ch
Feedback
አግኣዝያን (Agazian tigray)

አግኣዝያን (Agazian tigray)

前往频道在 Telegram

እዚ አግኣዝያን ትግራይ ሚድያ ቴሌግራም ቻነል እዩ!

显示更多
1 151
订阅者
-324 小时
-127
-3930
帖子存档
ፅዋታ ዋንጫ ዓለም ቀፂሉ ሎሚ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፅዋታ ፈረንሳይን ሰኔጋልን ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ 3-1 ተዛዚሙ። ኮኾብ ዓለምና ኪልያን ምባፔ 2 ጎል እንተቑፅር ባርኮላ ነታ ዝተረፈት ሸቶ
ፅዋታ ዋንጫ ዓለም ቀፂሉ ሎሚ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፅዋታ ፈረንሳይን ሰኔጋልን ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ 3-1 ተዛዚሙ። ኮኾብ ዓለምና ኪልያን ምባፔ 2 ጎል እንተቑፅር ባርኮላ ነታ ዝተረፈት ሸቶ ኣመዝጊብዋ ካብ ስዕረት ዘየድሓነት ጎል ሴኔጋ ድማል ኢብራሂም ምባየ ኣመዝጊብዋ። ቅድሚ ዕረፍቲ ክሕመ ዝፀነሐ ምባፔ ድሕሪ ዕረፍቲ ደሚቑ። #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

🛑 ሰበር ዜና ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብምኽንያት ጥሕሰት ሕጊ ፀረ-ዶፒንግ ናይ 4 ወርሒ እገዳ ተቐፂዓ። ብመሰረት ናይቲ ውሳነ፣ ኣብ 5 ታሕሳስ 2025 ካብ ውድድር ወፃኢ ብዝተገብረ ፍተሻ ኣብ ሰብነታ
🛑 ሰበር ዜና ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብምኽንያት ጥሕሰት ሕጊ ፀረ-ዶፒንግ ናይ 4 ወርሒ እገዳ ተቐፂዓ። ብመሰረት ናይቲ ውሳነ፣ ኣብ 5 ታሕሳስ 2025 ካብ ውድድር ወፃኢ ብዝተገብረ ፍተሻ ኣብ ሰብነታ ናይ Letrozole ዝተባህለ ክልኩል ንጥረ ነገር ተረኺቡ። እቲ እገዳ ካብ 1 ሰነ 2026 ክሳብ 30 መስከረም 2026 ዝፀንሕ ኮይኑ፣ ኩሎም ካብ 5 ታሕሳስ 2025 ጀሚሮም ዝተመዝገቡ ውፅኢታታ ውድድር ክስረዙ ተወሲኑ። ብተወሳኺ፣ ዝረኸበቶም ሜዳልያታት፣ ገንዘባዊ ሽልማታትን ካልኦት ጥቕማ ጥቕምን ክትመልስ የገድድ። መግለፂ ናይ በዓል ስልጣን ፀረ-ዶፒንግ ከም ዝሕብሮ፣ እቲ ጉዳይ ምስ ናይታ ኣትሌት ጥዕና ብሕክምና ዝተገበረ ፍቓድ ዝተኣሳሰር እኳ እንተነበረ፣ እቲ ዝተዋህበ ውሳነ ግን ናይ መወዳእታን ይግባኝ ዘይብሉን ምዃኑ ተገሊፁ።

