሮም ክሰርሑ ፀዊዖም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
27 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
+9
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብመሰረት ሓዱሽ ሽመት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ነባርን ሓዱሽን ሓለፍቲ ርኽክብ ስራሕ ኣሳሊጡ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
26 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
መልእኽቲ ጥዕና!
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ምጥቃም
ካብ ብዙሓት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይከላኸል።
👉 ዝተመሓየሸ ሽቓቕ እንትበሃል ፅሩይን ተሓፂቡ ክፀሪ ዝኽእልን፣ ሃመማን ካልኦት እንስሳት ብቐሊሉ ከይኣትዉን ከይወፁእን ዝገብር ግጡም መኽደን ዘለዎ ኮይኑ፣ ከባቢ ዘይብክልን ናይ ወዲ ሰብ ክብርን ነፃነትን ብዘረጋግፅ መንገዲ ዝተሰርሐን ማለት እዩ፡፡
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ እንትበሃል ሰባት ኣብ ዝደለይሉ እዋን ኽጥቀምሉ ዝኽእሉ ናይ ድሕንነት ፀገም ዘይብሉ ፅኑዕ ኽፈርስ ዘይኽእል እንትኸዉን እዩ።
ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ክንብል ከለና ምስ ፍታን ክህሉ ዝኽእል ምንኽኻእ ንምዉጋድ ዝሕግዝ ኢድ መሕፀቢ ምስ ሳሙና እንትህልዎ እዩ ።
እዙይ ድማ ልክዕ ሽቓቕ ምስ ተጠቐምና ኢድና ብሳሙና ብምዕፋር ተሓፂብና ታህዋስ መምፃእቲ ሕማማት ንምዉጋድ የኽእል።
👉 ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ከይዲ ኣጠቓቕማ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ
✅ ንስድራ እኹል ዝኾነ፣ ዝተኸለለ፣ ዝሕፀብ፣ ማይ ቐረብ ዘለዎ ሰሪሕኻ ብኣግባቡ ምጥቓም
✅ ኩሉ ግዜ ኣብ ሽቓቕ ብምጥቃም ከባቢናን መንበሪ ገዛናን ካብ ሃመማን ርስሓትን ነፃ ምግባር፡፡
✅ ህፃውንቲ ካብ ሽቓቕ ወፃኢ ኣብ ደገ እንትፍትኑ ፀሪግና ናብ ሽቓቕ ምውጋድ።
✅ ድሕሪ ሽቓቕ መልሲ ኩሉ ግዜ ኢድና ብዝግባእ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ
✅ ከባቢና ምስ ኣፅረና ኩሉ ግዜ ኢድና ብማይን ሳሙናን ብዝግባእ ንተሓፀብ፡፡
ጥቕሚ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ
🥇 ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ማለት እዉን፣ ካብ ሕማም ኮሌራ፣ ኣሜባ፣ ጃርዲያ፣ ታይፎይድ፣ ፖሊዮ፣ ብልሃርዝያ፣ ትራኮማን ኒሞንያን ዝኣመሰሉ ልዕሊ 15 ዓይነት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምክልኻል ይከኣል ።
🥈ፅሩይ ኸባቢ ንምንባሩ ምዕሩይ፣ ንኣጠቓቕሙ ምዕሩይ ብምዃኑ ብናፅነት ክንጥቀምን ካብ ዘይተደለየ ምዕቃብን ቃንዛን ንቕንስ። በዚ ስዒቦም ዝመፁ ዝነበሩ ሕማማት ምክልኻል ንኽእል ።
🥉ናብ ሕክምና ኸይድና ነዉፀኦ ወፃኢ ነትርፍ፣ ንሞት ተቓላዓይነት ንቕንስ፣ ሓሚምና ነሕልፎ ቓንዛ ነዉግድ፣ ኣብ ሕክምና ነሕልፎ ግዜ ናይ ባዕልና ክንክን ዝገብሩ ስድራን ናብ ግዜ መፍረያይነት ይድመር፣
ብሕማም ካብ ትምህርቲ ምትራፍ ምቕናስ ንኽእል ።
💡 ብሓፈሻ ዝተመሓየሸ ሽቓቕ ምህላዉ ክብሩን፣ ጥዕንኡን ዝተሓለወ ሕጉስ ስድራ ክህልወና ይሕግዝ።
ብከይደዲ ስራሕ ምስጓም ጥዕናን ምክልኻል ሕማማትን ዝተዳለወ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
21 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
ብሰንኪ ምትካኽ ትምባኾን ኒኮቲንን ዝስዕብ ፀገም ጥዕና፣ ፀገም ቁጠባን ማሕበራዊ ተነፅሎን ንምውጋድ ግደ ሚድያታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ሕብረተሰብን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ዝለዓለ ብምዃኑ ትኹረት ተዋሂቡ ክስረሐሉ ፃውዒት ቀሪቡ።
እዚ ፃውዒት ዝቐረበ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ 23 ግንቦት ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ዘይምትካኽ ሽጋራ ምኽንያት ብምግባር 21 ግንቦት 2018 ዓ/ም ንማድያታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
ንሚድያታት መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ነጋሲ ተ/ሃይማኖት ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ለኸ-መዓልቲ ዘይምትካኽ ትምባኾ "ንወልፊ ትንባኾን ኒኮቲንን ዘቃልዑ ስልትታት ኢንዱስትሪ ነጋልፅ "ብዝብል ቴማ ከምዝበዓል ገሊፆም።
ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ብብርኪ ዓለም ቀዳማይ ብርኪ ሰሓብቲ 8 ሚልዮን በቢዓመቱ ዝሞቱ ኾይኖም ካልኣይ ብርኪ ሰሓብቲ ድማ 1ሚልዮን ከምዝሞቱን ተሓቢሩ።
ምትካኽ ሽጋራ ዝኸፈአ ፀገም ጥዕና ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ማሕበራዊ ተነፅሎን ቁጠባዊ ፅዕንቶን ከምዝስዕብን ነዚ ኩሉ ብምግንዛብ ግዳያት ካፍቲ ፀገም ክወፁን ካልኦት ሓደሽቲ ከይኣትዉን ትካላት ሚድያ፣መንግስታውን ዘይ መንግስታውን ትካላን ሃይማኖት ትካላትን ሓላፍነተን ክዋፀኣ ኣይተ ነጋሲ ፀዊዖም።
ትግራይ ቅድሚ እቲ ጆነሳይዳዊ ኲናት ሽጋራ ዘይትከኸላ ተባሂላ መርኣያ ምንባራን ዝሓበሩ ኣይተ ነጋሲ ድሕሪ ኲናት ግና ኣብ ምኽባር ሕግን ተገዳስነት ማሕበረሰብን ዓለምለኸ ንግዲ ኲናት ብዝፈጠሮ ፅዕንቶ ንድሕሪት ምምላስ ከምዘሎን ናብ ዝነበርናዮ ንምምላስ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድልን ሓቢሮም።
ኣብ ክልልና ዘሎ ሕዛዊ ተጠቃምነት ትምባኾን ይኹን ኣብ ጥዕናን ቁጠባን ዘብፅሖ ጉድኣትን ፈሊጥካ መፍትሕታት ንምንፃር ግደ ተመራመርቲ ዝለዓለ ብምዃኑ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ብትኹረት ክሰርሑሉ ኣይተ ነጋሲ ፀዊዕም።
ኣብ መወዳእታ ሰብ-ሞያ ቁፅፅር ጥዕና ፣ ሕብረተ-ሰብ፣ ሰብ ሞያ ሕግን ኣካላት ፀጥታን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝኣቱ ትምባኾ ኣብ ምቁፅፃር ይኹን ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ዘይፍቀዶም ከባቢታት ከይትከኽ፣ብዘይ ፍቓድ ከየከፋፍልን ተዋዲዶም ክሰርሑን ኣይተ ነጋሲ ተላብዮም።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
21 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት!
"20 ጉንበት እምነ ኩርናዕ ምውሓስ ልኣላውነትና!"