ሰላም! ወዮ ብዛዕባ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታትን ከይንዛረብ ከም ድፍረት ተሓሲቡ ካልእ ከይመስል ብዓብዩ ድማ ንሶም ምስ እግዚአብሔር ብፀሎት እናተማኸሩ ስለዝውስኑ ፈጣሪ ይሓግዞም ኢልና እም
ሰላም! ወዮ ብዛዕባ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታትን ከይንዛረብ ከም ድፍረት ተሓሲቡ ካልእ ከይመስል ብዓብዩ ድማ ንሶም ምስ እግዚአብሔር ብፀሎት እናተማኸሩ ስለዝውስኑ ፈጣሪ ይሓግዞም ኢልና እምበር ሐዚ ዘሎ ሕትኽትኽ ካብ ባዕሎም ዘሊሉ ኣብ ሚድያ ልክዕ ከም ፖለቲከኛታት ትግራይ ነናይ ባዕሎም ማይክ ሒዞም ነናይ ባዕሎም ክትዕ ከቕርቡ ካብ ምርኣይ ዘሰክፍ የለን። መንበረ ሰላማ ክምስረት ከሎ ካብቶም መጀመሪያ ሰረት ሃገረ ትግራይ እዮም ተባሂሎም ተስፋ ዝተገበረሎም ትካላት ትግራይ ቀዳማይ እዩ። ነሱ ዓርሱ ኽኢሉ በቲ ዝተገበረሉ ተስፋ ልክዕ ሕግን ሕገ ቤተክርስቲያንን ኣኽቢሩ ምእመናን መናእሰይ ሰብሲቡ ስለሃይማኖቶም ክፈልጡ ካብኡ ሓሊፉ መራሕቲ ፓለቲካ ንዝገብርዎ ስሕተት ኮነ ጥፍኣት ንክእረሙ ክግስፅ ኣባጊዑ ክሕሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝዓበየ ትካል ትግራይ እዩ። ሐዚ ግን ኩሉ ተስፋታትን፣ባህግታትን ህዝቢ ንጎኒ ገዲፉ ቱሓደ ነቲ ሓደ ክጠቓቐን ሕሉፍ ሓሊፉ ጉባኤ ክግበርኳ ንሓደ ጳጳስ እናፈለኻ ነቲ ሓደ እናዓደምካ ከም ፖለቲካ ሸቐጥ ተጀሚሩ። እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዝተሸጎጡ ሽቃጦ ድማ ሐዚ በብ ይጠቕመኒ እዩ ዝበልዎ ኣንፈት ተፀጊዖም ኣብዚ ሚድያ ክጠቓቐኑ ብፍላይ ኸዓ ኣብ ልዕቢ ኣቡነ ሰላማ ፀለመ ሓሶት ክጠቓቕኑ ንርኢ ኣለና። ግን ሐዚ እውን ለብሙ። ነዚ ንፅሕፍ ወይ ንዛረብ ለባማት ክንበሃል ወይ ክንላገፅ ዘይኮነ ካብቶም ወለድና ናይ መሬት ኮነ ናይ ሰማይ መንገዲ ዝመርሑና ወለዲ ኢልና ንትስፈየሎም ከምዚ ክመፅእ ስለዘይንፅበ እዩ። መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ትኦተቤ/Menbere Selama TOTC Tigray Orthodox Tewahedo Church Diocese Of Humera Tigray Orthodox Tewahedo Church Archdiocese of Europe

ቲክቶክ ካብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ቲክቶኮራት 1,820,961 ቪድዮታት ከምዘጥፈ ገሊፁ። ቲክቶክ ናይ 2025 ራብዓይ ርብዒ ዓመት ሪፖርቱ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን በዚ ድማ ሕጊ ደምቢ ቲክቶክ ብምጥሓሶም
ቲክቶክ ካብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ቲክቶኮራት 1,820,961 ቪድዮታት ከምዘጥፈ ገሊፁ። ቲክቶክ ናይ 2025 ራብዓይ ርብዒ ዓመት ሪፖርቱ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን በዚ ድማ ሕጊ ደምቢ ቲክቶክ ብምጥሓሶም ዝተደምሰሱ በዝሒ ቪድዮታት ዘርጊሑ። ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ October - December ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 175ሚልዮን ቪድዮታት ከምዘጥፈአን ካብዚኦም እቶም 1,820,961 ናይ ኢትዮጵያዊያን ቲክቶኮራት ምዃኖም ሓቢሩ። #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

➡️ ኣብ ጭዋዳ ኢዱ እዝኒ ዝተኸለ ናይ ኪነ ጥበብ በዓል ሞያ!😁 👉ስቴላርክ ዝተብሃለ ኣወስትሪያላዊ በዓል ሞያ ኪነ ጥበብ ኣብ ጨዋዳ ኢዱ እዝኒ ብቀዶ ጥገና(ቀዲድካ ምፅጋን ብትግርኛ😁) ብምግጣም
➡️ ኣብ ጭዋዳ ኢዱ እዝኒ ዝተኸለ ናይ ኪነ ጥበብ በዓል ሞያ!😁 👉ስቴላርክ ዝተብሃለ ኣወስትሪያላዊ በዓል ሞያ ኪነ ጥበብ ኣብ ጨዋዳ ኢዱ እዝኒ ብቀዶ ጥገና(ቀዲድካ ምፅጋን ብትግርኛ😁) ብምግጣም መነጋገሪ ኮይኑ ኣሎ። 👉እዚ ናይቲ እዝኒ ኣብ ጭወዳ ኢድ (Ear on Arm)ዝተብሃለ ፕሮጀክት ኣካል እንትኸውን ስርዓተ ኣፈጣጥራ ወዲሰብን ቴክኖሎጂን ዘለዎም ምትእስሳር ንምፍታሽ ኣብ ዝተገበረ ናይ 12ዓመት ፕሮጀክት ውፅኢት ሓደ ዩ። 👉እዚ ፍሉይ እዝኒ ዝተሰርሐ ካብ ናይ ስቴላርክ ህልዋት ስምዒት ሕዋሳት(living cells) ብዝተቐረፀ ምስሊ እንትኸውን ብናይ ሰለስተ ቀዲድካ ፅገና(ቀዶ ጥገና) ስፔሻሊስት ሓኻይም ፃዕሪ ኣብ ኢዱ ክቦቅል ዝተገበረ እዩ። 👉ስቴላርክ እቲ ዝተገጠመሉ 3ይ እዝኒ ድምፂ ናይ ምስማዕን ምትሕልላፍን ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብቲ ሓዱሽ እዝኒ ውሽጢ ንእሽተይ ማይክሮፎን ብምእታው ድምፂ ብገመድ ኣልቦ ፈነወ ምትሕልላፍ ክኢሎም እዮም። 👉እዚ ናይ ኢድ ሓዱሽ እዝኒ ወዲ ሰብ ካብ ተፈጥራዊና ባዮሎጂካዊ ኣወቓቕራ ስርዓቱ ከይወፀ ብዘርፊ ሕክምና ምስ ቴክኖሎጂ ብምውህሃድ ተወሰኽቲ ስምዒት ሕዋሳት ምምዕባል ከምዝኽእል መርኣያ ተገይሩ ተወሲዱ ኣሎ። ከም ፀብፃብ EBC መዝናኛ ተርጓሚ Edul Hans ቴሌግራም 👉https://t.me/hmedul

👉 ኣብ ፖስት ፒል ዘለው ዝተስሓሓቱ ግንዛበታት ግን ድማ ክነስተውዕሎም ዝግብኡ ሓቅታት 🩺 ዋላ ጥንሲ ይከላኸል ብስዲ ፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ግን ብፍፁም ኣይከላኸልን። 🩺 ድሕሪ ምውሳድ
👉 ኣብ ፖስት ፒል ዘለው ዝተስሓሓቱ ግንዛበታት ግን ድማ ክነስተውዕሎም ዝግብኡ ሓቅታት 🩺 ዋላ ጥንሲ ይከላኸል ብስዲ ፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ግን ብፍፁም ኣይከላኸልን። 🩺 ድሕሪ ምውሳድ ፖስት ፒል ድቂ እንተተፈጢሩ ኣብ ጥንሲ ዘስዕቦ ፀገም የለን 🩺 ንዝተፈጠጠረ ድቂ ጠጠው ንምባል/ንምቁራፅ ኣይጠቅምን 🩺 መኻንነት ኣየምፅእን ምኽንያቱ ኣብ ሰዉነትና ንዝተወሰኑ መዓልትታት ጥራሕ ስለዝፀንሕ 🩺 ካብ ማህፀን ወፃኢ ጥንሲ ንክፍጠር ምኽንያት ኣይከውንን። 🩺 ኣስተውዕሊ:–ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ውሽጢ 2 ስዓት እንተምሊሱኪ መሊስኪ ክትወስዲ ኣለኪ ዝተሰሓሓቱ ሓቅታት ንኽንፈልጦም እምበር ፖስት ፒል ብተደጋጋሚ ምውሳድ ከምዘይምከር ክንፈልጥ ኣለና። © ጥዕና ይሃበለይ