ኣብ ስርዓት ጥዕናና ዓሲልኩም ኩሎም ፀገማት ተፃዊርኩም ህዝብኹም ኣብ ምግልጋል ትርከቡ መላእ ሰራሕተኛታት ቢሮ ጥዕና ትግራይን መዘና ኣልቦ ለባምን ጀግናን ህዝቢ ትግራይን፣እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ዝኽበር በዓል ዓወት 20 ግንቦት 2018 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐና ኣብፀሓኩም።
"20 ጉንበት እምነ ኩርናዕ ምውሓስ ልኣላውነትና!" ብዝብል ቴማ ሎሚ ዓመት እንትነኽብር ብሰንኪ ጅነሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት ጥዕናና ናብ ንቡር መሊስና ፃምእ ግልጋሎት ጥዕና ህዝብና ንምርዋይ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ብፅንዓትን ተፃዋርነትን ተዋዲድና ብምስራሕ ከምእነዐውቶም ኣይንጠራጠርን።
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከቡ መላእ ህዝብናን መሓዙት ልምዓትናን እንኳዕ ንዝኽሪ በዓል 20 ጉንበት 2018 ዓ.ም ብሰላም ኣብ ፀሐኩም እናበልና ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ስርዓት ጥዕናና ብዕውት መንገዲ ንኽሳኻዕ እቲ ልሙድ ሓገዝኩምን ተሳትፎኹምን ተጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒትና ነቕርብ።
20 ጉንበት እምነ ኩርናዕ ምውሓስ ልኣላውነትና!
20 ጉንበት 2018 ዓ/ም
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
መልእኽቲ ጥዕና!
ዉሑስ ማይን ምግብን ብምጥቃም ሕማም ኮሌራ ንከላኸል!
ኮሌራ ካብ ዓሌት ቪብሮ ዝበሃል ባክተርያ ዝመፅእ ሕማም ኮይኑ ምስ ፍታንን ተምላስ ንኽክእ ኣብ ዝህልወናን ናይ ምምሕላፍ ተኽእልኡ ዝለዓለ ይኸዉን።
እዙይ ማለት ድማ ብባክርተርያ ዝተበከለ ማይ ብምስታይን ዝተበከለ ምግቢ ብምምጋብን ብኣፍ ኣቢሉ ናብ ሰውነትና ብምእታዉ ይመሓላለፍ።
ቀንዲ መመሓላለፊ ቀጥታ ንኽክእ ምስ ፍታንን ተምላስን፣ ሽቓቕ ተጠቒምና ኢድና ብዘይምሕፃብ እዮም።
ካሊእ ሰፊሑ መተሓላለፊ መንገዲ ድማ ሽቓቕ ኣብ ዘይብሉ ኸባቢ ሰባት ኣብ ደገ እንትፍትኑ፣ እቲ ፍታን ብዉሕጅ ተሓፂቡ ናብ ሩባታትን መኸለሊ ዘይብሎም ዒላታትን ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ብባክተርያ ኮሌራን ካልኦት ሕማማት ይብከል፡፡
ካብ ወሓዝትን ተቓላዓነት ዘለዎም ዒላን ፍልፍል ማያት ከይሓከምናን ከየፍላሕናን ምጥቃም ንሕማም ኮሌራን ካልኦት ማይ ወለድ ሕማማትን ንቃላዕ።
ነዙይ ኣዕርዮም መቃላዕቲ ኩነታትዝኾኑ ዘለው፦
> ዓይነምድርን ኢድ መሕፀቢ ዘይብሉ ጣብያታትን ወረዳታትን፣ > ማይ ሓኪምካ ወይ ኣፍሊሕኻ ናይ ምጥቃም ልምዲ ኣብ ዘይብሉ ኢሉ እውን ኣይሓልፈናን ወይ እውን ሕማም የቡሉን ኢልካ ብምግማት ዕሽሽ ምባል እዮም ።
ወርቀኛታትን ንሕርሻ ካብ ገዝኦም ዝወፈሩ ምስ ዝተበከለ ማይ ንነዊሕ ሰዓት ተደጋጋሚ ምንኸካኣትን ምእላኸን ብምህላው፣ ብዓብይኡ ድማ ከይሓከምካ ማይ ፍሒርካ ምስታይ ኣብ ዝህልወሉ ንተቐላዕነት ሕማም ኾሌራ ልዑል እዩ።
ሜላ መከላኸሊ ሕማም ኮሌራ
👉 ንመስተ፣ ምግብን መሕፀቢ ኣቑሕትን ንጥቀመሉ ማይ ብመሐከሚ ማይ ኬሚካል ሓኪምካ ምጥቓም የድሊ።
👉ኹሉ ግዜ መሐከሚ ማይ ሒዝካ ምዉፋር ።
👉 ኩሉ ግዜ ኣብ ዝተመሓየሸ ሽቓቅ ምጥቓም።
👉ኣሕምልትን ፍራምረን ሓፂብካ ምጥቓምን ዝበስሉ ምግብታት ድማ ሽዑ ንሽዑ ብትኩሱ ምምጋብን።
👉 ኢድና ኣብ ወሰንቲ እዋን ምሕፃብ ማለት እውን፦
1. ቅድሚ ምድላው ምግብን ምምጋብን
2. ድሕሪ ሽቃቕ ምጥቃም
3. ቅድሚ ንህፃውንቲ ጡብ ምጥባውን ምግቢ ምሃብናን
4. ድሕሪ ህፃውንቲ ምፅርራይና
5. ድሕሪ ዝኾነ ይኹን ደረቕ ጎሓፍን ፈሳሲ ርስሓትን ምውጋድ/ምእላይ
6. ድሕሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተትሓዘ ሰብ ምንኽኻእና ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ።
👉 ማይን ጨዉን ሒዝካ ምዉፋር/ንምግብነት ንጥቀመሉ ዘይኮነስ ምልክታት ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝርኣየና እዋን በፅቢፅና እናወሰድና ናብ ጥዕና ትካል ምምፃእ ይሕግዘና ብሂወት ንምትራፍ ይሕግዘና
ምልክታት ሕማም ኮሌራ
👉ምልክታት ሕማም ኮሌራ ብመጀመርያ ኣፃዳፊ ዉፅኣትን ተምላስ እዩ። ኣብ ሰውነትና ዘሎ ፈሳሲ ኣብ ሓፂር ሰዓታት ብውፅኣትን ተምላስን ክወፅእ ብምግባር ኣከላትና ንፅምኢ ፈሳሲ ብምቅላዕ ኣብ ሓፂር ግዜ ንሞት ዘቃልዕ ሕማም እዩ፡፡
👉 እዚ ምልክታት ዘርአየ ሰብ ብቕልጡፍ ነቲ ብተምላስን ዉፅኣትን ዝወፅእ ዘሎ ተካኢ ፈሳሲ እናወሰደ ናብ ጥዕና ትካል ክኸይድ ኣለዎ።
✅ልቢ ይበሉ!!
ብሕማም ኮሌራ ዝተተሓዘ ሰብ ኣብ ሰውነቱ ዘሎ ፈሳሲ ስለ ዝውዳእ፤ ነዙይ ዝትክእ ሽዑ ንሽዑ ጨው እንግሊዝ (ORS) እዙይ እንድሕር ዘየለ ድማ ብባዕልና 6 ናይ ሻሂ ማንካ ሽኮር ፍርቂ ናይ ሻሂ ማንካ ጨው ኣብ ሓደ ሊትሮ ፅሬቱ ዝተሓለወ ማይ ብምብፅባፅ እናሰተየ ብቅልጡፍ ናብ ቀረባ ዘሎ ትካል ጥዕና ክኸይድ ኣለዎ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
15 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
እዋናዊ መልእኽቲ ጥዕና!