Before You can be at peace with others,you must be at Peace with your self ❤
Before You can be at peace with others,you must be at Peace with your self ❤

ኣብ ዙርያ እቶም ቅኑዓት ሰባት ብዙሓት ቅኑዓት ኣለዉ። ነቶም ቅኑዓት ምስ ቅኑዓት ኢኻ ትረኽቦም። #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረ
+9
ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረብ፣ኢትዮጵያ፣ትግራይ፣መላእ 🌍ን ንልእኽ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ 0508258229/0590519833 ብዋትስኣፕ፣ኢሞ፣ቴሌግራም፣ሜሰንጀር ደውሉታ🙏 ቴሌግራም Group 👇👇👇 https://t.me/haymimd መሸጢ መንፈሳዊ መፃህፍት 👇👇👇 https://t.me/maekelmeshetimetsahftiagazian

"ካብ ኣፍ ዝወፅእ ሓዊ" "ኣፈይ እዩ ዝዛረብ እምበር ውሽጠይ እኮ ንፁህ እዩ።" ኢላ ሓንቲ ብሕማቕ ዘረባኣ ብዙሓት ዘቐየመት ሰበይቲ ናብ ኣባት ንስሃኣ ቀሪባ እቶም ኣቦ ቀፂሎም መሊሶምላ፦ ልክዕ ኢኺ ዛጓለይ ተመን እውን እኮ ድሕሪ መርዙ ምትፋእ ውሽጡ ንፁህ እዩ።"ኢለምዋ። መልሓስ ዓፅሚ የብሉን ዓፅሚ ግን ይሰብር።እግዚአብሔር መልሓስ ከምእዝኒ ክፍቲ አይገበሮን። ብከንፈርን ስንን ሸፊኑ ፈጢርዎ።ንእሽተይ ሕስብ ኣቢልና ንክንናገር ይገብር እዩ።ደቂ ሰባት ባህሪና ንምንጋር ዝደንጎየ ንምስማዕ ዝቐልጠፈ ክኸውን ይግባእ። ቅዱስ ያዕቆብ ብዛዕባ ኣንደበት ክዛረብ ከሎ ብዘይ ንእሽተይ ዕንፀይቲ ዓብዪ ዱር ኣይቃፀልን" ከምዝብሎ ሓይሊ መልሓስ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ።ካብ ኣፍ ዝወፅእ ሓዊ ብዙሕ ጉድኣት ኣለዎ።ሰብ ተተወቐዐ ተሓኪሙ ቆስሉ ይሓዊ ክፉእ ዘረባ ዘቑሰሎ ቆስሊ ግን ብቐሊሉ አይሓውን። በትሪ ተወቒዕኻ ዝጉዳእ ስጋ እዩ ክፉእ ዘረባ ግን ነብሲ እዩ ዘፍርስ።ክፉኣት ቃላት ንሓደ ሰብ ንግዚኡ ዘይኮነስ ንዘልኣለም ከቑስልዎ ይኽእሉ እዮም። መርዛማት ቃላት ናይ ሰባት ሂወት ቅርፂ ክሳዕ ምቕያር ይበፅሕ። 👉 ክንደይ እዮም ብሰንኪ መርዛም ቃላት ዓርሰ እምነቶም ተቐንጢጡ ዝተሸማቓቑ። 👉 ክንደይ ሰብ እዮም ብናይ ሓደ ሰብ ንስኻ "አይትኽእልን" ብዝብል ድምፂ ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ንኣእምሮኦም ከምዘይክእሉ ኣእሚኖም ዝነብሩ። 👉 ንቀልዲ ተባሂሉ ብዝተወርወሩ ቃላት ተጎዲኦም ሰብ ኣፅሊእዎም ብሕታውነት ዝመረፁ ሰባት ክንደይ እዮም? 👉ብፀርፊን ክፉኣት ቃላትን ሓዳሮም ዝፈረሱ ሰባት ገዝኦም ይቑፀሮም። 👉ስለዝተፀረፉ ጥራሕ ብስምዒት ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ዘርኡ ክሳዕ ዝጠፍእ ፍርዲ ዝፈረዱ ሰባት አለው።ኣብዚ ግን እቱ ተፃራፊ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ዝዓበየ ተሓታትነት ከምዘለዎ ክርሳዕ ዘይግበኦ እዩ። እግዚአብሔር "ከምብዋዛ ንዝተናገርክምዎ ቃል ኣብ ዕለተ ፍርዲ መልሲ ክትህብሉ ኢኹም" ብምባል ንሰባት እነውፀኦ ሕድሕድ ቃል ክንጥንቀቐሉ ከምዘለና ይናገር። ብኣንፃሩ ንደቂ ሰባት ፅቡቕ ቃል ምዝራብ ብዙሕ ዋጋ ኣይንህብን።ንፀርፍን ሕማቓት ቃላትን ንድሕሪት ዘይንብል ንሰናይ ቃላትን ግን ምስጋናን እነድሐርሕር ሰባት ኢና። ኣብ ቅድሚኡ ቃላት መሪፅና ንምፅራፍ ዘይንፈርሕ ንምስጋና ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ኮይኑ እምበይ ኢልና ንዛረብ ኣገረምቲ ፍጥረት ኢና። ኮይኑ ግን ቃላት ኣማዕሪግና ንሰባት ኣወንታዊ ኣነጋግራ ክንዛረብ ከለና ናይ ሰባት ስብእና ኢና ንሃንፅ።ፈጣሪ "ብርሃን ኩን" ኢሉ ንመሬት ብቓሉ ከምዘብረሆ ንሕናለ ምፍጣር እኳ ተዘይከኣልና ብንእሽተይ ፅቡቕ ነገር ተዛሪብና ናይ ሓደ ሰብ መዓልቲ ብሓጎስ በሪሁ ንኽውዕል ምኽንያት ክንከውን ንኽእል። ካብ ማንም ብላዕሊ ጥዑም ላዛ፣ልዙብ ኣንደበት ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝተርፍ ክባር ውህብቶ እዩ። "ወድኺ ትምህርቲ ዘይርደኦ ሰነፍ ስለዝኾነ ናብ ትምህርቲ ቤትና ከይትልእኽዮ" ዝብል ደብዳቤ ዝተውሃባ ኣዶ "ወድኺ ኣዝዩ ንፉዕ ስለዝኾነ ንዕኡ ምምሃር ዓቕሚ ስለዘይብልና ኣብ ገዛኺ ኣምህርዮ" ኢላ ገልቢጣ ንወዳ ብምንባብ ፍሉጥ ሳይንቲስት ክኸውን ኣብቂዓ እያ። "ብርሃን ኩን" መሬት ዘራእቲ ተውቅል" ኢሉ ብቓሉ ዝፈጠረ ኣምላክ ብኣምሳሉ እዩ ፈጢሩና እሞ ንሕናለ ብቓላትና ነሕምም ዘይኮናስ ብቓላትና ንፍውስ ኣወንታውያን ንኹን። ፍልፍል ካብ ማ/ሚድያ ተተርጉሙ ዝቐረበ ተፈቲኽምዎ ሼር❤ ቴሌግራም 👉https://t.me/hmedul

ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረ
+3
ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረብ፣ኢትዮጵያ፣ትግራይ፣መላእ 🌍ን ንልእኽ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ 0508258229/0590519833 ብዋትስኣፕ፣ኢሞ፣ቴሌግራም፣ሜሰንጀር ደውሉታ🙏 ቴሌግራም Group 👇👇👇 https://t.me/haymimd መሸጢ መንፈሳዊ መፃህፍት 👇👇👇 https://t.me/maekelmeshetimetsahftiagazian

ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረብ፣ኢትዮጵያ፣ትግራይ፣መላእ 🌍ን ንልእኽ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ 0508258229/0590519833 ብዋትስኣፕ፣ኢሞ፣ቴሌግራም፣ሜሰንጀር ደውሉታ🙏 ቴሌግራም Group 👇👇👇 https://t.me/haymimd መሸጢ መንፈሳዊ መፃህፍት 👇👇👇 https://t.me/maekelmeshetimetsahftiagazian

ሜታ ናይ ቲክቶክን ዩቲዩብን ተፅዕኖ ፈጠርቲ ናብ ፌስቡክ ንምስሓብ ወርሓዊ ክፍሊት ኣቕሪቡ። ሜታ ፍሉጣት ናይ ቪድዮ ፈጠርቲ(content creators) ካብ ካልኦት ናይ ሶሻል ሚድያ ፕላትፎርምታት ና
ሜታ ናይ ቲክቶክን ዩቲዩብን ተፅዕኖ ፈጠርቲ ናብ ፌስቡክ ንምስሓብ ወርሓዊ ክፍሊት ኣቕሪቡ። ሜታ ፍሉጣት ናይ ቪድዮ ፈጠርቲ(content creators) ካብ ካልኦት ናይ ሶሻል ሚድያ ፕላትፎርምታት ናብ ፌስቡክ ንምምፃእ "Creator Fast Track" ዝተብሃለ ሓዱሽ መርሃ ግብሪ ዕላዊ ገይሩ። ተፅዕኖ ፈጠርቲ ዝነበርዎም ቪድዮታት ኣብ ፌስቡክ መሊሶም ብምፅዓን ጥራሕ ወርሓዊ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ከምዝፍፅም ኣፍሊጡ። ዝርዝር ክፍያ ዝተመረፁ ተፅዕኖ ፈጠርቲ ከም በዝሒ ተኸታተልቶም ክፍሊት ይቐርበሎም። ✅100,000 ተኸተልቲ ዘለዎም ብወርሒ 1000$ ✅ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተኸተልቲ ዘለዎም ብወርሒ 3000$ ✅ ተወሳኺ ልዕሊ ገንዘብ ፌስቡክ ነቶም ዝተለጠፉ ቪድዮታት ዝለዓለ ተበፃሕነት(Boost) ከምዝረኽቡ ክግበር ዩ። ​ ኣብዚ ፕሮግራም ንምስታፍ ዘድልዩ ረቋሕታት ብጣዕሚ ጥብቕ ዝበሉ ሕግታት ዘቐመጠ እንትኸውን እቲ ዋና ዋና ዝስዕቡ እዮም። 1, ኣብ ኣሜሪካ ወይ ካናዳ ዝነብሩ ዕድሜኦም 18 ዓመት ዝመልኦም። 2,ብኢንስታግራም፣ ቲክቶክ ወይ ብዩቲዩብ ብውሕዱ 20,000 ሰዓብቲ ክህልዎም ይግባእ። 3, ተነኣሰ ን30 መዓልቲ ዝፀንሐ ፌስቡክ ገፅ ዘለዎም 4,ኣብ ዝሓለፉ 60 መዓልቲ እንተነኣሰ 30,000 ቪው ዘለዎ። እዚ ስጉምቲ ሜታ ብ2025 ንcontent Creator ዝኸፈሎ ናይ ክፍያ መጠን 3 ቢልዮን ዶላር ብምብፅሑ ናይ 35% ወሰኽ ብምርኣዩ ዝመፀ ስጉምቲ እዩ። ​ ቴሌግራም 👉https://t.me/hmedul #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሊዮኔል ሜሲ 900 ሽቶታት በፂሑ። ልዮነል ሜሲ 900 ሸቶታት በጺሑ...! => ንኣርጀንቲና 115 ሸቶታት ኣብ 196 ግጥማት => ንባርሴሎና 672 ሸቶታት ኣብ
ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ሊዮኔል ሜሲ 900 ሽቶታት በፂሑ። ልዮነል ሜሲ 900 ሸቶታት በጺሑ...! => ንኣርጀንቲና 115 ሸቶታት ኣብ 196 ግጥማት => ንባርሴሎና 672 ሸቶታት ኣብ 778 ግጥማት => ንPSG 32 ሸቶታት ኣብ 75 ግጥማት => ንኢንተር ማያሚ 81 ሸቶታት ኣብ 92 ግጥማት...! 1000 ጎል ይበፅሕ ዶ ይኸውን? Telegram 👉https://t.me/hmedul #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