ወርሓዊ ክትትል ዕቤት ህፃናት ምክያድ
ተቓላዓይነት ንትሑት ክብደት፣ ዕብራን፥ ድኽዳኸን ተደጋጋሚ ሕማምን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ይሕግዝ።
ህፃናት ክሳብ 2 ዓመት ቑልጡፍ ኣእሙራኣውን ኣካላውን ዕቤት ሰለ ዘካይዱ ጥቡቕ ወርሓዊ ኽትትል ኣመጋግባ ብምግባር ዘድሊ ኣመጋግባ ንምምላእ ይሕግዝ።
ጥቕሚ ወርሓዊ ክትትል ዕቤት
👉ኣመጋግባ ህፃን ንምፍላጥን ግልጋሎት ምኽሪ ምርካብን
👉ኽብደት እቲ ህፃን በቢወርሑ ክኾን ዝግበኦ ንፈልጥ፣ ፀገም ኽብደት ዘይምዉሳኹ ተረዲእና ኣመጋግባ ዉላድና ነስተኻኽል
👉 ዉላድና ትሑት ወይ ልዑል ኽብደት እንተድኣ ተመዚኑ፣ ቑልጡፍ ሓገዝ ሕክምና ይረክብ
👉ውላድና ኣብ እዋን ወርሓዊ ክትትል ዕቤት ብቐሊሉ ዘይተፈለጡ ፀገማት ጥዕና ክንፅር የኽእለና
ስለዚ ወለዲ/መዕበይቲ ንወርሓዊ ኽትትል ህፃናት ኣብ ቐረባ ናብ ዝርከብ ጥዕና ኬላ ወይ ጥዕና ትካል ብምኻድ ብናፃ ኩነታት ጥዕና ዉላዶም ይከታተሉ።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
13 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @TigrayRHB
Twitter: x.com/TigrayRHB
YouTube: @TigrayRHB
Tiktok: TigrayRHB
WhatsApp: https://bit.ly/3AkwXCm
+9
ብሓገዝ መንግስቲ ኤሜሪካ ፕሮግራም ሞሞንተም ኢንቴግሬትድ ሄልዝ ረዚለንስ ኢትዮጵያ ኢምፕሊመንቴሽን መቐለ ኤርያ ዝመፀ ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓገዝ ተዋሂቡ።
11 ግንቦት 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ እተፈፀመ ስርዓት ርኽክብ ተወከልቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ኣተሓባበርቲ እቲ ፕሮግራምን ተረኺቦም።
ከም ሓበሬታ መተሓባበሪ እቲ ፕሮግራም ኣይተ ኣውዓላ ዕቋር እቲ ሐዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ኒኪው(NICU) ፣ሓደሽቲ ውልዶ፣ስርዓት ኣመጋግባን ORT ክፍልን ካልኦት ናይ ፅሬት ስራሕቲ ዝውዕሉ ናውቲ ዘካተተ ኮይኑ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ትግራይ ንዝርከባ 22 ጥዕና ጣብያ፣ክልተ መባእታዊ ሆስፒታላትን ሓንቲ ሪፈራል ሆስፒታልን ዝወሃብ ምዃኑ ገሊፆም።
ትካሎም ነቶም ዝመፁ ዘመናዊ መሳርሕታት ሕክምና ኣብ ሰብ ሞያ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ትካሎም እናሰርሐ ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም።
ነቲ ናውቲ ቢሮ ጥዕና ወኪለን ዝተቐበላ ወ/ሮ ራሄል ደስታ ብወገን እዚ ልዕሊ ብር 3.9 ሚልዮን ዝዋግኡ ናውቲ ሕክምና ንዝሓገዙ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣቢሉ ዝመፀ ሞሞንተም ኢንቴግሬትድ ሀልዝ ረዚለንስ ኢትዮጵያ ኢምፕሊመንተሽን መቐለ ኤርያ ዘለወን ምስጋና ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፀን።
ቅድሚ ሐዚ ኣብ ክንክን ትሕቲ ክብደት ዝውለዱ ህናትን ተመሳሳሊ ፀገማትን ዝሳተፉ ብዙሓት ሓገዝቲ ከምዘይ ነበሩን እዚ ፕሮግራም ምሕጋዙ ፉሉይ ከምዝገብሮ ገሊፀን እቲ ፕሮግራም ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዐን።
ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን ምስቲ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት ጥዕናና ኣብ ምሕዋይ እንገብሮ ዘለና ፃዕሪ ተረዲኦም ተመሳሳሊ ሓገዝ ክገብሩ ተላብየን።
ቢሮ ጥዕና ትግራይ
11 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ
Email: info@trhb.gov.et
Website: www.trhb.gov.et
Facebook: @Tigray
现已上线!2025 年 Telegram 研究 — 年度关键洞察 