ሃይሚ ሓበሻ ክዳውንቲ ሕርያ ብዙሓት ❤ ንመርዓ ንክርስትና ንዓመት ቆልዓ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳውንቲ ሓበሻን፣ሽፎናት፣ዙርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋን ብፅሬትን ናብ መላእ ስዑዲ ዓረብ፣ኢትዮጵያ፣ትግራይ፣መላእ 🌍ን ንልእኽ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ 0508258229/0590519833 ብዋትስኣፕ፣ኢሞ፣ቴሌግራም፣ሜሰንጀር ደውሉታ🙏 ቴሌግራም Group 👇👇👇 https://t.me/haymimd መሸጢ መንፈሳዊ መፃህፍት 👇👇👇 https://t.me/maekelmeshetimetsahftiagazian

ንኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ፖርቱጋላዊ Bruno Fernandes ብምስኣል ዓለም ዘነጋግር ዘሎ ወጣት ኢትዮጵያ። ኢትዮጵያዊ ሰኣሊ ያቤፅ በላይ(yabets belay) ንብሩኖ
ንኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ፖርቱጋላዊ Bruno Fernandes ብምስኣል ዓለም ዘነጋግር ዘሎ ወጣት ኢትዮጵያ። ኢትዮጵያዊ ሰኣሊ ያቤፅ በላይ(yabets belay) ንብሩኖ ብፍልይ ዝበለ ቅዲ ብናይ ስኒ መሕፀቢ ብሩሽ ኣብ መስትያት እዩ ስኢልዎ። ነዚ ዝሰርሖ ስእሊ ብቀጥታ ኣብ Instagram ብቪድዮ መልክዕ ምስ ጠቀዖ ብሩኖ ብቀጥታ ኣብ comment መፅዩ incredible ብምባል ሓሳቡ ኣቐሚጡ ነቲ ቪድዮ ብቀጥታ ኣብቲ ልዕሊ 10,2ሚልዮን ተኸተልቲ ዘለዎ instagran ገፁ ኣብ story ብምልጣፍ ኣመስጊንዎ። #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ

ቅድሚ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ምዃነይ ብዙሓት ኣዋልድ ሕማቕ መልክዕ ከምዘለኒ ይነግራኒ ነይረን። ነገር ግን ፕሮፌሽናል ናይ ኩዕሶ እግሪ ኩንትራተይ ምስተፈራረምኩ ንደሓር ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ፀቢቕካ፣ኣጥ
ቅድሚ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ምዃነይ ብዙሓት ኣዋልድ ሕማቕ መልክዕ ከምዘለኒ ይነግራኒ ነይረን። ነገር ግን ፕሮፌሽናል ናይ ኩዕሶ እግሪ ኩንትራተይ ምስተፈራረምኩ ንደሓር ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ፀቢቕካ፣ኣጥዒሙልካ እናበላ ቴክስት ክፅሕፋለይ ጀሚረን።ሕሉፍ ሓሊፉ ገለገሊአን ናይ ኣውሮፓ ኩነታት ፀባይ ኣየር መልክዕኻ ቀይርዎ ክብላ ጀሚረን። ኣነ ግን ንባዕለይ ኣብ መስትያት ተረአኽዎ ተመሳሳሊ ምስ ናይ ቀደም መልክዐይ እየ ዘለኹ ስለዚ ንገንዘብ ኢለን ምዃነን ተረዲኡኒ። " መወዳእታ ግን ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ሓቢራትኒ ንዝነበረት ምንም ዘይብለይ ከለኹ ንዝደገፈትኒ መተዓቢተይ ምስኣ ሓዳር መስሪተ። ክሬፒን ዲያታ © ሸገር ስፖርት ብኣማርኛ ዝተፅሓፈ ተርጓሚ Edul Hans #አግኣዝያን_ትግራይ_ሚድያ